ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎካ ምሉእ ግዴታ ትፍጽሞዶ ኣሎኻ፧
“ኣምላኽሲ ንዅሉ ግብርን ንሕቡእ ነገር ዘበለን: ሰናይ ኰነ ወይስ እኩይ: ናብ ፍርዲ ኼምጽኦ እዩ። ”—መክብብ 12:14
1. የሆዋ ንህዝቡ እንታይ ምድላዋት ኢዩ ዝገበረሎም፧
የሆዋ ነቶም ከም ፈጣሪኦም ዝዝክርዎ ሰባት ይድግፎም ኢዩ። እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃሉ ንዕኡ ምሉእ ብምሉእ ከሐጕስዎ ዘኽእሎም ፍልጠት ይህቦም። መለኮታዊ ፍቓድ ንኽገብሩ ከምኡውን ‘ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ፍረ ክፈርዩ’ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ይሕግዞም። (ቈሎሴ 1:9, 10) ኣብ ርእሲ እዚ የሆዋ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢሉ መንፈሳዊ መግብን ቲኦክራሲያዊ መምርሕን የዳልወሎም። (ማቴዎስ 24:45-47) ስለዚ እምበኣር ህዝቢ ኣምላኽ ንየሆዋ ከገልግሉን ነቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ ስብከት ብስራት መንግስቲ ክፍጽሙን ከለዉ ብብዙሕ መገድታት ሰማያዊ በረኸት ኣለዎም።—ማርቆስ 13:10
2. ብዛዕባ ንየሆዋ ምግልጋል እንታይ ሕቶታት ኢዩ ክለዓል ዝኽእል፧
2 ሓቀኛታት ክርስትያናት ኣብ ቅዱስ ኣገልግሎት የሆዋ ትሑዛት ክዀኑ ሕጕሳት ኢዮም። ገሊኦም ግን ተስፋ ክቘርጹን ጻዕሮም ከንቱ ኰይኑ ክስምዖምን ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ሓድሓደ ግዜ ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያናት እቲ ዝገብርዎ ልባዊ ጻዕሪ ብሓቂ ረብሓ ዘለዎ ምዃኑን ዘይምዃኑን የተሓሳስቦም ይኸውን። ብዛዕባ ናይ ስድራቤት መጽናዕትን ካልእ ንጥፈታትን ከስተንትኑ ኸለዉ ከምዚ ዝስዕብ ዝኣመሰለ ሕቶታት ኣብ ኣእምሮ እቲ ርእሲ ስድራቤት ይመጽእ ይኸውን:- ‘በዚ እንገብሮ ዘሎና የሆዋ ብሓቂ ይሕጐስ ድዩ፧ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎና ምሉእ ግዴታ ንፍጽሞዶ ኣሎና ኢና፧’ ቃላት እቲ ጥበበኛ ሰባኺ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ንምምላስ ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ።
ኵሉ ከንቱ ድዩ፧
3. ምስቲ ኣብ መክብብ 12:8 ዘሎ ሓሳብ ብምስምማዕ ናይ ከንቱነታት ከንቱነት እንታይ ኢዩ፧
3 ገሊኣቶም ቃላት ናይዚ ጥበበኛ ሰብኣይ እዚ ንዓበይቲ ይኹኑ መንእሰያት ዘተባብዕ ኣይኰነን ኢሎም ይሓስቡ ይዀኑ። “ናይ ከንቱነታት ከንቱነት: ኵሉ ከንቱነት እዩ: ይብል እቲ ሰባኺ።” (መክብብ 12:8) ብሓቂ ክርአ ኸሎ ኣብ ግዜ ንእስነት ነቲ ዓቢ ፈጣሪኻ ምርሳዕ: ንዕኡ ከየገልገልካ ምእራግ: ብዘይካ እርጋን እዚ ገይረ እትብሎ ዘይብልካ ኴንካ ብዕድመ ክትደፍእ ናይ ከንቱነታት ከንቱነት ኢዩ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ኣብዛ ኣብ ትሕቲ እቲ እኩይ ሰይጣን ድያብሎስ ዘላ ዓለም ሃብትን ዝናን ኣትሪፉ እንተ ሞተ እውን ኵሉ ነገር ከንቱ ወይ ባዶ ኢዩ።—1 ዮሃንስ 5:19
4. ከንቱነት ዝዀነ ኵሉ ነገራት ኣይኰነን ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧
4 ነቶም ከም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ኰይኖም ኣብ ሰማይ መዝገብ ዘቐምጡ ግን ከንቱ ዝዀኖም ኵሉ ነገራት ኣይኰነን። (ማቴዎስ 6:19, 20) ኣብቲ ዓስቢ ዘለዎ ዕዮ ጐይታ ብዙሕ ዝስራሕ ነገራት ኣሎ: ከምዚ ዝኣመሰለ ስራሕ ከኣ ከንቱ ከም ዘይኰነ ርግጽ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 15:58) እንተዀነ ግን: ህይወትና ዝወፈና ክርስትያናት እንተድኣ ኴንና ኣብቲ ኣምላኽ ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ክዕየ መዲብዎ ዘሎ ዕዮ ትሑዛትዶ ኢና፧ (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ወይስ ብሓፈሽኡ ካብ ናይ ጐረባብትና ብዙሕ ዘይፍለ ኣነባብራ ኢና እንነብር ዘሎና፧ ጐረባብትና ምስ እተፈላለያ ሃይማኖታውያን ማሕበራት ዝሓብሩ: ውፉያት: ኣብቲ ኣምልኾ ዝግበረሉ ቦታታት ከይዶም ዝካፈሉ: ከምኡውን ነቲ ኣምልኽኦም ዝሓቶ ነገራት ክገብሩ ዝጽዕሩ ይዀኑ። ኣወጅቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይኰኑ እተረጋገጸ ኢዩ። ኣብቲ “ዘመን መወዳእታ” ከም ዘሎና ዘርኢ ርጡብ ፍልጠት ከምኡውን ብዛዕባ እዚ እንነብረሉ ዘሎና ግዜ ናይ ህጹጽነት ስምዒት የብሎምን።—ዳንኤል 12:4
5. እቲ ናይ ህይወት ተራ ነገራት ኣብ ናብራና ኣገዳሲ ቦታ ምስ ዝሕዝ እንታይ ኢና ክንገብር ዘሎና፧
5 የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ እዚ ዘሎናዮ ጽንኩር እዋን ከምዚ በለ:- “ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ: ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ከምቲ ብቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ: ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝአተወላ መዓልቲ: ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ እሞ: ማይ ኣይሂ መጺኡ: ንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን። ምጽኣት ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ።” (ማቴዎስ 24:37-39) ሚዛናዊ ኴንካ ምብላዕን ምስታይን ነውሪ የብሉን: መርዓ ኸኣ ኣምላኽ ባዕሉ ዝሰርዖ ነገር ኢዩ። (ዘፍጥረት 2:20-24) እቲ ናይ ህይወት ተራ ነገራት ኣብ ናብራና ኣገዳሲ ቦታ ምስ ዝሕዝ ግን: ስለምንታይ ብዛዕብኡ ዘይንጽሊ፧ የሆዋ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንኸነቐድም: ቅኑዕ ዘበለ ንኽንገብር: ከምኡውን ኣብ ቅድሚኡ ዘሎና ግዴታ ንኽንፍጽም ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።—ማቴዎስ 6:33፣ ሮሜ 12:12፣ 2 ቈረንቶስ 13:7
ወፈያን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎና ግዴታን
6. ገለ እተጠምቁ ኣሕዋትን ኣሓትን ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎዎም ግዴታ ካብ ምፍጻም ዝሰነፉ በየናይ ኣገዳሲ መገዲ ኢዮም፧
