ንሰብኣዊ ድኻም ምስናፍ
“እቲ ሓሳብ ስጋ ሞት እዩ።”—ሮሜ 8:6
1. ገሊኦም ንሰብኣዊ ኣካል ብኸመይ ኢዮም ዝምልከትዎ: ኣቓልቦ ክግበረሉ ዝግባእ ሕቶኸ ኣየናይ ኢዩ፧
ጸሓፍ መዝሙር ዝነበረ ዳዊት ብዛዕባ እቲ ሓደ ኻብ ፍጥረታት የሆዋ ዝዀነ ሰብኣዊ ኣካል ምስ ኣስተንተነ “መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ: ከማስወካ እየ” ብምባል ዘመረ። (መዝሙር 139:14) ኣብ ክንዲ ኸምዚ ዝበለ ኣብ ድልዱል መርትዖ እተመስረተ ውዳሰ ምሃብ ንሰብኣዊ ኣካል ከም መንበርን መሳርሕን ሓጢኣት ገይሮም ዝግምትዎ መማህራን ሃይማኖት ኣለዉ። ሰብኣዊ ኣካል “ካባ ሓጢኣት: መሰረት እከይ: መቝሕ ብልሽውና: ጸልማት ጎጆ: ህያው ሬሳ: ህያው ጋህሲ: ተንቀሳቓሲ መቓብር” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። ልክዕ ኢዩ: ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ኣብ ስጋይ: ሰናይ የልቦን’ ኢሉ ኣሎ። (ሮሜ 7:18) እዚ ግን ከነምልጠሉ ብዘይንኽእል መገዲ በቲ ሓጥእ ኣካልና ተፈንጢርና ኣሎና ማለት ድዩ፧
2. (ሀ) “ሓሳብ ስጋ” ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ (ለ) ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ከሐጕሶ ድሌት ምስ ዝሓድሮ ኣብ መንጎ “ስጋ” ከምኡውን “መንፈስ” ከመይ ዝበለ ግርጭት ኢዩ ዝኽሰት፧
2 ቅዱሳት ጽሑፋት ንሰብኣዊ ኣካል ‘ስጋ’ እናበለ ዝጽውዓሉ ግዝያት ኣሎ። (1 ነገስት 21:27) ነቲ ወድሰብ ከም ዘርኢ ናይቲ ዓለወኛ ኣዳም መጠን ዘለዎ ዘይፍጹም ኵነታት ንምምልካት እውን ‘ስጋ’ ዝብል መግለጺ ይጥቀም ኢዩ። (ኤፌሶን 2:3፣ መዝሙር 51:5፣ ሮሜ 5:12) እቲ ኻብኡ ዝወረስናዮ ኸኣ ‘ድኻም ስጋ’ ኣስዒቡልና ኢዩ። (ሮሜ 6:19) ስለዚ ኸኣ ኢዩ ጳውሎስ “እቲ ሓሳብ ስጋ ሞት እዩ” ብምባል ዘጠንቀቐ። (ሮሜ 8:6) “ሓሳብ ስጋ” ክበሃል ከሎ ብድሌታት ሓጥእ ስጋ እትግዛእን እትድረኽን ምዃን ማለት ኢዩ። (1 ዮሃንስ 2:16) ስለዚ ኸኣ ንኣምላኽ ንምሕጓስ ክንጽዕር ከሎና ኣብ መንጎ መንፈሳውነትናን ኣብ መንጎ እቲ “ግብሪ ስጋ” ንኽንፍጽም ኣዝዩ ብርቱዕ ጸቕጢ ዝገብረልና ሓጥእ ተፈጥሮናን ዘየቋርጽ ግርጭት ይህሉ። (ገላትያ 5:17-23፣ 1 ጴጥሮስ 2:11) ጳውሎስ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዝካየድ ዝነበረ ዘሰቅቕ ግጭት ድሕሪ ምግላጹ “ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ: ካብዚ ናይ ሞት ስጋስ መን ኰን ኬድሕነኒ እዩ፧” ብምባል ስምዒቱ ገለጸ። (ሮሜ 7:24) ጳውሎስ መከላኸሊ ዘይብሉ ግዳይ ፈተና ድዩ ነይሩ፧ ከምኡ ኸም ዘይነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ንጹር መልሲ ኢዩ ዝህብ!
