ምዕራፍ ትሽዓተ
‘ንርእስኻ ዓብዪ ነገር ኣይትድለ’
1, 2. (ሀ) ኣብ ራብዓይ ዓመት ዮኣቂም፡ ባሩኽ እንታይ ጸገም ኣጋጠሞ፧ (ለ) የሆዋ ንባሩኽ ብኸመይ ሓገዞ፧
እቲ እሙን ጸሓፊ ኤርምያስ ዝነበረ ባሩኽ ደኸመ። እዋኑ፡ ኣብ ራብዓይ ዓመት ግዝኣት እቲ እኩይ ንጉስ ዮኣቂም፡ ማለት ብ625 ቅ.ክ. እዩ ነይሩ። ኤርምያስ ነቲ ጸሓፊ፡ ንዅሉ እቲ ን23 ዓመት ዚኣክል የሆዋ ብእኡ ኣቢሉ ብዛዕባ የሩሳሌምን ይሁዳን እተዛረቦ ቓላት ኪጽሕፎ ነገሮ። (ኤር. 25:1-3፣ 36:1, 2) ባሩኽ ነቲ ኣብታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ዝጸሓፎ ነገራት፡ ሽዑ ንሽዑ ኣይኰነን ንኣይሁድ ኣንቢቡሎም። የግዳስ፡ ንዓመታኡ እዩ ኣንቢቡሎም። (ኤር. 36:9, 10) ኰይኑ ግን፡ ዜጨንቖ ነገር ነይርዎ ድዩ፧
2 ባሩኽ፡ “እግዚኣብሄር ኣብ ርእሲ ቓንዛይ ሓዘን ወሲኹኒ እዩ እሞ፡ ወይለይ። ብብኽያተይ ደኸምኩ” ኢሉ ኣስተማሰለ። ሓድሓደ ግዜ፡ ብዛዕባ እቲ እተሰምዓካ ድኻም፡ ብኣፍካ ወይ ብልብኻ እተዛረብካሉ እዋን ይህሉ ይኸውን። ባሩኽ ነዚ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ይግለጾ ብዘየገድስ፡ የሆዋ ሰሚዕዎ እዩ። እቲ ልቢ ሰብ ዚምርምር ኣምላኽ፡ ንባሩኽ ዘጨነቖ ነገር ይፈልጥ ነበረ፣ ብኤርምያስ ኣቢሉ ድማ ኣረሞ። (ኤርምያስ 45:1-5 ኣንብብ።) ባሩኽ ስለምንታይ ድኻም ከም እተሰምዖ ግን ትሓስብ ትህሉ ትኸውን። እቲ እተዋህቦ ዕዮ፡ ወይ ነቲ ዕዮ ዚፍጽመሉ ዝነበረ ዅነታት ድዩ ኣድኪምዎ፧ ከም ሓቂ እኳ፡ እቲ ጸገም ካብ ልቡ እዩ ዚፍልፍል ነይሩ። ከመይሲ፡ ‘ዓብዪ ነገር እዩ ዚደሊ’ ነይሩ። እዚኸ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ነቲ እተዋህቦ ምኽርን መምርሕን እንተ ስዒቡ፡ እንታይ ከም ዚረክብ እዩ ኻብ የሆዋ መብጽዓ እተኣትወሉ፧ ካብዚ ባሩኽ ዘሕለፎ ተመክሮኸ፡ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
እቲ “ዓብዪ ነገር” እንታይ እዩ ነይሩ፧
3. ቀንዲ ጠንቂ እቲ ንባሩኽ ዝነበሮ መንፈሳዊ ጸገም እንታይ እዩ ነይሩ፧
3 ባሩኽ፡ እቲ “ዓብዪ ነገር” እንታይ ከም ዝነበረ ይፈልጥ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ‘ኣዒንቲ ኣምላኽ ኣብ መገዲ ሰብ ከም ዝዀናን ንዅሉ ስጕምቶም ከም ዚርእዮን’ የስተውዕል ነበረ። (እዮ. 34:21) ነቲ ኤርምያስ እተነበዮ ትንቢት ኪጽሕፍ ከሎ፡ ‘ዕረፍቲ ዝሰኣነ’ ዀይኑ ኺስምዖ ዝኸኣለ፡ ብሰንኪ እቲ ዕዮኡ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ብሰንኪ እቲ ንሱ ዓብዪ ገይሩ ዚርእዮ ነገር፡ ማለት ብሰንኪ እቲ ኣብ ልቡ ዝነበረ ነገር እዩ። ንርእሱ “ዓብዪ ነገር” ኣብ ምድላይ ስለ ዘተኰረ፡ ነቲ ፍቓድ ኣምላኽ ምስ ምግባር እተተሓሓዘ ዚሓይሽ ነገር ኣይርእዮን እዩ ነይሩ። (ፊል. 1:10) እቲ “ዓብዪ ነገር ትደሊ አሎኻ” ዚብል ቃላት፡ ነቲ ሓሳብ ጽቡቕ ገይሩ ኣጕሊሕዎ ኣሎ። ስለዚ፡ ባሩኽ፡ ሓንሳእ ብልጭ ኢሉ ዝጠፍአ ሓሳብ ኣይኰነን ነይርዎ። የግዳስ፡ ነዚ ሓሳብ እዚ ኺሓድጎ ኻብ የሆዋ መጠንቀቕታ ኣብ እተዋህቦ እዋን፡ “ዓብዪ ነገር” ኪደሊ ጸኒሑ እዩ። እዚ እሙን ጸሓፊ ኤርምያስ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ይፍጽም እኳ እንተ ነበረ፡ ጐድኒ ጐድኒ እዚ ኸኣ ንርእሱ “ዓብዪ ነገር” ይደሊ ነበረ።
