ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: መጽሓፍ ቍጽሪ 26 ህዝቅኤል
ጸሓፊ:- ህዝቅኤል
እተጻሕፈትሉ ቦታ:- ባቢሎን
ተጻሒፋ እተዛዘመትሉ:- ከባቢ 591 ቅ.ክ.
እትሽፍኖ ግዜ:- 613–ከባቢ 591 ቅ.ክ.
ብ617 ቅ.ክ. ዮያኪን (ዮኣኪን ወይ ዮኣቂን) ንጉስ ይሁዳ ንየሩሳሌም ኣብ ትሕቲ ነቡካድነጻር ከም እትኣቱ ገበረ። ነቡካድነጻር ከኣ ነቶም ኣውራታት እታ ሃገርን ነቲ መዛግብቲ ቤት የሆዋን ቤት ንጉስን ናብ ባቢሎን ወሰዶ። ካብቶም ተማሪኾም ዝኸዱ: ስድራቤት እቲ ንጉስን እቶም መሳፍንትን: ሓያላትን ጀጋኑን: ጸረብትን ሃነጽትን ከምኡውን ካህን ህዝቅኤል ወዲ ቡዚ ይርከብዎም። (2 ነገ. 24:11-17፣ ህዝ. 1:1-3) እዞም ምሩኻት እስራኤላውያን ልቦም ብጕህዩ ኻብታ ዅድዅዶታትን ዓይኒ ማያትን ስንጭሮታትን ዘለዋ ሃገር: ናብቲ ሰፋሕቲ ጐላጕል ከዱ። ድሕሪኡ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ማእከል እታ ዓባይ ሃጸያዊት ግዝኣት ዚርከብ ርባ ኬባር ዘይፈልጥዎ ልምድታትን ኣረማዊ ኣምልኾን ብዚስዕብ ህዝቢ ተኸቢቦም ኪነብሩ ጀመሩ። ነቡካድነጻር ንእስራኤላውያን ኣባይቲ ኺውንኑ: ግዙኣት ኪገብሩ: ከምኡውን ኪነግዱ ፈቒዱሎም ነይሩ። (ህዝ. 8:1፣ ኤር. 29:5-7፣ እዝ. 2:65) ህርኩታት እንተ ዀይኖም: ኪብልጽጉ ኣጋጣሚ ተኸፊቱሎም ነበረ። እሞኸ ኣብ መፈንጠራ ሃይማኖትን ፍቕረ-ንዋይን ባቢሎን ይወድቁ ደዀን ይዀኑ፧ ካብ የሆዋ ምዕላው ይቕጽሉ ደዀን ይዀኑ፧ ምምራኾም ካብ የሆዋ ኸም ዝመጸ ተግሳጽ ገይሮም ይቕበልዎ ደዀን ይዀኑ፧ ኣብታ ብምርኮ ዝኸዱላ ሃገር ሓድሽ ፈተናታት እዩ ኣጋጢምዎም።
2 ኣብተን ናብ ጥፍኣት የሩሳሌም ዜምርሓ ወሰንቲ ዓመታት: የሆዋ ንእስራኤላውያን ብዘይ ነብዪ ኣይሓደጎምን። ኤርምያስ ኣብ የሩሳሌም ነበረ: ዳንኤል ኣብ ቤተ መንግስቲ ባቢሎን ነበረ: ህዝቅኤል ከኣ ነቶም ኣብ ባቢሎንያ ዝነበሩ ምሩኻት ኣይሁድ ነብዪ ዀይኑ የገልግሎም ነበረ። ህዝቅኤል ካህንን ነብዪን እዩ ነይሩ: እዚ ድማ ኤርምያስን ጸኒሑ ዘካርያስን ዝረኸብዎ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። (ህዝ. 1:3) ኣብ ብምልእታ እታ መጽሓፉ ልዕሊ 90 ሳዕ “ወዲ ሰብ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ንረኽቦ፣ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ እውን የሱስ ብተመሳሳሊ ዳርጋ 80 ሳዕ “ወዲ ሰብ” ተባሂሉ ስለ እተጸውዐ: ኣብቲ ኣብ ትንቢት ህዝቅኤል እንገብሮ መጽናዕቲ እዚ ኣገዳሲ እዩ። (ህዝ. 2:1፣ ማቴ. 8:20) እታ ህዝቅኤል እትብል ስም (ብእብራይስጢ: የኸዝቄል) “ኣምላኽ የበርትዕ” ዚብል ትርጕም ኣለዋ። ህዝቅኤል ኣብ ሓምሻይ ዓመት ዮያኪን: ማለት ብ613 ቅ.