ዘረባኻ ዝቘርጽ ድዩ ወይስ ዘጥዒ፧
ኣብዚ አጸጋሚ እዋናት እዚ: ብዙሓት ሰባት “ስቡር ልቢ” ከምኡውን “ቅጥቁጥ መንፈስ” እንተለዎም ዘገርም ኣይኰነን። (መዝሙር 34:18) ስለዚ ኸኣ: ብኣበሃህላ ሃዋርያ ጳውሎስ: ብቐጻሊ ‘ነቶም ሕሊናኦም ዝዓረቦም ምፍጣን’ ከምኡውን ‘ነቶም ድኹማት ምድጋፍ’ ኣድላዪ ኢዩ። (1 ተሰሎንቄ 5:14) ይኹን እምበር ሓደ ብጻይና እንተ ዝብድለና ወይ ድማ ዝዀነ ከቢድ ጌጋ እንተ ዝገብርከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት: ነቲ ውልቀ-ሰብ ምግሳጽ ቅኑዕ ዀይኑ ክስምዓና ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ምጥንቃቕ የድሊ። ግቡእ ምኽሪ እውን እንተዀነ ቍጥዐ ብዘለዎ ኣገባብ እንተድኣ ተዋሂቡ: ጐዳኢ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ምሳሌ 12:18 “ከም ዚቘርጽ ሰይፊ ገይሩ ዚዛረብ ሰብ አሎ” ብምባል ትገልጽ።
ስለዚ እምበኣር: መአረምታ ክንህብ ወይ ድማ ዘይምርድዳእ ክንፈትሕ ምስ እንሓስብ: ነቲ “መልሓስ እቶም ጠቢባን . . . ጥዕና እዩ” ዝብል ናይ ምሳሌ 12:18 ካልኣይ ሓሳባት ምዝካር ኣገዳሲ ኢዩ። ‘መአረምታ እንተ ዘድልየኒ: ብኸመይ ክዋሃበኒ ምደለኹ፧ ’ ኢልካ ኵሉ ግዜ ንገዛእ ርእስኻ ሕተት። መብዛሕትና ካብ ንነቐፌታ ንምትብባዕ ኢና ኣወንታዊ ምላሽ እንህበሉ። ስለዚ ናእዳ ንምሃብ ለጋስ ኩን። እዚ መብዛሕትኡ እዋን ነቲ በዳሊ ንኸመሓይሽ ይድርኾ ኢዩ: ንዝዋሃብ ዝዀነ ይኹን ሓገዝ ድማ ብዝያዳ ኢዩ መመስገኒ ዝኸውን።
ቓላትና ኵሉ ግዜ ልእመት እተሓወሶ ክኸውን ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣድላዪ ኢዩ! ዝፍውስ ቃላት ነቲ ሰማዒ ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ጻድቕ ይውቅዓኒ: ለውሃት እዩ: ይዝለፈኒ: ዘይቲ ርእሲ እዩ: ርእሰይ ኣይእበዮ” ዝብል እተሰምዖ ስምዒት ከም ዝሓድሮ ኢዩ ዝገብር።—መዝሙር 141:5