ነቲ ኣብ ጽድቂ ኣምላኽ ዘሎና እምንቶ ምሕያል
“እምንቶኻ ብእግዚኣብሄር ምእንቲ ኪኸውንሲ: ኣነ ሎሚ ንኣኻ . . . ምሂረካ። ”—ምሳሌ 22:19
1, 2. (ሀ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ የሆዋ እምንቶ ዝገብሩ ስለምንታይ ኢዮም፧ (ምሳሌ 22:19) (ለ) ገለ ውልቀ-ሰባት ነቲ ኣብ የሆዋ ዘለዎም እምንቶ ከሐይሉ ከም ዘድልዮም ዝሕብር እንታይ ኢዩ፧
ሓቀኛታት ክርስትያናት ብዛዕባ የሆዋን ዕላማታቱን ርጡብ ፍልጠት ብምርካቦም ተባሪኾም ኢዮም። እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ፍቕራዊ ብዝዀነ መገዲ “በብግዜኡ” መንፈሳዊ ‘መግቢ’ የዳልወሎም ኢዩ። (ማቴዎስ 24:45) እቲ ዝረኽብዎ ፍልጠት ኣብ ኣምላኽ ድልዱል መሰረት ዘለዎ እምንቶ ንኽገብሩ የኽእሎም። ስለዚ ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጕጅለ ደረጃ ኣብ የሆዋን ጽድቁን ፍልይ ዝበለ እምንቶ ከም ዘለዎም የንጸባርቑ ኢዮም።
2 ይኹን እምበር: ገለ መሰኻኽር ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ኣብ የሆዋ ዘለዎም እምንቶ ከሐይሉ ከድልዮም ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጽሑፋት ዝወጽእ መግለጺታት ጥርጠራ ከም ዘለዎም ዘርኢ ደብዳበታት ንማሕበር ይበጽሓ ኢዩ። እዚ ጥርጣረታት እዚ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምርዳእ እተገብረ መኣረምታ: ወይ እቲ እተዋህበ መግለጺ ነቲ ሓታቲ ዝምልከት: ብፍላይ ከኣ ብስምዒታዊ መገዲ ዝትንክፎ ምስ ዝኸውን እተጻሕፈ ኢዩ።—ምስ ዮሃንስ 6:60, 61 ኣረኣእዮ።
3. ንእሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ እውን ከይተረፈ እንታይ ከጋጥሞም ይኽእል: ስለምንታይከ፧
3 ሓቀኛታት ኣገልገልቲ የሆዋ እውን ከይተረፉ ንሓቅነት ናይቲ ኣብ መክብብ 9:11 ዝርከብ “ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ከኣ ጕያ ንፈጣናት: ውግእ ንጀጋኑ: እንጌራ ንጥበኛታት: ሃብቲ ነእምሮኛታት: ሞገስ ንብልህታት ከም ዘይኰነሎም: ተመሊሰ ርኤኹ። ግናኸ ንዅሎም ጊዜን ኣጋጣምን ይመጾም” ዝብል ሓሳባት ተመኲሮምዎ ኢዮም። እዚ ብስፍሕ ዝበለ ወይ ብመንፈሳዊ መገዲ ሓቂ ምዃኑ ክረጋገጽ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ ንምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ፈጣናት: ምእንቲ ሓቂ ኣብ ምጥባቕ ሓያላት: ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ኣብ ምውዓል ጥበበኛታት: ከምኡውን ርጡብ ፍልጠት ንምርካብ ቀናኣት ዝዀኑ ክርስትያናት ንፈልጥ ንኸውን። እንተዀነ ግን: ሕጂ ገሊኦም “ጊዜን ኣጋጣምን” ብዘምጽኦ ሓደጋ ወይ ዕድመ ምድፋእ ክገብርዎ ዝኽእሉ ነገራት ድሩት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሞት ከይጠዓሙ ናብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ብዛዕባ ምእታዎምን ዘይምእታዎምን ይሓስቡ ይዀኑ።
