-
ትዕቢት ናብ ውርደት ይመርሕግምቢ ዘብዐኛ—2000 | 1 ነሓሰ
-
-
ትዕቢት ናብ ውርደት ይመርሕ
“ትዕቢት እንተ መጸ: ውርደት ከኣ ይመጽእ: ጥበብ ግና ምስቶም ትሑታት [“ዓቕሞምን ቦታኦምን ዝፈልጡ: ” NW ] እያ።”—ምሳሌ 11:2
1, 2. ትዕቢት እንታይ ኢዩ: ናብ ውርደት ዝመርሕከ ብኸመይ ዝበለ መገድታት ኢዩ፧
ሓደ ቐናእ ሌዋዊ ንዓለወኛታት ዝዀኑ ሰባት ኣንጻር እቶም የሆዋ ዝሸሞም ሰበ-ስልጣን ንኽኸዱ መርሖም። ሓደ ህርፋን ስልጣን ዝነበሮ መስፍን ዝፋን ኣቦኡ ንምምንዛዕ ተንኰል ፋሓሰ። ሓደ ህዉኽ ንጉስ ነቲ ነብዪ ኣምላኽ ዝሃቦ ንጹር መምርሒታት ጠሓሰ። እዞም ሰለስተ እስራኤላውያን እዚኣቶም ሓደ ናይ ሓባር ረቛሒ ኣለዎም። ሰለስቲኦም ትዕቢት ኣንጸባሪቖም ኢዮም።
2 ትዕቢት ኣብ ልቢ ዝንጸባረቕ ባህርይ ኢዩ: ንዝዀነ ይኹን ሰብ ድማ ከቢድ ሓደጋ ከምጽእ ዝኽእል ኢዩ። (መዝሙር 19:13) ትዕቢተኛ ሰብ ብዘይገለ ፍቓድ ብድፍረት ደረት ይሓልፍ። እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ እዋን ናብ ውርደት ዝመርሕ ኢዩ። እዚ ባህርይ እዚ ንነገስታት እውን ከይተረፈ የዕንዩ: ንሃጸያዊ ግዝኣታት ከኣ ኣነቓኒቑ ኢዩ። (ኤርምያስ 50:29, 31, 32፣ ዳንኤል 5:20) ንገለ ኣገልገልቲ የሆዋ እውን ከይተረፈ መፈንጠራ ኰይንዎም: ናብ ውድቀት እውን መሪሕዎም ኢዩ።
3. ትዕቢት ክሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ብኸመይ ኢና ክንርዳእ እንኽእል፧
3 መጽሓፍ ቅዱስ “ትዕቢት እንተ መጸ: ውርደት ከኣ ይመጽእ: ጥበብ ግና ምስቶም ትሑታት [“ዓቕሞምን ቦታኦምን ዝፈልጡ:” NW ] እያ” ምባሉ ብሓቂ ቅቡል ኢዩ። (ምሳሌ 11:2) መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅነት ናይዚ ምስላ እዚ ዘረጋግጽ ብዙሕ ኣብነታት ይህበና ኢዩ። ንገለ ካብዚ ኣብነታት ምምርማር ካብቲ ግቡእ ደረትካ ምሕላፍ ክሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ንኽንርዳእ ክሕግዘና ኢዩ። ስለዚ ነቶም ኣብ መእተዊ ዝረኣናዮም ሰለስተ ሰባት ቅንኢ: ህርፋን: ከምኡውን ሃወኽ ብኸመይ ናብ ትዕቢትን ውርደትን ከም ዝመርሖም ንመርምር።
ቆራሕ—ቀናእ ዓለወኛ
4. (ሀ) ቆራሕ እንታዋይ ኢዩ ነይሩ: ነየናይ ታሪኻዊ ፍጻመታትከ ኢዩ ብዘይጥርጥር ዝረኣየ፧ (ለ) ዳሕራይ ግን እንታይ ዕሉል ዝዀነ ናይ ጸይቂ ተግባር ኢዩ ዘለዓዓለ፧
4 ቆራሕ ካብ ዓሌት ቃሃት ዝመጸ ሌዋዊ ኰይኑ: ንሙሴን ኣሮንን ወዲ ሓው ኣቦኦም ነበረ። ንዓሰርተታት ዓመታት እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ ምንባሩ ርግጽ ኢዩ። ቆራሕ ኣብ መንጎ እቶም ብተኣምራታዊ መገዲ ብቐይሕ ባሕሪ ናይ ምሕላፍ መሰል ዝረኸቡ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ከረን ሲና ንምራኽ ዘምለኹ እስራኤላውያን ፍርዲ የሆዋ ኣብ ምውራድ እውን ተኻፊሉ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ዘጸኣት 32:26) ይኹን እምበር: ቆራሕ ነቶም ካብ ዓሌት ሮቤል ዝነበሩ ዳታንን ኣቢራምን ኦንን ከምኡውን ካልኦት 250 ሓላቑ እስራኤላውያን መሪሑ ኣንጻር ሙሴን ኣሮንን ዓለወ።a ንሙሴን ኣሮንን ከምዚ በልዎም:- “ብዘለዉ ኣኼባ ዅሎም ቅዱሳን እዮም: እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ማእከሎም እዩ እሞ: እምብዛ ኣብዚሕኩምዎ: ስለምንታይ ኣብ ልዕሊ ማሕበር እግዚኣብሄር ትዕበዩ አሎኹም፧”—ዘሁልቍ 16:1-3
5, 6. (ሀ) ቆራሕ ኣንጻር ሙሴን ኣሮንን ዝዓለወ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ቆራሕ ነቲ ኣብ ናይ የሆዋ ምድላው ዝነበሮ ቦታ ኣትሒቱ ኢዩ ርእይዎ ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧
5 ቆራሕ ንነዊሕ ዓመታት ብተኣማንነት ኣገልጊሉ ከብቅዕ ስለምንታይ ኢዩ ዝዓለወ፧ ሙሴ “ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ዓቃል” ስለ ዝነበረ ኣብ ኣመራርሕኡ ጨቋኒ ኣይነበረን። (ዘሁልቍ 12:3) ቆራሕ ግን ብሙሴን ኣሮንን ከምኡውን በቲ ዝነበሮም ስልጣን ዝቐንአ ኢዩ ዝመስል: እዚ ኸኣ ብኢደ-ወነኖምን ብስስዐን ኣብ ልዕሊ ማሕበር የሆዋ ርእሶም የልዕሉ ኣለዉ ናብ ዝብል ግጉይ መደምደምታ መርሖ።—መዝሙር 106:16
6 ገለ ካብቲ ናይ ቆራሕ ሽግር ነቲ ኣብ ናይ ኣምላኽ ምድላው ዝነበሮ መሰል ኣኽቢሩ ዘይምርኣዩ ኢዩ። እቶም ካብ ደቂ ቃሃት ዝነበሩ ሌዋውያን ካህናት እኳ እንተ ዘይነበሩ: መምሃራን ቃል ኣምላኽ ኢዮም ነይሮም። እቲ ማሕደር ኣምላኽ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክግዕዝ ከሎ እውን ነቲ ኣቕሑ ንሳቶም ኢዮም ዝስከምዎ ነይሮም። እዚ ብቐሊሉ ዝርአ ሓላፍነት ኣይነበረን: ከመይሲ እቲ ኣቕሑ ቅዱስ ብምንባሩ እቶም ብሃይማኖታውን ስነ-ምግባራውን ንጹሃት ዝዀኑ ሰባት ጥራይ ኢዮም ክስከምዎ ዝኽእሉ ነይሮም። (ኢሳይያስ 52:11) ስለዚ ሙሴ ንቖራሕ ኣብ ዝሃቦ መልሲ: ብኻልእ መልክዑ ክርአ ኸሎ ‘ነቲ ዘሎካ ሓላፍነት ኣቕሊልካ ስለ ዝረኣኻዮ ዲኻ ክህነት እውን ትደሊ ዘሎኻ፧’ ኢዩ ኢልዎ። (ዘሁልቍ 16:9, 10) ቆራሕ እቲ ዝያዳ ክብረት ዘውህብ ብመሰረት እቲ የሆዋ ዝገብሮ ስርዓት ንዕኡ እሙን ኴንካ ምግልጋል ድኣ እምበር ገለ ፍሉይ መዓርግ ወይ ስልጣን ከም ዘይኰነ ኣይተገንዘበን።—መዝሙር 84:10
7. (ሀ) ሙሴ ንቖራሕን ንሰቡን ብኸመይ ኢዩ ዝመለሰሎም፧ (ለ) ዕልወት ቆራሕ መወዳእትኡ ጥፍኣት ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ፧
7 ሙሴ ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት መዓልቲ ንግሆ ጽንሃህን ዕጣንን ሒዞም ናብ ድንኳን ምርኻብ ክመጹ ንቖራሕን ሰቡን ነገሮም። ቆራሕን ሰቡን ካህናት ስለ ዘይነበሩ ዕጣን ክዓጥኑ መሰል ኣይነበሮምን። ጽንሃህን ዕጣንን ሒዞም እንተድኣ መጺኦም እዞም ሰባት እዚኣቶም ነቲ ጕዳይ ምሉእ ለይቲ ምስ ሓሰብሉ እውን ከይተረፈ ከም ዘይተጣዕሱ: ካህናት ክዀኑ መሰል ዘለዎም ኰይኑ ከም ዝስምዖም ዘረጋግጽ ኢዩ ዝኸውን። ንጽባሒቱ ምስ መጹ የሆዋ ቍጥዓኡ ገለጸሎም። ነቶም ደቂ ሮቤል ‘ምድሪ ኣፋ ኸፊታ ወሓጠቶም።’ ንቖራሕን ነቶም ዝተረፉ ኻልኦትን ድማ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ሓዊ በልዖም። (ዘዳግም 11:6፣ ዘሁልቍ 16:16-35፣ 26:10) ትዕቢት ቆራሕ ናብ ዝኸፍአ ውርደት—ስምረት ኣምላኽ ናብ ምስኣን—መርሐ!
