“እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ ”
ንግዜኻን ጕልበትካን ዝምዝምዝ ከመይ ዝበለ ነገራት ኢዩ፧ ጽቡቕ ስም ምጥራይ ዘገድሰካ ነገርዶ ኢዩ፧ ሃብቲ ንምእካብ ዲኻ እትጓየ፧ ኣብ ገለ ዓይነት ዓውዲ ሓደ ሞያ ምክትታል ወይ ከኣ ብገለ ዓይነት ትምህርቲ ክኢላ ንምዃን ኢልካ ምምሃር ዝመጸኸ ከመይ ኢኻ፧ ምስ ካልኦት ሰባት ጽቡቕ ርክብ ምዅስኳስ የገድሰካ ድዩ፧ ምሉእ ጥዕና ሒዝካ ምቕጻል ዝብል ሓሳብ ቀንዲ ዘሻቕለካ ነገር ድዩ፧
ኵሉ እዚ ነገራት እዚ ገለ ቍም ነገር ዘለዎ ኢዩ ዝመስል። ይኹን እምበር: እቲ ዝያዳ ዘገድስ ነገር እንታይ ኢዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ጥበብ ኣውራ ነገር እያ እሞ: ንጥበብ ኣጥርያ” ብምባል መልሲ ይህብ። (ምሳሌ 4:7) ጥበብ ከነጥሪ እንኽእል እምበኣር ብኸመይ ኢና: ጥቕምታቱኸ እንታይ ኢዩ፧ እታ ናይ መጽሓፍ ምሳሌ ካልአይቲ ምዕራፍ ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ትህበሉ ኢያ።
‘ናብ ጥበብ ኣቕልብ’
እቲ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ጥበበኛ ንጉስ ዝነበረ ሰሎሞን: ብፍቕራዊ ቃላት ከም ኣቦ ኰይኑ ከምዚ በለ:- “ወደየ: እዝንኻ: ናብ ጥበብ ምእንቲ ኬቕልብ: ልብኻውን ናብ ምስትውዓል ምእንቲ ኺደንን ኢልካስ: ንቓላተይ እንተ ተቐበልካዮ: ንትእዛዛተይ ከኣ ምሳኻ እንተ አርነብካዮ: እወ ነእምሮ እንተ ጸዋዕካያ: ንምስትውዓል ከኣ እንተ ኣድሄኻያ: ከም ንብሩር ጌርካ እንተ ደሌኻያ: ከም ንሕቡእ መዝገብ ጌርካ ኸኣ ሃለው እንተ በልካያ: ሽዑ ንፍርሃት እግዚኣብሄር ከተስተውዕሎ: ንምፍላጥ ኣምላኽ ከኣ ክትረኽቦ ኢኻ።”—ምሳሌ 2:1-5
ጥበብ ምጥራይ ኣብ መን እተመርኰሰ ምዃኑ ኣስተብሂልካዶ፧ ኣብዚ ጥቕሲ እዚ “እንተ ተቐበልካዮ:” “እንተ አርነብካዮ:” “እንተ ጸዋዕካያ:” “እንተ ኣድሄኻያ:” “እንተ ደሌኻያ:” “ሃለው እንተ በልካያ” ዝብል መግለጺታት ኣሎ። ንጥበብን ነተን ብጾታ ዝዀና ምስትውዓልን ኣእምሮን ምድላይ ኣብ ነፍሲ ወከፍና እተመርኰሰ ምዃኑ ንጹር ኢዩ። ኣቐዲምና ግን ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘሎ ቃላት ጥበብ ‘ክንቅበሎን ክንእርንቦን’ የድልየና። እዚ ንምግባር ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ከድልየና ኢዩ።
