መንፈስ ቅዱስ ኣብ ምፍጣር ዝነበሮ ግደ
“ሰማያት ብቓል እግዚኣብሄር፡ ብዘሎ ሰራዊቶምውን ብስትንፋስ [“ብመንፈስ፡” NW] ኣፉ ተገብሩ።”—መዝ. 33:6።
1, 2. (ሀ) ወዲ ሰብ ብዛዕባ ሰማያትን ምድርን ዘለዎ ፍልጠት ምስ ግዜ እናወሰኸ ዝኸደ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እንታይ ሕቶ እያ መልሲ ዜድልያ፧
ብ1905፡ ኣልበርት ኣንስታይን ነቲ ፍሉይ ክልሰ-ሓሳብ ተዛማድነት ኣብ ዘሕተመሉ እዋን፡ ንሱን ብዙሓት ካልኦት ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠትን፡ ዩኒቨርስ በቲ ጋላክሲ ሊሐ ዚበሃል ጋላክስና ጥራይ ከም ዝቘመ ገይሮም ይኣምኑ ነበሩ። ግዝፊ ዩኒቨርስ እምብዛ ኣንኢሶም እዮም ገሚቶምዎ። ሕጂ፡ ኣብ ሰማያት ልዕሊ 100 ቢልዮን ጋላክሲታት ከም ዘሎ፡ ገሊኡ ጋላክሲታት ከኣ ብቢልዮናት ዚቝጸር ከዋኽብቲ ሒዙ ኸም ዘሎ ይእመን። ኣብ ምድሪ ዝሓየለ ተለስኮፓት ብእተሰርሐ መጠን፡ ወይ ናብቲ ኣብ ዙርያኣ ዘሎ ምሕዋር ብእተወንጨፈ መጠን፡ ዝያዳ ጋላክሲታት ከም ዘለዉ ኺፍለጥ ተኻኢሉ እዩ።
2 ከምቲ ብ1905 ብዛዕባ ሰማያት ዝነበረ ስነ-ፍልጠት ድሩት ዝነበረ፡ ብዛዕባ ምድሪ ዝነበረ ፍልጠት እውን ካብኡ ዚፍለ ኣይነበረን። ልክዕ እዩ፡ ቅድሚ ሓደ ዘመን ዝነበሩ ሰባት፡ ካብ ኣቦሓጎታቶም ንላዕሊ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ሎሚ ግን፡ ብዛዕባ ጽባቐን ሕልኽላኻትን ህይወት ኰነ፡ ብዛዕባ እቲ ንዕኡ ዜናብር ስርዓት ዘሎ ፍልጠት፡ ካብቲ ግዜ እቲ ኣጸቢቑ ይበልጽ። ኣብ መጻኢ እውን፡ ብዛዕባ ምድርን ሰማያትን ብዙሕ ተወሳኺ ፍልጠት ከም እንቐስም ኣየጠራጥርን እዩ። ይኹን እምበር፡ ‘እዚ ዅሉ ኣብ መጀመርታ ብኸመይ ናብ ህልውና መጺኡ፧’ ኢልና ኽንሓትት ይግብኣና። መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ፈጣሪ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ስለ ዝገለጸልና ጥራይ ኢና ኽንፈልጦ እንኽእል።
ተኣምር ፍጥረት
3, 4. ኣምላኽ ንዩኒቨርስ ብኸመይ ፈጠሮ፧ ግብርታቱ ኽብሪ ዜምጽኣሉኸ ብኸመይ እዩ፧
3 ዩኒቨርስ ብኸመይ ናብ ህልውና ኸም ዝመጸ፡ ኣብተን፡ “ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ” ዚብላ ኣብ መጀመርያ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከባ ቓላት ተገሊጹ ኣሎ። (ዘፍ. 1:1) የሆዋ በቲ ንጡፍ ሓይሉ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ገይሩ፡ ነዚ ግኡዝ ሰማያትን ንምድርን ነቲ ኣብ ዩኒቨርስ ዚርከብ ዝተረፈ ነገራትን ካብ ባዶ ፈጠሮ። ከምቲ ሓደ ሰብ ብኣእዳዉን ብናውትን ገይሩ እተፈላለየ ነገራት ዚሰርሕ፡ ኣምላኽ ከኣ ዓብዪ ግብርታት ንምፍጻም መንፈስ ቅዱስ ይልእኽ እዩ።
