ደቅሰብ ፍልጠት ኣምላኽ የድልዮም ኢዩ
“ንፍርሃት እግዚኣብሄር ከተስተውዕሎ: ንምፍላጥ ኣምላኽ ከኣ ክትረኽቦ ኢኻ። ”—ምሳሌ 2:5
1. ልቢ ሰብ ናይ ሓደ መለኮታዊ መሃንድስነት ብሉጽ ስርሓት ኢዩ ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧
ሕጂ ሕጂ ኣብ ምድሪ ገለ 5,600,000,000 ዝኸውን ናይ ሰባት ልቢ ይወቅዕ ኣሎ። ልብኻ መዓልቲ መዓልቲ 100,000 ግዜ ትወቅዕ: ከምኡውን በቲ 100,000 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ናይ ካርድዮቫስኩላር መስርሕ ኣቢላ ማዕረ 7,600 ሊትሮ ዝኸውን ደም ትጭንጉዕ። ዝዀነ ይኹን ካልእ ጭዋዳ ድማ ካብዚ ናይዚ መለኮታዊ መሃድስነት ብሉጽ ስርሓት ንላዕሊ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ዝኽእል የሎን።
2. ንምሳልያዊ ልቢ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧
2 አብ ምድሪ 5,600,000,000 ዝዀና ኣብ ስራሕ ዝርከባ ምሳልያውያን ኣልባብ እውን ኣለዋ። ኣብቲ ምሳልያዊ ልቢ ስምዒታትና: ድራኼታትና: ባህግታትና ይርከብ። ሰፈር ናይ ሓሳባትና: ምርዳእና: ድሌትና ኢዩ። እዚ ምሳልያዊ ልቢ እዚ ዕቡይ ወይ ትሑት: ጕሁይ ወይ ሕጕስ: ኣብ ጸልማት ዘሎ ወይ ኣብ ብርሃን ክኸውን ይኽእል ኢዩ።—ነህምያ 2:2፣ ምሳሌ 16:5፣ ማቴዎስ 11:29፣ ግብሪ ሃዋርያት 14:17፣ 2 ቈረንቶስ 4:6፣ ኤፌሶን 1:16-18
3, 4. ንልቢ ደቅሰብ እቲ ብስራት ብኸመይ ኢዩ ዝበጽሖ ዘሎ፧
3 የሆዋ ኣምላኽ ንልቢ ደቅሰብ ከንብቦ ይኽእል ኢዩ። ምሳሌ 17:3: “መምከኺ ንብሩር: እቶን ከኣ ንወርቂ እዩ: ንልቢ ዚፍትኖ ግና እግዚኣብሄር እዩ” ትብል። ይኹን እምበር: የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ ልቢ ኣንቢቡ ፍርዲ ኣብ ክንዲ ዝህብ: ንኣልባብ ሰባት ብስራት ሒዞም ምእንቲ ክበጽሕዎ ንመሰኻኽሩ ይጥቀመሎም ኢዩ ዘሎ። እዚ ኸኣ ምስቲ “ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” ትሓዓ ] ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ: . . . ግናኸ ነቲ ብእኡ ዘይአመኑ ኸመይ ኢሎም ኪጽውዕዎ እዮም፧ ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኸ: ከመይ ገይሮም ብእኡ ኺአምኑ፧ ብዘይሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑ፧ ከመዮ: ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜበስሩ [ኽ]ንደይ ጽቡቕ እዩ: ዚብል ጽሑፍ: እንተ ዘይተላእኩስ: ከመይ ገይሮምዶ ኺሰብኩ እዮም፧” ዝብል ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ቃላት ዝሰማማዕ ኢዩ!—ሮሜ 10:13-15
4 የሆዋ ንመሰኻኽሩ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ነቲ ‘ሰናይ ኬበስሩ:’ ከምኡውን ነቶም ተቐባሊ ኣልባብ ዘለዎም ሰባት ክረኽቡ ክልእኮም የሐጕሶ ኢዩ። ሕጂ ቍጽርና ልዕሊ 5,000,000 ኢዩ—እዚ ኸኣ ብመጠነ ዝምድና ክረአ ከሎ 1 ምስክር ንገለ 1,200 ዝዀኑ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰባት ዝበጽሖም ኢዩ። ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቢልዮናት ሰባት እቲ ብስራት ከተብጽሓሎም ቀሊል ኣይኰነን። ይኹን እምበር: የሆዋ ብየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ነቲ ዕዮ ይመርሖ ኢዩ ዘሎ: ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ድማ ይስሕቦም ኣሎ። ስለዚ ድማ: እቲ ኣብ ኢሳይያስ 60:22 ዘሎ “እቲ ንእሽቶስ ሽሕ: እቲ ኣዝዩ ውሑድ ከኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኪኸውን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ነዚ ብጊዜኡ ቐልጢፈ ኽገብሮ እየ” ዝብል ትንቢት ሓቂ ምዃኑ ይርአ ኣሎ።
5. ፍልጠት እንታይ ኢዩ: ብዛዕባ ናይ ዓለም ጥበብከ እንታይ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል፧
5 እቲ ግዜ እቲ ሕጂ ኢዩ: ሓደ ግልጺ ዝዀነ ነገር ድማ ኣሎ—ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቢልዮናት ሰባት ፍልጠት የድልዮም ኢዩ። ብመሰረቱ ፍልጠት ክበሃል ከሎ ምስቶም ብተመኵሮ: ብምዕዛብ: ወይ ብመጽናዕቲ እተረኽቡ ጭብጥታት ምፍላጥ ማለት ኢዩ። ዓለም ብዙሕ ፍልጠት ደሊባ ኢያ። ኣብ ከም በዓል መጓዓዝያ: ሓለዋ ጥዕና: ከምኡውን መራኸቢ ዝኣመሰለ ነገራት ምዕባለ ተገይሩ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ብሓቂ ንደቅሰብ ዘድልዮም ዘሎ ፍልጠትሲ ዓለማዊ ፍልጠት ድዩ፧ ከምኡ ክትብል ኣሸጋሪ ኢዩ! ንደቅሰብ ውግእ: ጭቆና: ሕማም: ከምኡውን ሞት ጌና የጥቅዖም ኣሎ። ናይ ዓለም ፍልጠት መብዛሕትኡ ግዜ ልክዕ ከም ኣብ ህቦብላ ዘለዎ ምድረ በዳ ዝርከብ ሑጻ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ሓደ ቦታ ምግዓዝ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኢዩ።
6. ንደም ዝምልከት: ፍልጠት ኣምላኽ ምስ ዓለማዊ ፍልጠት ብኸመይ ይነጻጻር፧
6 ንመረድኢ:- ክልተ ዘበናት ይገብር ደም ክፈስስ ስቕ ኢልካ ምርኣይ ከም ፈውሲ ክትወስዶ ልሙድ ኢዩ ነይሩ። ጆርጅ ዋሽንግተን: እቲ ናይ መጀመርያ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፕረዚደንት: ኣብቲ ናይ መወዳእታ ሰዓታት ህይወቱ ብተደጋጋሚ ይደሚ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ከምዚ በለ:- “ብሰላም ክዓርፍ ግደፉኒ፣ ብዙሕ ክጸንሕ ኣይክእል ኢየ።” ኣብታ መዓልቲ እቲኣ: ብ14 ታሕሳስ 1799 ስለ ዝሞተ ድማ ሓቁ ኢዩ ነይሩ። ሎሚ: ንደም ክፈስስ ኣብ ክንዲ ምግዳፉ: ደም ናብ ውሽጢ ኣካላት ሰብ ምትሕልላፍ ዝያዳ ኢዩ ዝጽቀጠሉ። ክልቲኦም መገድታት ሞት ከስዕብ ብዝኽእል ግድላት እተሰነዩ ኢዮም። ይኹን እምበር: ቃል ኣምላኽ ካብ ቅድም ኣትሒዙ ‘ካብ ደም ተሓለዉ’ ብምባል ኢዩ ዝነግር። (ግብሪ ሃዋርያት 15:29) ፍልጠት ኣምላኽ ኵሉ ግዜ ቅኑዕ: ክትውከሎ እትኽእል: እዋናዊ ኢዩ።
7. ንኣተዓባብያ ቈልዑ ዝምልከት ርጡብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ፍልጠት ምስ ዓለማዊ ጥብብ ብኸመይ ይነጻጸር፧
