“ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ”
እቶም ከም ኣውሊ ባህ ዘብሉ መንእሰያት
የሱስ ክርስቶስ “ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ” ብምባል ዘቕረቦ ጻውዒት ንመንእሰያት ሰዓብቱ እውን ዝምልከት ምንባሩ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (ማቴዎስ 11:28) ገሊኣቶም ሰባት ንደቆም ናብኡ ምስ ኣምጽእዎም: ደቀ መዛሙርቱ ክኽልክልዎም ፈተኑ። የሱስ ግን “ሕደግዎም: ቈልዑ ናባይ ይምጽኡ: . . . ኣይትኽልእዎም” በለ። ኣብ ርእሲ እዚውን “ሐቝፉ ኢዱ ኣንቢሩሎም ባረኾም።” (ማርቆስ 10:14-16) ብርግጽ እምበኣር የሱስ ንነኣሽቱ ኣኽቢሩ ኢዩ ዝርእዮም ነይሩ።
መጽሓፍ ቅዱስ: ንኣምላኽ ኣብ ምግልጋል ብሉጽ ኣብነት ብዛዕባ ዝገደፉ እሙናት መእንሰያት ኰኑ ቘልዑ የዘንትወልና ኢዩ። ኣብ መጽሓፍ መዝሙር ከም ኣውሊ ባህ ብዛዕባ ዘብሉ ‘መንእሰያት’ ተጻሒፉ ኣሎ። ንስም የሆዋ ብዛዕባ ዝወደሱ “ኣጕባዝን ጐራዙትን” ዝገልጽ ታሪኽ እውን ንረክብ ኢና።—መዝሙር 110:3፣ 148:12, 13
መንእሰያት ዕቤት ዝገብሩሉ ቦታ
ኣውሊ ምስ ብልጽግናን በረኸትን ስለ ዝመሳሰል: መንእሰያት ምስ ኣውሊ ምምስሳሎም ኣጸቢቑ ዝሰማማዕ ኢዩ። (ዘፍጥረት 27:28) ኣውሊ ባህ ዘብል ኢዩ። ኣብዚ ህላወ ክርስቶስ ዝርኣየሉ ዘሎ እዋን ክርስትያን መንእሰያት ፈትዮም ብሃንቀውታ ብብዝሒ ይመጹ ኣለዉ። ብዙሓት መንእሰያት ልክዕ ከም ባህ ዘብል ኣውሊ ብሓጐስ ንኣምላኽ የገልግሉ: ንኣመንቲ ብጾቶም ከኣ ይድግፉ ኣለዉ።—መዝሙር 71:17
ክርስትያን መንእሰያት ንኻልኦት ጥራይ ኣይኰኑን ባህ ዘብሉ: የግዳስ ንሳቶም እውን ካብ ኣገልግሎቶም ሓጐስ ይረኽቡ ኢዮም። ማሕበር የሆዋ እዞም መንእሰያት ዕቤት ክገብሩሉ ዝኽእሉ ሃዋሁ ትፈጥረሎም ኢያ። ልዑል ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ብምሕላዎም ምስ ኣምላኽ ናይ ማሕርሮ ርክብ ኣለዎም። (መዝሙር 119:9) ኣብ ውሽጢ ጉባኤ እውን ኣብ ባህ ዘብል ንጥፈታት ይካፈሉን ጥዑያት ኣዕሩኽ ይረኽቡን ኢዮም፣ እዚ ድማ ዘሐጕስን ትርጕም ዘለዎን ህይወት ንኽህልዎም ኣበርክቶ ዝገብር ኢዩ።
‘ፈውስን ዕረፍትን’
ክርስትያን መንእሰያት ከም “ኣውሊ” ምዃኖም ይስምዖምዶ ኢዩ፧ ኣብ ጉባኤኣ ንጥፍቲ ዝዀነትን ኣብ ወርሒ ልዕሊ 70 ሰዓታት ኣብ ኣገልግሎት እተሕልፍን ታንያ እትበሃል መንእሰይ ብዛዕባ ኣገልግሎታ ሓሳብ ክትህብ ከላ “የሐጕሰንን የተባብዓን ኢዩ” በለት። ወሲኻ ድማ “ንየሆዋን ነታ ምድራዊት ማሕበሩን ኣብ ህይወተይ ቦታ ብምሃበይ ‘ፈውስን ዕረፍትን’ ኰይኑኒ ኢዩ” በለት።—ምሳሌ 3:8 NW
ኣርየል እትበሃል ካልእ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ከኣ ነቲ ኣብ ጉባኤ እትረኽቦ መንፈሳዊ መግቢ ተማስወሉ ኢያ። ከምዚ ድማ በለት:- “ናብ ክርስትያናዊ ናይ ጉባኤ ኣኼባታትን ዓበይቲ ኣኼባታትን ክኸይድ ከለኹ: ካብ መንፈሳዊ መኣዲ የሆዋ ኢየ ዝምገብ: እዚ ኸኣ ብመንፈስ የሐድሰኒ ኢዩ። ኣብ መላእ ዓለም መዓይይቲ ኸም ዘለዉኒ ምፍላጠይ እውን የተባብዓኒ ኢዩ።” ቀንዲ ምንጪ ሓጐስ እንታይ ምዃኑ ኽትጠቅስ ከላ “ብፍላይ ከኣ እዚ ኣገባብ እዚ ኣብ ሰባት ዘለዎ ዘሕዝን ጽልዋ ክርኢ ኸለኹ ንየሆዋ ከም መሓዛ ኽቐርቦ ብምኽኣለይ ኣዝዩ ኢዩ ዘሐጕሰኒ” በለት።—ያእቆብ 2:23
ወዲ 20 ዓመት ኣቢሉ ዝኸውን ኣቢሻይ ዝበሃል ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋልን ናይ ጉባኤ ኣገልጋልን ኰይኑ ይዓዪ ኣሎ። ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ከኣ ስምዒቱ ገለጸ:- “ንመንእሰያት ዘጋጥሞም ዘሎ ብዙሕ ጸገማት ብኸመይ ከም ዝዋጽኣሉ ስለ ዝፈልጥ የሐጕሰኒ ኢዩ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸብክዎ ሓቂ ንየሆዋ ብምሉእ ነፍሰይ ንኸገልግሎ ዝሕግዘኒ ነገራት ንኸተኵረሉ ሓጊዙኒ ኢዩ።”
ኣንቶኒ ኣብ መጀመርታ ኰተቴ ዕድሚኡ ኸሎ ብቐሊሉ ዝቝጣዕ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ሓደ ግዜ ንመማህርቱ ብሰድያ ገይሩ ዘበጦ: ኣብ ካልእ እዋን ከኣ ንሓደ መማህርቱ ብርሳስ ገይሩ ወግኦ። ብርግጽ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝፈትዎ ሰብ ኣይነበረን! እንተዀነ ግን ካብ ኣምላኽ ዝረኸቦ ትምህርቲ ንባህርያቱ ቐየሮ። ሕጂ ወዲ 19 ዓመት ኣቢሉ ዀይኑ ኢዩ: ኣገልጋሊ ጉባኤን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋልን ኰይኑ ኸኣ ይዓዪ ኣሎ። ብዛዕባ ናብርኡ ድማ ከምዚ ብምባል ሓሳብ ሃበ:- “የሆዋ ብዛዕባኡ ንኽፈልጥ ኣጋጣሚ ስለ ዝኸፈተለይን ርእሰይ ንኽቈጻጸርን መገደይ ንኸዐርን ከኣ ስለ ዝሓገዘንን አመስግኖ ኢየ። በዚ ኸምዚ ነቲ ዝነበረኒ ጸገም ኣወገድክዎ።”
ካልኦት ሰባት እውን ነቲ ክርስትያን መንእሰያት ዘርእይዎ ባህ ዘብል ባህርያት ይዕዘብዎ ኢዮም። ማቴዮ ኣብ ኢጣልያ ዝነብር መንእሰይ ናይ የሆዋ ምስክር ኢዩ። ሓደ ግዜ መምህሩ ኣብ ክፍሊ ዝዀነ ይኹን ጽዩፍ ቃል እተዛረበ እተወሰነ ሳንቲም ክቕጻዕ ዝብል ውሳነ ገበረ። ድሕሪ ገለ ግዜ: እቶም ተማሃሮ “ጽዩፍ ቃላት ክውገድ ዘይከኣል ኢዩ” ብምባል እቲ ውሳነ ኽፈርስ ሓተቱ። ማቴዮ ብዛዕባቲ ድሕርዚ ዘጋጠመ ነገር ከምዚ በለ:- “እንተዀነ ግን: እታ መምህር እቲ ዝበልዎ ቕኑዕ ከም ዘይኰነ ገለጸትሎም: ኣነ ናይ የሆዋ ምስክር ብምዃነይ ጽዩፍ ቃላት ስለ ዘይጥቀም ኣብ ቅድሚ ምሉእ ክፍሊ እናኣመጐሰት ከም ኣብነት ጠቐሰትኒ።”
ኣብ ሓንቲ ኣብ ታይላንድ እትርከብ ረበሽቲ ተማሃሮ ዝመልእዋ ኽፍሊ: ሓንቲ መምህር ነቲ ወዲ 11 ዓመት ራትያ ኣብ ቅድሚ ኽፍሊ ደው ኣበለቶ እሞ “ንምንታይ ኢኹም ኵላትኩም ኣብነቱ ዘይትስዕቡ፧ ንፉዕን እዱብን ተመሃራይ ኢዩ” ብምባል ከኣ ነኣደቶ። ኣስዕብ ኣቢላ ድማ “ጠባይኩም ከተማሓይሹ እንተ ዄንኩም: ከም ራትያ ናይ የሆዋ ምስክር ክትኰኑ ዘለኩም ይመስለኒ” በለቶም።
ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ክርስትያን መንእሰያት ንየሆዋ ኣጸቢቖም ክፈልጥዎን ፍቓዱ ኽገብሩን ከለዉ ምርኣይ ዘሐጕስ ኢዩ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ንፉዓት መንእሰያት ኣብ መሳቱኦም ዘየለ ልቦና ኢዩ ዘለዎም። ኣምላኽ ኣብዛ ሕጂ ዘላ ህይወቶም ዕዉታት ንኽዀኑ ይሕግዞም: ናብታ እትመጽእ ዘላ ሓዳስ ዓለም ከኣ ከእትዎም ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:8) ኣብዚ ጕሁያትን ብስጩዋትን መንእሰያት ዝመልእዎ ብመንፈሳዊ መዳይ ምድረ-በዳ ዀይኑ ዘሎ ኣገባብ: ክርስትያን መንእሰያት ግን ብኣንጻሩ ባህ ዘብሉ ኢዮም!