4 ቅዱሳት ጽሑፋት ንመንፈስ ቅዱስ፡ ብምሳልያዊ መገዲ ኸም “ኣጻብዕ” ኣምላኽ ገይሩ ይጠቕሶ እዩ። (ሉቃ. 11:20፣ ማቴ. 12:28) እቲ የሆዋ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ዝፈጠሮ “ግብሪ ኣእዳዉ” ተባሂሉ ዘሎ ነገራት እውን፡ ዓብዪ ኽብሪ የምጽኣሉ እዩ። ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ፡ ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ የውሪ” ኢሉ ዘመረ። (መዝ. 19:1) እወ፡ ፍጥረት ነቲ ዜደንቕ ሓይሊ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ይምስክር እዩ። (ሮሜ 1:20) ከመይ ገይሩ እዩ ኸምኡ ዚገብር፧
ደረት ዘይብሉ ሓይሊ ኣምላኽ
5. ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ንምፍጣር ዘለዎ ሓይሊ ግለጽ።
5 እዚ ንምግማቱ ዜሸግር ኣዝዩ ሰፊሕ ዩኒቨርስ፡ ሓይልን ጸዓትን የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ዘይውዳእ ምዃኑ መርትዖ ይኸውን እዩ። (ኢሳይያስ 40:26 ኣንብብ።) ነገር ናብ ጸዓት፡ ጸዓት እውን ናብ ነገር ኪቕየር ከም ዚኽእል፡ ብዘመናዊ ስነ-ፍልጠት ተረጋጊጹ እዩ። ሓንቲ ኻብ ከዋኽብቲ ዝዀነት ጸሓይና፡ ነገር ናብ ጸዓት ብኸመይ ከም ዚቕየር ኣብነት ትህብ እያ። ኣብ ጸሓይ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካልኢት፡ ኣርባዕተ ሚልዮን ቶን ዚኣክል ነገር ናብ ብርሃንን ካልእ ዓይነት ጸዓትን ይቕየር እዩ። ሒደት ክፋል እቲ ኻብኡ ናባና ዚበጽሕ ጸዓት፡ ኣብ ምድሪ ንዘሎ ፍጡር ብህይወት ንምንባር እኹል እዩ። ንጸሓይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኻልኦት ብቢልዮናት ዚቝጸር ከዋኽብቲ ንምፍጣር፡ ብርቱዕ ሓይልን ጸዓትን ከም ዘድለየ ፍሉጥ እዩ። ምንጪ እዚ ዅሉ ሓይሊ፡ የሆዋ እዩ፣ ዝያዳ ሓይሊ ኸም ዘለዎ እውን ኣየጠራጥርን እዩ።
6, 7. (ሀ) ኣምላኽ ንመንፈስ ቅዱሱ ብስርዓታዊ መገዲ ተጠቒሙሉ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ዩኒቨርስ ብኣጋጣሚ ናብ ህልውና ኸም ዘይመጸ ዚሕብር እንታይ እዩ፧
6 ኣምላኽ ንመንፈስ ቅዱሱ፡ ብኣዝዩ ስርዓታዊ መገዲ ኸም እተጠቕመሉ ብዚሕብር መርትዖታት ተኸቢብና ኢና ዘለና። ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ፦ ሓንቲ እተፈላለየ ሕብርታት ዘለወን ኰዓሳሱ ዝመልአት ሳጹን ኣላትካ ንበል። ነተን ኰዓሳሱ ንምትሕውዋስ፡ ነታ ሳጹን ኣጸቢቕካ ትውዝውዛ። ድሕሪኡ፡ ነተን ኰዓሳሱ ብሓንሳእ ናብ ምድሪ ትኽዕወን። እተን ኰዓሳሱ በብሕብረን ተጐጃጂለን፡ ማለት ሰማያዊ ዘበላ ንበይነን፡ ብጫ ዘበላ ንበይነን፡ ካልኦት እውን ከምኡ ተጐጂለን፡ ኣብ ምድሪ ዚስርዓዶ ይመስለካ፧ እዚ ፈጺሙ ዘይከውን እዩ! ቍጽጽር ዘይተገብረሉ ተግባር፡ ሕንፍሽፍሽ ደኣ እምበር፡ ስርዓት ኣይፈጥርን እዩ። እዚ ሓቂ እዚ፡ መሰረታዊ ሕጊ ተፈጥሮ እዩ።a
