ድኻ ግናኸ ሃብታም ከመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል፧
ነዊሕ ዘበናት ይገብር ሓደ ለባም ሰብኣይ ድኻ ንኸይከውን ለመነ። ስለምንታይ ኢዩ ግን ከምኡ ኢሉ ዝለመነ፧ ምኽንያቱ ድኽነት ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ርክብ ኣብ ስግኣት ከውድቕ ዝኽእል ኣተሓሳስባን ተግባራትን ከየለዓዕለሉ ስለ ዝፈርሀ ኢዩ። እዚ ድማ ካብ ቃላቱ ክርአ ይከኣል ኢዩ:- “ደኽየስ ከይሰርቕ እሞ ስም ኣምላኸይ ከየቃልልሲ: . . . በቲ ዜድልየኒ እንጌራ መግበኒ።” —ምሳሌ 30:8, 9
እዚ ግን ሓደ ድኻ ሰብ ንኣምላኽ ብተኣማንነት ከገልግሎ ኣይክኣልን ኢዩ ማለት ድዩ፧ ፈጺሙ ከምኡ ማለት ኣይኰነን! ኣብዚ ዝሓለፈ ታሪኽ ማእለያ ዘይብሎም ኣገልገልቲ የሆዋ ኣምላኽ: ድኽነት ዘስዕቦ መከራ እናሃለዎም ክነሱ ንጽህንኦም ዓቂቦም ኢዮም። የሆዋ እውን ብግዲኡ: ነቶም ኣብኡ ዝውከሉ የፍቅሮምን የናብሮምን ኢዩ።
ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ሰባት
ሃዋርያ ጳውሎስ ንገዛእ ርእሱ ናይ ሽግር እዋናት ኣሕሊፉ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 6:3, 4) ብዛዕባ እቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ እሙናት “ደበና” መሰኻኽር እውን ገሊጹ ኢዩ: ገለ ካብኣቶም ድማ ‘ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኸዲኖም ዝዞሩ: ዝሰኣኑ ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጕድ ምድርን ኰለል ዝበሉ’ ኢዮም ነይሮም።—እብራውያን 11:37, 38፣ 12:1
ሓደ ካብዞም እሙናት ሰባት እዚኣቶም ኤልያስ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ደርቂ ዝነበረሉ እዋን: የሆዋ ከየቋረጸ ቀሊብዎ ኢዩ። መጀመርታ: ኣምላኽ ኳዃት ነቲ ነብዪ እንጌራን ስጋን ከም ዘምጽእሉ ገበረ። (1 ነገስት 17:2-6) ጸኒሑ: የሆዋ ንሓርጭን ዘይትን ናይታ ንኤልያስ እትምግቦ ዝነበረት መበለት ብተኣምራታዊ መገዲ ንነዊሕ ግዜ ከም ዝጸንሕ ገበሮ። (1 ነገስት 17:8-16) እቲ መግቢ ተራ ዝዓይነቱ እኳ እንተ ነበረ: ነቲ ነብዪ: ነታ ሰበይቲ: ከምኡውን ንውሉዳ ግን ብህይወት ኣጽኒሕዎም ኢዩ።
