ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ኢሳይያስ 29-33
“ንጉስ ምእንቲ ጽድቂ ኺነግስ እዩ”
የሱስ እቲ ንጉስ ነቲ መጓሰ ዚከናኸኑ “መሳፍንቲ” ወይ ሽማግለታት የዳሉ
“ካብ ሃጽፊ ኸም መኸወሊ” ስለ ዝዀኑ፡ ነቲ መጓሰ ኻብ ሃጽፊ ስደትን ተስፋ ምቝራጽን የዕቍብዎ
“ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓይዝ ማይ” ስለ ዝዀኑ፡ ነቶም ብመንፈሳዊ መገዲ ዚጸምኡ፡ ጽሩይን ዘይተበከለን ሓቂ ብምክፋል የርውይዎም
“ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከም ጽላሎት ዓብዪ ኸውሒ” ስለ ዝዀኑ፡ ነቲ መጓሰ መንፈሳዊ መምርሕን ዕረፍትን ብምሃብ የቕስንዎ