ንቓል ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኢኻ እተፍቅሮ፧
“ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ: ምሉእ መዓልቲ ኤስተንትኖ አሎኹ።”—መዝሙር 119:97
1. ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ንቓል ኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ ዝገልጽሉ ሓደ መገዲ እንታይ ኢዩ፧
ብኣማእታት ሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰብኡትን ኣንስትን መጽሓፍ ቅዱስ ኣለዎም። እንተዀነ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ምህላውን ንቓል ኣምላኽ ምፍቃርን ሓደ ኣይኰነን። ሓደ ሰብ ንቓል ኣምላኽ ሳሕቲ ዘንብቦ እንተድኣ ዀይኑ አፍቅሮ ኢየ ክብልዶ ይኽእል ኢዩ፧ ፈጺሙ ክብል ኣይክእልን ኢዩ! ብኣንጻሩ ግን: ቀደም ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ግምት ዘይህብዎ ዝነበሩ ሰባት ሕጂ መዓልቲ መዓልቲ የንብብዎ ኣለዉ። ንቓል ኣምላኽ ምፍቃር ተማሂሮም ኢዮም: ልክዕ ከምቲ ጸሓፍ መዝሙር ከኣ ንቓል ኣምላኽ “ምሉእ መዓልቲ” የስተንትንዎ ኣለዉ።—መዝሙር 119:97
2. እምነት ናይ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ ጽንኩር እዋን ብኸመይ ኢያ ጸኒዓ ዝቐጸለት፧
2 ናሾ ዶሪ ሓደ ካብቶም ንቓል ኣምላኽ ምፍቃር እተማህሩ ሰባት ኢዩ። ንሱን ብጾቱን ኣብ ሃገሩ ኣልባንያ ንየሆዋ እናገልገሉ ንብዙሕ ዓሰርተታት ዓመታት ተጸሚሞም ኢዮም። ኣብ መብዛሕትኡ እቲ ዓመታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ትሕቲ እገዳ ነበሩ: እዞም እሙናት ክርስትያናት ድማ ሒደት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ይረኽቡ ነበሩ። ገና ግን ናይ ሓው ዶሪ እምነት ጽንዕቲ ነበረት። ከመይ ኢላ፧ ሓው ዶሪ ከምዚ በለ:- “ዓይነይ ቅድሚ ምድካሙ ንገለ 60 ዓመታት ዝኸውን ዝገበርክዎ: ንመጽሓፍ ቅዱስ እንተወሓደ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ናይ ምንባብ ሸቶ . . . ነይሩኒ ኢዩ።” ክሳዕ ቀረባ እዋን መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋ ኣልባንያ ኣይተሓትመን ነይሩ: ይኹን እምበር ሓው ዶሪ ቈልዓ ኸሎ ቋንቋ ግሪኽ ስለ እተማህረ በዚ ቋንቋ እዚ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ የንብብ ነበረ። ስርዓታዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ንሓው ዶሪ እተፈላለየ ፈተናታት ንኽጻወር ኣኽኢልዎ ኢዩ: ንዓና እውን ንኽንጻወር ከኽእለና ኢዩ።
ንቓል ኣምላኽ “ብሀግዎ”
3. ክርስትያናት ኣብ ቃል ኣምላኽ እንታይ ኣረኣእያ ከማዕብሉ ኣለዎም፧
3 ሃዋርያ ጴጥሮስ “ከምቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሀግዎ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 2:2) ልክዕ ከምቲ ሓደ ቈልዓ ንጸባ ኣዲኡ ዝሃርፎ: መንፈሳዊ ድሌቶም ንምምላእ ንቑሓት ዝዀኑ ክርስትያናት ከኣ ቃል ኣምላኽ ብምንባብ ሓጐስ ይረኽቡ ኢዮም። ከምኡ ድዩ ዝስመዓካ፧ እንተ ዘይኰይኑ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ንቓል ኣምላኽ ዘሎካ ባህጊ ከተማዕብሎ ትኽእል ኢኻ።
4. መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ልማድ ምግባር እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ፧
4 ከምዚ ንምግባር: መጀመርታ ስርዓታዊ ኴንካ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብ ልማድ ንኽህልወካ ርእስኻ ኣለማምዳ: እዚ ድማ ዝከኣል እንተዀይኑ መዓልቲ መዓልቲ ግበሮ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:11) ልክዕ ከምቲ ናሾ ዶሪ ዝገብሮ ሓደ ሰዓት ኣብ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ኣይትኽእልን ትኸውን: እንተዀነ ግን: ንቓል ኣምላኽ ንኸተስተንትን ገለ ግዜ ክትምድብ ትኽእል ኢኻ። ብዙሓት ክርስትያናት ንገለ ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸስተንትኑ ኢሎም ገለ ደቓይቕ ኣቐዲሞም ይትስኡ። ንመዓልቲ ብኸምዚ ካብ ምጅማራ ዝሓይሽ ነገር እንታይ ኣሎ፧ ገሊኦም ኣብ መወዳእታ እታ መዓልቲ ቅድሚ ምድቃሶም መጽሓፍ ቅዱስ ከንብቡ ይመርጹ። ካልኦት ድማ ኣብ ካልእ ዝጥዕሞም ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ የንብቡ። እቲ ኣገዳሲ ነገር መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታዊ ኴንካ ምንባብ ኢዩ። ካብኡ ነቲ ዘንበብካዮ ንምስትንታን ግዜ ውሰድ። ቃል ኣምላኽ ካብ ምንባብን ምስትንታንን ጥቕሚ ዝረኸቡ ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።
ንሕጊ ኣምላኽ ዘፍቅር ዝነበረ ጸሓፍ መዝሙር
5, 6. ንመዝሙር መበል መዝሙር119 ዝጸሓፈ መን ምዃኑ እኳ እንተ ዘይፈለጥና: ነቲ ዝጸሓፎ ብምንባብን ብምስትንታንን ብዛዕባኡ እንታይ ንማሃር፧
5 እቲ ንመዝሙር መበል 119 ዝጸሓፈ ሰብ ንቓል ኣምላኽ ዓሚቝ ሞሳ ከም ዝነበሮ እተረጋገጸ ኢዩ። ነዚ መዝሙር እዚ መን ኢዩ ጽሒፍዎ፧ መን ከም ዝጸሓፎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይተገልጸን። ካብቲ ትሕዝትኡ ግን ብዛዕብኡ ገለ ነገራት ንማሃር: ኣብ ህይወቱ ሽግር ከም ዘጓነፎ ድማ ንርዳእ። ኣምለኽቲ የሆዋ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ ገለ ብጾቱ ከምቲ ናቱ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ፍቕሪ ኣይነበሮምን። ይኹን እምበር: እቲ ኣረኣእያኦም ነቲ ጸሓፍ መዝሙር ቅኑዕ ካብ ምግባር ክዓናቕፎ ኣይፈቐደሉን። (መዝሙር 119:23) ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ዘየኽብሩ ሰባት ትነብር ወይ ትሰርሕ እንተድኣ ዄንካ: ኵነታትካ ምስ ናይዚ ጸሓፍ መዝሙር ዝመሳሰል ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
6 እቲ ጸሓፍ መዝሙር ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ሰብ እኳ እንተዀነ: ርእሱ ዘጽድቕ ሰብ ግን ኣይነበረን። ዘይፍጽምናኡ ብግህዶ ይእመን ነይሩ ኢዩ። (መዝሙር 119:5, 6, 67) እንተዀነ ግን: ሓጢኣት ክነግሶ ኣይፈቐደን። “ጐበዝ ንመገዱ ብምንታይ የንጽሃ፧” ኢሉ ሓተተ። “ከም ቃልካ ንነፍሱ ብምጥንቃቕ እዩ” ብምባል ድማ መለሰ። (መዝሙር 119:9) ድሕርዚ: ቃል ኣምላኽ ንሰናይ ነገር ክሳዕ ክንደይ ሓይሊ ከም ዘለዎ ብምጕላሕ ከምዚ በለ:- “ንኣኻ ምእንቲ ኸይብድልሲ: ንቓልካ ኣብ ልበይ ዐቘርክዎ።” (መዝሙር 119:11) ንኣምላኽ ንኸይንብድል ክሕግዘና ዝኽእል ነገር ብርግጽ ሓያል ኢዩ!