የሆዋ ብተመሳሳሊ ነቲ እሙን ዝነበረ ኤርምያስ እውን ኣሸጋሪ ኵነታት ቁጠባ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣናቢርዎ ኢዩ። እቶም ህዝቢ “ንእንጌራ ብሚዛንን ብሽጋርን ኪበልዕዎ” ከለዉ: ኤርምያስ ካብቲ የሩሳሌም ብባቢሎናውያን ተኸቢባትሉ ዝነበረት እዋን ብህይወት ተሪፉ ኢዩ። (ህዝቅኤል 4:16) ኣብ መወዳእታ: ኣብታ ኸተማ ዝነበረ ጥሜት ኣዝዩ ስለ ዝበርትዐ ገሊአን ኣንስቲ ስጋ ደቀን በልዓ። (ድጕዓ ኤርምያስ 2:20) ኤርምያስ ብምኽንያት እቲ ተባዕ ዕዮ ስብከቱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እኳ እንተ ነበረ: የሆዋ “ክሳዕ ኣብታ ኸተማ እንጌራ ዚሰአን” መዓልታዊ “ሓንቲ እንጌራ” ከም እትዋሃቦ ገይሩ ኢዩ።—ኤርምያስ 37:21
ስለዚ ኤርምያስ እውን እንተዀነ: ልክዕ ከም ኤልያስ ገለ ዝብላዕሲ ነይርዎ ኢዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ የሩሳሌም መግቢ ድሕሪ ምውድኡ ኤርምያስ እንታይ ዓይነት ወይ ክሳዕ ክንደይ ዝኣክል ግዜ መግቢ ይረክብ ምንባሩ ኣይነግረናን ኢዩ። እንተዀነ ግን: የሆዋ ከም ዘናበሮ ካብቲ ሕሱም እዋን ጥሜት ድማ ከም ዝደሓነ ንፈልጥ ኢና።
ሎሚ: ኣብ ኵሉ ክፍሊ ዓለም ድኽነት ኣሎ። ብመሰረት ሕቡራት ሃገራት: እቲ ዝዓበየ ጻዕቂ ድኽነት ኣብ ኣፍሪቃ ኢዩ ዝርከብ። ብ1996 ዝወጸ ናይ ሕ.ሃ. ጸብጻብ ዜና “ብውሕዱ ፍርቂ ዝዀና ሃገራት ኣፍሪቃ ድኻታት ኢየን።” እናወሰኸ ዝኸይድ ጽንኩር ቁጠባዊ ኵነታት እኳ እንተሎ: ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ኣብ ናብራኦም የውዕልዎ: ኣምላኽ ከናብሮም ምዃኑ እምንቶ ብምግባር ድማ: እሙናት ኰይኖም የገልግልዎ ኣለዉ። ካብ ሓደ ክፍሊ ናይዛ ሽግር መሊኣ ዘላ ዓለምና እተረኽበ ገለ ኣብነታት ርአ።
ሓቀኝነት ምዕቃብ
ማይክልa ኣብ ናይጀርያ ዝቕመጥ: ዝናብዮም ሽዱሽተ ቈልዑ ዘለዉዎ ሓረስታይ ኢዩ። “ስድራቤትካ እትኣልየሉ ገንዘብ ክትስእን ከሎኻ ሓቀኛ ክትከውን ኣጸጋሚ ኢዩ። ይኹን እምበር: ሓቀኛ ዀይነ ከይርከብ ምስ ዝፍተን: ነቲ ኣብ ኤፌሶን 4:28 ዘሎ ‘እቲ ዝሰረቐ: ነቲ ስኡን ዜማቕሎ ምእንቲ ኺህልዎስ: ጽቡቕ እናገበረ ደኣ በእዳዉ ይጽዐር እምበር: ደጊምሲ ኣይስረቕ’ ዝብል ጥቕሲ እዝክር። ስለዚ ፈተና ምስ ዘጋጥመኒ: ንገዛእ ርእሰይ ‘ነዚ ገንዘብ እዚ ጽዒረሉ ድየ፧’ ብምባል እሓታ” ይብል።
ማይክል ወሲኹ ከምዚ ይብል:- “ንኣብነት: ሓደ መዓልቲ ኣብ መገዲ ክኸይድ ከሎኹ ካብ ድሕሪት ናይ ሓንቲ ሞተር ብሽግለታ ቦርሳ ክትወድቕ ከላ ረኣኹ። ነቲ መራሕ ናይታ ሞተር ብሽግለታ ደው ከብሎ ስለ ዘይከኣልኩ: ነታ ቦርሳ ኣልዓልኩዋ: ገንዘብ መሊኣ ድማ ነበረት! ነቲ ኣብታ ቦርሳ ዝጸንሓኒ ሓበሬታ ተጠቒመ ድማ ነቲ ዋናኣ ረኸብኩዎ: ነታ ቦርሳ ድማ መለስኩሉ።”
ምስ ናይ ጭንቀት ስምዒት ምቅላስ
ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝነብር ሓደ ሰብኣይ ከምዚ ብምባል ርእይቶኡ ይገልጽ:- “ድኽነት [ልክዕ] ከም ኣብ ዓሚቝ ጕድጓድ ምጥሓል ኢዩ: ንላዕሊ ቍሊሕ ኢልካ ብርሃን ክትርኢ: ሰባት ኣብ ልዕሌኻ ናጻ ኰይኖም ክመላለሱ ክትዕዘብ ትኽእል: ግናኸ ሓገዝ ደሊኻ ከተድህየሉ ወይ ድማ ሓዂርካ እትወጸሉ መሳልል ንምርካብ ክትሓትት ዘይትኽእለሉ ኵነታት ኢዩ።” ድኽነት መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ጭንቀት ወይ ተስፋ ምቝራጽ ስምዒት እንተ ኣምጽአ እምበኣር ዘገርም ኣይኰነን! ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን ከይተረፉ ንሃብቲ ናይ ካልኦት ሰባት ይርእዩ እሞ: ንጽህናኻ ሓሊኻ ምንባር ዋጋ የብሉን ኢሎም ክሓስቡ ይጅምሩ። (ምስ መዝሙር 73:2-13 ኣረኣእዮ።) ንኸምዚ ዝበለ ስምዒታት ከተሰንፎ ዝከኣል ብኸመይ ኢዩ፧
ፒተር ዝበሃል ወዲ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ናይ መንግስቲ ስራሕ 19 ዓመታት ድሕሪ ምግልጋሉ ጥሮታ ወጸ። ኣብዚ እዋን እዚ በተን ዝረኽበን ሒደት ናይ ጥሮታ ገንዘብ ኢዩ ዝናበር። ፒተር ከምዚ ይብል:- “ኣብቲ ተስፋ ዝቘርጸሉ እዋናት: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ጽሑፋት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛን ዘንበብኩዎ ነገራት ኢየ ዝዝክር። እዚ ኣረጊት ኣገባብ ኣብ ምውድኡ ኢዩ: ካብዚ ዝሓይሽ ኣገባብ ድማ ኢና ንጽበ ዘሎና።
“ብዛዕባ እቲ ኣብ 1 ጴጥሮስ 5:9 ዝርከብ ‘እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትኩም ይበጽሖም ከም ዘሎ እናፈለጥኩም: ብእምነት ጸኒዕኩም [ንሰይጣን] ተቓወምዎ’ ዝብል ጥቕሲ እውን እሓስብ። ስለዚ ሽግር ዘሕልፍ ዘለኹ በይነይ ጥራይ ኣይኰንኩን። እዚ መዘኻኸሪታት እዚ ተስፋ ዘቝርጽን ዘጨንቕን ሓሳባት ንኸርሕቕ ይሕግዘኒ ኢዩ።”
ፒተር ወሲኹ “ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ብዙሕ ተኣምራት እኳ እንተ ገበረ: ንዋላ ሓደ ሰብ ግን ብስጋ ሃብታም ከም ዝኸውን ኣይገበሮን። ስለምንታይ ድኣ እሞ ሃብታም ክገብረኒ ኢለ ዝጽበ፧” ይብል።
ጸሎት ዘለዎ ሓይሊ
ናብ የሆዋ ኣምላኽ ብጸሎት ምቕራብ ምስ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ንምቅላስ ዝሕግዝ ካልእ መገዲ ኢዩ። ሜሪ ብ1960 ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ኰነት: ስድራቤታ ጠንጠኑዋ። ዘይተመርዓወት: ሕጂ ድማ ኣብ 50ታት እትርከብ: ኣካላዊ ድኻም ዘለዋን ብስጋ ድማ ኣዝያ ስእንትን ኢያ። ይኹን እምበር: ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ቀናእ ኢያ።
