‘ግዜ ሰላም’ ቀሪቡ ኢዩ!
“ንዅሉ ዘዘመኑ አለዎ: . . . ንውግእ ጊዜ አለዎ: ንሰላም ድማ ጊዜ አለዎ። ”—መክብብ 3:1, 8
1.ንውግእን ሰላምን ዝምልከት ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበንና እንታይ ግርምቢጥ ዝዀነ ኵነታት ኢዩ እተራእየ፧
መብዛሕትኦም ሰባት ንሰላም ሃረር ይብልዋ ኢዮም። እዚ ኸኣ ምኽንያታዊ ኢዩ። ከም መበል 20 ክፍለ-ዘበን ገይሩ ሰላም ዝሓረሞ እዋን የለን። እቲ ግርምቢጥ ዝዀነ ነገር ከኣ ከም ናይ ሕጂ ገይሩ ሰላም ንምሕላው ጻዕሪ ኣይተገብረን። ብ1920 እተኣሳሰራ መንግስታት ቈመት። እቲ ብሓደ መወከሲ መጽሓፍ “ድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም እተገብረ ዝዓበየ መስርሕ ሰላም” ተባሂሉ እተገልጸ ብ1928 እተፈረመ ውዕል ኬሎግ-ብርያንድ “ዳርጋ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ሃገራት . . . ውግእ ከም ሃገራዊ ፖሊሲአን ገይረን ከይወስድኦ ብምስምማዕ” ደጊፈንኦ ኢየን። ድሕርዚ ብ1945 ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ነታ ህይወት ዘይነበራ እተኣሳሰራ መንግስታት ንኽትክእ ተመስረተት።
2. እቲ ኣምስሉ ሸቶ ሕቡራት ሃገራት እንታይ ኢዩ: ክሳዕ ክንደይከ ኢዩ ተዓዊቱ፧
2 ልክዕ ከም እተኣሳሰራ መንግስታት እቲ ኣምስሉ ሸቶ ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ዓለም ሰላም ንምዕቃብ ኢዩ። እቲ ዝረኸበቶ ዓወት ግን ድሩት ኢዩ። ልክዕ ኢዩ ዓለም ሎሚ ክንድቲ ናይ ቀዳማይን ካልኣይን ውግእ ዓለም ዝምስፍሑ ውግእ ኣይተካይድን ኢያ ዘላ። ይኹን እምበር: ብዙሕ ግርጭታት ናይ ኣማእታት ኣሽሓት ሰባት ናይ ኣእምሮ ሰላም: ንብረት: ከምኡውን ህይወት የጥፍእ ኣሎ። ሕቡራት ሃገራት ንመበል 21 ክፍለ-ዘበን ናብ ‘ግዜ ሰላም’ ክትልውጣ ኢያ ኢልና ተስፋ ክንገብር ንኽእልዶ፧
መሰረት ሓቀኛ ሰላም
3. ጽልኢ እናሃለወ ናይ ሓቂ ሰላም ክህሉ ዘይክእል ስለምንታይ ኢዩ፧
3 ኣብ መንጎ ህዝብታትን ሃገራትን ሰላም ንኽህሉ ካብ ምጽውዋር ንላዕሊ የድሊ። ሓደ ሰብ ምስ ሓደ ኣጸቢቑ ዝጸልኦ ሰብ ሰላም ክገብር ይኽእልዶ፧ ብመሰረት 1 ዮሃንስ 3:15 እዚ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ: ከመይሲ “ንሓዉ ዚጸልእ ዘበለ ዅሉ ቐታል ነፍሲ እዩ” ኢያ ትብል። ኣብዚ ቀረባ እዋናት እተራእየ ታሪኽ ከም ዘረጋገጾ ዓሚቝ ጽልኢ ብቐሊሉ ናብ ጐንጺ ተቐይሩ ኢዩ።
4. ሰላም ከስተማቕር ዝኽእል መን ጥራይ ኢዩ: ስለምንታይከ፧
4 የሆዋ “ኣምላኽ ሰላም” ከም ምዃኑ መጠን: እቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩን ንጽድቃዊ ስርዓታቱ ኸኣ ዓሚቝ ኣኽብሮት ዘለዎምን ሰባት ጥራይ ኢዮም ሰላም ክረኽቡ ዝኽእሉ። የሆዋ ሰላም ዝህቦ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ከም ዘይኰነ ፍሉጥ ኢዩ። “እቶም ረሲኣንሲ ሰላም የብሎምን: ይብል ኣምላኸይ።” እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ እቶም እኩያት በቲ ሰላም ዘፍሪ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ክምርሑ ስለ ዘይደልዩ ኢዩ።—ሮሜ 15:33፣ ኢሳይያስ 57:21፣ ገላትያ 5:22