‘ንመንፈስ ቅንኢ’ ተጻረሮ
8. ኣብ መንጎ ክርስትያናት ‘መንፈስ ቅንኢ’ ክንጸባረቕ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
8 እቲ ብዛዕባ ቆራሕ ዝገልጽ ጸብጻብ ንዓና መጠንቀቕታ ኢዩ። ዘይፍጹማት ሰባት ‘መንፈስ ቅንኢ’ ስለ ዘለዎም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን ከይተረፈ ክንጸባረቕ ይኽእል ኢዩ። (ያእቆብ 4:5) ንኣብነት: ብዛዕባ ስልጣን እምብዛ እንግደስ ዓይነት ሰባት ክንከውን ንኽእል። ከም ቆራሕ በቶም ነቲ ንሕና እንደልዮ መሰላት ዝረኸቡ ሰባት ንቐንእ ንኸውን። ወይ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ድዮትሬፌስ እተባህለ ክርስትያን ክንከውን ንኽእል ኢና። ንስልጣን እቶም ሃዋርያት ኣበርቲዑ ይነቅፍ ነበረ: ምናልባት ነቲ ቦታ ባዕሉ ክሕዞ ይደሊ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ዮሃንስ ብዛዕባ ድዮትሬፌስ “እቲ ኣዉራኦም ኪኸውን ዚደሊ” ኢሉ ዝጸሓፈ።—3 ዮሃንስ 9
9. (ሀ) ብዛዕባ ኣብ ጉባኤ ሓላፍነት ምርካብ እንታይ ኣረኣእያ ኢና ከነወግድ ዘሎና፧ (ለ) ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድላዋት ኣምላኽ ዘሎና ቦታ ክህልወና ዘለዎ ግቡእ ኣረኣእያ እንታይ ኢዩ፧
9 ልክዕ ኢዩ ሓደ ክርስትያን ሰብኣይ ንናይ ጉባኤ ሓላፍነት ክመጣጠር ጌጋ ኣይኰነን። ጳውሎስ እውን ከይተረፈ ብዛዕባ እዚ ኣተባቢዑ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 3:1) እንተዀነ ግን: ናይ ኣገልግሎት መሰል ምርካብ ኣብ ሓደ መደያይቦ ንላዕሊ ሓደ ደረጃ ከም ዝደየብካ ገይርካ ብምሕሳብ ፍሉይ ክብሪ መውሃቢ ገይርና ክንርእዮ የብልናን። የሱስ ከምዚ ዝስዕብ ከም ዝበለ ኣይትረስዕ:- “እቲ ኻባታትኩም ዓብዪ ምዃን ዚደልስ: ግዙእኩም ድኣ ይኹን። እቲ ኻባታትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሊ ኸኣ: ባርያኻትኩም ይኹን።” (ማቴዎስ 20:26, 27) ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎና ዋጋ በቲ ኣብ ማሕበሩ ዘሎና “ቦታ” ከም ዝዕቀን ገይርና ብምውሳድ ነቶም ካባና ንላዕሊ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ክንቀንኣሎም ጌጋ ኢዩ። የሱስ “ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም” ኢሉ ኣሎ። (ማቴዎስ 23:8) እወ: ኣስፋሒ ይኹን ፓይነር: ሓድሽ ጥሙቕ ይኹን ንነዊሕ ግዜ ንጽህናኡ ዝሓለወ ብዘየገድስ ኵሎም እቶም ንየሆዋ ብምሉእ ልቦም ዘገልግልዎ ኣብ ምድላዋት የሆዋ ክቡር ቦታ ኣለዎም። (ሉቃስ 10:27፣ 12:6, 7፣ ገላትያ 3:28፣ እብራውያን 6:10) ምስቶም “ንሓድሕድኩም ምእንቲ ኽትግዝኡ: ትሕትና ተዐጠቑ” ዝብል ምኽሪ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝጽዕሩ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝካ ክትዓዪ ብሓቂ በረኸት ኢዩ።—1 ጴጥሮስ 5:5
ኣቤሴሎም—ህርፋን ስልጣን ዝነበሮ ተበላጺ
10. ኣቤሴሎም እንታዋይ ኢዩ ነይሩ: ብሻሕራ ደገፍ ናይቶም ፍርዲ ደልዮም ናብ ንጉስ ዝመጹ ሰባት ክረክብ ዝፈተነኸ ብኸመይ ኢዩ፧
10 እቲ ሳልሳይ ወዲ ዳዊት ዝነበረ ኣቤሴሎም ዝገበሮ: ብዛዕባ ህርፋን ስልጣን ጽቡቕ ትምህርቲ ኢዩ ዝህብ። እዚ ተበላጺ እዚ ስምረት ናይቶም ፍርዲ ደልዮም ናብቲ ንጉስ ዝመጹ ዝነበሩ ሰባት ክረክብ ይደሊ ነበረ። መጀመርታ ዳዊት ብድሌታቶም ከም ዘይግደስ ገይሩ ብምእማን ከስድዖም ጸዓረ። ደሓር ግን ነቲ ናይ ምስዳዕ ውዲቱ ገዲፉ ብቐጥታ ጕዳዩ ከስልጥ ጀመረ። ብትዕቢት ድማ “ነፍሲ ወከፍ ባእሲ ወይ ዚፍረድ ነገር ዘለዎ ሰብ ናባይ ኪመጽእ እሞ ሓቂ ኽፈርደሉስ: ኣብዛ ሃገር እሞ መን ፈራዲ ይገብረኒ፧” በለ። እቲ እኩይ ውዲት ኣቤሴሎም ደረት ኣይነበሮን። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ኪሰግደሉ ኢሉ ንዝቐረቦ ሰብ ኢዱ ዘርጊሑ ሒዙ ይስዕሞ ነበረ። ኣቤሴሎም ከኣ ናብ ንጉስ ኪፍረድ ኢሉ ንዝመጸ ዅሉ እስራኤል ከምዚ ነገር እዚ ይገብረሉ ነበረ።” እቲ ውጽኢትከ እንታይ ነበረ፧ “ኣቤሴሎም . . . ከምዚ እናገበረ ልቢ ሰብ እስራኤል ሰረቐ።”—2 ሳሙኤል 15:1-6
11. ኣቤሴሎም ዝፋን ዳዊት ንምምንዛዕ ዝፈተነ ብኸመይ ኢዩ፧
11 ኣቤሴሎም ካብ ኣቦኡ ንግስነት ንምምንዛዕ ቈሪጹ ነበረ። ኣምኖን ንትእማር ሓብቲ ኣቤሴሎም ስለ እተጋሰሳ ኣቤሴሎም ሕነ ሓብቱ ዝፈዲ ኣምሲሉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣቐዲሙ ነቲ ቦኽሪ ወዲ ዳዊት ዝነበረ ኣምኖን ቀቲልዎ ኢዩ። (2 ሳሙኤል 13:28, 29) ይኹን እምበር: ንኣምኖን ክቐትሎ ኸሎ እውን ከይተረፈ ንግስነት ክወስድ ኣማዕድዩ ይጥምት ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ከመይሲ ንኣምኖን ብምቕታል ክወዳደሮ ዝኽእል ሰብ ኢዩ ኣልዩ።b ግዜኡ ምስ ኣኸለ ኸኣ ኣቤሴሎም ውጥኑ ንምፍጻም ተንቀሳቐሰ። ንጉስ ምዃኑ ኣብ ብምልእታ እታ ሃገር ኣወጀ።—2 ሳሙኤል 15:10
12. ትዕቢት ኣቤሴሎም ብኸመይ ናብ ውርደት ከም ዝመርሐ ግለጽ።
12 እቲ ጸብጻብ “ምምሕሓል ከኣ በርትዔ። እቲ ምስ ኣቤሴሎም ዚኸይድ ዝነበረ ህዝቢ ድማ እናበዝሔ ኸደ” ስለ ዝብል ኣቤሴሎም ንግዜኡ ተዓዊቱ ኢዩ። ኣብ መወዳእትኡ ዳዊት ህይወቱ ንምድሓን ክሃድም ተገደደ። (2 ሳሙኤል 15:12-17) ይኹን እምበር: ዮኣብ ንኣቤሴሎም ቀቲሉ ኣብ ጕድጓድ ደርብዩ ኵምራ ኣእማን ምስ ደርደረሉ ንግስነቱ ተቛረጸ። ሕሰቦ እሞ! እዚ ንጉስ ክኸውን ዝደሊ ዝነበረ ህሩፍ ሰብኣይ እዚ ንቡር ስነ-ስርዓት ቀብሪ እኳ ኣይረኸበን!c ትዕቢት ብሓቂ ንኣቤሴሎም ናብ ውርደት መሪሕዎ ኢዩ።—2 ሳሙኤል 18:9-17
ንህርፋን ንዮ በሎ
