ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ኣቲኻዶ፧
“ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ።”—እብ. 4:12።
1. ሎሚ ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ክንኣትወሉ እንኽእል ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧ እዚ ግን ካብ ክትገብሮ፡ ክትብሎ ዚቐልል ስለምንታይ እዩ፧
ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ፡ ምስ ዕላማ ኣምላኽ ተሰማሚዕና ብተኣዛዝነት ብምዕያይ፡ ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ክንኣቱ ኸም እንኽእል ርኢና ኢና። እዚ ኻብ ክትገብሮ፡ ክትብሎ ይቐልል። ንኣብነት፡ ሓደ እንፈትዎ ነገር፡ የሆዋ ኸም ዘይፈትዎ ክንመሃር ከለና፡ ኣብ ፈለማ ኣይንእዘዝን ንኸውን። እዚ ኸኣ፡ “ሰማዕ” ወይ እዙዝ ኣብ ምዃን፡ ከነመሓይሽ ከም ዘሎና እዩ ዚሕብር። (ያእ. 3:17) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ምስ ዕላማ ኣምላኽ ብፍታውና ተሰማሚዕና ንኸይንኸይድ፡ ወይ ብኻልእ ኣበሃህላ ኻብ ልቢ እዙዛት ንኸይንኸውን ኪፍትነና ዚኽእል ገለ መዳያት ክንርኢ ኢና።
2, 3. ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽቡራት ኴንና ንኽንርአ፡ ብቐጻሊ እንታይ ጻዕርታት ክንገብር ኣሎና፧
2 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሪ ኺወሃበካ ኸሎ፡ ብኸመይ ኢኻ እትቕበሎ፧ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ኣምላኽ ነቶም “ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር፡” ናብኡ ኺእክቦም ፍቓዱ ኸም ዝዀነ ይነግረና እዩ። (ሃጌ 2:7) ልክዕ እዩ፡ መብዛሕትና ሓቂ ቕድሚ ምፍላጥና፡ ምስ ክቡር ነገር ኣይንቝጸርን ኢና ኔርና። ንኣምላኽን ነቲ ፍቑር ወዱን ዘላትና ፍቕሪ ግን፡ ንኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኸነሐጕሶ፡ ኣብ ኣረኣእያናን ኣብ ልማዳትናን ዓብዪ ለውጢ ኽንገብር ደረኸና። ድሕሪ ብዙሕ ጸሎትን ጻዕርን፡ ኣብ መወዳእታኡ ርእስና ንክርስትያናዊ ጥምቀት እነቕርበላ ብርኽቲ መዓልቲ ኣኸለት።—ቈሎሴ 1:9, 10 ኣንብብ።
3 ኰይኑ ግን፡ እቲ ምስ ዘይፍጽምናና እንገብሮ ቓልሲ፡ ኣብ ጥምቀትና ኣየብቅዐን። እቲ ቓልሲ ቐጻሊ እዩ፣ ዘይፍጹማት ክሳዕ ዝዀንና እውን ኣይኬቋርጽን እዩ። ቃልስና እንተ ቐጺልናን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡራት ንኽንከውን እንተ ቘሪጽናን ግን፡ የሆዋ ንጻዕርታትና ኸም ዚባርኸልና መረጋገጺ ተዋሂቡና ኣሎ።
ምኽሪ ኼድልየና ኸሎ
4. ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ፡ ብምንታይ ሰለስተ መገድታት እዩ ዚወሃበና፧