ጥበብ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ፍልጠት ብግቡእ ንኽንጥቀመሉ ዝሕግዘና ክእለት ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ብውሕልነት ጥበብ ኣዳልዩልና ኣሎ! እወ: ቃላት ጥበብ ሒዙ ኣሎ። ንኣብነት እኳ እቲ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌን መክብብን ተመዝጊቡ ዘሎ ቃላት ክጥቀስ ይከኣል ኢዩ። ናብዚ ቓላት እዚ ኸኣ ከነቕልብ የድልየና። ብዘይዚውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኻዊ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ምውዓል ዝህቦ ጥቕምን ምንጻጉ ዘምጽኦ ሳዕቤንን ዝገልጽ ብዙሕ ኣብነታት ንረክብ ኢና። (ሮሜ 15:4፣ 1 ቈረንቶስ 10:11) ንኣብነት: ጸብጻብ ናይቲ ኣገልጋሊ ነብዪ ኤልሳእ ዝነበረ ስሱዕ ገሓዚ ርአ። (2 ነገስት 5:20-27) ስስዐ ናይ ምውጋድ ጥበብ ዝምህረናዶ ኸይኰነ፧ እቲ ዘሕዝን ሳዕቤን ናይቲ ዲና ጓል ያእቆብ ‘ናብ ኣዋልድ ሃገር’ ከነኣን ዝገበረቶ ጕድኣት ዘይብሉ ዝመስል ምብጻሕከ እንታይ ክበሃል ይከኣል፧ (ዘፍጥረት 34:1-31) ሕማቕ ምሕዝነት ምግባር ዕሽነት ምዃኑ ከም እነስተውዕል ዝገብረናዶ ኸይኰነ፧—ምሳሌ 13:20፣ 1 ቈረንቶስ 15:33
ናብ ጥበብ ምቕላብ ምስትውዓልን ኣእምሮን ምጥራይ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። ብመሰረት ወብስተርስ ሪቫይዝድ ኣንብሪጅድ ዲክሽነሪ ምስትውዓል ክበሃል ከሎ “ንሓደ ነገር ካብቲ ካልእ ነገር ዝፈሊ ናይ ኣእምሮ ሓይሊ ወይ ክእለት” ማለት ኢዩ። ኣምላኻዊ ምስትውዓል ቅኑዕን ጌጋን ፈሊኻ ነቲ ቅኑዕ መገዲ ናይ ምምራጽ ክእለት ኢዩ። ‘ልብና’ ናብ ምስትውዓል ‘እንተድኣ ዘየድኒንናዮ’ ወይ ምስትውዓል ንምጥራይ ዘይንህንጠ እንተድኣ ዄንና ከመይ ገይርና ኢና ኣብታ ‘ናብ ህይወት እትወስድ መገዲ’ ክንጸንሕ እንኽእል፧ (ማቴዎስ 7:14፣ ምስ ዘዳግም 30:19, 20 ኣረኣእዮ።) ቃል ኣምላኽ ምጽናዕን ኣብ ግብሪ ምውዓልን ምስትውዓል ይህብ።
“ነእምሮ”—ነቲ ክፍልታት ሓደ ኣርእስቲ ንሓድሕዱ ኰነ ምስ ብምሉኡ እቲ ኣርእስቲ ብኸመይ ከም ዝተሓሓዝ ናይ ምርዳእ ክእለት—ብኸመይ ኢና ‘ክንጽውዓ’ እንኽእል፧ ርግጽ ኢዩ ዕድመን ተመክሮን ዝበለጸ ኣእምሮ ከነጥሪ ክሕግዘና ዝኽእል ረቛሒታት እኳ እንተዀነ ምሉእ ብምሉእ ኣብኡ ጥራይ እተመርኰሰ ኢዩ ማለት ግን ኣይኰነን። (እዮብ 12:12፣ 32:6-12) እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ትእዛዛትካ [ናይ የሆዋ] ሐልየ እየ እሞ: ሓለፋ እቶም ሽማግሌታት ኣእምሮ አሎኒ” በለ። ወሲኹ እውን “ምኽፋት ቃልካ የብርህ: ንገርህታት ኣእምሮ ይህብ” ብምባል