7. ብፍላይ መንእሰያት መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ ንቑሓት ክዀኑ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዩ፧
7 ክርስትያን መንእሰያት ንቓላት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ምስ ዘስተንትንሉ ሰናይ ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ንክርስትያን መንእሰያት መጥቃዕቲ ይወርዶም ኣሎ። ድያብሎስ ንመንእሰይ ወለዶ ኣምለኽቲ የሆዋ ምብልሻው ኣጸቢቑ ኢዩ ዝፈቱ። ዕላማ ሰይጣን ንክርስትያን መንእሰያት ብምስዳዕ ንስጋዊ ባህግታት ኢዶም ከም ዝህቡን ሕጊ ኣምላኽ ከም ዘፍርሱን ምግባር ኢዩ። ፊልምታትን ናይ ተሌቪዥን ፕሮግራማትን መብዛሕትኡ ግዜ ነዚ ናይ ድያብሎስ ኣተሓሳስባ ኢዩ ዘንጸባርቕ። እቶም ኣብኡ ዝረኣዩ ህቡባት ሰባት ማረኽትን ተፈተውትን ኢዮም ዝመስሉ: ኣብ ንሓድሕዶም ዝግበር ዘይስነ-ምግባራዊ ርክብ ከኣ ከም ተራ ነገር ገይርካ ኢዩ ዝርአ። እዚኸ እንታይ መልእኽቲ ኢዩ ዘመሓላልፍ፧ ‘ዘይተመርዓዉ ሰባት ንሓድሕዶም ብሓቂ ዝፋቐሩ እንተድኣ ዀይኖም ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ዋላ ሓንቲ የብሉን’ ዝብል መልእኽቲ የመሓላልፍ። እቲ ዘሕዝን ድማ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብዙሓት ክርስትያን መንእሰያት ኣብ ከምዚ ዓይነት መደምደምታ ስለ ዝበጽሑ ግዳያት ይዀኑ ኣለዉ። ገሊኣቶም ናይ እምነት መርከብ ተሰቢራቶም ኢያ። ስለዚ: ብርግጽ ጸቕጢ ኣለዎም! እንተዀነ ግን: እቲ ጸቕጢ ኣዝዩ ከቢድ ብምዃኑ ንስኻትኩም መንእሰያት ክትዋጽእሉ ዘይትኽእሉ ድዩ፧ ፈጺሙ ከምኡ ኣይኰነን! የሆዋ: ክርስትያን መንእሰያት ነቲ ዘይጥዑይ ባህግታቶም ዝስዕሩሉ መገዲ ኣዳልዩ ኢዩ። ‘ንቓል ኣምላኽ ከም ነፍሶም ብምጥንቃቕን: ኣብ ልቦም ብምዕቋርን’ ንዝዀነ ይኹን ሰይጣን ዝምህዞ ውዲት ክቃለስዎ ይኽእሉ ኢዮም። ስርዓታዊ ንዝዀነ ብሕታዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ንባብ ምግባርን ምስትንታንን ክንደይ ዝኣክል ግዜ ተሕልፍ፧
8. ኣብዛ ቍጽሪ እዚኣ ተገሊጹ ዘሎ ኣብነታት ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘሎካ ሞሳ ንምዕባይ ብኸመይ ይሕግዘካ፧
8 እቲ ንመዝሙር መበል 119 ዝጸሓፈ “ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ” በለ። (መዝሙር 119:97) ነየናይ ሕጊ ኢዩ ዘፍቀሮ፧ ንሕጊ ሙሴ እውን ሓዊስካ ነቲ እተገልጸ ቃል የሆዋ ኢዩ ኣፍቂርዎ። ገለ ሰባት ነቲ ሕጊ ርእይ ምስ ኣበልዎ ጥራይ ግዜኡ ዝሓለፎ ኢዩ ብምባል ሓደ ሰብ ነዚ ከመይ ገይሩ ከም ዘፍቅሮ ይግረሙ ይዀኑ። እንተዀነ ግን: ከምቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝገበሮ ነቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዝርከብ እተፈላለየ ክፋላት ምስ እነስተንትነሉ እቲ ሕጊ ሒዝዎ ንዘሎ ጥበብ ከነማስወሉ ንኽእል ኢና። ኣብ ልዕሊ እቲ እተፈላለየ ትንቢታዊ መዳያት ናይቲ ሕጊ: ጽሩያትን ጽቡቕ ጥዕና ከም ዝህልዎምን ዝገብር ናይ ጽሬትን መግብን ስርዓታት ነበሮም። (ዘሌዋውያን 7:23, 24, 26፣ 11:2-8) እቲ ሕጊ ኣብ ንግዳዊ ምልውዋጣት ቅንዕና ክህሉ: ከምኡውን እስራኤላውያን ንኣመንቲ ብጾቶም ዘድልዮም ዘበለ ክሓልዩሎም የተባብዕ ነበረ። (ዘጸኣት 22:26, 27፣ 23:6፣ ዘሌዋውያን 19:35, 36፣ ዘዳግም 24:17-21) ፍርዲ ብዘይኣድልዎ ክግበር ነበሮ። (ዘዳግም 16:19፣ 19:15) እቲ ንመዝሙር መበል 119 ዝጸሓፈ ካብ ህይወት ተመክሮ እናረኸበ ምስ ከደ: ነቶም ንሕጊ ኣምላኽ ዘኽብሩ ክሳዕ ክንደይ ዝሰልጦም ምዃኑ ከም ዝረኣየ: ነቲ ሕጊ ዝነበሮ ፍቕሪ ድማ ከም ዝዓበየ እተረጋገጸ ኢዩ። ሎሚውን ብተመሳሳሊ: ክርስትያናት ስርዓታት ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ኣብ ምውዓል ዕዉታት ክዀኑ ኸለዉ ንቓል ኣምላኽ ዘለዎም ፍቕርን ሞሳን ይዓቢ።
ፍሉይ ንኽኸውን ትብዓት ዝነበሮ መስፍን
9. ንጉስ ህዝቅያስ ኣብ ቃል ኣምላኽ እንታይ ኣረኣእያ ኢዩ ዘማዕበለ፧
9 እቲ ናይ መዝሙር መበል 119 ትሕዝቶ ምስቲ ህዝቅያስ ንእሽቶ መስፍን ከሎ ዘሕልፎ ዝነበረ ኵነታት ይሰማማዕ ኢዩ። ገለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁራት ናይዛ መዝሙር እዚኣ ጸሓፊ ህዝቅያስ ኢዩ ይብሉ። እዚ እተረጋገጸ እኳ እንተ ዘይኰነ: ህዝቅያስ ንቓል ኣምላኽ ዓቢ ኣኽብሮት ከም ዝነበሮ ግን ንፈልጥ ኢና። ምስተን ኣብ መዝሙር 119:97 ዝርከባ ቃላት ካብ ልቡ ከም ዝሰማማዕ ኣብ ናብርኡ ኣርእዩ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ህዝቅያስ ከምዚ ይብል:- “ንሱስ ኣብ እግዚኣብሄር ጠበቐ: ካብ ምስዓቡ ኣየግለሰን: እቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ትእዛዛቱውን ሐለወ።”—2 ነገስት 18:6
10. ኣብነት ናይ ህዝቅያስ ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ብዘይብሎም ወለዲ ዝዓበዩ ክርስትያናት እንታይ ምትብባዕ ኢዩ ዝዀኖም፧
10 ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ህዝቅያስ ፍርሃት ኣምላኽ ኣብ ዘይብላ ስድራቤት ኢዩ ዓብዩ። ኣቦኡ ንጉስ ኣሃዝ እንተወሓደ ንሓደ ካብቶም ኣወዳት ደቁ—ሓዉ ንህዝቅያስ—ብህይወቱ ኸሎ ንናይ ሓሶት ኣምላኽ ኣብ ሓዊ ዝሰውአ እምነት ዘይብሉ መምለኽ ጣኦት ኢዩ ነይሩ! (2 ነገስት 16:3) ህዝቅያስ ግን እዚ ዅሉ ሕማቕ ኣብነት እኳ እንተረኣየ: ንቓል ኣምላኽ ብምፍላጥ ካብ ኣረማዊ ጽልዋታት ‘ንመገዱ ከንጽሃ’ ክኢሉ ኢዩ።—2 ዜና መዋእል 29:2
11. ህዝቅያስ ነቲ ዘይእሙን ኣቦኡ እንታይ ከጋጥሞ ከሎ ኢዩ ዝረኣየ፧
