‘ለባም ንስጕምቱ ይጥንቀቐለን’
ለባም ሰብ ብልሂ: መስተውዓሊ: ፍትሓዊ: በሊሕ: ውርዙይ: ጥንቁቕ: ከምኡውን ጥበበኛ እዩ። መታለሊ ወይ ተበላጺ ግን ኣይኰነን። ምሳሌ 13:16 “ኣእምሮኛ ሰብ ብምስትውዓል ይዐዪ” ትብል። ልብምና ወይ ከኣ ብልሓት ኣድላዪ ባህሪ እዩ።
ኣብ መዓልታዊ ናብራና ለባማት ምዃንና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ ኣብ እንገብሮ ምርጫ: ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ ዘሎና ርክብ: ንዜጋጥመና እተፈላለየ ዅነታት ኣብ እንዋጽኣሉ መገዲ: ብኸመይ ኢና ነዛ ባህሪ እዚኣ ኸነንጸባርቓ እንኽእል፧ ለባማት እንታይ ዓስቢ እዮም ዚረኽቡ፧ ካብ ምንታይ ፈተናታትከ እዮም ዚርሕቁ፧ ኣብ ምሳሌ 14:12-25 እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን ነዚ ሕቶታት እዚ ግብራዊ መልስታት ሂብሉ ኣሎ።a
መገድኻ ብጥበብ ምረጽ
ጥበባዊ ምርጫ ንምግባርን ኣብ ናብራና ዕዉታት ንምዃንን: ቅኑዕን ጌጋን ናይ ምፍላይ ክእለት ኪህልወና ይግባእ። እንተዀነ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ “ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ አላ: መወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እዩ” ብምባል የጠንቅቐና። (ምሳሌ 14:12) ስለዚ: ነቲ ናይ ሓቂ ቕኑዕ: ካብቲ ቕኑዕ ዚመስል ክንፈሊ ኣሎና። እታ ኣብዚ መገዲ ሞት ተባሂላ ዘላ: ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ “መገድታት ሞት” ተባሂላ እያ ተተርጕማ ዘላ። እዚ ኸኣ ብዙሕ ዚጥብር መገድታት ከም ዘሎ እዩ ዚሕብር። ገለ ኻብቲ ኽንርሕቖ ዘሎና መገድታት እስከ ንርአ።
ኣብ ዓለም ዘለዉ ሃብታማትን ፍሉጣትን ኪኽበሩ ዚግብኦም ዚነኣዱ ሰባት ጌርካ እዮም ዚረኣዩ። እቲ ኣብ ማሕበረሰብ ዘለዎም ተቐባልነትን ብቝጠባዊ መዳይ ዚረኽብዎ ኣሳልጦን: ነቲ ዚገብርዎ ነገራት ቅኑዕ የምስሎ ይኸውን። ብዛዕባ እቲ ሃብቲ ወይ ተፈላጥነት ንምርካብ እተጠቕምሉ መገዲኸ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ቅኑዕን ሓቀኛን ድዩ፧ ገሊኦም ሰባት ከኣ ንሃይማኖታዊ እምነቶም ቀናኣት ከም ዝዀኑ የርእዩ። ኰይኑ ግን እቲ ቕንዕናኦም: እምነቶም ትኽክል ምዃኑ ዜረጋግጽ ድዩ፧—ሮሜ 10:2, 3