7 ካልእ ክትውከሎ ዘይትኽእል ዓለማዊ ጥበብ ድማ ርአ። ንዓመታት ዝኣክል ናይ ስነ-ኣእምሮ ተመራመርቲ ፍኑው ዝዀነ ኣተዓባብያ ቈልዑ ብምድጋፍ ተጣቢቐም ኢዮም: እንተዀነ ግን ጸኒሑ ሓደ ካብቶም ተጣበቕቲ እዚ ጌጋ ከም ዝዀነ ተኣመነ። ሓደ ግዜ እቲ ናይ ጀርመን ናይ ፊሎሎጂካል ማሕበር: ፍኑው ኣተዓባብያ “እንተወሓደ ብተዘዋዋሪ መገዲ ነዚ ሎሚ ኣብ መንእሰያት ዘሎና ግድላት ሓላፍነት ዝወስድ ኢዩ” በለ። ዓለማዊ ጥበብ ብንፋስ ከም እተደፍአ ናብዝን ናብትን ዝብል ኢዩ: ርጡብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ፍልጠት ግን ዘይነቓነቕ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምልምማድ ቈልዑ ሚዛናዊ ዝዀነ ምኽሪ ይህብ። ምሳሌ 29:17 “ንውሉድካ ቕጽዓዮ እሞ ኬዕርፈካ: ንነፍስኻውን ተድላ ኪዀና እዩ” ትብል። ከምዚ ዝበለ መቕጻዕቲ ብፍቕሪ ኢዩ ክግበር ዘለዎ: ምኽንያቱ ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣቱም ኣቦታትውን: ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር: ኣይተዀርይዎም” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።—ኤፌሶን 6:4
‘ምፍላጥ ኣምላኽ’
8, 9. ነቲ ምሳሌ 2:1-6 ብዛዕባ እቲ ንደቅሰብ ብሓቂ ዘድልዮም ዘሎ ፍልጠት እትብሎ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧
8 ጳውሎስ እተማህረ ሰብ እኳ እንተነበረ ከምዚ በለ:- “ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ኣምላኽ ዕሽነት እያ እሞ: ገለ ኻባኻትኩም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥበበኛ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ: ጥበበኛ ምእንቲ ኪኸውንሲ ዓሻ ይኹን።” (1 ቈረንቶስ 3:18, 19) እቲ ብሓቂ ንደቅሰብ ዘድልዮም ፍልጠት: ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ ክህቦም ዝኽእል። ብዛዕባ እዚ ምሳሌ 2:1-6 ከምዚ ትብል:- “ወደየ: እዝንኻ: ናብ ጥበብ ምእንቲ ኬቕልብ: ልብኻውን ናብ ምስትውዓል ምእንቲ ኺደንን ኢልካስ: ንቓላተይ እንተ ተቐበልካዮ: ንትእዛዛተይ ከኣ ምሳኻ እንተ አርነብካዮ: እወ: ነእምሮ እንተ ጸዋዕካያ: ንምስትውዓል ከኣ እንተ ኣድሄኻያ: ከም ንብሩር ጌርካ እንተ ደሌኻያ: ከም ንሕቡእ መዝገብ ጌርካ ኸኣ ሃለው እንተ በልካያ: ሽዑ ንፍርሃት እግዚኣብሄር ከተስተውዕሎ: ንምፍላጥ ኣምላኽ ከኣ ክትረኽቦ ኢኻ። እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ እዩ እሞ: ፍልጠትን ምስትውዓልን ካብ ኣፉ እየን ዚወጻ።”
9 እቶም ብሰናይ ኣልባብ እተለዓዓሉ ሰባት: ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ፍልጠት ግቡእ ገይሮም ብምጥቃም ንጥበብ የቕልቡላ ኢዮም። ነቲ ዝማሃርዎ ዘለዉ ጭብጥታት ብጥንቃቐ ብምምርማር ንኣልባቦም ናብ ምስትውዓል ኢዮም ዘዝብልዎ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ንምስትውዓል ወይ ነቲ እተፈላለዩ ናይ ሓደ ኣርእስቲ ክፍልታት ንሓድሕዶም ብኸመይ ከም ዝዛመዱ ናይ ምርዳእ ክእለት ይደልይዎ። እቶም ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ልክዕ ከም ብሩር ደልዮም ዝዅዕቱ ወይ ንሕቡእ መዛግብቲ ይደልዩ ከም ዘለዉ ኰይኖም ኢዮም ዝዓዩ። እንተዀነ ግን: እቶም ተቐባሊ ኣልባብ ዘለዎም ሰባት እንታይ ዓቢ መዝገብ ኢዮም ዝረኽቡ፧ ነቲ ‘ምፍላጥ ኣምላኽ’ ኢዮም ዝረኽቡ። እዚኸ እንታይ ኢዩ፧ ብቐሊሉ ንምግላጽ: እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ዝርከብ ፍልጠት ኢዩ።