5. ክርስትያናት እንታይ ክገብሩ ኢዩ ዘይሕሰብ ዝኸውን፧
5 እቶም ሓቀኛታት ክርስትያናት ከምቶም ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ብተደጋጋሚ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ዝገበርዎ ምስ ብጾቶም ሰባት ክዋግኡ ማለት ዘይሕሰብ ኢዩ። (ያእቆብ 4:1-4) ሓቂ ኢዩ ምስቲ ንኣምላኽ ዘይመልክዑ ዝህብ ትምህርትታት ይዋግኡ ኢዮም: እዚ ግን ንውልቀ-ሰባት ንምሕጋዞም ድኣ እምበር ንምጕድኦም ኢልካ ዝግበር ኣይኰነን። ብምኽንያት ሃይማኖታዊ ፍልልይ ኣብ ልዕሊ ካልኦት መስጐጕቲ ምውራድ ወይ ብምኽንያት ሃገራዊ ስምዒት ንኻልኦት ብኣካል ምህሳይ ምስ ሓቀኛ ክርስትና ዝጻረር ኢዩ። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት “ዚከአል እንተ ዀይኑስ: ብኣኻትኩም ዝመጸ: ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ” ብምባል መምርሒ ሂብዎም ኣሎ።—ሮሜ 12:17-19፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:24, 25
6. ሎሚ ናይ ሓቂ ሰላም ኣበይ ጥራይ ኢዩ ክርከብ ዝኽእል፧
6 ኣብዚ እዋን እዚ መለኮታዊ ሰላም ኣብ መንጎ እቶም ሓቀኛታት ኣምለኽቲ የሆዋ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ ዝርከብ። (መዝሙር 119:165፣ ኢሳይያስ 48:18) ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ብዘየገድስ ካብ ፖለቲካ ገለልተኛታት ብምዃኖም ፖለቲካዊ ፍልልያት ንሓድነቶም ክዘርግ ኣይክእልን ኢዩ። (ዮሃንስ 15:19፣ 17:14) ‘ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ዝጋጠሙ’ ብምዃኖም ዝዀነ ይኹን ሃይማኖታዊ ፍልልያት ንሰላሞም ኣየስግእን ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 1:10) እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘስተማቕርዎ ዘለዉ ሰላም ዘመናዊ ተኣምራት ኢዩ። እዚ ኸኣ ምስቲ “ኣሕሉቝኪ ሰላም: ሹማምትኺ ድማ ጽድቂ ኽገብር እየ” ዝበሎ መብጽዓ ብምስምማዕ ኣምላኽ ኢዩ ኣምጺእዎ።—ኢሳይያስ 60:17፣ እብራውያን 8:10
‘ግዜ ውግእ’ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧
7, 8. (ሀ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ሰላም መርገጺ እኳ እንተ ሃለዎም ነዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ብኸመይ ኢዮም ዝርእይዎ፧ (ለ) ኣብቲ ሓደ ክርስትያን ዝገብሮ ውግእ እቲ ቀንዲ ኣጽዋሩ እንታይ ኢዩ፧