ሓቅነት ፈተናን ሓጢኣትን
3. ብዙሓት ሰባት ንሓጢኣትን ፈተናን ብኸመይ ኢዮም ዝምልከትዎ: መጽሓፍ ቅዱስ ግን ኣንጻር እዚ ኣረኣእያ እዚ ብኸመይ ኢዩ ዘጠንቅቕ፧
3 ሓጢኣት ሎሚ ንዘለዉ ብዙሓት ሰባት ዘይወሓጠሎም ኣርእስቲ ኢዩ። ገለ ሰባት ነታ “ሓጢኣት” እትብል ቃል ንንኡስ ሰብኣዊ ኣበራት ንምግላጽ እትውዕል ዕለታ ዝሓለፈ ቃል ገይሮም ብምቝጻር ብምስትንዓቕ ኢዮም ዝጥቀሙላ። ‘ነፍሲ ወከፍ ነቲ ብስጋኡ ኸሎ ዝገበሮ: ሰናይ ኰነ ወይስ እከይ: ምእንቲ ክቕበል: ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ኽንገሃድ ምዃንና’ ኣይግንዘቡን ኢዮም። (2 ቈረንቶስ 5:10) ካልኦት ከኣ “ኣነ ብተፈጥሮይ ፈተና ኣይክእልን ኢየ!” ዝብል መህደሚ ብምግባር ንሓጢኣት ኣፍኲሶም ይርእይዎ። ገሊኦም ድማ ካብ ዝዀነ ይኹን ነገር ማለት ካብ ብልዒ: ጾታ: መዘናግዒ ብኡንብኡ ተድላ ምርካብ ዝብል ሸቶ ገኒኑ ዝርኣየሉ ባህሊ ዘለዎም ኢዮም። ኵሉ ነገር ክረኽቡ ጥራይ ኣይኰኑን ዝደልዩ: እቲ ዝደልይዎ እውን ብኡንብኡ ክረኽብዎ ኢዮም ዝደልዩ! (ሉቃስ 15:12) ክንዮ እዚ ቅጽበታዊ ደስታ እዚ ሓሊፎም ናብቲ ኣብ “ናይ ሓቂ ህይወት” ኣብ መጻኢ ዝህሉ ሓጐስ ከማዕድዉ ኣይክእሉን ኢዮም። (1 ጢሞቴዎስ 6:19) ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስ ይኹን ብኻልእ መገዲ ክጐድኣና ካብ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ብምርሓቕ ብጥንቃቐ ክንሓስብን ኣርሒቕና ክንጥምትን ኢዩ ዝምህረና። ሓደ መንፈስ ዝነፈሶ ምስላ ኸምዚ ዝስዕብ ይብል:- “ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ: ገርህታት ግና ንቕድሚት ይኸዱ እሞ ብእኡ ይጕድኡ።”—ምሳሌ 27:12
4. ጳውሎስ ነየናይ ኣብ 1 ቈረንቶስ 10:12, 13 ተመዝጊቡ ዘሎ ማዕዳ ኢዩ ዝሃበ፧
4 ጳውሎስ ነቶም ኣብታ ብስነ-ምግባራዊ ብዕልግናኣ ውርይቲ ዝነበረት ከተማ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ክጽሕፈሎም ከሎ ብዛዕባ ፈተናን ሓጢኣት ዘለዎ ሓይልን ኣብ ክውንነት እተመስረተ መጠንቀቕታ ንምሃቦም ከምዚ ዝስዕብ በሎም:- “እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ: ከይወድቕ ይጠንቀቕ። ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ: ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ: መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ: ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።” (1 ቈረንቶስ 10:12, 13) ዓበይትናን ንኣሽቱናን: ደቂ ተባዕትዮ ንኹን ደቂ ኣንስትዮ ብዘየገድስ ኵላትና ኣብ ቤት ትምህርቲ: ኣብ ስራሕ: ወይ ኣብ ካልእ ቦታታት ብዙሕ ፈተና የጓንፈና ኢዩ። ሃየ እምበኣር ንቓላት ጳውሎስ ንመርምሮ እሞ ነቲ ንዓና ዘለዎ ትርጕም ንገንዘቦ።
መጠኑ ዝሓለፈ ርእሰ-ተኣማንነት ኣይተርኢ