ዘመረ። (መዝሙር 119:100, 130) የሆዋ “ጥንታዊ ዝመዓልቱ” ኢዩ: ኣእምሮኡ ምስ ናይ ደቅሰብ ክወዳደር ከሎ ኸኣ ብጸብለልትነቱ ደረት የብሉን። (ዳንኤል 7:13) ኣምላኽ ንሓደ ተመክሮ ዘይብሉ ሰብ ካብቶም ብዕድመ ዝዓብይዎ እውን ከይተረፈ ጸብለል ከብሎ ዝኽእል ኣእምሮ ክህቦ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ነቲ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕን ኣብ ግብሪ ንምውዓሉን ትጉሃት ክንከውን ኣሎና።
ኣብተን ቀዳሞት ቍጽርታት ናይ ምሳሌ ምዕራፍ ክልተ: እታ ብተደጋጋሚ “እንተ” ተባሂላ ዘላ ቃል ከም እኒ “ተቐበልካዮ:” “አርነብካዮ:” “ጸዋዕካያ:” “ኣድሄኻያ:” “ደሌኻያ” ብዝብል መግለጺታት ተሰንያ ኣላ። እቲ ጸሓፊ ነዘን ዝያዳ ጻዕቒ ከም ዘድሊ ዘርእያ መግለጺታት እተጠቕመ ስለምንታይ ኢዩ፧ ሓደ ናይ መወከሲ ጽሑፍ “[ኣብዚ] እቲ ብልሂ ደድሕሪ ጥበብ ንምስዓብ ትግሃት ከም ዘድሊ ኢዩ ዘጕልሕ ዘሎ” ይብል። እወ: ደድሕሪ ጥበብ ከምኡውን ደድሕሪ እቲ ምስኣ እተተሓሐዘ ባህርያት ማለት ምስትውዓልን ኣእምሮን ተጊህና ክንስዕብ ኣሎና።
ክትጽዕር ዲኻ፧
ደድሕሪ ጥበብ ንምስዓብ ዝሕግዘና ቀንዲ ረቛሒ ትግሃት ዝመልኦ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ምግባር ኢዩ። እዚ መጽናዕቲ እዚ ግን ሓበሬታ ንምርካብ ኢልካ ካብ ምንባብ ንላዕሊ ክኸውን ኣለዎ። ብዛዕባ እቲ እነንብቦ ብዕላማ ምስትንታን ቀንዲ ክፍሊ መጽናዕቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ኢዩ። ጥበብን ምስትውዓልን ምጥራይ ነቲ እተማሃርናዮ ነገራት ግድላት ኣብ ምፍታሕን ውሳነታት ኣብ ምግባርን ብኸመይ ክንጥቀመሉ ከም እንኽእል ምስትንታን እውን ዘጠቓልል ኢዩ። ኣእምሮ ምጥራይ ክበሃል ከሎ ኸኣ እቲ ሓድሽ ትምህርቲ ምስቲ ድሮ እንፈልጦ ብኸመይ ከም ዝተሓሓዝ ምስትንታን ዝሓትት ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምስትንታን ዘለዎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግዜን ብርቱዕ ጻዕርን ከም ዝሓትት ዝኽሕድ መን ኢዩ፧ እቲ ዝሓቶ ግዜን ጻዕርን ምስቲ ‘ብሩር ንምድላይን ሕቡእ መዝገብ ሃለው ንምባልን’ ዝጠፍእ ግዜን ጻዕርን ተመሳሳሊ ኢዩ። እሞኸ እቲ ዝድለ ጻዕሪ ክትገብርዶ ኢኻ፧ ከምኡ ንምግባር ‘ግዜ ክትዕድግዶ’ ኢኻ፧—ኤፌሶን 5:15, 16