11 ህዝቅያስ ክዓቢ ኸሎ: እቲ መምለኽ ጣኦት ኣቦኡ ንናይ መንግስቲ ጕዳያት ብኸመይ ይሕዞ ከም ዝነበረ ብዓይኑ ርእዩ ኢዩ። ይሁዳ ብጸላእታ ተኸቢባ ነበረት። ረጺን ንጉስ ሶርያን ጴቃሕ ንጉስ እስራኤልን ሓቢሮም ንየሩሳሌም ከቢቦምዋ ነበሩ። (2 ነገስት 16:5, 6) ኤዶማውያንን ፍልስጥኤማውያንን ንይሁዳ ሓደጋ ወዲቖማ ነበሩ: ካብዚ ሓሊፎም ድማ ገለ ከተማታት ይሁዳ ተቘጻጸሩ። (2 ዜና መዋእል 28:16-19) ኣሃዝ ነዚ ቅልውላው እዚ ብኸመይ ክፈትሖ ፈቲኑ፧ ንንጉስ ሶርያ ከልግሰሉ ንየሆዋ ኣብ ክንዲ ዝልምን: ንጉስ ኣሶር ምእንቲ ክሕግዞ ካብ መዝገብ ቤት መቕደስ እውን ከይተረፈ እተረኽበ ወርቅን ብሩርን ወሲኹ ብላዕ ልኣኸሉ። እዚ ግን ንይሁዳ ነባሪ ሰላም ኣየምጽኣላን።—2 ነገስት 16:6, 8
12. ህዝቅያስ ናይ ኣቦኡ ጌጋ ካብ ምድጋም ክቝጠብ ዝኸኣለ እንታይ ብምግባር ኢዩ፧
12 ኣብ መወዳእታ ኣሃዝ ሞተ: ህዝቅያስ ድማ ወዲ 25 ዓመት ከሎ ነገሰ። (2 ዜና መዋእል 29:1) ብተዛማዲ ክርአ ኸሎ መንእሰይ ኢዩ ነይሩ: እንተዀነ ግን እዚ ዕዉት ንጉስ ካብ ምዃን ኣይዓገቶን። ናይቲ ዘይእሙን ኣቦኡ ባህርይ ኣብ ክንዲ ዝቐድሕ ንሕጊ የሆዋ ሓለወ። እዚ ድማ ንነገስታት እተዋህበ ከምዚ ዝብል ፍሉይ ትእዛዝ ዘጠቓልል ነበረ:- ‘[እቲ ንጉስ] ኣብ ልዕሊ ዝፋን መንግስቱ ምስ ተቐመጠ: ካብቲ ኣብ ቅድሚ ሌዋውያን ካህናት ዘሎ ሕጊ ንእኡ ዝኸውን ቀዲሑ ኣብ መጽሓፍ ይጽሓፍ። ፍርሃት እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምእንቲ ክማሃር: ናይ እዚ ሕጊ እዚ ቓላት ተጠንቂቑ ኽገብሮስ: ምስኡ ይኹን: ኵሉ መዓልቲ ህይወቱ ኸኣ የንብቦ።’ (ዘዳግም 17:18, 19) ህዝቅያስ ንቓል ኣምላኽ መዓልቲ መዓልቲ ብምንባብ ንየሆዋ ክፈርህን ነቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉ ኣቦኡ ዝገበሮ ጌጋ ካብ ምድጋም ክቝጠብን ከኣለ።
13. ሓደ ክርስትያን ብመንፈሳዊ መገዲ ዝገብሮ ዅሉ ከም ዝሰልጦ ብኸመይ ኢዩ ርግጸኛ ክኸውን ዝኽእል፧
13 ነገስታት እስራኤል ጥራይ ዘይኰኑስ ኵሎም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም እስራኤላውያን እውን ንቓል ኣምላኽ ከስተንትኑሉ ተተባቢዖም ኢዮም። እታ ናይ መጀመርታ መዝሙር: ብሓቂ ሕጉስ ሰብ “ብሕጊ እግዚኣብሄር . . . ዚፍሳህ: ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን: ዚመራምሮ” ከም ዝዀነ ገይራ ገሊጻቶ ኣላ። (መዝሙር 1:1, 2) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ “ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ” ይብል። (መዝሙር 1:3) ብኣንጻሩ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ የሆዋ ኣምላኽ እምነት ዘይብሉ ሰብ “ክልተ ዝልቡ ሰብኣይ ብዅሉ መገዱ ጽኑዕ ኣይኰነን” ይብል። (ያእቆብ 1:8) ኵላትና ሕጉሳትን ኣሳልጦ ዘሎናን ክንከውን ንደሊ ኢና። ስርዓታውን ትርጕም ዘለዎን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓጐስና ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል ኢዩ።
