ምዕራፍ ዓሰርተው ሓደ
“ከም ልበይ ገይሮም ዚጓስዩኹም ጓሶት”
1, 2. (ሀ) ኣባጊዕ ዕቝባ እንተ ዘይተገይሩለን እንታይ ኬጋጥመን ይኽእል፧ (ለ) ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ጓሳ እንታይ ዕዮታት ይዓዪ ነበረ፧
ሂሮያሱ ዝስሙ ጃፓናዊ ንእሽቶ ቘልዓ ኸሎ፡ ኣዲኡ ሓደ ድዑልን ሓንቲ ኣንስተይቲ በጊዕን ዓደገትሉ። እታ ኣንስተይቲ በጊዕ ኣብ ዓዓመት ክልተ ዕየት ትወልደሉ ነበረት፣ በዚ ኸምዚ ድማ ኣባጊዑ ኺበዝሓ ጀመራ። ወዲ 12 ዓመት ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ 12 ወይ 13 ዚኣኽላ ኣባጊዕ ነበራኦ። ኣብቲ ግዜ እቲ ብዛዕባ ዘጋጠሞ ነገር ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ፦ “ሓደ መዓልቲ ብንግሆኡ ገና ኻብ ዓራተይ ከይተንሳእኩ፡ እምቤዕ ኪብላ ሰማዕክወን። ብኡንብኡ ናብ ግዳም ኣይወጻእኩን። ኣብ መወዳእታኡ ምስ ወጻእኩ ግን፡ ዕስለ ኣኽላባት መሮር ንዕያውተይ በትቢቶምወን ኪሃድሙ ረኣኽዎም። በዚ ሰምቢደ፡ ንኣዲአን ደለኽዋ። ብደም ተጨማሊቓ ትልኽ ክትብል ጸንሓትኒ። እቲ ድዑል ጥራይ እዩ ብህይወት ተሪፉ። ልበይ ብሓዘን ተሰብረ። መጀመርታ ደሃየን ምስ ሰማዕኩ፡ ሃለዋተን ንምፍላጥ ክወጽእ ነይሩኒ። እቶም ኣኽላባት ምስ መጹወን፡ ንርእሰን ኪከላኸላ ኣይክእላን እየን ነይረን።”
2 ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ዕዮ ጓሳ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ጓሳ ንመጓሰኡ እኹል ሳዕሪ ናብ ዚረኽባሉ መገሃጫ ይመርሐን ነበረ። ካብ ኣራዊት ይከላኸለለን፡ ንዝጠፍኣ ኸኣ ኣናድዩ ይረኽበን ነበረ። (1 ሳሙ. 17:34-36) ከይተረበሻ ኸም ዚዓርፋ ድማ ይገብር ነበረ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ዕያውቲ ኺወልዳ ኸለዋ ይሕግዘን፡ ነተን ዕያውቲ እውን ይከናኸነን ነበረ። ብዙሓት ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንተላይ ኤርምያስ፡ ንሰባት ኪከናኸን ሓላፍነት ንእተዋህቦ ገዛኢ ዀነ መንፈሳዊ ሓላዊ ምስ ጓሳ የመሳስልዎ እዮም።
3. ኤርምያስ ብዛዕባ “ምጕሳይን” “ጓሶትን” ኪዛረብ ከሎ ንምንታይ እዩ ዜመልክት ነይሩ፧
3 ገሊኦም ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ንሽማግለታት ከም ጓሶት ገይሮም ዚሓስብዎም፡ እቶም ሽማግለታት ንኣሕዋቶም ንኺሕግዙን ንኼተባብዑን ኢሎም ኪበጽሕዎም ኣብ ዚኸዱሉ እዋን ጥራይ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ካብቲ ኤርምያስ ንኸም “ጓሳን” “ምጕሳይን” ዝኣመሰለ ቓላት እተጠቕመሉ ኣገባብ፡ ኣብ ኵሉ መዳይ እቲ ኣብ መንጎ ሓለውትን ህዝብን ይሁዳ ዝነበረ ርክብ ከም እተጠቕመሉ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። ኣምላኽ ንመሳፍንትን ንነብያትን ንኻህናትን ይሁዳ፡ ንጥቕሚ እቲ ተራ ህዝቢ ይዓዩ ብዘይምንባሮም፡ ከም ሕማቓት ጓሶት ገይሩ ብዙሕ ሳዕ ይዅንኖም ነበረ። (ኤር. 2:8) ደድሕሪ እቲ ንዕኦም ዚጥዕሞም ኪጐዩ ኺብሉ፡ ነተን “ኣባጊዕ” ገፊዖምወንን ኣጋግዮምወንን ዕሽሽ ኢሎምወንን እዮም። ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ዜሰምብድ መንፈሳዊ ዅነታት እዮም ነይሮም። የሆዋ ነቶም ናይ ሓሶት ጓሶት፡ “ወይለኦም” ድሕሪ ምባል፡ ንመጓሰኡ ዚከናኸኑን ዚከታተልወንን ዜዕቝቡወንን ጓሶት ከም ዜተንስኣለን ንህዝቡ ኣረጋገጸሎም።—ኤርምያስ 3:15፣ 23:1-4 ኣንብብ።