ብቕኑዕ ልቢ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣዕሚቝና ንዅዕቶ እንተድኣ ዄንና ከመይ ዝበለ ዓቢ መዝገብ ከም ዝጽበየና እሞ ሕስብ ኣብሎ። እወ: “ፍልጠት እግዚኣብሄር” ማለት እቲ ጥዑይን ድልዱልን ህይወት ዝህብን ፍልጠት ፈጣሪና ክንረክብ ንኽእል ኢና! (ዮሃንስ 17:3) ካልእ እንረኽቦ መዝገብ ከኣ “ፍርሃት እግዚኣብሄር” ኢዩ። እዚ ኸምዚ ዝበለ ብዛዕብኡ ዘሎና ኣኽብሮታዊ ፍርሂ ኣየ ክንደይ ጠቓሚ ኰን ኢዩ! እዚ ከይነጕህዮ ዝብል ጥዑይ ፍርሂ ኣብ ኵሉ እቲ እንገብሮ ተግባራት መንፈሳዊ ትርጕም ብምሃብ ንዅሉ መዳያት ናብራና ኽቈጻጸሮ ይግባእ።—መክብብ 12:13
መንፈሳዊ መዝገብ ናይ ምድላይን ምዅዓትን ዓሚቝ ባህጊ ኣብ ውሽጥና ክጐሃሃር ኣለዎ። ኣብቲ እንገብሮ ምዅዓት ምእንቲ ክሰልጠና የሆዋ ብሉጽ ናይ መዅዓቲ መሳርሒታት ኣዳልዩልና ኣሎ። እዚ ኸኣ እተን እዋናውያን መጽሔታት ሓቂ ዝዀና ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ብተወሳኺ እውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ካልእ ጽሑፋት ዘጠቓለለ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:45-47) ብዛዕባ ቃሉን መገድታቱን ትምህርቲ ምእንቲ ክንረክብ የሆዋ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እውን ኣዳልዩልና ኣሎ። ኣብዚ ኣኼባታት እዚ ስርዓታውያን ኴንካ ክንእከብ: ነቲ ዝበሃል ጽን ኢልና ክንሰምዕ: ነቲ ቀንዲ ሓሳባት ንኸነቕልበሉን ንኽንዝክሮን ጻዕሪ ክንገብር: ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ኣዕሚቝና ክንሓስበሉ ይግብኣና።—እብራውያን 10:24, 25
ጻዕርኻ ከንቱ ኣይክኸውንን ኢዩ
እተቐብረ ኣዕናቝ: ወርቂ: ወይ ብሩር ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ መብዛሕትኡ ግዜ ትርፉ ድኻም ጥራይ ኢዩ ዝኸውን። መንፈሳዊ መዝገብ ንምርካብ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ግን እዚ ኸጋጥም የብሉን። ስለምንታይ ኢዩ ከጋጥም ዘይብሉ፧ ሰሎሞን ከምዚ ብምባል የረጋግጸልና:- “እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ እዩ እሞ: ፍልጠትን ምስትውዓልን ካብ ኣፉ እየን ዚወጻ።”—ምሳሌ 2:6
