እቶም ኣንጻር ኣምላኽ ዝዋግኡ ኣይክዕወቱን ኢዮም!
“ኪዋግኡኻ እዮም: ግናኸ . . . ኣይኪስዕሩኻን እዮም።”—ኤርምያስ 1:19
1. ኤርምያስ ከመይ ዝበለ መዝነት ኢዩ እተቐበለ: ዕዮኡኸ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ኢዩ ቐጺሉ፧
የሆዋ ነቲ መንእሰይ ዝነበረ ኤርምያስ ንኣህዛብ ነብዪ ክኸውን መዘዞ። (ኤርምያስ 1:5) እዚ ዝዀነሉ ድማ ኣብ ግዜ እቲ ብጽቡቕ ግብሩ ዝፍለጥ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ ኢዩ ነይሩ። እቲ ናይ ኤርምያስ ትንቢት ናይ ምንባይ ኣገልግሎት ካብቲ ባቢሎን ንየሩሳሌም ቅድሚ ምስዓራ ዝነበረ እዋን ኣትሒዙ ክሳዕ እቲ ህዝቢ ኣምላኽ ንምርኮ እተወስድሉ ናይ ህውከት እዋናት ዝቕጽል ነበረ።—ኤርምያስ 1:1-3
2. የሆዋ ንኤርምያስ ብኸመይ ኢዩ ኣተባቢዕዎ: ኣንጻር እቲ ነብዪ ምውጋእ ክበሃል ከሎኸ እንታይ ማለት ኢዩ ነይሩ፧
2 እቲ ኤርምያስ ክእውጆ ዝነበሮ ፍርዲ ዝሓዘ መልእኽትታት ምጽራር ዘለዓዕል ከም ዝነበረ ምንም ኣየጠራጥርን ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ የሆዋ ንኤርምያስ ነቲ ክመጾ ዝነበሮ ኵነታት ኣዕጠቖ። (ኤርምያስ 1:8-10) ንኣብነት እቲ ነብዪ በተን “ኪዋግኡኻ እዮም: ግናኸ ምእንቲ ኸናግፈካ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ: ኣይኪስዕሩኻን እዮም: ይብል እግዚኣብሄር” ዝብላ ቃላት ተተባቢዑ ኢዩ። (ኤርምያስ 1:19) ኣንጻር ኤርምያስ ምውጋእ ክበሃል ከሎ ኣንጻር ኣምላኽ ምውጋእ ማለት ኢዩ ነይሩ። ሎሚ የሆዋ ምስቲ ናይ ኤርምያስ ተመሳሳሊ ዝዀነ ዕዮ ዘለዎም ነብያት መሰል ጕጅለ ኣገልገልቲ ኣለውዎ። ልክዕ ከም ኤርምያስ ንሳቶም እውን ነቲ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል ብትብዓት ይእውጅዎ። እዚ መልእኽቲ እዚ ኸኣ ንዅሎም ውልቀ-ሰባትን ህዝብታትን ኣብቲ ዝህብዎ ምላሽ ብምምርኳስ ንጽቡቕ ወይ ንሕማቕ ይትንክፎም። ከምቲ ብግዜ ኤርምያስ ዝነበረ ሎሚውን ንኣገልገልቱን ነቲ ብመለኮታዊ መገዲ እተዋህቦም ንጥፈታትን ብምጽራር ምስ ኣምላኽ ዝዋግኡ ኣለዉ።
ኣብ ትሕቲ መጥቃዕቲ ዝርከቡ ኣገልገልቲ የሆዋ
3. ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ መጥቃዕቲ ዝርከቡ ዘለዉ ስለምንታይ ኢዮም፧
3 ካብ መጀመርታ ናይ መበል 20 ዘመን ኣትሒዙ ህዝቢ የሆዋ መጥቃዕቲ ክወርዶም ጸኒሑ ኢዩ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት እኩይ ድራኸ ዘለዎም ሰባት ንስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከደስክልዎ—አረ: ደው ከብልዎ—ጽዒሮም ኢዮም። ነዚኣቶም ዘለዓዕሎም ከኣ እቲ ‘ዝውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ዝዘውር ዘሎ’ ቀንዲ ጸላኢና ድያብሎስ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 5:8) “ዘመናት ኣህዛብ” ብ1914 ምስ ተወድኣ: ሓድሽ ንጉስ ምድሪ ክኸውን ኣምላኽ ንወዱ ሸሞ: “ኣብ ማእከል ጸላእትኻ ግዛእ” ዝብል ትእዛዝ ከኣ ሃቦ። (ሉቃስ 21:24፣ መዝሙር 110:2) ክርስቶስ ስልጣኑ ተጠቒሙ ንድያብሎስ ካብ ሰማይ ደርብዩ ኣብ ከባቢ ምድሪ ሓጸሮ። ድያብሎስ ተሪፍዎ ዘሎ ግዜ ሓጺር ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ ኣንጻር ቅቡኣት ክርስትያናትን ብጾቶምን ይቝጣዕ ኣሎ። (ራእይ 12:9, 17) እዞም ኣንጻር ኣምላኽ ዝዋግኡ ኣካላት ዘውረድዎ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ እንታይ ኣስዓበ፧
4. ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ግዜ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ከመይ ዝበለ ፈተናታት ኢዮም ዘሕለፉ: ኣብ 1919 ከምኡውን 1922 ግን እንታይ ኢዩ እተፈጸመ፧
4 ኣብ እዋን ቀዳማይ ውግእ ዓለም ቅቡኣት ኣገልገልቲ የሆዋ ንእምነቶም ዝፍትን ብዙሕ መከራታት ኣሕሊፎም ኢዮም። ኣደዳ ላግጽን ምክፋእን ኰይኖም: ብመናዓብቲ ተሃድኑን ተቐጥቀጡን። ከምቲ የሱስ ኣቐዲሙ እተዛረቦ “ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት” ኰይኖም ኢዮም። (ማቴዎስ 24:9) ኣብ እዋን ናይ ውግእ ሕንፍሽፍሽ ጸላእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣንጻር የሱስ ክርስቶስ እተዘውተረ ሜላ ተጠቒሞምሉ ኢዮም። ንህዝቢ የሆዋ መናዓብቲ ብዝብል ስም ጠቀንዎም: ኣብ ሕምብርቲ ናይታ እትርአ ማሕበር ኣምላኽ ከኣ መጥቃዕቲ ኣውረዱ። ፕረዚደንት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝነበረ ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ ምስቶም ሸውዓተ ናይ ቀረባ መሳርሕቱ ንኽእሰር ብግንቦት 1918 ካብ ፌደራላዊ ቤት ፍርዲ: ናይ እዚ ወረቐት ተመሓላለፈ። እዞም ሸሞንተ ሰባት እዚኣቶም: ከቢድ ፍርዲ ተፈርዱ ናብቲ ኣብ ኣትላንታ: ጆርጅያ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከብ ፌደራላዊ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ተወስዱ። ድሕሪ ትሽዓተ ወርሒ ተፈትሑ። ብግንቦት 1919 እቲ ናይ ወረዳ ናይ ይግባይ ቤት ፍርዲ: እቶም ተኸሰስቲ ርትዓዊ መርመራ ኸም ዘይተገብረሎም ብምግላጽ ነቲ ፍርዲ ነጸጎ። እቲ ኽሲ ከም ብሓድሽ ክምርመር ተመልሰ: ደሓር ግን መንግስቲ ነቲ ኣኽባር ሕጊ ኣባረሮ: ሓው ራዘርፎርድን መሳርሕቱን ድማ ምሉእ ብምሉእ ናጻ ተለቁ። እንደገና ንጥፈታቶም ከካይዱ ጀመሩ: እቲ ብ1919 ከምኡውን ብ1922 ኣብ ሴዳር ፖይንት ኦሃዮ እተገብረ ዓበይቲ ኣኼባታት ከኣ ንዕዮ ስብከት ናይታ መንግስቲ ብእተሓደሰ መንፈስ ከም ዝቕጽል ገበሮ።
5. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ግዜ ናዚ ጀርመን ከመይ ዝበለ ፈተና ኢዮም ዘሕለፉ፧