6 ገለ እተጠምቁ ክርስትያናት ነቲ ህይወቶም ንኣምላኽ ክውፍዩ ከለዉ ከማልእዎ እተሰማምዕሉ ግዴታታት ስለ ዘይፍጽሙ ልባዊ ጸሎት ከቕርቡ የድልዮም ኢዩ። ካብ ብዙሕ ዓመታት ኣትሒዙ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ልዕሊ 300,000 ዝዀኑ ሰባት ይጥመቑ ኣለዉ: እቲ ሓፈሻዊ ቍጽሪ ናይቶም ንጡፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ብእኡ መጠን ኣይውስኽን ኢዩ ዘሎ። ገሊኦም ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክነሶም ነቲ ብስራት ካብ ምምስካር ኣቋሪጾም ኢዮም። ውልቀ-ሰባት ቅድሚ ምጥማቖም ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ትርጕም ዘለዎ ግደ ክህልዎም ይግባእ። ስለዚ ኸኣ ነቲ የሱስ ንሰዓብቱ ዝሃቦም መዝነት ይግንዘብዎ ኢዮም። ከምዚ በሎም:- “ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም: ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ: ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።” (ማቴዎስ 28:19, 20) ከም ጥዕና ምስኣንን ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ነገራትን ዝኣመሰለ ኣዝዩ ፍሉይ ኵነታት እንተ ዘየጋጢምዎም: እተጠምቁ ክነሶም ንጡፋት መሰኻኽር የሆዋን ክርስቶስን እንተድኣ ዘይኰይኖም ነቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ዓቢ ፈጣሪና ዝኣተውዎ ምሉእ ግዴታ ኣይፍጽሙን ኢዮም ዘለዉ።—ኢሳይያስ 43:10-12
7. ስርዓታውያን ኴንና ብሓባር ንኣምልኾ ክንእከብ ዝግብኣና ስለምንታይ ኢዩ፧
7 ጥንታዎት እስራኤላውያን ንኣምላኽ እተወፈዩን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኪዳን ዝነበሩን ህዝቢ ኢዮም ነይሮም: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከማልእዎ ዝነበሮም ግዴታታትውን ነበሮም። ንኣብነት: ኵሎም ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዜ ንበዓላት ክእከቡ ነበሮም: ኰነ ኢሉ ንበዓል ፋስጋ ዘየኽብር ሰብ ከኣ ‘ክምንቈስ’ ነበሮ። (ዘሁልቍ 9:13፣ ዘሌዋውያን 23:1-43፣ ዘዳግም 16:16) እስራኤላውያን ከም ውፉያት ህዝቡ መጠን ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝነበሮም ግዴታ ንኽፍጽሙ ንኣምልኾ ክእከቡ ነበሮም። (ዘዳግም 31:10-13) ኣብቲ ሕጊ ‘ንዓኻ ዝሰማምዓካ እንተድኣ ኰይኑ ግበሮ’ ዝብል ዋላ ሓንቲ ኣይነበረን። ብሓቂ እዚ ንኣምልኾ ክትእከብ ዝእዝዝ ሕጊ ነቲ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ቃላት ጳውሎስ ዘራጕዶ ኢዩ:- “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ: ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ: ንሓድሕድና ንመዓዐድ እምበር: ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ: ኣኼባና ኣይንሕደግ።” (እብራውያን 10:24, 25) እወ: ምስ ኣመንቲ ብጾት ስርዓታዊ ኴንካ ምእካብ ክፍሊ ናይቲ ሓደ ህይወቱ ዝወፈየ ክርስትያን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘለዎ ግዴታ ኢዩ።
ንውሳነታትካ ተጠንቂቕካ መምዮ!