7 ተለስኮፕ ናብ ሰማይ ገጽና ጌርና ምስ እንዕዘብ፡ እንታይ ኢና እንርኢ፧ ኣዝዩ ብዙሕ ጋላክሲታትን ከዋኽብትን ፕላነታትን ብዜገርም መገዲ ተሰሪዑ፡ ልክዕነት ሓልዩ ኺንቀሳቐስ ከሎ ንርኢ። እዚ ብኣጋጣሚ ወይ ብዘይ መደብን ብዘይ ቍጽጽርን ብዘጋጠመ ሓደጋ ዝመጸ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። እምበኣር፡ ‘ነዚ ስርዓት ሓልዩ ዚንቀሳቐስ ዩኒቨርስና ኣብ ምፍጣር ግደ ዝነበሮ ሓይሊ እንታይ እዩ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና። ንሕና ደቂ ሰብ ነቲ ሓይሊ እቲ ብስነ-ፍልጠታዊ ትዕዝብትን ብምከራን ጥራይ ክንፈልጦ ኣይንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ግን፡ እቲ ሓይሊ እቲ፡ እቲ ኣብ ዩኒቨርስ ካብ ኵሉ ዝበርትዐ ሓይሊ ዝዀነ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ይገልጸልና እዩ። ብዛዕባ እዚ፡ እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ሰማያት ብቓል እግዚኣብሄር፡ ብዘሎ ሰራዊቶምውን ብስትንፋስ [“ብመንፈስ፡” NW] ኣፉ ተገብሩ” ኢሉ ዘመረ። (መዝ. 33:6) ምሸት ናብ ሰማይ እንተ ጠሚትና፡ ካብቶም “ሰራዊት” ከዋኽብቲ፡ ኣመና ሒደት ጥራይ ኢና እንርኢ።
መንፈስ ቅዱስን ምድርን
8. ብዛዕባ ግብርታት የሆዋ ኽንደይ ዚኣክል ኢና እንፈልጥ፧
8 ሕጂ ብዛዕባ ተፈጥሮ እንፈልጦ ነገር፡ ምስ ኵሉ እቲ ኽንመሃሮ እንኽእል ፍልጠት ኪነጻጸር ከሎ፡ ኣብ ግምት ዚኣቱ ኣይኰነን። እቲ እሙን ሰብኣይ ዝነበረ እዮብ፡ ብዛዕባ ፍጥረት ኣምላኽ ዘሎና ፍልጠት ክሳዕ ክንደይ ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ፡ “[ካ]ብቲ መገዱስ እንሆ፡ እዚ ሓደ ጫፍ ጥራይ እዩ፡ እቲ ብዛዕባኡ እንሰምዖ ሕሽዅሽዅስ ክንደይ ቅሩብ እዩ” ኢሉ ደምዲሙ እዩ። (እዮ. 26:14) ድሕሪ ሓያሎ ዘመናት እውን፡ እቲ ንፍጥረት የሆዋ ብትዅረት እተዓዘበ ንጉስ ሰሎሞን፡ “[ኣምላኽ] ንዅሉ በብጊዜኡ ጽቡቕ ገበሮ። ሰብ ነቲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ ምስትውዓሉ እኳ ስኢኑ ኽነሱስ፡ ኣምላኽ ንዘለኣለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ” በለ።—መክ. 3:11፣ 8:17።
9, 10. ኣምላኽ ንምድሪ ኺፈጥራ ኸሎ፡ እንታይ ሓይሊ እዩ ተጠቒሙ፧ ኣብተን ሰለስተ መዓልትታት ፍጥረት እንታይ ምዕባለታት እዩ ተራእዩ፧
9 ይኹን እምበር፡ የሆዋ ብዛዕባ ግብርታቱ ኣገዳሲ ዝርዝር ሓበሬታ ገሊጹ እዩ። ንኣብነት፡ ቅድሚ ነዊሕ እዋን፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ብንጥፈት ይዓዪ ምንባሩ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ይገልጽ እዩ። (ዘፍጥረት 1:2 ኣንብብ።) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንቑጽ ምድርን ብርሃንን ኣይነበረን፣ ገሊኡ መርትዖታት ከም ዚሕብሮ እውን፡ ብህይወት ንምንባር ዜኽእል ኣየር ኣይነበረን።