5 ብ1930ታት ውልቀ-ምልካዊ ስርዓታት ተላዕለ እሞ ጀርመን: ኢጣልያ: ጃፓን ሓቢረን ሽርካ ሓይልታት መስረታ። ኣብተን ናይ መጀመርታ ዓመታት ከኣ ብፍላይ ኣብ ግዜ ናዚ ጀርመን ህዝቢ ኣምላኽ ኣራዊታዊ መስጐጕቲ ወረዶም። እገዳታት ተገብረ። ኣባይቲ ተፈተሸ: ሰብ ገዛ ኸኣ ተኣስሩ። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ እምነቶም ምሕዳግ ስለ ዝኣበዩ ድማ ኣብ መዳጐኒ ደምበታት ተሓየሩ። እቲ ኣንጻር ኣምላኽን ህዝቡን እተገብረ ቃልሲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ግዝኣት ናይቲ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ንምጽናት ኢዩ ነይሩ።a ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምእንቲ መሰሎም ክምጕቱ ናብቲ ናይ ጀርመን ኣብያተ-ፍርዲ ምስ ከዱ: እቲ ናይ ራይክ ሚኒስትሪ ፍትሒ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዘይዕወቱ ንምርግጋጽ ነዊሕ ሓሳባት ኣቕረበ። ከምዚ ኸኣ ይብል:- “ኣብያተ-ፍርዲ ግድን ነቲ ሕጊ ንኽስዕባ ኢለን ክለማመጣ የብለንን። ከምዚ ዝበለ ሕጋዊ ጸገማት ከጋጥመን ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ነቲ ዝበለጸ ሓላፍነተን ክፍጽማሉ ዝኽእላ መገድታት ሃሰስ ክብላ ኣለወን።” እዚ ኸኣ ፍትሒ ክርከብ ከም ዘይክኣል ዝእምት ኢዩ ነይሩ። ሰበ-ስልጣን ናዚ: ንንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዝዩ ጐዳኢ ወይ ሕሱም ከም ዝዀነን ‘ንህንጻ ሃገራዊ ማሕበርነት ከም ዘናውጽን’ ገይሮም ገለጽዎ።
6. ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለምን ብድሕሪኡን ንዕዮና ደው ንምባል እንታይ ጻዕርታት ኢዩ እተገብረ፧
6 ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም: ኣብ ኣውስትራልያን ካናዳን ከምኡውን ኣባላት ናይ ብሪጣንያ ሓባራዊ ሃብቲ ዝዀና ኣብ ኣፍሪቃ: እስያ: ደሴታት ካርብያንን ፓሲፊክን ዝርከባ ካልኦት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ እገዳን ቀይድን ተገብረ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ድማ ጽልዋ ዝነበሮም ጸላእትን ጌጋ ሓበሬታ እተዋህቦም ሰባትን ‘ብሕጋዊ መገዲ ዓመጽ’ ኣውረዱ። (መዝሙር 94:20) ብዛዕባ ናይ ባንዴራ ሰላምታ እተላዕለ ክርክራትን ነቲ ካብ ቤት ናብ ቤት ዝግበር ስብከት ዝኽልክል ናይ ማሕበረሰብ ድንጋገታትን ግን ኣብ ቤት ፍርዲ ብመጐተ ፈሪሱ ኢዩ: እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር እተበየነሎም ውሳነታት ንናጽነት ኣምልኾ ዝድግፍ ሕጋዊ ዕርዲ ሃኒጹ ኢዩ። ሳላ የሆዋ: ጻዕርታት ጸላኢ ኣይተዓወተን። ኣብ ኣውሮጳ እቲ ውግእ ምስ ኣኽተመ እቲ እገዳ ተላዕለ። እቶም ኣብ መዳጐኒ ደምበታት ተሓይሮም ዝነበሩ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናጻ ወጹ: እቲ ቓልሲ ግን ኣይተወድአን። ብኡንብኡ ደድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝሑል ኲናት ጀመረ። ሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳ ኣብ ህዝቢ የሆዋ ተወሳኺ ጸቕጥታት ኣምጽኣ። ንጥፈታት ኣገልግሎትና ደው ንምባል: ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ንኸይዝርጋሕ: ህዝባዊ ኣሰምብሊታት ንኸይግበር ብወግዒ ስጕምቲ ተወስደ። ብዙሓት ተኣስሩ ወይ ናብ ደምበታት ሽቕለት ተላእኩ።
እቲ ዕዮ ስብከት ይቕጽል!
7. ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ፖላንድ: ሩስያ: ከምኡውን ኣብ ካልኦት ሃገራት እንታይ ተመክሮ ኢዮም ኣሕሊፎም፧
7 ዓሰርተታት ዓመታት ምስ ሓለፈ: ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ተኸፍተ። እታ ገና ኣብ ትሕቲ ኮሚኒስታዊ ስርዓት ዝነበረት ፖላንድ ብ1982 ናይ ሓደ መዓልቲ ዓበይቲ ኣኼባታት ክግበር ኣፍቀደት። ብ1985 ከኣ ኣብታ ሃገር እቲኣ ኣህጉራዊ ዓበይቲ ኣኼባታት ተገብረ። ድሕሪኡ ኸኣ ካብ ሩስያን ዩክረይንን ዝመጹ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተኣከብቲ ዝነበርዎ ዓበይቲ ኣህጉራዊ ኣኼባታት ብ1989 ተገብረ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ሃንጋርን ፖላንድን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕጋዊ ተፈላጥነት ሃባኦም። ኣብ ቀውዒ 1989 ከኣ መንደቕ በርሊን ፈረሰ። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ድማ ኣብ ምብራቕ ጀርመን ሕጋዊ ተፈላጥነት ረኸብና: ቁሩብ ጸኒሑ እውን ኣብ በርሊን ኣህጉራዊ ዓቢ ኣኼባ ተገብረ። ኣብ መጀመርታ ናይ 1990ታት ምስቶም ኣብ ሩስያ ዘለዉ ኣሕዋት ብኣካል ንምርኻብ ጻዕርታት ተገብረ። ገለ ካብቶም ሰበ-ስልጣን ሞስኮ ምስ ተሓቱ: ብ1991 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕጋዊ ተፈላጥነት ረኸቡ። ካብ ሽዑ ንነጀው ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሩስያን ኣብተን ክፍሊ ሕብረት ሶቭየት ነበር ዝነበራ ሪፓብሊካትን ብዘደንቕ መገዲ ዓቢ ዕቤት ኣርእዩ ኢዩ።
8. ኣብተን ካልኣይ ውግእ ዓለም ድሕሪ ምብቅዑ ዝነበራ 45 ዓመታት ንህዝቢ የሆዋ እንታይ ኣጋጠሞም፧
8 መስጐጕቲ ኣብ ገለ ቦታታት እኳ እንተ ኣቋረጸ: ኣብ ገሊኡ ግን ወሲኹ ኢዩ። ካብቲ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዘብቅዓሉ ንነጀው ኣብ ዝነበረ 45 ዓመታት: ብዙሓት ሃገራት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕጋዊ ተፈላጥነት ክህባኦም ኣይደለያን። ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብ ልዕሌና ይኹን ኣብ ልዕሊ ዕዮና ኣብ ኣፍሪቃ 23 ሃገራት: ኣብ እስያ 9: ኣብ ኣውሮጳ 8: ኣብ ደቡብ ኣመሪካ 3 ሃገራት: ከምኡውን ኣብ 4 ዝዀና ደሴታት እገዳታት ተገብረ።
9. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ማላዊ ከመይ ዝበለ ኵነታት ኢዮም ኣሕሊፎም፧
9 ኣብ ማላዊ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብ1967 ዝጀመረ ኣረሜናዊ መስጐጕቲ ኣሕሊፎም ኢዮም። ኣብታ ሃገር እቲኣ ዝነብሩ ኣመንቲ ብጾትና: ብምኽንያት እቲ ከም ሓቀኛታት ክርስትያን መጠን ዘለዎም ናይ ገለልትነት ኣቕዋም ናይ ፖለቲካዊ ሰልፊ ካርድ ክዕድጉ ኣይደለዩን። (ዮሃንስ 17:16) ሰልፊ ባይቶ ማላዊ ብ1972 ኣኼባ ደድሕሪ ምግባሩ: እቲ ኣረሜናዊ መስጐጕቲ እንደገና ተላዕለ። እቶም ኣሕዋት ካብ ኣባይቶም ተሰጉ: ከይሰርሑ ኸኣ ተኸልከሉ። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ድማ ምእንቲ ከይቅተሉ ካብታ ሃገር ሃዲሞም ወጹ። ይኹን እምበር እቶም ኣንጻር ኣምላኽን ህዝቡን ዝቃለሱ ተዓዊቶምዶ ኢዮም፧ ኣይተዓወቱን! ኵነታት ምስ ተቐየረ: ኣብ ማላዊ ብ1999 ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ 43,767 ከም ዝነበረ: ልዕሊ 120,000 ዝዀኑ ኸኣ ኣብታ ሃገር እቲኣ ኣብ እተገብረ ኣውራጃዊ ኣኼባ ከም እተኻፈሉ ጸብጻብ ተዋሂቡ ኣሎ። ኣብታ ርእሲ ኸተማ ድማ ሓድሽ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ተሃንጸ።
