ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: መጽሓፍ ቍጽሪ 42 ሉቃስ
ጸሓፊ:- ሉቃስ
እተጻሕፈትሉ ቦታ:- ቂሳርያ
ተጻሒፋ እተዛዘመትሉ:- ከባቢ 56–58 ድ.ክ.
እትሽፍኖ ግዜ:- 3 ቅ.ክ.–33 ድ.ክ.
ወንጌል ሉቃስ ብሓደ በሊሕ ኣእምሮን ለዋህ ልብን ዘለዎ ሰብ እያ ተጻሒፋ። እዚ ጽቡቕ ባህርያት ምስ መሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ ሓቢሩ ኸኣ: ልክዕን ምዉቕን ስምዒት ዘለዎን ጸብጻብ ኣፍርዩ። ኣብ መእተዊ ቝጽርታት: “ኣነ ኸኣ ንዅሉ ኣዳላዲለ ኻብ ጥንቲ ስዒበዮ እየ እሞ: . . . በብተራኡ ኽጽሕፈልካ ይረአየኒ አሎ” በለ። እቲ ብዝርዝርን ብጥንቃቐን ዘቕረቦ ጽሑፍ ነዚ ዝበሎ ዚምስክር እዩ።—ሉቃ. 1:3
2 ሉቃስ ኣብቲ ጸብጻብ ስሙ እኳ እንተ ዘይተጠቕሰ: ጥንታዊ ምንጭታት ግን ነዛ መጽሓፍ ከም ዝጸሓፋ ይሰማምዑሉ እዮም። ቍርጽራጽ ሙራቶሪ (ከባቢ 170 ድ.ክ.): እዛ ወንጌል እዚኣ ብሉቃስ ከም እተጻሕፈት ገሊጹ ኣሎ፣ ኣብ ካልኣይ ዘመን ዝነበሩ ኢሪንየስን ቅሌምንጦስ ብዓል እስክንድርያን ከኣ ነዚ ተቐቢሎምዎ እዮም። ውሽጣዊ መርትዖ እውን ሉቃስ ከም ዝጸሓፋ ዚሕብር ሓያል ነጥብታት ኣለዎ። ጳውሎስ ኣብ ቈሎሴ 4:14 ብዛዕባኡ: “ሉቃስ እቲ ፍቁር ሓኪም” ኢሉ ተዛሪቡ ኣሎ: ሓደ ብግቡእ እተማህረ ሓኪም ዚጽሕፎ ጽሑፍ ድማ ናይ ምሁራት ደረጃ ዝሓለወ ኪኸውን ትጽቢት ይግበረሉ እዩ። እቲ እተጠቕመሉ ብሉጽ ቋንቋን እቲ ኻብቲ ድምር ናይቲ ዝተረፈ ሰለስተ ወንጌላት ዝሰፍሐ እተፈላለየ ቓላትን: ነቲ ኣገዳሲ ርእሰ ነገር ብልዑል ጥንቃቐን ብሰፊሑን ንኺሕዞ ኣኽኣሎ። እታ ብዛዕባ እቲ ሓሻሽ ወዲ እትገልጽ ዛንታ: ብገሊኣቶም ሰባት ክሳዕ ሕጂ ኻብ እተጻሕፈ እታ ብልጽቲ ሓጻር ዛንታ ጌርካ እያ እትርአ።
3 ሉቃስ ካብቲ ኻልኦት ጸሓፍቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ እተጠቕሙሉ ኣገባብ እተፈልየ ልዕሊ 300 ሕክምናዊ ስያመታት ወይ ቃላት ተጠቒሙ ኣሎ።a ንኣብነት: ብዛዕባ ለምጺ ኺገልጽ ከሎ: ከም ካልኦት ሓንቲ ቓል ጥራይ ኣይተጠቕመን። ንኻልኦት ጸሓፍቲ ዅሉ ለምጺ: ለምጺ እዩ ነይሩ፣ ሓኪም ግን እተፈላለየ ደረጃታት ለምጺ ስለ ዚፈልጥ: ሉቃስ ብዛዕባ “ለምጺ ዝመልኦ ሰብኣይ” ተዛሪቡ ኣሎ። ብዛዕባ ኣልኣዛር: “ብቝስሊ ተወሪሱ” ኸም ዝነበረ ገለጸ። ሓማት ጴጥሮስ “ብብርቱዕ ዓሶ” ሓሚማ ምንባራ ዝገለጸ ኻልእ ጸሓፍ ወንጌል እውን የለን። (5:12፣ 16:20፣ 4:38) ጴጥሮስ ነቲ ባርያ ሊቀ ኻህናት እዝኑ ኸም ዝቘረጾ እቶም ዝተረፉ ሰለስተ ጸሓፍቲ ወንጌል ዚነግሩና እኳ እንተ ዀኑ: ሉቃስ ግን የሱስ ከም ዘሕወዮ ጠቒሱ ኣሎ። (22:51) ብዛዕባ ሓንቲ ሰበይቲ: “ኣብኣ ኻብ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ሒዙ መንፈስ ድኻም ዝሐደራ ሰበይቲ ነበረት። ንሳ ኸኣ ጐቢጣ ነበረት: ክትቀንዕውን ከቶ ኣይተኻእላን” ዚብል ጸብጻብ: ሓኪም ከም ዝጸሓፎ ይሕብር። ብዛዕባ እቲ ሳምራዊ ንሓደ ሰብኣይ ዝገበረሉ ቐዳማይ ረድኤት ኣመልኪቱ: “ኣቝሳሉ ሰፈፈሉ: ዘይትን ወይንን ከኣ ኣፍሰሰሉ” ብምባል ብዝርዝር ኪገልጽ ዚኽእል እውን “ሉቃስ: እቲ ፍቁር ሓኪም” እንተ ዘይኰይኑ ኻልእ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።—ሉቃ. 13:11፣ 10:34
4 ሉቃስ ንወንጌሉ መዓስ እዩ ጽሒፍዋ፧ ግብሪ ሃዋርያት 1:1 እቲ ንግብሪ ሃዋርያት ዝጸሓፋ ጸሓፊ (ንሱ እውን ሉቃስ እዩ) ኣቐዲሙ “እቲ ቐዳማይ ዛንታ” ማለት ወንጌል ከም ዝጸሓፈ ትሕብር እያ። ግብሪ ሃዋርያት ብ61 ድ.ክ. ኣቢላ እያ ተዛዚማ ኽትከውን እትኽእል፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ሉቃስ ምስቲ ንቄሳር ይግባይ ዝበለ እሞ ኣብ ሮሜ ዀይኑ ጕዳዩ ዚጽበ ዝነበረ ጳውሎስ ነበረ። ስለዚ: ሉቃስ ነታ ወንጌል ኣብ ቂሳርያ ብ56-58 ድ.ክ. ኣቢሉ: ማለት ድሕሪ እቲ ጳውሎስ ሳልሳይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ምዝዛሙ ምስኡ ኻብ ፊልጲ ምስ ተመልሰ: ጳውሎስ ከኣ ኣብ ቂሳርያ ንኽልተ ዓመት ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉን እዋን እዩ ጽሒፍዋ ኪኸውን ዘለዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሉቃስ ኣብኡ ኣብ ፍልስጥኤም ስለ ዝነበረ: ንህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ብዚምልከት ‘ንዅሉ ኣደላዲሉ ኻብ ጥንቲ ኺስዕቦ’ ኣብ ዚኽእለሉ ቦታ እዩ ነይሩ። ስለዚ: ወንጌል ሉቃስ ቅድሚ ወንጌል ማርቆስ ተጻሒፋ ኽትከውን ትኽእል እያ።
5 ሉቃስ ካብቶም 12 ብዘይምንባሩ: ምናልባት እውን የሱስ ክሳዕ ዚመውት ኣማኒ ስለ ዘይነበረ: ንዅሉ እቲ ኣብ ወንጌሉ እተመዝገበ ነገራት ብዓይኑ ኣይረኣዮን። ይኹን እምበር: ኣብ ዕዮ ሚስዮናውነት ምስ ጳውሎስ ብቐረባ ርክብ ነበሮ። (2 ጢሞ. 4:11፣ ፊሞ. 24) ስለዚ: ነቲ ብዛዕባ ድራር ጐይታ ዚገልጽ ኣብ ሉቃስ 22:19, 20 ከምኡውን 1 ቈረንቶስ 11:23-25 ተገሊጹ ዘሎ ኽልተ ጸብጻባት ብምንጽጻር ከም እንርእዮ: ኣብቲ ሉቃስ ዝጸሓፎ ጽሑፍ ጽልዋ ጳውሎስ ተራእዩ እዩ። ሉቃስ ከም ተወሳኺ ምንጪ ኻብ ወንጌል ማቴዎስ ይውከስ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ‘ንዅሉ ኣዳላዲሉ ንምስዓብ:’ ኣብቲ ግዜ እቲ ብህይወት ንዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ: ምናልባት ንማርያም ኣደ የሱስ: ከምኡውን ንሓያሎ ኻልኦት ኣብ ህይወት የሱስ እተፈጸመ ፍጻመታት ብዓይኖም ዝረኣዩ ሰባት ብኣካል ኬዘራርቦም ይኽእል ነበረ። ነቲ ዜተኣማምን ዝርዝር ነገራት ንምእካብ ዘይፈንቀሎ እምኒ ኸም ዘየልቦ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።
