-
ካብ መሃልየ መሃልይ ዚጐልሕ ነጥብታትግምቢ ዘብዐኛ—2006 | 15 ሕዳር
-
-
2:7፣ 3:5—እተን ወይዘራዝር ቤተ-መንግስቲ “ብሜዳቝን ብእራብ መሮርን” ከም ዚምሕላ እተገብራ ስለምንታይ እየን፧ ሜዳቝን እራብን ብግርማአንን ጽባቐአንን ፍሉጣት እየን። ስለዚ ድማ እታ ሱላሚት ነተን ወይዘራዝር ቤተ-መንግስቲ ፍቕሪ ኸየበራብራላ ወይ ከየለዓዕላላ ብዅሉ ግሩምን ጽቡቕን ዘበለ ነገራት እያ ኣምሒላተን።
-
-
ካብ መሃልየ መሃልይ ዚጐልሕ ነጥብታትግምቢ ዘብዐኛ—2006 | 15 ሕዳር
-
-
2:7፣ 3:5 እታ ጓል ገጠር ንሰሎሞን ብስምዒታዊ ፍቕሪ ተለዓዒላ ኣየፍቀረቶን። ነተን ወይዘራዝር ቤተ-መንግስቲ እውን ነቲ ጓሳ እንተ ዘይኰይኑ: ንኻልእ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንኽትፈቱ ፍቕሪ ኸየለዓዕላላ ኣምሓለተን። ንዝዀነ ይኹን ሰብ ስምዒታዊ ፍቕሪ ኸተሕድር ኣይክኣልን ጥራይ ዘይኰነስ ግቡእ እውን ኣይኰነን። ሓደ ኺምርዖ ዚደሊ ንጽል ክርስትያን: እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ ጥራይ ንኺምርዖ ኺሓስብ ኣለዎ።—1 ቈረንቶስ 7:39
-