4 ምስ ዘይፍጽምናና ኽንቃለስ ቅድሚ ምጅማርና፡ ድኽመትና እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ ኣሎና። ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንሰምዖ ልቢ ዚትንክፍ መደረ ወይ ኣብ ጽሑፋትና ዝወጸ ዜተሓሳስብ ነጥቢ፡ ከቢድ ጕድለት ከም ዘሎና የርእየና ይኸውን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ነቲ ብመደረ ዚቐርበልና ማዕዳ እንተ ዘይተረዲእናዮ ወይ ነቲ ብጽሑፍ ዚቐርበልና ምኽሪ ኣብ ግብሪ እንተ ዘየውዒልናዮ፡ የሆዋ ብክርስትያን ብጻይና ገይሩ፡ ጕድለትና ኺሕብረና ይኽእል እዩ።—ገላትያ 6:1 ኣንብብ።
5. ምኽሪ ኺወሃበና ኸሎ፡ ገለ ኻብቲ ኣሉታዊ ምላሽ እንህበሉ ዘይድለ መገድታት ጥቐስ፣ ክርስትያን ጓሶት ንዓና ንምሕጋዝ ስለምንታይ ኪጽዕሩ ኸም ዘለዎም ድማ ግለጽ።
5 ካብ ዘይፍጹም ሰብ ዚወሃብ ምኽሪ፡ ዋላ እውን ብሜላን ብፍቕርን እንተ ተዋህበ፡ ምቕባሉ ቐሊል ኣይኰነን። ከምቲ ኣብ ገላትያ 6:1 ተሓቢሩ ዘሎ ግን፡ የሆዋ ነቶም መንፈሳዊ ብቕዓት ዘለዎም ዘበሉ፡ ‘ብህዱእ መንፈስ ገይሮም ኬቕንዑና’ ኣዚዝዎም እዩ። ነቲ ምኽሮም እንተ ተቐቢልናዮ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዝያዳ ኽቡራት ኢና እንኸውን። ክንጽሊ ኸለና እኮ፡ ዘይፍጹማት ምዃንና ብቐሊሉ ንእመን ኢና። ካልእ ሰብ ጕድለትና ኺሕብረና ኸሎ ግን፡ ተቐዳዲምና መመኽነይታ ኸነቕርብ፡ ነቲ ጸገም ከነነኣእሶ፡ ንውሽጣዊ ድራኸ እቲ መኻሪ ኣብ ሕቶ ኸነእትዎ፡ ወይ ነቲ ኣመኻኽራኡ ኽንቃወሞ ኢና እንፍትን። (2 ነገ. 5:11) ብሕልፊ እቲ ምኽሪ ምስ ተኣፋፊ ጕዳያት እተተሓሓዘ እንተ ዀይኑ—ንኣብነት፡ ብዛዕባ ተግባራት ኣባል ስድራ ቤትና፣ ብዛዕባ ኣከዳድናናን ኣመለኻኽዓናን፣ ብዛዕባ ኣካላዊ ጽሬትና፣ ወይ ብዛዕባ ንሕና እንፈትዎ፡ የሆዋ ግን ዚጸልኦ ዓይነት መዘናግዒ እንተ ዀይኑ—ንዅሪ ንኸውን። እዚ ኸኣ፡ ንዓናን ነቲ ዝመኸረና ሰብን ዜጕሂ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ምስ ሃዳእና ግን፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ምኽሪ ግቡእ ምንባሩ ይርድኣና እዩ።
6. ቃል ኣምላኽ፡ “ምሕላንን ሓሳብ ልብን” ዚቐልዕ ብኸመይ እዩ፧
6 እታ ናይዛ ዓንቀጽ እዚኣ ቐንዲ ጥቕሲ፡ ቃል ኣምላኽ “መስለጢ” ምዃኑ ተዘኻኽረና እያ። እወ፡ ቃል ኣምላኽ፡ ህይወት ንምቕያር ስሉጥ እዩ። ከምቲ ቕድሚ ጥምቀትና ዜድሊ ለውጢ ኽንገብር ብስሉጥ መገዲ ዝሓገዘና፡ ድሕሪ ጥምቀትና እውን ከምኡ ይሕግዘና እዩ። ጳውሎስ ናብ እብራውያን ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ፡ ቃል ኣምላኽ፡ “ነፍስን መንፈስን፡ መፈላልዮ ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ” እውን ኢሉ እዩ። (እብ. 4:12) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ዕላማ ብንጹር ምስ ተረድኣና፡ ሽዑ እንገብሮ ነገር፡ ውሽጥና እንታይ ምዃኑ እዩ ዜቃልዕ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ መንጎ እቲ መሲልና እንቐርቦን (“ነፍስን”) ኣብ መንጎ ናይ ሓቂ እንታይነትናን (“መንፈስን”) ፍልልይ ኣሎዶ፧ (ማቴዎስ 23:27, 28 ኣንብብ።) ኣብዚ ዚስዕብ ኵነታት፡ ንስኻ እንታይ ከም እትገብር እስከ ርአ።