5. መጠኑ ዝሓለፈ ርእሰ-ተኣማንነት ምርኣይ ሓደገኛ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
5 ጳውሎስ “እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ: ከይወድቕ ይጠንቀቕ” ይብል። ኣብ ስነ-ምግባራዊ ብርታዐና ኣመና ምምካሕ ሓደገኛ ኢዩ። እዚ እንታይነት ሓጢኣትን ዘለዎ ሓይልን ዘይንርዳእ ምዃንና ኢዩ ዝገልጽ። ከም በዓል ሙሴ: ዳዊት: ሰሎሞን: ከምኡውን ሃዋርያ ጴጥሮስ ዝኣመሰሉ ሰባት ኣብ ሓጢኣት ካብ ወደቑ ከመይ ገይርና ደኣ ኢና እሞ ንኸምዚ ዝበለ ሓደጋ እተቓላዕና ኣይኰንናን ክንብል እንኽእል፧ (ዘሁልቍ 20:2-13፣ 2 ሳሙኤል 11:1-27፣ 1 ነገስት 11:1-6፣ ማቴዎስ 26:69-75) እቲ ኣብ ምሳሌ 14:16 ዘሎ ሓሳብ ከምዚ ዝስዕብ ይብል:- “ጠቢብ ይፈርህ ካብ እከይ ድማ ይርሕቕ: ዓሻ ግና ደፋርን ኣማኒ ርእሱን እዩ።” የሱስ እውን “መንፈስ ተዳልዩ አሎ: ስጋ ግና ድኹም እዩ” ኢሉ ኢዩ። (ማቴዎስ 26:41) ካብ ዘይስነ-ምግባራዊ ባህግታት እተባልሀ ዋላ ሓደ ሰብኣዊ ፍጡር የልቦን: ስለዚ ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኣርዚንና ኽንርእዮን ንፈተና ኽንቃወሞን ኣሎና: እንተ ዘይኰይኑ ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ኸጓንፈና ኢዩ።—ኤርምያስ 17:9
6. ንፈተና ክንዳለወሉ ዝግብኣና መዓስን ብኸመይን ኢዩ፧
6 ሃንደበት ከጋጥም ንዝኽእል መከራ ተዳሊኻ ምጽናሕ ጥበባዊ ኢዩ። ንጉስ ኣሳ ኣብ እዋን ሰላም መከላኸሊ ዕርድታት ምህናጽ እቲ ዝበለጸ ኣጋጣሚ ኸም ዝዀነ ተገንዚብዎ ነይሩ ኢዩ። (2 ዜና መዋእል 14:2, 6, 7) ኣብ እዋን መጥቃዕቲ ሸበድበድ ምባል ከም ዘየዋጽእ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ብተመሳሳሊውን ፈተና ምስ ዘጋጥም እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ብግቡእ ክትውስን እትኽእል ህድኣት ኣብ ዘለዎ እዋን ኢዩ። (መዝሙር 63:6) ዳንኤልን እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ኣዕሩኽቱን እቲ ብንጉስ እተዳለወሎም ጥዑም መግቢ ንኽበልዑ ጸቕጢ ኸይተገብረሎም ከሎ ኣቐዲሞም ኢዮም ንሕጊ የሆዋ ብተኣማንነት ንምሕላው ወሲኖም ዝነበሩ። ስለዚ ኣብ መርገጾም ንምጽናዕ ኣይተወላወሉን: ከም ውጽኢት እዚ ኸኣ ካብቲ ዘይንጹህ መግቢ ኣይለኸፉን። (ዳንኤል 1:8) ሃየ እምበኣር ፈታኒ ዅነታት ከይተፈጥረ ኸሎ ነቲ ብስነ-ምግባር ጽፉፋት ንምዃን ዝገበርናዮ ውሳነ ነደልድሎ። ከምዚ እንተድኣ ገይርና ንሓጢኣት ምቅዋሙ ክንክእል ኢና።
7. ካልኦት ፈተና ተቓዊሞም ዕዉታት ምዃኖም ምፍላጥ ምንጪ ምጽንናዕ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