6 ነቲ ኣርባዕተ ወንጌላት ምስ እንምርምሮ: እቶም ጸሓፍቲ ነቲ እቲ ሓደ ዝጸሓፎ ዛንታ ይደግሙ: ከምኡውን ነዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መዝገብ ዚኸውን ብርክት ዝበለ መሰኻኽር የቕርቡ ጥራይ ከም ዘየለዉ ንጹር ይዀነልና እዩ። ወንጌል ሉቃስ ኣቀራርባኣ ፍልይ ዝበለት እያ። ብድምር ካብቲ ኣብታ ወንጌል ዚርከብ 59 ሚእታዊት ኣብኣ ጥራይ እዩ ዚርከብ። ኣብ ካልእ ወንጌላት ዘይተጠቕሰ: እንተ ወሓደ ሽዱሽተ ብዝርዝር እተገልጸ ተኣምራትን ዝያዳ ዕጽፊ እዚ ቝጽሪ እዚ ዚኸውን ብዝሒ ምሳሌታትን ተመዝጊቡ ኣሎ: በዚ ኸምዚ ሉቃስ ሓደ ሲሶ ወንጌሉ ንዛንታ: ክልተ ሲሶ ንእተዘርበ ቓላት ወፍዩ ኣሎ። እዛ ወንጌል እዚኣ ኻብተን ኣርባዕተ እታ ዝነውሐት እያ። ማቴዎስ ብቐዳምነት ንኣይሁድ እዩ ጽሒፉ፣ ማርቆስ ድማ ኣይሁድ ንዘይኰኑ ኣንበብቲ: ብፍላይ ከኣ ንሮማውያን እዩ ጽሒፉ። ወንጌል ሉቃስ ናብቲ “ኽቡር ቴዎፍሎስ” እተላእከት ክትከውን ከላ: ብእኡ ኣቢላ ግን ንኣይሁድን ኣይሁድ ንዘይኰኑን ሰባት እትጠቅም እያ። (ሉቃ. 1:3, 4) እቲ ብፍላይ ንኣይሁድ ዝጸሓፈ ማቴዎስ: ንወለዶ የሱስ ክሳዕ ኣብርሃም ጥራይ ኪዝርዝር ከሎ: ሉቃስ ግን ጸብጻቡ ንዅሉ ዚስሕብ ምእንቲ ኺገብር ኢሉ: ንወለዶ የሱስ ክሳዕ “ኣዳም: ወዲ ኣምላኽ” ዘርዘሮ። ነቲ ስምኦን ብዛዕባ የሱስ “ንምብራህ ኣህዛብ ብርሃን” ከም ዚኸውን እተዛረቦ ትንቢታዊ ቓላት ብፍላይ ኣስተብሃለሉ: “ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ምድሓን ኣምላኽ ኪርኢ እዩ” ድማ በለ።—3:38፣ 2:29-32፣ 3:6
7 ሉቃስ ኣብ ብምሉኡ ጽሑፉ ዛንታኡ ብግቡእ እተሰርዐን ልክዕን ብምዃኑ ብሉጽ ተራኺ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። እቲ ኣብቲ ሉቃስ ዝጸሓፎ ጽሑፋት ዚርከብ ልክዕነትን ተኣማንነትን ንሓቅነት እቲ ጽሑፋት ዚምስክር እዩ። ሓደ ብዛዕባ ሕጊ ዚጽሕፍ ሰብ ከምዚ በለ:- “ልብ ወለዳትን ኣፈ ታሪኻትን ናይ ሓሶት ምስክርነታትን ነቲ ፍጻመታት ኣብ ርሑቕ ቦታን ኣብ ዘይውሱን ግዜን ኬቐምጦ ኸሎ: በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ ተሰማዕነት ንምርካብ ‘እቲ መግለጺ ግዜን ቦታን ኪሕብር ኣለዎ’ ዚብል ንሕና ኽኢላታት ሕጊ እንመሃሮ ቐዳማይ መምርሒ ኺጥሕስ ከሎ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዛንታታት ግን ምስቲ ፍጻመታት ኣተሓሒዙ ብልዑል ልክዕነት ዕለትን ቦታን ይሕብር።”