7 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰላማዊ ዝዀነ መርገጺ እኳ እንተ ሃለዎም: ነዚ ሕጂ ዘሎ እዋን ብቐንዱ ‘ግዜ ውግእ’ ከም ዝዀነ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። እዚ ቃል ብቓሉ ውግእ ኣይኰነን: ከመይሲ ካልኦት ንመልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓይሊ ከም ዝቕበልዎ ምግባር ምስቲ “ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ” ዝብል ኣምላኽ ዝገበሮ ዕድመ ዝጋጮ ኢዩ። (ራእይ 22:17፣ ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ብሓይሊ ዝግበር ምልዋጥ የለን! እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ ውግእ ምሉእ ብምሉእ መንፈሳዊ ኢዩ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ እዩ እምበር: ስጋዊ ኣይኰነን።”—2 ቈረንቶስ 10:4፣ 1 ጢሞቴዎስ 1:18
8 ካብ መንጎ “ኣጽዋር ውግእና” እቲ ቐንዲ ‘ናይ መንፈስ ሰይፊ: ማለት ቃል ኣምላኽ’ ኢዩ። (ኤፌሶን 6:17) እዚ ሰይፊ እዚ ኣዝዩ ሓያል ኢዩ። “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ: ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ: ነፍስን መንፈስን: መፈላልዮ ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም: ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ።” (እብራውያን 4:12) በዚ ሰይፊ እዚ ገይሮም ክርስትያናት ንዅሉ ‘ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገርን’ ከፍሽልዎ ይኽእሉ ኢዮም። (2 ቈረንቶስ 10:5) ናይ ሓሶት ሰረተ-እምነታት: ጐዳኢ ተግባራት: ከምኡውን መለኮታዊ ጥበብ ዘይኰነስ ሰብኣዊ ፍልጠት ዘንጸባርቕ ፍልስፍናታት ንኸቃልዑ የኽእሎም ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 2:6-8፣ ኤፌሶን 6:11-13
9. ኣብቲ ኣንጻር ሓጥእ ስጋ እንገብሮ ቃልሲ ንድሕሪት ክንብል ዘይብልና ስለምንታይ ኢዩ፧
9 ካልእ ዓይነት መንፈሳዊ ውግእ ኸኣ ኣንጻር ሓጥእ ስጋ ዝግበር ኢዩ። ክርስትያናት ኣብነት ናይቲ “ንኻልኦት እናሰበኽኩ: ንርእሰይ ድርቡይ ምእንቲ ኸይከውን: ንስጋይ ኤሰቅዮን ኤግዝኦን አሎኹ” ብምባል ኣፍልጦ ዝሃበ ጳውሎስ ኢዮም ዝስዕቡ። (1 ቈረንቶስ 9:27) እቶም ኣብ ቈሎሴ ዝነበሩ ክርስትያናት “ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፤ ምንዝር: ርኽሰት: ፍትወት ስጋ: ክፉእ ትምኒት: ስስዔ: እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ” ብምባል ተማዒዶም ኢዮም። (ቈሎሴ 3:5) እቲ ሓደ ካብ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ይሁዳ እውን ንክርስትያናት ‘በታ ሓንሳእ ንቕዱሳት እተዋህበት እምነት ተጋደሉ’ ብምባል ተማሕጺንዎም ኣሎ። (ይሁዳ 3) ከምዚ ክንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧ ጳውሎስ ‘ከም ስጋ እንተ ነበርኩም: ክትሞቱ ኢኹም: ነቲ ግብሪ ስጋ ብመንፈስ እንተ ቐተልኩምዎ ግና: ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም’ ብምባል ይምልስ። (ሮሜ 8:13) ነዚ ንጹር ዝዀነ ሓሳብ እዚ ብምግንዛብ ኣብቲ ኣንጻር ሕማቕ ዝንባለታት እንገብሮ ቃልሲ ንድሕሪት ክንብል የብልናን።
10. ብ1914 እንታይ ኣጋጠመ: እዚ ኸኣ ድሕሪ ቀረባ እዋን ናብ እንታይ ከምርሕ ኢዩ፧
10 ግዜ ውግእ ኢዩ እንብለሉ ካልእ ምኽንያት ከኣ ‘መዓልቲ ሕነ ኣምላኽና’ እትመጻሉ ግዜ ኣዝዩ ቀሪቡ ስለ ዘሎ ኢዩ። (ኢሳይያስ 61:1, 2) ብ1914 እቲ የሆዋ መሲሓዊት መንግስቱ ዘቝመሉን ኣንጻር ስርዓት ሰይጣን ውግእ ከም እትኸፍት ዝገብረሉን ምዱብ ግዜ በጽሐ። እቲ ሰባት ብዘይመለኮታዊ ኢድ ምእታው ከማሓድሩ እተወሰነሎም ግዜ በታ ዓመት እቲኣ ተወዲኡ ኢዩ። ነቲ መሲሓዊ ግዝኣት ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዝቕበልዎ መብዛሕትኦም ሰባት ነጸግዎ: ከምቲ ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን እውን ከይተረፈ ብምግባር ምጽራር ቀጺሎም ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 28:27) ስለዚ ኸኣ ናይ መንግስቲ ምጽራር እናሃለወ ክርስቶስ ‘ኣብ ማእከል ጸላእቱ ክገዝእ’ ተገዲዱ ኢዩ። (መዝሙር 110:2) እቲ ዘሐጕስ ራእይ 6:2 ‘እናሰዓረ ክስዕር’ ምዃኑ ኢያ እትዛረብ። እዚ ኸኣ ‘በታ ዓባይ መዓልቲ ውግእ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ: ብእብራይስጢ ኣርማጌዶን እትበሃል’ ክገብሮ ኢዩ።—ራእይ 16:14, 16
ሕጂ ‘ግዜ ምዝራብ’ ኢዩ
11. የሆዋ ካብ መጠን ንላዕሊ ዕጉስ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ: ኣብ መወዳእትኡ ግን እንታይ ኢዩ ዝመጽእ፧
11 ካብታ ኣብ ጕዳያት ሰባት ነጥበ-መቐይሮ ዝዀነት ዓመት 1914 ኣትሒዙ 85 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። የሆዋ ኣብቲ ምስ ደቅሰብ ዝገበሮ ርክብ ካብ መጠን ንላዕሊ ዕጉስ ኰይኑ ኣሎ። ንመሰኻኽሩ ብዛዕባ ህጹጽነት ናይዚ ኵነታት ከም ዝግንዘቡ ይገብሮም ኣሎ። ብሚልዮናት ዝቝጸር ህይወት ኣብ ሓደጋ ኢዩ ዘሎ። እዞም ኣእላፋት ሰባት እዚኣቶም መጠንቀቕታ ክንገሮም ኣለዎ: ከመይሲ የሆዋ ‘ኵላቶም ናብ ንስሓ ኽበጽሑ እምበር: ሓደ እኳ ኽጠፍእ ኣይፈቱን ኢዩ።’ (2 ጴጥሮስ 3:9) ይኹን እምበር: እታ ‘ጐይታና የሱስ ካብ ሰማይ ምስ መላእኽቲ ስልጣኑ ዝግለጸላ’ ግዜ ርሕቕቲ ኣይኰነትን። ሽዑ ኵሎም እቶም ደይመደይ ኢሎም ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘይቅበሉ ሰባት በታ የሱስ ኣብ ልዕሊ እቶም “ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን” ዘውርዶ መዓት “ሕነ” ክፍደዩ ኢዮም።—2 ተሰሎንቄ 1:6-9
