ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ኤርምያስ 17-21
የሆዋ ንኣተሓሳስባኻን ንኣካይዳኻን ኪቐርጾ ፍቐደሉ
የሆዋ ምእንቲ ኪቐርጸካ ጽቡቕ ምላሽ ሃብ
የሆዋ ብምኽሪ ወይ ብተግሳጽ ኣቢሉ ንመንፈሳዊ ባህርያትና ይቐርጾ እዩ
ተቐረጽትን እዙዛትን ክንከውን ንደሊ ኢና
የሆዋ ኸይፈቶና ሓደ ነገር ክንገብር ኣየገድደናን እዩ
ሓደ ሰራሕ ካይላ ንሓደ ኣቕሓ ብዛዕባ ዚሰርሓሉ መገዲ ሓሳቡ ኪቕይር ይኽእል እዩ
የሆዋ ናይ ምምራጽ ናጽነት ስለ ዝሃበና፡ ክንቅረጽ ወይ ከይንቕረጽ ክንመርጽ ንኽእል ኢና
የሆዋ ምስ ሰባት ንዘለዎ ርክብ በቲ ንመምርሒኡ ምላሽ ዚህብሉ መገዲ ኣቢሉ የተዓራርዮ እዩ