10 መጽሓፍ ቅዱስ ቀጺሉ፡ ኣምላኽ ኣብተን ተኸታተልቲ መዓልትታት ፍጥረት እንታይ ከም ዝገበረ ይገልጸልና። እዚኣተን ነናይ 24 ሰዓት መዓልትታት ዘይኰናስ፡ መዋእላት እየን ነይረን። ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ፍጥረት፡ የሆዋ፡ ብርሃን ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኺበጽሕ ከም ዚጅምር ገበረ። እዚ መስርሕ እዚ፡ ጸሓይን ወርሕን ካብ ምድሪ ብንጹር ክሳዕ ዚረኣያ፡ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ቐጸለ። (ዘፍ. 1:3, 14) ኣብታ ኻልአይቲ መዓልቲ፡ ኣየር ኪስራሕ ተጀመረ። (ዘፍ. 1:6) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ምድሪ፡ ማይን ብርሃንን ኣየርን እኳ እንተ ነበራ፡ ንቑጽ ምድሪ ግን ኣይነበራን። ኣብ መጀመርታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ፍጥረት፡ የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ንቑጽ ምድሪ ኣዳለወ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ብጂኦሎጅያዊ ሓይልታት ተጠቒሙ፡ ካብቲ ንምልእቲ ምድሪ ውሒጥዋ ዝነበረ ባሕሪ፡ ኣህጉራት ከም ዚወጽእ ገይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘፍ. 1:9) ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልትን ኣብቲ ድሕሪኡ ዝነበረ መዋእላት ፍጥረትን፡ ካልእ መስተንክር ምዕባለታት ተራእዩ እዩ።
መንፈስ ቅዱስን ህያዋን ፍጥረታትን
11. እቲ ኣብ ህያዋን ፍጥረታት ዚርአ ሕልኽላኻትን ምዕሩይነትን ጽባቐን እንታይ ይሕብር፧
11 መንፈስ ቅዱስ ነቶም ብዜደንቕ መገዲ ስርዓት ዚሕልዉ ህያዋን ፍጥረታት ኣብ ምፍጣር እውን ግደ ነይርዎ እዩ። ኣብተን ካብ ሳልሰይቲ ኽሳዕ ሻድሸይቲ ዝነበራ መዓልትታት ፍጥረት፡ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ፡ በበይኑ ዝዓይነቱ ኣትክልትን እንስሳታትን ፈጢሩ እዩ። (ዘፍ. 1:11, 20-25) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ብሉጽ ዝዀነ ማእለያ ዘይብሉ ሕልኽላኻትን ምዕሩይነትን ጽባቐን ኣብ ህያዋን ፍጥረታት ዚርአ።
12. (ሀ) ዲ.ኤን.ኤ. እንታይ ኣገልግሎት ይህብ፧ (ለ) ዲ.ኤን.ኤ. ብቐጻሊ ጽቡቕ ኣገልግሎት ምሃቡ፡ እንታይ ይምህረና፧
12 ሓደ ኻብቲ ንባህርያት ፍጡራት ካብ ሓደ ወለዶ ናብቲ ዚቕጽል ወለዶ ዜመሓላልፍ ከሚካዊ መስርሕ ዝዀነ ዲ.ኤን.ኤ. (ዲኦክሲራይቦኑክሊክ ኣሲድ) እስከ ንርአ። ብማይክሮስኮፕ ጥራይ ዚረኣዩ ደቀቕቲ ነፍሳት፡ ሳዕሪ፡ ሓርማዝ፡ ዓሳ ኣንበሪ፡ ደቂ ሰብ፡ ኰታስ ኵሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህያዋን ፍጥረታት፡ ብዲ.ኤን.ኤ. እዮም ዚራብሑ። ፍጡራት ምድሪ በበይኑ ዝዓይነቶም እኳ እንተ ዀኑ፡ ነቲ ዚወርስዎ ባህርይ ዚቈጻጸር ኮድ ግን፡ ፈጺሙ ኣይቀያየርን እዩ፣ እዚ ኮድ እዚ፡ ኣብ መንጎ እተፈላለዩ ዓይነት ፍጡራት ዘሎ ፍልልይ ተዓቂቡ ንኪቕጽል ድማ ኣኽኢሉ እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ ኣብ ምድሪ ዘለዉ እተፈላለዩ ፍጡራት፡ ከምቲ የሆዋ ኣምላኽ ዝዓለሞ፡ ኣብቲ እተሓላለኸ መርበብ ህይወት ገግቡእ ኣገልግሎት ይፍጽሙ ኣለዉ። (መዝ. 139:16) እዚ ውጽኢታውን ስርዓታውን መሰናድዎ እዚ፡ ፍጥረት “በጻብዕ” ኣምላኽ፡ ማለት ብመንፈስ ቅዱስ ከም እተገብረ ተወሳኺ መርትዖ ይኸውን።
ጸብለል ዝበለ ምድራዊ ፍጡር