4, 5. እቲ ባሩኽ ዚደለዮ ዝነበረ “ዓብዪ ነገር፡” ዝናን ክብረትን ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧ እቲ የሆዋ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ግቡእ ዝነበረኸ ስለምንታይ እዩ፧
4 እቲ ንባሩኽ ዜተሓሳስቦ ዝነበረ ነገር፡ ምስ ዝናን ክብረትን እተተሓሓዘ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ባሩኽ ንኤርምያስ ጸሓፊኡ ዀይኑ እኳ እንተ ኣገልገለ፡ ናይ ብሕቲ ጸሓፊ ኤርምያስ ጥራይ ነይሩ ማለት ግን ከይከውን ይኽእል እዩ። ኣብ ኤርምያስ 36:32፡ ባሩኽ፡ “እቲ ጸሓፊ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። ስነ-ጥንታዊ መርትዖታት ከም ዚሕብሮ፡ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ልዑል ስልጣን ነበሮ። እቲ ምስቶም መሳፍንቲ ይሁዳ እተጸብጸበ “ኤልሻማዕ እቲ ጸሓፊ” እውን፡ ተመሳሳሊ መዓርግ እዩ ነይርዎ። እዚ ድማ፡ ባሩኽ መሳርሕቲ ኤልሻማዕ ከም ምዃኑ መጠን፡ “ናብቲ ኽፍሊ ቤት ጸሓፊ ኣብቲ ኣዳራሽ ንጉስ” ኪኣቱ ይኽእል ነይሩ ማለት እዩ። (ኤር. 36:11, 12, 14) እምበኣር፡ ኣብ ቤት ንጉስ ዜገልግል ምሁር ብዓል ስልጣን ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ሓዉ ሰራያ እውን፡ ሓለቓ ዝፋን ቤት ንጉስ ጼድቅያስ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ንጉስ ናብ ባቢሎን ኣብ ዝኸደሉ እዋን ኣሰንይዎ እዩ። (ኤርምያስ 51:59 ኣንብብ።) ሰራያ ሓለቓ ዝፋን ቤት ከም ምዃኑ መጠን፡ እቲ ንጉስ ኣብ ዚጐዓዘሉ እዋን ዜድልዮ እኽለ-ማይን መዕረፍን ናይ ምቕራብ ሓላፍነት ነይርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ ልዑል ስልጣን እዩ ነይሩ።
5 ሓደ ልዑል ቦታ ዝለመደ ሰብ፡ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ዚወርድ ተደራራቢ ዅነኔ ምጽሓፍ ኬድክሞ ኸም ዚኽእል ክትርድኣሉ ትኽእል ኢኻ። ባሩኽ ንነብዪ ኣምላኽ ብምድጋፉ ጥራይ እኳ፡ ንስልጣኑን ንዕዮኡን ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን፡ የሆዋ ኸምቲ ኣብ ኤርምያስ 45:4 ዝገለጾ፡ ነቲ ዝሰርሖ ኼፍርሶ ኸሎ ዚመጽእ ሳዕቤናት እውን ክትሓስቦ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቲ ባሩኽ ዚሓስቦ ዝነበረ “ዓብዪ ነገር፡” ኣብ ቤተ-መንግስቲ ዚረኽቦ ተወሳኺ ኽብሪ ይኹን ስጋዊ ሃብቲ ብዘየገድስ፡ ከንቱ እዩ ዀይኑ። ባሩኽ ኣብቲ ሽዑ ዝነበረ ስርዓት ኣይሁድ ዓለማዊ ስልጣን ይደሊ እንተ ነይሩ፡ ኣምላኽ ንኪቕይዶ ምኽንያት ነይርዎ እዩ።