ቃል ኣምላኽ ንየሱስ ኣጽኒዕዎ
14. የሱስ ንቓል ኣምላኽ ዘለዎ ፍቕሪ ብኸመይ ኢዩ ዘርኣየ፧
14 ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: የሱስ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ቤት መቕደስ ኣብ ማእከል መምህራን ተቐሚጡ ከሎ ወለዱ ረኸብዎ። እቶም ፈላጣት ሕጊ ኣምላኽ “በቲ ምስትውዓሉን ምላሹን ተገረሙ”! (ሉቃስ 2:46, 47) እዚ ዝዀነ የሱስ ወዲ 12 ዓመት ከሎ ኢዩ። እወ: ኣብ ግዜ ንእስነቱ እውን ከይተረፈ ንቓል ኣምላኽ ፍቕሪ ነበሮ። ጸኒሑ ንድያብሎስ ንምግናሕ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከምዚ ብምባል ጠቐሰ:- “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር: ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን።” (ማቴዎስ 4:3-10) ድሕርዚ ብዙሕ ከይጸንሐ: የሱስ ንተቐማጦ እታ ዝዓበየላ ዓዲ: ናዝሬት: ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ሰበኸሎም።—ሉቃስ 4:16-21
15. የሱስ ንኻልኦት ብዛዕባ ምስባኽ ብኸመይ ኢዩ ኣብነት ዝሓደገልና፧
15 የሱስ ትምህርትታቱ ንምድጋፍ ብተደጋጋሚ ካብ ቃል ኣምላኽ ይጠቅስ ነበረ። ሰማዕቱ “ብምህሮኡ ተገረሙ።” (ማቴዎስ 7:28) እዚ ኸኣ ዘገርም ኣይኰነን: ከመይሲ ትምህርትታት የሱስ ካብ የሆዋ ኣምላኽ ዝመጸ ኢዩ! የሱስ ከምዚ በለ:- “ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለአኸኒ እዩ እምበር: ናተይ ኣይኰነን። እቲ ኻብ ርእሱ ዚዛረብ ክብረት ርእሱ እዩ ዚደሊ። እቲ ነቲ ዝለአኾ ኬኽብር ዚደሊ ግና: ንሱ ሓቀኛ እዩ እሞ: ኣብኡ ዓመጻ የልቦን።”—ዮሃንስ 7:16, 18
16. የሱስ ንቓል ኣምላኽ ዘለዎ ፍቕሪ ክሳዕ ክንደይ ምዃኑ ኢዩ ዘርኣየ፧
16 የሱስ ከምቲ ንመዝሙር መበል 119 ዝጸሓፋ ሰብ ዘይኰነስ ‘ዓመጻ ዘይነበሮ’ ኢዩ ነይሩ። ሓጢኣት ዘይብሉ: ‘ርእሱ ክሳዕ ሞት ዘትሓተ’ ወዲ ኣምላኽ ኢዩ። (ፊልጲ 2:8፣ እብራውያን 7:26) ገና ግን ፍጹም ከሎ ንቓል ኣምላኽ ኣጽኒዑን ተኣዚዙን ኢዩ። እዚ ንጽህናኡ ኣብ ምሕላው ዘለዎ ክእለት ቀንዲ ረቛሒ ኢዩ ነይሩ። ጴጥሮስ ጐይታኡ ከይተሓዝ ኢሉ ሰይፊ ምስ ኣልዓለ የሱስ ገሰጾ: ከምዚ ኢሉ ድማ ሓተቶ:- “ነቦይ ምልማኑ ዘይከአለኒ: ንሱ ኸኣ ካብ ዓሰርተው ክልተ ለጌዎን ዚበዝሑ መላእኽቲ ሕጂ ኺሰደለይ ዘይኽእልዶ ይመስለካ አሎ፧ ከምዚ ኪኸውን ከም ዚግብኦስ: እቶም ጽሑፋት ደኣኸ ኸመይ ኢሎም ይፍጸሙ፧” (ማቴዎስ 26:53, 54) እወ: ንየሱስ ካብቲ ዘስካሕክሕን ውርደት ዘለዎ ሞትን ንላዕሊ: ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ፍጻመ ዝያዳ የገድሶ ነበረ። ንቓል ኣምላኽ ኣየ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ፍቕሪ ኢዩ ዝነበሮ!