ምኽንያት ደለዩ
10. ከምቲ ብግዜ ዳንኤል እተገብረ ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለዉ ተጻረርቲ ህዝቢ ኣምላኽከ እንታይ ኢዮም ዝገበሩ፧
10 ከሓድትን ካህናትን ካልኦትን ነቲ ካብ ቃል ኣምላኽ እነመሓላልፎ መልእኽትና ክሰምዕዎ ኣይደልዩን ኢዮም። ካብ ሃይማኖታውያን ትካላት ህዝበ-ክርስትያን ብዝግበረሎም ድፍኢት: ተጻረርቲ ነቲ ኣንጻርና ዝገብርዎ ቃልሲ ተቐባልነት ምእንቲ ኽረክብ በቲ ሕጋዊ ኢዩ ዝብልዎ መገዲ ክጻረሩ ሃሰስ ኢዮም ዝብሉ። ሓድሓደ ግዜ ከመይ ዝበለ ሜላታት ኢዮም ዝጥቀሙ፧ ውዲተኛታት ንነብዪ ዳንኤል ንምጥቃዕ እንታይ ግዲ ኢዮም ዝገበሩ፧ ኣብ ዳንኤል 6:4, 5 ከምዚ ነንብብ:- “እቶም ራእስታትን መሳፍንትን ንዳንኤል ብናይ መንግስቲ ጕዳይ ምኽንያት ኪረኽቡሉ ደለዩ: ግናኸ እሙን ነበረ: ገለ ጌጋ ወይስ መንቀፊ ኸኣ ሰአኑሉ እሞ: ምኽንያት ወይስ መንቀፊ ኺረኽቡሉ ከቶ ኣይከአሉን። ሽዑ እቶም ሰባት: ነዚ ዳንኤልሲ: በታ ሕጊ ኣምላኹ እንተ ዘይኰይኑ: ካልእ ምኽንያት ክንረኽበሉ ከቶ ኣይንኽእልን ኢና: በሉ።” ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ ተጻረርቲ ምኽንያት ክረኽቡ ኢዮም ዝደልዩ። ብዛዕባ “ሓደገኛታት ኣንቈራ” ያዕያዕ ይብሉ እሞ: ነዚ ስም እዚ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ይልጥፍሎም። ብምክፋእ: ብሽምጠጣ: ብሓሶት ገይሮም ኣብ ኣምልኾናን ኣምላኻዊ ስርዓት ብምስዓብ ኣብ እንገብሮ ምምልላስን መጥቃዕቲ የውርዱልና።
11. ገሊኦም ተጻረርቲ ህዝቢ የሆዋ ከመይ ዝበለ ናይ ሓሶት ክስታት ኢዮም ዝመስረቱ፧
11 ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ኣካላት “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ” ከም ዘሎና ኣፍልጦ ምሃብ ኣብዮም ኢዮም። (ያእቆብ 1:27) ክርስትያናዊ ዕዮታትና ኣብ 234 ሃገራት ዝዝርጋሕ እኳ እንተዀነ: ተጻረርቲ “ተፈላጥነት ዘለዎ ሃይማኖት” ኣይኰንኩምን ኢሎምና ኣለዉ። ቀቅድሚ እቲ ናይ 1998 ኣህጉራዊ ኣኼባ: ሓንቲ ኣብ ኣቴንስ እትሕተም ጋዜጣ ሓደ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ቀሺ “[ናይ የሆዋ መሰኻኽር] ‘ተፈላጥነት ዘለዎ ሃይማኖት’ ኣይኰነን” ኢሎም ከም እተዛረቡ ጠቒሳ ኣላ: እዚ ኸኣ ኣንጻር እቲ ናይ ኣውሮጳ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ዘሕለፎ ውሳነ ኢዩ። ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ከኣ: ካልእ ናይታ ኸተማ ጋዜጣ ሓደ ናይ ቤተ-ክርስትያን ኣፈኛ ዝበሎ ጠቒሳ ከምዚ በለት:- “[ናይ የሆዋ መሰኻኽር] ንየሱስ ክርስቶስ ከም ኣምላኽ ስለ ዘይርእይዎ ምስ እምነት ክርስትና ዘራኽብ ነገራት የብሎምን: ስለዚ ‘ናይ ክርስትያን ጉባኤ’ ክበሃሉ ኣይክእሉን ኢዮም።” ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገይራ ንየሱስ ምምሳል ኣድላዪ ምዃኑ እተጕልሕ ሃይማኖታዊት ማሕበር ስለ ዘየላ እዚ ብሓቂ ዘስደምም ኢዩ!
