ኡጋሪት ብኣምልኾ በዓል—እተዓብለለት ጥንታዊት ከተማ
ብ1928 ሓደ ሶርያዊ ሓረስታይ እናሓረሰ ኸሎ: ማሕረሻኡ ብሓደ እምኒ ተቐርቀረ። እቲ እምኒ ድማ ጥንታዊ ስርሓት ካይላ ንዝሓዘ መቓብር ከዲኑ ነበረ። እቲ ዝረኸቦ ነገር ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣይፈለጠን ነይሩ። ብክሎድ ሸፌር ዝምራሕ ሓደ ናይ ፈረንሳውያን ጕጅለ ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ድሕሪ ምስማዕ: ንዓመታኡ ናብቲ ኸባቢ ኸደ።
ነዊሕ ከይጸንሐ ንእንታይነት እቲ ዅዒቶም ዘውጽእዎ ዝነበሩ ዑናታት ዝሕብር ጽሑፍ ረኸቡ። ኡጋሪት እትበሃል “ሓንቲ ኻብተን ኣዝየን ኣገደስቲ ዝዀና ኣብ ቀረባ ምብራቕ ዝነበራ ጥንታዎት ከተማታት” እያ ነይራ። ባሪ ሆበርማን ዝበሃል ጸሓፊ እሞ ኸኣ “ካልእ ስነ-ጥንታዊ ርኽበት: አረ እቲ ናይ ምዉት ባሕሪ ጥቕላላት እውን ከይተረፈ: ኣብቲ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ምርዳእ ካብዚ ዝዛይድ ጽልዋ የብሉን” በለ።—ዘ ኣትላንቲክ ማንዝሊ
ኣብ መራኽቦ
ኡጋሪት ኣብቲ ሕጂ ራስ ሻምራ ዝበሃል ኣብ ሰሜናዊ ሶርያ ዝርከብ ገማግም መዲተራነያን እተደኰነት ኰይና: ኣብ ካልኣይ መዋእል ቅ.ኣ.ዘ. እናበልጸገት እትኸይድ ዝነበረት ሰፋሕ ከተማ እያ ነይራ። እቲ ግዝኣታ ብሰሜን ካብ ከረን ካሲየስ ክሳዕ ብደቡብ ተል ሱካስ 60 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ክኸውን ከሎ: ብምዕራብ ካብ መዲተራነያን ክሳዕ ብምብራቕ ስንጭሮ ኦሮንተዝ ካብ 30 ክሳዕ 50 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ዝኸውን ነበረ።
ኡጋሪት ማእከላይ ክሊማ ስለ ዝነበራ: ብዙሓት ማል ነበራኣ። ኣብቲ ኸባቢ እኽሊ: ዘይቲ ኣውሊዕ: ወይኒ ይፈሪ ነበረ: እቲ ኣብ መሶጶጣምያን ግብጽን ዘይርከብ ዝነበረ ዕንጸይቲ ኸኣ ኣብኡ ይርከብ ነበረ። ኣብ ርእሲ እዚ እታ ኸተማ ኣብ መራኽቦ ስትራተጅያዊ መስመር ንግዲ ትርከብ ብምንባራ: ዓባይ ኣህጉራዊት ወደብ ከም እትኸውን ገይርዋ ነበረ። ካብ ኤጅያን: ኣናቶልያ: ባቢሎን: ግብጺ: ከምኡውን ካብ ካልእ ክፋል ማእከላይ ምብራቕ እተኣኻኸቡ ነጋዶ ኣብ ኡጋሪት በብዓይነቱ ብረትን ፍርያት ሕርሻን ኣብቲ ኸባቢ ዝፈሪ ነገራትን ይነግዱ ነበሩ።