8. ሓደ ህይወቱ ዝወፈየ መንእሰይ እቲ ዘቕርቦ ቅዱስ ኣገልግሎት ብጸሎት ክሓስበሉ ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧
8 ምናልባት ህይወትካ ንየሆዋ ዝወፈኻ መንእሰይ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ህይወትካ ቅድም ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ እንተድኣ ኣቐዲምካ ብዙሕ በረኸታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። (ምሳሌ 10:22) ጸሎትን ጥንቃቐ እተሓወሶ መደብን ብምግባር እንተወሓደ ንግዜ ንእስነትካ ኣብ ገለ ዓይነት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ከተሕልፎ ትኽእል ትኸውን። እዚ ኸኣ ነቲ ዓቢ ፈጣሪኻ ከም ዝዘከርካዮ ዘርኢ ጽቡቕ መገዲ ኢዩ። እንተዘይኰነ ግን ስጋዊ ነገራት ንዝበዝሕ ግዜኻን ኣቓልቦኻን ክሕዞ ክጅምር ኢዩ። ከምቲ ሰባት ብሓፈሻ ዝገብርዎ ቀልጢፍካ ተመርዒኻ ስጋዊ ነገራት ንምርካብ ኣብ ዕዳ ትወድቕ ትኸውን። ኣነ ዝበለ ስራሕ ግዜኻን ሓይልኻን ይወስደልካ ይኸውን። ውሉዳት እንተድኣ ኣለዉኻ ኸኣ ንዓሰርተታት ዓመታት ናይ ስድራቤት ሓላፍነት ትሽከም ትኸውን። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ነቲ ዓቢ ፈጣሪኻ እንተ ዘይረሳዕካዮ እኳ: እቲ ዳሕራይ ኣብ ህይወትካ እትስዕቦ መገዲ በቲ ሕጂ ኣቐዲምካ እትገብሮ ወይ ዘይትገብሮ መደባት ዝውሰን ምዃኑ ምግንዛብ ግን ምስትውዓል ኢዩ። ዳሕራይ ንድሕሪት ምልስ ኢልካ ክትዝክሮ ከሎኻ ግን እንተወሓደ ንእስነትካ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቅዱስ ኣገልግሎት ናይቲ ዓቢ ፈጣሪ ብዘይምውዓልካ የጣዕሰካ ይኸውን። ኣብዚ ዓመታት ንእስነትካ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዕግበት ምእንቲ ክትረክብ ብዛዕባ መጻኢኻ ንምንታይ ሕጂ ብጸሎት ዘይትሓስበሉ፧
9. ሓደ ቅድም ኣብ ጉባኤ ዓቢ ሓላፍነት ዝነበሮ: ሕጂ ኸኣ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ እንታይ ክገብር ኢዩ ዝኽእል፧
9 ብዛዕባ ኵነታት ናይ ሓደ ጓሳ “መጓሰ ኣምላኽ” ዝነበረ እውን ንርአ። (1 ጴጥሮስ 5:2, 3) ብገለ ምኽንያት ብፍቓዱ ከምዚ ዝኣመሰለ መሰላት ይገድፍ። ሓቂ ኢዩ ሕጂ ብዕድመ ደፊኡ ኢዩ: ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ክቕጽል ከኣ ዝያዳ ይኸብዶ ይኸውን። እንተዀነ ግን እንደገና ቲኦክራሲያዊ መሰላት ንምርካብ ክመጣጠርዶ ኣለዎ ኢዩ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ኣብታ ጉባኤ ዝያዳ ሓላፍነት ንምስካም ምስ ዝመጣጠር ንኻልኦት ኣየ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢዩ ዘምጽእ! ንገዛእ ርእሱ ጥራይ ኢሉ ዝነብር ሰብ ስለ ዘየለ: ንኽብሪ ኣምላኽ ኢሉ ኣገልግሎቱ ከዕቢ ምስ ዝኽእል ኣሕዋትን ፈተውትን ባህ ይብሎም። (ሮሜ 14:7, 8) ልዕሊ ዅሉ ኸኣ የሆዋ ነቲ ኣብ ኣገልግሎቱ እተገብረ ነገራት ኣይርስዕን ኢዩ። (እብራውያን 6:10-12) ስለዚ እምበኣር ነቲ ዓቢ ፈጣሪና ንምዝካር ዝሕግዘና ነገር እንታይ ኢዩ፧