12. (ሀ)ዓቢ ጸበባ መዓስ ከም ዝጅምር ምግማት ዋጋ ዘይህልዎ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሱስ በዚ መዳይ እዚ እንታይ ሓደጋ ከም ዘሎ ኢዩ ዘጠንቀቐ፧
12 ትዕግስቲ የሆዋ መዓስ ኢዩ ዝውዳእ፧ “ዓቢ ጸበባ” (NW ) መዓስ ከም ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ግምት ምግባር ዋላ ሓንቲ ጥቕሚ የብሉን። የሱስ ብንጹር ‘እታ መዓልቲ እቲኣን እታ ሰዓት እቲኣን ዝፈልጣ የልቦን’ ብምባል ገሊጹ ኣሎ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ “ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ: ንቕሑ። . . . ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ: ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ” ብምባል ምዒዱ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:21, 36, 42, 44) እዚ ብሓጺሩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓለም ዝፍጸም ነገራት ንቑሓት ክንከውንን ንምጅማር ዓቢ ጸበባ ኣብ ግምት ከነእቱን ይግብኣና። (1 ተሰሎንቄ 5:1-5) ነገራት ብኸመይ ከም ዝምዕብሉ ንምርኣይ እናተጸበና ከም ሻሙ ክንነብር ንኽእል ኢና ኢልካ ምሕሳብ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ኰን ኢዩ! የሱስ ከምዚ በለ:- “ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ: እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ: ንነፍስኹም ተጠንቀቑ።” (ሉቃስ 21:34, 35) እቲ ሕጂ በቶም ናይ የሆዋ “ኣርባዕተ መላእኽቲ” ተታሒዙ ዘሎ ናይ ጥፍኣት “ኣርባዕተ ንፋሳት” ንዘለኣለም ተታሒዙ ከም ዘይተርፍ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ራእይ 7:1-3
13. ዳርጋ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት እንታይ ኢዮም ተገንዚቦም ዘለዉ፧
13 ነዛ ኣዝያ እናቐረበት ትመጽእ ዘላ መዓልቲ ምጽብጻብ ብምርኣይ እቲ ‘ንምዝራብ ግዜ ኣለዎ’ ዝብል ቃላት ሰሎሞን ፍሉይ ትርጕም ኢዩ ዝህልዎ። (መክብብ 3:7) ሕጂ ናይ ምዝራብ ግዜ ምዃኑ ብምርዳእ ዳርጋ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ክብሪ ንግስነት ኣምላኽን ሕነ ዝፈድየላ መዓልትን ብቕንኢ ይሰብኩ ኣለዉ። ኣብዛ ክርስቶስ ሰራዊቱ ዘኽትተላ መዓልቲ ብድሌቶም ርእሶም ይውፍዩ ኣለዉ።—መዝሙር 110:3፣ 145:10-12
