ኣብዚ ግዜ እዚ ዘሎ “መቕደስ” ከምኡውን “መስፍን”
“እቲ መስፍን ከኣ: እቶም ህዝቢ ኺአትዉ ኸለዉ: ኣብ ማእከሎም ኰይኑ ኺአቱ: ንሳቶም ኪወጹ ኸለዉ ድማ: ምስኦም ኪወጽእ እዩ።”—ህዝቅኤል 46:10
1, 2. ንመብዛሕትኡ ትርጕም ናይቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ናይ ቤት መቕደስ ራእይ ንኽንፈትሖ ዝሕግዘና ሓቂ እንታይ ኢዩ፧
ገሊኦም ቀደም ዝነበሩ ራብታት ብትንቢት ህዝቅኤል ፈጺሞም ኣይዓግቡን ኢዮም ነይሮም። ብመሰረት እቲ ታልሙድ ዝበሎ: ገለ ካብኣቶም ነቲ መጽሓፍ ክፍሊ ቅዱሳት ጽሑፋት ምእንቲ ኸይከውን ከውጽእዎ እውን ከይተረፈ ይደልዩ ነይሮም ኢዮም። ብፍላይ ነቲ ናይታ ቤት መቕደስ ራእይ ንምትርጓም ይሽገሩ ነበሩ: ካብ ናይ ሰብ ምርዳእ ንላዕሊ ኢዩ ኸኣ በልዎ። ካልኦት ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስ በቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ቤት መቕደስ የሆዋ ተደናጊሮም ኢዮም። ንሕናኸ፧
2 ካብቲ ንጹህ ኣምልኾ እተመልሰሉ ግዜ ኣትሒዙ: የሆዋ ንህዝቡ ብዙሕ ነጸብራቓት ናይ መንፈሳዊ ምርዳእ ብምሃብ ባሪኽዎም ኢዩ። እዚ ምርዳእ እዚ ኸኣ እቲ ናይ ኣምላኽ መንፈሳዊ ቤት መቕደስ ማለት እቲ ቤት መቕደስ መሰል ዝዀነ ምድላው ናይ ጽሩይ ኣምልኾ እንታይ ማለት ምዃኑ ምርዳእ እውን ዘጠቓልል ኢዩ።a እዚ ናይታ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ ሓቂ ነቲ ዝበዝሐ ትርጕም ናይታ ህዝቅኤል ዝረኣያ ቤት መቕደስ ንኽንርዳእ ይሕግዘና ኢዩ። እስከ ነቲ ቀንዲ ክፍሊ ናይቲ ራእይ ዝዀነ ኣርባዕተ ነገራት ማለት እቲ ቤት መቕደስ: እቲ ክህነት: እቲ መስፍን: ከምኡውን እታ ሃገር ኣዕሙቝ ኣቢልና ንርአ። እዚ ሎሚ እንታይ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ፧
እታ ቤት መቕደስን ንስኻን
3. ካብቲ ነዊሕ ቦሎፎንን ካብቲ ኣብቲ መእተዊ ቤት መቕደስ ዘሎ ናይ መንደቕ ስእልን እንታይ ኢና እንመሃር፧
3 ነዛ ብራእይ እተገልጸት ቤት መቕደስ እናዞርና ንርእያ ከም ዘሎና ገይርካ እስከ ሕሰብ። ናብቲ ሸውዓተ ደረጃ ዘለዎ ሓደ ካብቲ ዓበይቲ ማዓጹ ቀሪብና ንኣቱ። ኣብ ውሽጢ እዚ መእተዊ ብምግራም ንርኢ። ቦሎፎኑ ልዕሊ 30 ሜትሮ ኢዩ! በዚ ኸምዚ ኸኣ ናብቲ የሆዋ ዘዳለዎ ናይ ኣምልኾ ስርዓት ንምእታዉ እቲ መዐቀኒታት ክብ ዝበለ ከም ዝዀነ የዘኻኽረና። እቲ በቲ መስኮት ዝኣቱ ጸዳል ብርሃን ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ንቕንዕና ዘመልክት ኦም ስየ ተቐሪጽዎ ዝነበረ መንደቕ የብርሆ። (መዝሙር 92:12፣ ህዝቅኤል 40:14, 16, 22) እዚ ቅዱስ ቦታ እዚ ነቶም ብስነ-ምግባርን ብመንፈስን ቅኑዓት ዝዀኑ ሰባት ኢዩ ተዳልዩ። ምስ እዚ ብምስምማዕ ኣምልኾና ብየሆዋ ተቐባልነት ምእንቲ ክረክብ ኵሉ ግዜ ቅኑዓት ኴንና ክንነብር ኢና እንደሊ።—መዝሙር 11:7