13. ናይ ህርፋን መንፈስ ኣብ ልቢ ሓደ ክርስትያን ሱር ክሰድድ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
13 ኣቤሴሎም ስልጣን ምሓዙ ዳሕራይ ድማ ምውዳቑ ንዓና ትምህርቲ ኢዩ። ኣብዛ ሎሚ ዘላ ጭከና ዝመልኣ ዓለም ሰባት ገለ መሰላት ወይ ሓለፋታት ንምርካብ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣዘዝቶም ብጽቡቕ ምእንቲ ክርኣዩ ነቶም ኣብ ልዕሊኦም ስልጣን ዘለዎም ሰባት ብቓላት ምሽሓር ልሙድ ኢዩ። ካብቶም ኣብ ትሕቲኦም ዘለዉ ስምረትን ደገፍን ንምርካብ ድማ ይጃሃሩ ኢዮም። እንተ ዘይተጠንቂቕና ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ህርፋን መንፈስ ኣብ ልብና ሱር ክሰድድ ይኽእል ኢዩ። ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እዚ ኣጋጢሙ ኢዩ: ነቶም ሃዋርያት ድማ ብዛዕብኡ ብርቱዕ መጠንቀቕታ ከም ዝህቡ ገይርዎም ኢዩ።—ገላትያ 4:17፣ 3 ዮሃንስ 9, 10
14. ህርፋን እተሓወሶ ርእስኻ ናይ ምልዓል መንፈስ ከነወግድ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
14 የሆዋ ኣብ ማሕበሩ ነቶም ርእሶም ብምዕባይ “ክብሪ ገዛእ ርእሶም ንምርካብ ሃለው ዝብሉ” ሰባት ዝኸውን ቦታ የብሉን። (ምሳሌ 25:27 NW ) መጽሓፍ ቅዱስ “እግዚኣብሄር ንዅላተን መቃባጠርቲ ኸናፍርን ነታ ዕቡይ ነገር እትዛረብ መልሓስን . . . ኪምንቍ[ሰን] እዩ” ይብል። (መዝሙር 12:3) ኣቤሴሎም መቀባጠርቲ ከናፍር ነበራኦ። ነቶም ክድግፍዎ ዝደልዮም ዝነበረ ሰባት ይሽሕሮም ነበረ: እዚ ዅሉ ዝገበረ ኸኣ ነቲ ዝብህጎ ዝነበረ ስልጣን ንምርካብ ኢዩ። ኣብ መንጎ እቶም ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዐመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ: ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርአዮ” ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ ዝስዕቡ ሰባት ምህላውናስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ እተባረኽና ኰን ኢና።—ፊልጲ 2:3
ሳኦል—ህዉኽ ንጉስ
15. ሳኦል ሓደ ግዜ ዓቕሙን ቦታኡን ከም ዝፈልጥ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧
15 እቲ ዳሕራይ ንጉስ እስራኤል ዝዀነ ሳኦል ሓደ ግዜ ዓቕሙን ቦታኡን ዝፈልጥ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ንኣብነት: መንእሰይ ከሎ ዘጋጠመ ነገር ንርአ። እቲ ነብዪ ኣምላኽ ዝነበረ ሳሙኤል ብዛዕብኡ ጽቡቕ ምስ ተዛረበ ሳኦል ብትሕትና ከምዚ ኢሉ መለሰ:- “ኣነስ ቢንያማዊ: ካብ ሓደ ኻብቶም ናእሽቱ ነገዳት እስራኤልዶ ኣይኰንኩን፧ ዓሌተይ ከኣ እቲ ኻብ ኵሎም ዓሌታት ነገድ ቢንያም ዚንእስዶ ኣይኰነን፧ ስለምንታይ ደኣ ኢኻ ኸምዚ ዝበለ ዘረባ እትዛረበኒ ዘሎኻ፧”—1 ሳሙኤል 9:21
16. ሳኦል ናይ ታህዋኽ ዝንባለ ዘንጸባረቐ ብኸመይ ኢዩ፧
16 ዳሕራይ ግን ሳኦል ነዚ ባህርይ እዚ ኣጥፍኦ። ምስ ፍልስጥኤማውያን ክዋጋእ ከሎ ናብ ጊልጋል ተመልሰ: ኣብኡ ኸኣ ሳሙኤል መጺኡ መስዋእቲ ብምቕራብ ንየሆዋ ክሳዕ ዝልምን ክጽበ ነበሮ። ሳሙኤል ኣብቲ እተባህሎ ግዜ ከይመጸ ምስ ተረፈ ሳኦል ብትዕቢት ዝሓርር መስዋእቲ ባዕሉ ኣቕረበ። መስዋእቲ ኣቕሪቡ ምስ ወድአ ኸኣ ሳሙኤል መጸ። ሳሙኤል ድማ ንሳኦል “እንታይ ግብሩ ገበርካ፧” በሎ። ሳኦል ከምዚ ኢሉ መለሰ:- “እቲ ህዝቢ ኻባይ ፋሕ ከም ዝበለ: ንስኻ ድማ በተን እተመደባ መዓልትታት ከም ዘይመጸእካ . . . ርኤኹ እሞ . . . ደፊረ ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕረግኩ።”—1 ሳሙኤል 13:8-12
17. (ሀ) ኣብ መጀመርታ ክትርእዮ ኸሎኻ ሳኦል ዝወሰዶ ስጕምቲ ቅኑዕ ዝመስል ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሆዋ ነቲ ሳኦል ዝወሰዶ ናይ ታህዋኽ ስጕምቲ ዝዀነኖ ስለምንታይ ኢዩ፧
17 መጀመርታ ክትርእዮ ኸሎኻ ሳኦል ዝወሰዶ ስጕምቲ ልክዕ መሲሉ ይርአ ይኸውን። ከመይሲ ህዝቢ ኣምላኽ ‘ጸቢብዎምን’ በቲ ዝነበረ ዘሕዝን ኵነታት ተስፋ ቈሪጾምን ኢዮም ነይሮም። (1 ሳሙኤል 13:6, 7) እቲ ኵነታት ብሓቂ ዘገድድ ምስ ዝኸውን ተበግሶ ምውሳድ ብርግጽ ጌጋ ኣይኰነን።d እንተዀነ ግን: የሆዋ ልቢ ከንብብ: ውሽጣዊ ድራኸ ድማ ክፈልጥ ከም ዝኽእል ኣይትረስዕ። (1 ሳሙኤል 16:7) ኣብ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐጥታ ዘይተገልጸ የሆዋ ኣብ ሳኦል ዝረኣዮ ገለ ነገራት ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። ንኣብነት: ሃወኽ ሳኦል ብትዕቢት እተለዓዓለ ምዃኑ የሆዋ ኣስተብሂልሉ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንጉስ ምልእቲ እስራኤል ክነሱ ንሓደ ዕንይንይ ክብል ግዜኡ ዘጥፍእ ገይሩ ዝሓሰቦ ኣረጊት ነብዪ ምጽባዩ ኣዝዩ ኣቘጢዕዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ! እቲ ዀይኑ እቲ: ሳኦል ምድንጓዩ ሳሙኤል ንነገራት ባዕሉ ክገብሮ ከምኡውን ነቲ እተዋህቦ ንጹር ዝዀነ መምርሒ ንኽጥሕስ ውሕስነት ዝዀኖ ገይሩ ወሲድዎ ኢዩ። እቲ ውጽኢትከ፧ ሳሙኤል ነቲ ናይ ሳኦል ተበግሶ ኣይወደሶን። ኣብ ክንድኡስ “እቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዘካ ኣይሐሎኻን እሞ: መንግስትኻ ኣይትቐውምን እያ” ኢሉ ገንሖ። (1 ሳሙኤል 13:13, 14) ኣብዚ እውን እንተዀነ ትዕቢት ናብ ውርደት ኢዩ መሪሑ።
ካብ ታህዋኽ ተሓለዉ