7 ካብቲ “ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን” ዝብል ቃላት ጳውሎስ ከመይ ዝበለ ምጽንናዕ ኰን ኢና ክንረክብ እንኽእል! (1 ቈረንቶስ 10:13) ሃዋርያ ጴጥሮስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ጽሒፉ ኢዩ:- “እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትኩም ይበጽሖም ከም ዘሎ እናፈለጥኩም: ብእምነት ጸኒዕኩም [ንድያብሎስ] ተቓወምዎ።” (1 ጴጥሮስ 5:9) ብርግጽ ካልኦት ተመሳሳሊ ፈተናታት ኣጓኒፍዎምን ብሓገዝ ኣምላኽ ተዋጺኦምሉን ኢዮም: ስለዚ ንሕናውን ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር: ኣብዛ ዕያግ ዝመልኣ ዓለም እንነብር ሓቀኛታት ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን ውዒሉ ሓዲሩ ዅላትና ፈተና ከጋጥመና ኸም ዝኽእል ክንዝንግዕ የብልናን። ኣብ ልዕሊ ስጋዊ ድኻምን ብሓጢኣት ምፍታንን ከም እንዕወት ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ደኣ እሞ ከመይ ገይርና ኢና፧
ንፈተና ክንቃወሞ ንኽእል ኢና!
8. ካብ ፈተና ክንእለየሉ እንኽእል መሰረታዊ መገዲ ኣየናይ ኢዩ፧
8 ሓደ ሰብ “ንሓጢኣት ከይግዛእ” ክገብሮ ዝኽእል መሰረታዊ መገዲ ብእተኻእለ መጠን ካብ ፈተና ግልል ምባል ኢዩ። (ሮሜ 6:6) ኣብ ምሳሌ 4:14, 15 እዚ ዝስዕብ ምሕጽንታ ተዋሂቡና ኣሎ:- “ናብ መገዲ ረሲኣን ኣይትእቶ: ብጐደና እቶም እኩያት ከኣ ኣይትኺድ። ካብኣ ርሐቕ: ብእኣ ኣይትሕለፍ: ኣግልሰላ: ክንየዋ ኺድ።” ሓደ ዅነታት ንሓጢኣት ድዩ ኣይኰነን መብዛሕትኡ ግዜ ኣቐዲምና ክንፈልጦ ንኽእል ኢና። ስለዚ ኸም ክርስትያናት መጠን ክንወስዶ ዘሎና ዘየተሓታትት ስጕምቲ እምበኣር ሕማቕ ድሌታት ከሕድረልናን ርኹስ ስምዒት ክፈጥረልናን ካብ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ሰብ: ነገር: ቦታ ‘ምግላስ’ ኢዩ።
9. ካብቲ ንኽትለማመጥ መገዲ ዝኸፍት ኵነታት ምህዳም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ጐሊሑ ዘሎ ብኸመይ ኢዩ፧
9 ካብ ፈታኒ ዅነታት ምህዳም እውን እቲ ኻልእ ንፈተና ክንዕወተሉ ዘኽእለና መሰረታዊ ስጕምቲ ኢዩ። ጳውሎስ “ካብ ምንዝርና ህደሙ” ብምባል መኺሩ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 6:18) “ኻብ ምምላኽ ጣኦት ህደሙ” ብምባልውን ጽሒፉ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 10:14) ኣብ ርእሲ እዚውን እቲ ሃዋርያ ንጢሞቴዎስ ካብ ሕሉፍ ሃረርታ ስጋዊ ሃብቲ ከምኡውን “ካብ ትምኒት ጕብዝና” ክሃድም ኣጠንቂቕዎ ኢዩ።—2 ጢሞቴዎስ 2:22፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:9-11
10. ካብ ፈተና ምህዳም ረብሓ ኸም ዘለዎ ዘርኢ ኣየናይ ክልተ ነንበይኑ ዝዀነ ኣብነታት ኢዩ፧