4. ሎሚ ንመጓሰ ኣምላኽ ዚጓስዩ ዘለዉ መን እዮም፧ ብኸመይ ዝበለ መንፈስከ እዮም ዚጓስይወን፧
4 እቲ ኣምላኽ እተመባጽዖ መብጽዓ፡ ኣብቲ ቐንዲ ጓሳ ኣባጊዕ የሆዋን ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤን ዝዀነ የሱስ ዓብዪ መፈጸምታኡ ረኺቡ እዩ። የሱስ ነቶም ዚመርሖም ሰባት ብሓቂ ስለ ዚርሕርሓሎም፡ “እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ” ኢሉ ኣሎ። (ዮሃ. 10:11-15) ሎሚ፡ የሆዋ ነተን ኣብ ምድሪ ዘለዋ መጓሰኡ ንምጕሳይ፡ ነቶም ካብቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ዝዀኑ ቕቡኣት ኣሕዋትን ካብቶም “ብዙሓት ሰብ” ዝዀኑ ጥንቁቓት ሽማግለታትን ከም ንኡሳን ጓሶት ገይሩ ይጥቀመሎም ኣሎ። (ራእ. 7:9) እዞም ጓሶት እዚኣቶም፡ ነቲ የሱስ ጥቕሚ ርእሱ ብምስዋእ ዘርኣዮ መንፈስ ኬንጸባርቑ እዮም ዚጽዕሩ። ኣብነት ክርስቶስ ብምስዓብ፡ ንጉባኤ ኺምግቡን ኪሕብሕቡን እዮም ዚደልዩ። ንኣሕዋቶም ዕሽሽ ዚብልዎም፡ ዚሓስምዎም፡ ዚዕበዩሎም፡ ወይ ኣብ ልዕሊኦም ዚጕይተቱ ጓሶት ግን ወይልኦም! (ማቴ. 20:25-27፣ 1 ጴጥ. 5:2, 3) የሆዋ ሎሚ ኻብ ክርስትያን ጓሶት እንታይ እዩ ዚጽበ፧ ሽማግለታት ሓላፍነታቶም ኪፍጽሙ ኸለዉ ብዛዕባ ኺህልዎም ዚግባእ ግቡእ ኣረኣእያን ድራኸን፡ ካብቲ ኤርምያስ ዝጸሓፎ ጽሑፋት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ከም ሓገዝትን ተኸናኸንትን መዕቈብትን፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ጉባኤ ኸም ዚምህሩ መምህራን፡ ከምኡውን ከም ፈራዶ መጠን ዘለዎም ግደ ንመርምር።
የዕቍቡን ይከናኸኑን
5-7. (ሀ) የሆዋ ንኣባጊዑ ኸመይ ዝበለ ኽንክን ኪግበረለን እዩ ዚጽበ፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) ሽማግለታት ንኣሕዋቶም፡ እንተላይ ንዝጠፍኡ ዘበሉ፡ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኼርእዩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
5 ሃዋርያ ጴጥሮስ ንየሆዋ፡ ‘ጓሳናን ሓላው ነፍሳትናን’ ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (1 ጴጥ. 2:25) ኣምላኽ “ንኣባጊዑ” ኸመይ ዝበለ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ፧ ናብ ግዜ ኤርምያስ ምልስ እንተ ኢልና፡ መልሲ እዛ ሕቶ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። የሆዋ ነቶም ንመጓሰኡ ፋሕ ዘበልወንን ዕሽሽ ዝበልወንን ሕማቓት ጓሶት ድሕሪ ምንቃፉ፡ ንኣባጊዑ ‘ኺእክበንን’ ናብቲ ዚጓሰያሉ ቦታ ኺመልሰንን ምዃኑ ተዛረበ። ንፉዓት ዝዀኑ ‘ዚጓስይወን’ ጓሶት ከም ዜተንስኣለንን ንህዝቡ ኻብ ስሱዓት ጸላእቲ ኸም ዜዕቍቦምን ተመባጽዐ። (ኤር. 23:3, 4) እወ፡ የሆዋ ንኣባጊዑ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእየን ነይሩ። ሎሚ እውን ንኣባጊዑ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእየን። ንዘለኣለማዊ ጥቕመን ኢሉ ኽቡር ዋጋ ኸፊሉ እዩ።—1 ጴጥ. 1:18, 19።