ነቲ ዓቢ ፈጣሪና ንምዝካር ዝሕግዘና ነገራት
10. እቲ ሰባኺ ነቲ ዓቢ ፈጣሪና ንምዝካር ዝሕግዘና መምርሒ ብምሃብ ዝበለጸ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
10 ነቲ ዓቢ ፈጣሪና ንምዝካር ዝሕግዘና መምርሒ ብምሃብ እቲ ሰባኺ ዝበለጸ ኢዩ። የሆዋ ሓለፍ ዝበለ ጥበብ ብምሃብ እቲ ሰባኺ ንዘቕረቦ ልባዊ ጸሎት መልሲ ሂብሉ ኢዩ። (1 ነገስት 3:6-12) ሰሎሞን ንብምልኡ ጕዳያት ደቅሰብ ኣጸቢቑ መርሚርዎ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ንኻልኦት ምእንቲ ክረብሕ ኢሉ ነቲ ብምርምር ዝረኸቦ ነገራት ንኽጽሕፎ ብመንፈስ ተደሪኹ ኢዩ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ምስናይዚ ግና እቲ ሰባኺ ጥበበኛ ስለ ዝነበረ: ነቲ ህዝቢ ፍልጠት መሀሮ: ኣስተንተነ: መርመረ: ብዙሕ ምስላታት ከኣ ሰርዔ። እቲ ሰባኺ ባህ ዜብል ቃላት ኪረክብ ደለየ: እቲ ጽሑፍ ከኣ ቅኑዕን ቃላት ሓቅን እዩ።”—መክብብ 12:9, 10
11. ነቲ ጥበብ ዘለዎ ምኽሪ ሰሎሞን ክንቅበሎ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧
11 እቲ ናይ ግሪኽ ሰፕቱጀንት ነዘን ቃላት እዚኣተን ከምዚ ኢሉ ይትርጕመን:- “ኣብ ርእሲ እዚ እቲ ሰባኺ ጥበበኛ ስለ ዝነበረ: ከምኡውን ነቲ ህዝቢ ጥበብ ስለ ዝማሃሮ: ኣእዛን ሰባት ካብ ምስላታት ደስ ዘብል ነገራት ምእንቲ ክሰምዓ እቲ ሰባኺ ባህ ዘብል ቃላትን ቅኑዕ ጽሑፍን—ቃላት ሓቂ—ንምርካብ ተጊሁ መርመረ።” (ዘ ሰፕቱጀንት ባይብል: ብቻርለስ ቶምሶን እተተርጐመ) ሰሎሞን ባህ ብዘብል ቃላት ከምኡውን ብሓቂ ሰሓብን ቍም ነገር ዘለዎን ኣርእስቲ ገይሩ ልቢ ሰማዕቱ ክትንክፍ ጸዓረ። እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝርከብ ቃላቱ ውጽኢት ናይ ድራኸ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝዀነ ነቲ ዝረኸቦ ነገራትን ጥበብ ዝሓዘለ ምኽሩን ብዘይምዕጥይጣይ ክንቅበሎ ኣሎና።—2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17
12. ብናይ ገዛእ ርእስኻ ቃላት ገይርካ ነቲ ሰሎሞን ኣብ መክብብ 12:11, 12 ኢልዎ ዘሎ ሓሳብ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧
12 ኣብቲ ዘመናዊ ኣገባብ ሕትመት ዘይነበረሉ ግዜ ሰሎሞን እውን ከይተረፈ: ኣኽል-ታርፍ ጽሑፋት ነይሩ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጽሑፋት ብኸመይ ኢዩ ዝርአ ነይሩ፧ ከምዚ በለ:- “ቃላት ጠቢባን ከም ሽኻል እዩ: ንሱ ኸኣ ብእኩባት መምህራን [“ምሉእ ሓሳባት:” NW ] ኣጸቢቑ እተሸንከረ ሽንካራት እዩ: ብሓደ ጓሳ እተዋህበ ኸኣ እዩ። ብዝተረፈስ: ወደየ: መጻሕፍቲ ምጽሓፍ መወዳእታ የብሉን: ብዙሕ ምምሃር ድማ ንስጋ የድክሞ እዩ እሞ: ተጠንቀቕ።”—መክብብ 12:11, 12
