ትምህርቲ 05
መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ እተላእከልና መልእኽቲ እዩ
የሆዋ ዜደንቕ ውህበት ሂቡና ኣሎ። እዚ ውህበት እዚ 66 መጻሕፍቲ ዝሓዘ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ‘መጽሓፍ ቅዱስ ካበይ እዩ መጺኡ፧ መን እዩ ደራሲኡ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ነዚ ሕቶታት እዚ ንምምላስ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣምላኽ ዝለኣኾ መልእኽቲ ብኸመይ ናባና ኸም ዝበጽሐ ንርአ።
1. ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ጸሓፍዎ፡ ከመይ ኢሉ ደኣ እዩ ኣምላኽ ደራሲኡ ዚኸውን፧
መጽሓፍ ቅዱስ ብኣስታት 40 ጸሓፍቲ እዩ ተጻሒፉ፣ ንሳቶም ከኣ ካብ 1513 ቅ.ክ. ክሳዕ ከባቢ 98 ድ.ክ. ኣብ ዝነበረ 1,600 ዓመት እዮም ጽሒፎምዎ። እቶም ጸሓፍቲ እቲኦም፡ እተፈላለየ ድሕረ ባይታ እዩ ነይርዎም። ኰይኑ ግና፡ ኵሉ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ንሓድሕዱ ይሰማማዕ እዩ። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ኪኸውን ክኢሉ፧ ምኽንያቱ፡ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ እዩ። (1 ተሰሎንቄ 2:13 ኣንብብ።) እቶም ጸሓፍቲ፡ ሓሳባቶም ኣይኰነን መዝጊቦም። የግዳስ፡ “ብመንፈስ ቅዱስa ተደሪኾም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እዩ።” (2 ጴጥሮስ 1:21) ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ሓሳባቱ ኺጽሕፉ ደሪኽዎም እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16።
2. ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መን ኪጥቀም ይኽእል፧
“ኵሎም ኣህዛብን ነገዳትን ቋንቋታትን ህዝብታትን” ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብስራት ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። (ራእይ 14:6 ኣንብብ።) ኣምላኽ ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ መጽሓፍ ብዝበዝሐ ቛንቋታት ከም ዚትርጐም ገይሩ እዩ። ዳርጋ ዅሉ ሰብ፡ ዓዱ ወይ ቋንቋኡ ብዘየገድስ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጥቀም ይኽእል እዩ።
3. የሆዋ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ዓቂብዎ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ከም ብራናን ጳጲሮስን ዝኣመሰለ ኺበላሾ ዚኽእል ናውቲ እዩ ተጻሒፉ ነይሩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ዚፈትዉ ሰባት ከኣ ነቲ ጽሑፍ ተጠንቂቖም ይቐድሕዎ ነይሮም እዮም። ብርቱዕ ጽልዋ ዘለዎም ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ኬጥፍእዎ እኳ እንተ ፈተኑ፡ ገሊኦም ግና ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ዓቂቦምዎ እዮም። የሆዋ ሓሳቡ ንምምሕልላፍ፡ ዝዀነ ይኹን ነገር ኪዓግቶ ኣይፈቐደን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ቃል ኣምላኽና . . . ንዘለኣለም ይነብር” ይብል።—ኢሳይያስ 40:8።
ኣዕሚቝካ ዅዓት
ኣምላኽ ብመንፈሱ ደሪኹ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዘጽሓፎ፡ ነቲ መጽሓፍ ብኸመይ ከም ዝዓቀቦ፡ ከምኡ እውን ደቂ ሰብ ካብኡ ምእንቲ ኺጥቀሙ እንታይ ከም ዝገበረ ፍለጥ።
4. መጽሓፍ ቅዱስ ደራሲኡ መን ከም ዝዀነ ይገልጽ