10. ጽቡቕ መንፈሳዊ ጥዕና ምእንቲ ከነስተማቕር እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
10 ፍልጠት ኣምላኽ ቅኑዕ: ዘይነቓነቕ: ህይወት ዝህብ: ኢዩ። መንፈሳዊ ጥዕና ዘምጽእ ኢዩ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “ነቲ ኻባይ ዝሰማዕካዮ ጥዑይ ቃል [“ስርዓት ናይ ጥዑይ ቃላት:” ትሓዓ ] ከኣ በቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ እምነትን ፍቕርን ንምሳሌ ሐዞ” ኢሉ ተማሕጸኖ። (2 ጢሞቴዎስ 1:13 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ሓደ ቋንቋ ናይ ቃላት ስርዓት ኣለዎ። ብተመሳሳሊ ድማ: እቲ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ሓቂ “ጽሩይ ቋንቋ” ብኣውራኡ ኣብቲ በታ መንግስቲ ኣቢሉ ዝቕደስ ናይ የሆዋ ሉዓላውነት ዝገልጽ ቀንዲ ኣርእስቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ “ስርዓት ናይ ጥዑይ ቃላት” ኣለዎ። (ጸፎንያስ 3:9 ትሓዓ ) ነዚ ስርዓት ናይ ጥዑይ ቃላት ኣብ እእምሮናን ልብናን ክንሕዞ የድልየና ኢዩ። ነቲ ናይ ምሳልያዊ ልቢ ሕማም ኣልጊስና ብመንፈስ ጥዑያት ክንከውን እንተድኣ ዄንና: ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዓልታዊ ናብራና ኣብ ተግባር ከነውዕሎን ነቲ ኣምላኽ በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኣቢሉ ዝገብሮ ዘሎ መንፈሳዊ ምድላዋት ድማ ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀመሉን ይግባኣና። (ማቴዎስ 24:45-47 ትሓዓ፣ ቲቶስ 2:2) ጽቡቕ መንፈሳዊ ጥዕና ንኽህልወና: ፍልጠት ኣምላኽ ከም ዘድልየና ኵሉ ግዜ ንዘክር።
11. ደቅሰብ ፍልጠት ኣምላኽ ዝደልይሉ ገለ ገለ ምኽንያታት እንታይ ኢዩ፧
11 ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቢልዮናት ሰባት ፍልጠት ኣምላኽ ስለምንታይ ከም ዘድልዮም ካልእ ምኽንያታት ርአ። ኵላቶም ምድርን ሰብን ከመይ ኢሉ ኣብ ህላዌ ከም ዝመጸ ይፈልጡ ድዮም፧ ኣይፈልጡን ኢዮም። ኵሎም ደቅሰብከ ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽን ወዱን ይፈልጥዎም ድዮም፧ ሰይጣን ብዛዕባ መለኮታዊ ሉዓላውነትን ናይ ሰብ ንጽህናን ክርክራት ከም ዘልዓለ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ይፈልጥ ድዩ፧ ነዚ እውን ኣይፈልጥዎን ኢዮም። ሰባት ብሓፈሻኸ ስለምንታይ ከም እንኣርግን እንመውትን ይፈልጡ ድዮም፧ ሕጅውን ኣይፈልጡን ኢዮም ኢልና ኢና ክንምልሽ ዘሎና። ኵሎም ተቐማጦ ምድሪኸ መንግስቲ አምላኽ ሕጂ ትገዝእ ምህላዋ ከምኡውን ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ምህላውና ይግንዘቡ ድዮም፧ ብዛዕባ ሓይልታት እኩያት መናፍስቲኸ ይርድኡ ድዮም፧ ኵሎም ሰባትከ ከመይ ገይርካ ሕጕስ ናብራ ስድራቤት ክህልወካ ከም ዝኽእል ዝገልጽ ዘተኣማምን ፍልጠት ኣለዎም ድዩ፧ ከምኡውን እዚ ሓፋሽ ህዝቢኸ ፈጣሪና ንእዙዛት ደቅሰብ ዘለዎ ዕላማ ሕጕስ ህይወት ኣብ ገነት ምርካብ ምዃኑ ይፈልጥ ድዩ፧ ናይዞም ሕቶታት እዚኣቶም መልሲ እውን ኣይፈልጥን ኢዩ ዝብል ኢዩ። ብንጹር እምበኣር: ደቅሰብ ፍልጠት ኣምላኽ የድልዮም ኢዩ።