ንክርስቶስ ዝመሰልዎ ካልኦት
17. ቃል ኣምላኽ ንሃዋርያ ጳውሎስ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ነበረ፧
17 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ክርስትያናት ብጾቱ “ከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ: ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ” በሎም። (1 ቈረንቶስ 11:1) ጳውሎስ ልክዕ ከም ጐይታኡ ንቕዱሳት ጽሑፋት ፍቕሪ ነይርዎ ኢዩ። ከምዚ ድማ በለ:- “ብውሽጠይ ንሕጊ ኣምላኽ ኣጸቢቐ አፍቅሮ ኢየ።” (ሮሜ 7:22 ዘ ጀሩሳሌም ባይብል ) ካብ ቃል ኣምላኽ ብተደጋጋሚ ይጠቅስ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:32-41፣ 17:2, 3፣ 28:23) ጳውሎስ ነቲ ዘፍቅሮ መገላግልቱ: ጢሞቴዎስ: ናይ መወዳእታ መምርሒ ክህቦ ኸሎ ቃል ኣምላኽ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ናይ ነፍሲ ወከፍ “ናይ ኣምላኽ ሰብ” ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጕሊሑ ኢዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:15-17
18. ንቓል ኣምላኽ ኣኽብሮት ዘርኣየ ሓደ ዘመናዊ ኣብነት ጥቐስ።
18 ኣብዚ ዘበንና ብዙሓት እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ: ነቲ የሱስ ንቓል ኣምላኽ ዝነበሮ ፍቕሪ ቀዲሖሞ ኢዮም። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ክፍለ-ዘበን እዚ ሓደ መንእሰይ ካብ ሓንቲ እትፈልጦ ሰበይቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተቐበለ። እዚ ክቡር ውህበት ዘሕደረሉ ጽልዋ ክገልጽ ከሎ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ገለ ክፋል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ከም ዘሎኒ ወሰንኩ” በለ። እዚ መንእሰይ ፍረደሪክ ፍራንዝ ኢዩ: እቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሮ ፍቕሪ ድማ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ነዊሕን ዕዉትን ህይወት ከም ዘስተማቕር ገበሮ። ንብምሉኡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምዕራፋት ናይ ምዝካር ዝነበሮ ክእለት ኣብ ካልኦት ዘይርሳዕ ጦብላሕታ ከም ዘሕድር ገይርዎ ኢዩ።
19. ገለ ሰባት ነቲ ኣብ ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ዝዋሃብ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ መደብ የውጽኡሉ፧