ሜሪ ከምዚ ትብል:- “ተስፋ ክቘርጽ ከሎኹ: ናብ የሆዋ ብጸሎት እቐርብ። ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ክሕግዘኒ ዝኽእል ዋላ ሓደ ሰብ ከም ዘየለ እፈልጥ ኢየ። ኣብ የሆዋ ምስ እትውከል: ንሱ ከም ዝሕግዘካ ተማሂረ ኢየ። ነተን ኣብ መዝሙር 37:25 ዘለዋ ‘ንእሽቶ ነበርኩ: አሪገ ኸኣ እኔኹ: ግናኸ ጻድቕ ተሐዲጉን: ዘርኡ እንጌራ ኺልምኑን ከቶ ኣይርኤኹን’ ዝብላ ቃላት ንጉስ ዳዊት ወትሩ ኢየ ዝዝክረን።
“ካብቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዝዝንቶ ተመክሮታት ናይቶም ብዕድመ ዝደፍኡ መንፈሳውያን ኣሕዋትን ኣሓትን እውን ምትብባዕ እረክብ ኢየ። የሆዋ ኣምላኽ ንዓኣቶም ሓጊዝዎም ኢዩ: ስለዚ ንዓይ እውን ከየቋረጸ ከም ዝሕግዘኒ እፈልጥ ኢየ። ነታ ፉፉ [ካብ ካሳቫ ዝበሃል ተኽሊ ዝስራሕ ኩርኩሮ] ዝሸጠላ ንእሽቶ ስራሕ ይባርኽለይ: ድራር ዕለተይ ድማ እረክብ። ሓድሓደ ግዜ ጥር እትብል ገንዘብ ስኢነ እንታይ ከም ዝገብር ክሕርብተኒ ኸሎ: የሆዋ ገንዘብ ዝህብኒ ሓደ ሰብ ይልእከለይ: ‘ሓብትና በጃኺ እዚ ገንዘብ ተጠቐምሉ’ ድማ ይብለኒ። የሆዋ ፈጺሙ ክጕሂ ሓዲጉኒ ኣይፈልጥን ኢዩ።”
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ዘለዎ ጥቕሚ
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ዘለዎ ጥቕሚ ይፈልጥዎ ኢዮም: እቶም ኣብ ማእከሎም ዘለዉ ድኻታት እውን እንተዀኑ እዚ ይምልከቶም ኢዩ። ወዲ ስሳ ዓመት ዝዀነ ጃን: ፓይነር (ናይ ምሉእ ግዜ ኣዋጂ መንግስቲ) ከምኡውን ኣገልጋሊ ጉባኤ ኢዩ። ኣብ ሓደ 13 ስድራቤታት ዝነብራሉ ክልተ ደርቢ ዘለዎ ኣረጊት ህንጻ ኢዩ ዝቕመጥ። እታ ክፍሉ ኣብ መተሓላለፊ ናይቲ ቐዳማይ ደርቢ ብኮንፔንሳቶ ተመቒላ እተሰርሐት ኢያ። ኣብ ውሽጣ ድማ ክልተ መናብርን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ንምግባር ዝሕግዝ ጽሑፋት እተደርደረላ ሓንቲ ሰደቓን ኣሎ። ብሓሰር ኣብ እተሰርሐ ምንጻፍ ድማ ኢዩ ዝድቅስ።
ጃን ሕብስቲ ብምሻጥ ኣብ መዓልቲ ሓደ ናይ ኣመሪካ ዶላር ይረክብ ነበረ: ስርናይ ካብ ወጻኢ ከይኣቱ ምስ ተኸልከለ ግን ነዛ ድራር ዕለቱ ዝምእርረላ ስራሕ ሰኣና። ከምዚ ይብል:- “ሓድሓደ ግዜ: ናብራ ሽግር ይብለኒ: ናይ ፓይነር ኣገልግሎተይ ግን ኣየቋርጽን ኢየ። የሆዋ ኢዩ ዘናብረኒ። ዝረኸብኩዎ ስራሕ ኢየ ዝሰርሕ: ክሕግዙኒ ወይ መግቢ ክረክብ ኢለ ኢድ ናይ ዝዀነ ይኹን ሰብ ቍሊሕ ኣይብልን ኢየ: ይኹን እምበር እቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋት ኣዝዮም ለጋሳት ኢዮም። ስራሕ ክረክብ ይሕግዙኒ: ሓድሓደ ግዜ ድማ ናይ ገንዘብ ህያብ ይህቡኒ።