እቶም “ሰላም ዜልቦስ: ሰላም አሎ” ዝብሉ
14. ኣብ መበል ሻብዓይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ከመይ ዝበሉ ናይ ሓሶት ነብያት ኢዮም ዝነበሩ፧
14 ኣብ መበል ሻብዓይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. እቶም ነብያት ኣምላኽ ዝዀኑ ኤርምያስን ህዝቅኤልን የሩሳሌም ንኣምላኽ ብዘይምእዛዝ ዓለወኛ መገዲ ምስዓባ መለኮታዊ ፍርዲ ኣዊጆም ነበሩ። እቶም ልኡኻት ኣምላኽ በቶም ምርኡያትን ጽልዋ ዝነበሮምን መራሕቲ ሃይማኖት ምጽራር እኳ እንተ ኣጋጠሞም እቲ እተባህለ ጥፍኣት ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ወሪዱ ኢዩ። እዞም ናይ ሃይማኖት መራሕቲ እዚኣቶም ‘ሰላም ዜልቦስ ሰላም ኣሎ ኢሎም ንህዝቢ [ኣምላኽ] ዘስሕትዎ ዓያሱ ነብያት’ ምዃኖም ተረጋጊጹ ኢዩ።—ህዝቅኤል 13:1-16፣ ኤርምያስ 6:14, 15፣ 8:8-12
15. ሎሚኸ ናይ ሓሶት ነብያት ኣለዉዶ ኢዮም፧ ግለጾ።
15 ልክዕ ከምቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ “ዓያሱ ነብያት” ሕጂ ዘለዉ መብዛሕትኦም መራሕቲ ሃይማኖት እውን ንሰባት ብዛዕባ እታ እትመጽእ ዘላ መዓልቲ ፍርዲ ኣምላኽ ከየጠንቅቕዎም ሰኒፎም ኢዮም። ኣብ ክንድኡስ ንፖለቲካውያን ጕጅለታት ሰላምን ጸጥታን ከምጽኡ ከም ዝኽእሉ ገይሮም ኢዮም ክብ ዘብልዎም። ካብ ንኣምላኽ ንሰባት ከሐጕሱ ስለ ዝህንጠዩ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝቘመትን እቲ መሲሓዊ ንጉስ ከኣ ስዕረቱ ክዛዝም ከም ዝቐረበን ኣብ ክንዲ ዝዛረቡ ንሰዓብቶም ነቲ ባህ ዝብሎም ነገራት ጥራይ ኢዮም ዝነግርዎም። (ዳንኤል 2:44፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:3, 4፣ ራእይ 6:2) ሓሰውቲ ነብያት ብምዃኖም ንሳቶምውን “ሰላም ዜልቦስ: ሰላም አሎ” ኢዮም ዝብሉ ዘለዉ። ይኹን እምበር: ካብቲ ዘካፍእዎን ኣብ ስሙ እዚ ዘይበሃል ጸርፊ ዘምጽኡን ኣምላኽ ቍጥዓ ክወርዶም ከሎ ድንገት ራዕዲ ክኣትዎም ኢዩ። እቶም መራሕቲ ናይታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ርኽስቲ ምዃና ተዘሪቡላ ዘሎ ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣብ ጥራይ ጎልጎል ሰላም ሰላም እናበሉ ኸለዉ ክሕነቑ ኢዮም።—ራእይ 18:7, 8
16.(ሀ)ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምንታይ ኢዮም ዝፍለጡ፧ (ለ) ካብቶም “ሰላም ዜልቦስ: ሰላም አሎ” ዝብሉ ብኸመይ ኢዮም ዝፍለዩ፧