12. ንኣምላኽ “ብመንፈስን ብሓቅን” ከነምልኾ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
12 ብመሰረት እቲ የሱስ ኣብታ ናይ ምድራዊ ህይወቱ ናይ መወዳእታ ምሸት ዘቕረቦ ጸሎት ድማ: ደቅሰብ ፍልጠት ኣምላኽ የድልዮም ኢዩ። “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” ኢሉ ክጽሊ ክሰምዕዎ ከለዉስ ደቀ መዛሙርቱ ኣጸቢቑ ተሰሚዕዎም ክኸውን ኣለዎ። (ዮሃንስ 17:3) ንኣምላኽ በቲ ቅቡል መገዲ እነምልኸሉ እንኮ መገዲ ነዚ ከምዚ ዝበለ ፍልጠት ኣብ ተግባር ምውዓል ኢዩ። የሱስ “ኣምላኽ መንፈስ እዩ: እቶም ዚሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግብኦም” በለ። (ዮሃንስ 4:24) እምነትን ፍቕርን ብዝመልአ ልቢ ምስ እንለዓዓል ንኣምላኽ “ብመንፈስ” ነምልኾ። ‘ብሓቅኸ’ ከመይ ገይርና ኢና ከነምልኾ እንኽእል፧ ቃሉ ብምጽናዕን ብመሰረት እቲ እተገልጸ ሓቁ—‘ፍልጠት ኣምላኽ’—ገይርና ድማ ብምምላኽን ኢና ክንገብሮ እንኽእል።
13. ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 16:25-34 እንታይ ጸብጻብ ኢዩ ተመዝጊቡ ዘሎ: ካብኡኸ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧
13 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣሽሓት ዝዀኑ ሰባት ንየሆዋ ከምልኽዎ ይጅምሩ ኢዮም። እንተዀነ ግን: ምስ ተገደስቲ ሰባት ዝግበር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንነዊሕ ግዜ ድዩ ክግበር ዘለዎ ወይስ ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ቀልጢፎም ናብ ጥምቀት ክበጽሑ ይኽእሉ ኢዮም፧ ነቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 16:25-34 ተጠቒሱ ዘሎ ብዛዕባ እቲ ሓላው እሱራትን ስድራቤቱን ዝገልጽ ጸብጻብ እንታይ ከም ዘጋጠመ ተመልከት። ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ፊልጲ ተኣሲሮም ነበሩ: እንተዀነ ግን: ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ ዓቢ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኰነ: ነቲ መዓጹ ቤት ማእሰርቲ ድማ ከፈቶ። ጳውሎስ ኵላቶም ከም ዘለዉ ቅድሚ ምንጋሩ ድማ እቲ ሓላው እሱራት: እቶም እሱራት ኵላቶም ሃዲሞም ኢሉ ስለ ዝሓሰበ ከቢድ መቕጻዕቲ ከይወርዶ ፈሪሁ ርእሰ-ቅትለት ክፍጽም ሓሰበ። ጳውሎስን ሲላስን ድማ “ንእኡን ኣብ ቤቱ ንዘለዉ ዅላቶምን ከኣ ቃል እግዚኣብሄር ነገርዎም።” እቲ ሓላው እሱራትን ስድራቤቱን ብዛዕባ ቅዱሳት ጽሑፋት ምንም ፍልጠት ዘይነበሮም ኣህዛብ ኢዮም ነይሮም። እንተዀነ ግን: ኣብታ ለይቲ እቲኣ ጥራይ ኣመንቲ ኰኑ። ካብኡ ንላዕሊ ድማ “ንሱ ምስ ኵሎም ስድራ ቤቱ ተጠምቀ።” እዚ ብዙሕ ግዜ ዘየጋጥም ኵነታት ኢዩ: ይኹን እምበር ሓደስቲ ሰባት መሰረታዊ ሓቂ ይማሃሩ: ሽዑ ካልእ ነገራት ድማ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ይማሃርዎ። ሎሚ እውን ነዚ ዝመሳሰል ክግበር ይከኣል ኢዩ።
እቲ ግራት ሰፊሕ ኢዩ!