ንርእስና ምስ እንጥብር: ሓንቲ መገዲ ቕንዕቲ ኽትመስለና ትኽእል ትኸውን። በቲ ንዓና ቕኑዕ ዚመስለና መገዲ ውሳነ እንተ ጌርና: ኣብቲ ጠላም ልብና ኢና እንምርኰስ ዘለና። (ኤርምያስ 17:9) ዘይተማህረን ዘይሰልጠነን ሕልና ነቲ ጌጋ ዝዀነ መገዲ: ቅኑዕ ከም ዝዀነ ጌርና ኽንወስዶ ኺገብረና ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ ነቲ ቕኑዕ ዝዀነ መገዲ ንምምራጽ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
ነቲ “ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ” ዜኽእል ልቦና ንምርካብ: ኣብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ዓሚቝ ሓቂ ተጊህና ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ኽንገብር ኣሎና። ብተወሳኺውን ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ንልቦናና ኸነላምዶ ይግባእ። (እብራውያን 5:14) ቅኑዕ ዚመስል መገዲ: ካብታ ‘ናብ ህይወት እትወስድ ጸባብ ደገ’ ኸየውጽአና ንጠንቀቕ።—ማቴዎስ 7:13, 14
‘ልቢ ኺጕሂ’ ኸሎ
ኣብ ውሽጥና ሰላም ዘይብልና ኸለና: ሕጉሳት ክንከውን ንኽእል ዲና፧ ሰሓቕን ፈንጠዝያን ሱር ንዝሰደደ ጓሂ የፍኵሶ ድዩ፧ ኣልኮላዊ መስተን ሓሽሽን ብምውሳድ ወይ ከኣ ፋሉል ናብራ ብምንባር ካብ ጭንቀት ንምንጋፍ ምጽዓር ልብምና ድዩ፧ መልሱ ኣይኰነን እዩ። እቲ ጥበበኛ ንጉስ “ልቢ እናሰሐቕካውን ይጒሂ እዩ” በለ።—ምሳሌ 14:13ሀ
ሰሓቕ ንጓሂ ይሽፍኖ ይኸውን: እንተዀነ ግን ኬጥፍኦ ኣይኽእልን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ንዅሉ ዘዘመኑ አለዎ” ይብል። ብርግጽ “ንብኽያት ጊዜ አለዎ: ንሰሓቕ ከኣ ጊዜ አለዎ። ንሓዘን ጊዜ አለዎ: ንጓይላ ድማ ጊዜ አለዎ።” (መክብብ 3:1, 4) እቲ ዜጨንቐና ነገር እናኸበደና እንተ ኸይዱ: ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ካብኡ ንምንጋፍ ዜኽእል ‘ጥበባዊ መምርሒ’ ኽንደሊ ኣሎና። (ምሳሌ 24:6)b ሰሓቕን መዘናግዕን እተወሰነ ጥቕሚ እኳ እንተ ሃለዎ: ብተዛማዲ ግን ዋጋኡ ዝተሓተ እዩ። ሰሎሞን ብዛዕባ ግቡእ ዘይኰነን ካብ መጠን ዝሓለፈን መዘናግዒ ኣመልኪቱ “መወዳእታ ሓጐስ ከኣ ሓዘን እዩ” ኢሉ ኣጠንቀቐ።—ምሳሌ 14:13ለ
ዓለወኛን ደጊ ሰብን ብኸመይ እዮም ዚጸግቡ፧
ንጉስ እስራኤል ቀጺሉ “እቲ ብልቡ ዚዐሉ ብመገዱ ይጸግብ: ደጊ ሰብ ድማ ካብ ርእሱ እዩ” ወይ ብመሰረት ትርጕም 1990 “ሕያዎት ሰባት ከኣ ኸም ግብሮም ኪምጐሱ እዮም” በለ። (ምሳሌ 14:14) እቶም ብልቦም ዚዓልዉ ኸምኡውን እቶም ደግታት ወይ እቶም ሕያዎት ብኸመይ እዮም ብግብሮም ዚጸግቡ፧