16 መብዛሕትኦም እቶም ምርኡያትን ጽልዋ ዘለዎምን መራሕቲ: ነቲ ግብዝና እተሓወሶ መብጽዓ ናይ ሰላም እኳ እንተ ቀጸልዎ: እቶም ኣምላኽ ናይ ሓቂ ሰላም ንኸምጽእ ዝኣተዎ መብጽዓ ከም ዝፍጽም እምነት ዘለዎም ሰባት በዚ ኣይነቓነቑን ኢዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንልዕሊ ሓደ ክፍለ-ዘበን ዝኸውን ከም እሙናት ተጣበቕቲ ቃል ኣምላኽ: ተባዓት ተጻረርቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት: ከምኡውን ተባዓት ደገፍቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃኖም ተፈሊጦም ኢዮም። ንሰባት ብዛዕባ ሰላም ብምቁር ናይ ሻሕራ ቃላት ገይሮም እናኣተዓሻሸዉ ንድቃስ ኣብ ክንዲ ዝረርውዎም ሕጂ ግዜ ውግእ ምዃኑ ንኽግንዘቡ ከበራብርዎም ኣበርቲዖም ይጽዕሩ ኣለዉ።—ኢሳይያስ 56:10-12፣ ሮሜ 13:11, 12፣ 1 ተሰሎንቄ 5:6
የሆዋ ስቕ ምባሉ ይውድእ
17. የሆዋ ነዊሕ ከይጸንሐ ስቕ ምባሉ ክውድእ ኢዩ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧
17 ሰሎሞን ‘ንዅሉ ነገር ግዜ ተመዲብዎ ኢዩ እሞ: ኣምላኽ ነቲ ጻድቕን ነቲ ረሲእን ክፈርዶም ኢዩ’ በለ። (መክብብ 3:17) እወ: የሆዋ ኣብ ልዕሊ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ከምኡውን ኣብ ልዕሊ እቶም ‘ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ መሲሁን ዝመኽሩ ነገስታት ምድሪ’ ፍርዲ ዘውርደሉ ግዜ መዲቡ ኣሎ። (መዝሙር 2:1-6፣ ራእይ 16:13-16) እቲ ግዜ እቲ ምስ ኣኸለ “ስቕ” ዝብለሉ ግዜ ከብቅዕ ኢዩ። (መዝሙር 83:1፣ ኢሳይያስ 62:1፣ ኤርምያስ 47:6, 7) በቲ ዝነገሰ መሲሓዊ ንጉሱ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ንጸላእቱ በቲ ብቐሊሉ ዝርድኦም ቋንቋ ገይሩ ‘ክዛረቦም’ ኢዩ። ከምዚ ይብል:- “እግዚኣብሄር ከም ጅግና ይወጽእ: ከም ተዋጋኢ ድማ ቅንኣት የልዓዕል: ይጭድር እሞ የዝምር: ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ኸኣ ይብርትዕ። ነዊሕ ጊዜ ስቕ ኢለ ተጸሚመ ነፍሰይ መለኽኩ: ሕጂ ግና ከም እትጽዕር ወላዲት ክጭርሕ: ተናኢኸ ድማ ከተንፍስ እየ። ነኽራንን ኰረቢትን ከባድሞ: ንዅሉ ብቋልያኦም ድማ ከንቅጾ እየ: ንወሓዚ ኸኣ ደሴት ክገብሮ: ንቐላይውን ከንጽፎ እየ። ንዕዉራት ብዘይፈልጥዎ ጐደና ኽወስዶም: ብዘይፈልጥወን መገድታት ክመርሖም: ንጸልማት ኣብ ቅድሚኦም ብርሃን ክገብሮ: ንድንጕር ከጣጥኦ እየ። እዚ ኽገብረሎም ኣይክሐድጎምን ድማ እየ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)—ኢሳይያስ 42:13-16
18. ድሕሪ ቐረባ ግዜ ህዝቢ ኣምላኽ በየናይ መገዲ ኢዮም “ስቕ” ዝብሉ፧
18 የሆዋ ኣምላኽነቱ ንምዕቃብ ‘ክዛረብ ከሎ’ ህዝቡ ክዛረቡ ኣይከድልዮምን ኢዩ። “ስቕ ንምባል” ግዴኦም ክኸውን ኢዩ። እዘን “ንስኻትኩምሲ ኣብዚ ኣይክትዋግኡን ኢኹም: ንቕድሚት ኣቢልኩም ደኣ ደው በሉ እሞ: እቲ ምድሓን እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዘሎ ርአዩ” ዝብላ ቃላት ልክዕ ከምቲ ኣብቶም ቀዳሞት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝሰርሓ ኣብዚ እዋን እዚ እውን ኣብ ግብሪ ክውዕላ ኢየን።—2 ዜና መዋእል 20:17
