ክርስትያናዊ ህይወት
“ሰብኣያ ኣብ ኣፍ ደገታት ከተማ ፍሉጥ እዩ”
ክኢላ ሰበይቲ ንሰብኣያ ኽብሪ ተምጽኣሉ። ብግዜ ንጉስ ልሙኤል፡ ክኢላ ሰበይቲ ዝነበረቶ ሰብኣይ፡ “ኣብ ኣፍ ደገታት ከተማ ፍሉጥ እዩ” ነይሩ። (ምሳ 31:23) ሎሚ፡ ሕፉራት ሰብኡት ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ኰይኖም የገልግሉ እዮም። ምርዑዋት እንተ ዀይኖም ድማ፡ እቲ ንምግልጋል ዘለዎም ክእለት ዝያዳ ኣንስቶም ኣብ ዘለወን ጽቡቕ ጠባይን ኣብ ዜበርክታኦ ሓገዝን እተመርኰሰ እዩ። (1ጢሞ 3:4, 11) ከምዚአን ዝበላ ኣንስቲ ብሰብኡተን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብጉባኤ እውን ከይተረፈ ኣኽቢርካ እየን ዚርኣያ።
ክኢላ ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ምእንቲ ኼገልግል በዚ ዚስዕብ ትድግፎ፦
ሕያውነት ብዝመልኦ ቓላት ተተባብዖ።—ምሳ 31:26
ዕዮታት ጉባኤ ኪፍጽም ከሎ ብፍታው ትተሓባበሮ።—1ተሰ 2:7, 8
ሚዛናዊ ናብራ ትነብር።—1ጢሞ 6:8
ሚስጥራዊ ብዛዕባ ዝዀነ ጉዳያት ጉባኤ ኣይትሓትቶን።—1ጢሞ 2:11, 12፣ 1ጴጥ 4:15