ኡጋሪት እዚ ዅሉ ሃብቲ እናሃለዋ ኽነሳ: ወትሩ ብኻልእ መንግስቲ ትግዛእ ነበረት። እታ ኸተማ ኣብ መበል 14 ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሔታውያን ክሳዕ እትኣቱ: ሰሜናዊ ጫፍ ግዝኣት ግብጺ ነበረት። ኡጋሪት ግብሪ ኽትግብርን ንገዛእታ ወተሃደራት ክትልእኽን ትግደድ ነበረት። “ሰብ ባሕሪ”a ንኣናቶሊያ (ማእከላይ ቱርኪ) ከምኡውን ንሰሜናዊ ሶርያ ምስ ዘረፉ: ሔታውያን ንወተሃደራትን መራኽብን ኡጋሪት ስጕምቲ ኽወስዱ ሓተትዎም። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ እታ ኸተማ ንባዕላ መከላኸሊ ዘይብላ ዀነት: ብ1200 ቅ.ኣ.ዘ. ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ዓነወት።
ንሕሉፍ ታሪኽ ምብርባሩ
ኣብቲ ኡጋሪት ዝነበረትሉ ቦታ ዳርጋ 20 ሜትሮ ዝቝመቱ: 25 ሄክታር ድማ ዝሽፍን ኵምራ ሓመድ ኣሎ። ክሳዕ ሕጂ ሻድሻይ ኣፍ ናይዚ ጥራይ እዩ ተዃዒቱ ዘሎ። ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ኣብቲ ዑናታት: 10,000 ትርብዒት ሜተር ዝሽፍን ዳርጋ ሚእቲ ዝኸውን ክፍልታትን ሓያሎ ኣጸዳትን ዘለዎ ዓብዪ ቤተ-መንግስቲ ረኺቦም ኣለዉ። እዚ ህንጻ እዚ ቡምባ: ሽቓቕ: ከምኡውን ረሳሕ ፈሳሲ ዝኸደሉ ትቦ ነበሮ። እቲ ኣቝሑት ብወርቂ: ብኽቡር እምኒ: ከምኡውን ብስኒ ሓርማዝ እተሰለመ ነበረ። ብእተሓላለኸ መገዲ እተቐርጸ ስኒ ሓርማዝ እውን ኣብኡ ተረኺቡ እዩ። ብመንደቕ እተሓጽረ ስፍራ ኣታኽልትን ኣብ ማእከሉ እተሰርሐ ጋብላን ከኣ ነቲ ቦታ ጽባቐ ይውስኸሉ ነበረ።
እታ ኸተማን እቲ ኣብ ከባቢኣ ዝርከብ ጐልጐልን ብናይ በዓልን ዳጋንን ኣብያተ-መቕደስ እተዓብለለ እዩ ነይሩ።b እቲ ቝመቱ ምናልባት 20 ሜትሮ ኣቢሉ ዝኸውን ህንጻታት ኣብያተ-መቕደስ ናብቲ ምስሊ ናይቶም ኣማልኽቲ ዝቕመጠሉ ውሽጣዊ ኽፍሊ ዝመርሕ ንእሽቶ ገበላ ዝሓዘ እዩ። ናብቲ እቲ ንጉስ ኣብ እተፈላለየ ጽምብላት ኮፍ ዝብለሉ በሪኽ ቦታ ዝመርሕ መደያይቦ እውን ነበሮ። ለይቲ ለይቲ ወይ ማዕበል ኣብ ዝለዓለሉ እዋን: ንመራኽብ ናብቲ ወደብ ብደሓን ምእንቲ ኽኣትዋ ኣብ ጫፍ እቲ ኣብያተ-መቕደስ መብራህቲ ይበርህ ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ናይ ማዕበል ኣምላኽ ዝበሃል በዓል-ሃዳድ እተረኽበ 17 ብእምኒ እተሰርሐ መልህቅ: ብሰላም እተመልሱ ባሕረኛታት መብጽዓኦም ንምፍጻም ዝኸፈልዎ ክኸውን ኣለዎ።