13. ኣምላኽ ንሰብ ብኸመይ ፈጠሮ፧
13 ኣምላኽ ንኣዝዩ ነዊሕ መዋእላት ታእላው ዘይብሉ ህያዋንን ግኡዛንን ፍጥረታት ምስ ፈጠረ፡ ድሕሪ ደጊም ምድሪ “በረኻን ጥራያን” ኣይኰነትን። ኰይኑ ግን፡ የሆዋ ብመንፈሱ ገይሩ ምፍጣር ኣየብቅዐን። ነቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዚርከቡ ዅሎም ፍጥረታት ጸብለል ዝበለ ፍጡር ኪፈጥር ተዳለወ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ እታ ሻድሸይቲ መዓልቲ ፍጥረት፡ ኣምላኽ ንሰብ ፈጠሮ። የሆዋ ንሰብ ብኸመይ እዩ ፈጢርዎ፧ ብመንፈስ ቅዱሱን በቲ ኣብ ምድሪ ዚርከብ ባእታታትን ገይሩ እዩ ፈጢርዎ።—ዘፍ. 2:7።
14. ደቂ ሰብ ካብ እንስሳታት ብምንታይ ኣገዳሲ መገዲ እዮም ዚፍለዩ፧
14 ዘፍጥረት 1:27፡ “ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም” ትብል። ብመልክዕ ኣምላኽ ተፈጢርና ኺበሃል ከሎ፡ ናይ ምፍቃርን ዝደለናዮ ናይ ምምራጽን ምስ ፈጣሪና ብሕታዊ ርክብ ናይ ምምዕባልን ክእለት ከም ዚህልወና ዄንና ተፈጢርና ማለት እዩ። ስለዚ፡ ሓንጎልና ኻብ ናይ እንስሳታት ኣጸቢቑ እዩ ዚፍለ። የሆዋ ንሓንጎልና፡ ብዛዕባኡን ብዛዕባ ግብርታቱን ንዘለኣለም ተሓጒስና እናተማሃርና ንኽንነብር ከም ዜኽእለና ገይሩ እዩ ኣዳልዩዎ።
15. ኣዳምን ሄዋንን እንታይ ኣጋጣሚ እዩ ተኸፊቱሎም ዝነበረ፧
15 ኣብ መጀመርታ ታሪኽ ደቂ ሰብ፡ ኣምላኽ ንኣዳምን ንሰበይቱ ሄዋንን፡ ምድርን ኵሉ ድንቂ ነገራታን ንኺምርምርዋን ንኺሕጐሱላን ሃቦም። (ዘፍ. 1:28) ኣኺሉ ዚተርፍ ምግብን ገነታዊት መንበሪትን ኣዳለወሎም። ንዘለኣለም ናይ ምንባርን ፍቑራት ወለዲ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ፍጹማት ደቆም ናይ ምዃንን ኣጋጣሚ ነበሮም። እንተዀነ ግን፡ ከምቲ እተሓስበ ኣይኰነን።
ግደ መንፈስ ቅዱስ ምግንዛብ
16. እቶም ቀዳሞት ወለድና እኳ እንተ ዓለዉ፡ እንታይ ተስፋ ኣሎና፧
16 ኣዳምን ሄዋንን ካብ ምስጋና ተላዒሎም ንፈጣሪኦም ኣብ ክንዲ ዚእዘዝዎ፡ ብስስዐ ተደፊኦም ካብኡ ዓለዉ። ኵሎም ዘይፍጹማት ሰባት ካብኦም እዮም ተወሊዶም፣ ብሰንኪ እዚ ድማ ሕማቕ ሳዕቤን ይዓጽዱ እዮም። ኰይኑ ግን፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንዅሉ እቲ ብሰሪ ሓጢኣት እቶም ቀዳሞት ወለድና ዝወረደ ጕድኣት ብኸመይ ከም ዜዐርዮ ይገልጽ እዩ። የሆዋ ነቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበረ ዕላማኡ ብኸመይ ከም ዚፍጽሞ እውን፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተገሊጹ ኣሎ። ምድሪ ንዘለኣለም ብዚነብሩ ሕጉሳትን ጥዑያትን ሰባት ዝመልአት ገነት ክትከውን እያ። (ዘፍ. 3:15) ኣብቲ ባህ ዜብል ተስፋ ዘሎና እምነት ሒዝና ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ሓገዝ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ የድልየና እዩ።
17. እንታይ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኢና ኸነርሕቕ ዘሎና፧