ማዕረ ማዕረ ውድብ የሆዋ ሰጕም
7, 8. (ሀ) ገሊኦም ኣይሁድ ክርስትያናት ንእተወሰነ ስርዓታት ሕጊ ሙሴ ጠቢቖም ንኺስዕብዎ ዝደረኾም እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ (ለ) ጻዕርታቶም ምስቲ ገስጋሲ ዕላማ የሆዋ ኺርአ ኸሎ፡ ከመይ እዩ ነይሩ፧
7 መብዛሕትና ንምሳሌ 4:18 ብቓልና ኽንወጻ ንኽእል ኢና። እታ ጥቕሲ ኸምዚ ትብል፦ “መገዲ ጻድቃን ግና ከም ብርሃን ወገግታ እያ፡ ፍጹም መዓልቲ ኽሳዕ ዚኸውን ከኣ፡ እናወሰኸት ትበርህ።” እዚ ኸኣ፡ ኣኻይዳናን ብዛዕባ ዕላማታት ኣምላኽ ዘሎና ምርዳእን በብግዜኡ እናተመሓየሸ ይኸይድ ማለት እዩ።
8 ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ ብዙሓት ኣይሁድ ክርስትያናት፡ ድሕሪ ሞት የሱስ፡ ንሕጊ ሙሴ ምሕዳጉ ኸቢድዎም ነይሩ እዩ። (ግብ. 21:20) ጳውሎስ፡ ክርስትያናት ድሕሪ ደጊም ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ዘይምዃኖም ሓያል መጐተ እኳ እንተ ኣቕረበ፡ ገሊኦም ነቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ዘቕረቦ መረዳእታ ኣይተቐበልዎን። (ቈሎ. 2:13-15) ምናልባት ገሊኡ ኽፋል እቲ ሕጊ እንተ ሓልዮም፡ ካብ መስጐጕቲ ኺስተሩ ኸም ዚኽእሉ ሓሲቦም ይዀኑ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ጳውሎስ ናብቶም እብራውያን ክርስትያናት ኪጽሕፍ ከሎ፡ ምስቲ ዚግለጽ ዘሎ ዕላማ ኣምላኽ ተሰማሚዖም ምዕያይ ክሳዕ ዝኣበዩ፡ ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ኪኣትዉ ኸም ዘይክእሉ ብንጹር ነገሮም።a (እብ. 4:1, 2, 6፣ እብራውያን 4:11 ኣንብብ።) ስምረት የሆዋ ንምርካብ፡ ንሱ ንህዝቡ ብእተፈልየ ኣንፈት ይመርሖም ከም ዘሎ ኺኣምኑ ነበሮም።
9. ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ዘሎና ምርዳእ ኪዕረ ኸሎ፡ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ኺህልወና ዚግባእ፧
9 ኣብዚ ግዜና፡ ብዛዕባ ገሊኡ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረና ምርዳእ፡ እተወሰነ ምትዕርራይ ተገይሩሉ እዩ። እዚ ኺርብሸና የብሉን፣ የግዳስ፡ ነቲ ኣብቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ዘሎና ምትእምማን ኬደልድሎ ኣለዎ። ኣባላት እቲ “ባርያ” ብዛዕባ ገሊኡ ሓቅታት ዘሎና ኣረኣእያ ኺንጽር ወይ ኪእረም ከም ዜድልዮ ምስ ኣስተውዓሉ፡ ንምዕራዩ ድሕር ኣይብሉን እዮም። እቲ ብጕጅለ ዝቘመ ባርያ፡ ምስቲ ዚግለጽ ዘሎ ዕላማ ኣምላኽ ምትሕብባር ደኣ እዩ ዝያዳ ዘገድሶ እምበር፡ ኣረዳድኣኡ ለዊጡ ተባሂሉ ኸይንቀፍ ኣየጨንቖን እዩ። ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ዘሎና ምርዳእ ኪዕረ ኸሎ፡ ንስኻ ኸመይ እዩ ዚስምዓካ፧—ሉቃስ 5:39 ኣንብብ።