4. ናብቲ ቤት መቕደስ ምእታው እተኸልከሉ መን ኢዮም: እዚኸ ንዓና እንታይ ኢዩ ዝምህረና፧
4 ኣብ ክልቲኡ ወገን ናይቲ መተሓላለፊ ሰለስተ ደገ እቃቤታት ኣለዋ። እቶም እቃቤታት ናብቲ ቤት መቕደስ ንኽንኣቱ የፍቅዱልናዶ ይዀኑ፧ የሆዋ ንህዝቅኤል “ልቡ ዘይተገዝረ” ጓና ናብኣ ክኣቱ ከም ዘይክእል ነገሮ። (ህዝቅኤል 40:10፣ 44:9) እዚ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ኣምላኽ ከም ኣምለኽቱ ዝቕበሎም ነቶም ሕጉ ዘፍቅሩን ምስ ሕጉ ተሰማሚዖም ዝነብሩን ጥራይ ኢዩ። (ኤርምያስ 4:4፣ ሮሜ 2:29) ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ናብቲ ናይ ኣምልኾ ቤቱ ዝዀነ መንፈሳዊ ድንኳን ይቕበሎም። (መዝሙር 15:1-5) ካብቲ ንጹህ ኣምልኾ እንደገና እተሃንጸሉ 1919 ኣትሒዙ: እታ ምድራዊት ማሕበር የሆዋ ነቲ ስነ-ምግባራዊ ሕግታቱ ሓልያን ብቐጻሊ ኣብሪሃን ኢያ። እቶም ፈትዮም ምእዛዝ ዝኣብዩ ሰባት ድሕሪ ደጊም ምስ ህዝቡ ክሓብሩ ኣይጽውዑን ኢዮም። ሎሚ: እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ነቶም ዘይናስሑ ኣበሰኛታት ናይ ምውጋድ ስጕምቲ: ኣምልኾና ንጹህን ጽሩይን ገይርና ንኽንሕዞ ሓጊዙ ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 5:13
5. (ሀ) ኣብ መንጎ እቲ ናይ ህዝቅኤል ራእይን እቲ ኣብ ራእይ 7:9-15 ዘሎ ናይ ዮሃንስ ራእይን እንታይ ምምስሳል ኢዩ ዘሎ፧ (ለ) ኣብቲ ናይ ህዝቅኤል ራእይ እቶም ኣብ ወጻኢ ኣጸድ ዘምልኹ 12 ነገድ ንመን ኢዮም ዘመልክቱ፧
5 እቲ መተሓላለፊ ናብቲ ሰባት ንየሆዋ ዘምልኹሉን ዝውድስሉን ኣጸድ ኢዩ ዝመርሕ። እዚ ነቶም ሃዋርያ ዮሃንስ ዝረኣዮም ንየሆዋ “ለይትን መዓልትን ኣብ መቕደሱ” ዘምልኽዎ “ዓቢ ጭፍራ” (NW ) የዘኻኽረና። ኣብ ክልቲኡ እቲ ራእይ ኦም ስየ ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብ ናይ ህዝቅኤል ራእይ እቲ መእተዊ ብስየ ተሰሊሙ ኣሎ። ኣብ ናይ ዮሃንስ ራእይ ከኣ እቶም ኣምለኽቲ ኣብ ኢዶም ጨነፍር ስየ ሒዞም ኣለዉ: እዚ ኸኣ ንየሆዋ ብምምላኽን ንየሱስ ከም ንጉሶም ብምቕባልን ዝረኸብዎ ሓጐስ የመልክት። (ራእይ 7:9-15) ኣብቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ ብሓፈሽኡ እቶም 12 ነገድ እስራኤል ነቶም ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ኢዮም ዘመልክቱ። (ዮሃንስ 10:16፣ ምስ ሉቃስ 22:28-30 ኣረኣእዮ።) ንስኻኸ ሓደ ካብቶም ብዛዕባ እታ መንግስቲ ኣዊጆም ንየሆዋ ብምውዳሶም ሓጐስ ዝረኽቡ ሰባት ዲኻ፧
6. ዕላማ ናይቲ ኣብ ወጻኢ ኣጸድ ዝነበረ ክፍልታት ኣባይቲ እንታይ ኢዩ: እዚኸ ነቶም ክፍሊ ካልኦት ኣባጊዕ ብዛዕባ ኣየናይ መሰል ኢዩ ዘዘኻኽሮም፧
