-
ንዘመናዊ ናብራ ዝኸውን ተግባራዊ መጽሓፍንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ
-
-
እንተዀነ ግን: ናይ ወለዲ ስልጣን—“ሸቦጥ መቕጻዕቲ”—ፈጺሙ ሃሳዪ ክኸውን ኣይግባእን።b (ምሳሌ 22:15፣ 29:15) መጽሓፍ ቅዱስ ንወለዲ “ሕልንኦም ምእንቲ ከይዓርብ: ንደቅኹም ካብ መጠን ንላዕሊ ኣይትኣርምዎም” ብምባል የጠንቅቖም። (ቈሎሴ 3:21 ፊሊፕስ [እንግሊዝኛ]) መቕጻዕቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣስላጢ መምሃሪ መገዲ ከም ዘይኰነ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ኣፍልጦ ይህብ ኢዩ። ምሳሌ 17:10 “ካብ ሚእቲ ግርፋት ንዓሻስ: ተግሳጽ ንለባም ኣዕሚቑ ይአትዎ” ትብል። ኣብ ርእሲ እዚ: መጽሓፍ ቅዱስ መከላኸሊ ዝኸውን ተግሳጽ ምሃብ ጽቡቕ ምዃኑ እውን ይዛረብ ኢዩ። ኣብ ዘዳግም 11:19 ወለዲ ንዝረኽብዎ ኣጋጣሚታት ኣብ ደቆም ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ንምስራጽ ክጥቀምሉ የተባብዕ ኢዩ።—ዘዳግም 6:6, 7
-
-
ንዘመናዊ ናብራ ዝኸውን ተግባራዊ መጽሓፍንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ
-
-
b ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ: እታ “ሸቦጥ” (እብራይስጢ ሸ ʹቨት) እትብል ቃል: ከምቲ ጓሳ ዝጥቀመሉ “ስላዕ” ወይ “በትሪ” ማለት ኢያ።10 ኣብዚ ትሕዝቶ እዚ እታ ናይ ስልጣን ሸቦጥ ንሓደ ሕማቕ ዝዀነ ጭከና ዘይኰነስ ፍቕራዊ መምርሒ እተስምዕ ኢያ።—ምስ መዝሙር 23:4 ኣረኣእዮ።
-