18, 19. (ሀ) ታህዋኽ ንሓደ ዘመናዊ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ናብ ትዕቢት ብኸመይ ክመርሖ ከም ዝኽእል ግለጽ። (ለ) ብዛዕባ ኣሰራርሓ ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤ እንታይ ኢና ክንዝክር ዘሎና፧
18 እቲ ሳኦል ዝፈጸሞ ናይ ትዕቢት ተግባር ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመዝገበ ንረብሓና ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 10:11) ብናይ ኣሕዋትና ዘይፍጽምና ብቐሊሉ እንሓርቕ ክንከውን ንኽእል ኢና። ዘጋጥም ገለ ጕዳያት ክዕረ እንተድኣ ኰይኑ ባዕልና ስጕምቲ ክንወስድ ኣሎና ዝብል ስምዒት ብምሕዳር ከም ሳኦል ህዉኻት ክንከውን ንኽእል ኢና። ንኣብነት: ሓደ ሓው ብገለ ናይ ምምሕዳር ክእለት ሓለፍ ዝበለ ክኸውን ይኽእል። ሰዓቱ ዝሕሉ: ምስቲ ናይ ጉባኤ ኣሰራርሓ ማዕረ ማዕረ ዝኸይድ: ናይ ምዝራብን ምምሃርን ክእለት ድማ ዘለዎ ክኸውን ይኽእል። ካልኦት ግን ነቲ ናቱ ደቂቕ መዐቀኒታት ከም ዘይበጽሕዎ: ብኣሳልጦ እውን ጥቓኡ ከም ዘይቀርቡ ኰይኑ ይስምዖ ይኸውን። እዚ ግን ንኽህወኽ ውሕስነት ክዀኖ ይኽእልዶ ኢዩ፧ ንሱ እንተ ዘይህሉ ነይሩ ዋላ ሓንቲ ነገር ከም ዘይዕመም: እታ ጉባኤ ኸኣ ከም እትበታተን ገይሩ ብምሕሳብ ንኣሕዋቱ ክነቕፎምዶ ኣለዎ ኢዩ፧ ከምዚ ምግባር ትዕቢት ኢዩ!
19 ብሓቂ ክርአ ኸሎ ንሓንቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ጠርኒፉ ዝሕዛ እንታይ ኢዩ፧ ናይ ምምሕዳር ክእለት፧ ኣሳልጦ፧ ዕምቈት ፍልጠት፧ እታ ጉባኤ ስሉጥ ኣሰራርሓ ንኽህልዋ እዚ ነገራት እዚ ኣድላዪ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 14:40፣ ፊልጲ 3:16፣ 2 ጴጥሮስ 3:18) ይኹን እምበር: የሱስ ሰዓብቱ ብቐንዱ በቲ ዘርእይዎ ፍቕሪ ከም ዝልለዩ ኢዩ ገሊጹ። (ዮሃንስ 13:35) ስለዚ ኸኣ ኢዮም ሓለይቲ ሽማግለታት ብስርዓት ዝመላለሱ እኳ እንተዀኑ ነታ ጉባኤ ከም ሓንቲ ተሪር ምምሕዳር ዘድልያ ትካል ገይሮም ኣይርእይዋን ኢዮም፣ ኣብ ክንድኡስ ለውሃት ዘለዎ ሓልዮት ብዘድልየን ኣባጊዕ ከም ዝቘመት ኢዮም ዝርድኡ። (ኢሳይያስ 32:1, 2፣ 40:11) ንኸምዚ ዝኣመሰለ ስርዓታት ብትዕቢት ምጥሓስ ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ባእሲ ዘብጽሕ ኢዩ። ኣምላኻዊ ስርዓት ግን ሰላም ኢዩ ዘፍሪ።—1 ቈረንቶስ 14:33፣ ገላትያ 6:16
20. ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና እንርኢ፧
20 እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ብዛዕባ ቆራሕ: ኣቤሴሎም: ከምኡውን ሳኦል ዝገልጽ ጸብጻብ ከምቲ ኣብ ምሳሌ 11:2 ተገሊጹ ዘሎ ትዕቢት ናብ ውርደት ከም ዝመርሕ ብንጹር ዘርኢ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ምሳሌ 11:2 “ጥበብ ግና ምስቶም ትሑታት [“ዓቕሞምን ቦታኦምን ዝፈልጡ:” NW ] እያ” እውን ትብል ኢያ። ዓቕምኻን ቦታኻን ምፍላጥ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ብዛዕባ እዛ ባህርይ እዚኣ ንምርዳእ ዝሕግዘና እንታይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነታት ኣሎ: ዓቕምናን ቦታናን ከም እንፈልጥከ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ እዘን ሕቶታት እዚኣተን ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርእየን ኢና።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ሮቤል ቦኽሪ ወዱ ንያእቆብ ስለ ዝነበረ እቶም ብቖራሕ እተታለሉ ደቁ: እቲ ሌዋዊ ዝነበረ ሙሴ ኣብ ልዕሊኦም ናይ ምምሕዳር ስልጣን ስለ እተዋህቦ ቅሒሮም ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም።
b እቲ ካልኣይ ወዲ ዳዊት ዝዀነ ኪልኣብ ከም እተወልደ ጥራይ ኢዩ ተጠቒሱ ዘሎ። ምናልባት ኣቤሴሎም እዚ ዕልዋ እዚ ቅድሚ ምግባሩ ሞይቱ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
c ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዝሞተ ሰብ ልዑል ግምት ኢዩ ዝወሃቦ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ ንቡር ቀብሪ ዘይምርካብ መግደራን ስምረት ኣምላኽ ከም ዘይብልካ ዘርእን ኢዩ ነይሩ።—ኤርምያስ 25:32, 33
d ንኣብነት: ፊንሃስ ነቲ ንኣሽሓት እስራኤላውያን ዝቐተለ መቕዘፍቲ ንምህዳእ ቅልጡፍ ስጕምቲ ወሲዱ ኢዩ፣ ዳዊት እውን ነቶም ጠምዮም ዝነበሩ ሰቡ ምስኡ ካብቲ ኣብ “ቤት ኣምላኽ” ዝነበረ እንጌራ ምርኣይ ክበልዑ ኣተባቢዕዎም ኢዩ። ፊንሃስ ይኹን ዳዊት ዝወሰድዎ ስጕምቲ ግን ብኣምላኽ ከም ትዕቢት ኣይተራእየን።—ማቴዎስ 12:2-4፣ ዘሁልቍ 25:7-9፣ 1 ሳሙኤል 21:1-6
-
-
“ጥበብ ግና ምስቶም ዓቕሞምን ቦታኦምን ዝፈልጡ እያ”ግምቢ ዘብዐኛ—2000 | 1 ነሓሰ
-
-
“ጥበብ ግና ምስቶም ዓቕሞምን ቦታኦምን ዝፈልጡ እያ”
“እግዚኣብሄርሲ . . . ምስ ኣምላኽካ ብትሕትና [“ዓቕምኻን ቦታኻን ፈሊጥካ: ” NW ] ኽትመላለስ እንተ ዘይኰይኑስ: ካባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧ ”—ሚክያስ 6:8
1, 2. ዓቕምኻን ቦታኻን ምፍላጥ እንታይ ማለት ኢዩ: ካብ ትዕቢትከ ብምንታይ ኢዩ ዝፍለ፧
ሓደ ፍሉጥ ሃዋርያ ኣቓልቦ ናይ ሰባት ክስሕብ ኣይደለየን። ሓደ ተባዕ እስራኤላዊ መስፍን ንገዛእ ርእሱ ካብ ቤት ኣቦኡ እቲ ዝነኣሰ ምዃኑ ተዛረበ። እቲ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ ዝዓበየ ሰብኣይ ዘለዎ ስልጣን ውሱን ምዃኑ ኣፍልጦ ሃበ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ነፍሲ ወከፎም ዓቕሞምን ቦታኦምን ከም ዝፈልጡ ኣርእዮም ኢዮም።