12. ኣብቲ እንገብሮ መንፈሳዊ ውግእ እንታይ ኢና ክንገብር ዘሎና፧
12 ነቲ ብስራት ብሕጋዊ መገዲ ክንከላኸለሉ: ተፈላጥነት ከም ዝረክብ ከኣ ክንገብር ኢና እንደሊ። (ፊልጲ 1:7 NW ) ኣብ ርእሲ እዚውን: ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ጽድቃዊ መለክዒታት ንምስዓብ ዝወሰድናዮ ጽኑዕ ስጕምቲ ኣይንለማመጠሉን ወይ ኣፍኲስና ኣይንርእዮን ኢና። (ቲቶስ 2:10, 12) ከም ኤርምያስ በቶም ኣንጻር ኣምላኽ ዝቃለሱ ሰባት ከይረዓድና ‘ሕቘና ተዓጢቕና ኣምላኽ ዝእዝዘና ዅሉ ንንገሮም።’ (ኤርምያስ 1:17, 18) ክንወስዶ ዘሎና ቅኑዕ መገዲ ኣየናይ ምዃኑ እቲ ቅዱስ ቃል የሆዋ ብንጹር ሓቢሩልና ኣሎ። ኣብቲ ዘይጠቅም “ቕልጽም ስጋ” ክንውከል ወይ “ኣብ ትሕቲ ጽላል ግብጺ” ማለት እዛ ዓለም እዚኣ ‘ክንጽጋዕ’ ኣይንደልን ኢና። (2 ዜና መዋእል 32:8፣ ኢሳይያስ 30:3፣ 31:1-3) ኣብቲ እንገብሮ መንፈሳዊ ውግእ: ኵሉ ግዜ ባዕለይ እፈልጥ ከይበልና ብምሉእ ልብና ብእግዚኣብሄር ክንእመን: ኣካይድና ከቕንዓልና ኸኣ ከነፍቅደሉ ይግብኣና። (ምሳሌ 3:5-7) የሆዋ እንተ ዘይሓጊዙና ባዕሉውን እንተ ዘይሓልዩና: ኵሉ ዕዮና ‘ኸንቱ’ ኢዩ ዝኸውን።—መዝሙር 127:1
ተሰጉ ግናኸ ኣይተለማመጡን
13. እቲ ኣብ ልዕሊ የሱስ ዝወረደ ሰይጣናዊ መጥቃዕቲ ፈሺሉ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧
13 ንየሆዋ ምልምማጥ ብዘይብሉ ተወፋይነት ብዛዕባ ምግልጋል ዝመጸ ዝበለጸ ኣብነት ዝዀነና እቲ መናዓቢ: ንሕግን ስርዓትን ከኣ ዝጻረር ተባሂሉ ብሓሶት እተኸሰ የሱስ ኢዩ። ጲላጦስ ነቲ ናይ የሱስ ጕዳይ ምስ መርመሮ ክፈትሖ ፍቓደኛ ኢዩ ነይሩ። እቶም ጭፍራ ግን በቶም ሃይማኖታውያን መራሕቲ ተደሪኾም የሱስ ንጹህ ክነሱ ይሰቐል ኢሎም ጨደሩ። ኣብ ክንድኡ ኸኣ ነቲ ብምንዓብን ብቕትለትን ተኣሲሩ ዝነበረ በርባን ክፍታሕ መረጹ! ጲላጦስ ነቶም እኩያት ተጻረርቲ ከም ብሓድሽ ከእምኖም እኳ እንተ ፈተነ ኣብ መወዳእታ ግን በቲ ናይቲ ህዝቢ ያዕያዕን ሓሳባትን ተሳዕረ። (ሉቃስ 23:2, 5, 14, 18-25) ሽሕ’ኳ የሱስ ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቒሉ እንተ ሞተ: የሆዋ ኣተንሲኡ ኣብ የማኑ ልዕል ስለ ዘበሎ: ኣብ ልዕሊ እቲ ንጹህ ወዲ ኣምላኽ ዝወረደ ኣረሜናዊ ዝዀነ መጥቃዕቲ ሰይጣን ምሉእ ብምሉእ ፈሺሉ ኢዩ። ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ድማ መንፈስ ቅዱስ በቲ ግርማ ዝለበሰ የሱስ ኣቢሉ ወረደ: በዚ ኸምዚ ኸኣ እታ ‘ሓዳስ ፍጥረት’ ዝዀነት ክርስትያናዊት ጉባኤ ተመስረተት።—2 ቈረንቶስ 5:17፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:1-4
14. እቶም ሃይማኖታውያን ክፍሊ ኣይሁድ ኣንጻር ሰዓብቲ የሱስ ምስ ተላዕሉ እንታይ ሰዓበ፧
