-
ንሕግታት ዩኒቨርስ ዝሰርዖ መን እዩ፧ግምቢ ዘብዐኛ—2011 | 1 ሓምለ
-
-
1. ዩኒቨርስ ፈጺሙ ዘይቅየር ድዩ፧
ኣሪስቶትል፡ ኣብ ሰማይ ዚርከቡ ኽብታት ፈጺሞም ከም ዘይቅየሩ ገይሩ ይሓስብ ነበረ። እቲ ንኸዋኽብቲ ዀነ ንኻልኦት ፕላነታት ካብ መስመሮም ከይወጹ ሒዝዎም ዘሎ ነገር፡ ኪጭበጥ ወይ ኪዝርጋሕ ኣይክእልን እዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ምስዚ ዚመሳሰል ግምታዊ ሓሳብ ድዩ ዚህብ፧ ኣይፋሉን፣ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ፡ ድርቕ ዝበለ ኣረኣእያ ኣይኰነን ዘለዎ። ይኹን እምበር፡ ነዚ ዚስዕብ ዜደንቕ ስእላዊ ዘረባ እሞ ኣስተብህለሉ፦ “ንሱ እዩ ኣብ ልዕሊ እታ ኸባብ ምድሪ ዚቕመጥ፡ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ኸኣ ከም ኣንበጣ እዮም፡ ንሰማያት ከም ጋንጽላ ዚሰጥሖ፡ መሕደሪ ኪኸውን ድማ ከም ድንኳን ዚግትሮ ንሱ እዩ።”—ኢሳይያስ 40:22።a
ሎሚ፡ እቲ ኣሪስቶትል ዘዳለዎ ሞደል ድዩ ወይስ መግለጺ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ቕኑዕ ኰይኑ ተረኺቡ፧ ዘመናዊ መጽናዕቲ ቖዝሞስ ንዩኒቨርስ ብኸመይ እዩ ዚርእዮ፧ ኣብ መበል 20 ዘመን ዝነበሩ ተመራመርቲ ስነ-ኰዀብ፡ ዩኒቨርስ ዘይቅየር ከም ዘይኰነ ምስ ፈለጡ ተገሪሞም እዮም። ጋላክሲታት ንሓድሕዶም እናተረሓሓቑ እዮም ዚኸዱ ዘለዉ። ዩኒቨርስ ኪሰፍሕ ከም ዚኽእል ገይሮም ዚሓስቡ ዝነበሩ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ክንድቲ ኣይነበሩን። ሎሚ ዘለዉ ተመራመርቲ ቖዝሞስ ብሓፈሻ ግና፡ ዩኒቨርስ ኪጅምር ከሎ ኣዝዩ እተጨበጠ ኸም ዝነበረ፡ ካብኡ ንነጀው ከኣ እናተዘርግሐ ይኸይድ ከም ዘሎ እዮም ዚኣምኑ። በዚ ኸምዚ፡ ብዓይኒ ስነ-ፍልጠት ኪርአ ኸሎ፡ ሞደል ኣሪስቶትል ግዜኡ ዝሓለፎ እዩ።
ብዛዕባ ቓላት መጽሓፍ ቅዱስከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ከም ነብዪ ኢሳይያስ ዝኣመሰለ ሰብ፡ ናብ ላዕሊ ኣንቃዕሪሩ ብምጥማት፡ እቲ ብኸዋኽብቲ ዝመልአ ሰማይ ንእተገተረ ድንኳን ከም ዚመስል ገይሩ ኺሓስብ ከም ዚኽእል ምግማቱ ዜጸግም ኣይኰነን።b ነቲ ኣብ መንጎ ጋላክሲ ሊሐን “ጋንጽላ”ን ዘሎ ተመሳሳልነት እውን ኣስተብሂሉሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ቃላት ኢሳይያስ፡ ኣብ ኣእምሮና ስእሊ ይፈጥረልና እዩ። ብዛዕባ እቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ድንኳን እሞ ንሕሰብ፣ ሰባት ነቲ ንመጽለሊ ዚሰርሕዎ ዝነበሩ ድንኳን ብተሪር ዕንጨይቲ ገይሮም ቅድሚ ምትካሎም፡ ነቲ ተጠቕሊሉ ዝነበረ ቴንዳ ኺዝርግሕዎን ኪግትርዎን ነበሮም። ብዘይካዚ፡ እተጠቕለለ ንእሽቶ ዓለባ ዘርጊሑ ንዓዳጊ ዜርኢ ነጋዳይ ኣብ ኣእምሮና ኽንስእል ንኽእል ኢና። ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚ፡ ሓደ ተጠቕሊሉ ዝነበረ ነገር ተዘርጊሑን ካብ ቅድሚኡ ብዝያዳ ሰፊሑን እዩ።
ልክዕ እዩ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ንድንኳንን ንጋንጽላን ዚጠቕስ ውቁብ ኣገላልጻ፡ ግኡዝ ዩኒቨርስ እናሰፍሐ ኸም ዚኸይድ እዩ ዚገልጽ ማለትና ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዩኒቨርስ ዚህቦ መግለጺ ምስ ዘመናዊ ስነ-ፍልጠት ዚሰማማዕ ምዃኑስ ዜገርም ደይኰነን፧ ኢሳይያስ ካብቲ ኣሪስቶትል ዝነበረሉ ግዜ ልዕሊ ሰለስተ ዘመን ኣቐዲሙ፡ ስነ-ፍልጠት ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዜእምን መርትዖ ኻብ ዚረክብ ከኣ ኣሽሓት ዓመታት ኣቐዲሙ እዩ ዚነብር ነይሩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ትሑት እብራዊ ነብዪ ዝጸሓፎ መግለጺ፡ ልክዕ ከምቲ ኣሪስቶትል ብውሕልና ዝሰርሖ ሞደል እንደገና ዳግመ-ግምት ኪግበሮ ኣየድልን እዩ።
-
-
ንሕግታት ዩኒቨርስ ዝሰርዖ መን እዩ፧ግምቢ ዘብዐኛ—2011 | 1 ሓምለ
-
-
a መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምስ ትርጕም እታ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል ብዚመሳሰል መገዲ፡ ምድሪ ኸባብ ምዃና ምግላጹ ዜደንቕ እዩ። ኣሪስቶትልን ካልኦት ጥንታውያን ግሪኻውያንን፡ ምድሪ ኸባብ ምዃና ብደረጃ ኽልሰ-ሓሳብ እኳ እንተ ገለጹ፡ እዚ ግና ንነዊሕ ዘመናት ኣከራኻሪ እዩ ነይሩ።
-