6 ክርስትያን ሓለውቲ ልክዕ ከም ጓሶት ስለ ዝዀኑ፡ ንጉባኤ ናይ ምክንኻን ዕዮኦም ዕሽሽ ኪብልዎ ኣይግባእን። ሽማግለ ዄንካ ተገልግል እንተ ኣሊኻ፡ ኣሕዋትካ እንተ ተሸጊሮም ዜርእይዎ ምልክት ብንቕሓት ትከታተል ዲኻ፧ ብቕልጡፍ ንኽትሕግዞምከ ፍቓደኛ ዲኻ፧ እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን፡ “ሃለዋት ኣባጊዕካ ኣጸቢቕካ ፍለጥ፡ ንልብኻ ኣብ መጓሴኻ ኣንብሮ” በለ። (ምሳ. 27:23) እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ንትግሃት እቶም ቃል ብቓሉ ኣባጊዕ ዚጓስዩ ጓሶት እትንእድ እኳ እንተ ዀነት፡ ብመሰረቱ ኣብቶም ኣብ ጉባኤ ኽንክን ዚገብሩ መንፈሳውያን ጓሶት እውን ትውዕል እያ። ሽማግለ ዄንካ ተገልግል እንተ ኣሊኻ፡ ምስቲ ንኻልኦት ንኽትዕብልል ዘሎካ ዝንባለ ብንቕሓት ትቃለስዶ ኣለኻ፧ ጴጥሮስ “ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይተት ኣይትኹኑ” ኢሉ ምጽሓፉ፡ ሓደ ሽማግለ ብርግጽ ከምኡ ኺገብር ከም ዚኽእል እዩ ዜርኢ። ንስኻ ነቲ ኣብ ኤርምያስ 33:12 ተገሊጹ ዘሎ ሓሳባት ንምፍጻም ብኸመይ ክትሕግዝ ትኽእል፧ (ኣንብብ።) ንጽል ወለዲ፡ መበለታት፡ ሰበይቲ ኣቦ ወይ ሰብኣይ ኣደ ዘለወን ስድራ ቤታት፡ ኣረጋውያን፡ ከምኡውን መንእሰያት ፍሉይ ቈላሕታን ሓገዝን የድልዮም ይኸውን።
7 ከምቲ ሓደ ጓሳ ንኣባጊዑ ቓል ብቓሉ ዚገብሮ፡ ሓደ ኣብ ጉባኤ ጓሳ ዀይኑ ዜገልግል ድማ ብእተፈላለየ ምኽንያት ካብቲ መጓሰ ንዝጠፍኡ ውልቀ-ሰባት ኣናድዩ ይሕግዞም እዩ። ከምኡ ንምግባር፡ ጥቕሚ ርእሱ ኺስውእን ትሑት ኪኸውንን ኣለዎ። ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ሰባት ዜድልዮም ንምምላእ ብትዕግስቲ ግዜኡ ይስውእ እዩ። ሽማግለታት ጉባኤ ንርእሶም፡ ‘ኣብ ክንዲ ዝዅንን ወይ ዝነቅፍ፡ ንምትብባዕን ንምህናጽን ክሳዕ ክንደይ እየ ዝጽዕር፧ ብሓቂዶ ዝሓሸ ኽገብር እደሊ እየ፧’ ኢሎም ብቕንዕና ኺሓቱ ኣለዎም። ንሓደ ሰብ ከም ናይ ኣምላኽ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልዎ ንምሕጋዙ፡ ሓድሓደ ግዜ ተደጋጋሚ ጻዕሪ የድሊ እዩ። ሓደ ሓው ወይ ሓንቲ ሓብቲ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ (ብሕታዊ ኣረኣእያ ዘይኰነ) ምቕባል እንተ ኣብዩ ወይ እንተ ኣብያ፡ ነቲ ኻብ ኵሉ ዝለዓለ ጓሳን ሓላውን ዝዀነ የሆዋ ዘክሮ። የሆዋ ነቶም ተረርቲ ህዝቡ ብትዕግስቲ ደጋጊሙ ‘ነጊርዎም’ እዩ፡ ኪሕግዞም እውን ጽዒሩ እዩ። (ኤር. 25:3-6) መብዛሕትኦም ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ክፉእ ተግባር ዘይገብሩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ምኽሪ ኼድልዮም ከሎ ግን፡ ከምቲ የሆዋ ምኽሪ ዚህብ፡ ሓደ ሽማግለ እውን ምኽሪ ኺህብ ኣለዎ።
8. መንፈሳውያን ጓሶት ኣብነት ኤርምያስ ኪስዕቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