4, 5. ክርስትያናት ነቲ ኣብ ጽድቂ የሆዋ ዘለዎም እምንቶ ከጥፍኡ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት ዘይብሎም ስለምንታይ ኢዩ፧
4 ሓደ ክርስትያን ናይ መርዓ ብጸይቱ ምስ እትሞቶ: እቲ ዝስምዖ ጓህን ጽምዋን ከቢድ ኢዩ። ከም ሰብኣይ ሰበይትን ኰይኖም ንየሆዋ ንዓመታት ወይ እውን ንዓሰርተታት ዓመታት ኣገልጊሎምዎ ይዀኑ። እቲ ብህይወት ዘሎ: ሞት ናይ መርዓ ብጻይ ነቲ ናይ መርዓ ማእሰር ከም ዝበትኮ ይፈልጥ ኢዩ።a (1 ቈረንቶስ 7:39) ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ምስ ዘጋጥም እቲ ዘለዎ እምንቶ ምእንቲ ከይጠፍእ: ንስምዒታቱ ክቈጻጸር ክኽእል ኣለዎ።—ምስ ማርቆስ 16:8 ኣረኣእዮ።
5 ናይ መርዓ ብጻይ: ውላድ: ወይ ናይ ቀረባ ክርስትያን ዓርክና ምስ ዝመውት ነቲ ኣጋጣሚ እቲ ኣብ ጽድቂ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ንምንጽብራቕ ክንጥቀመሉስ ክሳዕ ክንደይ ጥበብ ኰን ኢዩ! ብሕታዊ ጕድኣት ምስ ዝወርደና እውን ከይተረፈ የሆዋ ጽድቂ ከም ዘየጕድል እምንቶ ከነሕድር ንኽእል ኢና። ብህይወት ብምድሓን ይኹን ካብ ሞት ብምትንሳእ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝረክብ ሰብ ሕጉስ ክኸውን ምዃኑ እምንቶ ክህልወና ይኽእል ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ ኣምላኽ ከምዚ በለ:- “ኢድካ ትኸፍት እሞ: ንህያው ዘበለ ዅሉ ብበረኸት ተጽግቦ። እግዚኣብሄር ብዅሉ መገዱ ጻድቕ እዩ: ብዅሉ ግብሩውን ሕያዋይ እዩ። እግዚኣብሄር ንዚጽውዕዎ ዅሎም: ብሓቂ ንዚጽውዕዎ ዅሎም ቀረባኦም እዩ። ፍቓድ እቶም ዚፈርህዎ ይፍጽም: ኣውያቶም ይሰምዕ የድሕኖም ከኣ።”—መዝሙር 145:16 -19
ብዘየድሊ እተሳቐኻ ኰይኑ ምስ ዝስምዓካ
6, 7. (ሀ) ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ተሳቕዮም ዝነበሩ መሰኻኽር ሕጂ እተፈልየ ምርዳእ ክህልዎም ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ከምዚ ዝኣመሰለ ስቓይ ብምፍቃዱ ጽድቂ ከም ዘጕደለ ገይርና ክንምልከቶ ዘይብልና ስለምንታይ ኢዩ፧
6 ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ገለ መሰኻኽር ኣብ ገለ ንጥፈታት ከይካፈሉ ሕልናኦም ስለ ዘየፍቀደሎም ተሳቕዮም ኢዮም። ሕጂ ግን ኣብቲ ንጥፈታት እቲ ክካፈሉ ሕልናኦም የፍቅደሎም ይኸውን። ንኣብነት: ገለ ዓመታት ይገብር ኣብ ሓድሓደ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ንኸይካፈሉ መሪጾም ነይሮም ይዀኑ። ሕጂ ግን ሓደ ሓው ገለልትነቱ ከይጠሓስ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገልግሎት ብሕልና ክገብር ይኽእል ይኸውን።