6 ኣብቲ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ክንዘውር ከሎና: ነቲ እቶም ህዝቢ ካብቲ ብፍታዎም ዘምጽእዎ ወፈያ ዝካፈልሉ 30 ክፍልታት ዘለዎ ኣባይቲ ንርኢ። (ህዝቅኤል 40:17) ሎሚ እቶም ክፍሊ ካልኦት ኣባጊዕ ናይ እንስሳታት መስዋእቲ ኣየቕርቡን ኢዮም: እንተዀነ ግን ናብቲ መንፈሳዊ ቤት መቕደስ ጥራይ ኢዶም ኣይመጹን ኢዮም። (ምስ ዘጸኣት 23:15 ኣረኣእዮ።) ሃዋርያ ጳውሎስ “እምብኣርስ ብእኡ [ብየሱስ] ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና: ማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር: ነቕርብ። ኣምላኽ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ መስዋእቲ ይሰምሮ እዩ እሞ: ሰናይ ምግባርን ምምቓልን ኣይትረስዑ” ብምባል ጽሒፉ ኣሎ። (እብራውያን 13:15, 16፣ ሆሴእ 14:2) ከምዚ ዝኣመሰለ መስዋእቲ ናብ የሆዋ ምቕራብ ዓቢ መሰል ኢዩ።—ምሳሌ 3:9, 27
7. ምዕቃን ናይቲ ቤት መቕደስ ብዛዕባ እንታይ ኢዩ ዘረጋግጸልና፧
7 ሓደ መልኣኽ ነታ ኣብቲ ራእይ ዘላ ቤት መቕደስ ክዕቅና ከሎ ህዝቅኤል ይዕዘቦ። (ህዝቅኤል 40:3) ብተመሳሳሊ ሃዋርያ ዮሃንስ “ተንስእ እሞ ነታ መቕደስ ኣምላኽን መሰውእን ነቶም ኣብኣ ዚሰግዱን ስፈር” ተባሂሉሉ ነበረ። (ራእይ 11:1) እዚ ምዕቃን እዚ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ድሮ ርኢናዮ ከም ዘሎና ኣብ ክልቲኡ ራእያት የሆዋ ንጽሩይ ኣምልኾ ብዝምልከት ዕላምኡ ካብ ምፍጻም ክኽልክሎ ዝኽእል ከም ዘየለ ውሕስነት ከም ዝህብ ኢዩ ዘመልክት። ብተመሳሳሊ ሎሚ እውን: ካብ ሓያላት መንግስታት ዝመጽእ ጨካን ፈተና እውን ከይተረፈ ጽሩይ ኣምልኾ ንኸይቀውም ክኽልክል ዝኽእል ዋላ ሓንቲ ከም ዘየለ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።
8. በቲ ናብ ውሽጣዊ ኣጸድ ዝወስድ ደገ ዝኣትዉ መን ኢዮም: እዚ ደገታት እዚኸ ብዛዕባ እንታይ ኢዩ ዘዘኻኽረና፧
8 በቲ ወጻኢ ኣጸድ ክንከይድ ከሎና: ናብ ውሽጣዊ ኣጸድ ዝወስድ ሰለስተ ደገ ከም ዘሎ ንርኢ፣ እቲ ውሽጣዊ ደገታት ምስቲ ናይ ወጻኢ ደገታት ማዕረ ዝዓቐኑን ኣብ ሓደ መስመር ፊትንፊትን ኢዩ። (ህዝቅኤል 40:6, 20, 23, 24, 27) ኣብቲ ውሽጣዊ ኣጸድ ክኣትዉ ዝኽእሉ ካህናት ጥራይ ኢዮም። እቲ ውሽጣዊ ደገታት ምስቲ መለኮታዊ መዐቀኒታትን ሕግታትን ክሰማምዑ ዘለዎም እቶም ቅቡኣት ምዃኖም ዘዘኻኽረና እኳ እንተዀነ: ንዅሎም ሓቀኛታት ክርስትያን ዝመርሖም መዐቀኒታትን ሕግታትን ግን ሓደ ኢዩ። ዕዮ ናይቶም ካህናት ግን እንታይ ኢዩ: ሎሚኸ እንታይ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ፧
እሙን ክህነት
9, 10. ከምቲ እቲ ጽላሎት ዝነበረ ኣብ ናይ ህዝቅኤል ራእይ ዘሎ ክፍሊ ክህነት ዝገበሮ: እቲ ናይ “መንግስቲ ኽህነት” መንፈሳዊ ትምህርቲ ዝሃበ ብኸመይ ኢዩ፧
