-
የሱስ ብዛዕባ ገሃነም እሳት ድዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ግምቢ ዘብዐኛ—2008 | 15 ሰነ
-
-
ይኹን እምበር: ንቓላት የሱስ ምስታ ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ ዘላ ናይ መወዳእታ ቝጽሪ እሞ ኣነጻጽሮ።b የሱስ ነታ ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 66 እትርከብ ጥቕሲ ይእምት ከም ዝነበረስ ንጹርዶ ኸይኰነ፧ ኣብኡ እቲ ነብዪ “ኻብ የሩሳሌም ናብቲ መስዋእቲ ሰብ ዚቐርበሉን (ኤር. 7:31) ኣብ መወዳእታኡ መጕሓፊ እታ ኸተማ ዝዀነን ኣብ ከባቢኣ ዝነበረ ለሰ ሄኖም (ገሃነም)” ብዛዕባ ምውጻእ እዩ ዜመልክት ነይሩ ኪኸውን ዘለዎ። (ዘ ጀሮም ቢብሊካል ኮመንታሪ) እቲ ኣብ ኢሳይያስ 66:24 ዚርከብ ምሳልያዊ ኣዘራርባ ብዛዕባ ዚሳቐዩ ሰባት ዘይኰነስ: ብዛዕባ ሬሳታት ምንባሩ ንጹር እዩ። ከም ዘይሞቱ ተጠቒሶም ዘለዉ: ሓሳኹ ደኣ እምበር: ህያዋን ሰባት ወይ ዘይሞታ ነፍሳት ኣይኰኑን። የሱስ ደኣ እሞ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧
ኣብቲ ብካቶሊካውያን እተዳለወ ኢል ኢቫንሀሊዮ ደ ማርኮስ—ኣናሊሲስ ሊንጒስቲኮ ኢ ኮመንታርዮ ኤክስሀቲኮ ዚበሃል ጽሑፍ: ኣብ 2ይ ጥራዝ ብዛዕባ ማርቆስ 9:48 እተዋህበ ሓሳብ እሞ ኣስተብህለሉ:- “[እታ] ሓረግ ካብ ኢሳይያስ (66:24) እያ ተወሲዳ። ኣብኡ ኸኣ እቲ ነብዪ ነቲ ሬሳታት ዚጠፍኣሉ ኽልተ መገድታት ሓቢሩ ኣሎ፣ እዚ ድማ ብምምሽማሽን ብምቅጻልን እዩ። . . . ኣብቲ ጽሑፍ: ሓሳኹን ሓውን ብሓደ ተጠቒሱ ምህላዉ ነቲ ጥፍኣት ዚብል ሓሳብ ዜራጕዶ እዩ። . . . ክልቲኡ መጥፍኢ ሓይልታት ከም ነባሪ (ማለት ከም ‘ዘይመውትን ዘይጠፍእን’) ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ፣ ብሓጺሩ: ከተምልጠሉ ዘይትኽእል ምዃኑ የመልክት። ኣብዚ ኣገላልጻ እዚ: እቲ ዘይጠፍእ ነገራት ሰብ ዘይኰነስ: ሓሳኹን ሓውን እዩ፣ እዚ ኽልቲኡ ድማ ናብኡ ዝመጸ ዝዀነ ይኹን ነገር የጥፍእ። ስለዚ: እዚ ንዘለኣለማዊ ስቓይ ዘይኰነስ: ንሓደ ኻብቲ ኸም ናይ መወዳእታ ሞት ዚቝጸር ትንሳኤ ዘይርከቦ ነባሪ ጥፍኣት እዩ ዚገልጽ። እምበኣር: [ሓዊ] ምልክት ጥፍኣት እዩ።”
-