ክቡር ጽሑፋት ተረኽበ
ኣብ ብምሉኡ ዑናታት ኡጋሪት በሽሓት ዝቝጸር ብካይላ እተሰርሐ ጽላት ተረኺቡ እዩ። ቍጠባዊ: ሕጋዊ: ዲፕሎማስያዊ: ከምኡውን ምምሕዳራዊ ጽሑፋት ብሸሞንተ ቛንቋታት ኣብ ሓሙሽተ ጽሑፋት ተረኺቡ እዩ። ሸፌር ዝመርሖ ጕጅለ ስሉስ ኵርናዕ ቅርጺ ብዘለዎ 30 ፊደላት እተጻሕፈ ኽሳዕ ሕጂ ናይ ዘይፍለጥ ቋንቋ ጽሑፋት ረኸበ: እዚ ፊደላት እዚ ኽሳዕ ሕጂ ኻብ እተረኽቡ ብጥንታውነቱ ቐዳማይ ቦታ ኻብ ዝሓዙ ሓደ ዀይኑ እቲ ቛንቋ ኸኣ ኡጋሪታዊ ተባህለ።
እቲ ኡጋሪታዊ ሰነዳት ኣብ ርእሲ መዓልታዊ ንጥፈታት ዝገልጽ ጽሑፋት: ጥንታዊ ሃይማኖታዊ ኣተሓሳስባን ልምድታትን ከመይ ከም ዝነበረ ከርኢ ዝኽእል ስነ-ጽሑፋት ይርከቦ። ሃይማኖት ኡጋሪት ምስቶም ኣብ ጐረቤቶም ዝነበሩ ከነኣናውያን ዝስዕብዎ ሃይማኖት ኣጸቢቑ ዝመሳሰል ዝነበረ እዩ ዝመስል። ከም ኣበሃህላ ሮላንድ ደ ቮ እዚ ጽሑፋት እዚ “እስራኤላውያን ንምድሪ ኸነኣን ቅድሚ ምውራሮም ኣብታ ሃገር ንዝነበረ ስልጣነ ብልክዕ ዘንጸባርቕ” እዩ።
ኣብ ከተማ በዓል ዝነበረ ሃይማኖት
ኣብ ጽሑፋት ራስ ሻምራ ልዕሊ 200 ተባዕታይን ኣንስታይን ኣማልኽቲ ተጠቒሶም ኣለዉ። እቲ ኸም ዝለዓለ ኣምላኽ ጌርካ ዝርአ ኢል ክኸውን ከሎ: ኣቦ ኣማልኽትን ሰባትን ተባሂሉ ድማ ይጽዋዕ። እቲ ኣምላኽ ማዕበል ዝበሃል በዓል-ሃዳድ ከኣ “ተወጣሒ ደመናታት” ከምኡውን “ጐይታ ምድሪ” ይበሃል። ኢል ካብ ወድሰብ ዝረሓቐ ጥበበኛን ሸያብ ጭሕሚ ዘለዎን ኣረጊት ሰብኣይ ጌርካ ይግለጽ። በዓል ከኣ ንኣማልኽትን ደቅሰብን ክገዝእ ዝደሊ ሓያልን ህሩፍን ኣምላኽ ጌርካ ይግለጽ።
እቲ እተረኽበ ጽሑፋት ኣብ ከም ሓድሽ ዓመት ወይ ኣብ እዋን ቀውዒ ኣብ ዝግበር ሃይማኖታዊ በዓላት ዝድገም ዝነበረ ክኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: እቲ ቕኑዕ ትርጕሙ ንጹር ኣይኰነን። ገዛኢ ብዛዕባ ምዃን ንእተላዕለ ባእሲ ዝገልጽ ሓደ ግጥሚ: በዓል ነቲ ኢል ዝፈትዎ ወዱ ዝዀነ ያም ዝበሃል ናይ ባሕሪ ኣምላኽ ከም ዝሰዓሮ ይገልጽ። እዚ ዓወት እዚ ምናልባት ንባሕረኛታት ኡጋሪት እቲ በዓል ዝበሃል ኣምላኽ ኣብ ባሕሪ እውን ከም ዘዕቍቦም ምትእምማን ኣሕዲሩሎም ክኸውን ይኽእል እዩ። በዓል ምስ “ሞት” ዝበሃል ኣምላኽ ኣብ ዝገበሮ ቓልሲ ግን ተሳዕረ: ናብ ትሕቲ ምድሪ ኸኣ ኣተወ። በዚ ምኽንያት እዚ ድርቂ መጸ: ሰባት ዝገብርዎ ንጥፈታት ከኣ ኣቋረጸ። እታ ንበዓል ሰበይቱን ሓብቱን ዝዀነት ናይ ፍቕርን ውግእን ኣምላኽ እትበሃል ኣናት ንሞት ቀቲላ ንበዓል ህያው ገበረቶ። ድሕርዚ በዓል ንደቂ ኣዚራት (ኣሸራህ) እትበሃል ሰበይቲ ኢል ኣጽነቶም: ናብ ዙፋኑ ኸኣ ተመልሰ። ሞት ግን ሸውዓት ዓመት ጸኒሑ ተመልሰ።