6, 7. እቲ ባሩኽ ዚደልዮ ዝነበረ “ዓብዪ ነገር፡” ስጋዊ ጥሪት እንተ ነይሩ፡ ንሱ ኸም መን ምዀነ ነይሩ፧
6 በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ እቲ ባሩኽ ዚደልዮ ዝነበረ “ዓብዪ ነገር፡” ስጋዊ ብልጽግና ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ከባቢ ይሁዳ ዝነበሩ ኣህዛብ፡ ኣብ ጥሪትን ሃብትን ይውከሉ ነበሩ። ንኣብነት፡ ሞኣብ ‘ብግብራን ብሃብታን’ ተኣመነት። ዓሞን ከኣ ተመሳሳሊ ነገር ገበረት። ብዛዕባ ባቢሎን እውን፡ የሆዋ ብኤርምያስ ኣቢሉ፡ “ብመዛግባት ዝማዕበልኪ” ኢሉ ገሊጹ እዩ። (ኤር. 48:1, 7፣ 49:1, 4፣ 51:1, 13) ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ነዞም ኣህዛብ እዚኣቶም ኰኒንዎም እዩ።
7 ስለዚ፡ እቲ ባሩኽ ዚደልዮ ዝነበረ ነገር፡ ብልጽግናን ሃብትን እንተ ነይሩ፡ የሆዋ መጠንቀቕታ ዝሃቦ ስለምንታይ ምዃኑ ኽትርዳእ ትኽእል ኢኻ። ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ‘ኢዱ ምስ ዘርግሐ፡’ ኣባይቶምን ግራህኦምን ኣብ ኢድ ጸላእቶም እዩ ተዋሂቡ። (ኤር. 6:12፣ 20:5) ኣብቲ ባሩኽ ዝነበረሉ እዋን ኣብ የሩሳሌም ትነብር ከም ዝነበርካ ጌርካ እሞ ሕሰብ። መብዛሕትኦም ደቂ ዓድኻ፡ እንተላይ መሳፍንትን ካህናትን እቲ ንጉስን፡ ምስቶም ኪወሩዎም ዝመጹ ባቢሎናውያን ኪዋግኡ ኸም ዘለዎም እዩ ዚስምዖም ነይሩ። ንስኻ ግን፡ ነቲ ኤርምያስ፡ “ብህይወት ክትነብሩስ፡ ንንጉስ ባቢሎን ደኣ ተገዝኡ” ኢሉ እተዛረቦ መልእኽቲ ትፈልጦ ኢኻ። (ኤር. 27:12, 17) ኣብታ ኸተማ ብዙሕ ጥሪት እንተ ዚህልወካ፡ ነዚ መለኮታዊ መምርሒ ንኽትስዕብ ዝቐለለዶ ምገበረልካ፧ ብዛዕባ ጥሪትካ ዘሎካ ኣረኣእያ፡ ነቲ ኤርምያስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኽትሰምዖዶ ምደረኸካ፡ ወይስ ንብዙሓን ክትስዕብ፧ ኵሉ እቲ ኣብ ይሁዳን የሩሳሌምን ዝነበረ ኽቡር ነገር፡ እንተላይ እቲ ኣብታ ቤተ መቕደስ ዝነበረ እውን፡ ተዘሚቱ ናብ ባቢሎን ከም እተወስደ፡ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ስለዚ፡ ስጋዊ ረብሓ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ፡ ከንቱ እዩ ነይሩ። (ኤር. 27:21, 22) ካብዚ እንታይ ትምህርቲ ንረክብ፧
የሆዋ ነቲ ባሩኽ “ዓብዪ ነገር” ብምድላይ ዝፈጸሞ ጌጋ፡ ከመይ ገይሩ ብሕያውነት ኣረሞ፧ ኣምላኽ ዚህበካ መአረምታ ምቕባል ጥበባዊ ዀይኑ ዚስምዓካ ስለምንታይ እዩ፧
“ነፍስኻ . . . ዘመተ ኽትኰነልካስ ክህበካ እየ”
8, 9. ባሩኽ ንነፍሱ ኸም ዘመተ ምርካቡ ኣቕሊልካ ኺርአ ዘይግባእ ስለምንታይ እዩ፧
