-
“ጽላል ጥበብ”ግምቢ ዘብዐኛ—2007 | 15 ሓምለ
-
-
ጥበብ ምጥራይ ንዘረባና ብኸመይ ይጸልዎ፧ እቲ ጥበበኛ ንጉስ ከምዚ በለ:- “ነቲ ቓል ዜቕልበሉ ሰናይ ይረክብ: ብእግዚኣብሄር ዚእመን ከኣ ብጹእ እዩ። ጥበበኛ ዝልቡ መስተውዓሊ ይበሀል: ጣዕሚ ኸናፍር ከኣ ትምህርቲ ይውስኽ። [“ዘረባኡ ኸኣ ይምስጠካ።” ትርጕም 1990] ምስትውዓል ንዜጥርያ ሰብ ፈልፋሊት ህይወት እያ: ዕሽነት ግና ነቶም ዓያሱ ቕጽዓቶም እያ። ልቢ እቲ ጥበበኛ ንኣፉ መስተውዓሊ ይገብሮ: ንኸናፍሩ ድማ ትምህርቲ ይውስኸን። [“ዘረባኡ ኸኣ ይምስጠካ።” ትርጕም 1990]”—ምሳሌ 16:20-23
-
-
“ጽላል ጥበብ”ግምቢ ዘብዐኛ—2007 | 15 ሓምለ
-
-
“ጥበበኛ ዝልቡ መስተውዓሊ ይበሀል” እንተ ተባህለ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። (ምሳሌ 16:21) እወ: ምስትውዓል ንዜጥርያ “ፈልፋሊት ህይወት እያ።” ዓያሱ ግን ከመይ እዮም፧ “ንጥበብን ትምህርትን ይንዕቅዎ።” (ምሳሌ 1:7) ካብ የሆዋ ዚመጾም ትምህርቲ ወይ ተግሳጽ ብምንጻጎምከ እንታይ ይዓጽዱ፧ ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ: ሰሎሞን: “ዕሽነት ግና ነቶም ዓያሱ ቕጽዓቶም እያ” በለ። (ምሳሌ 16:22) ተወሳኺ ተግሳጽ ይወሃቦም: እዚ ድማ ብዙሕ ግዜ ዝኸበደ ቕጽዓት እዩ። ዓያሱ ኣብ ርእሶም ጸገምን ውርደትን ሕማምን ሞትን እውን ኬምጽኡ ይኽእሉ እዮም።
-