8 ኣይሁድ ናብ የሆዋ ኺምለሱ ገና ተስፋ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኤርምያስ ጸልዩሎም እዩ። ንኣምላኽ፡ “ጽቡቕ ክዛረበሎምን ኵራኻ ኸርሕቐሎምን ኢለ፡ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዝቘምኩ ዘክር” በሎ። (ኤር. 18:20) ካብዘን ቃላት እዚኣተን፡ ኤርምያስ ንኣሕዋቱ ጽቡቖም ደኣ እምበር፡ ሕማቖም ይደሊ ኸም ዘይነበረ ኽትርኢ ትኽእል ኢኻ። ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ሓለውቲ፡ ሓደ ሰብ ክፉእ ንምግባር ከም እተላዕለን ከም ዘይንሳሕን ንጹር መርትዖ ኽሳዕ ዚረኽቡ፡ ነዚ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ዓይነት ኣረኣእያ ኤርምያስ ኪቐድሕዎ ኣለዎም። ካልኦት ጽቡቕ ኪገብሩ ኸለዉ ምንኣድን ምሳታቶም ሓቢርካ ኣብ ክንዳኦም ምጽላይን፡ ሓደ ኣወንታዊ ስጕምቲ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ማቴ. 25:21።
ኣምላኽ ብኤርምያስ ኣቢሉ ብዛዕባ መንፈሳውያን ጓሶት እንታይ መብጽዓ እዩ ተመባጺዑ፧ ክርስትያን ሓለውቲ ኼዕቍቡን ኪከናኸኑን ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
ዚምግቡ ጓሶት
9, 10. ንፉዕ ጓሳ (ሽማግለ ጉባኤ) ምዃን ኪበሃል ከሎ፡ መምህር ምዃን ማለት ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
9 እታ ኣብ ኤርምያስ 3:15 እትርከብ “ዚጓስዩኹም” እትብል ቃል፡ “ዚምግቡኹም” ተባሂላ እውን ክትርጐም ትኽእል እያ። እምበኣር፡ ክርስትያን ጓሶት ንኻልኦት ሰባት “በእምሮን ብምስትውዓልን” ኪምግቡ ወይ መምህራን ኰይኖም ኬገልግሉ ኣለዎም ማለት እዩ። (1 ጢሞ. 3:2፣ 5:17) እቶም ንፉዓት ጓሶት ከምኡ ኸም ዚገብሩ፡ የሆዋ ንህዝቡ ተመባጺዑሎም እዩ። ንኣይሁድ ከኣ ብነብዪኡ ኤርምያስ ኣቢሉ ዚህቦም መአረምታ ኪቕበሉ ኣተባቢዕዎም እዩ። (ኤርምያስ 6:8 ኣንብብ።) ኣባጊዕ ጥዕና ንኺረኽባ፡ ኪምገባ ኣለወን። ብተመሳሳሊ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ብመንፈሳዊ መዳይ ጥዕና ንኺረኽቡ እውን፡ መንፈሳዊ ምግብን መምርሕን የድልዮም እዩ።
10 ሽማግለታት ኣብ ናይ ምምሃር ዕዮኦም፡ ኣብ ክልተ ኪኽፈል ዚከኣል ተራ ይጻወቱ። እዚ ኸኣ፡ ነቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉን ነቶም ገና ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዘይኰኑን ምሕጋዝ እዩ። ነቶም ዳሕሮት ብዚምልከት፡ ሓደ ኻብቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝቘመትሉ ቐንዲ ምኽንያታት፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ምዃኑ ኣይንረስዕ። ስለዚ፡ ሽማግለታት ቀናኣት ወንጌላውያን ኪዀኑ ኣለዎም። (ኤር. 1:7-10) በዚ ኸምዚ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘለዎም ሓላፍነት ይፍጽሙ፡ ንኣሕዋቶም ድማ ሰናይ ኣብነት ይዀኑ። ንስኻ ሽማግለ እንተ ዄንካ፡ ምስ እተፈላለዩ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣዘውቲርካ ምስባኽካ፡ ናታቶም ኰነ ናትካ ናይ ምምሃር ክእለት ንምምሕያሽ ኣጋጣሚ ዚኸፍትዶ ኣይኰነን፧ ኣብ ዕዮ ወንጌላውነት ብቕንኣት ክትመርሕ ከለኻ፡ ንምልእቲ ጉባኤ ንኽትዓቢ ኺሕግዝ ዚኽእል ኣገዳሲ መተባብዒ ኢኻ እትህብ።
11, 12. ንፉዕ ጓሳ ኪኸውን ዚደሊ ሽማግለ፡ ኣብ ምንታይ እዩ ኼተኵር ዘለዎ፧