10, 11. ካብቲ ገሊኦም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ሓድሽ ሜላታት ስብከት ኪተኣታቶ ኸሎ ዝወሰድዎ ስጕምቲ፡ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
10 ካልእ ኣብነት እስከ ንርአ። ኣብ መወዳእታ መበል 19 ዘመንን ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመንን፡ ገሊኦም ብሉጻት መደርቲ ዝነበሩ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንመማሰውቲ ተኣከብቲ ጽቡቕ መደረ ብምቕራብ፡ ንኺሰብኩ እተዋህቦም መዝነት ብዝሓሸ መገዲ ኺፍጽሙ ኸም ዚኽእሉ ተሰሚዕዎም ነይሩ እዩ። መደረ ምቕራብ፡ ባህ ይብሎም ነበረ፣ ገሊኦም ከኣ ነቲ ኻብ ሰማዕቶም ዚረኽብዎ ዝነበሩ ናእዳ ይፈትውዎ ነበሩ። ጸኒሑ ግን፡ የሆዋ ንህዝቡ ኣብ እተፈላለየ ዓይነት ስብከት፡ እንተላይ ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዚግበር ኣገልግሎት፡ ኪጽመዱ ኸም ዚደልዮም ነጸረ። ገሊኦም ክኢላታት መደርቲ፡ ሓድሽ ነገር ምፍታን ኣበዩ። ብደጊኦም፡ ንጐይታ ውፉያት ዝዀኑ መንፈሳውያን ሰባት እዮም ዚመስሉ ነይሮም። ኣምላኽ ብዛዕባ ዕዮ ስብከት ዘለዎ ዕላማ ንጹር ምስ ኰነ ግን፡ ናይ ሓቂ ሓሳባቶምን ሃቐናኦምን ውሽጣዊ ድራኸኦምን ተጋህደ። የሆዋ ብዛዕባኦም ከመይ ተሰምዖ፧ ኣይባረኾምን። ካብ ውድቡ ወጹ።—ማቴ. 10:1-6፣ ግብ. 5:42፣ 20:20።
11 ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን፡ እቶም እሙናት ኰይኖም ምስ ውድብ የሆዋ ዝቐጸሉ፡ ንዕዮ ስብከት ቀሊል ኰይኑ ረኺቦምዎ ማለት ኣይኰነን። ብሕልፊ ኣብ መጀመርታ፡ ብዙሓት ከቢድዎም ነይሩ እዩ። እንተዀነ ግን፡ እዙዛት እዮም ነይሮም። ድሕሪ ግዜ ግን፡ ፍርሆም ኣሰነፉ፣ የሆዋ እውን ኣብዚሑ ባረኾም። ንስኻኸ ኻብቲ ዝለመድካዮ ኣብ እተፈልየ ዓይነት ስብከት ክትሳተፍ እንተ ትሕተት፡ እንታይ ምገበርካ፧ ሓድሽ ነገር ክትፍትን ፍቓደኛ ዲኻ፧
እንፈትዎ ሰብ ንየሆዋ ምስ ዚሓድጎ
12, 13. (ሀ) የሆዋ ንዘይንስሑ ኣበስቲ ኸም ዚውገዱ ዚገብረሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ (ለ) ገሊኦም ክርስትያን ወለዲ እንታይ ፈተና እዩ ዜጋጥሞም፧ እቲ ፈተና ኣመና ኸቢድ ዚዀኖምከ ስለምንታይ እዩ፧
