ከም ኤርምያስ ንቑሕ ኩን
“ንቓለይ ክተግሃሉን ከም ዚፍጸም ክገብሮን እየ።” —ኤር. 1:12።
1, 2. ‘ትግሃት’ ወይ ንቕሓት የሆዋ ምስ ኦም ለውዚ ዚተሓሓዝ ስለምንታይ እዩ፧
ኣብ ኵድዅዶታት ሊባኖስን እስራኤልን፡ ሓደ ኻብቲ ቐልጢፉ ዚዕምብብ ኣእዋም፡ ኦም ለውዚ እዩ። እቲ ባህ ዜብል ሊላ ወይ ጻዕዳ ሕብሩ፡ ካብ መወዳእታ ጥሪ ወይ መጀመርታ ለካቲት ጀሚሩ እዩ ዚርአ። እቲ ናይ እብራይስጢ ስሙ፡ ቃል ብቓሉ “ዜንቅሕ” ማለት እዩ።
2 የሆዋ ንኤርምያስ ነብዪ ኪኸውን ኪሸሞ ኸሎ፡ ንሓደ ኣገዳሲ ጕዳይ ብምሳሌ ንምግላጽ ንባህርይ ኦም ለውዚ ተጠቕመ። እቲ ነብዪ ኣብ መጀመርታ ኣገልግሎቱ፡ ጨንፈር ኦም ለውዚ ረኣየ። እዚ እንታይ ትርጕም እዩ ነይርዎ፧ የሆዋ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ንቓለይ ክተግሃሉን ከም ዚፍጸም ክገብሮን እየ” በለ። (ኤር. 1:11, 12) ከምቲ ኦም ለውዚ ኣቐዲሙ ‘ዚነቅሕ፡’ የሆዋ ድማ ንህዝቡ ዘይተኣዛዝነት ብዛዕባ ዜምጽኦ ሳዕቤን ንምጥንቃቕ፡ ብምሳልያዊ መገዲ ‘ኣንጊሁ’ ነብያቱ ለኣኸ። (ኤር. 7:25) ክሳዕ እቲ ትንቢታዊ ቓሉ ዚፍጸም ድማ ‘ተግሀ’ ወይ ነቕሐ። ብ607 ቅ.ክ. እቲ ግቡእ ግዜኡ ምስ ኣኸለ፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ኸሓዲ ህዝቢ ይሁዳ ፍርዱ ኣውረደ።
3. ንየሆዋ ብዚምልከት ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧
3 ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ፍቓዱ ንምፍጻም ትጉህ ወይ ንቑሕ እዩ። ቃሉ ኸይተፈጸመ እንተ ተረፈ ዘይዓጅቦ ኣምላኽ ኣይኰነን። የሆዋ ንቑሕ ምዃኑ ንዓኻ ዚጸልወካ ብኸመይ እዩ፧ ኣብ ዓመተ 2011፡ የሆዋ መብጽዓታቱ ንምፍጻም ‘ዚተግህ’ ወይ ዚነቅሕ ዘሎ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ ብዛዕባ እቲ ርጉጽ መብጽዓታት የሆዋ ንጠራጠር እንተ ዄንና፡ ካብ መንፈሳዊ ብዕዛዘ እንበራበረሉ እዋን ሕጂ እዩ። (ሮሜ 13:11) ኤርምያስ ከም ነብዪ የሆዋ መጠን፡ ንቑሕ እዩ ነይሩ። ኤርምያስ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ዕዮ ኣብ ምፍጻም ብኸመይን ስለምንታይን ንቑሕ ከም ዝነበረ ምምርማርና፡ ንሕና እውን ኣብቲ የሆዋ ዝሃበና ዕዮ ኽንጸንዕ ብዛዕባ እንኽእለሉ መገዲ ንኽንፈልጥ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።
ህጹጽ መልእኽቲ
4. ኤርምያስ መልእኽቱ ኣብ ዜብጽሓሉ ዝነበረ እዋን፡ እንታይ ብድሆታት ኣጋጠሞ፧ መልእኽቱ ህጹጽ ዝነበረኸ ስለምንታይ እዩ፧
4 የሆዋ ንኤርምያስ ከም ሓላዊ ገይሩ ኺሸሞ ኸሎ፡ ከባቢ ወዲ 25 ዓመት ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ኤር. 1:1, 2) ኰይኑ ግን፡ ነቶም ብዕድመ ዚዓብይዎን ስልጣን ዝነበሮምን ዓበይቲ ዓዲ ኺዛረቦም ዕድሚኡ ዘይኣኸለ ወይ ብቕዓት ዘይብሉ ዀይኑ ተሰምዖ። (ኤር. 1:6) እቲ ኺእውጆ እተዋህቦ ኣዋጅ፡ ብፍላይ ንኻህናትን ንነብያት ሓሶትን ንገዛእትን ከምኡውን ነቶም ‘በብመገዶም ዚኸዱን’ (ትርጕም 1990) ‘ጠለምትን’ ዚምልከት ኣዝዩ ኸቢድ ኵነኔን ዜፍርህ ፍርድን ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። (ኤር. 6:13፣ 8:5, 6) እታ ንኣርባዕተ ሚእቲ ዓመት ዚኣክል ማእከል ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝነበረት ብንጉስ ሰሎሞን እተሃንጸት እተደንቕ ቤተ መቕደስ ክትጠፍእ ነበራ። የሩሳሌምን ይሁዳን ኪባድማ፡ ተቐማጦአን ድማ ኪማረኹ ነበሮም። ብንጹር እምበኣር፡ እቲ ንኤርምያስ እተዋህቦ መልእኽቲ ህጹጽ እዩ ነይሩ።
5, 6. (ሀ) ሎሚ የሆዋ ነቶም ብኤርምያስ ዚምሰሉ ጕጅለ ዚጥቀመሎም ዘሎ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) መጽናዕትና ኣብ ምንታይ ዘተኰረ ኪኸውን እዩ፧
5 ኣብዚ ግዜና፡ የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ፡ ብምሳልያዊ መገዲ ኸም ሓለውቲ ዀይኖም ዜገልግሉ ጕጅለ ቕቡኣት ክርስትያናት ንደቂ ሰብ ሂብዎም እዩ። እዞም ብኤርምያስ ዚምሰሉ ጕጅለ እዚኣቶም፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚፍጽሞ ፍርዲ እናኣጠንቀቑ፡ ሰባት ነዚ እንነብረሉ ዘለና ግዜ ምእንቲ ኼድህቡሉ፡ ንሓያሎ ዓመታት ኪላበዉ ጸኒሖም እዮም። (ኤር. 6:17) መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ግዜ ብምሕላው ዝመጸ ብሉጽ ዝዀነ የሆዋ ኸም ዘይድንጒ የጕልሕ እዩ። መዓልቲ የሆዋ፡ ብሃንደበት ኣብቲ ምዱብ ግዜኣ ኽትመጽእ እያ።—ጸፎ. 3:8፣ ማር. 13:33፣ 2 ጴጥ. 3:9, 10።
6 የሆዋ ንቑሕ ከም ዝዀነን ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ ነታ ጽድቂ ዚሰፍነላ ሓዳስ ዓለም ከም ዜምጽኣን ክንርስዕ የብልናን። እቶም ብኤርምያስ ዚምሰሉ ጕጅለን እቶም ውፉያት ብጾቶምን ከኣ፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንህጹጽነት መልእኽቶም ብንቕሓት ኪከታተልዎ ኣለዎም። እዚ ንዓኻ ዚጸልወካ ብኸመይ እዩ፧ ኵልና ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ኣምላኽ ደው ክንብል ከም ዘሎና፡ የሱስ ሓቢሩ ነይሩ እዩ። ንኤርምያስ ዕዮኡ ኣብ ምፍጻም ንቑሕ ንኪኸውን ዝሓገዞ፡ ንዓና እውን ኪሕግዘና ዚኽእል ሰለስተ ባህርያት እስከ ንመርምር።
ፍቕሪ ሰባት
7. ኤርምያስ ኣጸጋሚ ዅነታት እናኣጋጠሞ ኽነሱ፡ ብኸመይ ብፍቕሪ ተደሪኹ ኸም ዝሰበኸ ግለጽ።
7 ኤርምያስ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን እናኣጋጠሞ ኽነሱ፡ ንኺሰብኽ ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ ንሰባት የፍቅር ስለ ዝነበረ እዩ። ጸገማት እቲ ህዝቢ ብሰሪ እቶም ናይ ሓሶት ጓሶት ዝመጸ ምዃኑ፡ ኤርምያስ ይፈልጥ ነበረ። (ኤር. 23:1, 2) ነዚ ምፍላጡ ኸኣ፡ ንዕዮኡ ብፍቕርን ብድንጋጽን ንኺፍጽም ሓገዞ። ደቂ ዓዱ ንቓል ኣምላኽ ሰሚዖም ብህይወት ኪነብሩ እዩ ዚደሊ ነይሩ። እቲ ነገር ኣዝዩ የተሓሳስቦ ስለ ዝነበረ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ዚመጽእ ነገር በኽዩ እዩ። (ኤርምያስ 8:21፣ 9:1 ኣንብብ።) ድጕዓ ኤርምያስ፡ ብዛዕባ እቲ ኤርምያስ ንስም የሆዋን ነቲ ህዝብን ዝነበሮ ዓሚቝ ፍቕሪ ብንጹር ትገልጽ እያ። (ድጕ. 4:6, 9) ሎሚ፡ “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ፡ ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን” ሰባት ክትርኢ ኸለኻ፡ ብዛዕባ እቲ ዜጸናንዕ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክትነግሮም ኣይትድረኽንዶ፧—ማቴ. 9:36።
8. ኤርምያስ ብመከራ ኸም ዘይተመረረ ዚሕብር እንታይ እዩ፧
8 ኤርምያስ በቶም ኪሕግዞም ዝሓሰበ ሰባት እኳ መከራ እንተ ጸገበ፡ ሕነ ኣይፈደየን ወይ ኣይተመረረን። ምስቲ ኽፉእ ዚገብር ዝነበረ ንጉስ ጼድቅያስ ኣብ ዝነበሮ ርክብ እውን፡ ዓቕልን ሕያውነትን ኣርኣየ። ዋላ እኳ ጼድቅያስ ንሞት ኣሕሊፉ እንተ ሃቦ፡ ኤርምያስ ግን ንድምጺ የሆዋ ኺሰምዕ ተማሕጸኖ። (ኤር. 38:4, 5, 19, 20) ንሕናኸ ኸም ናይ ኤርምያስ ዝኣመሰለት ሓያል ፍቕሪ ኣላትናዶ፧
ካብ ኣምላኽ ዚርከብ ትብዓት
9. ኤርምያስ ዝነበሮ ትብዓት ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧
9 የሆዋ ንፈለማ እዋን ንኤርምያስ ምስ ተዛረቦ፡ ኤርምያስ ኣድሓርሓረ። ስለዚ እምበኣር፡ እቲ ኤርምያስ ዘርኣዮ ትብዓትን ጽንዓትን፡ ካብ ርእሱ ዝመጸ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ኣብቲ ነብዪ ዀይኑ ዘገልገለሉ እዋን ዜደንቕ ብርታዐ ኼርኢ ዝኸኣለ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኣምላኽ ይውከል ስለ ዝነበረ እዩ። ብሓቂ ኸኣ፡ የሆዋ “ኸም ሓያል ጅግና” ዀይኑ ንኤርምያስ ደጊፍዎን ዕዮኡ ንኺፍጽም ዜኽእሎ ብርታዐ ሂብዎን እዩ። (ኤር. 20:11) ድፍረትን ትብዓትን ኤርምያስ ኣዝዩ ዜደንቕ ስለ ዝነበረ፡ የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዜገልግለሉ ዝነበረ እዋን፡ ገሊኦም ሰባት ንየሱስ ምስ ረኣዩ፡ ኤርምያስ እንደገና ዝተንስአ መሰሎም።—ማቴ. 16:13, 14።
10. ተረፍ ቅቡኣት “ኣብ ልዕሊ ህዝብታትን መንግስትታትን” ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧
10 የሆዋ “ንጉስ ህዝብታት” ስለ ዝዀነ፡ ንኤርምያስ ንህዝብታትን ንመንግስትታትን ዚምልከት መልእኽቲ ፍርዲ ኺእውጅ መዘዞ። (ኤር. 10:6, 7) ተረፍ ቅቡኣት “ኣብ ልዕሊ ህዝብታትን መንግስትታትን” ዝዀኑ ግን ብኸመይ እዮም፧ (ኤር. 1:10) ከምቲ ብግዜ ጥንቲ ዝነበረ ነብዪ፡ ሎሚ ዘለዉ ብኤርምያስ ዚምሰሉ ጕጅለ እውን ካብቲ ልዑላዊ ገዛኢ ዅሉ ፍጥረት ዕዮ ተዋሂብዎም ኣሎ። በዚ ኸምዚ፡ ቅቡኣት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ህዝብታትን መንግስትታትን ኣዋጅ ኪእውጁ ተመዚዞም እዮም። በቲ ልዑል ኣምላኽ ስልጣን ስለ እተዋህቦም፡ ነቲ ኣብቲ መንፈስ ቅዱስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ዚርከብ ንጹር ቋንቋ ተጠቒሞም፡ ኣምላኽ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ህዝብታትን መንግስትታትን ኣብቲ ዝመደቦ ግዜን ብዝመረጾ መገድን ከም ዚምንቍሶምን ከም ዜጥፍኦምን ይእውጁ ኣለዉ። (ኤር. 18:7-10፣ ራእ. 11:18) እቶም ብኤርምያስ ዚምሰሉ ጕጅለ ነቲ መልእኽቲ ፍርዲ የሆዋ ኣብ ብዘላ ምድሪ ንኺእውጁ ብኣምላኽ እተዋህቦም መዝነት ከይተሓለሉ ኺፍጽምዎ ቘሪጾም እዮም።
11. ኣጸጋሚ ዅነታት እናኣጋጠመና ኽነሱ እውን ከይተረፈ፡ ከይተሓለልና ንኽንሰብኽ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧
11 ሓድሓደ ግዜ፡ ምጽራር፡ ዘይምግዳስ፡ ወይ ኣጸጋሚ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ተስፋ ንቘርጽ ንኸውን። (2 ቈረ. 1:8) ኰይኑ ግን፡ ከምቲ ኤርምያስ ዘይተሓለለ፡ ንሕና እውን ኣይንተሓለል። ተስፋ ኣይንቝረጽ። የግዳስ፡ ነፍሲ ወከፍና ሓገዝ ምእንቲ ኺህበና ንኣምላኽ ብምልማንን ኣብኡ ብምውካልን፡ ‘ተባዓት’ ንኹን። (1 ተሰ. 2:2) ከም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ መጠን፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ሓላፍነት ኣብ ምፍጻም ንቑሓት ንኹን። ብዛዕባ ጥፍኣት እዛ ዘመናዊት ዘይእምንቲ የሩሳሌም ዝዀነት ህዝበ-ክርስትያን ከይተሓለልና ንኽንእውጅ ክንቈርጽ ይግብኣና። እቶም ብኤርምያስ ዚምሰሉ ጕጅለ፡ “ዓመት ጸጋ እግዚኣብሄር” ጥራይ ዘይኰነስ፡ “መዓልቲ ሕነ ኣምላኽና” እውን ይእውጁ እዮም።—ኢሳ. 61:1, 2፣ 2 ቈረ. 6:2።
ልባዊ ሓጐስ
12. ኤርምያስ ሓጐሱ ኺዕቅብ ከም ዝኸኣለ ብኸመይ ንፈልጥ፧ ከምኡ ንኺገብር ዝሓገዞ ቐንዲ ረቛሒኸ እንታይ እዩ፧
12 ኤርምያስ ብዕዮኡ ይሕጐስ ነበረ። ንየሆዋ፡ “ቃላትካ ምስ ረኸብኩ በላዕክዎ። ብስምካ ተሰምየ እየ እሞ፡ ቃላትካ ሓጐሰይን ፍስሃ ልበይን ኰነኒ” በሎ። (ኤር. 15:16) ኤርምያስ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኪውክልን ቃሉ ኺሰብኽን ንእተዋህቦ መዝነት ከም ፍሉይ መሰል ገይሩ እዩ ዚርእዮ ነይሩ። ኣብ ላግጺ እቶም ህዝቢ ኼተኵር ከሎ፡ ሓጐስ ይስእን እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ረብሓን ኣገዳስነትን መልእኽቱ ኼተኵር ከሎ ግን፡ ሓጐስ ይረክብ ነበረ።—ኤር. 20:8, 9።
13. ሓጐስና ምእንቲ ኽንዕቅብ፡ ዕምቈት ዘለዎ መንፈሳዊ ሓቅታት ክንምገብ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
13 ሎሚ እውን ካብ ዕዮ ስብከት እንረኽቦ ሓጐስ ምእንቲ ኽንዕቅብ፡ ነቲ “ዕጹም ብልዒ” ተባሂሉ ዘሎ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ዕምቈት ዘለዎ ሓቅታት ክንምገብ ኣሎና። (እብ. 5:14) ዓሚቝ መጽናዕቲ ንእምነትና የደልድላ እዩ። (ቈሎ. 2:6, 7) ስጕምትታትና ብኸመይ ንልቢ የሆዋ ኸም ዚትንክፎ ኽንርዳእ ይሕግዘና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብን ንምጽናዕን ዚኸውን ግዜ ንምርካብ ንጽገም እንተ ኣሊና፡ መደባትና ኽንምርምር ይግባእ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንሒደት ደቓይቕ ነጽንዕን ነስተንትንን እንተ ዄንና፡ ብዝያዳ ናብ የሆዋ ኽንቀርብ፡ ከም ኤርምያስ ድማ ‘ሓጐስን ፍስሃ ልብን’ ክንረክብ ኢና።