17 መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኺወሃበና፡ ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ኣሎና። (ሉቃ. 11:13) ከምኡ ምግባርና፡ ፍጥረት ብኢድ ኣምላኽ ከም እተገብረ ንዘሎና እምነት ኬደልድለልና እዩ። ሎሚ፡ ኣብ ግጉይን መሰረት ዘይብሉን ሓሳባት እተመርኰሰ ኢዝሄራውን ፍልቀታውን ፕሮፓጋንዳ ይውስኽ ኣሎ። በዚ ግጉይ ኣተሓሳስባ ክንደናገር ወይ ክንስከፍ የብልናን። ኵሎም ክርስትያናት ንኸምዚ ዝኣመሰለ መጥቃዕትን ምስኡ ተተሓሒዙ ንዚመጽእ ጸቕጢ መዛኑን ንኺጻረሩ ድሉዋት ኪዀኑ ኣለዎም።—ቈሎሴ 2:8 ኣንብብ።
18. ብዛዕባ ኣጀማምራ ዩኒቨርስን ደቂ ሰብን ክትሓስብ ከለኻ፡ መስተውዓሊ ፈጣሪ ኸም ዘየሎ ጌርካ ምሕሳብ ዕሽነት ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
18 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ኣምላኽን ዘሎና እምነት፡ ነቲ ንፍጥረት ዚድግፍ መርትዖ ብምምርማር ከነደልድሎ ኸም እንኽእል እተረጋገጸ እዩ። ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ኣጀማምራ ዩኒቨርስን ደቂ ሰብን ኪሓስቡ ኸለዉ፡ ካብ ፊዚካዊ ሓይሊ ወጻኢ ጽልዋ ዝገበረ ኸም ዘሎ ኪቕበልዎ ኣይደልዩን እዮም። ብኸምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ እንተ ተደሪትና ግን፡ ንዅሉ መርትዖ ብዘይ ኣድልዎ ገምጊምናዮ ኺበሃል ኣይከኣልን እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ነቲ ስርዓት ዝሓለወን ብዕላማ እተፈጥረን “ቍጽሪ ዜብሉ” ፍጥረታት ዕሽሽ ከም ምባል ምዀነ። (እዮ. 9:10፣ መዝ. 104:25) ክርስትያናት ስለ ዝዀንና፡ ኣብ ምፍጣር ግደ ዝነበሮ ንጡፍ ሓይሊ፡ መንፈስ ቅዱስ ምንባሩን ኣብ ትሕቲ እቲ ምስትውዓል ዘለዎ መሪሕነት የሆዋ ይዓዪ ኸም ዝነበረን ርግጸኛታት ኢና።
መንፈስ ቅዱስን ኣብ ኣምላኽ ዘሎና እምነትን
19. ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽን ብዛዕባ ተግባር መንፈሱን ብብሕቲ መርትዖ ዚዀነና እንታይ እዩ፧
19 ኣብ ኣምላኽ ንምእማንን ንዕኡ ዓብዪ ኣኽብሮት ንኸነሕድርን፡ ብዛዕባ ፍጥረት ኵሉ ነገራት ክንፈልጥ ኣየድልየናን እዩ። ኣብ የሆዋ ዘሎና እምነት፡ ከምቲ ምስ ሰባት ዘሎና ምሕዝነት ደኣ እዩ እምበር፡ ኣብ ጥረ ሓቅታት ጥራይ እተመርኰሰ ኣይኰነን። ከምቲ ኣዕሩኽ ዝያዳ እናተፋለጡ ምስ ከዱ ርክቦም ዚድልድል፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝያዳ እናፈለጥና ብዝኸድና መጠን እውን ኣብኡ ዘሎና እምነት ይድልድል እዩ። ንጸሎትና ምላሽ ኪህበና ኸሎን ስርዓታቱ ኣብ ህይወትና ምጥቃም ዘለዎ ጽቡቕ ፍረ ኽንርኢ ኸለናን እውን፡ ብዛዕባ ህልውናኡ ዘሎና እምነት ይድልድል እዩ። ንስጓሜና ኸም ዚመርሐንን ንዓና ኸም ዜዕቍበናን ኣብ ኣገልግሎቱ ንእንገብሮ ጻዕሪ ኸም ዚባርኾን ዜድልየና ዘበለ ኸም ዜማልኣልናን መርትዖታት ምስ ረኣና፡ ብዝያዳ ንቐርቦ ኢና። እዚ ዅሉ፡ ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽን ብዛዕባ ተግባር መንፈስ ቅዱሱን ሓያል መረጋገጺ ይዀነና እዩ።