10 ንጕዳይ ናይቲ ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ዳዊት ተመልከት። ኣብ ዝባን ናሕሲ ቤተ-መንግስቱ ዀይኑ ሓንቲ መልክዐኛ ሰበይቲ ክትሕጸብ ምስ ረኣየ ልቡ ሕማቕ ድሌታት መልአ። ካብቲ ዝባን ናሕሲ ብምውራድ ካብ ፈተና ክሃድም ኢዩ ዝግብኦ ነይሩ። ንሱ ግን ብዛዕባ እታ ባትሴባ እትበሃል ሰበይቲ ደኣ ኢዩ ዘጣየቐ: ሳዕቤን ናይዚ ኸኣ ኣየውዕልካ ኢዩ ዘብል። (2 ሳሙኤል 11:1–12:23) ዮሴፍ ግን ዘይከም ዳዊት እታ ብዕልግቲ ሰይቲ ጐይትኡ ምስኣ ኽድቅስ ምስ ደፋፍኣቶ እንታይ ኢዩ ዝገበረ፧ “መዓልቲ ንመዓልቲ ንዮሴፍ እናተዛረበቶ ኽነሳ: ንሱ ምስኣ ኺድቅስ ወይስ ምስኣ ኺነብር ኣይሰምዓን” ብምባል እቲ ጸብጻብ ይነግረና። እቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዘሎ ትእዛዛት ዛጊት ኣብ ዘይተዋህበሉ ኵነታት እውን ከይተረፈ ዮሴፍ “ከመይ ገይረኸ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧” ብምባል መለሰላ። ሓደ መዓልቲ ቀጥ ኣቢላ ሓዘቶ እሞ “ምሳይ ደቅስ” በለቶ። ኣብኡ ጠጠው መጠው ብምባል ከረድኣዶ ፈቲኑ ኢዩ፧ ኣይፋሉን። ‘ሃዲሙ ደኣ ንግዳም ወጸ።’ ጾታዊ ፈተነ ኽዕብልሎ ዕድል ኣይሃበን። እወ ሃዲሙ!—ዘፍጥረት 39:7-16
11. ሓደ ፈተና ብተደጋጋሚ የጓንፈና እንተድኣ ኣልዩ ዀይኑ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧
11 ምህዳም ሓድሓደ ግዜ ዘይስብእነት ክመስል ይኽእል ኢዩ: ካብ ፈታኒ ዅነታት ብኣካል ምርሓቕና ጥራይ ግን መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ክውሰድ ዘለዎ ጥበባዊ መገዲ ኢዩ ዝኸውን። ምናልባት ኣብ ስራሕ ሓደ ብተደጋጋሚ ዘጓንፈና ፈተና ይህሉ ይኸውን። ስራሕ ክንቅይር ዘይንኽእል እኳ እንተዀንና: ካብ ፈታኒ ዅነታት ክንርሕቀሉ እንኽእል ካልእ መገድታት ግን ክህሉ ይኽእል ኢዩ። ካብቲ እከይ ምዃኑ እንፈልጦ ዝዀነ ይኹን ነገር ክንሃድም የድልየና: ቅኑዕ ዘበለ ጥራይ ንምግባር ከኣ ቈራጻት ክንከውን ኣሎና። (ኣሞጽ 5:15) ኣብ ካልእ መዳያት ከኣ ካብ ፈተና ምህዳም ክበሃል ከሎ ካብ ናይ ኢንተርነት ዓምድታት ስእለ-ጽዩፍ ከምኡውን ካብ ዘተሓታትት ቦታታት መዘናግዒ ምርሓቕ ዘድሊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ምናልባት እውን መጽሔት ምጕሓፍ ወይ ከኣ ንኣምላኽ ዘፍቅሩን ክሕግዙና ዝኽእሉን ሓደስቲ ኣዕሩኽ ምንዳይ የድልየና ይኸውን። (ምሳሌ 13:20) እቲ ኣብ ሓጢኣት ንኽንወድቕ ዝፍትነና ነገር እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ ብቘራጽነት ንነጽጎ እንተድኣ ዄንና ጥበበኛታት ኢና።—ሮሜ 12:9
ጸሎት ክሕግዘሉ ዝኽእል መገዲ
12. “ናብ ፈተና ኣይተእትወና” ኢልና ኽንጽሊ ኸሎና ካብ ኣምላኽ እንታይ ኢና እንሓትት ዘሎና፧