13. ቃላት እቶም ኣምላኻዊ ጥበብ ዘለዎም ሰባት ከም ሽኻል ምዃኑ ክረጋገጽ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ: እቶም ከም ‘እተሸንከረ ሽኻል’ ዝዀኑኸ መን ኢዮም፧
13 ቃላት እቶም ኣምላኻዊ ጥበብ ዘለዎም ሰባት ከም ሽኻል ምዃኑ ኢዩ ዘረጋግጽ። ከመይ ኢሉ፧ ነቶም ኣንበብቲ ወይ ሰማዕቲ ምስቲ ዝሰምዕዎ ወይ ዘንበብዎ ቃላት ጥበብ ተሰማሚዖም ዕቤት ንኽገብሩ ዝድርኾም ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ እቶም ‘እኩብ ምሉእ ሓሳባት’ ወይ ብሓቂ ጥበብን ቍም ነገርን ዘለዎ ብሂላት ንምጽናዕ ትሑዛት ዝዀኑ ሰባት ከም ‘እተሸንከረ ሽንካራት’ ወይ ኣጸቢቖም ዝደልደሉ ኢዮም። እዚ ሓቂ ኢዩ ከመይሲ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ውልቀ-ሰባት ጥበብ የሆዋ ኢዮም ዘንጸባርቑ: ስለዚ ኸኣ ንኣንበብቲ ወይ ሰማዕቲ ከደልድልዎምን ክድግፍዎምን ይኽእሉ ኢዮም። ንኣምላኽ እትፈርሁ ወለዲ ምስ እትዀኑ: ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጥበብ ኣብ ኣእምሮን ልብን ደቅኹም ንምስራጽ ዝከኣለኩም ኵሉ ንምግባር ክትጽዕሩ ኣይግብኣኩምንዶ ኢዩ፧—ዘዳግም 6:4-9
14. (ሀ) ‘ብዙሕ ትምህርቲ’ ክንረኽበሉ ክንጽዕር ዘይብልና መጻሕፍቲ ኣየናይ ኢዩ፧ (ለ) ነየናይ ጽሑፋት ኢና ቀዳምነት ክንህቦ ዘሎና: ስለምንታይከ፧
14 እሞ ሰሎሞን ድኣ ስለምንታይ ኢዩ ብዛዕባ መጻሕፍቲ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዝበለ፧ ምስ ቃል የሆዋ ክወዳደር ከሎ ናይዛ ዓለም እዚኣ ኣዝዩ ብዙሕ መጻሕፍቲ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ጥራይ ዝሓዘ ኢዩ። ዝበዝሐ ካብኡ ኣተሓሳስባ ሰይጣን ዘንጸባርቕ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 4:4) ስለዚ ኸኣ ካብዚ ዓለማዊ መጻሕፍቲ እዚ “ብዙሕ ምምሃር” ዋላ ሓንቲ ነባሪ ረብሓ ኣየምጽእን ኢዩ። አረ: መብዛሕትኡ ብመንፈስ ዝጐድእ ኢዩ። ልክዕ ከም ሰሎሞን በቲ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ህይወት ዝብሎ ነገራት ነስተንትን። እዚ ንእምነትና የደልድሎ ናብ የሆዋ ኸኣ ዝያዳ የቕርበና። ናብ ካልእ መጻሕፍቲ ወይ ምንጪ ትምህርቲ ዝያዳ ኣቓልቦ ምግባር ከድክመና ይኽእል ኢዩ። ብፍላይ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽሑፋት ውጽኢት ናይቲ ምስ ኣምላኻዊ ጥበብ ዘይሰማማዕ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ምስ ዝኸውን ዘይጥዑይን ነቲ ኣብ ኣምላኽን ዕላማታቱን ዘሎና እምነት ዘጥፍእን ኢዩ። ስለዚ ካብቲ ኣብ ግዜ ሰሎሞን ዝነበረ ይኹን ኣብ ግዜና ዘሎ ጽሑፋት ንላዕሊ ኣዝዩ ጠቓሚ ናይቲ ‘ሓደ ጓሳ’ ተባሂሉ ዘሎ የሆዋ ኣምላኽ ጥበብ ዘንጸባርቕ ጽሑፋት ጥራይ ኢዩ። ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት መጻሕፍቲ 66 ኢዩ: ነዚ ኸኣ ዝለዓለ ግምት ክንህቦ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡውን በቲ ‘እሙን ባርያ’ እተዳለወ ሓጋዚ ጽሑፋት “ንምፍላጥ ኣምላኽ” ክንረኽቦ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።—ምሳሌ 2:1-6