ንጉስ ሰሎሞን ብጥበቡ ውሩይ ኢዩ ነይሩ። (1 ነገስት 4:30-32) ብዛዕባ ኣትክልቲ: እንስሳታት: ባህርያት ወድሰብ: ከምኡውን ቃል ኣምላኽ ዝኣመሰለ እተፈላለየ ኣርእስትታት ፍልጠት ከም ዝነበሮ ቅዱሳት ጽሑፋት ይገልጽ ኢዩ። ክልተ ኣንስቲ ንሓደ ቈልዓ ናተይ ኢዩ ናተይ እባ ብምባል ምስ ተባእሳ መንእሰይ ንጉስ ክነሱ ነቲ ጕዳይ ንምፍታሕ እተጠቕመሉ ምስትውዓል ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ከም ዝረክብ ገይርዎ ኢዩ። (1 ነገስት 3:16-28) እዚ ዓቢ ፍልጠት እዚ ካበይ ኢዩ ረኺብዎ፧ ሰሎሞን “ጥበብን ፍልጠትን” ከምኡውን ‘ኣብ መንጎ ጽቡቕን ክፉእን ናይ ምፍላይ’ ክእለት ክወሃቦ ናብ የሆዋ ጸልዩ ነበረ። የሆዋ ኸኣ ሃቦ።—2 ዜና መዋእል 1:10-12፣ 1 ነገስት 3:9
ንሕናውን ብትግሃት ቃሉ ከነጽንዕ ከሎና ሓገዝ ንኽንረክብ ናብ የሆዋ ክንጽሊ ይግብኣና። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ዎ እግዚኣብሄር: ብሓቅኻ ምእንቲ ኽመላለስ: መገድኻ ምሀረኒ: ስምካ ኽፈርህሲ: ንልበይ ኣዳልዎ” ብምባል ጸለየ። (መዝሙር 86:11) የሆዋ ነቲ ጸሎት እቲ ስለ ዝሰመሮ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝምዝገብ ገይርዎ ኣሎ። ንሕናውን ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መንፈሳዊ መዝገብ ንምርካብ ሓገዙ ክህበና ኢልና ብዘይምቍራጽ እንገብሮ ልባዊ ጸሎት ከይተመለሰ ከም ዘይተርፍ ምሉእ ብምሉእ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።—ሉቃስ 18:1-8
ሰሎሞን ከምዚ ብምባል ይሕብር:- “ንመገዲ ቕንዕና ኼዕቍባ: ንመገዲ እቶም ቅዱሳኑ ኸኣ ኪሕልዋስ: ነቶም ቅኑዓት ደሓን ይእርንበሎም: ብዘይ ጽያፍ ንዚመላለሱ ኸኣ ዋልታኦም እዩ። ሽዑ ጽድቅን ፍርድን ቅንዕናን: ኤረ ዅሉ ሰናይ መገዲ ኸተስተውዕል ኢኻ።” (ምሳሌ 2:7-9) እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ መረጋገጺ ኰን ኢዩ! የሆዋ ነቶም ናይ ሓቂ ጥበብ ክረኽቡ ካብ ልቢ ዝደልዩ ሰባት ይህቦም ጥራይ ዘይኰነስ: ናይ ሓቂ ጥበብ ስለ ዘንጸባርቑን ምስቲ ጽድቃዊ ስርዓታቱ ብተኣማንነት ጠቢቖም ስለ ዝመላለሱን ነቶም ቅኑዓት ዋልታኦም ኢዩ። ንሕናውን ኣብ መንጎ እቶም የሆዋ “ዅሉ ሰናይ መገዲ” ንኽርድኡ ዝሕግዞም ሰባት እንኸውን ይግበረና።
“ፍልጠት ከኣ ንነፍስኻ ባህ ኬብላ እዩ”
እቲ ጥበብ ንምድላይ ዘድሊ ቀንዲ ብቕዓት ዝዀነ ብሕታዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ንብዙሓት ሰባት ባህ የብሎም ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ንኣብነት ወዲ 58 ዓመት ላውረንስ “ኵሉ ግዜ ሓርኰትኰት ክብል ስለ ዝውዕል: መጽናዕቲ ይኸብደኒ ኢዩ” በለ። ተማሃራይ ከሎ መጽናዕቲ ዘይፈቱ ዝነበረ ወዲ 24 ዓመት ማይክል ድማ “ኰፍ ኢለ ንኸጽንዕ ገዛእ ርእሰይ ከገድድ ነበረኒ” ይብል። ይኹን እምበር ናይ ምጽናዕ ባህጊ ክዅስኰስ ይከኣል ኢዩ።
