ምዕራፍ ዓሰርተው ሰለስተ
ኣብ ቅድሚ ዝፋን የሆዋ ዘለዉ ብዙሓት ሰብ
1. (ሀ) እቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽን እቶም 144,000ን ዓስቦም ቅድሚ ምርካቦም: እንታይ እዮም ኪጥዕሙ ዘለዎም፧ (ለ) እቶም ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለዉ “ብዙሓት ሰብ” እንታይ ኪረኽቡ እዮም ትጽቢት ዚገብሩ፧
ካብ ኣቤል ክሳዕ ዮሃንስ መጥምቕ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ: ብቐዳምነት ፍቓድ ኣምላኽ እዮም ዚገብሩ ነይሮም። እንተዀነ ግን: ኵላቶም ሞይቶም እዮም: ምድራዊ ትንሳኤ ብምርካብ ኣብታ ኣምላኽ ዘዳልዋ ሓዳስ ዓለም ንምንባር ድማ ይጽበዩ ኣለዉ። እቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዚገዝኡ 144,000 እውን ዓስቦም ቅድሚ ምርካቦም ኪሞቱ ኣለዎም። ይኹን እምበር: ራእይ 7:9 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ካብ ኵሎም ኣህዛብ እተዋጽኡ “ብዙሓት ሰብ” ሞት ዚበሃል ከም ዘይጥዕሙ: ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ንምንባር ከኣ ተስፋ ኸም ዘለዎም ትገልጸልና። ንስኻኸ ሓደ ኻባታቶም ዲኻ፧
ነቶም ብዙሓት ሰብ ምልላዮም
2. ብዛዕባ መንነት እቶም ኣብ ራእይ 7:9 ተጠቒሶም ዘለዉ ብዙሓት ሰብ ንጹር ምርዳእ ኪርከብ እተኻእለ ብኸመይ እዩ፧
2 ብ1923 ኣገልገልቲ የሆዋ እተን ኣብ ማቴዎስ 25:31-46 የሱስ ብምስላ ዝጠቐሰን “ኣባጊዕ” ከምኡውን እተን ኣብ ዮሃንስ 10:16 ተጠቒሰን ዘለዋ “ኻልኦት ኣባጊዕ” ነቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዘለዎም ከም ዜመልክታ ኣስተውዓሉ። ብ1931 እቶም ኣብ ህዝቅኤል 9:1-11 ተጠቒሶም ዘለዉ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ዚግበረሎም ሰባት: እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ምዃኖም ተፈልጠ። ድሕሪኡ ብ1935 እቶም ብዙሓት ሰብ እተባህሉ ኽፍሊ እተን የሱስ እተዛረበለን ካልኦት ኣባጊዕ ምዃኖም ተፈልጠ። ኣብዚ ግዜና እዞም ብዙሓት ሰብ ቍጽሮም ሚልዮናት በጺሑ ኣሎ።
3. እቲ “ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን . . . ደው ኢሎም” ዚብል መግለጺ ንሰማያዊ ኽፍሊ ዘየመልክት ስለምንታይ እዩ፧
3 ኣብ ራእይ 7:9 እቶም ብዙሓት ሰብ ኣብ ሰማይ ከም ዘለዉ ጌርካ ኣይኰነን ተገሊጾም። ‘ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ኣምላኽ ደው ንኺብሉ:’ ናይ ግድን ኣብ ሰማይ ኪዀኑ ኣለዎም ማለት ኣይኰነን። ብሓጺሩ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ኣለዉ ማለት እዩ። (መዝሙር 11:4) እቶም ብዙሓት ሰብ “ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይኽእል” ምዃኖም: ካብቶም ኣብ ራእይ 7:4-8 ከምኡውን ራእይ 14:1-4 እተጠቕሱ ውሱን ቍጽሪ ዘለዎም ሰማያዊ ኽፍሊ ኸም ዘይኰኑ እዩ ዜመልክት። ኣብዘን ጥቕስታት እዚኣተን እቶም ካብ ምድሪ ናብ ሰማይ እተወስዱ ቝጽሮም 144,000 ምዃኖም እዩ ተገሊጹ ዘሎ።
4. (ሀ) እቲ እቶም ብዙሓት ሰብ ብህይወት ዚሰግርዎ “ብርቱዕ ጸበባ” እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብ ራእይ 7:11, 12 ተገሊጹ ኸም ዘሎ: ነቶም ብዙሓት ሰብ ዚዕዘብዎምን ምሳታቶም ሓቢሮም ኣብ ኣምልኾ ዚሳተፉን መን እዮም፧