ዓለወኛ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተሓታቲ ብዛዕባ ምዃን ኣየጨንቖን እዩ። ስለዚ: ንኸምዚ ዓይነት ሰብ ኣብ ዓይኒ የሆዋ ቕኑዕ ዘበለ ምግባር ዜገድሶ ኣይኰነን። (1 ጴጥሮስ 4:3-5) ከምዚ ዝበለ ሰብ በቲ ኻብ ፍቕረ-ንዋይ ዝመልኦ ናብራኡ ዚረኽቦ ውጽኢት እዩ ዚጸግብ ወይ ዚዓግብ። (መዝሙር 144:11-15ሀ) በቲ ሓደ ወገን ከኣ እቲ ደጊ ወይ ሕያዋይ ሰብ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገራት እዩ ዚግደስ። ብዅሉ መዳያት ነቲ ጽድቃዊ ስርዓታት ኣምላኽ እዩ ዚስዕብ። ከምዚ ዓይነት ሰብ የሆዋ ኣምላኹ ብምዃኑ ይዓግብ: ነቲ ልዑል ብምግልጋሉ ድማ ይሕጐስ።—መዝሙር 144:15ለ
‘ንዅሉ ቓል ኣይትእመን’
ሰሎሞን ኣብ መንጎ ገርህን ለባምን ዘሎ ፍልልይ ኪገልጽ ከሎ “ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይአምን: ለባም ግና ንስጕምቱ ይጥንቀቐለን” በለ። (ምሳሌ 14:15) ለባም ሰብ ብቐሊሉ ኣይታለልን እዩ። ኣብ ክንዲ ንዅሉ ዝሰምዖ ዚኣምንን ስቕ ኢሉ ናይ ካልኦት ሰባት ኣተሓሳስባ ዚቕበልን: መገዱ ብጥበብ እዩ ዚመርጽ። ነቲ ዅነታት ብምምዝዛን ብምስትውዓል እዩ ዚዓዪ።
ንኣብነት: “ኣምላኽ ኣሎ ድዩ፧” ዚብል ሕቶ ንውሰድ። ገርሂ ወይ ድማ ዓሻ ሰብ: ነቲ ሰፊሕ ተቐባልነት ዘለዎ ወይ ድማ ነቲ ስሙያት ሰባት ዚኣምንሉ እዩ ዚቕበል። ለባም ግና ነቲ ጕዳይ ተጠንቂቑ እዩ ዚምርምሮ። ንኸም ሮሜ 1:20ን እብራውያን 3:4ን ዝኣመሰለ ጥቕስታት የስተንትነሉ። ንመንፈሳዊ ጕዳያት ብዚምልከት ነቲ መራሕቲ ሃይማኖት ዚብልዎ ጥራይ ኣይኰነን ዚቕበል። ኣብ ክንዳኡ: ‘እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም ይምርምር።’—1 ዮሃንስ 4:1
ነቲ ‘ንዅሉ ቓል ከይንኣምን’ እተዋህበ ማዕዳ ምስማዕሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ጥበብ ኰን እዩ! ብሕልፊ ኸኣ እቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንኻልኦት ምኽሪ ናይ ምሃብ ሓላፍነት ዘለዎም ክርስትያናት: ነዚ ኣብ ልቦም ኬሕድርዎ ኣለዎም። እቲ ምኽሪ ዚህብ ሰብ ብዛዕባ እቲ ዅነታት ምሉእ ብምሉእ ኪፈልጥ ኣለዎ። እቲ ዚህቦ ምኽሪ ዘይቅኑዕ ወይ ድማ ካብ ሓደ ወገን ዚሰምዖ ነገር እተመስረተ ምእንቲ ኸይከውን ጽን ኢሉ ኺሰምዕን ካብ እተፈላለየ ሸነኽ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ኬጻርይን ኣለዎ።—ምሳሌ 18:13፣ 29:20
‘ተንኰለኛ ይጽላእ’
እቲ ንጉስ እስራኤል ኣብ መንጎ ጠቢብን ዓሻን ዘሎ ኻልእ ፍልልይ ኪገልጽ ከሎ “ጠቢብ ይፈርህ ካብ እከይ ድማ ይርሕቕ: ዓሻ ግና ደፋርን ኣማኒ ርእሱን እዩ። ኰራዪ ሰብ ዕሽነት ይገብር: ተንኰለኛ ኸኣ ይጽላእ” በለ።—ምሳሌ 14:16, 17