12 ንኣምላኽ ምእንቲ ኸነሐጕሶ፡ ብኣካላውን ብስነ-ምግባራውን ብመንፈሳውን መዳይ ንጹሃት ክንከውን ከም ዘሎና ንሰማማዓሉ ኢና። (ቲቶስ 2:14 ኣንብብ።) ንዕላማ ኣምላኽ ዘሎና ተኣማንነት ኣጸቢቑ ዚፍተነሉ ኣጋጣሚታት ግን ኪለዓል ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ጽምዲ ኣብነታውያን ክርስትያን ሰብ ሓዳር፡ ሓደ ውሉድ ኣለዎም ንበል። እቲ ውሉዶም ከኣ፡ ካብ ሓቂ ወጸ። ካብቲ ምስ የሆዋን ምስቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ወለዱን ዘለዎ ብሕታዊ ርክብ ንላዕሊ፡ ‘ንግዜኡ ብሓጢኣት ባህ ኪብሎ’ ስለ ዝደለየ፡ ካብ ጉባኤ ተወገደ።—እብ. 11:25።
13 ወለዱ ብጓሂ ሕርር ኵምትር እዮም ኢሎም። ብዛዕባ ውገዳ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምስ ሓደ ሓው ዚብሀል እሞ ኣመንዝራ፡ ወይስ ስሱዕ፡ ወይስ መምለኽ ጣኦት፡ ወይስ ተጻራፊ፡ ወይስ ሰካር፡ ወይስ ዘራፊ እንተ ዀይኑ፡ ምስኡ ኸይትጽምበሩ፡ ምስ እዚ ኸምዚ ዝበለ ከቶ ኸይትበልዑ” ኸም ዚብል ይፈልጡ እዮም። (1 ቈረ. 5:11, 13) እተን “ምስ እዚ ኸምዚ ዝበለ” ዚብላ ቓላት፡ ምስኦም ንዘይነብሩ ኣባላት ቤተሰቦም ከም ዜጠቓልል እውን የስተውዕሉ እዮም። ኰይኑ ግን፡ ንወዶም ኣጸቢቖም ይፈትውዎ እዮም። ብሓያል ስምዒታት ተደሪኾም፡ ‘ምስ ወድና ዘሎና ርክብ ኣመና ድሩት እንተ ጌርናዮ፡ ከመይ ጌርና ኢና ናብ የሆዋ ንኺምለስ ክንሕግዞ እንኽእል፧ ምስኡ ኣዘውቲርና ርክብ እንተ ገበርናዶ ኣይምሓሸን፧’ ኢሎም ይሓስቡ ይዀኑ።b
14, 15. ወለዲ እተወገዱ ውሉዳት እንታይ ውሳነ እዮም ኪገብሩ ዘለዎም፧
14 እዞም ወለዲ እዚኣቶም የደንግጹና እዮም። ከመይሲ፡ ውሉዶም ምርጫ እኳ እንተ ነበሮ፡ ምስ ወለዱን ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱን ዝነበሮ ጥብቂ ርክብ ኣብ ክንዲ ዚዕቅብ፡ ዘይክርስትያናዊ ናብራ እዩ መሪጹ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ወለዱ ኺቈጻጸርዎ ኣይክእሉን እዮም። ዚገብርዎ እንተ ሓርበቶም እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።
15 እቶም ፍቑራት ወለዲ ግን እንታይ እዮም ኪገብሩ፧ ነቲ ንጹር መምርሒ የሆዋ ኺእዘዙ ድዮም፡ ወይስ “ኣገዳሲ ጕዳይ ስድራ ቤት” ኢሎም እናኣመኻነዩ ምስኡ ኣዘውቲሮም ኪራኸቡ፧ ውሳነ ኺገብሩ ኸለዉ፡ የሆዋ ብዛዕባ እቲ ዚገብርዎ ነገር ከመይ ከም ዚስምዖ ኣብ ግምት ኬእትዉ ኣለዎም። የሆዋ ንንጽህና ውድቡ ኺሕሉ፡ እንተ ተኻኢሉ ኸኣ ነቲ ኣባሲ ናብ ልቡ ኺመልሶ እዩ ዚደሊ። ክርስትያን ወለዲ ነቲ ዕላማ እቲ ብኸመይ ደገፎም ኪህቡ ይኽእሉ፧
16, 17. ብዛዕባ እቲ ንኣሮን ዘጋጠሞ ነገር እንተ ኣስተንቲንና፡ እንታይ መለበሚ ኢና እንረክብ፧