4 ራእይ 7:14 ብዛዕባ እቶም ብዙሓት ሰብ “እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝመጹ እዮም” ትብል። ነቲ ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ተራእዩ ዘይፈልጥ መከራ ዘሕለፉ እዮም። (ማቴዎስ 24:21) ነዚ ድሕነት እዚ ኺረኽቡ ዝኸኣሉ ሳላ ኣምላኽን ሳላ ክርስቶስን ምዃኑ ብሞሳ ኣብ ዚገልጹሉ እዋን: ኣብ ሰማይ ዘለዉ ዅሎም እሙናት ፍጥረታት ምሳታቶም ሓቢሮም “ኣሜን: ውዳሴን ግርማን ጥበብን ምስጋናን ክብርን ስልጣንን ሓይልን ንዘለኣለመ ኣለም ንኣምላኽና ይኹን: ኣሜን” ኪብሉ እዮም።—ራእይ 7:11, 12
ብቑዓት ምዃኖም ኬርእዩ ኣለዎም
5. ክፍሊ እቶም ብዙሓት ሰብ ክንከውን ዜኽእለና እንታይ እዩ፧
5 እቶም ብዙሓት ሰብ ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ብደሓን ኪወጹ ዚኽእሉ: ምስቲ ጽድቃዊ ስርዓታት የሆዋ ምስ ዚሰማምዑ ጥራይ እዮም። እቶም ዚድሕኑ ሰባት ዚልለዩሉ ባህርያት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ተገሊጹ ይርከብ። እምበኣር: እቶም ኣፍቀርቲ ጽድቂ ንድሕነት ዚበቕዑ ምእንቲ ኪዀኑ: ሕጂ ስጕምቲ ኺወስዱ ይኽእሉ እዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ እዮም ኪገብሩ ዘለዎም፧
6. እቶም ብዙሓት ሰብ በባጊዕ ኪምሰሉ ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
6 ኣባጊዕ ልኡማትን ተገዛእትን እየን። ስለዚ: የሱስ ካብተን ሰማያዊ ኽፍሊ ዘይኰና ኻልኦት ኣባጊዕ ከም ዘለዋኦ ኺዛረብ ከሎ: ሰባት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ከም ዚነብሩ ጥራይ ዘይኰነስ: እቶም ሰባት ንትምህርትታቱ ዚግዝኡ ምዃኖም እውን እዩ ዜመልክት ነይሩ። “እተን ኣባጊዔይ ግና ድምጸይ ይሰምዓ: ኣነ ኸኣ ኤለልየን” በለ። (ዮሃንስ 10:16, 27) እዘን ኣባጊዕ እዚኣተን ነቶም ነቲ የሱስ ዚብሎም ብሓቂ ዚሰምዕዎን ዚእዘዝዎን ደቀ መዛሙርቱ እየን ዜመልክታ።
7. ሰዓብቲ የሱስ እንታይ ባህርያት እዮም ኬማዕብሉ ዘለዎም፧
7 እዞም ሰዓብቲ የሱስ ነፍሲ ወከፎም እንታይ ካልእ ባህርያት እዮም ኬማዕብሉ ዘለዎም፧ ቃል ኣምላኽ “ነቲ ቐደም እተመላለስኩምሉ . . . ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥኩም . . . እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ” ብምባል ይምልሰልና። (ኤፌሶን 4:22-24) ንሓድነት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዜደልድል ከም እኒ “ፍቕሪ: ሓጐስ: ዕርቂ: ዓቕሊ: ለውሃት: ሕያውነት: እምነት: ህድኣት: ይአኽለኒ ምባል” ዝኣመሰለ ባህርያት ከኣ የማዕብሉ።—ገላትያ 5:22, 23
8. እቶም ብዙሓት ሰብ ነቶም ቅቡኣት ተረፍ ኪሕግዝዎም ከለዉ እንታይ እዩ ዜጋጥሞም፧
8 እቶም ብዙሓት ሰብ ነቶም ኣብቲ ዕዮ ስብከት ሓላፍነት እተዋህቦም ሒደት ዝቝጽሮም ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም ሰባት ይድግፍዎም እዮም። (ማቴዎስ 24:14፣ 25:40) እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ተባሂሎም ዘለዉ ምጽራር ከም ዜጋጥሞም እናፈለጡ እዮም ነዚ ደገፍ እዚ ዚህቡ። እዚ ምጽራር እዚ ኺመጽእ ዝኸኣለ ኸኣ ኣብ መጀመርታ እዘን ዳሕሮት መዓልትታት ክርስቶስ የሱስን መላእኽቱን ንሰይጣንን ኣጋንንቱን ካብ ሰማይ ስለ ዝደርበይዎም እዩ። ብሰንኪ እዚ ድማ ‘ኣቱም ምድሪ ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ: ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ: ወይለኹም’ ተባህለ። (ራእይ 12:7-12) በዚ ምኽንያት እዚ: መወዳእታ እዚ አገባብ እናቐረበ ብዝኸደ መጠን ሰይጣን ኣብ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዜውርዶ ምጽራር እናገደደ እዩ ዚመጽእ ዘሎ።
9. ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ ብስራት ብምስባኽ ዝመጸ ክሳዕ ክንደይ እዮም ዚዕወቱ: ስለምንታይከ፧
9 ከቢድ መስጐጕቲ እኳ እንተ ወረደ: እቲ ዕዮ ስብከት ንቕድሚት ካብ ምስጓም ኣየቋረጸን። ኣብ መወዳእታ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ካብ ዝነበሩ ሒደት ኣሽሓት ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተበጊሶም: ኣብዚ እዋን እዚ ናብ ሚልዮናት በጺሖም ኣለዉ። እዚ ኪኸውን ዝኸኣለ ኸኣ የሆዋ “ንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሔ ኣጽዋር ኵሉ ኣይኪጠቅምን እዩ” ኢሉ ስለ እተመባጽዐ እዩ። (ኢሳይያስ 54:17) ሓደ ኣባል እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ እውን ከይተረፈ: ንዕዮ ኣምላኽ ደው ከተብሎ ኸም ዘይከኣል ኣፍልጦ ሂቡሉ እዩ። ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ፈሪሳውያን ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቲ ኣመልኪቱ: “እዚ ምኽሪ እዝን እዚ ግብሪ እዝን ካብ ሰብ እንተ ዀይኑ: ኪፈርስ እዩ። ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ ግና: ግብሮም ከተፍርሱ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ: ምስ ኣምላኽ ክትብአሱ ኸይትርከቡስ: ነዞም ሰባት እዚኣቶም ሕደግዎም” በሎም።—ግብሪ ሃዋርያት 5:38, 39
10. (ሀ) እቲ ኣብቶም ብዙሓት ሰብ ዚግበር “ማሕተም” ንምንታይ እዩ ዜመልክት፧ (ለ) ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ ‘ኻብ ሰማይ ዝመጸ ድምጺ’ ብኸመይ እዮም ዚእዘዝዎ፧
10 እቶም ብዙሓት ሰብ ንድሕነት ማሕተም ከም እተገብረሎም ጌርካ ተገሊጾም ኣለዉ። (ህዝቅኤል 9:4-6) እቲ “ማሕተም” ንየሆዋ ህይወቶም ከም ዝወፈዩ: ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኰይኖም ከም እተጠምቁ: ከምኡውን ከም ናይ ክርስቶስ ዝኣመሰለ ባህርያት ንምምዕባል ከም ዚጽዕሩ ዜርኢ መርትዖ እዩ። ነታ ሰይጣን ዚቈጻጸራ ዓለምለኻዊት ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብዚምልከት ነቲ “ኣቱም ህዝበይ: ሓጢኣታ ኽሳዕ ሰማይ ተጸፍጺፉ: ኣምላኽ ድማ ዓመጻኣ ዘኪሩ እዩ እሞ: ኣብቲ ሓጢኣታ ምእንቲ ኸይትጽምበሩ: ካብቲ መዓታውን ምእንቲ ኸይትካፈሉስ: ካብኣ ውጹ” ዚብል ‘ካብ ሰማይ ዝመጸ ድምጺ’ ይእዘዙ እዮም።—ራእይ 18:1-5
11. እቶም ብዙሓት ሰብ ኣገልገልቲ የሆዋ ምዃኖም ብኸመይ እዮም ዜርእዩ፧
11 ብዘይካዚውን የሱስ ንሰዓብቱ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በሎም። (ዮሃንስ 13:35) ብኣንጻሩ ግን: ኣባላት እዘን ኣብ ዓለም ዘለዋ ሃይማኖታት ንኻልኦት ኣባላት ሃይማኖቶም ኣብ ውግእ ይቐትልዎም እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ናይ ካልእ ሃገር ዜጋታት ብምዃኖም ጥራይ እዮም ዚቐትልዎም! ቃል ኣምላኽ ግን “ጽድቂ ዘይገብርን ንሓዉ ዘየፍቕርን ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን: ውሉድ ኣምላኽን ውሉድ ድያብሎስን በዚ እዮም ዚግለጹ። ንሓድሕድና ኽንፋቐር: እዚኣ እታ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዋ መልእኽቲ እያ። ከምቲ ኻብ እኩይ ዝነበረ: ንሓዉ ኸኣ ዝቐተለ ቃየል ኣይንኹን” ይብለና።—1 ዮሃንስ 3:10-12
12. ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ: የሆዋ ነተን ክፉእ ፍረ ብዜፍሪ ‘ኣእዋም’ እተመሰላ ሃይማኖታት እንታይ ኪገብረን እዩ፧
12 የሱስ “እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ: እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈሪ። ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ኺፈሪ: ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ፍረ ኺፈሪ ኣይኰነሉን እዩ። ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ኦም ይቝረጽ: ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ። እምብኣርከ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም” በለ። (ማቴዎስ 7:17-20) ሃይማኖታት ዓለም ዜፍረያኦ ፍረ: ክፉኣት ‘ኣእዋም’ ምዃነን እዩ ዚሕብር: ድሕሪ ሓጺር እዋን ድማ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ኺጠፍኣ እየን።—ራእይ 17:16
13. እቶም ብዙሓት ሰብ ብሓድነት “ኣብ ቅድሚ ዝፋን” የሆዋ “ደው ኢሎም” ከም ዘለዉ ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧
13 ራእይ 7:9-15 ነቲ ናብ ድሕነት እቶም ብዙሓት ሰብ ዚመርሕ ረቛሒታት ኣተኲራትሉ ኣላ። ብሓድነት “ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን” የሆዋ “ደው ኢሎም:” ማለት ንሉዓላውነቱ ደገፍ ኪህቡ እዮም ተራእዮም። “ንኽዳውንቶም ከኣ ብደም እቲ ገንሸል ሐጺቦም ኣጻዕደዉ:” እዚ ድማ ነቲ ሓጢኣት ዜተዓርቕ መስዋእቲ የሱስ ኣፍልጦ ሂቦምሉ ማለት እዩ። (ዮሃንስ 1:29) ህይወቶም ንኣምላኽ ወፍዮም: ነዚ ኸኣ ኣብ ማይ ብምጥማቕ ኣርእዮም እዮም። ስለዚ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እቲ ብጻዕዳ ኽዳውንቲ ተመሲሉ ዘሎ ንጹህ ኣቕዋም ኣለዎም: “ለይትን መዓልትን [እውን] የገልግልዎ አለዉ።” ህይወትካ ምስዚ ኣብዚ ተገሊጹ ዘሎ ብዝያዳ ኸም ዚሰማማዕ እትገብረሉ መገድታት ኣሎዶ፧
ሕጂ ዚረኽብዎ በረኸት
14. ገለ ኻብቲ ሕጂ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዚረኽብዎ ዘለዉ ፍሉይ ረብሓታት እንታይ እዩ፧
14 እቶም ሕጂ ንየሆዋ ዜገልግሉ ዘለዉ ዚረኽብዎ ፍሉይ ረብሓታት ተዓዚብካ ኽትከውን ኣሎካ። ንኣብነት: ብዛዕባ ጽድቃዊ ዕላማታት የሆዋ ምስ ተምሃርካ: ብዛዕባ መጻኢ ብሩህ ተስፋ ኸም ዘሎ ኢኻ ተረዲእካ። ስለዚ ሕጂ ናይ ሓቂ ዕላማ ህይወት ኣሎካ። እዚ ዕላማ እዚ ኸኣ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ብምሓዝ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምግልጋል እዩ። እወ: እቲ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ነቶም ብዙሓት ሰብ ‘ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ኪመርሖም እዩ።’—ራእይ 7:17
15. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንፖለቲካውን ስነ-ምግባራውን ጕዳያት ብዚምልከት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምስዓቦም ብኸመይ እዮም ተጠቒሞም፧