7 ሕጂ ብዘይ ገለ ሽግር ንዝገብሮ ነገራት ኣብቲ ግዜ እቲ ብዘይምግባሩ ክሳቐ ስለ ዝፈቐደ የሆዋ ጽድቂ ኣጕዲሉ ነይሩ ማለት ድዩ፧ መብዛሕትኦም ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮ ዘሕለፉ የሆዋ ጽድቂ ኣጕዲሉ ነይሩ ዝብል ስምዒት የብሎምን። ኣብ ክንድኡስ እኳ ድኣ ንኣድማሳዊ ሉዓላውነት ዝምልከት ብድሆ ክመጽእ ከሎ ጸኒዖም ኣብ ጐኑ ደው ከም ዝብሉ ግልጽን ንጹርን ብዝዀነ መገዲ ንምርኣይ ኣጋጣሚ ምርካቦም የሐጕሶም ኢዩ። (ምስ እዮብ 27:5 ኣረኣእዮ።) ሓደ ሰብ ብወገን የሆዋ ጸኒዑ ንምቛም ንሕልንኡ ስለ እተኣዘዘ ንኽጠዓስ ምኽንያት ክዀኖ ዝኽእል ነገር እንታይ ኣሎ፧ ከምቲ እተረድእዎ ገይሮም ነቲ ክርስትያናዊ ስርዓታት ብተኣማንነት ብምድጋፎም ወይ ሕርኽርኽ ክብሎም ከሎ ንሕልንኦም ብምእዛዞም ኣዕሩኽ የሆዋ ንክዀኑ ከም ዝበቕዑ ኣረጋጊጾም ኢዮም። ሕልናኻ ከም ዝወቕሰካ ዝገብር ወይ ንኻልኦት መዐንቀፊ ዝኸውን ነገር ዘይምግባር ብርግጽ ምስትውዓል ኢዩ። በዚ መዳይ እዚ ብዛዕባ እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝገደፈልና ኣብነት ክንሓስብ ንኽእል ኢና።—1 ቈረንቶስ 8:12, 13፣ 10:31-33
8. እቶም ቅድም ነቲ ሕጊ ዝሕልዉ ዝነበሩ ኣይሁድ ክርስትያናት ብዛዕባ ጽድቂ የሆዋ ክጠራጠሩ ምኽንያት ዘይነበሮም ስለምንታይ ኢዮም፧
8 ኣይሁዳውያን ንየሆዋ ምእንቲ ከሐጕስዎ ነቲ ዓሰርተ ትእዛዛትን ዳርጋ 600 ዝኸውን እተፈላለየ ተወሳኺ ሕግታትን ክእዘዙ የድልዮም ነበረ። ጸኒሑ ኣብቲ ክርስትያናዊ ስርዓት ግን ነቶም ብስጋ ኣይሁድ እውን ከይተረፈ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰለ ሕግታት ምሕላው ንየሆዋ ንምግልጋል ዝሕተት ብቕዓት ካብ ምዃን ኣቋረጸ። ግዝረት: ምኽባር ሰንበት: መስዋእቲ እንስሳታት ምቕራብ: ከምኡውን ገለ ዓይነት መግብታት ዘይምብላዕ ሓዊስካ እቲ ሕግታት ካብ ምስራሕ ኣቋረጸ። (1 ቈረንቶስ 7:19፣ 10:25፣ ቈሎሴ 2:16, 17፣ እብራውያን 10:1, 11-14) ነቶም ሃዋርያት እውን ሓዊስካ እቶም ክርስትያናት ዝዀኑ ኣይሁዳውያን ነቲ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኪዳን ከለዉ ዝእዘዝዎ ዝነበሩ ሕግታት ካብ ምኽባር ናጻ ኰኑ። ኣምላኽ ነቲ ጸኒሑ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ዝዀነ ሕግታት ክሕልውዎ ትጽቢት ይገብረሎም ብምንባሩስ ስርዓታት ኣምላኽ ጽድቂ ዝጐደሎ ኢዩ ዝብል ስምዒትዶ ኣሕዲሮም ኢዮም፧ ኣይፋሉን: ብዛዕባ ዕላማታት የሆዋ ሰፊሕ ምርዳእ ብምርካቦም ተሓጒሶም ኢዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 16:4, 5
9. ገለ መሰኻኽር እንታይ ኣጋጠሞም: እንተዀነ ግን: ንኽጠዓሱ ምኽንያት ዘይብሎም ስለምንታይ ኢዮም፧
9 ኣብዚ ዘመናዊ እዋን እውን ብዛዕባ እቲ ዝገብርዎ ወይ ከኣ ዘይገብርዎ ነገራት ብኣመለኻኽትኦም ኣዝዮም ጽኑዓት ዝዀኑ መሰኻኽር ነይሮም ኢዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ካብ ካልኦት ንላዕሊ ተሳቕዮም ኢዮም። ዳሕራይ ተወሳኺ ፍልጠት ምስ ረኸቡ ብዛዕባ ነገራት ዘለዎም ኣረኣእያ ንኸስፍሑ ሓገዞም። እንተዀነ ግን: ኣቐድም ኣቢሎም ተወሳኺ ስቓይ ዘምጽኣሎም ክነሱ ምስ ሕልንኦም ተሰማሚዖም ስጕምቲ ምውሳዶም ዝጠዓስሉ ምኽንያት የብሎምን። ‘ንዅሉ ምእንቲ ወንጌል ብምግባር’ ብተኣማንነት ንየሆዋ ኢሎም ክሳቐዩ ፍቓደኛታት ምዃኖም ብሓቂ ዝነኣድ ተግባር ኢዩ። የሆዋ ንኸምዚ ዝዓይነቱ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ይባርኾ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 9:23፣ እብራውያን 6:10) ሃዋርያ ጴጥሮስ ብምስትውዓል “ሰናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዐገስኩም . . . እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ” ብምባል ጸሓፈ።—1 ጴጥሮስ 2:20
ካብ ዮናስ ትምህርቲ ምርካብ
10, 11. (ሀ) ዮናስ ናብ ነነዌ ክኸይድ ምስ ተመዘዘ ኣብ የሆዋ ምሉእ እምንቶ ከም ዘይነበሮ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) የሆዋ ንሰብ ነነዌ ምስ መሓሮም እምንቶ ከም ዘይነበሮ ብኸመይ ኣንጸባረቐ፧
10 ዮናስ ናብ ነነዌ ክኸይድ ምስ ተኣዘዘ: ነቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበሮ እምንቶ ሞሳ ከም ዘይነበሮ ኣርኣየ። ዮናስ ሸለል ብምባሉ ሕማቕ ዝዀነ ተመክሮ ምስ ኣጋጠሞ: ናብ ኣእምሮኡ ተመልሰ: ጌግኡ ተገንዘበ: ነቲ ናብ ካልእ ሃገር ከብጽሖ እተዋህቦ መልእኽቲ ተቐበለ: ንሰብ ነነዌ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ኣንጠልጢሉ ዝነበረ ጥፍኣት ኣጠንቀቖም። ድሕርዚ ዘይተጸበዮ ነገር ኣጋጠሞ:- ሰብ ነነዌ ስለ እተናስሑ የሆዋ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ከውርዶ ሓሲቡ ዝነበረ ጥፍኣት ኣትረፎ።—ዮናስ 1:1–3:10
11 ዮናስ እንታይ በለ፧ ጕህዩ ናብ የሆዋ ብጸሎት ኣጕረምረመ። ብኻልእ ኣዘራርባ ትሕዝቶ ጓሂኡ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ ነይሩ:- ‘ከምዚ ከም ዝኸውን ፈሊጠ ነይረ ኢየ። ብቐደሙ እውን እዚ ስለ እተረዳእኩ ኢየ ናብ ነነዌ ክኸይድ ዘይደለኹ። ብዓቢ ዓሳ ክወሓጥ ከለኹ ርዒደን ተዋሪደን: ብድሕሪኡ ድማ ንነነዌ ብዛዕባ እቲ ኣንጠልጢሉ ዝነበረ ጥፍኣት ንምጥንቃቕ ብዙሕ ጽዒረ: እቲ ፍረ ግን እዚ ኰይኑ ተሪፉ! ኵሉ ጻዕረይን ዘሕለፍክዎ ስቓይን ከንቱ ዀይኑ! እንተ ዝመውት ምሓሸኒ ነይሩ!’—ዮናስ 4:1-3
12. ካብቲ ናይ ዮናስ ተመክሮ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧
12 ዮናስ ንኸጕረምርም ቅቡል ምኽንያት ነይርዎዶ ኢዩ፧ የሆዋ ነቶም እተናስሑ ሓጢኣተኛታት ምሕረት ብምግባሩስ ጽድቂ ኣየርኣየን ማለት ድዩ፧ ብሓቂ ክርአ ከሎ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝዀኑ ሰባት ካብ ጥፍኣት ምድሓኖም ንዮናስ ከሐጕሶ ኢዩ ነይርዎ! (ዮናስ 4:11) እቲ ኣኽብሮት ዘይነበሮ ናይ ምጕርምራም ኣረኣእያኡ ግን ኣብ ጽድቂ የሆዋ ምሉእ እምንቶ ከም ዘይነበሮ ዘርኢ ኢዩ። ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኣዝዩ ብምግዳስ ብዛዕባ ኻልኦት ኣይሓስብን ኢዩ ነይሩ። ንገዛእ ርእስናን ብሕታዊ ስምዒታትናን ካልኣይ ቦታ ብምሃብ ካብ ዮናስ ንማሃር። ንየሆዋ ምእዛዝ: ነቲ ብማሕበሩ ዝወሃብ መምርሒ ምስዓብን ንዝገብሮ ውሳነ ምቕባልን ቅኑዕ ምዃኑ ንእመን። “ነቶም . . . ፈራህቲ ኣምላኽ ሰናይ ከም ዚዀነሎም” ንኣምን ኢና።—መክብብ 8:12
እምንቶና እነሐይለሉ ግዜ ሕጂ ኢዩ!