ክ. እዩ ነብዪ ኪኸውን ብየሆዋ እተመዘዘ። ኣብ መበል 27 ዓመት እቲ እተማረኸሉ: ማለት 22 ዓመት ጸኒሑ ገና የገልግል ከም ዝነበረ ነንብብ ኢና። (ህዝ. 1:1, 2፣ 29:17) ተመርዕዩ እኳ እንተ ነበረ: ነቡካድነጻር ንየሩሳሌም ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ዝኸበባ እዋን ሰበይቱ ሞተት። (24:2, 18) ብዛዕባ እቲ ንሱ ዝሞተሉ ግዜን ኣማውታኡን ግን ኣይፍለጥን እዩ።
3 ህዝቅኤል ነታ ብስሙ እትጽዋዕ መጽሓፍ ከም ዝጸሓፋን ኣብ ቀኖና ቕዱሳት ጽሑፋት ግቡእ ቦታ ኸም ዘለዋን ዜከራኽር ኣይኰነን። ካብ ግዜ እዝራ ኣትሒዛ ኣብቲ ቐኖና ኣትያ እያ: ኣብ መዛግብቲ ቐዳሞት ክርስትያናት: ብፍላይ ከኣ ኣብ ቀኖና ኦሪጀን ትርከብ እያ። በቲ ኣጠቓቕማ ምሳልያዊ መግለጺኣ ምስቲ ኣብ ኤርምያስን ራእይን ዚርከብ ኣጸቢቑ ዚመሳሰል ምዃኑ ንሓቅነታ ዜረጋግጽ እዩ።—ህዝ. 24:2-12—ኤር. 1:13-15፣ ህዝ. 23:1-49—ኤር. 3:6-11፣ ህዝ. 18:2-4—ኤር. 31:29, 30፣ ህዝ. 1:5, 10—ራእ. 4:6, 7፣ ህዝ. 5:17—ራእ. 6:8፣ ህዝ. 9:4—ራእ. 7:3፣ ህዝ. 2:9፣ 3:1—ራእ. 10:2, 8-10፣ ህዝ. 23:22, 25, 26—ራእ. 17:16፣ 18:8፣ ህዝ. 27:30, 36—ራእ. 18:9, 17-19፣ ህዝ. 37:27—ራእ. 21:3፣ ህዝ. 48:30-34—ራእ. 21:12, 13፣ ህዝ. 47:1, 7, 12—ራእ. 22:1, 2
4 ንሓቅነት ዚምስክር ተወሳኺ መረጋገጺ ኸኣ: እቲ ህዝቅኤል ኣብ ልዕሊ እቶም ከም ጢሮስን ግብጽን ኤዶምን ዝኣመሰሉ ጐረባብቶም ዝነበሩ ኣህዛብ እተነበዮ ትንቢታት ዜደንቕ ፍጻመ ምርካቡ እዩ። ንኣብነት: ጢሮስ ከም እትባድም ተነብዩ ነይሩ: ነቡካድነጻር ነታ ኸተማ ን13 ዓመት ድሕሪ ምኽባቡ ምስ ሓዛ ድማ እዚ እተወሰነ ፍጻመ ረኺቡ ነይሩ። (ህዝ. 26:2-21) እዚ ውግእ እዚ ግን ንጢሮስ ምሉእ ብምሉእ ኣየጥፍኣን። ይኹን እምበር: የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ክትድምሰስ እዩ ፈሪድዋ። ብህዝቅኤል ኣቢሉ “ሓመዳ ኽጸርገላ: ልምጽምጽ ዚብል ከውሒ ኽገብራ እየ። . . . ነእማንክን ኣዕጻውክን ሓመድክን ኣብ ማእከል ማይ ኪድርብዩ እዮም” ኢሉ ተነበየ። (26:4, 12) ድሕሪ 250 ዓመት ኣለክሳንደር ዓብዪ ነታ ደሴት ዝዀነት ክፋል ከተማ ጢሮስ ኪዋግኣ ኸሎ: እዚ ዅሉ ፍጻሜኡ ረኺቡ እዩ። ወተሃደራት ኣለክሳንደር ንዅሉ እቲ ፍርስራስ እታ ኣብ ምድሪ ዝነበረት ክፋል ከተማ ብምውሳድ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ: ብእኡ ኣቢሎም ከኣ 800 ሜተር ዝንውሓቱ ናብታ ደሴት ዝዀነት ከተማ ዜብጽሕ መሰጋገሪ ሰርሑ። ድሕሪኡ: ኣብ ዝነበረ ኸበባ ብእተሓላለኸ መገዲ ገይሮም ነቲ 46 ሜተር ዝንውሓቱ መካበብያ እታ ኸተማ ብምሕኳር ብ323 ቅ.