2 ዓቕምኻን ቦታኻን ምፍላጥ ኣንጻር ትዕቢት ኢዩ። እቲ ዓቕሙን ቦታኡን ዝፈልጥ ሰብ ብዛዕባ ክእለታቱን ዘለዎ ዋጋን ሚዛናዊ ዝዀነ ግምት ኢዩ ዘለዎ: ካብ ትዕቢት ወይ ትምክሕቲ ኸኣ ናጻ ኢዩ። ዓቕሙን ቦታኡን ዝፈልጥ ሰብ ኣብ ክንዲ ዕቡይ: ተጃሃሪ: ወይ ህሩፍ ዝኸውን ደረት ከም ዘለዎ ኵሉ ግዜ ይግንዘብ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ንስምዒትን ኣረኣእያን ካልኦት የኽብር ከምኡውን ግምት ይህብ ኢዩ።
3. ጥበብ “ምስቶም ዓቕሞምን ቦታኦምን ዝፈልጡ” ዝዀነት ብኸመይ ዝበለ መገድታት ኢያ፧
3 መጽሓፍ ቅዱስ “ጥበብ ግና ምስቶም ትሑታት [“ዓቕሞምን ቦታኦምን ዝፈልጡ:” NW ] እያ” ክብል ከሎ ድልዱል ምኽንያት ኣለዎ። (ምሳሌ 11:2) እቲ ዓቕሙን ቦታኡን ዝፈልጥ ሰብ ስምረት ኣምላኽ ዘለዎ መገዲ ስለ ዝስዕብ ጥበበኛ ኢዩ: ናብ ውርደት ዝመርሕ ናይ ትዕቢት መንፈስ ድማ የወግድ። (ምሳሌ 8:13፣ 1 ጴጥሮስ 5:5) ዓቕምኻን ቦታኻን ምፍላጥ ጥበብ ምዃኑ ብዙሓት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዘርኣይዎ ናብራ ህይወት ክረጋገጽ ይከኣል ኢዩ። ነቶም ኣብ ቍጽሪ ሓደ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰለስተ ኣብነታት ንርአ።
ጳውሎስ—‘ኣገልጋሊ’ ከምኡውን ‘መጋቢ’
4. ጳውሎስ እንታይ ፍሉይ መሰላት ኢዩ ዝነበሮ፧
4 ጳውሎስ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ፍሉጥ ሃዋርያ ኢዩ ነይሩ: ከምኡ ምዃኑ ድማ ልክዕ ኢዩ። ኣብ ግዜ ኣገልግሎቱ ብባሕሪ ይኹን ብመሬት ኣሽሓት ኪሎ ሜትራት ተጓዒዙ: ብዙሓት ጉባኤታት ድማ መስሪቱ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: የሆዋ ራእያት ናይ ምርኣይ መሰል ከምኡውን ብልሳናት ናይ ምዝራብ ክእለት ብምሃብ ንጳውሎስ ባሪኽዎ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 14:18፣ 2 ቈረንቶስ 12:1-5) ነተን ሕጂ ክፍሊ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ኰይነን ዘለዋ 14 መልእኽትታት ንኽጽሕፍ እውን ብመንፈስ ደሪኽዎ ኢዩ። እቲ ጳውሎስ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝገበሮ እጃም ካብ ናይ ኵሎም ካልኦት ሃዋርያት ዝበልጽ ኢዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 15:10
5. ጳውሎስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ልክዕ ዝዀነ ኣረኣእያ ከም ዝነበሮ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧
5 ጳውሎስ ኣብቲ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ግንባር ቀደም ስለ ዝነበረ: ገሊኣቶም ንገዛእ ርእሱ ኣቓልቦ ከም እትረክብ ክገብራ: ነቲ ዝነበሮ ስልጣን ንገዛእ ርእሱ ልዕል ንምባል ክጥቀመሉ ይጽበይዎ ይዀኑ። ጳውሎስ ግን ዓቕሙን ቦታኡን ዝፈልጥ ሰብ ብምንባሩ ከምኡ ኣይገበረን። “ኣነስ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ስለ ዝሰጐጕክዋ: ምንኣስ ኵላቶም ሃዋርያት እየ እሞ ሃዋርያ ኽስመ ብቑዕ ኣይኰንኩን” በለ። (1 ቈረንቶስ 15:9) ጳውሎስ ቅድም ሰጓጒ ክርስትያናት ብምንባሩ ይትረፍዶ እቲ ዝነበሮ ፍሉይ ናይ ኣገልግሎት መሰል ክህልዎስ ምስ ኣምላኽ ርክብ ክምስርት ዝኸኣለ እኳ በቲ ዘይበቕዖ ሕያውነት ኣምላኽ ምዃኑ ፈጺሙ ረሲዑ ኣይፈልጥን ኢዩ። (ዮሃንስ 6:44፣ ኤፌሶን 2:8) ስለዚ ኸኣ ጳውሎስ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ዝዓሞ ዝነበረ ፍሉይ ነገራት ልዕሊ ኻልኦት ምዃኑ ከም ዝስምዖ ኣይገበረን።—1 ቈረንቶስ 9:16
6. ጳውሎስ ኣብቲ ምስ ሰብ ቈረንቶስ ዝነበሮ ርክብ ዓቕሙን ቦታኡን ከም ዝፈልጥ ዘንጸባረቐ ብኸመይ ኢዩ፧
6 ጳውሎስ ዓቕሙን ቦታኡን ይፈልጥ ምንባሩ ብፍላይ ኣብቲ ምስ ሰብ ቈረንቶስ ዝነበሮ ርክብ ክርአ ይከኣል ኢዩ። ገለ ካብ ሰብ ቈረንቶስ በቶም ከም በዓል ኣጵሎስ: ኬፋ: ከምኡውን ጳውሎስ ዝኣመሰሉ ኣውራታት ኢሎም ዝሓስብዎም ተዓዘብቲ ይምሰጡ ነይሮም ይዀኑ ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 1:11-15) ጳውሎስ ግን ናይ ሰብ ቈረንቶስ ውዳሰ ክረክብ ወይ እውን ነቲ ኣብኡ ዝነበሮም ናይ ምድናቕ ኣረኣእያ ክምዝምዞ ኣይደለየን። ክበጽሖም ከሎ ንገዛእ ርእሱ “ብብሉጽ ዘረባ ወይስ ብጥበብ” ኣየቕረባን። ኣብ ክንድኡስ ጳውሎስ ብዛዕብኡን ብዛዕባ ብጾቱን ክዛረብ ከሎ “ሰብ ንኣና ኸም ኣገልገልቲ ክርስቶስን ከም መገብቲ ምስጢር ኣምላኽን ደኣ ይቝጸሩና” በለ።a—1 ቈረንቶስ 2:1-5፣ 4:1
7. ጳውሎስ ምኽሪ ክህብ ከሎ እውን ከይተረፈ ዓቕሙን ቦታኡን ከም ዝፈልጥ ዘንጸባረቐ ብኸመይ ኢዩ፧
7 ጳውሎስ ትርር ዝበለ ምኽርን መምርሕን ክህብ ከሎ እውን ከይተረፈ ዓቕምኻን ቦታኻን ናይ ምፍላጥ ባህርይ ኣንጸባሪቑ ኢዩ። ንክርስትያናት ብጾቱ በቲ ከም ሃዋርያ መጠን ዝነበሮ ስልጣን ዘይኰነስ “ብምሕረት ኣምላኽ” ከምኡውን “ምእንቲ ፍቕሪ” ኢሉ ይምዕዶም ነበረ። (ሮሜ 12:1, 2፣ ፊልሞን 8, 9) ጳውሎስ ስለምንታይ ኢዩ ከምዚ ዝገበረ፧ ምኽንያቱ ንገዛእ ርእሱ ከም ‘ደጋፊ’ ኣሕዋቱ ድኣ እምበር ‘ኣብ ልዕሊ እምነቶም ከም ዝጕይተት’ ገይሩ ኣይርእያን ኢዩ ነይሩ። (2 ቈረንቶስ 1:24) ጳውሎስ በተን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበራ ክርስትያን ጉባኤታት ኣዝዩ ፍትዊ ክኸውን ዝኸኣለ ዓቕሙን ቦታኡን ይፈልጥ ብምንባሩ ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:36-38