ጠቢብ እቲ ዘይቅኑዕ ምርጫ ዜምጽኦ ሳዕቤን የፍርሆ እዩ። ስለዚ ጥንቁቕ እዩ: ነቲ ኻልኦት ካብ እከይ ንኺርሕቕ ዚህብዎ ምኽሪ ኸኣ የማስወሉ። ዓሻ ግን ከምዚ ዓይነት ፍርሂ የብሉን። ኣብ ርእሱ ስለ ዚተኣማመን: ነቲ ኻልኦት ሰባት ዚህብዎ ምኽሪ ዕሽሽ ይብሎ። ብቐሊሉ ስለ ዚዅሪ: ዕሽነት ይገብር።
ኣብቲ በዅሪ ቛንቋ “ተንኰለኛ” ተባሂላ ዘላ ቓል: ክልተ ትርጕም ኣለዋ። ብኣወንታዊ መገዲ: ምስትውዓል ወይ ጥንቃቐ ተባሂላ ኽትትርጐም ትኽእል። (ምሳሌ 1:4፣ 2:11፣ 3:21) ወይ ከኣ ብኣሉታዊ መገዲ: ተንኰለኛ ወይ ሕሱም ሃቐና ተባሂላ ኽትትርጐም ትኽእል።—መዝሙር 37:7፣ ምሳሌ 12:2፣ 24:8
ስለዚ: እታ በዅሪ ቓል ን“ተንኰለኛ” እተመልክት እንተ ዀይና: ከምዚ ዝበለ ሰብ ስለምንታይ ከም ዚጽላእ ንኽንርድኦ ኣይከብደናን እዩ። ኰይኑ ግን: እዛ ቓል እዚኣ ብኣወንታዊ ትርጕማ እንተ ተወሲዳ: ንምንታይ እዩ መስተውዓሊ ወይ ድማ ጥንቁቕ ሰብ ዚጽላእ፧ መስተውዓሊ ሰብ በቶም ከምዚ ዓይነት ባህሪ ዘይብሎም ሰባት ዚጽላእ ምዃኑ ሓቂ ደይኰነን፧ ንኣብነት: ዓለም ነቶም ጥዑይ ኣተሓሳስባ ሃልይዎም: ‘ካብ ዓለም ንኸይኰኑ’ ዝወሰኑ ሰባት ትጸልኦም እያ። (ዮሃንስ 15:19) መስተውዓልቲ ዝዀኑ ክርስትያን መንእሰያት ካብ ሕማቕ ጠባይ ኪርሕቑ ኢሎም: ነቲ ኽፉእ ናይ መዛኑ ጸቕጢ ብምጽዋሮም ኣደዳ ላግጺ እዮም ዚዀኑ። ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ በታ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን ዲያብሎስ ዘላ ዓለም ይጽልኡ እዮም።—1 ዮሃንስ 5:19
‘እቶም እኩያት ይደኑ’
መስተውዓልቲ ወይ ለባማት ካብ ደናቝርቲ ዚፍለይሉ ኻልእ መገዲውን ኣሎ። “እቶም ደናቝርቲ ዕሽነት ይርስተዩ: ለባማት ግና ፍልጠት ዘውዶም እዩ።” (ምሳሌ 14:18) ደናቝርቲ ምስትውዓል ስለ ዚጐድሎም ዕሽነት እዮም ዚገብሩ። እዚ ኸኣ ኣብ መዓልታዊ ናብራኦም እዮም ዜንጸባርቕዎ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ: ፍልጠት ንለባማት ዘውዶም እዩ።
እቲ ጥበበኛ ንጉስ “እቶም እኩያት ኣብ ቅድሚ ሰናያት: ረሲኣን ከኣ ኣብ ደጌታት ጻድቃን ይደኑ” በለ። (ምሳሌ 14:19) ብኻልእ ኣበሃህላ ሰናያት ኣብ ልዕሊ ረሲኣን ኪዕወቱ እዮም። ነቲ ኣብዚ ሎሚ ግዜ ህዝቢ ኣምላኽ ዚረኽብዎ ዘለዉ ወሰኽን ዝበለጸ ናብራን እሞ ርአ። ገሊኦም ተጻረርቲ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቲ የሆዋ ዚፈስስ ዘሎ በረኸት ድሕሪ ምርኣይ: ነታ በቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ተረፍ እትውከል ምሳልያዊት ሰማያዊት ሰበይቲ የሆዋ ‘ኺደኑ’ እዮም። እንተ ዘይኰነ ኸኣ ኣብ ኣርማጌዶን: እታ ምድራዊት ክፋል ማሕበር የሆዋ: ናይ ብሓቂ ነታ ሰማያዊት ክፋል ከም እትውክል ንኺኣምኑ ኺግደዱ እዮም።—ኢሳይያስ 60:1, 14፣ ገላትያ 6:16፣ ራእይ 16:14, 16