ማይክል ዝገበሮ ንርአ። ከምዚ በለ:- “መዓልቲ መዓልቲ ፍርቂ ሰዓት ንኸጽንዕ ገዛእ ርእሰይ እቐጽዕ ነበርኩ። ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ኸኣ ውጽኢቱ ኣብ ጠባየይ: ኣብቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዝህቦ መልሲ: ከምኡውን ኣብቲ ምስ ካልኦት ሰባት ዝገብሮ ዝርርብ ክርእዮ ክኢለ ኢየ። ሕጂ ነቲ መጽናዕቲ ዝገብረሉ ግዜ ብሃንቀውታ ኢየ ዝጽበዮ: ዝዀነ ይኹን ነገር ክሓናዅለኒ ኸኣ ኣይደልን ኢየ።” እወ: ነቲ ዝገበርናዮ ዕቤት ምስ ረአና ብሕታዊ መጽናዕቲ መወዳእትኡ ዘሐጕስ ኰይኑ ኢዩ ዝርከብ። ላውረንስ እውን ብትግሃት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ክኢሉ ኢየ: ድሕሪ ገለ ግዜ ኸኣ ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሽማግለ ኰይኑ ከገልግል ከኣለ።
ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ዘሐጕስ ንምግባሩ ዘየቋርጽ ጻዕሪ ይሓትት። ይኹን እምበር: ዓቢ ረብሓ ኢዩ ዘለዎ። ሰሎሞን ከምዚ በለ:- “ጥበብ ናብ ልብኻ ኽትአቱ እያ: ፍልጠት ከኣ ንነፍስኻ ባህ ኬብላ እዩ እሞ: . . . ምኽሪ ኽትሕልወካ: ምስትውዓል ከኣ ከተዕቍበካ እያ።”—ምሳሌ 2:10, 11
‘ካብ ክፉእ መገዲ ከተናግፈካ’
ጥበብ: ፍልጠት: ክእለት ኣተሓሳስባ: ምስትውዓል ብኸመይ ኢዩ ዕቝባ ክኸውን ዝኽእል፧ “ካብ ክፉእ መገዲ: ካብቶም ቄናን ዚዛረቡ ሰባት ከተናግፈካስ” ይብል ሰሎሞን። ወሲኹ ድማ “ንሳቶም ብመገዲ ጸልማት ምእንቲ ኺመላለሱስ: ንመገዲ ቕንዕና ይሐድግዋ: ንሳቶም ክፉእ ብምግባር ይሕጐሱ: ብቔናን ነገርውን ባህ ይብሎም። ንሳቶም ኣብ መገድታቶም ይጠዋወዩ: ቄናን መገድታት ከኣ ይኽተሉ” ይብል።—ምሳሌ 2:12-15
እወ: እቶም ንናይ ሓቂ ጥበብ ኣኽቢሮም ዝርእዩ ሰባት ንሓደ ‘ቄናን’ ማለት ኣንጻር ሓቅን ቅንዕናን ‘ዝዛረብ’ ሰብ ኣይሓብርዎን ኢዮም። ክእለት ኣተሓሳስባን ምስትውዓልን ካብቶም ብጸልማት ምእንቲ ክመላለሱ ንሓቂ ዝነጽግዋ ሰባትን ካብቶም ክፉእ ተግባራት ብምግባር ዝሕጐሱ እኩያትን የዕቍባ ኢየን።—ምሳሌ 3:32
ናይ ሓቂ ጥበብን ካልእ ምስኡ እተተሓሓዘ ባህርያትን ካብቲ ክፉእ መገዲ ናይቶም ብዘይስነ-ምግባር ዝመላለሱ ሰብኡትን ኣንስትን ዘዕቍበና ብምዃኑ እውን ክንደይ ኰን ኢና ከነመስግን ዝግብኣና! ሰሎሞን ወሲኹ ብዛዕባ እዚ ባህርያት እዚ ክዛረብ ከሎ “ካብታ ንፈታዊ ንእስነታ ዝሐደገቶ: ንኺዳን ኣምላኻውን ዝረስዓቶ ዘማዊት [“ጋሻ:” NW ] ሰበይቲ: ካብታ ልዙብ ዝቓላ ኣመንዝራ [ከናግፈካ ኢዩ ]። ቤታ ናብ ሞት: መገዳ ኸኣ ናብ ምዉታት ዜንቈልቍል እዩ እሞ: ካብቶም ናብኣ ዚአትዉ ሓደ እኳ ዚምለስ የልቦን: ንመገዲ ህይወትውን ኣይረኽብዋን እዮም” ይብል።—ምሳሌ 2:16-19