ብዛዕባ ዘሎካ መሰላት ልክዕ ዝዀነ ኣረኣእያ ምሓዝ
8, 9. (ሀ) ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ልክዕ ዝዀነ ኣረኣእያ ክንሕዝ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ዓቕምኻን ቦታኻን ናይ ምፍላጥ ባህሪ ከንጸባርቑ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧
8 ጳውሎስ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ሰናይ ኣብነት ኢዩ ገዲፍሎም። እተዋህበና ሓላፍነት እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ ዋላ ሓደ ልዕሊ እቲ ሓደ ኰይኑ ክስምዖ የብሉን። ጳውሎስ “ሓደ ገለ ዘይኰነስ ገለ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ: ንርእሱ ይጥብር አሎ” ኢሉ ጸሓፈ። (ገላትያ 6:3) ስለምንታይ፧ ከመይሲ “ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም” ኢዮም። (ሮሜ 3:23፣ 5:12 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እወ: ኵላትና ካብ ኣዳም ሓጢኣትን ሞትን ከም ዝወረስና ክንርስዕ የብልናን። ፍሉይ መሰላት ምርካብ ካብቲ ትሑት ሓጥእ ኵነታትና ክብ ከብለና ኣይክእልን ኢዩ። (መክብብ 9:2) ልክዕ ከምቲ ናይ ጳውሎስ: ሰባት ኣይኰነንዶ ፍሉይ መሰል ረኺቦም ከገልግሉስ ምስ ኣምላኽ ርክብ ክገብሩ ዝኽእሉ እኳ በቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነቱ ጥራይ ኢዩ።—ሮሜ 3:12, 24
9 ሓደ ዓቕሙን ቦታኡን ዝፈልጥ ሰብ ነዚ ሓቂ እዚ ብምግንዛብ በቲ ዘለዎ መሰላት ኣይዕበን ወይ እውን በቲ ዝዓመሞ ነገራት ኣይንየትን ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 4:7) ምኽሪ ወይ መምርሒ ክህብ ከሎ ከም ጐይታ ዘይኰነስ ከም መዓይይቲ ኰይኑ ኢዩ ዝህብ። ሓደ ሰብ ብገለ መዳይ ንፉዕ ምስ ዝኸውን ካብ ካልኦት ውዳሰ ክደሊ ወይ ነቲ ካብ ኣመንቲ ብጾቱ ዝረኽቦ ኣድናቖት ክምዝምዞ ብርግጽ ጌጋ ኢዩ። (ምሳሌ 25:27 NW፣ ማቴዎስ 6:2-4) እቲ ካብ ካልኦት እትረኽቦ ክብሪ ለሚንካ ዘይኰነስ ባዕሎም ብተበግስኦም ምስ ዝገብርዎ ዝያዳ ዋጋ ኣለዎ። ካልኦት ምስ ዘኽብሩና ድማ ካብቲ ዝግብኣና ንላዕሊ ከም እንሓስብ ዝገብረና ክኸውን የብሉን።—ምሳሌ 27:2፣ ሮሜ 12:3
10. ገሊኦም ኣብታ ጉባኤ ጐሊሖም ዘይርኣዩ ሰባት እኳ እንተዀኑ ‘ብእምነት ሃብታማት’ ክዀኑ ዝኽእሉ ብኸመይ ምዃኑ ግለጽ።
10 ገለ ሓላፍነት ምስ ዝወሃበና እታ ጉባኤ ብናትና ጻዕርን ክእለትን ጥራይ ትንቀሳቐስ ከም ዘላ ዘምስል ስምዒት ብምሕዳር ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ካብ መጠን ንላዕሊ ንኸይንሓስብ ዓቕምኻን ቦታኻን ናይ ምፍላጥ ባህርይ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ምምሃር ፍሉይ ውህበት ይህልወና ይኸውን። (ኤፌሶን 4:11, 12) ይኹን እምበር: ገለ ካብቲ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት እንማሃሮ ዝበለጸ ትምህርቲ ካብቲ ካብ መድረኽ ዝበሃል ከም ዘይኰነ ብትሕትና ኣፍልጦ ክንህበሉ ኣሎና። ንኣብነት: ሓንቲ ንጽል ወላዲት ምስ ደቃ ሓቢራ ብተወፋይነት ናብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ክትመጽእ ክትርእያ ኸሎኻስ ኣይትተባባዕንዶ ኢኻ፧ ወይ እተጨነቑ ሰባት ቀጻሊ ዝዀነ ናይ ባዶነት ስምዒት እናሃለዎም ብተኣማንነት ጉባኤ ክመጹ ክትርኢ ኸሎኻኸ፧ ሓደ መንእሰይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ይኹን ኣብ ካልእ ቦታታት ሕማቕ ጽልዋታት እናጋጠሞ ኸሎ መንፈሳዊ ዕቤት ክገብር ክትርእዮ ኸሎኻኸ፧ (መዝሙር 84:10) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብታ ጉባኤ ጐሊሖም ኣይረኣዩን ይዀኑ። እቲ ዘሕልፍዎ ናይ ንጽህና ፈተናታት ዝበዝሕ ግዜ ካልኦት ኣየስተብህልሉን ኢዮም። እንተዀነ ግን: ከምቶም ኣብታ ጉባኤ ዝያዳ ጐሊሖም ዝርኣዩ ዓይነት ሰባት ‘ብእምነት ሃብታማት’ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። (ያእቆብ 2:5) ደሓር ከኣ ኣብ መወዳእታ ስምረት ኣምላኽ ከም እትረክብ ዝገብረካ እሙን ምዃን ኢዩ።—ማቴዎስ 10:22፣ 1 ቈረንቶስ 4:2
ጊዴዎን—ካብ ቤት ኣቦኡ ‘እቲ ዝነኣሰ’
11. ጊዴዎን ምስቲ መልኣኽ ኣምላኽ ክዛረብ ከሎ በየናይ መገዲ ኢዩ ዓቕሙን ቦታኡን ከም ዝፈልጥ ዘንጸባረቐ፧
11 እቲ ካብ ነገድ ምናሴ ዝነበረ ብሓይሉ እተፈልጠ መንእሰይ ጊዴዎን እስራኤላውያን ኣብ ሕማቕ ኵነታት ኣብ ዝነበርሉ ግዜ ኢዩ ዝነብር ነይሩ። ህዝቢ ኣምላኽ ንሸውዓተ ዓመታት ዝኣክል ብሚድያናውያን ተጨቊኖም ነበሩ። ደሓር ግን የሆዋ ንህዝቡ ዘድሕነሉ ግዜ ኣኸለ። ስለዚ ኸኣ ሓደ መልኣኽ ንጊዴዎን ተራእዮ እሞ “ኣታ ሓያል ጅግና: እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ” በሎ። ጊዴዎን ዓቕሙን ቦታኡን ዝፈልጥ ሰብ ብምንባሩ በዚ ዝረኸቦ ዘይሓሰቦ ውዳሰ ኣይተነፍሐን። ኣብ ክንድኡስ ኣኽብሮት ብዘለዎ መገዲ ነቲ መልኣኽ “ኣየ ጐይታይ: እግዚኣብሄር ምሳና እንተልዩ ደኣ እዚ ዅሉ ስለምንታይ ረኸበና፧” በሎ። ድሕርዚ እቲ መልኣኽ ነቲ ጕዳይ ንጊዴዎን ገለጸሉ እሞ “ንእስራኤላውያን ካብ ኢድ ሚድያን ኣድሕኖም” በሎ። ጊዴዎን እንታይ ኢሉ መለሰ፧ ንገዛእ ርእሱ ናይ እስራኤል ጐብለል ንምግባራ ነቲ ኣጋጣሚ ክጥቀመሉ ኣብ ክንዲ ዝጓየ “ኣየ ጐይታይ: እንሆ ዓሌተይ ካብ ምናሴ እቲ ድኻ እዩ: ኣነ ኸኣ ኣብ ቤት ኣቦይ እቲ ንእሽቶ እየ: ንእስራኤል ደኣ ብምንታይ ከድሕኖ እየ፧” ኢሉ መለሰ። ኣየ ከመይ ዝበለ ዓቕምኻን ቦታኻን ናይ ምፍላጥ ባህርይ ኰን ኢዩ!—መሳፍንቲ 6:11-15