16 ኣሮን ሓው ሙሴ፡ ምስ ክልተ ደቁ ብዚተሓሓዝ፡ ኣጸጋሚ ዅነታት ኣጋጢምዎ ነይሩ እዩ። ናዳብን ኣቢሁን ዚበሃሉ ደቁ፡ ብሰንኪ እቲ የሆዋ ዘይኣዘዞም ሓዊ ብምቕራብ ዝገበርዎ በደል ምስ ተቐዝፉ፡ እተሰምዖ ስምዒት እሞ ሕስብ ኣብሎ። ልክዕ እዩ፡ ድሕሪኡ ምሳታቶም ዝነበሮ ርክብ ኣብቂዑ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ሽዑ ኻልእ ፈታኒ ዅነታት ኣጋጢምዎ እዩ። ንሱን እቶም እሙናት ደቁን ካብ የሆዋ ኸምዚ ዚብል መምርሒ ተዋሂብዎም ነይሩ፦ “ከይትሞቱስ፡ ነዚ ኣኼባውን ንሱ [የሆዋ] ኸይኵርየሉ፡ [ብሓዘን] ርእስኹም ኣይተወይፉ፡ ክዳውንትኹም ከኣ ኣይትቕደዱ።” (ዘሌ. 10:1-6) እቲ መልእኽቲ ንጹር እዩ ነይሩ። ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ፡ ካብቲ ንዘይእሙናት ኣባላት ስድራ ቤትና ዘላትና ፍቕሪ እትሕይል ክትከውን ኣለዋ።
17 ሎሚ፡ የሆዋ ነቶም ሕግታቱ ዚጥሕሱ፡ ብኡንብኡ ኣይኰነን ዚቐዝፎም። ብፍቕሩ ተደሪኹ፡ ካብ ሓጥእ ተግባራቶም ኪንስሑ ኣጋጣሚ ይህቦም እዩ። ወለዲ ሓደ ዘይንሳሕ ኣባሲ፡ ምስቲ ዘይንሳሕ ውሉዶም ዘየድሊ ርክብ ብምግባር፡ ንየሆዋ ብቐጻሊ ዚፍትንዎ እንተ ዀይኖም ግን፡ ንሱ ኸመይ እዩ ዚስምዖ፧
18, 19. እቶም ንውጉዳት ብዚምልከት ምስ መምርሒታት የሆዋ ተሰማሚዖም ዚመላለሱ ኣባላት ስድራ ቤት፡ እንታይ በረኸት እዮም ዚረኽቡ፧
18 ብዙሓት ተወጊዶም ዝነበሩ ክርስትያናት፡ እቲ ፈተውቶምን ኣባላት ስድራ ቤቶምን ዝነበሮም ጽኑዕ መትከል፡ ናብ ልቦም ንኺምለሱ ኸም ዝሓገዞም ይእመኑ እዮም። ሽማግለታት ብዛዕባ ምምላስ ሓንቲ መንእሰይ ደገፎም ከም ዚህቡ ኺገልጹ ኸለዉ፡ “ብኸፊሉ ብምኽንያት እቲ ብስጋ ሓዋ ንስርዓት ውገዳ ዘለዎ ኣኽብሮት” ህይወታ ኸተንጽህ ከም እተደረኸት ጽሒፎም እዮም። “ንቕዱስ ጽሑፋዊ መምርሒታት ብተኣማንነት ጠቢቑ ምስዓቡ፡ ንኽትምለስ ድሌት ከም ዘሕደረላ” ገሊጻ እያ።
19 ካብዚ ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኢና እንበጽሕ፧ ምስቲ ንቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ንኸይንእዘዝ ዚድርኸና ዘይፍጹም ልብና ኽንቃለስ ኣሎና። ኣምላኽ ንጸገማትና ዚሕዘሉ መገዲ ብሉጽ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ክንኣምን ኣሎና።
“ቃል ኣምላኽ ህያው . . . እዩ”
20. ንእብራውያን 4:12 ብምንታይ ክልተ መገድታት ኢና ኽንርድኣ እንኽእል፧ (እግረ-ጽሑፍ ርአ።)
20 ጳውሎስ፡ “ቃል ኣምላኽ ህያው . . . እዩ” ኢሉ ኺጽሕፍ ከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል ኣምላኽ፡ ማለት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይኰነን ብቐጥታ ዝዛረብ ነይሩ።c ካብቲ ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳብ ከም እንርእዮ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝኣተዎ ቓል ወይ መብጽዓ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ስለዚ፡ ኣምላኽ ንመብጽዓኡ ኸም ዘይርስዖ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። የሆዋ ነዚ ነጥቢ እዚ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ ኼረጋግጾ ኸሎ፡ “ቃለይ . . . ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር፡ ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ” በለ። (ኢሳ. 55:11) እምበኣር፡ ሓደ ነገር ከምቲ ዝሓሰብናዮ ብቕልጡፍ እንተ ዘይኰይኑልና፡ ዓቕሊ ኽንስእን የብልናን። የሆዋ ዕላማኡ ናብ ዕዉት መደምደምታ ንምብጻሕ፡ ‘ይዓዪ እዩ ዘሎ።’—ዮሃ. 5:17፡ ትርጕም 1990።
21. እብራውያን 4:12 ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣባላት እቶም “ብዙሓት ሰብ” መተባብዒ ኽትኰኖም እትኽእል ብኸመይ እያ፧
21 ብዕድመ ዝደፍኡ እሙናት ኣባላት “ብዙሓት ሰብ፡” ንሓያሎ ዓመታት ንየሆዋ ኣገልጊሎምዎ እዮም። (ራእ. 7:9) ብዙሓት ኣብዚ ኣረጊት ስርዓት እዚ ኺኣርጉ ኸቶ ኣይተጸበዩን ነይሮም። እንተዀነ ግን፡ ተስፋ ኣይቈረጹን። (መዝ. 92:14) ቃል ወይ መብጽዓ ኣምላኽ፡ ዝሞተ ጕዳይ ዘይምዃኑ፡ የግዳስ ህያው ምዃኑ፡ የሆዋ እውን ንምፍጻሙ ይዓዪ ኸም ዘሎ ይፈልጡ እዮም። ኣምላኽ ብዕላማኡ ኣጸቢቑ ስለ ዚግደስ፡ ኣብ ኣእምሮና ቐዳምነት ንህቦ እንተ ዄንና ነሐጕሶ ኢና። ኣብዛ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ የሆዋ ዕላማኡ ኸም ዚፍጸምን ህዝቡ ብደረጃ ጕጅለ ኸም ዚድግፍዎን ቀሲኑ የዕርፍ እዩ ዘሎ። ንስኻኸ ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ኣቲኻዶ፧
[እግረ-ጽሑፋት]
a ብዙሓት መራሕቲ ኣይሁድ ንሕጊ ሙሴ ተጠንቂቖም ይሕልውዎ እኳ እንተ ነበሩ፡ መሲሕ ምስ መጸ ግን ኣየለለይዎን። ማዕረ ማዕረ እቲ ገስጋሲ ዕላማ ኣምላኽ ኣይሰጐሙን።
b “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ፡” ገጽ 207-209 ርአ።
c ሎሚ፡ ኣምላኽ በቲ ንህይወትና ናይ ምጽላው ሓይሊ ዘለዎ ብጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉ ገይሩ ይዛረበና እዩ። ስለዚ፡ ኣብ እብራውያን 4:12 እተመዝገበ ቓላት ጳውሎስ፡ ብተዘዋዋሪ ንመጽሓፍ ቅዱስ የመልክት ኪበሃል ይከኣል እዩ።
ዕላማኡ ኣይትስሓት
• ሎሚ ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ንኽንኣቱ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
• ኣብ መንጎ ዕላማ ኣምላኽን ኣብ መንጎ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ንምቕባል ዘሎና ፍቓደኛነትን እንታይ ምትሕሓዝ ኣሎ፧
• ንቕዱስ ጽሑፋዊ መምርሒ ምስዓብ ኣጸጋሚ ኪኸውን ዚኽእል ኣብ ምንታይ ኣጋጣሚታት ኪኸውን ይኽእል፧ ክንእዘዝ ዘሎና ግን ስለምንታይ ኢና፧
• ንእብራውያን 4:12 ብምንታይ ክልተ መገድታት ኢና ኽንርድኣ እንኽእል፧
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
እዞም ወለዲ እዚኣቶም ብጓሂ ሕርር ኵምትር ኢሎም እዮም ዘለዉ!