14. ኣብ ሓጺር እዋን ብዙሕ ኣስላጢ ዝዀነ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ ዘድሊ ስለምንታይ ኢዩ፧
14 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሓጺር እዋን ስሉጥ ዝዀነ ብዙሕ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክመርሑ ጽቡቕ ኢዩ። እዚ ከምዚ ዝበለ ኣገባብ ብሓቂ ተደላዪ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ሃገራት ምብራቅ ኣውሮጳ: ሰባት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽገብሩ ኣብ ናይ መጸበዪ ስም ዝርዝር ክጸንሑ ኣለዎም። ኣብ ካልእ ቦታታት እውን እቲ ኵነታት ከምኡ ኢዩ። ኣብ ሓንቲ ናይ ደሞኒካን ሪፓብሊክ ከተማ ሓሙሽተ መሰኻኽር ብዙሓት ጽንዓት ክገብሩ ዝደልዩ ስለ ዘለው: ንዅሎም ክገብሩሎም ኣይከኣሉን። እቶም መሰኻኽርከ እንታይ ገበሩ፧ ነቶም ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ኣብቲ ኣብ መንግስቲ ኣዳራሽ ዝግበር ኣኼባታት ክካፈሉ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩ ድማ ኣብ ናይ መጸበዪ ስም ዝርዝር ክጸንሑ ኣተባብዕዎም። ኣብ ብዙሕ ቦታታት ናይ ምድሪ ድማ ተመሳሳሊ ኵነታት ኣሎ።
15, 16. ንፍልጠት ኣምላኽ ዝያዳ ብዝቐልጠፈ ንምዝርጋሕ እንታይ ኢዩ ተዳልዩ ዘሎ: ብዛዕባኡ ዘሎ ገለ ሓቅታትከ እንታይ ኢዩ፧
15 ንህዝቢ ኣምላኽ ዓቢ ዞባ—ክዓይሉ ዝኽእሉ ሰፊሕ ግራት—ይኽፈተሎም ኣሎ። የሆዋ ‘ጐይታ እቲ እኽሊ’ ብዙሓት ዓየይቲ ይልእኽ እኳ እንተሎ: ጌና ግና ብዙሕ ዝዕየ ኣሎ። (ማቴዎስ 9:37, 38) ስለዚ ኸኣ: ነቲ ፍልጠት ኣምላኽ ዝያዳ ብዝቐልጠፈ መገዲ ምእንቲ ክዝርጋሕ: እቲ ‘እሙን ባርያ’ እቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርእስቲ መንፈሳዊ ምዕባለ ምእንቲ ከርእዩ: ኣሕጽር ኣቢሉ ንጹር ዝዀነ ሓበሬታ ክህብ ዝኽእል ገለ ነገር ኣዳልዩ ኣሎ። እዚኣ ኣብ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ብቕልጡፍ—ምናልባት ኣብ ውሑዳት ኣዋርሕ—እትውዳእ ሓዳስ ሕታም ኢያ። ኣብ ሳንጣና: ናይ ኢድ ቦርሳና: ወይ ኣብ ጁባና እውን ከይተረፈ ብቐሊሉ ክንሕዛ እንኽእል ኢያ! እቶም ኣማእታት ኣሽሓት ኣብቲ “ሕጕሳት ወደስቲ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት ነዛ 192-ገጽ ዘለዋ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ ክቕበሉ ተሓጒሶም ኢዮም።
16 ኣብ እተፈላለዩ ሃገራት ዘለዉ ጸሓፍቲ ነዛ መጽሓፍ ፍልጠት ዝኸውን ብጥንቃቐ እተዳለወ ጽሑፋት ኣዳልዮም ኢዮም። ስለዚ እምበኣር: ኣህጉራዊ ተቐባልነት ክህልዋ ኣለዎ። እንተዀነ ግን: እዛ ሓዳሽ ሕታም እዚኣ ብቋንቋ ናይቶም ኣብ ዙርያ ዓለም ዘለዉ ሰባት ቅድሚ ምሕታማስ ነዊሕ ክትጸንሕ ድያ፧ ኣይክትጸንሕን ኢያ: ምኽንያቱ 192 ገጽ ዘለዋ መጽሓፍ ካብ ዓበይቲ መጻሕፍቲ ዝያዳ ቀልጢፋ ክትትርጐም ትኽእል ኢያ። ክሳዕ ጥቅምቲ 1995 ድማ እቲ ናይ ኣማሓዳሪ ኣካል ናይ ጽሕፈት ኮሚቴ ነዛ መጽሓፍ እዚ ካብ እንግሊዝኛ ናብ ልዕሊ 130 ቋንቋታት ክትትርጐም ኣፍቂዱ ኢዩ።