8 ባሩኽ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መምርሒ ብምሕላዉ እንታይ እዩ ረኺቡ፧ ነፍሱ! እወ፡ ነፍሱ “ዘመተ” ኽትኰነሉ ኸም እትወሃቦ መብጽዓ ተኣትዩሉ ነይሩ እዩ። (ኤርምያስ 45:5 ኣንብብ።) ብተዛማዲ ሒደት ሰባት ጥራይ እዮም ካብቲ ጥፍኣት ድሒኖም። እዚኣቶምከ መን እዮም ነይሮም፧ እቶም ነቲ መለኮታዊ መምርሒ ሰሚዖም ናብ ከለዳውያን ዝኣተዉ ወይ ኢዶም ዝሃቡ እዮም ነይሮም። (ኤር. 21:9፣ 38:2) ‘እዙዛት ብምዃኖም፡ ኣኺልዎም እዚ ጥራይ ድዩ ዓስቦም፧’ ኢሎም ዚሓስቡ ኣይሰኣኑን እዮም።
9 ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ከቢቦምዋ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ዝነበረ ዅነታት እሞ ሕስብ ኣብሎ። የሩሳሌም ብሰንኪ እቲ ኸበባ እናጸበባ እዩ ዚኸይድ ነይሩ። ብኣንጻሩ ግን፡ ሶዶም ብድንገት እያ ተገልቢጣ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ኣብ ልዕሊ ሶዶም ዝመጸ ጥፍኣት ዝቐለለ ነይሩ ኺበሃል ይከኣል እዩ። (ድጕ. 4:6) ተቐማጦ የሩሳሌም ብሰይፊ፡ ብጥሜት፡ ወይ ብፌራ ኸም ዚሞቱ ዚገልጽ ትንቢት፡ ባሩኽ መዝጊቡ እዩ። ጸኒሑ፡ ነዚ ኺፍጸም ከሎ ርእይዎ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ምግቢ ተወዲኡ ነበረ። ብተፈጥሮአን “ርሕሩሓት” ዝዀና ኣዴታት ንደቀን ኣብሲለን ኣብ ዚበልዓላ ኸተማ ምንባርሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜሰምብድ ኰን እዩ! (ድጕ. 2:20፣ 4:10፣ ኤር. 19:9) ኰይኑ ግን፡ ባሩኽ ካብ ሞት ደሓነ። እወ፡ ኣብ መንጎ እቲ ህውከት፡ ህይወት እውን ከምቲ ነቶም ድሕሪ ዂናት ዓወት ዝዓተሩ ዚገፍዎ ዘመተ እያ እትቝጸር ነይራ። ባሩኽ ነቲ “ዓብዪ ነገር” ከይደሊ ኻብ ኣምላኽ እተዋህቦ ምኽሪ ተቐቢሉ ኣብ ግብሪ ኣውዒልዎ ኪኸውን ኣለዎ። ብህይወት ኪተርፍ ምኽኣሉ፡ ሞገስ የሆዋ ኸም ዝረኸበ ዜርኢ እዩ ነይሩ።—ኤር. 43:5-7።
“ዓብዪ ነገር” ክትደሊ ዲኻ፧
10, 11. ተመክሮ ባሩኽ ምስዚ ግዜናን ምስ ብሕታዊ ዅነታትናን ዚዛመድ ብኸመይ እዩ፧
10 ባሩኽ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ትሑዝ እኳ እንተ ነበረ፡ ንእተወሰነ እዋን ግን “ዓብዪ ነገር” ይደሊ ነይሩ እዩ። የሆዋ ኻብቲ ሓደጋ እቲ ኣጠንቀቖ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ካብ መንፈሳዊ ዕንወትን ካብ ኣካላዊ ሞትን ደሓነ። ንሕናኸ ንየሆዋ ብንጥፈት እናኣገልገልና ኽነስና፡ ከም ባሩኽ በቲ ኣብ ውሽጢ ልብና ዘሎ ባህግታት ክንፍተንን ክንዕብለልን ንኽእል ዲና፧
11 ባሩኽ ስሙ ኼጸውዕ ምድላዩ፡ ናይ ሓቂ ፈተና ዀይንዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ‘እምበርዶ ኸም “ጸሓፊ” ዀይነ ዝሰርሖ ስራሕ ሒዘ ክቕጽል እኽእል እየ፧ ምናልባት ዝለዓለ ስልጣን ክረክብ እኽእልዶ፧’ ኢሉ ኺሓስብ ከሎ፡ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎዶ ትኽእል፧ ንሕና እውን፡ ‘ኣብ ውሽጢ ልበይ፡ ኣብ ዓለማዊ ስራሐይ ዓወት ንኽረክብ “ህርፋን” ኣሎኒ ድዩ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። ገሊኦም ክርስትያን መንእሰያት፡ ‘ብትምህርቲ ኣቢልካ ኽብረትን ቍጠባዊ ውሕስነትን ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ፡ ንርእሰይ “ዓብዪ ነገር” ንኽደሊ የህርረኒ ድዩ፧’ ንእትብል ሕቶ ኺሓስቡላ ይኽእሉ እዮም።