b ከም መርትዖ ሉቃስ 3:1, 2 ጠቐሰ፣ እታ ጥቕሲ ኸምዚ ትንበብ:- “ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመቱ ንግዝኣት ቄሳር ጢቤርዮስ: ጶንጥዮስ ጲላጦስ ኣብ ይሁዳ ተሸይሙ ኸሎ: ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት ድማ ኣብ ገሊላ: ፊልጶስ ሓው ብዓል ርባዕ ሽመትውን ኣብ ኢጡርያን ኣብ ሃገር ጥራኮኒቲስን: ሊሳንያስ ብዓል ርባዕ ሽመት ከኣ ኣብ ኣቢለኔ ተሸይሞም ከለዉ: ሊቃውንቲ ኻህናትውን ሃናን ቀያፋን ከለዉ: ቃል ኣምላኽ ናብ ዮሃንስ ወዲ ዘካርያስ ኣብ በረኻ መጸ።” ኣብዚ ኸም እንርእዮ ግዜ ወይ ቦታ ዘይውሱን ጌርካ ኣይሰፈረን: የግዳስ ሉቃስ ነቲ ዮሃንስን የሱስን ኣገልግሎቶም ዝጀመሩሉ ግዜ ንኽንፈልጥ ስማት እቶም ካብ ሸውዓተ ዘይውሕዱ ሰበ-ስልጣን ጠቒሱ ኣሎ።
8 ሉቃስ ኣብ ሉቃስ 2:1, 2: “ኰነ ድማ: በቲ ቕነ እቲ ዅሉ ዓለም ኪጸሐፍ: ካብ ቄሳር ኣውጉስጦስ ትእዛዝ ወጸ። እዚኣ እታ ቀሬኔዎስ ኣብ ሶርያ ተሸይሙ ኸሎ ዝዀነት ቀዳመይቲ ጽሕፈት እያ” ብምባል ነቲ የሱስ እተወልደሉ ግዜ ዚሕብር ክልተ ነጥብታት ጠቒሱ ኣሎ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዮሴፍን ማርያምን ንኺጸሓፉ ናብ ቤት-ልሄም ከዱ: ኣብኡ ኸለዉ ኸኣ የሱስ ተወልደ።c እምበኣር: “ሓደ ኻብቲ ሉቃስ ታሪኽ ናይ ምምዝጋብ ክእለት ከም ዘለዎ ዜርኢ ብሉጽ መገዲ: ፍጹም ልክዕነት ዘለዎ ነገር ኪምዝግብ ምኽኣሉ እዩ” ኢሉ ምስ እተዛረበ ወሃብ ርእይቶ ኽንሰማማዕ ንኽእል ኢና።d ነቲ ሉቃስ “ንዅሉ ኣዳላዲለ ኻብ ጥንቲ ስዒበዮ እየ” ብምባል እተዛረቦ ነገር ክንቅበሎ ኣሎና።
9 ሉቃስ: እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዚርከብ ትንቢታት ብኸመይ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ብልክዕ ከም እተፈጸመ እውን ሓቢሩ እዩ። ነቲ የሱስ ነዚ ብዚምልከት ዝሃቦ ምስክርነት ጠቒሱ ኣሎ። (24:27, 44) ብተወሳኺ: ነቲ ኣብ መጻኢ ዚፍጸም የሱስ እተዛረቦ ትንቢታት ተጠንቂቑ መዝጊብዎ ኣሎ፣ ሓያሎ ኻብዚ ኸኣ ብዜደንቕ መገዲ ብዝርዝር ተፈጺሙ እዩ። ንኣብነት: ልክዕ ከምቲ የሱስ እተነበዮ: ብ70 ድ.ክ. የሩሳሌም ብቐጽሪ ተኸቢባን ተቐማጦኣ ብዜስካሕክሕ መገዲ ሃሊቖምን እዮም። (ሉቃ. 19:43, 44፣ 21:20-24፣ ማቴ. 24:2) ምስ ሰራዊት ሮሜ ዀይኑ ነቲ ፍጻመ ብዓይኑ ዝረኣዮ ፍላቭየስ ጆሰፈስ ዚበሃል ዓለማዊ ጸሓፍ ታሪኽ: ነቲ ቐጽሪ ንምስራሕ ዜድሊ ዕንጨይቲ ንምርካብ ክሳዕ እቲ 16 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ርሒቑ ኣብ ዚርከብ ገጠራት ዝነበረ ኣእዋም ምብራሱ: እቲ ቐጽሪ 7.2 ኪሎ ሜተር ዝምንዋሑ ምንባሩ: ብዙሓት ኣንስትን ቈልዑን ብጥሜት ሙማቶም: ከምኡውን 1,000,000 ኣይሁድ ከም እተቐትሉን 97,000 ከም እተማረኹን መስኪሩ ኣሎ። ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ: እቲ ኣብ ሮማ ቘይሙ ዘሎ ሓወልቲ ቲቶስ: ነቲ ሮማውያን ካብ ቤተ መቕደስ የሩሳሌም ዝማረኽዎ ምርኮ ሒዞም ብዓወት ኪምርሹ ኸለዉ ዜርኢ ምስሊ ኣለዎ።e እቲ ሉቃስ ዝመዝገቦ ኻልእ መንፈስ ዝነፈሶ ትንቢታት እውን ብልክዕ ከም ዚፍጸም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።
ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧
30 “ወንጌል ሉቃስ” ነቲ ሓደ ሰብ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘለዎ እምንቶ ትሃንጽ: ነቲ ኻብ ዓለም ዝመጾ ጸቕጥታት ንኺጻወር ከኣ ተሐይሎ እያ። ሉቃስ: ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብልክዕ እተፈጸመሉ ሓያሎ ኣብነታት ኣቕሪቡ ኣሎ። የሱስ ንመዝነቱ ኻብ መጽሓፍ ኢሳይያስ ከም ዝወሰዶ ብንጹር ቃላት ተሓቢሩ ኣሎ: ሉቃስ ከኣ ነዚ ፍረ ነገር እዚ ኣብ ብምሉኡ መጽሓፉ እተጠቕመሉ እዩ ዚመስል። (ሉቃ. 4:17-19፣ ኢሳ. 61:1, 2) እዚ ሓደ ኻብቲ የሱስ ካብ ነብያት ዝጠቐሰሉ ኣጋጣሚታት እዩ። ነቲ ድያብሎስ ዘቕረበሉ ሰለስተ ፈተናታት ኪምልሰሉ ኸሎ ኻብ ሕጊ ሙሴ ጠቒሱ: ነቶም ተጻረርቱ: “ከመይ ኢሎም ደኣ እዮም፤ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ: ዚብሉ፧” ኢሉ ኺሓቶም ከሎ ኸኣ ካብ መዝሙራት ጠቒሱ እዩ። ወንጌል ሉቃስ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እተጠቕሰ ሓያሎ ኻልእ ጥቕስታት ሒዛ ኣላ።—ሉቃ. 4:4, 8, 12፣ 20:41-44፣ ዘዳ. 8:3፣ 6:13, 16፣ መዝ. 110:1
31 የሱስ ከምቲ ኣብ ዘካርያስ 9:9 ብትንቢት እተነግረ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ናብ የሩሳሌም ምስ ከደ: ብዙሓት ንመዝሙር 118:26 ኣብኡ ብምውዓል ብታሕጓስ ተቐቢሎምዎ እዮም። (ሉቃ. 19:35-38) ኣብ ሓደ ቦታ ድማ ኣብ ሉቃስ ዚርከብ ክልተ ቝጽርታት ጥራይ ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብዛዕባ ኣማውታ የሱስን ትንሳኤኡን እተነበዮ ሽዱሽተ ነጥብታት ሸፊንዎ ኣሎ። (ሉቃ. 18:32, 33፣ መዝ. 22:7፣ ኢሳ. 50:6፣ 53:5-7፣ ዮና. 2:1) ኣብ መወዳእታ: የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ንኣገዳስነት ኵሉ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ሓቢርዎም ነይሩ። “ንሱ ድማ፤ እዚ እቲ ምሳኻትኩም ከሎኹ: ኣብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን መዝሙራትን ብዛዕባይ እተጻሕፈ ዅሉ ኺፍጸም ይግብኦ እዩ: ኢለ ዝነገርኩኹም ቃለይ እዩ: በሎም። ሽዑ ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን: ኣእምሮኦም ከፈተሎም።” (ሉቃ. 24:44, 45) ንሕና እውን ከምቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ: ነቲ ብሉቃስን ብኻልኦት ጸሓፍቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽን ብልክዕ እተገልጸ ፍጻመታት ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብምቕላብ: ፍልጠትን ድልድልቲ እምነትን ከነጥሪ ንኽእል ኢና።