19 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስርዓታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምግባር ዓቢ ግምት ኢዮም ዝህብዎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ንሓደ ካብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ማለት ንቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ክዳለዉ ኸለዉ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ገለ ምዕራፋት የንብቡ ኢዮም። ካብቲ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጐልሐ ሓሳብ ኣብቲ ኣኼባ ይቐርብ። ገለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሸውዓተ ንኣሽቱ ክፍልታት መቒሎም ኣብ መዓልቲ መዓልቲ ምንባብ ዝጥዕም ኰይኑ ረኺቦሞ ኢዮም። ከንብቡ ኸለዉ ነቲ ጽሑፍ የስተንትንሉ ኢዮም። ዝከኣል እንተ ዀይኑ ድማ በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ገይሮም ተወሳኺ ምርምር ይገብሩ።
20. ንስርዓታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝኸውን ግዜ ንምርካብ እንታይ ምግባር የድሊ፧
20 መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታዊ ኴንካ ንምንባብ ካብ ካልእ ንጥፈታት ‘ግዜ ክትዕድግ’ የድልየካ ይኸውን ኢዩ። (ኤፌሶን 5:16) እቲ ካብዚ እትረኽቦ ረብሓታት ግን ካብ ዝዀነ ይኹን እትገብሮ መስዋእትታት ንላዕሊ ኢዩ። መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብ ልማድ ምስ ኣማዕበልካ ንቓል ኣምላኽ ዘሎካ ፍቕሪ ክዓቢ ኢዩ። ነዊሕ ከይጸናሕካ ምስቲ ጸሓፍ መዝሙር “ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ: ምሉእ መዓልቲ ኤስተንትኖ አሎኹ” ንምባል ክትድረኽ ኢኻ። (መዝሙር 119:97) እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ከም እትገልጾ እዚ ኸምዚ ዝበለ ኣረኣእያ ንሕጅን ንመጻእን ዓቢ ረብሓ ዘምጽእ ኢዩ።
ትዝክሮዶ፧
◻ እቲ ንመዝሙር መበል 119 ዝጸሓፈ ሰብ ንቓል ኣምላኽ ዝነበሮ ዓሚቝ ፍቕሪ ብኸመይ ኢዩ ዝገለጸ፧
◻ ካብቲ የሱስን ጳውሎስን ዝገደፍዎ ኣብነት እንታይ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧
◻ ብብሕትና ንቓል ኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ብኸመይ ነዕብዮ፧
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእልታት]
እሙናት ነገስታት ንቓል ኣምላኽ ብቐጻሊ ከንብቡ ነበሮም። ንስኻኸ፧
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ንእሽቶ ኸሎ እውን ከይተረፈ ንቓል ኣምላኽ የፍቅር ነበረ