19. እቶም መንፈሳውያን ኣሕዋት ክርስቶስ ድሕሪ ሓጺር እዋን እንታይ መሰል ኢዩ ክህልዎም፧
19 እዚ ንሰይጣንን ማሕበሩን ኣየ ከመይ ዝበለ ፍሽለት ኰን ኢዩ! ብመሰረት እቲ “ኣምላኽ ሰላም ከኣ ንሰይጣን ቀልጢፉ ኣብ ትሕቲ እግርኹም ኪቕጥቅጦ እዩ” ዝብል መብጽዓ እቶም ክብሪ ዝለበሱ ኣሕዋት ክርስቶስ ኣብቲ ጽድቂ ምእንቲ ክዕወት ዝግበር መጥቃዕቲ ክካፈሉ ኢዮም። (ሮሜ 16:20) ኣብ መወዳእታ እቲ ንነዊሕ እዋን ትጽቢት እተገብረሉ ግዜ ሰላም ክመጽእ ኢዩ።
20. ድሕሪ ሓጺር እዋን ናይ እንታይ ግዜ ኢዩ ክኸውን፧
20 እቶም ካብዚ ሓይሊ የሆዋ ዝንጸባረቐሉ ብርቱዕ ኵነታት ድሒኖም ኣብ ምድሪ ብህይወት ዝነብሩስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ እተባረኹ ኰን ኢዮም! ብድሕሪ እዚ ብዙሕ ከይጸንሑ ኸኣ እቶም ነቲ እተመደበሎም ግዜ ትንሳኤ ክጽበዩ ዝጸንሑ ናይ ጥንቲ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ክጽንበርዎም ኢዮም። እቲ ናይ የሱስ ሽሕ ዓመት ንግስነት ብሓቂ ‘ግዜ ምትካል: ግዜ ምሕዋይ: ግዜ ምህናጽ: ግዜ ሰሓቕ: ግዜ ጓይላ [“ምስርሳር:” NW] ግዜ ምሕቋፍ: ግዜ ምፍቃር’ ክኸውን ኢዩ። እወ: ንዘለኣለም ‘ግዜ ሰላም’ ክኸውን ኢዩ!—መክብብ 3:1-8፣ መዝሙር 29:11፣ 37:11፣ 72:7
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ መሰረት ናይ ነባሪ ሰላም እንታይ ኢዩ፧
◻ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ሕጂ ዘሎ እዋን ‘ግዜ ውግእ’ ገይሮም ዝሓስብዎ ስለምንታይ ኢዮም፧
◻ ህዝቢ ኣምላኽ መዓስ ኢዮም ‘ዝዛረቡ:’ መዓስከ ኢዮም “ስቕ” ዝብሉ፧
◻ የሆዋ መዓስን ብኸመይን ኢዩ ስቕ ምባሉ ዝውድእ፧
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]
የሆዋ እዚ ዝስዕብ ንምግባር ምዱብ ግዜ ኣለዎ
◻ ጎግ ንህዝቢ ኣምላኽ ከም ዘጥቅዖም ንምግባር።—ህዝቅኤል 38:3, 4, 10-12
◻ ንዓባይ ባቢሎን ንኸጥፍእዋ ኣብ ኣልባብ እቶም ሰብኣውያን መራሕቲ ሓሳብ ንምእታው።—ራእይ 17:15-17፣ 19:2
◻ መርዓ እቲ ገንሸል ንምፍጻም።—ራእይ 19:6, 7
◻ ውግእ ኣርማጌዶን ከም ዝለዓል ንምግባር።—ራእይ 19:11-16, 19-21
◻ ሽሓዊ ግዝኣት የሱስ ምእንቲ ክጅምር ንሰይጣን ንምእሳር።—ራእይ 20:1-3
እዚ ፍጻመታት እዚ ብመሰረት እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝርከቦ ኢዩ ተዘርዚሩ ዘሎ። ሓሙሽቲኡ እዚ ፍጻመታት እዚ ብመሰረት እቲ የሆዋ ዝገበሮ መስርዕን ዝመደበሉ ግዜን ከም ዝፍጸም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእልታት]
ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ ብሓቂ ግዜ . . .
ሰሓቕ . . .
ምሕቋፍ . . .
ምፍቃር . . .
ምትካል . . .
ምስርሳር . . .
ምህናጽ . . . ክኸውን ኢዩ።