ገሊኣቶም ነዚ ግጥሚ እዚ ምልክት እቲ ህይወት ዝህብ ዝናም ብዘንድድ ዋዒ ሓጋይ ዝትከኣሉን ናብ ቀውዒ ዝምለሰሉን ዓመታዊ ዑደት ወቕትታት ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዝትርጕምዎ። ገሊኣቶም ከኣ እቲ ሸውዓተ ዓመት ዝወስድ ዑደት ንፍርሂ ጥሜትን ድርቅን ከም ዘመልክት ይገልጹ። በዚ ዀነ በቲ ጻዕርታት ሰባት ኣሳልጦ ንኽረክብ በዓል ካብ ካልኦት ክበልጽ ከም ዘድሊ ይውሰድ ነበረ። ፒተር ክራጊ ዝበሃል ምሁር “ዕላማ ሃይማኖት በዓል ንልዕልናኡ ዘተኣማምን ምግባር እዩ ነይሩ፣ እቶም ኣምለኽቱ: በዓል ዝለዓለ ዀይኑ ምስ ዝቕጽል ጥራይ እዩ እቲ ንህላወ ወድሰብ ኣድላዪ ዝዀነ እኽልን ከብትን ዝቕጽል ኢሎም ይኣምኑ ነበሩ” በለ።
ካብ ኣረማውነት ዝከላኸል ዕርዲ
ኣብቲ ብዅዕታ እተረኽበ ጽሑፋት እቲ ናይ ኡጋሪታውያን ሃይማኖት ብልሹው ምንባሩ ንጹር ኰይኑ እዩ። ዘ ኢላስትሬትድ ባይብል ዲክሸነሪ “እቲ ጽሑፋት እዞም ኣማልኽቲ እዚኣቶም ኣትኵሮኦም ኣብ ውግእ: ቅዱስ ምንዝር: ከምኡውን ኣብ ጾታዊ ርክብ እተመስረተ ፍቕሪ ብምንባሩ ኣምልኾኦም ሕሱር ከም ዝነበረ: እዚ ድማ ማሕበራዊ ብልሽውና ከም ዘስዓበ እዩ ዘርኢ” በለት። ደ ቮ እውን “ነዚ ግጥምታት እዚ ምስ ኣንበብካ: እቶም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ያህወህን እቶም ዓበይቲ ነብያትን ነዚ ኣምልኾ እዚ ዝነበሮም ክቱር ጽልኢ ኽርድኣካ ይኽእል” በለ። እቲ ኣምላኽ ንጥንታዎት ህዝቢ እስራኤል ዝሃቦም ሕጊ: ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝከላኸል ዕርዲ እዩ ዀይንዎም ነይሩ።
ኣብ ኡጋሪት ጥንቈላን ቈጸራ ከዋኽብትን ሽሕርን ዝውቱር ነበረ። ኣብ ሰማያት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ እተነጸለ ድቂ ከምኡውን ኣብ ውሽጣዊ ኣካላት ናይ እተሓርዱ እንስሳታት እውን ከይተረፈ ምልክታትን ፋልን ክረኽቡ ይጽዕሩ ነበሩ። ዣኵሊን ጋሼት እትበሃል ጸሓፊት ታሪኽ “እቲ ኣብ እዋን ጽምብል መስዋእቲ እንስሳ ዝቐርበሉ ኣምላኽ ምስቲ መስዋእቲ ይሓብር: እቲ መንፈስ ኣምላኽ ከኣ ምስቲ መንፈስ እቲ እንስሳ ይሕወስ ተባሂሉ ይእመን ነበረ” ዝብል ሓሳብ ሃበት። “ከም ውጽኢት ናይዚ: ኣብቲ ውሽጣዊ ኣካላት እቲ እንስሳ ንዝርአ ምልክታት ብምንባብ: ንድሌት ናይቶም ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዝኸውን ወይ ብዛዕባ ኣብ ሓደ ዅነት ክግበር ዘለዎ ነገራት ዝቐርብ ሕቶ ኣወንታዊ ወይ ኣሉታዊ መልሲ ኽህቡ ዝኽእሉ ኣማልኽቲ ብንጹር ክትርድኦ ይከኣል ነበረ።” (ለ ፓዪ ዱጋሪ ኦቱር ደ 1200 ኣቮ ዤዙ ክሪስት) ብኣንጻሩ ግን እስራኤላውያን ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ክርሕቑ ነበሮም።—ዘዳግም 18:9-14
ሕጊ ሙሴ ምስ እንስሳ ዝግበር ጾታዊ ርክብ ብንጹር ይኽልክል ነበረ። (ዘሌዋውያን 18:23) እዚ ተግባር እዚ ኣብ ኡጋሪት ብኸመይ ይርአ ነበረ፧ ኣብቲ እተረኽበ ጽሑፋት በዓል ምስ ኣርሒ ብጾታ ከም እተራኸበ ይገልጽ። ተመራማሪ ስነ-ጥንቲ ሳይረስ ጎርደን “በዓል ነዚ ንምፍጻም ኣርሓ መሲሉ እዩ ቐሪቡ ዝብል መጐተ እንተ ቐሪቡ: ኣብቶም ነቲ ብዛዕባ በዓል ዝገልጽ ጽውጽዋይ ዝደግምዎ ዝነበሩ ኻህናቱ ግን እዚ መጐተ እዚ ኣይዓይን እዩ” በለ።
ንእስራኤላውያን “ብዛዕባ ምዉት ኣብ ስጋኹም ቅርጺ ኣይትግበሩ” ዝብል ትእዛዝ ተዋሂብዎም ነበረ። (ዘሌዋውያን 19:28) ኢል ግን በዓል ምስ ሞተ “ንቘርበቱ ብኻራ ሓረደ: ብመላጸ ገይሩ ኸኣ ጠብሐ፣ ንምዕጕርቱን መንከሱን ድማ ሓረደ።” ንነብስኻ ምትልታል ስርዓት ኣምለኽቲ በዓል እዩ ነይሩ።—1 ነገስት 18:28
ሓደ ኡጋሪታዊ ግጥሚ ንማሕስእ ብጸባ ምብሳል ኣብ ሃይማኖት ከነኣናውያን እተለምደ ናይ ምፍራይ ጽምብል ከም ዝነበረ ዝሕብር እዩ ዝመስል። ንእስራኤላውያን ግን ኣብ ሕጊ ሙሴ “ንማሕስእ ብጸባ ኣዲኡ ኣይተብስል” ዝብል ትእዛዝ ተዋሂብዎም ነበረ።—ዘጸኣት 23:19
ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ክወዳደር ከሎ
ጽሑፋት ኡጋሪት ፈለማ በቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ እብራይስጢ ጌርካ እዩ ተተርጒሙ። ፒተር ክራጊ ከምዚ በለ:- “ኣብ ጽሑፋት እብራይስጢ ትርጕሙ ዘይንጹር: ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ትርጕሙ ዘይፍለጥ ብዙሕ ቃላት ኣሎ፣ ቅድሚ መበል 20 ዘመን ዝነበሩ ተርጐምቲ እንታይ ማለት ክኸውን ከም ዝኽእል ብእተፈላለየ መገድታት ገሚቶም ነይሮም። ገሊኡ ቓላት ኣብ ጽሑፋት ኡጋሪት ምስ ተረኽበ ግን ትርጕሙ ዝያዳ ኽንጽር ከኣለ።