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎና ምሉእ ግዴታ
15. (ሀ) ነቲ “ናይ ሰብ ምሉእ ግዴታ” ዝብል ቃላት ሰሎሞን ብኸመይ ምገለጽካዮ፧ (ለ) ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎና ግዴታ ክንፍጽሞ እንተድኣ ኴንና እንታይ ኢና ክንገብር ዘሎና፧
15 እቲ ሰባኺ ዝነበረ ሰሎሞን ንዅሉ ዝገበሮ ምርምር ጸሚቑ ከቕርቦ ኸሎ ከምዚ ይብል:- “መፈጸምታ ኵሉ እቲ ነገር ንስማዕ: እዚ ናይ ሰብ ኵለንትና [“ምሉእ ግዴታ:” NW ] እዩ እሞ: ንኣምላኽ ፍርሃዮ: ንትእዛዛቱውን ሐልዎ። ኣምላኽሲ ንዅሉ ግብርን ንሕቡእ ነገር ዘበለን: ሰናይ ኰነ ወይስ እኩይ: ናብ ፍርዲ ኼምጽኦ እዩ።” (መክብብ 12:13, 14) ነቲ ዓቢ ፈጣሪና ጥዑይ ወይ ናይ ኣኽብሮት ፍርሂ ምስ ዝህልወና ነቲ ኣብ ርእስናን ኣብ ርእሲ ፈተውትናን እዚ ዘይበሃል ሽግርን ጓህን ከምጽእ ዝኽእል ናይ ዕሽነት ናብራ ህይወት ንኸነርሕቕ ይሕግዘና: እዚ ኸኣ ንዓና ይኹን ንስድራቤትና ዕቝባ ኢዩ። እቲ ጥዑይ ፍርሂ ኣምላኽ ንጹህ ኢዩ: መጀመርታ ጥበብን ፍልጠትን ከኣ ኢዩ። (መዝሙር 19:9፣ ምሳሌ 1:7) ካብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽ ዓሚቝ ምስትውዓል ምስ እነጥሪ: ነቲ ምኽሪ ኸኣ ኣብ ኵሉ ነገራትና ምስ እነውዕሎ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎና “ምሉእ ግዴታ” ክንፍጽሞ ኢና። እዚ ክትገብሮ ዘሎካ ዝርዝር ግዴታታት ምውጻእ ማለት ኣይኰነን። እዚ ነቲ ኣብ ህይወት ዘጋጥም ግድላት ንምፍታሕ ከምኡውን ኵሉ ግዜ ንነገራት ብመገዲ ኣምላኽ ንምግባር ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት መምርሒ ምድላይ ማለት ኢዩ።
16. ብፍርዲ ዝመጸ የሆዋ እንታይ ኢዩ ክገብር፧
16 ካብ ኣዒንቲ እቲ ዓቢ ፈጣሪና ዝኽወል ነገር ከም ዘየለ ክንግንዘብ ይግብኣና። (ምሳሌ 15:3) ‘ንዅሉ ግብሪ ናብ ፍርዲ ከምጽኦ ኢዩ።’ እወ: እቲ ካብ ኵሉ ዝለዓለ ኣምላኽ: ነቲ ካብ ኣዒንቲ ሰባት እተሓብአ ነገራት እውን ወሲኽካ ንዅሉ ክፈርዶ ኢዩ። ብዛዕባ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓቅታት ምግንዛብ ትእዛዛት ኣምላኽ ንምሕላው ከም መለዓዓሊ ኰይኑ ከገልግል ይኽእል ኢዩ። እቲ ዝለዓለ ደራኺ ሓይሊ ግን እቲ ኣብ ሰማያዊ ኣቦና ዘሎና ፍቕሪ ክኸውን ኣለዎ: ከመይሲ ሃዋርያ ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ:- “ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ: ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ።” (1 ዮሃንስ 5:3) ትእዛዛት ኣምላኽ ነባሪ ረብሓ ንኽንረክብ ተባሂሉ እተዳለወ ስለ ዝዀነ ክትሕልዎ ዝግባእ ጥራይ ዘይኰነስ ብሓቂ እውን መገዲ ጥበብ ኢዩ። እዚ ነቲ ዓቢ ፈጣሪ ንዝፈትውዎ ሰባት ጾር ኣይኰነን። ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘለዎም ግዴታ ክፍጽሙ ኢዮም ዝደልዩ።