“መጽሓፍ ቅዱስን ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፋትን ንምንባብ ግዜ እፈሊ። እቲ ቤት ጽምው ኣብ ዝብለሉ ሰዓታት ንግሆ: ኤልክትሪክ ኣብ ዝህልወሉ ድማ ኣዝዩ ምስ መሰየ መጽናዕተይ እገብር። ናይ ብሕቲ መጽናዕተይ ከቋርጽ ከም ዘይብለይ እፈልጥ ኢየ።”
ውሉዳት ዘለኣለማዊ ህይወት ንኽረኽቡ ምልምማድ
ዳንየል በዓልቲ ቤቱ ዝሞተቶ ኣቦ ሽዱሽተ ቈልዑ ኢዩ። ብ1985 ካብቲ ን25 ዓመታት ዝሓዞ ስራሕ ወጸ: ሓላው መኽዘን ኰይኑ ዝዓየሉ ስራሕ ግን ረኸበ። “ስድራቤተይ ብቑጠባዊ መገዲ ናብራ ይኸብዳ ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መዓልቲ ሓንሳእ ጥራይ ኢና ክንበልዕ እንኽእል። ሓደ ግዜ: ንሳልስቲ ዝኣክል ኣይበላዕናን። ብህይወት ንምቕጻል ማይ ጥራይ ኢና ክንሰቲ እንኽእል ነይርና” ይብል።
ዳንየል ኣብታ ጉባኤ ሽማግለ ኰይኑ ኢዩ ዘገልግል። ከምዚ ድማ ይብል:- “ክርስትያናዊ ኣኼባታት ፈጺመ ኣብኲረ ኣይፈልጥን: ብቲኦክራሲያዊ ዕዮታት ድማ ትሑዝ ኢየ። ምስቲ ኣደራሽ መንግስቲ እተተሓሓዘ ዝዀነ ይኹን ዕዮ ምስ ዝህሉ: ኣብኡ ክርከብ ኣሎኒ። ኵነታት ሽግር ክብለኒ ከሎ: ነተን ኣብ ዮሃንስ 6:68 ተመዝጊበን ዘለዋ: ጴጥሮስ ‘ጐይታይ: ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧’ ብምባል ንየሱስ እተዛረቦ ቃላት ኢየ ዝዝክር። ንየሆዋ ምግልጋል እንተድኣ ኣቋሪጸስ ናበይ ኢየ ክኸይድ፧ እተን ኣብ ሮሜ 8:35-39 ዘለዋ ቃላት ጳውሎስ እውን ቈራጽ ክኸውን ይሕግዛኒ ኢየን: ምኽንያቱ ካብታ ፍቕሪ ኣምላኽን ክርስቶስን ክፈልየና ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ከም ዘየለ ኢየን ዝገልጻ። ንደቀይ ዘስርጸሎም ኣተሓሳስባ ድማ እዚ ኢዩ። ንየሆዋ ፈጺምና ክንሓድጎ ከም ዘይብልና ወትሩ ኢየ ዝነግሮም።” ናይ ዳንየል ቅንኢ ምስ ስርዓታዊ ናይ ስድራቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተሓዊሱ: ኣብ ደቁ ኣወንታዊ ጽልዋ ነበሮ።
ናይ ምሃብ መንፈስ