‘ንድኻ ዚርሕርሕ’
ሰሎሞን ብዛዕባ ባህሪ ደቅሰብ ኪዛረብ ከሎ “ንድኻ ብጻዩ እኳ ይጸልኦ: ፈተውቲ ሃብታም ግና ብዙሓት እዮም” በለ። (ምሳሌ 14:20) እዝስ ብዛዕባ ዘይፍጹማት ሰባት ክሳዕ ክንደይ ኰን ሓቂ እዩ! ሰባት ብስስዐ ተደሪኾም ካብ ንድኻታት ንሃብታማት እዮም ዝያዳ ዚፈትዉ። ሃብታም ሰብ ዋላኳ ብዙሓት ፈተውቲ ይሃልውዎ: ልክዕ ከምቲ ሃብቱ ንሳቶም እውን ንግዜኡ ጥራይ እዮም ዚጸንሑ። ስለዚ እምበኣር ብገንዘብን ብልዙብ ቃላትን ኣቢልና ኣዕሩኽ ካብ ምፍራይ ክንርሕቕዶ ኣይግብኣናን፧
ንርእስና ብሓቂ ምስ መርመርና: ነቶም ሃብታማት ኣኽቢርና: ነቶም ድኻታት ግን ኣትሒትና ኸም እንርእዮም እንተ ተገንዚብናኸ፧ ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እተወገዘ ኸነስተብህል ኣሎና። ከምዚ ድማ ይብል:- “እቲ ንብጻዩ ዚንዕቕ ሓጢኣት ይገብር: ንድኻ ዚርሕርሓሉ ግና ብጹእ እዩ።”—ምሳሌ 14:21
ነቶም ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት ዘለዉ ኽንሓልየሎም ኣሎና። (ያእቆብ 1:27) ብኸመይ፧ ነቲ “ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ” ዝዀነ ገንዘብ: ምግቢ: መንበሪ: ክዳን: ከምኡውን ዝያዳ ቘላሕታ ብምሃብ እዩ። (1 ዮሃንስ 3:17) ከምዚ ዚገብር ሰብ ሕጉስ እዩ: ከመይሲ ‘ካብ ምቕባል ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ።’—ግብሪ ሃዋርያት 20:35
መወዳእታኦም እንታይ እዩ፧
እቲ “ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዐጽዶ እዩ” ዚብል መሰረታዊ ስርዓት ንለባማት ኰነ ንዓያሱ ይሰርሕ እዩ። (ገላትያ 6:7) እቲ ለባም ሰናይ ኪገብር ከሎ እቲ ዓሻ ግን እከይ ይሓስብ። እቲ ጥበበኛ ንጉስ “እቶም እከይ ዚሐስቡ ኣይጋገዩንዶ እዮም፧” ብምባል ይሓትት። መልሱ ድማ እወ ‘ይጋገዩ’ እዮም ዚብል እዩ። “ምሕረትን ሓቅን ግና ነቶም ሰናይ ዚሐስቡ እዩ።” (ምሳሌ 14:22) እቶም ሰናይ ዚገብሩ ኻልኦት ሰባት ይፈትውዎም: ምሕረት ወይ ሳህሊ ኣምላኽ ድማ ይረኽቡ።
ሰሎሞን ኣሳልጦ ምርካብ ምስ ትግሃት: ውድቀት ከኣ ምስ ምብዛሕ ዘረባን ዋሕዲ ተግባርን ኬተሓሕዞ ከሎ “ኣብ ዕዮ ዘበለ ረብሓ አሎ: ዘረባ ኸናፍር ግና ናብ ስእነት ጥራይ የብጽሕ” በለ። (ምሳሌ 14:23) እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ብርግጽ ኣብቲ ብመንፈሳዊ መዳይ እንገብሮ ጻዕሪ ይዓዪ እዩ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ብትግሃት ምስ እንዓዪ: ነቲ ህይወት ሰባት ዜድሕን ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ንብዙሓት ብምንጋር ዓስቢ ንረክብ። ነቲ ዚወሃበና ዝዀነ ይኹን ቲኦክራሲያዊ ዕዮ ብተኣማንነት ምስ እንፍጽም ከኣ: ሓጐስን ዕግበትን ንረክብ።