13. ኵላትና ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ከነሕይሎ እንኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
13 ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ምሕያል ናይ ጥበብ መገዲ ኢዩ። (ምሳሌ 3:5-8) ንየሆዋ ዝያዳ እምንቶ ንኽህልወና ሓግዘና ካብ ምባል ንላዕሊ ክንገብር ከም ዘሎና ርዱእ ኢዩ። እምንቶ ኣብ ርጡብ ፍልጠት ተመስሪቱ ስለ ዝዓቢ: መጽሓፍ ቅዱስን ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝገልጽ ጽሑፋትን ብምንባብ ብሕታዊ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምግባር ክፍሊ መዓልታዊ ናብራና ክንገብሮ ኣሎና። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ስርዓታዊ ኴንካ ምእካብ እውን ኣድላዪ ኢዩ። ብእተኻእለካ መጠን ግቡእ ምድላውን ተሳትፎ ምግባርን እውን ጽቡቕ ኢዩ። ምሉእ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኻልኦት ምንጋር: ንዘጋጥመና ምጽራር ብጥበብ ምስናፍ እውን ነቲ ኣብ የሆዋን ቃሉን ዘሎና እምንቶ ከም ዝዓሙቝ ይገብሮ ኢዩ። በዚ ድማ ብመዓልታዊ ደረጃ ምስኡ ብዝያዳ ንራኸብ።
14. ህዝቢ ኣምላኽ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ኣብ የሆዋ ዘለዎም እምንቶ ከንጸባርቑ ዝሕተቱ ስለምንታይ ኢዩ፧
14 እቲ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ዝወርድ ካብ ዝዀነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ዝኸፍአ ዓቢ ጸበባ ድሕሪ ቀረባ ግዜ ክጅምር ኢዩ። (ማቴዎስ 24:21) ክጅምር ከሎ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ኣብ ጽድቂ የሆዋን ኣብቲ ብማሕበሩ ዝወሃብ መምርሒታትን እምንቶ ከንጸባርቑ ከድልዮም ኢዩ። ብምሳልያዊ መገዲ ነቲ “ኣታ ህዝበይ: ኪድ: ናብ ሕልፍኝኻ እቶ። . . . ቍጥዓ ኽሳዕ ዚሐልፍ ንቕሩብ ጊዜ ተሐባእ” ዝብል ትእዛዝ የሆዋ ብተኣማንነት ክስዕብዎ ኢዮም። (ኢሳይያስ 26:20) ድሮ ኣብተን ዕቝባ ዝርከቦ ሃዋሁ ዘለወን ኣብ 232 ሃገራት ዘለዋ ልዕሊ 85,000 ዝዀና ጉባኤታት ኣትዮም ኣለዉ። ነቲ “ናብ ሕልፍኝኻ እቶ” ዝብል ትእዛዝ ዝዀነ ይኹን ካልእ ትእዛዝ ይወሰኮ ብዘየገድስ: ንኽንገብሮ የሆዋ ከም ዝሕግዘና እምንቶ ኽንገብር ንኽእል ኢና።
15. ኣብ 1998 እምንቶ ምግባር ዝያዳ ከም ዝጐልሕ እተገብረ ብኸመይ ኢዩ: እዚ ግቡእ ዝኸውንከ ስለምንታይ ኢዩ፧
15 ሕጂ እምንቶና ከነሐይል ኣድላዪ ኢዩ። ኣብ ክርስትያናት ኣሕዋትና: ኣብ ማሕበር የሆዋ: ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣብ የሆዋ እምንቶ እንተ ዘይገይርና ምድሓን ዘይከኣል ኢዩ። ስለዚ ድማ ኣብ 1998 ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ “ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ” ዝብል ናይ ዓመት ጥቕሲ ብተደጋጋሚ ከም ዝዝክርዎ ምግባሮምሲ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዝሰማማዕ ኰን ኢዩ! (ሮሜ 10:13) ብዛዕባ እዚ ዅሉ ግዜ እምንቶ ክህልወና ይግባእ። ንእሽቶ እውን ትኹን ጥርጣረ ከም ዘሎና እንተድኣ ኣስተብሂልና ሕጂ: እወ ኣብዚ እዋን እዚ ንኸነዐርያ ክንጽዕር ኣሎና።