14 ብድሕሪኡ ቍሩብ ጸኒሑ እቶም ሃይማኖታውያን ተጻረርቲ ነቶም ሃዋርያት ኣፈራርህዎም: ሰዓብቲ ክርስቶስ ግን ብዛዕባ እቲ ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን ምዝራብ ኣይሓደጉን። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ከምዚ ኢሎም ጸለዩ:- “ጐይታይ: ናብ ምፍርራሆም ርኤ: . . . ንባሮትካ ድማ ብዅሉ ትብዓት ቃልካ ኺዛረቡ ሀቦም።” (ግብሪ ሃዋርያት 4:29) የሆዋ ኣብ ልዕሊኦም መንፈስ ቅዱስ ብምፍሳስን ብዘይፍርሃት ምስባኾም ክቕጽሉ ሓይሊ ብምሃብን ልመናኦም መለሰሎም። ድሕሪ ቍሩብ ከኣ እቶም ሃዋርያት ምስባኽ ከቋርጹ ተኣዘዙ: ጴጥሮስን እቶም ካልኦት ሃዋርያትን ግን “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ኢሎም መለሱ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:29) ምፍርራህን ማእሰርትን መግረፍትን ነቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ስብከቶም ካብ ምስፋሕ ክዓግቶም ኣይከኣለን።
15. ገማልኤል መን ኢዩ ነይሩ: ነቶም ንሰዓብቲ የሱስ ዝጻረርዎም ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት እንታይ ምኽሪ ኢዩ ሂብዎም፧
15 እቶም ሃይማኖታውያን መራሕቲኸ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧ “እዚ ምስ ሰምዑ: ሐረቑ ኪቐትልዎም ድማ ተማኸሩ።” ይኹን እምበር ሓደ ብዅሎም ሰባት ክብሪ ዝወሃቦ ዝነበረ ገማልኤል ዝስሙ ፈሪሳዊ ናይ ሕጊ መምህር ኣብኡ ነበረ። ነቶም ሃዋርያት ንግዜኡ ካብቲ ኣደራሽ ሳንሄድሪን ኣውጺኡ: ነቶም ሃይማኖታውያን ተጻረርቲ ከምዚ በሎም:- “ኣቱም ሰብ እስራኤል: ኣብዞም ሰባት እዚኣቶም ክትገብርዎ እትሐስብዎ ዘሎኹም ተጠንቀቑሉ። . . . እዚ ምኽሪ እዝን እዚ ግብሪ እዝን ካብ ሰብ እንተ ዀይኑ: ኪፈርስ እዩ። ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ ግና: ግብሮም ከተፍርሱ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ: ምስ ኣምላኽ ክትብአሱ ኸይትርከቡስ: ነዞም ሰባት እዚኣቶም ሕደግዎም: ገለ ኣይትበልዎም: እነግረኩም አሎኹ።”—ግብሪ ሃዋርያት 5:33-39
ንዓና ንምውጋእ እተሰርሐ ኣጽዋር ኣይክጠቅምን ኢዩ
16. እቲ የሆዋ ንህዝቡ ዝህቦም ውሕስነት ብናትካ ቓላት ገይርካ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧
16 እቲ ገማልኤል ዝሃቦ ምኽሪ ጥቁው ምኽሪ ኢዩ ነይሩ: ገለ ሰባት ንዓና ብምድጋፍ ምስ ዝዛረቡ ኸኣ ነማስወሉ ኢና። ነቲ ቕኑዓት ደያኑ ብዘውጽእዎ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳነታት ኣቢሉ እተረኽበ ናጽነት ኣምልኾ እውን ነማስወሉ ኢና። ንቓል ኣምላኽ ጠቢቕና ምስዓብና ንናይ ህዝበ-ክርስትያን ካህናትን ንኻልኦት መራሕቲ ናይታ ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎንን ከም ዘየሐጕሶም ፍሉጥ ኢዩ። (ራእይ 18:1-3) እዚኣቶም ምስቶም ብእኦም እተጸልዉ ካልኦት ኰይኖም ይቃለሱና እኳ እንተዀኑ እዚ ዝስዕብ ውሕስነት ኣሎና:- “ንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሔ ኣጽዋር ኵሉ ኣይኪጠቅምን እዩ: ነቲ ንፍርዲ ዚትንስኣኪ ዅሉ ልሳን ድማ ክትረትዕዮ ኢኺ። እዚ እዩ ርስቲ ባሮት እግዚኣብሄር: ጽድቆምውን ካባይ እዩ: ይብል እግዚኣብሄር።”—ኢሳይያስ 54:17
17. ተጻረርቲ ዝዋግኡና እኳ እንተዀኑ ተባዓት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
17 ጸላእትና ብዘይምኽንያት ኣንጻርና ዝቃለሱ እኳ እንተዀኑ ተስፋ ኣይንቘርጽን ኢና። (መዝሙር 109:1-3) እቶም ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልእኽትና ዝጸልኡ ሰባት ኣብ እምነትና ክሳዕ እንለማመጥ ከጃጅዉና እውን ብዝዀነ ይኹን መገዲ ኣይነፍቅደሎምን ኢና። መንፈሳዊ ውግእና እናጻዕጽዐ ክኸይድ ንጽበዮ እኳ እንተዀንና: እቲ ውጽኢት እንታይ ከም ዝመስል ንፈልጦ ኢና። ልክዕ ከም ኤርምያስ ንሕናውን ፍጻሜ ናይዘን ትንቢታዊ ቃላት እዚኣተን ክንርኢ ኢና:- “ኪዋግኡኻ እዮም: ግናኸ ምእንቲ ኸናግፈካ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ: ኣይኪስዕሩኻን እዮም: ይብል እግዚኣብሄር።” (ኤርምያስ 1:19) እወ: እቶም ኣንጻር ኣምላኽ ዝዋግኡ ከም ዘይዕወቱ ንፈልጥ ኢና!
[እግረ-ጽሑፍ]
a ነታ ኣብ ገጽ 24-8 ዘላ “ኣብ ትሕቲ ግፍዒ ናይ ናዚ እሙናትን ዘይፈርሁን” እትብል ዓንቀጽ ርአ።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
• ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ ትሕቲ መጥቃዕቲ ዝርከቡ ዘለዉ ስለምንታይ ኢዮም፧
• ተጻረርቲ ኣንጻር ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ዝገበርዎ ውግእ እተሳዕሩ በየናይ መገዲ ኢዮም፧
• እቶም ኣንጻር ኣምላኽ ዝዋግኡ ከም ዘይዕወቱ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]
ኤርምያስ የሆዋ ምስኡ ከም ዝኸውን ውሕስነት ተዋሂብዎ ነበረ
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ካብ መዳጐኒ ደምበታት ብህይወት ዝወጹ
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ኣንጻር ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተላዕለ ህዝባዊ ናዕቢ
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድን ብጾቱን
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ግዜ የሱስ: እቶም ኣንጻር ኣምላኽ እተዋግኡ ኣይተዓወቱን