14, 15. ሀ) ኤርምያስ ንመዝነቱ ብዚግባእ ምፍጻሙ እንታይ ፍረ ኣፍርዩ፧ (ለ) ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ንዕዮ ስብከት ብዚምልከት እንታይ እዮም ዚግንዘቡ፧
14 ኤርምያስ መጠንቀቕታታትን መልእኽቲ ፍርድን የሆዋ ይእውጅ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቲ ‘ኺነድቕን ኪተክልን’ እተዋህቦ መዝነት እውን ዕሽሽ ኣይበሎን። (ኤር. 1:10) እዚ ኸኣ ፍረ ኣፍርዩ እዩ። እተወሰኑ ኣይሁድን እስራኤላውያን ዘይኰይኑ ሰባትን ካብቲ ብ607 ቅ.ክ. ዘጋጠመ ጥፍኣት የሩሳሌም ድሒኖም እዮም። ካብኣቶም ንሬካባውያንን ንዔቤድ-ሜሌክን ንባሩኽን ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። (ኤር. 35:18, 19፣ 39:15-18፣ 43:5-7) እዞም እሙናትን ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮምን ፈተውቲ ኤርምያስ፡ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ፈተውቲ እቶም ብኤርምያስ ዚምሰሉ ጕጅለ ዝዀኑ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ሰባት የመልክቱ። እቶም ብኤርምያስ ዚምሰሉ ጕጅለ ነቶም “ብዙሓት ሰብ” ብመንፈስ ክሃንጽዎም ከለዉ ባህ እዩ ዚብሎም። (ራእ. 7:9) እቶም እሙናት ብጾት ቅቡኣት እውን፡ ንቕኑዓት ሰባት ፍልጠት ሓቂ ኪቐስሙ ብምሕጋዝ ዓብዪ ዕግበት ይረኽቡ እዮም።
15 ህዝቢ ኣምላኽ፡ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንሰማዕቲ ዚወሃብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናብ ኣምላኽና ዚቐርብ ኣምልኾ ኸም ዝዀነ እውን ይግንዘቡ እዮም። ሰማዒት እዝኒ ንርከብ ኣይንርከብ ብዘየገድስ፡ ብዕዮ ስብከት ኣቢልና ንየሆዋ ቕዱስ ኣገልገሎት ምቕራብ፡ ዓሚቝ ሓጐስ የምጽኣልና እዩ።—መዝ. 71:23፣ ሮሜ 1:9 ኣንብብ።
ዕዮኻ ኣብ ምፍጻም ‘ንቑሕ ኩን’
16, 17. ራእይ 17:10ን ኣንባቆም 2:3ን ብዛዕባ ህጹጽነት እዚ እንነብረሉ ዘለና ግዜ ዚሕብራ ብኸመይ እየን፧
16 ነቲ ኣብ ራእይ 17:10 ዚርከብ መንፈስ ዝነፈሶ ትንቢት ምስ እንምርምር፡ ህጹጽነት እዚ እንነብረሉ ዘለና ግዜ ኺርድኣና ይኽእል እዩ። እቲ ሻውዓይ ንጉስ፡ ማለት ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ፡ ሕጂ ይገዝእ ኣሎ። ብዛዕባኡ፡ “ምስ መጸ ድማ ቅሩብ ኪነብር ይግብኦ እዩ” ዚብል ነንብብ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ እቲ “ቕሩብ” ተባሂሉ ዘሎ ግዜ ይጽንቀቕ እዩ ዘሎ። ነብዪ ኣንባቆም ብዛዕባ መወዳእታ እዚ እኩይ ስርዓት እዚ፡ “እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ፡ . . . ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ፡ . . . ተጸበዮ” ዚብል መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ።—ኣን. 2:3።