20. (ሀ) ኣምላኽ ንዩኒቨርስን ንሰብን ዝፈጠረ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ብቐጻሊ ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ እንተ ተመሪሕና፡ እንታይ ንረክብ፧
20 ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ ስለ እተዛረቡ፡’ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ኻብቲ የሆዋ ንንጡፍ ሓይሉ ብኸመይ ከም እተጠቕመሉ ዜርኢ ዜደንቕ ኣብነታት እዩ። (2 ጴጥ. 1:21) ንቕዱሳት ጽሑፋት ተጠንቂቕና እንተ ኣጽኒዕናዮ፡ ኣምላኽ ንዅሉ ኸም ዝፈጠረ ዘሎና እምነት ይህነጽ እዩ። (ራእ. 4:11) የሆዋ ኻብታ ተፈታዊት ዝዀነት ፍቕሩ ተላዒሉ እዩ ፈጣሪ ዀይኑ። (1 ዮሃ. 4:8) እምበኣር፡ ሰባት ብዛዕባ እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦናን ዓርክናን ንኺመሃሩ፡ ዚከኣለና ዘበለ ንግበር። ንሕና እውን፡ ብቐጻሊ ብመንፈስ ኣምላኽ እንተ ተመሪሕና፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ንዘለኣለም ንኽንመሃር ፍሉይ ኣጋጣሚ ኪኽፈተልና እዩ። (ገላ. 5:16, 25) ሃየ እምበኣር፡ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብርታቱን ንመሃር፣ ነታ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ንሰማያትን ንምድርን ንደቂ ሰብን ኪፈጥር ከሎ ዘርኣያ ደረት ኣልቦ ፍቕሩ እውን ኣብ ህይወትና ነንጸባርቕ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብታ ኢዝ ዘር ኤ ክሪኤተር ሁ ኬርስ ኣባውት ዩ፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 24, 25 ርአ።
ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧
• ሰማያትን ምድርን ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንመንፈስ ቅዱሱ እተጠቕመሉ መገዲ እንታይ ይምህረና፧
• ብመልክዕ ኣምላኽ እተገበርና ምዃንና፡ እንታይ ኣጋጣሚታት ይኸፍተልና፧
• ብዛዕባ ፍጥረት ዘሎ መርትዖታት ክንምርምሮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
• ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ብኸመይ ኪዓቢ ይኽእል፧
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ዩኒቨርስ ዚርአ ስርዓት ብዛዕባ ፍጥረት እንታይ ይምህረና፧
[ምንጪ ስእሊ]
Stars: Anglo-Australian Observatory/David Malin Images
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእልታት]
እዚ ዅሉ ዲ.ኤን.ኤ. ኣለዎ
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ንእምነትካ ንኽትጣበቐላ ድሉው ዲኻ፧