ንምሉእ ግዴታኻ ምፍጻም
17. ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎና ምሉእ ግዴታ ንምፍጻም ብሓቂ ድሌት ምስ ዝህልወና እንታይ ክንገብር ኢና፧
17 ብሓቂ ጥበበኛታትን ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎና ግዴታ ንኽንፍጽሞ ኸኣ ባህጊ ዘሎናን ምስ እንኸውን ንትእዛዛቱ እናሓሎና ንዕኡ ንኸይነጕህዮ ናይ ኣኽብሮት ፍርሂ ክህልወና ኢዩ። ብርግጽ እምበኣር “ፍርሃት እግዚኣብሄር መጀመርያ ጥበብ እዩ:” እቶም ትእዛዛቱ ዝሕልዉ ኸኣ “ሰናይ ልቦና” ኣለዎም። (መዝሙር 111:10፣ ምሳሌ 1:7) ስለዚ እምበኣር ብጥበብ ንመላለስ: ንኣምላኽ ድማ ብዅሉ ነገራት ንተኣዘዞ። ብፍላይ ሕጂ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ ህላወኡ ጀሚሩ: እቲ ከም ብኣምላኽ እተመዘዘ ፈራዲ ኰይኑ ዝፈርደሉ ግዜ ኸኣ ቀሪቡ ብምዃኑ ኣገዳሲ ኢዩ።—ማቴዎስ 24:3፣ 25:31, 32
18. ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎና ምሉእ ግዴታ እንተድኣ ፈጺምና እንታይ ውጽኢት ኢዩ ዝህልወና፧
18 ነፍሲ ወከፍና እምበኣር ሕጂ ኣብ ትሕቲ መለኮታዊ ምርመራ ኢና ዘሎና። መንፈሳዊ ዝንባለ ዘሎና ዲና ወይስ ዓለማዊ ጽልዋታት ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ከዳኽሞ ፈቒድናሉ ኢና፧ (1 ቈረንቶስ 2:10-16፣ 1 ዮሃንስ 2:15-17) ዓበይቲ ንኹን መንእሰያት ነቲ ዓቢ ፈጣሪና ንምሕጓስ ዝከኣለና ኵሉ ንግበር። ንየሆዋ ተኣዚዝና ሕግታቱ ድማ ምስ እንሕሉ ነቲ ከንቱ ዝዀነ ናይዛ ሓላፊት ዓለም እዚኣ ነገራት ክንነጽጎ ኢና። ድሕርዚ ኣብታ ኣምላኽ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለም ንዝህሉ ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ከነስተማቕሮ ኢና። (2 ጴጥሮስ 3:13) እዝስ ነቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንዘለዎም ምሉእ ግዴታ ዝፍጽሙ ሰባት ኣየ ከመይ ዝበለ ዓቢ ተስፋ ኰን ኢዩ!
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ ከንቱነት ዝኸውን ኵሉ ነገራት ኣይኰነን እትብል ስለምንታይ ኢኻ፧
◻ ሓደ መንእሰይ ክርስትያን ብዛዕባ እቲ ዘቕርቦ ቅዱስ ኣገልግሎት ብጸሎት ክሓስብ ዝግብኦ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ካብ ከመይ ዝበለ መጻሕፍቲ ኢና ‘ብዙሕ ክንማሃር’ ዘይብልና፧
◻ “ናይ ሰብ ምሉእ ግዴታ” ተባሂሉ ዘሎ እንታይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]
ነቶም ንየሆዋ ዘገልግሉ ከንቱ ዝዀኖም ኵሉ ነገራት ኣይኰነን
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ቃል ኣምላኽ ከምቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ ብዙሕ መጻሕፍቲ ዘይኰነስ ዘሐድስን ረብሓ ዘለዎን ኢዩ