ፍርዲ የሆዋ ጽድቃዊ ክኸውን ኢዩ
16. እምንቶ እንተ ዘይተዀስኲሱ እንታይ ክኸውን ይኽእል: ከምዚ ከይጋጥምከ ብኸመይ ክንሕልዎ ንኽእል፧
16 ኣብ እብራውያን 3:14 እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት “ነታ መጀመርታ እሙንቶና ኽሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና እንተሐዝናያስ: ተማቐልቲ ክርስቶስ ኴንና አሎና” ዝብል ምኽሪ ተዋሂብዎም ነበረ። ከም ስርዓት: እዘን ቃላት እዚኣተን ነቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ክርስትያናት እውን ይውዕላ ኢየን። እናዓበየ እንተ ዘይከይዱ እቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረ እምንቶ ክጠፍእ ይኽእል ኢዩ። ነቲ እምንቶና እተመስረተሉ መሰረት ምእንቲ ከነሐይሎ ርጡብ ፍልጠት ንምርካብ ኵሉ ግዜ ሃለው ምባልስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ኰን ኢዩ!
17. ንድሕነት ብዝምልከት የሱስ ብልክዕ ክፈርድ ምዃኑ እምንቶ ክንገብር እንኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧
17 ‘ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዝፈላልየን: ንኣህዛብ ካብ ንሓድሕዶም ክፈላልዮም’ ክርስቶስ ድሕሪ ቀረባ እዋን ንዅሎም ህዝብታት ክምርምሮም ኢዩ። (ማቴዎስ 25:31-33) ክርስቶስ መን ክድሕን ከም ዘለዎ ክፈርድ ከሎ ብጽድቂ ከም ዝዳኒ እምንቶ ክንገብር ንኽእል ኢና። ‘ንዓለም ብጽድቂ ንምፍራድ’ የሆዋ ጥበብ: ምስትውዓልን ካልእ ዘድሊ ባህርያትን ሂብዎ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:30, 31) ስለዚ እምነትና ከምቲ “ንጻድቕ ምስቲ ረሲእ ምቕታል ከምዚ ዝበለ ነገር ምግባርሲ ኻባኻ ይርሐቕ። [የሆዋ] እቲ ፈራድ ኵላ ምድርስ ፍትሒዶ ኣየውጽእን እዩ፧” ዝበለ ኣብርሃም ትኹን።—ዘፍጥረት 18:25
18. ብዛዕባ እቲ ሕጂ ዘይንፈልጦ ነገራት ካብ መጠን ንላዕሊ ክንጭነቕ ዘይብልና ስለምንታይ ኢዩ፧
18 ኣብ ጽድቂ የሆዋ ምሉእ እምንቶ ብምግባር ናይዚ ዝስዕብ ሕቶታትን ካልእን መልሲ ከጨንቐና የብሉን:- ‘ሕጻናትን ንኣሽቱ ቈልዑን ብኸመይ ኢዮም ክፍረዱ፧ ኣርማጌዶን ክትመጽእ ከላ እቲ ብስራት ዘይበጽሖም ብዙሓት ሰባት ክህሉዉ ድዮም፧ እቶም ናይ ኣእምሮ ሕማም ዘለዎምከ፧’ የሆዋ ነዚ ሕቶታት እዚ ብኸመይ ከም ዝምልሰሉ ሕጂ ኣይንፈልጥን ኢና። ይኹን እምበር: ጽድቅን ምሕረትን ብዘለዎ መገዲ ክምልሰሉ ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ፈጺምና ክንጠራጠር የብልናን። በቲ ንሕና ፈጺምና ዘይሓሰብናዮ መገዲ መልሲ ክህበሎም ክንዕዘብ ከሎና ዝያዳ ክንግረምን ክንሕጐስን ኢና።—ምስ እዮብ 42:3፣ መዝሙር 78:11-16፣ 136:4-9፣ ማቴዎስ 15:31፣ ሉቃስ 2:47 ኣረኣእዮ።