ክ. ተቘጻጸርዋ። ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ተቐትሉ: ብዙሓት ድማ ንባርነት ተሸጡ። ከምቲ ህዝቅኤል እተነበዮ: ጢሮስ ‘ልሙጽ ከውሕን መስጥሒ መርበብን’ ኰነት። (26:14)a በቲ ኻልእ ሸነኽ እታ ምድሪ ተስፋ ኸኣ: እቶም ጠላማት ኤዶማውያን ጸነቱ: ትንቢት ህዝቅኤል እውን ተፈጸመ። (25:12, 13፣ 35:2-9)b እቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ ዕንወት የሩሳሌምን ብዛዕባ ምምላስ እስራኤልን እተነበዮ ትንቢት እውን ብልክዕ ተፈጺሙ እዩ።—17:12-21፣ 36:7-14
5 ኣብተን ህዝቅኤል ከም ነብዪ ዀይኑ ዘገልገለለን መጀመርታ ዓመታት: ኣምላኽ ነታ ዘይእምንቲ የሩሳሌም ብርግጽ ፍርዱ ኸም ዜውርደላ ኣወጀ: ነቶም ምሩኻት ድማ ካብ ኣምልኾ ጣኦት ኪርሕቑ ኣጠንቀቖም። (14:1-8፣ 17:12-21) እቶም ምሩኻት ኣይሁድ ናይ ሓቂ ንስሓ ኣየርእዩን እዮም ነይሮም። እቶም ሓላፍነት እተሰከሙ ሰብኡት ኣዘውቲሮም ንህዝቅኤል የማኽርዎ እኳ እንተ ነበሩ: ነቲ ህዝቅኤል ካብ የሆዋ ዜመሓላልፈሎም ዝነበረ መልእኽትታት ግን ኣየቕለቡሉን። ኣምልኾ ጣኦቶምን ፍቕረ-ንዋያዊ ተግባራቶምን ቀጸሉ። ቤተ መቕደሶምን እታ ቕድስቲ ኸተማኦምን ስርወ-ንግስነቶምን ምጥፋኡ ኣመና ኣሰምበዶም: እዚ ትሕት ከም ዚብሉን ከም ዚንስሑን ዝገበሮም ግን ሒደት ጥራይ እዮም።—መዝሙር 137:1-9
6 ህዝቅኤል ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት እተነበዮ ትንቢታት: ንተስፋ ምምላስ ዜጕልሕ ነበረ። ነቶም ንይሁዳ ጐረባብታ ዝነበሩ ኣህዛብ ከኣ በቲ ምውዳቓ ብምሕጓሶም ገንሖም። እቲ ውርደቶምን ምምላስ እስራኤልን: ንየሆዋ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ከም ዚቕደስ ገበሮ። ብሓጺሩ ዕላማ እቲ ምርኮን ምምላስን ‘ኣይሁድን ኣህዛብን: ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም’ ብዚብል ቃላት ተጠቓሊሉ ኣሎ። (ህዝ. 39:7, 22) “ንስኻትኩም ከኣ ኣነ [“የሆዋ:” NW] ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም” ዚብል መግለጺ ልዕሊ 60 ሳዕ ስለ ዚርከብ: ምቕዳስ ስም የሆዋ ኣብ ብምልእታ እታ መጽሓፍ ጐሊሑ ኣሎ።—6:7
ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧
29 እቲ የሆዋ ንህዝቅኤል ዝሃቦ ኣዋጃትን ራእያትን መብጽዓታትን ብምሉኡ ናብቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ኣይሁድ ኣመሓላሊፍዎ እዩ። ብዙሓት እኳ ነቲ ነብዪ እንተ ኣሽካዕለሉሉን ኣላገጹሉን: ገሊኦም ግን ኣሚኖምዎ እዮም። እዚኣቶም ብዙሕ እዮም ተጠቒሞም። በቲ ናብ ዓዶም ንኺምለሱ ዝነበሮም ተስፋ ተበራቲዖም እዮም። ከምቶም ናብ ምርኮ እተወስዱ ኻልኦት ኣህዛብ ዘይኰኑስ: ሃገራዊ መንነቶም ዓቂቦም እዮም: የሆዋ ኸኣ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝገለጾ ብ537 ቅ.ክ. ንተረፎም ናብ ዓዶም መለሶም። (ህዝ. 28:25, 26፣ 39:21-28፣ እዝ. 2:1፣ 3:1) ንቤት የሆዋ እንደገና ሃነጽዋ: ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ድማ ኣሐደስዎ።
30 እቲ ኣብ ህዝቅኤል ተሰሪዑ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓታት እውን ንዓና ብዙሕ ይጠቕመና እዩ። ክሕደትን ኣምልኾ ጣኦትን ዕልወትን ሞገስ የሆዋ ኸም እትስእን ጥራይ እዩ ዚገብር። (ህዝ. 6:1-7፣ 12:2-4, 11-16) ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብሓጢኣቱ ተሓታቲ እዩ: የሆዋ ግን ነቲ ኻብ ግጉይ መገዱ ዚምለስ ይቕረ ይብል እዩ። ከምዚ ዚገብር ሰብ ምሕረት ይግበረሉን ምንባር ይቕጽልን እዩ። (18:20-22) ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣጸጋሚ ዕዮ ኣብ ዚወሃቦም እዋን ኰነ ኣደዳ ላግጽን ጸርፍን ኣብ ዚዀኑሉ እዋን ከም ህዝቅኤል እሙናት ሓለውቲ ኪዀኑ ኣለዎም። ረሲኣን መጠንቀቕታ ኸይሃብናዮም: ደሞም ኣብ ርእስና ኸሎ: ኪሞቱ ኽንሓድጎም የብልናን። (3:17፣ 33:1-9) ጓሶት ህዝቢ ኣምላኽ ነተን መጓሰ ናይ ምእላይ ከቢድ ሓላፍነት ይስከሙ እዮም።—34:2-10
31 እቲ ኣብ መጽሓፍ ህዝቅኤል ዚርከብ ብዛዕባ እቲ መሲህ ዚገልጽ ትንቢታት ሓለፍ ዝበለ እዩ። እቲ መሲህ ነቲ ዝፋን ዳዊት ንምውራስ “ብዓል ፍርዲ” ወይ “ብዓል ሕጋዊ መሰል” (NW) ከም ዝዀነን ንዕኡ ኺወሃቦ ኸም ዚግባእን ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ክልተ ቦታታት “ዳዊት ባርያይ” ተባሂሉ ኺጽዋዕ ከሎ: “ጓሳ:” ‘ንጉስ:’ “መስፍን” ተባሂሉ እውን ተጸዊዑ ኣሎ። (21:27፣ 34:23, 24፣ 37:24, 25) ዳዊት ካብ ዚመውት ነዊሕ ገይሩ ስለ ዝነበረ: ህዝቅኤል ብዛዕባ እቲ ወድን ጐይታን ዳዊት ዚኸውን እዩ ዚዛረብ ነይሩ። (መዝ. 110:1፣ ማቴ. 22:42-45) ከምቲ ኢሳይያስ እተዛረቦ: ህዝቅኤል እውን የሆዋ ንሓንቲ ለውለው እትብል ጠጥዒ ኣብ ክብ ዝበለ ኸም ዚተኽላ ተዛሪቡ ኣሎ።—ህዝ. 17:22-24፣ ኢሳ. 11:1-3