17 ከምዚ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት፦ ‘ናብራ ህይወተይ፡ እዚ እንነብረሉ ዘለና ግዜ ህጹጽ ምዃኑ ኸም ዝኣምን ድዩ ዚምስክር፧ ድሕሪ ሓጺር ግዜ መወዳእታ ኺመጽእ ከም ዝጽበ ድዩ ዜርኢ፧ ወይስ ዝገብሮ ውሳነታትን ቀዳምነት ዝህቦ ነገራትን ኣብዚ ቐረባ ግዜ መወዳእታ ኺመጽእ ከም ዘይጽበ ወይ ብሓፈሻ ብዛዕባ ምምጽኡ እውን ከም ዝጠራጠር ድዩ ዚሕብር፧’
18, 19. ሕጂ እንዳኸመሉ እዋን ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧
18 ዕዮ እቲ ብጕጅለ ዝቘመ ሓላዊ ገና ኣየብቅዐን። (ኤርምያስ 1:17-19 ኣንብብ።) ተረፍ ቅቡኣት ከም “ዓንዲ ሓጺንን” ከም “እተዐርደት ከተማን” ጸኒዖም ደው ኢሎም ከም ዘለዉ ምፍላጥናስ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ! ‘ሕቘኦም ብሓቂ ስለ እተዓጥቁ፡’ እተመዘዙሉ ዕዮ ኽሳዕ ዜብቅዕ ካብ ቃል ኣምላኽ ብርታዐ ኺረኽቡ ይኽእሉ እዮም። (ኤፌ. 6:14) እቶም ብኤርምያስ ዚምሰሉ ጕጅለ ነቲ ኻብ ኣምላኽ እተዋህቦም መዝነት ኪፍጽሙ ኸለዉ፡ እቶም ብዙሓት ሰብ ብንጥፈት ይሕግዝዎም እዮም።
19 ሕጂ ንመልእኽቲ ኤርምያስ 12:5 እነቕልበሉ ደኣ እምበር፡ ኣብ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ እንዳኸመሉ እዋን ኣይኰነን። (ኣንብብ።) ክንጽመሞ ዚግባእ ፈተናታት ንዅላትና የጋጥመና እዩ። እዚ ፈተናታት እዚ፡ ጐድኒ ጐድንና ምስ ዚጐዪ “ኣጋር” ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን፡ ብርቱዕ “መከራ” እናቐረበ ኣብ ዚመጽኣሉ እዋን፡ ጸበባ ኺውስኽ ክንጽበ ንኽእል ኢና። (ማቴ. 24:21) ምስቲ ብሕጂ ዜጋጥመና ጸገማት ንምቅላስ እንገብሮ ጻዕሪ፡ ልክዕ ከም ‘ምስ ኣፍራስ ምቅድዳም’ እዩ። ምስ ዚጋልቡ ኣፍራስ ምቅድዳም፡ ሓያል ጽንዓት ይሓትት። ስለዚ፡ ነቲ ሕጂ ዜጋጥመና ፈተናታት ብጽንዓት እንተ ሰጊርናዮ፡ ነቲ ብሕጂ ዚመጽእ ፈተናታት እውን ብጽንዓት ክንሰግሮ ኽንክእል ኢና።
20. እንታይ ንምግባር ቈሪጽካ ኣለኻ፧
20 ኵልና ንኤርምያስ ክንመስሎን ዕዮ ስብከትና ብዓወት ክንፍጽምን ንኽእል ኢና። ኤርምያስ ብኸም ፍቕርን ትብዓትን ሓጐስን ዝኣመሰለ ባህርያት ተደሪኹ፡ ነቲ 67 ዓመት ዝወሰደ ኣገልግሎቱ ብተኣማንነት ፈጸሞ። እቲ ምልኩዕ ዕምባባ ኦም ለውዚ፡ የሆዋ ቓሉ ምእንቲ ኺፍጽም፡ ኵሉ ሳዕ ከም ‘ዚነቅሕ’ የዘኻኽረና። ንሕና እውን ከምኡ እንገብረሉ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና። እወ፡ ከምቲ ኤርምያስ ‘ንቑሕ’ ዝነበረ፡ ንቑሓት ክንከውን ንኽእል ኢና።
ትዝክሮዶ፧
• ኤርምያስ ዕዮኡ ኣብ ምፍጻም ‘ንቑሕ’ ንኪኸውን ፍቕሪ ዝሓገዘቶ ብኸመይ እያ፧
• እቲ ኻብ ኣምላኽ ዚርከብ ትብዓት ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧
• ኤርምያስ ሓጐሱ ንኺዕቅብ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧
• ‘ንቑሕ’ ክትከውን ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
ምጽራር እናኣጋጠመካ ኽነሱ፡ ስብከትካ ትቕጽል ዲኻ፧