12. ጊዴዎን መዝነቱ ክፍጽም ከሎ ምስትውዓል ዘንጸባረቐ ብኸመይ ኢዩ፧
12 የሆዋ ንጊዴዎን ናብ ኲናት ቅድሚ ምስዳዱ ፈተኖ። ብኸመይ፧ ጊዴዎን ነቲ ናይ ኣቦኡ መሰውኢ በዓል ከፍርሶ: ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ኣስታርተ ድማ ክቘርጾ ተነግሮ። እዚ ዕዮ እዚ ትብዓት ዝሓትት ኢዩ ነይሩ: ጊዴዎን ግን ነዚ መዝነት እዚ ክፍጽም ከሎ እውን ዓቕምኻን ቦታኻን ናይ ምፍላጥ ባህርይ ከምኡውን ምስትውዓል ኣንጸባሪቑ ኢዩ። ብቓልዕ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ዝገብሮ ብለይቲ ኣብቲ ብዙሕ ሰብ ክርእዮ ዘይክእል ግዜ ገበሮ። ኣብ ርእሲ እዚ ነቲ ስራሕ ተጠንቂቑ ኢዩ ገይርዎ። ምስኡ ዓሰርተ ገላዉ ሒዙ ኸደ። እዚ ኸኣ ፍርቆም ነቲ መሰውእን ኣስታርተን ኣብ ምፍራስ ክሕግዝዎ ከለዉ እቶም ካልኦት ድማ ሓለውቲ ንምግባሮም ኢዩ።b እቲ ዀይኑ እቲ: ጊዴዎን ብበረኸት የሆዋ ነቲ ሓላፍነቱ ፈጸመ: ጸኒሑ ኸኣ የሆዋ ንእስራኤላውያን ካብ ኢድ ሚድያናውያን ንምድሓን ተጠቐመሉ።—መሳፍንቲ 6:25-27
ዓቕምኻን ቦታኻን ምፍላጥ ከምኡውን ምስትውዓል ምንጽብራቕ
13, 14. (ሀ) ናይ ኣገልግሎት መሰል ክወሃበና ኸሎ ዓቕምናን ቦታናን ከም እንፈልጥ ከነንጸባርቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ዓቕምኻን ቦታኻን ብምፍላጥ ዝመጸ ሓው ኤ. ኤች. ማክሚላን ሰናይ ኣብነት ዝገደፈ ብኸመይ ኢዩ፧
13 ካብቲ ጊዴዎን ዘንጸባረቖ ባህርይ ብዙሕ እንማሃሮ ነገራት ኣሎ። ንኣብነት: ገለ መሰል ኣገልግሎት ምስ ዝወሃበና ብኸመይ ኢና እንምልስ፧ መጀመርታ ብዛዕባ እቲ እንረኽቦ ተፈላጥነት ወይ ክብረት ዲና እንሓስብ፧ ወይስ እቲ እተዋህበና መዝነት ክንፍጽሞ ንኽእል እንተዄንና ንምፍላጥ ብትሕትናን ጸሎትን ኢና እንሓስበሉ፧ እቲ ኣብ 1966 ምድራዊ ኣገልግሎቱ ዝወድአ ሓው ኤ. ኤች. ማክሚላን በዚ መዳይ እዚ ጽቡቕ ኣብነት ገዲፉ ኣሎ። እቲ ናይ መጀመርታ ፕረዚደንት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ሲ. ቲ. ራስል ክገይሽ ከሎ ኣብ ክንድኡ ዀይኑ ነቲ ቦታ መን ሓላፍነት ከም ዝወስድ ዘለዎ ርእይቶ ክነግሮ ንሓው ማክሚላን ሓተቶ። ኣብቲ ዝገበርዎ ምይይጥ ሓው ማክሚላን ዋላ እኳ ነቲ ቦታ ከም ዝበቕዖ ገይሩ ንኸቕርብ ኣጋጣሚ እንተ ነበሮ ሓንሳብ እውን ይኹን ንገዛእ ርእሱ ነቲ ቦታ እቲ ከም እትበቅዕ ገይሩ ኣይጠቐሳን። ኣብ መወዳእታ ግን ሓው ራስል ንሓው ማክሚላን ነቲ ሓላፍነት ክቕበል ከመይ ከም ዝስምዖ ክሓስበሉ ነገሮ። ሓው ማክሚላን ዓመታት ጸኒሑ “ሽዑ ፈዚዘ ተዓነድኩ” ኢሉ ጸሓፈ። ቀጺሉ ኸኣ “ንኽሕግዞ ዝዀነ ይኹን ነገር ንምግባር ሕጕስ ምዃነይ ቅድሚ ምንጋረይ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ኣጸቢቐን ኣርዚነን ሓሰብኩሉ: ንገለ መዓልትታት ድማ ብዛዕባኡ ጸለኹ” በለ።
14 ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ሓው ራስል ነቲ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ፕረዚደንት ቦታ ንዋላ ሓደ ከይመዘዘ ዓረፈ። ሓው ራስል ናይ መወዳእታ ናይ ስብከት ዑደት ክገብር ኣብ ዝኸደሉ እዋን ማክሚላን ነቲ ስራሕ ናይ ምዕዛብ ሓላፍነት ወሲዱ ስለ ዝነበረ ሓደ ሓው ከምዚ በሎ:- “ማክ ነቲ ቦታ ባዕልኻ ክትሕዞ ዓቢ ኣጋጣሚ ኣሎካ። ሓው ራስል ገይሹ ኸሎ ናቱ ፍሉይ ወኪል ኢኻ ነይርካ: ከምቲ ንስኻ ዝበልካዮ ክንገብር ከኣ ንዅላትና ነጊሩና ኢዩ። ንሱ ምስ ወጸ ኣይተመልሰን። ስለዚ ነዚ ስራሕ እዚ ክቕጽሎ ዝኽእል ሰብ ንስኻ ኢኻ።” ሓው ማክሚላን ከምዚ ኢሉ መለሰሉ:- “ሓውና: ነቲ ጕዳይ ብኸምኡ ኣይኰንካን ክትርእዮ ዘሎካ። እዚ ዕዮ ጐይታ ኢዩ: ስለዚ ኸኣ ኣብ ማሕበር ጐይታ ክትረኽቦ እትኽእል ቦታ እቲ ንሱ ዝመደበልካ ቦታ ጥራይ ኢዩ፣ ኣነ ነዚ ቦታ እዚ ከም ዘይበቅዕ ድማ ርግጸኛ ኢየ።” ድሕርዚ ሓው ማክሚላን ነቲ ቦታ ካልእ ሰብ ክሕዞ ሓሳብ ኣቕረበ። ከም ጊዴዎን ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ካብ ልክዕ ዘይሓለፈ ኣረኣእያ ነበሮ። እዚ ኸኣ ንሕና እውን እንተ ለመድናዮ ሰናይ ዝዀነ ኣረኣእያ ኢዩ።
15. ንኻልኦት ክንሰብከሎም ከሎና ምስትውዓል እነንጸባርቐሉ ተግባራዊ መገድታት እንታይ ኢዩ፧
15 ንሕናውን ንእተዋህበና መዝነት ክንፍጽም ከሎና ዓቕምናን ቦታናን ከም እንፈልጥ ከነንጸባርቕ ኣሎና። ጊዴዎን መስተውዓሊ ኢዩ ነይሩ: ንጸላእቱ ብዘየድሊ ከየቘጥዖም ድማ ይጽዕር ነበረ። ብተመሳሳሊ ንሕና እውን ኣብ ኣገልግሎትና ንኻልኦት ክንዛረቦም ከሎና ኣብ ኣዘራርባና ዓቕምናን ቦታናን እንፈልጥ ከምኡውን መስተውዓልቲ ክንከውን ኣሎና። “ጽኑዕ ዕርድታት” ከምኡውን ‘ሓሳባት’ ንምፍራስ ኣብ ሓደ መንፈሳዊ ኲናት ተጸሚድና ምህላውና ሓቂ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 10:4, 5) እንተዀነ ግን: ንኻልኦት ክንዕቆም ወይ ብዛዕባ መልእኽትና ቅርሕንቲ ከም ዘሕድሩ ክንገብሮም የብልናን። ኣብ ክንድኡስ ርእይቶኦም ከነኽብር: ብዛዕባ እቲ ዘሰማምዓና ነገራት ከነዕልል: ከምኡውን ኣብ ኣወንታዊ መዳይ ናይ መልእኽትና ከነተኵር ኣሎና።—ግብሪ ሃዋርያት 22:1-3፣ 1 ቈረንቶስ 9:22፣ ራእይ 21:4
የሱስ—ዓቕምኻን ቦታኻን ብምፍላጥ ዝመጸ እቲ ዝበለጸ ኣብነት
16. የሱስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ልክዕ ዝዀነ ኣረኣእያ ከም ዘለዎ ብኸመይ ኢዩ ዘርኣየ፧
16 ዓቕምኻን ቦታኻን ብምፍላጥ ዝመጸ እቲ ዝበለጸ ኣብነት የሱስ ክርስቶስ ኢዩ።c ምስ ኣቦኡ ናይ ማሕርሮ ርክብ እኳ እንተ ኣለዎ: ገለ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ዝዀነ ጕዳያት ከም ዘሎ ኣፍልጦ ንምሃብ ግን ዕጥይጥይ ኣይበለን። (ዮሃንስ 1:14) ንኣብነት: ኣደ ያእቆብን ዮሃንስን ክልቲኦም ደቃ ኣብ መንግስቱ ብኽልተ ጐድኑ ኮፍ ክብሉ ምስ ለመነቶ “ኣብ የማነ ጸጋመይ ምቕማጥ ግና . . . ኣነ ኣይኰንኩን ዝህቦ” ኢሉ መለሰላ። (ማቴዎስ 20:20-23) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኸኣ የሱስ ብግልጺ “ካብ ርእሰይ ገለ ኽገብር ኣይክእልን። ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ እምበር: ፍቓደይ ኣይደልን እየ” ብምባል ተኣመነ።—ዮሃንስ 5:30፣ 14:28፣ ፊልጲ 2:5, 6
17. የሱስ ኣብቲ ምስ ካልኦት ዝነበሮ ርክብ ዓቕሙን ቦታኡን ከም ዝፈልጥ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧
17 የሱስ ብዝዀነ ይኹን ነገር ካብ ዘይፍጹማት ሰባት ይበልጽ ኢዩ: ካብ የሆዋ ኣቦኡ ድማ መዳርግቲ ዘይብሉ ስልጣን ተቐቢሉ ኢዩ። እንተዀነ ግን: የሱስ ኣብቲ ምስ ሰዓብቱ ዝገብሮ ዝነበረ ርክብ ዓቕምኻን ቦታኻን ናይ ምፍላጥ ባህርይ ኣንጸባሪቑ ኢዩ። እዚ ዘይበሃል ፍልጠት ከም ዘለዎ ብምንጽብራቕ ከም ዝምሰጡ ኣይገብሮምን ኢዩ ነይሩ። ስምዒት ናይ ካልኦት ዝሕሉን ደንጋጽን ኢዩ ነይሩ: ነቲ ሰብኣዊ ድሌታቶም ድማ ኣብ ግምት የእቱ ነይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 15:32፣ 26:40, 41፣ ማርቆስ 6:31) ስለዚ ኸኣ የሱስ ዋላ እኳ ፍጹም እንተ ነበረ ካብ ካልኦት ናይ ፍጽምና ባህርይ ዝጽበ ሰብ ኣይነበረን። ንደቀ መዛሙርቱ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ክገብሩ ሓቲትዎም ወይ እውን ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ዝዀነ ነገራት ኣሰኪምዎም ኣይፈልጥን ኢዩ። (ዮሃንስ 16:12) ስለዚ ብዙሓት ሰባት ምስኡ ምዃን ዕረፍቲ ኰይኑ እንተ ረኸብዎ ዘገርም ኣይኰነን!—ማቴዎስ 11:29
ነቲ የሱስ ዝገደፎ ዓቕምኻን ቦታኻን ናይ ምፍላጥ ኣብነት ቅድሕዎ
18, 19. (ሀ) ብዛዕባ ኻልኦት ኣብ ዘሎና ኣረኣእያ (ለ) ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብ: ነቲ የሱስ ዘንጸባረቖ ዓቕምኻን ቦታኻን ናይ ምፍላጥ ባህርይ ብኸመይ ክንቀድሖ ንኽእል፧
18 እቲ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ ዝዓበየ ሰብኣይ ዓቕምኻን ቦታኻን ናይ ምፍላጥ ባህርይ ካብ ኣንጸባረቐ: ንሕና ካብኡ ንላዕሊ እዚ ባህርይ እዚ የድልየና ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ዘይፍጹማት ሰባት ስልጣኖም ደረት ከም ዘለዎ ክእመኑ ኣይደልዩን ኢዮም። ክርስትያናት ግን ንየሱስ ብምምሳል ዓቕሞምን ቦታኦምን ዝፈልጡ ሰባት ንምዃን ኢዮም ዝጽዕሩ። ነቶም ብቕዓት ዘለዎም ሰባት ሓላፍነት ኣብ ምሃብ ትዕቢተኛታት ኣይኰኑን፣ ወይ እውን ካብቶም መምርሒ ክህብዎም ስልጣን ዘለዎም መምርሒ ንምቕባል ትዕቢተኛታት ወይ ዘይፍቓደኛታት ኣይኰኑን። ናይ ምትሕብባር መንፈስ ብምርኣይ ንዅሉ ኣብታ ጉባኤ ዝግበር ነገራት “ብስርዓትን በጋባብን” ከም ዝካየድ ይገብሩ።—1 ቈረንቶስ 14:40
19 ዓቕምኻን ቦታኻን ናይ ምፍላጥ ባህርይ ኣብቲ ካብ ካልኦት እንጽበዮ ነገራት ሚዛናውያን ክንከውንን ብዛዕባ ድሌታቶም ክንሓልን እውን ትድርኸና ኢያ። (ፊልጲ 4:5) ካልኦት ሰባት ዘይብሎም ክእለትን ብርታዐን ይህልወና ይኸውን። ዓቕምናን ቦታናን ንፈልጥ እንተድኣ ዄንና ካልኦት ከምቲ ንሕና እንደልዮ ጥራይ ክገብሩ ኵሉ ግዜ ኣይክንጽበን ኢና። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ደረት ከም ዘለዎ ብምፍላጥ ንጕድለታት ካልኦት ቦታ ክንገድፈሉ ኢና። ጴጥሮስ “ፍቕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ: ቅድሚ ኹሉ ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሀሉኹም” ኢሉ ኣሎ።—1 ጴጥሮስ 4:8
20. ዓቕምኻን ቦታኻን ዘይትፈልጥ ናይ ምዃን ዝዀነ ይኹን ዝንባለ ንኸነሰንፍ እንታይ ኢና ክንገብር እንኽእል፧
20 ከምዚ እተማሃርናዮ ጥበብ ብርግጽ ምስቶም ዓቕሞምን ቦታኦምን ዝፈልጡ ሰባት ኢያ ዘላ። ይኹን እምበር: ዓቕምኻን ቦታኻን ዘይትፈልጥ ወይ ትዕቢት ናይ ምንጽብራቕ ባህርይ ምስ ዝህልወካኸ እንታይ ይገበር፧ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ኣብ ክንድኡስ ነቲ “ንባርያኻ ኻብ ትዕቢት ሐልዎ: ኣብ ልዕለይ ከይስልጥንውን ዕገቶ” ኢሉ ዝጸለየ ዳዊት ዝገደፎ ኣብነት ሰዓብ። (መዝሙር 19:13) ናይ በዓል ጳውሎስ: ጊዴዎን: ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ናይ የሱስ ክርስቶስ እምነት ብምቕዳሕ ንሓቅነት ናይተን “ጥበብ ግና ምስቶም ትሑታት [“ዓቕሞምን ቦታኦምን ዝፈልጡ:” NW ] እያ” ዝብላ ቃላት ባዕልና ክንምከሮ ኢና።—ምሳሌ 11:2
[እግረ-ጽሑፋት]
a እታ ‘ኣገልጋሊ’ ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ነቶም ኣብ ሓንቲ ዓባይ መርከብ ኣብ ታሕተዋይ ክፍሊ ዝቕመጡ ባሮት እውን ትውዕል ኢያ። እታ ‘መጋቢ’ እትብል ግን ንሓደ ከም ንብረት ዝኣመሰለ ነገራት ከማሓድር ብዙሕ ሓላፍነት ዝወሃቦ ሰብ እትውዕል ኢያ። ይኹን እምበር: ብዓይኒ ናይቶም ጐይቶት ክርአ ኸሎ እቲ መጋቢ እውን ልክዕ ከምቲ ኣብ ታሕተዋይ ክፍሊ ናይ መርከብ ዘገልግል ባርያ ኢዩ።
b እቲ ጊዴዎን ዘርኣዮ ምስትውዓልን ጥንቃቐን ምስ ፍርሂ ክቝጸር የብሉን። ኣብ ክንድኡስ ጊዴዎን ኣብ እብራውያን 11:32-38 ኣብ መንጎ እቶም “ካብ ድኻም በርትዑ: ኣብ ውግእ ሐየሉ” ተባሂሎም ዘለዉ ተጠቒሱ ምህላዉ ተባዕ ምንባሩ ዘረጋግጽ ኢዩ።
c ዓቕምኻን ቦታኻን ምፍላጥ ክበሃል ከሎ እትገብሮ ነገራት ደረት ከም ዘለዎ ዝሕብር ብምዃኑ ኣብ የሆዋ ክውዕል ኣይክእልን ኢዩ። እንተዀነ ግን የሆዋ ትሑት ኢዩ።—መዝሙር 18:35 NW
-