15 ካብቲ እቶም ብዙሓት ሰብ ዚረኽብዎ ዜደንቕ ረብሓታት: እቲ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ብዘላ ምድሪ ዚርከቡ ኣገልገልቲ የሆዋ ዘሎ ፍቕርን ሓድነትን ስኒትን ኪጥቀስ ይከኣል። ኵላትና ኻብ ሓደ መንፈሳዊ ምግቢ ስለ እንምገብ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንዚርከብ ሓደ ዓይነት ሕግታትን ስርዓታት ኢና እንእዘዝ። ስለዚ ኸኣ ኢና ብፖለቲካዊ ዀነ ሃገራዊ ኣረኣእያታት ዘይንጐጃጀል። ነቲ ኣምላኽ ህዝቡ ኼማልእዎ ዚደልዮም ልዑል ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት እውን ንሕሉ ኢና። (1 ቈረንቶስ 6:9-11) ስለዚ: ህዝቢ የሆዋ ነቲ ኣብዛ ዓለም ልሙድ ዝዀነ ባእስን ምፍልላይን ርኽሰትን ኣብ ክንዲ ዜንጸባርቑ: ነቲ መንፈሳዊ ገነት ተባሂሉ ዘሎ እዮም ዜስተማቕርዎ ዘለዉ። እዚ ኣብ ኢሳይያስ 65:13, 14 ብኸመይ ከም እተገልጸ እሞ ኣስተብህል።
16. እቶም ብዙሓት ሰብ በቲ ንዅሉ ዜጋጥም ጸገም ዚትንከፉ እኳ እንተዀኑ: እንታይ ተስፋ እዩ ዘለዎም፧
16 ልክዕ እዩ: ሰብኣውያን ኣገልገልቲ የሆዋ ፍጹማት ኣይኰኑን። በቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ ንዅሉ ዜጋጥም ጸገማት እውን ይትንከፉ እዮም። ንኣብነት: ብጽንኩር ኵነታት ይሓልፉ ወይ ንጹሃን ክነሶም ሃገራት ኣብ ዚገብራኦ ውግኣት ግዳያት ይዀኑ። ሕማምን ስቓይን ሞትን እውን የጋጥሞም እዩ። እንተዀነ ግን: ኣብቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚፍጸም: “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። . . . ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ” ዚብል መብጽዓ እምነት ኣለዎም።—ራእይ 21:4
17. ሕጂ ዜጋጥመና ዅነታት ብዘየገድስ: ነቶም ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዜምልኹ ኣብ መጻኢ እንታይ ዜደንቕ በረኸት እዩ ተነቢሩሎም ዘሎ፧
17 ሕጂ ብሰንኪ እርጋን: ሕማም: ሓደጋ: ወይ መስጐጕቲ እኳ እንተ ሞትካ: የሆዋ ኣብ ገነት ኬተንስኣካ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ድሕሪኡ ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ንግስነት ክርስቶስ ካብቲ መንፈሳዊ ድግስ ክትካፈል ኢኻ። ዕላማታት ኣምላኽ ዜደንቕ ፍጻሜኡ ኺረክብ ከሎ: ንዕኡ ዘሎካ ፍቕሪ ኺዓምቝ እዩ። እቲ የሆዋ ሽዑ ዜፍስሶ ስጋዊ በረኸት ድማ ንዕኡ ዘሎካ ፍቕሪ ብዝያዳ ኸም ዚውስኽ ኪገብሮ እዩ። (ኢሳይያስ 25:6-9) ንህዝቢ ኣምላኽሲ ኣብ መጻኢ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ ነገራት እዩ ተነቢሩሎም ዘሎ!
መመያየጢ ሕቶታት
• መጽሓፍ ቅዱስ ንብዙሓት ሰብ ምስ እንታይ ፍሉይ ፍጻመ እዩ ዜተሓሕዞም፧
• ካብቶም ሞገስ ኣምላኽ ዚረኸቡ ብዙሓት ሰብ ምእንቲ ኽንከውን: ሕጂ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧
• እቶም ብዙሓት ሰብ ሕጂ ዚረኽብዎ ዘለዉን ብሕጂ ኣብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ዚረኽብዎን በረኸት ንዓኻ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ዜገድሰካ፧
[ኣብ ገጽ 123 ዘሎ ስእሊ]
እቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ብዙሓት ሰብ ብሓድነት ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ የምልኹ