-
“ሸውዓተ ውጉዝ ሓጢኣት” ወይ “ሸውዓተ ዓበይቲ ሓጢኣት” ኣሎ ድዩ፧መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
-
-
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ “ዚፍንፍነን ሸውዓተ ነገር” ይጠቅስ ደይኰነን፧
እወ፡ ይጠቅስ እዩ። ምሳሌ 6:16፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ክትዛረብ ከላ፡ “ዚጸልአን ሽዱሽተ ነገር ኣለዋ፣ እወ፡ ዚፍንፍነን ሸውዓተ ነገር ኣለዋ” ትብል እያ። ይኹን እምበር፡ እቲ ስዒቡ ኣብ ምሳሌ 6:17-19 ተዘርዚሩ ዘሎ ሓጢኣት፡ ንዅሉ ሓጢኣት ዜጠቓልል ኣይኰነን። የግዳስ፡ ነቲ ንሓሳባትን ንቓላትን ንተግባራትን ዜጠቓልል ኵሉ ዓይነት ሕማቕ ነገራት ዚውክል መሰረታዊ ምድብ ጥራይ እዩ ዚጠቅስ።b
-