ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | መክብብ 7-12 “ብመዓልትታት ንእስነትካ ነቲ ዓብዪ ፈጣሪኻ ዘክሮ” ሰሎሞን ነቲ ምስ ዕድመ ምድፋእ ዚመጽእ ጸገማት ንምግላጽ ስእላዊ ዘረባ ተጠቕመ 12:1, 13 ብዙሓት መንእሰያት ጥዕናን ሓይልን ስለ ዘለዎም ንዜጋጥሞም ዜሐጕስን በዳህን ዕዮ ኺዋጽኡሉ ይኽእሉ እዮም መንእሰያት ዓቕሞም ብዕድመ ምድፋእ ቅድሚ ምድራቱ፡ ንግዜኦምን ንሓይሎምን ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ኬውዕልዎ ኣለዎም ብመዓልትታት ንእስነትካ ዘሎካ ኽእለት ተጠቒምካ ብምግልጋል ነቲ ዓብዪ ፈጣሪኻ ዘክሮ 12:2-7 ፍቕዲ 3፦ “ብመሳዅቲ ዚጥምታ ጠመትቲ . . . ይጽልምተን” ናይ ምርኣይ ጸገም ፍቕዲ 4፦ “ደረፍቲ ኣዋልድ . . . ይልሕትታ” ናይ ምስማዕ ጸገም ፍቕዲ 5፦ “ሸውሃት ዚኸፍት ፍረ . . . ይነቅዕ” ምዕጻው ሸውሃት