12 ጳውሎስ “ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ: ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ: መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ: ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ” ዝብል መረጋገጺ ሂቡ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 10:13) ሓደ ኻብቲ የሆዋ ንዓና ዝድግፈሉ መገዲ ነቲ ንፈተና ንኽንዋጽኣሉ ክሕግዘና ኢልና እነቕርቦ ጸሎት ብምምላስ ኢዩ። “ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር: ናብ ፈተና ኣይተእትወና” ኢልና ኽንጽሊ የሱስ ክርስቶስ ምሂሩና ኢዩ። (ማቴዎስ 6:13) የሆዋ ነዚ ኸምዚ ዝበለ ኻብ ልቢ እነቕርቦ ጸሎት ብምምላስ ኣብ ፈተና ኣይርሕርሓናን ኢዩ፣ ካብ ሰይጣንን ፍሕስኡን ክባልሃና ኢዩ። (ኤፌሶን 6:11) ኣምላኽ ንፈተናታት ንኸነለልዮን ብርታዐ ሃልዩና ምእንቲ ኽንዋጽኣሉን ክሕግዘና ክንሓቶ ኣሎና። ኣብ ፈተና ኽንወድቕ ከይሓድገና እንተድኣ ለሚንናዮ: በቲ “ክፉእ” ሰይጣን ምእንቲ ኸይንስነፍ ክሕግዘና ኢዩ።
13. ዘየቋርጽ ፈተና ኸጓንፈና ኸሎ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧
13 ብፍላይ ዘየቋርጽ ፈተና ኸጓንፈና ኸሎ ካብ ልቢ ምጽላይ ከድልየና ኢዩ። ገለ ፈተናታት ንውሽጣዊ ሓሳብናን ዝንባለናን ዝትንክፍ ሓያል ቃልሲ ኸም ዝለዓል ኢዩ ዝገብር: እዚ ኸኣ ክሳዕ ክንደይ ድኹማት ምዃንና ብዘገርም መገዲ ኢዩ ዘዘኻኽረና። (መዝሙር 51:5) ንኣብነት: ቅድም እንፍጽሞ ዝነበርና ሓድሓደ ሕሱር ተግባራት ብምዝካር ንሳቐ እንተድኣ ዄንና እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧ ናብኡ ንኽንምለስ ንፍተን እንተድኣ ዄንናኸ፧ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታት ክንዕፍኖ ኣብ ክንዲ እንፍትን: ነቲ ጕዳይ ናብ የሆዋ ብጸሎት ነቕርቦ—ኣድላዪ እንተድኣ ዀይኑ ብተደጋጋሚ ክንጽሊ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 55:22) በቲ ቃሉን መንፈስ ቅዱሱን ዘለዎ ሓይሊ ገይሩ ንኣእምሮና ካብቲ ዘይጽፉፍ ዝንባለታት ንምጽራይ ክሕግዘና ኢዩ።—መዝሙር 19:8, 9
14. ንፈተና ንምስዓሩ ጸሎት ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
14 ሃዋርያቱ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ኸለዉ ትኽስ ምባሎም ምስ ኣስተብሃለ የሱስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ተማሕጸኖም:- “ናብ ፈተና ኸይትአትዉስ ንቕሑን ጸልዩን። መንፈስ ተዳልዩ አሎ: ስጋ ግና ድኹም እዩ።” (ማቴዎስ 26:41) በቲ ፈተና ክህልዎ ዝኽእል እተፈላለየ መልክዕ ዘይምድህላልን ነቲ ረቂቕ ኣገባባቱ ዘይምስሓትን ሓደ ኻብቲ ንፈተና ኸነሰንፈሉ እንኽእል መገዲ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ነቲ ፈተና ንምቅላሱ ብመንፈስ ድሉዋት ምእንቲ ኽንከውን ብዛዕብኡ ብዘይወዓል ሕደር ጸሎት ክንገብር ኣድላዪ ኢዩ። ፈተና በቲ ድኹም ጐድንና ስለ ዘጥቅዓና ንበይንና ኽንዋጽኣሉ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ካብ ኣምላኽ እንረኽቦ ብርታዐ ነቲ ንሰይጣን ንምቅዋም ዘሎና ዓቕሚ ስለ ዘደልድሎ ጸሎት ኣገዳሲ ኢዩ። (ፊልጲ 4:6, 7) ‘ሽማግለታት ማሕበር’ ዘበርክትዎ መንፈሳዊ ሓገዝን ጸሎትን እውን የድልየና ይኸውን ኢዩ።—ያእቆብ 5:13-18