እዛ “ኣመንዝራ” እዚኣ: “ንፈታዊ ንእስነታ”—ምናልባት ሒማኣ ክኸውን ይኽእል—ዝገደፈቶ ሰበይቲ ተባሂላ ኣላ።a (ምስ ሚልክያስ 2:14 ኣረኣእዮ።) ነቲ ክፍሊ ሕጊ ኪዳን ዝነበረ ዝሙት ዝኽልክል ሕጊ ረሲዓቶ ኢያ። (ዘጸኣት 20:14) መገድታታ ናብ ሞት ኢየን ዝመርሓ። እቶም ምስኣ ዝሓብሩ ኸኣ ውዒሎም ሓዲሮም ክምለስሉ ኣብ ዘይክእሉ ኵነታት ማለት ኣብቲ ትንሳኤ ዘይረኽብሉ ሞት ክበጽሑ ስለ ዝኽእሉ “ንመገዲ ህይወትውን ኣይረኽብዋን እዮም።” ሓደ ምስትውዓልን ክእለት ኣተሓሳስባን ዘለዎ ሰብ ነቲ ናይ ዘይስነ-ምግባራውነት መስድዒታት ስለ ዘስተብህለሉ ብእኡ ከይፍንጠር ብጥበብ ኢዩ ዝኣልዮ።
‘እቶም ቅኑዓት ኣብ ምድሪ ክነብሩ ኢዮም’
ሰሎሞን ንዕላማ ናይቲ ብዛዕባ ጥበብ ዝሃቦ ምኽሪ ኣጠቓልል ኣቢሉ ክገልጽ ከሎ ‘ኣብ መገዲ ሰናያት ክትመላለስ: ንመገዲ ጻድቃንውን ክትሕልዋ ኢኻ ’ በለ። (ምሳሌ 2:20) ጥበብ ኣየ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ጥቕሚ ኰን ኢዩ ዘለዋ! ስምረት ኣምላኽ ዘለዎ ዘሐጕስን ዘዕግብን ናብራ ክንነብር የኽእለና።
ነቶም ‘ብመገዲ ሰናያት ዝመላለሱ’ ሰባት ተነቢሩሎም ዘሎ ዓበይቲ በረኸታት እውን ሕስብ እሞ ኣብሎ። ሰሎሞን ከምዚ ይብል:- “እቶም ቅኑዓት ኣብ ምድሪ እዮም ዚነብሩ እቶም ፍጹማት ከኣ ኣብኣ እዮም ዚተርፉ: . . . ረሲኣን ግና ካብ ምድሪ ኺጸንቱ: እቶም ጠለምቲ ኸኣ ካብኣ ኺምንቈሱ እዮም።” (ምሳሌ 2:21, 22) ንስኻ እውን ኣብ መንጎ እቶም ንዘለኣለም ኣብቲ ጽድቂ ዝሰፈኖ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ዝነብሩ መንቅብ ዘይብሎም ሰባት እትኸውን ይግበርካ።—2 ጴጥሮስ 3:13
[እግረ-ጽሑፍ]
a እታ ኣብ ናይ እንግሊዝኛ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ዘላ “ጋሻ” እትብል ቃል ነቶም ምስቲ ሕጊ ተሰማሚዖም ብዘይምኻዶም ካብ የሆዋ ዝረሓቑ ሰባት እተመልክት ኢያ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ እታ ግድን መጻእተኛ ዘይኰነት ኣመንዝራ “ጋሻ ሰበይቲ” ተባሂላ ዘላ።
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ሰሎሞን ጥበብ ክወሃቦ ጸልዩ ኢዩ። ንሕናውን ከምኡ ክንገብር ይግብኣና