19, 20. (ሀ) ምኽንያታዊ ዝዀነ ሕቶታት ምሕታት ጌጋ ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሆዋ ዘድሊ መልሲ ዝህብ መዓስ ኢዩ፧
19 ከምቲ ገለ ተጻረርቲ ብጌጋ ዝብልዎ ማሕበር የሆዋ ብቕንዕና: ግዜኡ ዝሓለወ ሕቶታት ንኸይሕተት ኣይትኽልክልን ኢያ። (1 ጴጥሮስ 1:10-12) ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ዕሽነት: ኣብ ግምት እተመርኰሰ ሕቶታት ከይንሓትት ይመኽረና ኢዩ። (ቲቶስ 3:9) ምኽንያታዊ ሕቶታት ምሕታትን ቅዱስ ጽሑፋዊ መልሲ ንምርካብ ድማ ቃል ኣምላኽን ናይ ክርስትያን ጽሑፋትን ምምርማር ነቲ ዘሎና ርጡብ ፍልጠት ክውስኸሉ ይኽእል ኢዩ: እዚ ድማ ነቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶና ከደልድሎ ይኽእል ኢዩ። ማሕበር ኣብነት የሱስ ኢያ እትስዕብ። የሱስ ብዛዕባ እቲ መልሲ ንኽወሃቦ ግዜኡ ዘይነበረ ሕቶታት ሓሳባት ካብ ምሃብ ተቘጢቡ ኢዩ። “ዝነግረኩም ብዙሕ ካልእ ዘረባ ገና አሎኒ: ግናኸ ሕጂ ኽትጾርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ብምባል ገለጸ። (ዮሃንስ 16:12) ኣብቲ እዋን እቲ ንሱ ባዕሉ እውን ዘይፈልጦ ነገራት ምንባሩ ኣፍልጦ ሂቡ ኢዩ።—ማቴዎስ 24:36
20 የሆዋ ገና ክገልጾ ዘለዎ ብዙሕ ነገራት ኣሎ። የሆዋ ዕላማታቱ ኣብቲ ዝመደቦ ግቡእ ግዜ ክገልጾ ምዃኑ ብምትእምማን ብትዕግስቲ ምጽባይስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ናይ ጥበብ መገዲ ኰን ኢዩ። እቲ የሆዋ ዝመደቦ ግዜ ምስ ኣኸለ: ብዛዕባ መገድታቱ ተወሳኺ ፍልጠት ብምርካብ ክንሕጐስ ምዃንና እምንቶ ክህልወና ይኽእል ኢዩ። እወ: ኣብ የሆዋን ኣብታ ንሱ ዝጥቀመላ ማሕበርን ጐደሎ ዘይብሉ እምንቶ እንተድኣ ገይርና ዓስቢ ክንረክብ ኢና። ምሳሌ 14:26 “ጽኑዕ እሙንቶ ኣብ ምፍራህ እግዚኣብሄር እዩ: ንደቁ ኸኣ ጸግዒ ይዀኖም” ብምባል ተረጋግጸልና።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ግምቢ ዘብዐኛ ናይ 15 ጥቅምቲ 1967 (እንግሊዝኛ) ገጽ 638 ከምኡውን ናይ 1 ሰነ 1987 ገጽ 30 ርአ።
እንታይ ምበልካ፧
◻ ስምዒት ነቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ከጕድሎ ከነፍቅደሉ ዘይብልና ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ካብቲ ናይ ዮናስ ተመክሮ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧
◻ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ኣኼባታት ምክፋልን ኣዝዩ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]
ብሕታዊ ጉድኣት ከጋጥመና ከሎውን ከይተረፈ: የሆዋ ጻድቕ ምዃኑ እምንቶ ከነሕድር ንኽእል ኢና
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእልታት]
እምንቶኻ ኣብ የሆዋ ከም ዝገበርካ ርግጸኛ ዲኻ፧