ንኣብነት: ኣብ ኢሳይያስ 3:18 እትርከብ ናይ እብራይስጢ ቓል ብሓፈሻ “መጐልበቢ” ተባሂላ እያ እትትርጐም። ተመሳሳሊት ኡጋሪታዊት ሱር ቃል ንጸሓይን ነታ ናይ ጸሓይ ኣንስተይቲ ኣምላኽን እያ እተመልክት። ስለዚ: እተን ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ ተጠቒሰን ዘለዋ ኣንስቲ የሩሳሌም ንኽብሪ ኣማልኽቲ ከነኣናውያን ንእሽቶ ቅርጺ ጸሓይን “ቅርጺ ወርሕን” (NW) ዘለዎ ስልማት ተሰሊመን ክዀና ይኽእላ እየን።
ኣብ ምሳሌ 26:23 እቲ ናይ ማሶራውያን ጽሑፍ “ርሱን ከናፍርን እኩይ ልብን” “ብዓፍራ ብሩር” ምስ እተለበጠ ኣቕሓ መሬት ተመሳሲሉ ኣሎ። እታ ናይ ኡጋሪት ሱር ቃል “ከም ኣብ ናይ ዕትሮ ገልዒ እተለበጠ” ዝብል ትርጕም እውን ትሕዝ እያ። ስለዚ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ነዛ ምስላ እዚኣ “ርሱን ከናፍርን እኩይ ልብንሲ ከም ኣብ ስባር ኣቕሓ መሬት እተለበጠ ብሩር እዩ” ብምባል ብግቡእ ተርጒማታ ኣላ።
ንመጽሓፍ ቅዱስዶ መሰረት ኰይንዎ እዩ፧
ገሊኣቶም ምሁራት ነቲ ኣብ ራስ ሻምራ እተረኽበ ጽሑፋት ድሕሪ ምምርማር: ገሊኡ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ ኡጋሪታዊ ግጥምታት እተወስደ ኸም ዝዀነ ይዛረቡ እዮም። ኣባል ትካል ፈረንሳ ኣንድረ ካኮ “መሰረት ሃይማኖት እስራኤላውያን እቲ ናይ ከነኣናውያን ባህሊ” ምዃኑ ተዛረበ።
ኣብቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ፖንቲፊካል ቢብሊካል ኢንስቲትዩት ዝዓዪ ሚቸል ዳሁድ ብዛዕባ መዝሙር መበል 29 ከምዚ በለ:- “እዛ መዝሙር እዚኣ እቶም ኣምለኽቲ ያህወህ ካብቲ ቕድሚኦም ከነኣናውያን ነቲ ኣምላኽ ማዕበል ዝበልዎ በዓል ዝዝምርዎ ዝነበሩ መዝሙር እተወስደት እያ። . . . ዳርጋ ዅሉ እቲ ኣብዛ መዝሙር እዚኣ ዘሎ ቓላት: ኣብቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ጽሑፋት ከነኣናውያን ክርከብ ይከኣል እዩ።” እዚ መደምደምታ እዚ ቕኑዕ ድዩ፧ ፈጺሙ ኣይኰነን!
ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ምሁራት እቲ ኣሎ ዝበሃል ምምስሳል ከም እተጋነነ እዮም ኣስተውዒሎም። ገሊኣቶም ከኣ ነቲ ኡጋሪታዊ ባህሊ ንዅሉ መበቈል ኰይንዎ ዝብል ሓሳብ ይነቕፍዎ እዮም። ጋሪ ብራንትሊ ዝበሃል ናይ ሃይማኖት ምሁር “ዋላ ሓደ ጽሑፍ ኡጋሪት ምስ መዝሙር መበል 29 ምሉእ ብምሉእ ኣይመሳሰልን እዩ። . . . መዝሙር መበል 29 (ወይ ዝዀነ ይኹን ካልእ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ) ካብ ናይ ኣረማውያን ጽውጽዋይ እተወስደ እዩ ንዝብል ሓሳብ ዋላ ሓደ መርትዖ የብሉን” በለ።
ኣብ ምሳልያዊ ኣዘራርባ: ኣብ ግጥሚ: ከምኡውን ኣጸሓሕፋ ምምስሳል ምርካብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ካልእ ከም እተወስደ መርትዖ ዝኸውን ድዩ፧ ብኣንጻሩ እኳ ደኣ: ከምዚ ዝኣመሰለ ምምስሳል ትጽቢት ዝግበሮ እዩ። ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ረልጅን ከምዚ ይብል:- “ኣገባብን ትሕዝቶን ክመሳሰል ዝኸኣለ እቲ ባህሊ ስለ ዝመሳሰል እዩ፣ ኣብ መንጎ ኡጋሪትን እስራኤልን ዓብዪ ጂኦግራፍያውን ናይ ናብራን ፍልልይ እኳ እንተ ነበረ: ክልቲኡ ሓደ ኽፋል ናይቲ ብሓባራዊ ናይ ግጥምን ሃይማኖትን ቃላት ዝጽሎ ዓብዪ ባህላዊ ኣካል እዩ ነይሩ።” ስለዚ ድማ ጋሪ ብራንትሊ “ብሰንኪ ምምስሳል ቋንቋ ጥራይ ኣረማዊ እምነታት ምንጪ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝዀነ ጌርካ ምግላጹ ግቡእ ኣይኰነን” ብምባል ዛዘመ።
ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ኣብ መንጎ ጽሑፋት ራስ ሻምራን መጽሓፍ ቅዱስን ዝዀነ ይኹን ምምስሳል እንተ ተረኽበ: ስነ-ጽሑፋዊ ምምስሳል ደኣ እምበር መንፈሳዊ ምምስሳል ከም ዘይኰነ ኽፍለጥ ይግባእ። ተመራማሪ ስነ-ጥንቲ ሳይረስ ጎርደን ‘እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ልዑል ስነ-ምግባር ኣብ ኡጋሪት ኣይርከብን እዩ’ በለ። እወ: እቲ ፍልልያት ካብቲ ምምስሳል ኣጸቢቑ ይበዝሕ።
ኣብ ኡጋሪት እተገብረ መጽናዕቲ: ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ባህላውን ታሪኻውን ሃይማኖታውን ሃዋሁ ናይቲ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስን እብራውያን ብሓፈሻን ዝነበሩሉ እዋን ንኽርድኦም ክሕግዞም ትጽቢት ይግበረሉ እዩ። ብዛዕባ ጽሑፋት ራስ ሻምራ ዝግበር ተወሳኺ ምርምር ኣብቲ ጥንታዊ እብራይስጢ ዘሎና ምርዳእ እውን ከብርሆ ይኽእል ይኸውን። ይኹን እምበር: ልዕሊ ዅሉ እቲ ኣብ ኡጋሪት እተረኽበ ስነ-ጥንታዊ ርኽበታት ነቲ ኣብ መንጎ እቲ ብልሹው ኣምልኾ በዓልን ኣብ መንጎ ጽሩይ ኣምልኾ የሆዋን ዘሎ ፍልልይ እዩ ኣጸቢቑ ዘጕልሕ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a እቶም “ሰብ ባሕሪ” ተባሂሎም ዘለዉ ኣብ ደሴታትን ገማግምን መዲተራነያን ዝነበሩ ባሕረኛታት ብሓፈሻ እዮም። ፍልስጥኤማውያን እውን ካባታቶም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።—ኣሞጽ 9:7 ትርጕም 1990