ሓደ ሰብ እቶም ኣብ ክቱር ድኽነት ዘለዉ ኣሕዋት ንረብሓታት እታ መንግስቲ ዝውዕል ናይ ገንዘብ ወፈያ ክገብሩ ዓቕሚ ከም ዘይብሎም ይሓስብ ይኸውን። ከምኡ ግን ኣይኰነን። (ምስ ሉቃስ 21:1-4 ኣረኣእዮ።) ቀንዲ መናበሪኦም ሕርሻ ዝዀነ ኣብ ጋና ዝርከቡ ገለ መሰኻኽር: ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ክውዕል ካብቲ ግራቶም መሬት ይመቕሉ። ካብታ ዝመቐልዋ መሬቶም እተረኽበ እቶት ምስ ተሸጠ: እቲ ገንዘብ ብፍላይ ነቲ ዕላማ እቲ ኢዩ ዝውዕል: እዚ ድማ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣደራሽ መንግስቲ ናይ ገንዘብ ወፈያ ምግባር ዘጠቓልል ኢዩ።
ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ እትነብር ጆን: ፓይነር ኢያ። ነቲ ዝለመሰ በዓል ቤታን ንኣርባዕተ ካብኣ ዝጽበዩ ካልኦትን ንምእላይ ሕብስቲ ትሸይጥ። ነቲ ንሳ እትካፈለሉ ኣደራሽ መንግስቲ ዝኸውን ነዋሕቲ መናብር ምስ ኣድለየ: ስድራቤት ጆን ንዅሉ እቲ ዝነበሮም ገንዘብ ክውፍይዎ ወሰኑ። እዚ ድማ ጥራይ ኢዶም ዘትርፎም ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ንጽባሒቱ ሓደ ሰብ ቀቢጾምዎ ዝነበሩ ገንዘብ ብምሃብ: ንነዊሕ እዋን ከይተመልሰ ዝጸንሐ ዕዳኡ ከፈሎም!
ጆን ሕጕስቲ ኢያ ብዛዕባ ገንዘብ ድማ ብዘየድሊ ኣይትሻቐልን ኢያ። “ኵነታተይ ንየሆዋ ብጸሎት እገልጸሉ: ድሕርዚ ናብ ግራት ኣገልግሎት እኸይድ። ኣብዚ ኣገባብ እዚ ዝሓሸ ኵነታት ክመጽእ ተስፋ ከም ዘይብሉ ንፈልጥ ኢና። የሆዋ ዘድልየና ነገራት ክህበና ምዃኑ ግን ንርዳእ ኢና።”
ህርኩት ምዃን
ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ኣብ ንሓድሕዶም ዘለዎም ፍቕሪ ኢዮም ዝልለዩ። (ዮሃንስ 13:35) እቶም ገንዘብ ዘለዎም ነቶም ስኡናት ዝዀኑ ክርስትያናት ብጾቶም ይሕግዙ ኢዮም። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ብመልክዕ ህያብ: ሓድሓደ ግዜ ድማ ስራሕ ንኽረኽቡ ብምሕጋዝ ኢዩ ዝግበር።
ኣብ ኮንጎ ዝነብር ማርክ: ሕማም ደዌ ኣለዎ። እቲ ሕማም ንቕርጺ ኣጻብዕ ኣእጋሩን ኣእዳዉን ኣባላሽይዎ ኢዩ። ክንቀሳቐስ እንተድኣ ኰይኑ: ምርኩስ ኢዩ ዝጥቀም። ማርክ ንየሆዋ ከገልግል ምስ ወሰነ: ኣብ ናብርኡ ዓቢ ለውጥታት ክገብር ጀመረ። ከምቲ ቅድም ዝገብሮ ዝነበረ መግቢ ኣብ ክንዲ ዝልምን: መግቡ ባዕሉ ተኺሉ ከብቍል ጀመረ። ዘይተጠብሰ ሕጡብ ሰሪሑ ድማ ይሸይጥ ነበረ።
ማርክ ኣካላዊ ስንክልና እኳ እንተ ነበሮ: ህርኩት ኰይኑ ምስራሕ ቀጸለ። ኣብ መወዳእታ ድማ ሓደ ቃጽዖ መሬት ዓዲጉ ኣብኡ ሓንቲ ማእከለይቲ ገዛ ሰርሐ። ኣብዚ እዋን እዚ: ማርክ ናይ ጉባኤ ሽማግለ ብምዃን የገልግል ኣሎ: ኣብታ ዝነብረላ ከተማ ድማ ሕፉር ሰብ ኢዩ። ሕጂ ንኻልኦት ስኡናት ዝዀኑ ሰባት ኢዩ ዝሕግዝ።