32 እታ ህዝቅኤል ብራእይ ዝረኣያ ቤተ መቕደስ: ምስታ ኣብ ራእይ ዮሃንስ እተጠቕሰት “ቅድስቲ ኸተማ የሩሳሌም” ምውድዳራ ተገዳስነት ዜለዓዕል እዩ። (ራእ. 21:10) እዚኣተን ከነስተብህለሉ ዚግባእ ፍልልይ ኣለወን፣ ንኣብነት: ህዝቅኤል ዝረኣያ ቤተ መቕደስ ብሰሜናዊ ሸነኽ እታ ኸተማ ተፈልያ እትርከብ ክትከውን ከላ: እታ ኣብ ራእይ ዮሃንስ እተራእየት ከተማ ግን የሆዋ ንባዕሉ ቤተ መቕደሳ እዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ክልቲአን መዳያት: ካባታተን ዚውሕዝ ርባ ህይወት: ወርሓዊ ዚፈሪ ፍረን ዚፍውስ ኣቝጽልትን ዘለወን ኣእዋም: ከምኡውን ግርማ የሆዋ ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ እዚ ራእያት እዚ ንንግስነት የሆዋን ነቲ ብቕዱስ ኣገልግሎት ንዜገልግልዎ ዘበሉ ዝገበሮ መሰናድዎ ድሕነትን ንኽንርድኦ ኣበርክቶ ይገብር እዩ።—ህዝ. 43:4, 5—ራእ. 21:11፣ ህዝ. 47:1, 8, 9, 12—ራእ. 22:1-3
33 መጽሓፍ ህዝቅኤል: የሆዋ ቕዱስ ምዃኑ ተጕልሕ እያ። ምቕዳስ ስም የሆዋ ኻብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ኣገዳሲ ምዃኑ ተፍልጥ እያ። “ነቲ . . . ዓብዪ ስመይ ክቕድሶ እየ። . . . እቶም ህዝብታት ኣነ [“የሆዋ:” NW] ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም: ይብል [“የሆዋ:” NW] ኣምላኽ።” ከምቲ እቲ ትንቢት ዚሕብሮ: ንዅሎም እቶም ነቲ ስሙ ዜርክስዎ: እንተላይ ንጎግ ብዓል ማጎግ ብምጥፋእ ንስሙ ኪቕድሶ እዩ። ኵሎም እቶም ሕጂ ነቲ የሆዋ ንቕቡል ኣምልኾኡ ዝሰርዖ ብቕዓታት ብምምላእ ኣብ ህይወቶም ዚቅድስዎ ጥበበኛታት እዮም። እዚኣቶም ካብቲ ኻብ ቤተ መቕደሱ ዚውሕዝ ርባ ኺፍወሱን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡን እዮም። እታ ኸተማ ሓለፍ ዝበለትን ብጽባቐኣ ብልጽትን ስለ ዝዀነት: “የሆዋ ኣብኣ እዩ” (NW) ኽትስመ እያ።—ህዝ. 36:23፣ 38:16፣ 48:35
[እግረ-ጽሑፋት]
a ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ: 2ይ ጥራዝ: ገጽ 531, 1136
b ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ: 1ይ ጥራዝ: ገጽ 681-2