17. ንመጽሓፍ ፍልጠት ንኽትጥቀመላ ቀላል ክገብርዋ ዘለዎም ረቛሒታት እንታይ ኢዮም፧
17 እቲ ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ዘሎ ፍሉይነት ንተማሃሮ ቅልጡፍ መንፈሳዊ ምዕባለ ክገብሩ ክሕግዞም ኣለዎ። እታ መጽሓፍ ንቅዱስ ጽሑፋዊ ፍልጠት ሃናጺ ብዝዀነ መገዲ ኢያ እተቕርቦ። ኣብ ናይ ሓሶት ሰረተ-እምነታት እተመርኰሰት ኣይኰነትን። ናይቲ ቋንቋ ጽፈትን ስርዓት ዝሓዘ ኣሰራርዓን ነታ መጽሓፍ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕን ንሰባት ድማ ንፍልጠት ኣምላኽ ንኽርድእዎ ንምሕጋዝን ቀላል ዝገብራ ኢዩ። ብዘይካ እቶም ሓሳባቶም እተጠቕሰ ጥቕስታት: እቲ ተማሃራይ ንጽንዓት ክዳሎ ከሎ ክርእዮም ዝኽእል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት እውን ኣለዉ። ዋላ እኳ ነቲ ቀንዲ ሓሳባት ክሽፍኖ ዝኽእል ተወሳኺ ሓሳባት ከተምጽእ ጥበባዊ እንተዘይኰነ: እቶም ተጠቒሶም ዘለዉ ጥቕስታት ግዜ ከም ዘፍቅዶ ክንበቡ ይኽእሉ ኢዮም። እቶም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝመርሑ እቲ እታ መጽሓፍ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ እትህቦ ሓሳባት ነቲ ተማሃራይ ከረድእዎን ከመሓላልፍሉን ክፍትኑ ኣለዎም። እዚ ማለት ድማ እቲ ቀንዲ ሓሳባት ኣብ ኣእምሮኡ ምእንቲ ክሕዞ: እቲ መምህር ነታ መጽሓፍ ብትግሃት ከጽንዓ ኣለዎ።
18. ብዛዕባ ኣጠቓቕማ መጽሓፍ ፍልጠት ዝምልከት እንታይ ሓሳባት ኢዩ እተዋህበ፧
18 እዛ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ እተቀላጥፎ ብኸመይ ኢያ፧ እዛ 192 ገጽ ዘለዋ መጽሓፍ ብተዛማዲ ኣብ ሓጺር ግዜ ክትጽናዕ ትኽእል ኢያ: ከምኡውን እቶም “ንህይወት ዘለኣለም እተመደቡ” ሰባት ንየሆዋ ህይወቶም ወፍዮም ምእንቲ ክጥመቑ ብመጽናዕቲ ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ገይሮም ብዙሕ ክማሃሩ ክኽእሉ ኣለዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 13:48) ስለዚ እምበኣር: ንመጽሓፍ ፍልጠት ኣብ ኣገልግሎት ጽቡቕ ገይርና ንጠቐመላ። ሓደ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ክፍሊ ናይ ካልእ መጽሓፍ ኣጽኒዑ እንተድኣ ኰይኑ: ነታ መጽሓፍ ክውዳኣ ተግባራዊ ኢዩ። እንተ ዘይኰነ ግን: እቲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ብመጽሓፍ ፍልጠት ክቕየር ጽቡቕ ኢዩ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ምስ ተወድአት: ነቲ ተማሃራይ ካልኣይቲ መጽሓፍ ክትገብረሉ ጽቡቕ ኣይኰነን። እቶም ንሓቂ እተቐበሉ ሰባት ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣኼባታት ብምክፋል ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስን ካልእ እተፈላለዩ ሕታማትን ብብሕቶም ብምንባብ ፍልጠቶም ከስፍሑ ይኽእሉ ኢዮም።—2 ዮሃንስ 1
