-
ካብ መሃልየ መሃልይ ዚጐልሕ ነጥብታትግምቢ ዘብዐኛ—2006 | 15 ሕዳር
-
-
1:2, 3—ተዘክሮ ፍቕሪ እቲ ጓሳ ኸም ወይኒ: ስሙ ኸኣ ከም ቅብኢ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ልክዕ ከምቲ ወይኒ ንልቢ ሰብ ዜሐጕሶ: ኣብ ርእሲ ዚፈስስ ቅብኢ ኸኣ ዜረስርስ: ተዘክሮ ፍቕሪ እቲ ወድን ስሙን ነታ ጓል ኣበርቲዕዋን ኣጸናኒዕዋን እዩ። (መዝሙር 23:5፣ 104:15) ብተመሳሳሊ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብፍላይ ከኣ እቶም ቅቡኣት ነቲ የሱስ ክርስቶስ ዘርኣዮም ፍቕሪ ኺዝክሩ ኸለዉ ብርታዐን ምትብባዕን ይረኽቡ እዮም።
-
-
ካብ መሃልየ መሃልይ ዚጐልሕ ነጥብታትግምቢ ዘብዐኛ—2006 | 15 ሕዳር
-
-
1:2፣ 2:6 ኣብ እዋን ወረዘ ንጹህ መግለጺ ፍቕሪ ግቡእ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: መጻምድቲ ነዚ መግለጺ ፍቕሪ እዚ ናብ ብዕሉግ ጾታዊ ርክብ ዚመርሕ ርኹስ ስምዒት ኬለዓዕል ዘይኰነስ: ናብ ናይ ሓቂ ፍትወት ዚመርሕ መግለጺ ንኺገብርዎ ኺጥንቀቑ ኣለዎም።—ገላትያ 5:19
-