-
‘ሕጂ ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም’ግምቢ ዘብዐኛ—2014 | 15 ሕዳር
-
-
17, 18. (ሀ) ጎግ ንህዝቢ የሆዋ ምስ ኣጥቅዖም፡ እንታይ መምርሒ እዩ ኺውሃቦም፧ (ለ) ዕቝባ የሆዋ ኽንረክብ እንተ ደሊና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧
17 ጎግ ነቲ መጥቃዕቲ ምስ ጀመሮ፡ የሆዋ ንኣገልገልቱ፡ “ኣታ ህዝበይ፡ ኪድ፡ ናብ ሕልፍኝኻ እቶ። ማዕጾኻ ድማ ብድሕሬኻ ዕጾ፡ ቍጥዓ ኽሳዕ ዚሐልፍ ንቕሩብ ጊዜ ተሐባእ” ኺብሎም እዩ። (ኢሳ. 26:20) ኣብቲ ኣገዳሲ እዋን እቲ፡ የሆዋ ንህዝቡ፡ ህይወት ዜድሕን መምርሒ ኺህቦም እዩ፣ እቲ ‘ሕልፍኚ’ ተባሂሉ ዘሎ ኸኣ፡ ምስተን ኣብ ከከባቢና ዚርከባ ጉባኤታት እተተሓሓዘ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
18 ስለዚ፡ ኣብ ግዜ ብርቱዕ ጸበባ፡ ዕቝባ ኽንረክብ እንተ ደሊና፡ የሆዋ ኣብዚ ግዜና፡ ብጉባኤታት እተወደበ ህዝቢ ኸም ዘለዎ ኽንግንዘብ ኣሎና። ኣብ ጐድኒ እቶም ህዝቡ ደው ክንብልን ምስ ጉባኤና ኽንሓብርን ኣሎና። ሃየ እምበኣር፡ ብምሉእ ልብና ምስ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ሓቢርና፡ “ምድሓን ናይ እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] እዩ፡ በረኸትካ ኣብ ህዝብኻ ይኹን” ንበል።—መዝ. 3:8።
-