ምሳሌ 14:24 “ሃብቲ ንጠቢባን ዘውዶም እዩ: ዕሽነት እቶም ዓያሱ ግና ኵሉ ጊዜ ዕሽነት እዩ” ትብል። እዚ ማለት ከኣ ጥበብ ነቶም ኪረኽብዋ ዚጽዕሩ ጠቢባን ሃብቶም: ዘውዶም ወይ ድማ ስልማቶም እያ። ዓያሱ ግና ዕሽነት እዮም ዚረኽቡ። ብመሰረት ሓደ መወከሲ ጽሑፍ: እዛ ምስላ እዚኣ “ሃብቲ ነቶም ብጥበብ ዚጥቀሙላ ስልማት እያ . . . [ብኣንጻሩ ግን] ዓያሱ ዕሽነቶም ጥራይ እዩ ዘለዎም” ዚብል ሓሳብ እውን ተመሓላልፍ እያ። በዚ ዀነ በቲ: ለባማት ካብ ዓያሱ ዝሓሸ ዓስቢ እዮም ዚረኽቡ።
እቲ ንጉስ እስራኤል “ሓቀኛ ምስክር ነፍሳት የድሕን: ሓሶት ዚዛረብ ግና ምጥባር ጥራይ እዩ” በለ። (ምሳሌ 14:25) እዚ ምስ ፍርዲ ኣብ እተተሓሓዘ ጕዳያት ዚዓዪ እኳ እንተዀነ: ንኣገልግሎትና እውን ዚምልከት እዩ። ከመይሲ: ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን: ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ምምስካር እውን ዜጠቓልል እዩ። እቲ ምስክርነት ድማ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሓራ የውጽኦም: ህይወት ከኣ የድሕን። ንርእስናን ንትምህርትናን ብምጥንቃቕ: ንርእስናን ነቶም ዚሰምዑናን ነድሕን ኢና። (1 ጢሞቴዎስ 4:16) ከምዚ ምግባር እናቐጸልና: ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወትና ልብምና ነርኢ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ብዛዕባ ምሳሌ 14:1-11 መብርሂ እንተደኣ ደሊኻ: ናይ 15 ሕዳር 2004 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 26-9 ተወከስ።
b ናይ 22 ጥቕምቲ 1987 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 11-16 ተወከስ።
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ: ኣብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ዓሚቝ ሓቂ ተጊህና ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ኽንገብር ኣሎና
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ብፍቕረ-ንዋይ እተመልአ ናብራ ብሓቂ ዜዕግብ ድዩ፧