11 እቲ ሽማግለታት ንጉባኤ ዜካፍልዎ ምግቢ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኪኸውን ኣለዎ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ጥዑይ መንፈሳዊ ምግቢ ይኸውን። ስለዚ ድማ፡ ጓሶት ጉባኤ ውጽኢታውያን መምህራን ንምዃን፡ ቀናኣት ተመሃሮ ቓል ኣምላኽ ኪዀኑ ዚግብኦም ስለምንታይ ምዃኑ ኽትርዳእ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ሓሳብ እዚ ምስቲ ኤርምያስ ነቶም መራሕቲ ህዝቡ ውጽኢታውያን ዘይኰኑሉ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ እተዛረቦ እሞ ኣነጻጽሮ። “ጓሶት ተዐንዱ፡ ንእግዚኣብሄር ድማ ኣይደለይዎን። ስለዚ ኣይሰለጦምን፡ ኵለን መጓሴታቶም ከኣ ፋሕ በላ” በለ። (ኤር. 10:21) እቶም መምህራን ኪዀኑ ዚግብኦም፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኣይስዕቡን እዮም ነይሮም፣ ንኣምላኽ እውን ኣይደልይዎን እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ ናይ ሓቂ ጥበብ ኣይነበሮምን። ኤርምያስ ነቶም ነብያት ተባሂሎም ዚጽውዑ፡ ዝያዳ እዩ ዀኒንዎም።—ኤርምያስ 14:14, 15 ኣንብብ።
12 ክርስትያን ሓለውቲ ግን ከምዞም ናይ ሓሶት ጓሶት ስለ ዘይኰኑ፡ ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት የጽንዕዎን ይስዕብዎን እዮም። በዚ ኸምዚ፡ ጥበበኛታት ጓሶት ኰይኖም ኬገልግሉ ይኽእሉ። ግዜኦምን ቈላሕታኦምን ዚደሊ ብዙሕ ነገራት ስለ ዘሎ፡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ መጽናዕቲ ስሩዕ ግዜ ምምዳብ ኬጸግሞም ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን፡ ሽማግለ ዄንካ ተገልግል እንተ ኣሊኻ፡ ኣስተምህሮኻ ፍልጠትን ምስትውዓልን ዜንጸባርቕ ጠቓምን ሓቅን ኪኸውን ዚኽእል፡ ኣብ ቃል ኣምላኽን ኣብቲ ኻብ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ እተዋህበ መምርሕን እተመርኰሰ ምስ ዚኸውን ጥራይ ምዃኑ ብጽኑዕ ትኣምን ዲኻ፧ ከምቲ ቐደም እትገብሮ ዝነበርካ ጌርካ ብሕታዊ መጽናዕቲ ትገብር ከም ዘየለኻ እንተ ተሰሚዑካ፡ ከምቶም ብግዜ ኤርምያስ ዝነበሩ ናይ ሓሶት ጓሶት ምእንቲ ኸይትኸውን እንታይ ክትገብር ኢኻ፧
13. ንኤርምያስ ንፉዕ መምህር ኪኸውን ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ጓሶትከ ኻብኡ እንታይ ኪመሃሩ ይኽእሉ፧
13 ሓደ ኻብቲ ንኤርምያስ ውጽኢታዊ መምህር ዝገበሮ ነገራት፡ ምሳሌታት ምጥቃሙ እዩ ነይሩ። ነዚ ኻብ የሆዋ እዩ ተማሂርዎ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ሳርማ ድሕሪ ምስባሩ፡ የሩሳሌምን ህዝባን ብተመሳሳሊ ኸም ዚስበሩ ዝኣወጆ ኣዋጅ ዘይርሳዕ እዩ ነይሩ። (ኤር. 19:1, 10, 11) ኣብ ካልእ እዋን ከኣ፡ ነቲ ህዝቡ ኣብ ትሕቲ ባቢሎን ዜሕልፍዎ ስቓይ ንምምልካት፡ ኣርዑት ዕንጨይቲ ሰሪሑ፡ ኣብ ክሳዱ ገበሮ። (ኤር.፡ ምዕ. 27-28) ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ ሽማግለታት ንሓደ ነገር ንምብራህ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልይ ዝበለ ተግባራት ኪገብሩ ኻብ ኣምላኽ መምርሒ ኣይተዋህቦምን። ኰይኑ ግን፡ ኣብ ትምህርቶም ግቡእ ምሳሌታትን ተመክሮታትን ምስኳዖም ኣይተማስወሉንዶ፧ እቲ ዚቐርብ ስእላዊ ዘረባን ኣብነታትን፡ ብግቡእ እተሓስበሉን ብቑዕን ምስ ዚኸውን፡ ሓያል ድራኸ ኼሕድረልካ ይኽእል እዩ።