12. ሓደ ሓው ንየሆዋ ዓብዪ ነገር ዝደለየ ብኸመይ እዩ፧ ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ምርጫኸ እንታይ ርእይቶ ኣሎካ፧
12 ሓደ ኣብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ዜገልግል ዘሎ ሓው፡ ወዲ 15 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብናጻ ናብ ሓደ ዩኒቨርሲቲ ናይ ምእታው ዕድል ረኺቡ ነበረ። ነዚ ዕድል እዚ ነጺጉ፡ ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ምስ ሓረየ፡ መምህራኑ ኣይተሓጐሱን። ንሱ ግን ሓድሽ ነገር ንኺመሃር ዝነበሮ ፍቕሪ ኣየጥፍአን። ኣብ ሓንቲ ግልልቲ ደሴት ሚስዮናዊ ዀይኑ ኣገልገለ። ኣብታ ደሴት ከሎ ኸኣ፡ ካብ 10,000 ቍሩብ ዚዛይዱ ሰባት ዚዛረብዎ ቛንቋ ኸኣለ። በቲ ቛንቋ እቲ እተዳለወ መዝገበ-ቓላት ስለ ዘይነበረ፡ ባዕሉ ማህደረ-ቓላት ኣዳለወ። ኣማስያኡ ነቲ ቛንቋ ስለ ዝመለኾ፡ ገሊኡ ክርስትያናዊ ጽሑፋትና ኺትርጕም ተመደበ። ጸኒሑ፡ እቲ ንሱ ዘዳለዎ ማህደረ-ቓላት፡ በቲ ቛንቋ እቲ ንእተዳለወ ናይ መጀመርታ መዝገበ-ቓላት መሰረት ኰይኑ ኣገልገለ። ኣብ ሓደ እዋን፡ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ንእተኣከቡ ብዙሓት ሰባት ከምዚ በሎም፦ “ኣብ ዩኒቨርሲቲ እንተ ዝመሃር ነይረ፡ ዝዀነ ይኹን ዝፍጽሞ ኣካዳምያዊ ዕማም ንኽብረይ ምዀነ ነይሩ። ሕጂ ግን ዋላ ሓንቲ ዓለማዊ ብቕዓታት የብለይን። ስለዚ ድማ፡ ንዝገብሮ ነገራት ኣይምስገነሉን እየ። ኵሉ ምስጋና ናብ የሆዋ እዩ ዚኸይድ።” (ምሳ. 25:27 ትርጕም 1990) ብዛዕባ እቲ እዚ ሓው እዚ ወዲ 15 ዓመት ከሎ ዝገበሮ ምርጫ እንታይ ትብል፧ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ሓያሎ ፍሉይ መሰላት ረኺቡ እዩ። ንስኻኸ ንተውህቦኻ ብኸመይ ኢኻ ኽትጥቀመሉ እትደሊ፧ ናይ ርእስኻ ኽብሪ ኣብ ክንዲ እትደሊ፡ ንውዳሰ የሆዋ ኽትጥቀመሉ ቘሪጽካ ዲኻ፧
13. ገሊኦም ወለዲ ነቲ ንባሩኽ ዘጋጠሞ ብድሆ ኺሓስቡሉ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧
13 ምስዚ እተተሓሓዘ ሓደጋ እውን ኣሎ። ነቶም እነፍቅሮም ወይ ጽልዋ ኽንገብረሎም እንኽእል ሰባት “ዓብዪ ነገር” ክንደልየሎም፡ ወይ ብእኦም ኣቢልና ንገዛእ ርእስና “ዓብዪ ነገር” ክንደሊ ንኽእል ኢና። ዓለማውያን ወለዲ፡ ውሉዶም ካብ ናቶም ዝሓሸ ናብራ ምእንቲ ኺነብር ወይ ምእንቲ ኺሕበኑሉ ኢሎም ጸቕጥታት ኪገብሩሉ ኸለዉ ርኢኻ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። “ውሉደይ ከም ናተይ ሽግር ኬሕልፍ ኣይደልዮን እየ፡” ወይ “ጽቡቕ ናብራ ምእንቲ ኺነብር፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኺኣቱ እደልዮ እየ” ኢሎም ኪዛረቡ ሰሚዕካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ክርስትያን ወለዲ እውን ከምዚ ዓይነት ስምዒት ኪህልዎም ይኽእል እዩ። ሓደ ሰብ፡ ‘ንርእሰይ ዓብዪ ነገር ኣይደልን እየ’ ዚብል እኳ እንተ ዀነ፡ ብተዘዋዋሪ ብኻልእ ሰብ ኣቢሉ፡ ማለት ብወዱ ወይ ብጓሉ ኣቢሉ ዓብዪ ነገር ይደሊዶ ዀን ይኸውን፧ ከምቲ ባሩኽ ብስልጣኑ ወይ ብስራሑ ኣቢሉ ጕሉሕ ቦታ ኺደሊ እተፈተነ፡ ሓደ ወላዲ እውን በቲ ውሉዱ ዚዓሞ ዕማም ኣቢሉ ኸምዚ ዝኣመሰለ ድሌት የሕድር ይኸውን። ኰይኑ ግን፡ እቲ “ንልቢ ዚፍትኖ” ኣምላኽ፡ ከምቲ ንልቢ ባሩኽ ዘስተውዓሎ፡ ነዝስ ኣየስተውዕሎንዶ፧ (ምሳ. 17:3) ከምቲ ዳዊት ዝገበሮ፡ ኣምላኽ ንውሽጣዊ ሓሳባትና ንኺምርምሮ ኽንሓቶዶ ኣይግባእን፧ (መዝሙር 26:2፣ ኤርምያስ 17:9, 10 ኣንብብ።) የሆዋ ኻብቲ “ዓብዪ ነገር” ናይ ምድላይ ሓደጋ ምእንቲ ኼንቅሓና ኢሉ፡ ከምቲ ምስ ባሩኽ ዝገበሮ ምይይጥ ዝኣመሰለ እተፈላለየ መገድታት ይጥቀም እዩ።
ሓደ ኻብቲ ባሩኽ “ዓብዪ ነገር” ዚደልየሉ ዝነበረ መገዲ እንታይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧ ካብዚኸ እንታይ ትመሃር፧
መጻወድያ “ሃብቲ”
14, 15. ሃብቲ ኸም “ዓብዪ ነገር” ኪዀነና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
14 እቲ ባሩኽ ዝደልዮ ዝነበረ “ዓብዪ ነገር፡” ሃብቲ እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ፡ ባሩኽ ነቲ ኣብ ይሁዳ ዝነበሮ ጥሪትን ንብረትን ኣጸቢቑ እንተ ዚፈቱ ነይሩ፡ ነቲ ኣይሁድ ናብ ከለዳውያን ኢዶም ንኺህቡ እተዋህበ መለኮታዊ ትእዛዝ ምሕላው ምኸበዶ። መብዛሕትኡ ግዜ ሃብታም ኣብ “ጥሪቱ” ኺውከል ርኢኻ ትኸውን ኢኻ፣ እቲ ኻብዚ ዚረኽቦ ዕቝባ ግን “ብሓሳቡ” ኸም ዝዀነ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ምሳ. 18:11) ኵሎም ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ካብቲ ንስጋዊ ነገራት ዚምልከት ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኺጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። (ምሳሌ 11:4 ኣንብብ።) እንተዀነ ግን፡ ገሊኦም ሰባት፡ ‘ብገሊኡ ኻብቲ ዓለም እተቕርቦ ነገራት ስለምንታይ ዘይንሕጐስ፧’ ኢሎም ይሓቱ ይዀኑ።
15 ሓደ ክርስትያን ንብረቱ ዚፈቱ እንተ ዀይኑ፡ ንገሊኡ ኽፋል እዚ ዚሓልፍ ዘሎ ስርዓት ሃረር ኪብል ይኽእል እዩ። ኤርምያስ ኰነ ባሩኽ ግን ከምኡ ኣይገበሩን። ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት፡ የሱስ፡ “በታ ወዲ ሰብ ዚግለጸላ መዓልቲ” ንዚነብሩ ሰባት መጠንቀቕታ ሂቡ እዩ። “ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ” ኸኣ በሎም። ስለዚ፡ ንክርስትያናት፡ ‘ንኤርምያስን ባሩኽን ዘክርዎም’ ዚብል ምሕጽንታ ኺወሃቦም ይኽእል እዩ። (ሉቃ. 17:30-33) ንስጋዊ ነገራት ኣጸቢቕና ንፈቱ እንተ ዄንና፡ ንቓላት የሱስ ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎ ኪኸብደና ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ባሩኽ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኸም ዝሰምዐ፡ ከም ውጽኢቱ ኸኣ ካብ ጥፍኣት ድሒኑ ብህይወት ከም ዝቐጸለ ኣይትረስዕ።
16. ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንስጋዊ ነገራት ኣብ ግቡእ ቦታኡ ዝሓለዉሉ ዅነታት ኣዘንቱ።
16 ሩማንያ ኣብ ትሕቲ ኮምዩኒስታዊ ስርዓት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ኣብኡ ዚነብሩ ዝነበሩ ኣሕዋት ዘሕለፍዎ ዅነታት እስከ ንርአ። ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ንኣባይቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪፍትሹ ኸለዉ፡ ብፍላይ ኪሸጥዎ ዚኽእሉ ንብረት ይዘምቱ ነበሩ። (ድጕ. 5:2) ብዙሓት ኣብ ትሕቲ እቲ ስርዓት ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ንብረቶም ኪስእኑ ፍቓደኛታት ነበሩ። ገሊኦም ካብ ቦታኦም ኪመዛበሉ ኸለዉ ንብረቶምን ጥሪቶምን ሓዲጎም ኪኸዱ እኳ እንተ ተገደዱ፡ ንየሆዋ ዘለዎም ንጽህና ኣየበላሸዉን። ከምዚ ዓይነት ፈተና እንተ ኣጋጢሙካ፡ ስጋዊ ነገራት ነቲ ንኣምላኽ ዘሎካ ተኣማንነት ዕንቅፋት ኪኸውን ተፍቅድ ዲኻ፧—2 ጢሞ. 3:11።
17. ኤርምያስን ባሩኽን ካብቶም ብግዜኦም ዝነበሩ ሰባት ደገፍ ዝረኸቡ ብኸመይ ኪኸውን ይኽእል፧
17 ኤርምያስን ባሩኽን ካብቶም ብግዜኦም ዝነበሩ ሰባት ደገፍ ረኺቦም እዮም። ጸፎንያስ ኣብቲ ንጉስ ዮስያስ ዚገዝኣሉን ኤርምያስ ነብዪ ዀይኑ ዜገልግለሉን ዝነበረ እዋን ይንበ ነበረ። ኤርምያስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጸፎንያስ 1:18 ዚርከብ ቃላት እንታይ ኢሉ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል፧ (ኣንብብ።) ነዚ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቓላት ንባሩኽ ነጊርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካልእ ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበረ ኸኣ እቲ ብ617 ቅ.ክ. ተማሪኹ ናብ ባቢሎን እተወስደ ህዝቅኤል እዩ። ገለ ኻብቲ ንጥፈታትን መልእኽትታትን ህዝቅኤል፡ ነቶም ናብ ዓዶም እተመልሱ ኣይሁድ ብቐጥታ ስለ ዚምልከት፡ ኤርምያስ ነቲ ህዝቅኤል ዝበሎን ዝገበሮን ነገራት ይፈልጦ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ህዝቅኤል እውን ከምኡ። እቲ ኣብ ህዝቅኤል 7:19 ዚርከብ ቃላት ሓደ ኣብነት ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ኣንብብ።) ከምቲ ኤርምያስን ባሩኽን ካብዚ መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት እተጠቕሙ፡ ንሕና እውን ክንጥቀም ንኽእል ኢና። መዓልቲ የሆዋ ምስ መጸት፡ ሰባት ናብ ኣማልኽቶም ኪምህለሉ እዮም። ኰይኑ ግን፡ ካብ ኣማልኽቶም ኰነ ኻብ ሃብቶም ምድሓን ኣይኪረኽቡን እዮም።—ኤር. 2:28።