ንፈተና ተጊህካ ተቓለሶ
15. ንፈተና ምጽራሩ ክበሃል ከሎ እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ፧
15 ኣብ ርእሲ እቲ ካብ ፈተና ንምርሓቕ እንወስዶ ስጕምቲ: ፈተና ኽሳዕ ዝሓልፍ ወይ ድማ እቲ ዅነታት ክሳዕ ዝቕየር ንምቅላሱ ክንጽዕር ይግብኣና ኢዩ። የሱስ ብሰይጣን ምስ ተፈተነ ንድያብሎስ ክሳዕ ዝኸደሉ ተጻሪርዎ ኢዩ። (ማቴዎስ 4:1-11) ወደ መዝሙር ያእቆብ ከኣ ‘ንድያብሎስ ተጻረርዎ ንሱ ኸኣ ኻባኻትኩም ክሃድም ኢዩ’ ብምባል ጸሓፈ። (ያእቆብ 4:7) ንፈተና ምጽራር ዝጅመር ኣተሓሳስባና ኣብ ቃል ኣምላኽ ከም ዝጸንዕ ብምግባርን መዐቀኒታት ኣምላኽ ንምስዓብ ቈራጽነት ዝመልኦ ውሳነ ብምውሳድን ኢዩ። ኣብ ድኻምና ዘተኵር ቀንዲ ቐንዲ ጥቕስታት ምዝካርን ብዛዕብኡ ምስትንታንን ሰናይ ኢዩ። ንሓደ ብሱል ክርስትያን—ምናልባትውን ንሓደ ሽማግለ—ሽግርና ምክፋል ከምኡውን ሃንደበታዊ ፈተና ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ክሕግዘና ምሕታት ጥበባዊ ስጕምቲ ኢዩ።—ምሳሌ 22:17
16. ስነ-ምግባራዊ ንጽህናና ክንዕቅብ እንኽእል ከመይ ገይርና ኢና፧
16 ቅዱሳት ጽሑፋት ሓድሽ ሰብነት ክንለብስ ኢዩ ዝምሕጸነና። (ኤፌሶን 4:24) እዚ ድማ የሆዋ ንኽቐርጸናን ክልውጠናን ፍቓደኛታት ምዃን ማለት ኢዩ። ጳውሎስ ነቲ መተዓይይቱ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ጽሒፍሉ ኢዩ:- “ደድሕሪ ጽድቂ: ኣምልኾ: እምነት: ፍቕሪ: ትዕግስቲ: ህድኣት ስዐብ። ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል: ነታ እተጸዋዕካላ . . . ህይወት ዘለኣለም ሐዛ።” (1 ጢሞቴዎስ 6:11, 12) ምስ ኣምላኽ ናይ ቀረባ ሌላ ንምግባር ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ምስቲ ንሱ ኻባና ዝደልዮ ብቕዓት ተሰማሚዕና ንምምልላስ ህርኩት መጽናዕቲ ቃል ኣምላኽ ብምግባር ‘ደድሕሪ ጽድቂ ክንስዕብ’ ንኽእል ኢና። ኣብ ከም ስብከት ብስራትን ኣኼባታትን ዝኣመሰለ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ትሑዛት ምዃን እውን ኣድላዪ ኢዩ። ናብ ኣምላኽ ምቕራብን ካብቲ ዘሰናድኦ መንፈሳዊ ምድላዋት ምሉእ ብምሉእ ረብሓ ምርካብን ብመንፈስ ንኽንዓብን ስነ-ምግባራዊ ንጽህናና ንኽንዕቅብን ክሕግዘና ኢዩ።—ያእቆብ 4:8
17. ኣምላኽ ኣብ እዋን ፈተና ከም ዘይርሕርሓና ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧
17 ዝዀነ ይኹን ዘጓንፈና ፈተና ክንዮ እቲ ንምግጣሙ ኣምላኽ ዝህበና ሓይሊ ኸም ዘይሓልፍ ጳውሎስ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። የሆዋ ‘ምጻሩ ምእንቲ ኽንክእል መውጽኢ ክገብረልና’ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 10:13) ኣብ ኣምላኽ ዘሎና ትውክልቲ ንዕቅብ እንተድኣ ዄንና: መንፈሳዊ ሓይልና ተጸንቂቑ ንጽህናና ምሕላው ክሳዕ እንስእን ብፈተና ክንዕብለል ብርግጽ ኣይሓድገናን ኢዩ። ኣብ ቅድሚኡ እከይ ንዝዀነ ነገራት ክንፍጽም ንዘጋጥመና ፈተና ንኽንዋጽኣሉ ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ክንዕወት ኢዩ ዝደልየና። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ኣብቲ “ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ” ዝብል መብጽዕኡ እምነት ክንገብር ንኽእል ኢና።—እብራውያን 13:5
18. ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ድኻም ዓወት ምርካብና ዘይተርፍ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
18 ጳውሎስ ብውጽኢት ናይቲ ኣንጻር ሰብኣዊ ድኻም ዘካይዶ ዝነበረ ናይ ገዛእ ርእሱ ቓልሲ ተጠራጢሩ ኣይፈልጥን ኢዩ ነይሩ። ንርእሱ ኸም ሓንቲ ግዙእ ስጋዊ ድሌታት ዝዀነት እተደንግጽን ድርብይትን ገይሩ ኣይቈጽራን ኢዩ ነይሩ። በንጻሩ እኳ ድኣስ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ ዝበለ:- “ኣነ እጐዪ አሎኹ: ግናኸ ኸምቲ ንዘይፍሉጥ ዚጐዪ ኣይኰንኩን: እምክት አሎኹ: ከምቲ ንንፋስ ዚወቅዕ ግና አይኰንኩን። ንኻልኦት እናሰበኽኩ: ንርእሰይ ድርቡይ ምእንቲ ኸይከውን: ንስጋይ ኤሰቅዮን ኤግዝኦን አሎኹ።” (1 ቈረንቶስ 9:26, 27) ንሕናውን እንተዀንና ኣንጻር እዚ ዘይፍጹም ስጋና ዕዉት ቅልስ ከነካይድ ንኽእል ኢና። ብቕዱሳት ጽሑፋት: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብእተመስረተ ጽሑፋት: ብክርስትያናዊ ኣኼባታት: ከምኡውን ብብሱላት ክርስትያናት ብጾት ኣቢሉ እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ቅኑዕ መገዲ ንኽንስዕብ ዝሕግዘና ዘየቋርጽ መዘኻኸሪታት ይህበና ኢዩ። በቲ ዝህበና ሓገዝ ንሰብኣዊ ድኻም ከነሰንፎ ድማ ንኽእል ኢና!
ትዝክሮዶ፧
• “ሓሳብ ስጋ” ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧
• ንፈተና ብኸመይ ኢና ክንዳለወሉ እንኽእል፧
• ንፈተና ምእንቲ ኽንዋጽኣሉ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧
• ንፈተና ኣብ ምግጣሙ ጸሎት ከመይ ዝበለ እጃም ኢዩ ዘለዎ፧
• ንሰብኣዊ ድኻም ከነሰንፎ ከም እንኽእል እንግንዘብ ብኸመይ ኢና፧
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
መጽሓፍ ቅዱስ መውጽኢ ዘይብልና ግዙኣት ስጋዊ ድሌታትና ኸም ዝዀንና ገይሩ ኣይምህርን ኢዩ
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]
ካብ ፈተና ምህዳም ሓደ ኻብቲ ካብ ሓጢኣት ክንርሕቀሉ እንኽእል መገድታት ኢዩ