b ብዛዕባዚ እተፈላለየ ኣረኣእያታት እኳ እንተሎ: ገሊኣቶም ንቤተ መቕደስ ዳጋን: ቤተ መቕደስ ኢል ኢሎም እዮም ዝጽውዕዎ። ፈረንሳዊ ምሁር ከምኡውን ኣብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝርከብ ቤት ትምህርቲ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ፕሮፌሰር ኰይኑ ዝዓዪ ሮላንድ ደ ቮ: ዳጋን ማለት እቲ ኣብ መሳፍንቲ 16:23 ከምኡውን 1 ሳሙኤል 5:1-5 ተጠቒሱ ዘሎ ዳጎን ብሕታዊ ስም ናይ ኢል ምዃኑ ሓሳብ ሂቡ ኣሎ። ዘ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ረሊጅን “ዳጋን ምስ [ኢል] ብገለ ይተሓሓዝ ወይ ይጠቓልል ነይሩ” ክኸውን ከም ዝኽእል ሓሳብ ሃበ። ኣብቲ ኣብ ራስ ሻምራ እተረኽበ ጽሑፋት በዓል ወዲ ዳጋን ተባሂሉ ኣሎ: እታ ኣብዚኣ “ወዲ” ተባሂላ ዘላ ቓል ግን ትርጕማ ብልክዕ ኣይትፍለጠን እያ።
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ኣብ ኡጋሪት እተረኽበ ስነ-ጥንቲ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ንዝነበረና ምርዳእ ወሰኸሉ
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ካርታ/ስእልታት]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
ሃጸያዊ ግዝኣት ሔታውያን ኣብ መበል 14 ዘመን ቅ.ኣ.ዘ.
ባሕሪ መዲተራነያን
ኤፍራጥስ
ከረን ካሲየስ (ጄበል ኢል-ኣግራ)
ኡጋሪት (ራስ ሻምራ)
ተል ሱካስ
ኦሮንተዝ
ሶርያ
ግብጺ
[[ምንጪ ስእሊ]
Statuette of Baal and rhyton in the shape of an animal’s head: Musée du Louvre, Paris; painting of the royal palace: © D. Héron-Hugé pour “Le Monde de la Bible”
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
ዑናታት ኣፍ ደገ ቤተ-መንግስቲ
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ሓደ ኡጋሪታዊ ጽውጽዋያዊ ግጥሚ ነቲ ኣብ ዘጸኣት 23:19 ከይግበር እተኸልከለ ነገር መረዳእታ ይህብ ይኸውን
[[ምንጪ ስእሊ]
Musée du Louvre, Paris
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]
ሓወልቲ በዓል
ሃድን እተሳእሎ ብወርቂ እተሰርሐ ሸሓኒ
እታ ናይ ምፍራይ ኣንስተይቲ ኣምላኽ እተሳእለቶ ብስኒ ሓርማዝ እተሰርሐ መኽደን እንዳ ዅሕሊ
[ምንጪ ስእሊ]
All pictures: Musée du Louvre, Paris