32 ሉቃስ ኣብ ብምሉኡ ወንጌሉ: ንኣንባቢኡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዜተኵር ኪገብር ጽዒሩ እዩ። ካብቲ እቲ መልኣኽ ንማርያም ብዛዕባ እቲ እትወልዶ ሕጻን “ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ: መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን” ኢሉ ዝነገረላ ኣብ መጀመርታ እታ መጽሓፍ ዚርከብ ቃላት ኣትሒዙ: ክሳዕ እቲ የሱስ ንሃዋርያቱ ኺዳን መንግስቲ ኸም ዝኣተወሎም ዝገለጸሉ ናይ መወዳእታ ምዕራፋት: ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጕሊሑ እዩ። (1:33፣ 22:28, 29) የሱስ ኣብ ስብከት መሪሕ ግደ ኸም ዝነበሮ: ከምኡውን ፈለማ ነቶም 12 ሃዋርያት: ጸኒሑ ድማ ነቶም 70 ነቲ ዕዮ እቲ ኺዓዩ ኸም ዝለኣኾም ገለጸ። (4:43፣ 9: 1, 2፣ 10:1, 8, 9) ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ብምሉእ ኣእምሮኻ ውፉይ ክትከውን ከም ዜድሊ: ኣብቲ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል ቃላት የሱስ ጐሊሑ ኣሎ:- “ምዉታት ንምዉታቶም ይቕበሩ ሕደጎም። ንስኻ ግና ኪድ: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንገር:” “ዕርፊ ብኢዱ ሒዙ ንድሕሪት ዚርኢ: ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን እዩ።”—9:60, 62
33 ሉቃስ ንኣገዳስነት ጸሎት እውን ኣጕሊሑ እዩ። ወንጌሉ በዚ መዳይ እዚ ሓለፍ ዝበለት እያ። ዘካርያስ ኣብ ውሽጢ ቤተ መቕድስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዙሓት ይጽልዩ ምንባሮም: ከም ምላሽ እቲ ውሉድ ንምርካብ ብእተገብረ ጸሎት ዮሃንስ መጥምቕ ከም እተወልደ: ከምኡውን ነብዪት ሃና ለይትን መዓልትን ትጽሊ ምንባራ ተገሊጹ ኣሎ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ: የሱስ ኣብ ዚጥመቐሉ እዋን ይጽሊ ምንባሩ: ነቶም 12 ቕድሚ ምምራጹ ምሉእ ለይቲ ኺጽሊ ምሕዳሩ: ከምኡውን ኣብቲ ተኣምራዊ ምልዋጥ ይጽሊ ምንባሩ ገሊጻ ኣላ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ: “ከይቀበጹ ዅሉ ሳዕ ኪጽልዩ” መዓዶም: ነዚ ድማ በታ ሓደ ፈራዲ ፍትሒ ኽሳዕ ዜውጽኣላ ኸይተሓለለት እትልምን መበለት ገይሩ ብምሳሌ ኣረድኦም። ሉቃስ ጥራይ እዩ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንየሱስ ምጽላይ ኪምህሮም ከም ዝሓተትዎን የሱስ ኣብ ደብረ ዘይቲ ኺጽሊ ኸሎ መልኣኽ ከም ዘበርተዖን ዝገለጸ፣ ነተን “ኣቦይ: [“ንመንፈሰይ:” NW] ኣብ ኢድካ ኤማዕቍባ አሎኹ” ዚብላ ኣብ ናይ መወዳእታ ጸሎት የሱስ ዚርከባ ቓላት ዝመዝገበ እውን ንሱ ጥራይ እዩ። (1:10, 13፣ 2:37፣ 3:21፣ 6:12፣ 9:28, 29፣ 18:1-8፣ 11:1፣ 22:39-46፣ 23:46) ከምቲ ሉቃስ ወንጌሉ ኺምዝግብ ከሎ ዝነበረ: ሎሚ እውን ጸሎት ንዅሎም እቶም ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብሩ ንምብርታዕ ዜድሊ ኣገዳሲ መሰናድዎ እዩ።
34 ሉቃስ በቲ መስተውዓሊ ኣእምሮኡን ገላጺ ቓላቱን ኣቢሉ: ንትምህርታት የሱስ ክርስቶስ ህያው ገይርዎ እዩ። እቲ የሱስ ነቶም ድኹማትን ግፉዓትን ድቑሳትን ዝነበሮ ፍቕሪ: ለውሃት: ምሕረት: ድንጋጽ: ካብቲ እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣብ ሃይማኖቶም ዜርእይዎ ዝነበሩ ጭካነ: ወግዒ: ጸቢብ ኣረኣእያ: ግብዝና ኣመና እተፈልየ እዩ ነይሩ። (4:18፣ 18:9) የሱስ ነቶም ድኻታትን ምሩኻትን ዕዉራትን ድቑሳትን ከየባተኸ የተባብዖምን ይሕግዞምን ነበረ: በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቶም ‘ኣስኣሰሩ ኺስዕቡ’ ዚደልዩ ብሉጽ ኣርኣያ ሓደገሎም።—1 ጴጥ. 2:21
35 ከምቲ እቲ ፍጹምን ገባር ተኣምራትን ወዲ ኣምላኽን ዝዀነ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱን ንዅሎም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባትን ፍቕራዊ ሓልዮት ዘርኣዮም: ንሕና እውን ኣገልግሎትና ብፍቕሪ: እወ: “ስለ ርሕሩሕ ምሕረት ኣምላኽና” ንምፍጻም ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። (ሉቃ. 1:78, 79) ነዚ ንምግባር “ወንጌል ሉቃስ” ብሓቂ ኣዝያ ጠቓሚትን ሓጋዚትን እያ። የሆዋ ነቲ “ፍቁር ሓኪም” ዝዀነ ሉቃስ ብመንፈሱ ደሪኹ: ነዚ ልክዕን ሃናጽን ዜተባብዕን ጸብጻብ ከም ዚምዝገብ ምግባሩ: በታ ብየሱስ ክርስቶስ እትምራሕ መንግስቲ ኣምላኽ ኣቢልካ ኸኣ “ምድሓን ኣምላኽ” ከም ዚርከብ ምሕባሩ ብሓቂ ኸነመስግኖ ንኽእል ኢና።—ቈሎ. 4:14፣ ሉቃ. 3:6
[እግረ-ጽሑፋት]
a ዘ መዲካል ላንጔጅ ኦቭ ሉክ: 1954: ዳብሊው. ከይ. ሆባርት: ገጽ xi-xxviii።
b ኤ ሎውየር ኤግዛማይንስ ዘ ባይብል: 1943: ኣይ. ኤች. ሊንተን: ገጽ 38።
c ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ: 2ይ ጥራዝ: ገጽ 766-7።
d ሞደርን ዲስካቨሪ ኤንድ ዘ ባይብል: 1955: ኤ. ረንደል ሾርት: ገጽ 211።
e ዘ ጂዊሽ ዎር: V: 491-515: 523 (xii, 1-4)፣ VI, 420 (ix, 3)፣ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ: 2ይ ጥራዝ: ገጽ 751-2 እውን ተወከስ።