14. (ሀ) ኤርምያስ ኣብ ምንታይ ተመርኲሱ እዩ ነቲ ‘ዚልከ ፈውሲ ጊልዓድ’ ዝጠቐሰ፧ (ለ) ክርስትያን ሽማግለታት መንፈሳዊ ጥዕና ኣሕዋቶም ብኸመይ ኬመሓይሹ ይኽእሉ፧
14 ነቲ ክርስትያን ጓሶት ዜቕርብዎ ትምህርቲ ኸነመስግነሉ ኣሎና። ኤርምያስ ንህዝቡ መንፈሳዊ ፈውሲ ኸም ዜድልዮም ተገንዚቡ ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ “ዚልከ ፈውሲዶ ኣብ ጊልኣድ የልቦን፧ ፈዋሲዶኸ ኣብኡ የልቦን እዩ፧” ኢሉ ሓተተ። (ኤር. 8:22) ኣብታ ብሸነኽ ምብራቕ ዮርዳኖስ እትርከብ ጊልዓድ ቃል ብቓሉ ዚልከ ፈውሲ ነይሩ እዩ። እዚ ጥዑም ዝመኣዛኡ ዘይቲ እዚ ብመድሃኒትነት ይፍለጥ ስለ ዝነበረ፡ ብዙሕ ግዜ ቓንዛ ንምህዳእን ቍስሊ ንምፍዋስን የገልግል ነበረ። መንፈሳዊ ፈውሲ ግን ኣይተረኽበን ነይሩ። ስለምንታይ፧ ኤርምያስ፡ “ነብያት ብሓሶት ይንበዩ፡ ካህናት ከኣ ብኢዶም ይገዝኡ አለዉ፡ ህዝበይውን ባህ ኢልዎ ይሰምሮ አሎ” በለ። (ኤር. 5:31) ሎሚኸ ዅነታት ከመይ እዩ ዘሎ፧ ‘ዚልከ ፈውሲ ጊልዓድ’ ኣብ ጉባኤኻ ብርግጽ ከም ዘሎስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ እቲ ንቓንዛ ዜህድእ ዚልከ ፈውሲ፡ ምስቲ ሓለይቲ ክርስትያን ጓሶት ዚህብዎ ምጽንናዕ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ነዚ ድማ ንኣሕዋት ኣብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ተመርኲሶም ፍቕራዊ መምርሒ ብምሃብ፡ ዚሃንጽ ተግባራት ብምግባር፡ ከምኡውን ምስ ኣሕዋት ሓቢሮምን ምእንታኦምን ብምጽላይ እዮም ዚፍጽምዎ።—ያእ. 5:14, 15።
ካብቲ ሽማግለታት ጉባኤኻ ዜቕርብዎ ትምህርቲ ነየናይ መዳያት ኢኻ ብፍላይ እተማስወሉ፧ ንትምህርቶም ውጽኢታዊ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧
“የሆዋ ኸምዚ ይብል አሎ”
15, 16. ኣባጊዕ ቈላሕታ ዜድልየን ስለምንታይ እዩ፧
15 ሓደ ጓሳ ኸም ጻማ እቲ ንነዊሕ ሰዓታት ዚዓዮ ኸቢድ ዕዮ፡ ጥዑያት ዕያውቲ ተወሊደን ኪርኢ ኸሎ ዚስምዖ ሓጐስ እሞ ገምቶ። እተን ዕያውቲ ጽቡቕ ንኺዓብያ ግን፡ ቈላሕታ ኸም ዜድልየን ይፈልጥ እዩ። ግቡእ ምግቢ ኸም ዚረኽባ ኸኣ ይገብር። ዕያውቲ ኣብ ድዅዕን ሓመድን ጐሰስ ኪብል ዚኽእል ነዊሕ ጭራ ኣለወን። እቲ ጓሳ ንመጓሰኡ ጽሩያትን ጥዑያትን ኪዀና ስለ ዚደልየን፡ ዘየድሊ ስቓይ ከየምጽኣለን እናተጠንቀቐ ንጭራአን ይቕምቅሞ ይኸውን። መንፈሳውያን ጓሶት እውን ነተን ኣባጊዕ፡ ማለት ንኣባላት ጉባኤኦም ፍቕራዊ ቘላሕታ ይገብሩ እዮም። (ዮሃ. 21:16, 17) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ተገደስቲ ሰባት ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንምዃን ዜኽእሎም ስጕምቲ ኺወስዱ ኸለዉ፡ ሽማግለታት በዚ ይሕጐሱ እዮም። ክርስትያን ሓለውቲ ነተን ንኣሽቱ ዀና ዓበይቲ ኣባጊዕ፡ ጥዑያትን ብግቡእ ዚምገባን ኪዀና እዮም ዚደልይወን፣ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ኣድላዪ ኪኸውን ከሎ፡ ቈላሕታ ኻብ ምግባርን ጣልቃ ኻብ ምእታውን ኣይስልክዩን እዮም። እዚ ዕዮ እዚ ድማ፡ ንኣሕዋቶም፡ “[“የሆዋ፡” NW] ኸምዚ ይብል አሎ” እናበሉ ምዝኽኻር፡ ማለት ቅዱሳት ጽሑፋት ዚምህሮ ምዝኽኻር የጠቓልል።—ኤር. 2:2, 5፣ 7:5-7፣ 10:2፣ ቲቶ. 1:9።
