-
ሕቶታት ካብ ኣንበብቲግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016 | መጋቢት
-
-
ቀዳማይ፡ እቲ ኣዕጽምቲ “ኣዝዩ ንቑጽ” ከም ዝነበረ ተገሊጹ ኣሎ። (ህዝ. 37:2, 11) እዚ ኸኣ፡ እቶም ሰባት ካብ ዝሞቱ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ኸም ዝገበሩ እዩ ዚሕብር። ካልኣይ፡ እቲ ትንሳኤ ብቕጽበት ዘይኰነስ፡ በብቝሩብ እዩ ተፈጺሙ። ፈለማ ደሃይ ኰነ፡ ደሃይ ፍኒሕኒሕ ወይ ሓሸሽታ እውን ኰነ፣ “እቲ ዓጻጽምቲውን ዓጽሚ ኣብ ዓጽሙ ተቓራረበ።” ቀጺሉ፡ “ጅማውትን ስጋን” ተወሰኸ። እቲ ኣዕጽምትን ጅማውትን ስጋን ድማ ብቘርበት ተኸድነ። ጸኒሑ፡ “ትንፋስ ድማ አተዎም። ህያዋን ኰኑ።” ኣብ መወዳእታ፡ የሆዋ ነቶም ዝሓወዩ ህዝቢ ኣብ ሃገሮም ወይ ምድሮም ኣስፈሮም። እዚ ዅሉ ፍጻመታት እምበኣር፡ ግዜ ዚወስድ እዩ ነይሩ።—ህዝ. 37:7-10, 14።
-
-
ሕቶታት ካብ ኣንበብቲግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016 | መጋቢት
-
-
ድሕሪኡ፡ ኣብ መወዳእታ 1800ታት፡ ቻርለስ ቴዝ ራስልን ብጾቱን፡ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምላስ ብቕንኣት ዓየዩ። በዚ ኸምዚ ብምሳልያዊ መገዲ ነቲ መንፈሳዊ ኣዕጽምቲ ስጋን ቈርበትን ኪኸድኖ ጀመረ። ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛን ካልእ ጽሑፋትን፡ ቅኑዕ ንዝልቦም ሰባት መንፈሳዊ ሓቅታት ኪረኽቡ ሓገዘ። ጸኒሑ ድማ፡ እታ ብ1914 ዝወጸት “ፎቶ-ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን”ን እታ ብ1917 ዝወጸት ዘ ፊንሽድ ሚስትሪ ዘርእስታ መጽሓፍን ንህዝቢ ኣምላኽ ኣደልደላኦም። ኣብ መወዳእታኡ፡ ብ1919 ህዝቢ ኣምላኽ ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ ህይወት ተዋህቦም፣ ኣብታ ሓዳስ መንፈሳዊት ሃገሮም ወይ ምድሮም ድማ ሰፈሩ። ድሕሪ ግዜ፡ ነዞም ተረፍ ቅቡኣት ክርስትያናት ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ሰባት ተጸምበርዎም፣ ሓቢሮም ከኣ፡ “ኣዝዩ ዓብዪ ጭፍራ” ወይ ሰራዊት ኰኑ።—ህዝ. 37:10፣ ዘካ. 8:20-23።b
-