19. ብመጽሓፍ ፍልጠት ገይርካ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምምራሕ: ነቲ ኣብ ኣገልግሎትና ንምፍጻም እተመሓደርና ካብ ገጽ 175 ክሳዕ 218 ዘሎ ገጻት ምድጋም ሓጋዚ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
19 መጽሓፍ ፍልጠት ንሓደ ሰብ ነቲ ሽማግለታት ምስ ሓደ ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክጥመቕ ዝደሊ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ኰይኖም ዝገብርዎ ኵሉ ናይ ድግማ ሕቶታት ንኽምልስ ከም እትሕግዝ ኰይና ኢያ ተዳልያ። ስለዚ ነዚ ሕጂ ዘሎ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስካ ናብዛ ሓዳስ ሕታም ቅድሚ ምቕያርካ: ነቲ ኣብታ ኣገልግሎትና ንምፍጻም እተመሓደርና እትበሃል መጽሓፍ ካብ ገጽ 175 ክሳዕ 218 ዘሎ ሕቶታት ንምድጋም ገለ ሰዓታት እንተ ኣሕለፈካ ጽቡቕ ኢዩ።a እዚ ድግማ እዚ ብመጽሓፍ ፍልጠት ጽንዓት ክትገብር ከሎኻ ንመልሲ ናይቶም ሕቶታት ንኸተጕልሖም ክሕግዘካ ኢዩ።
20. በታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ገይርካ እንታይ ንኽትገብር ኢኻ መደብ እትገብር፧
20 ኣብ ኵሉ ቦታ ዘለዉ ሰባት ነቲ ብስራት ክሰምዕዎ ኣለዎም። እወ: ደቅሰብ ፍልጠት ኣምላኽ የድልዮም ኢዩ: የሆዋ ድማ ነዚ ዝዝርግሑ መሰኻኽር ኣለውዎ። ሕጂ እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና በቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ገይሩ ዘዳለዋ ሓዳስ መጽሓፍ ኣላትና። ሓቂ ንምምሃርን ነቲ ቅዱስ ስም የሆዋ ድማ ክብሪ ንምምጻእን ክትጥቀመላ ዲኻ፧ ነቲ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ንብዙሓት ሰባት ንኸተብጽሕ ኢልካ ብዝከኣለካ ኵሉ ክትጽዕር ከሎኻ የሆዋ ብርግጽ ክባርኸካ ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት።
ብኸመይ ምመለስካ፧
◻ ንምሳልያዊ ልቢ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧
◻ ፍልጠት ኣምላኽ እንታይ ኢዩ፧
◻ ፍልጠት ኣምላኽ ብደቅሰብ ዝድለ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ እንታይ ሓዳስ መጽሓፍ ኢያ ተዳልያ ዘላ: ብኸመይ ክትጥቀመላኸ መደብ ገይርካ ኣሎኻ፧
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቢልዮናት ሰባት ፍልጠት ኣምላኽ ዝደልይሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