16 ኤርምያስ፡ መልእኽቲ ኣምላኽ ንምእዋጅ ትብዓት ኣድልይዎ እዩ። ሓለውቲ ጉባኤ እውን፡ ብፍላይ ንኣሕዋቶም ንምዕቋብ ኪዛረቡ ኣብ ዜድልየሉ እዋን፡ ትብዓት የድልዮም እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ መንፈሳዊ ጓሳ ንሓንቲ “ዕየት” ወይ ዓባይ “በጊዕ” ብርስሓት እዚ ናይ ሰይጣን ዓለም ከይትበላሾ ንምክልኻል፡ ጣልቃ ኺኣቱ ኸም ዜድልዮ ይግንዘብ ይኸውን። ምናልባት እውን እታ ኣብ ሓደጋ ዘላ ዕየት ወይ በጊዕ፡ ምኽሩ ደልያ ኣይመጸቶን ትኸውን። ኰይኑ ግን፡ ሓንቲ ኻብተን መጓሰ ናብ ሽግር እናኣተወት ከላ፡ ሓደ ጥንቁቕ ጓሳ ኢዱ ኣጣሚሩ ኺርኢ ይኽእል ድዩ፧ ፈጺሙ ኸምኡ ኣይገብርን እዩ። ብጻዩ ክርስትያን ምስ የሆዋ ዘለዎ ሰላም ኬጥፍእ ኣብ ዚኽእለሉን ደሓን ኣብ ዘይኰነሉን እዋን፡ ኵሉ ደሓን ከም ዝዀነ ኣምሲሉ ነቲ ዅነታት ኣፍኲሱ ኣይርእዮን እዩ።—ኤር. 8:11።
17. ሓደ ጓሳ ንሓንቲ በጊዕ ፍሉይ ቈላሕታ ኺገብር ዜድልዮ መዓስን ብኸመይን ኪኸውን ይኽእል፧
17 ሓንቲ ዘይጥንቅቕቲ በጊዕ ካብ መጓሰ ርሒቓ እንተ ኸይዳ፡ ሓደ ንቑሕ ጓሳ ተቐላጢፉ ኸይዱ ናብቲ ደሓን ዚርከበሉ ቦታ እዩ ዚመልሳ። (ኤርምያስ 50:6, 7 ኣንብብ።) ብተመሳሳሊ፡ ሓድሓደ ግዜ ሓደ ሓላዊ፡ ናብ ሓደገኛ ዅነታት ገጾም ንዚኸዱ ክርስትያናት ብጽንዓትን ብፍቕርን ኬረድኦም ይፍትን እዩ። ንኣብነት፡ እተሓጽዩ ወድን ጓልን ዜሰንዮም ሰብ ከይተማልኡ፡ ስምዒቶም ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ኪዀነሉ ኣብ ዚኽእል ቦታታት ግዜ የሕልፉ ኸም ዘለዉ የስተውዕል ንበል። ሓደ ለዋህን መስተውዓልን ሽማግለ ነቶም ሕጹያት ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ ዅነታት ኪርሕቁ ኺሕግዞም ይኽእል እዩ። ከይነቕፎም እናተጠንቀቐ፡ ነቲ የሆዋ ናብ ዚጸልኦ ተግባራት ኪመርሖም ዚኽእል ነገራት ኬጕልሓሎም ይኽእል እዩ። እሙናት ሽማግለታት፡ ከምቲ ኤርምያስ ዝገበሮ፡ ነቲ ኣምላኽ ዚዅንኖ ነገራት ይዅንኑ እዮም። ከምኡ ኺገብሩ ኸለዉ ግን፡ ነቲ ብነብዪኡ ኣቢሉ ንህዝቡ፡ “እዚ ዝጸልኦ ዘሎኹ ርኹስ ነገር ኰታ ኣይትግበሩ” ኢሉ ብልኡም መንፈስ እተማሕጸነ የሆዋ ይመስልዎ እዮም። (ኤር. 5:7፣ 25:4, 5፣ 35:15፣ 44:4) ነቲ እቶም ፈቃራት ጓሶት ነተን መጓሰ ዜርእይዎ ሓልዮት ብሓቂዶ ተማስወሉ ኢኻ፧
18. መንፈሳውያን ጓሶት ዚገብርዎ ጻዕሪ፡ እንታይ ዜተባብዕ ውጽኢት እዩ ዘለዎ፧
18 ነቲ ኤርምያስ ዝሃቦ ምኽሪ ዝሰምዑ፡ ኵሎም ከም ዘይኰኑ ፍሉጥ እዩ። ገሊኦም ሰባት ግን ሰሚዖምዎ እዮም። ንኣብነት፡ እቲ ብጻዩን ጸሓፊኡን ዝነበረ ባሩኽ ሓያል ምኽሪ ኺወሃቦ ኣብ ዘድለየሉ ግዜ፡ ኤርምያስ ብፍታው መኺርዎ እዩ። (ኤር. 45:5) እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧ ባሩኽ ሞገስ ኣምላኽ ረኸበ፡ ካብ ጥፍኣት የሩሳሌም ከኣ ደሓነ። ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ሽማግለታት ጉባኤ ንክርስትያን ብጾቶም ንምሕጋዝ ዚገብርዎ ጻዕሪ ኣወንታዊ ውጽኢት ኬምጽእ ከሎ ብምርኣይ፡ ናብቲ ህይወት ዚህብ ‘ምንባብን ምምሃርን ንኬቕልቡ’ ይተባብዑ እዮም።—1 ጢሞ. 4:13, 16።
“ብልክዕ” ገስጹ
19, 20. ሽማግለታት ምስ ኣበስቲ ኣብ ዚገብርዎ ርክብ እንታይ ሓላፍነት ኣለዎም፧