ቪድዮ ኣጻውት። ድሕሪኡ 2 ጢሞቴዎስ 3:16 ኣንብብ፡ በዚ ዚስዕብ ሕቶታት ከኣ ተመያየጡ፦
ንመጽሓፍ ቅዱስ ሰባት ካብ ጸሓፍዎ፡ ስለምንታይ እዩ ቓል ኣምላኽ ዚብሃል፧
ኣምላኽ ንሓሳባቱ ናብ ሰባት ኬመሓላልፍ ዚኽእልዶ ይመስለካ፧
5. መጽሓፍ ቅዱስ መጥቃዕታት ሰጊሩ
መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ንሱ ኺዕቅቦ ኢና እንጽበ። ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ሓያል ጽልዋ ዘለዎም ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ኬጥፍእዎ ፈቲኖም እዮም። መራሕቲ ሃይማኖት ከኣ ኪሓብእዎ ፈቲኖም እዮም። ኰይኑ ግና፡ ብዙሓት ሰባት ተጻብኦታት እናኣጋጠሞም ክነሱ፡ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ንመጽሓፍ ቅዱስ ዓቂቦምዎ እዮም። ብዛዕባ ሓደ ኻብዞም ሰባት እዚኦም ንምፍላጥ፡ ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
ንመጽሓፍ ቅዱስ ንምዕቃብ ብዙሕ ከም እተጻዕረ ምፍላጥካስ ከተንብቦ ድሌት ኣሕዲሩልካዶ፧ ስለምንታይ፧
መዝሙር 119:97 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ብዙሓት ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪትርጕሙን ኪዝርግሑን ኢሎም ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኼእትዉ ዝደረኾም እንታይ እዩ፧
6. ንዅሎም ሰባት ዚኸውን መጽሓፍ
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ብብዝሒ እቲ እተተርጐመሉን እተዘርግሓሉን ቀዳማይ ቦታ ዝሓዘ መጽሓፍ እዩ። ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
ኣምላኽ ንቓሉ ብሰፊሑ ኺትርጐምን ኪዝርጋሕን ዝደለዮ ስለምንታይ እዩ፧
ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንዓኻ እንታይ እዩ መሲጡካ፧
ዳርጋ
100%
ህዝቢ ዓለም
ንመጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዚርድኦ ቛንቋ ኺረኽቦ ይኽእል
ብምሉእ ወይ ብኸፊል ብልዕሊ
3,000
ቋንቋ ይርከብ
5,000,000,000
ብዝሒ እቲ እተሓትመ ቕዳሓት፡
ካብ ዝዀነ መጽሓፍ ኣመና ይበዝሕ
ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰባት ዝጸሓፍዎ ናይ ቀደም መጽሓፍ ጥራይ እዩ።”
እንታይ ይመስለካ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ዚሕብር እንታይ መርትዖ ኣሎ፧
ጽማቝ
መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ እዩ፣ ኣምላኽ ድማ ኵሎም ሰባት ከም ዚረኽብዎ ገይሩ ኣሎ።
ክለሳ
ኣምላኽ ንሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ኪጽሕፉ ደሪኽዎም ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተዓቀበሉን እተተርጐመሉን እተዘርግሓሉን መገዲ እንታይ መሲጡካ፧
ኣምላኽ ሓሳቡ ኺገልጸልካ ኢሉ እዚ ዅሉ ምጽዓሩ እንታይ ስምዒት ፈጢሩልካ፧
ዳህስስ
ብዛዕባ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ማለት ካብቲ በዅሪ ኢደ ጽሑፋት ኣትሒዙ ኽሳዕ ዘመናዊ ትርጉማት ዘለዎ ታሪኽ ኣንብብ።
መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ንህልውናኡ ዘስግአ ሰለስተ ዓበይቲ ነገራት ብኸመይ ከም ዝሰገሮ ፍለጥ።
ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ንምትርጓም ከመይ ኢሎም ገዛእ ርእሶም ኣብ ሓደጋ ኸም ዘእተዉ ርአ።
መጽሓፍ ቅዱስ ብብዙሕ ቋንቋታት ተቐዲሑን ተተርጒሙን ኣሎ። እሞ ደኣ መልእኽቱ ብልክዕ ከም እተዓቀበ ኸመይ ጌርና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል፧