“ነፍስኻ . . . ዘመተ ኽትኰነልካ” ድያ፧
18. ናይ መን “ነፍሲ” ኢና ኸም ዘመተ ኽትኰነልና ኽንደሊ ዘሎና፧ ከመይ ጌርናኸ ኢና ኸምኡ እንገብር፧
18 የሆዋ ኸም ዘመተ ኺህበና እተመባጽዖ ነገር፡ ‘ነፍስና’ ምዃኑ ኽንዝክር ኣሎና። ኣብቲ “ብርቱዕ ጸበባ፡” እቲ ንፖለቲካዊ ሓይልታት ዜመልክት ኣቕርንቲ እቲ ኣራዊት ኣብ ልዕሊ ሃይማኖት ኣብ ዚለዓለሉ እዋን ሒደት ካብቶም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እኳ እንተ ጠፍኡ፡ ጠፊኦም ግን ኣይኪተርፉን እዮም። “ናይ ሓቂ ህይወት” ረኺቦም ኣብ ሓዳስ ዓለም ምእንቲ ኺነብሩ፡ ‘ነፍሶም’ ከም እትወሃቦም ውሕስነት ተኣትዩሎም እዩ። (ራእ. 7:14, 15፣ 1 ጢሞ. 6:19) ኣብቲ ግዜ እቲ እሙናት ዝዀኑ መብዛሕትኦም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ግን፡ ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ኸም ዚወጹ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ መዓት ኬምጽእ ከሎ፡ ዋላ ሓደ እሙን ኣገልጋሊ፡ ካብቶም “ቅቱላት እግዚኣብሄር” ከም ዘይከውን ክትተኣማመን ትኽእል ኢኻ።—ኤር. 25:32, 33።
19. ነቲ ኤርምያስን ባሩኽን ዝሓደግዎ ኣብነት ምምርማርካ፡ ነቲ ንርእስኻ “ዓብዪ ነገር” ከይትደሊ ዝገበርካዮ ቘራጽነት ዘደልደሎ ብኸመይ እዩ፧
19 ገሊኦም ሰባት፡ ‘ነፍሶም’ ጥራይ ከም ዘመተ ሒዞም ዚተርፉ ምዃኖም የተሓሳስቦም ይኸውን፣ እዚ ግን ንዋላ ሓደ ኼጕሂ ኣይግባእን እዩ። ህዝቢ የሩሳሌም ብጥሜት ኪሞቱ ኸለዉ፡ የሆዋ ንኤርምያስ ብህይወት ከም ዘጽንሖ ዘክር። ከመይ ገይሩ እዩ ኣድሒንዎ፧ ንጉስ ጼድቅያስ ንኤርምያስ ኣብቲ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ዳጐኖ፡ “ኣብ ጸጽባሕ ድማ፡ ክሳዕ ኣብታ ኸተማ እንጌራ ዚሰኣን፡ ካብ ዕዳጋ ጋገርቲ ሓንቲ እንጌራ ኺህብዎ አዘዘ።” (ኤር. 37:21) በዚ ኸምዚ፡ ኤርምያስ ካብ ሞት ኣምለጠ። የሆዋ ንህዝቡ ንምድሓን፡ ዝዀነ ይኹን መገዲ ኺጥቀም ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን፡ እቲ ንዘለኣለም ኪነብሩ ዘለዎም ተስፋ ውሑስ ስለ ዝዀነ፡ ብርግጽ ንህዝቡ የድሕኖም እዩ። ባሩኽ “ዓብዪ ነገር” ስለ ዘይደለየ፡ ካብ ጥፍኣት የሩሳሌም ድሒኑ እዩ። ንሕና እውን፡ ካብ ኣርማጌዶን ድሒንና፡ በታ ኸም ዘመተ እትወሃበና ‘ነፍስና’ ንሓዋሩ ንየሆዋ ኽንውድሶ ንኽእል ኢና።
“ዓብዪ ነገር” ምድላይ ገዲፍና፡ ‘ነፍስና’ ዘመተ ኽትኰነልና ምጽባይና ጥበባዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