19 ሎሚ፡ ሓለውቲ ኸም መንፈሳውያን ፈራዶ ዀይኖም እውን ይዓዩ እዮም። ሽማግለታት ነቶም ደይ መደይ ኢሎም ሓጢኣት ዚገብሩ፡ ንኺንስሑ ኺሕግዝዎም ዜድልየሉ ዅነታት ሳሕቲ ይፍጠር እዩ። የሆዋ ንኣበስቲ ኻብ ክፉእ መገዶም ንኺምለሱ ብለውሃት ቀጥታዊ መተባብዒ ሂብዎም እዩ። (ኤር. 4:14) ኰይኑ ግን፡ ሓደ ኣባል ጉባኤ ነቲ ሓጥእ መገዱ እንተ ዘይሓዲጉ፡ ሓለውቲ ነተን መጓሰ ኻብ ጐዳኢ ጽልዋ ንምዕቋብ ስጕምቲ ኺወስዱ ኣለዎም። መምርሒ ቕዱሳት ጽሑፋት ብምስዓብ፡ ነቲ ኣባሲ ኼውጽእዎ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ የሆዋ ንሽማግለታት ፍትሑ ኼንጸባርቑ ይጽበዮም እዩ። እቲ ቕኑዕ ዝገበረ ንጉስ ዮስያስ፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ኣብነታዊ ነበረ። “ነቲ ሽጉርን ድኻን ፍትሒ ኣውጽኤ።” ነቲ ፍትሒ ዚፈቱ ዝነበረ ኣምላኽ ይመስሎ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ የሆዋ ብዛዕባ እቲ ዮስያስ ዝገበሮ ተግባራት፡ “እዚ ንኣይ ምፍላጥዶ ኣይኰነን፧” ኪብል ዝኸኣለ። ዮስያስ ፍትሕን ጽድቅን ስለ ዝገበረ ድማ፡ “ደሓን ኰነሉ።” ኣብ ጉባኤኻ ዘለዉ ሽማግለታት እውን፡ ኣብነት ዮስያስ ኪቐድሑ ኺጽዕሩ ኸለዉ፡ ዝያዳ ቕሳነት ኣይስምዓካንዶ፧—ኤር. 22:11, 15, 16።
20 የሆዋ ንኣበስቲ “ብልክዕ” እዩ ዚግስጾም። (ኤር. 46:28) ስለዚ ድማ፡ ሽማግለታት ከከም እቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ዜንጸባርቕዎ ኣረኣእያን ከከም እቲ ዅነታትን፡ ምኽሪ፡ ማዕዳ፡ ወይ መግናሕቲ ይህቡ እዮም። ንሓደ ዘይንሳሕ ኣባሲ ኺውግዱ ዜድልየሉ ዅነታት እውን ኪፍጠር ይኽእል እዩ። ከምኡ ኼጋጥም ከሎ፡ ነቲ እተወገደን በቲ ሓጥእ መገዱ ዚቕጽልን ኣባሲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣይጽልዩሉን እዮም፣ ከመይሲ፡ እዚ ዋላ ሓንቲ ረብሓ የብሉን።a (ኤር. 7:9, 16) እንተዀነ ግን፡ ነቲ እተወገደ ሰብ እንደገና ሞገስ ኣምላኽ ኪረኽበሉ ዚኽእል መገዲ ብምሕባር፡ ንኣምላኽ ይመስልዎ እዮም። (ኤርምያስ 33:6-8 ኣንብብ።) ውገዳ ዜሳቒ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ስርዓታት ኣምላኽ ጻድቕን ፍትሓውን ንጥቕሚ ዅላትናን ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ድጕ. 1:18።
21. መጓሰ ኣምላኽ እንታይ እየን ኪረኽባ ዘለወን፧ ነዚኸ ብኸመይ ኣበርክቶ ኽትገብር ትኽእል፧
21 ጓሶት ጉባኤ ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ስርዓታት ኣምላኽ ኣለልዮም ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒሎምዎ፡ እተን መጓሰ ምግብን ጥዕናን ዕቝባን እየን ዚረኽባ። (መዝ. 23:1-6) ክርስትያን ሓለውቲ ነቲ ንኣባጊዕ ኣምላኽ ናይ ምክንኻን ከቢድ ሓላፍነቶም ኣብ ዚፍጽሙሉ እዋን፡ ካብቲ ኤርምያስ ብዛዕባ ግቡእ ኰነ ዘይግቡእ ኣረኣእያን ድራኸን እተዛረቦ ነገር ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ ነፍሲ ወከፍና፡ ‘ነቶም “በእምሮን ብምስትውዓልን” “ዚጓስዩ” ጓሶት ብምድጋፍ፡ ነቲ የሆዋ ንህዝቡ ንምምሃርን ንምምራሕን ንምዕቋብን ዝገበሮ መሰናድዎ ብቐጻሊ አማስወሉ ድየ፧’ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና።—ኤር. 3:15፣ 23:4።
ሓለውቲ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዮም ብትብዓት ስጕምቲ ኺወስዱ ዜድልዮም፧ ክርስትያን ሽማግለታት ከም ፈራዶ ዀይኖም ኣብ ዜገልግሉሉ እዋን፡ የሆዋ እንታይ እዩ ዚጽበዮም፧