ርግጽ ኢዩ: ኣብ ብዙሕ ቦታታት ስራሕ ምርካብ ፈጺሙ ዘይከኣል ኢዩ። ኣብ ሓደ ካብቲ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዘሎ ጨንፈር ኣብያተ-ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዘገልግል ክርስትያን ሽማግለ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣብዚ ዘሎናዮ ቦታ ብዙሓት ኣሕዋት ስራሕ የብሎምን። ገሊኦም ናይ ገዛእ ርእሶም ስራሕ ክፈጥሩ ፈቲኖም ኢዮም: እዚ ግን ኣጸጋሚ ኢዩ። ብዙሓት ኣሕዋት ዝገበሩ እንተ ገበሩ ምስቓዮም ከም ዘይተርፍ ስለ እተረድኡ: ፓይነራት ኰይኖም ንምግልጋል ስጋዊ መስዋእቲ ይገብሩ። ከምዚ ብምግባሮም ድማ: ብዙሓት ካብቲ ሒደት ወይ ድማ ፈጺሙ እቶት ዘይብሉ ስራሕ ሃልይዎም ዝረኽብዎ ንላዕሊ ተባሪኾም ኢዮም።”
የሆዋ ህዝቡ የናብር
የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ርእሱ ክዛረብ ከሎ “ንወኻሩ ጕድጓድ: ነዕዋፍ ሰማይውን መሕደሪ አለወን: ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓላ ስፍራ የብሉን” በለ። (ሉቃስ 9:58) ብተመሳሳሊ ድማ: ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ክሳዕ ሕጂ ንጠምን ንጸምእን ንዐርቕን ንጽፋዕን አሎና: ማሕደር የብልናን።”—1 ቈረንቶስ 4:11
ክልቲኦም: ማለት የሱስን ጳውሎስን ኣብ ኣገልግሎቶም ዝያዳ ክዓዩ ምእንቲ ክኽእሉ ድሩት ቁጠባዊ ናብራ ክህልዎም ኢዮም መሪጾም። ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለዉ ብዙሓት ክርስትያናት ግን ብምርጫኦም ዘይኰነስ ኵነታት ስለ ዝገደዶም ኢዮም ድኻታት ኰይኖም ዘለዉ። ይኹን እምበር: ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ናብርኦም የውዕልዎ: ንኣምላኽ ድማ ብቕንኢ ከገልግልዎ ይደልዩ። ንሓቅነት ናይቲ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ [ስጋዊ ነገራት] ድማ ይውሰኸልኩም” ብምባል የሱስ ዝሃቦ ውሕስነት ክምከርዎ ከለዉ: የሆዋ ከም ዘፍቅሮም ይፈልጡ ኢዮም። (ማቴዎስ 6:25-33) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: እዞም ድኻታት ዝዀኑ ኣገልገልቲ ኣምላኽ “በረኸት እግዚኣብሄር የሀብትም” ምዃኑ መረጋገጺ ኣለዎም።—ምሳሌ 10:22
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣትዩ ዘሎ ኣስማት መተካእታ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ዘለዎ ጥቕሚ ኣብ ምሉእ ዓለም ብዘለዉ ሰባት እተፈልጠ ኢዩ