9 ኣብቲ ቅድሚ ክርስትና ዝነበረ ግዜ እቶም ካህናት ኣብ ቤት መቕደስ ብርቱዕ ስራሕ ኢዩ ነይርዎም። ነቶም ንመስዋእቲ ዝዀኑ እንስሳታት ምሕራድ: ኣብ መሰውኢ ምቕራቦም: ከምኡውን ነቶም ብጾቶም ካህናትን ንህዝብን ምግልጋል ኣካላዊ ድኻም ዘለዎ ዕዮ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ካልእ ኣድላዪ ዝዀነ ስራሕ እውን ነይርዎም ኢዩ። የሆዋ ብዛዕባ እቶም ካህናት ከምዚ ብምባል ኣዘዘ:- “ንሳቶም ንህዝበይ ነቲ ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን ዘሎ ምፍላይ ኪምህርዎ: ነቲ ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን ዘሎ ም[ፍ]ልላይ ከኣ ኬፍልጥዎ እዮም።”—ህዝቅኤል 44:23፣ ሚልክያስ 2:7
10 ነቲ እቶም ቅቡኣት ብጕጅለ ከም “ናይ መንግስቲ ኽህነት” መጠን ምእንቲ ንጹህ ኣምልኾ ዝገበርዎ ከቢድ ዕዮን ናይ ትሕትና ኣገልግሎትን ተማስወሉዶ ኢኻ፧ (1 ጴጥሮስ 2:9) ከምቶም ኣብ ግዜ ጥንቲ ካብ ዓሌት ሌዊ ዝነበሩ ካህናት ዝገበርዎ: እዚኣቶም እውን ሰባት ነቲ ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ጽሩይን ቅቡልን ዝዀነን ዘይኰነን ንኽርድኡ ብምሕጋዝ መንፈሳዊ ትምህርቲ ኣብ ምሃብ መሪሕነት ወሲዶም ኢዮም። (ማቴዎስ 24:45) እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብእተመስረተ ጽሑፋትን ብክርስትያናዊ ኣኼባታትን ዓበይቲ ኣኼባታትን ኣቢሉ ዝርከብ ትምህርቲ: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ምስ ኣምላኽ ንኽትዓረቑ ሓጊዙ ኢዩ።—2 ቈረንቶስ 5:20
11. (ሀ) ናይ ህዝቅኤል ራእይ ብወገን እቶም ካህናት ንጽህና ኣድላዪ ምዃኑ ዘጕልሕ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እቶም ቅቡኣት ብመንፈሳዊ መገዲ ዝጸረዩ ብኸመይ ኢዮም፧
11 ይኹን እምበር: እቶም ካህናት ካልኦት ንጹሃት ክዀኑ ከም ዘለዎም ካብ ምምሃር ንላዕሊ ኢዮም ክገብሩ ዘለዎም። ንሳቶምውን ንርእሶም ንጹሃት ክዀኑ ኣለዎም። ስለዚ: ህዝቅኤል እቲ ናይ እስራኤል ክህነት ናይ ምጽራይ መስርሕ ከም ዘድልዮ ረኣየ። (ህዝቅኤል 44:10-16) ብተመሳሳሊ የሆዋ ኣብታ መንፈሳዊት ቤት መቕደሱ ነቶም ክፍሊ ክህነት ዝዀኑ ቅቡኣት ንምምርማር ብ1918 ከም “ኰላዒ” ዀይኑ ከም እተቐመጠ ታሪኽ የረጋግጽ ኢዩ። (ሚልክያስ 3:1-5) እቶም ብመንፈስ ጽሩያት ኰይኖም እተረኽቡ ወይ እቶም ካብቲ ናይ ቅድም ኣምልኾ ጣኦቶም እተናስሑ ሰባት ኣብታ መንፈሳዊት ቤት መቕደሱ ምግልጋል ክቕጽሉ መሰል ረኸቡ። እቶም ቅቡኣት በብውልቆም ግን ልክዕ ከም ኵሉ ኻልእ ሰብ ብመንፈስን ብስነ-ምግባርን ዘይንጹሃት ኰይኖም ክርከቡ ይኽእሉ ኢዮም። (ህዝቅኤል 44:22, 25-27) ‘ኻብ ርኽሰት ዓለም ክሕለዉ’ ኣበርቲዖም ክጽዕሩ ኣለዎም።—ያእቆብ 1:27፣ ምስ ማርቆስ 7:20-23 ኣረኣእዮ።
12. ንዕዮ ናይቶም ቅቡኣት ከነማስወሉ ዝግባእ ስለምንታይ ኢዩ፧
12 ነፍሲ ወከፍና ‘ነቲ እቶም ቅቡኣት በቲ ናይ ነዊሕ ዓመታት እሙን ኣገልግሎቶም ዝህብዎ ኣብነት አማስወሉ ድየ፧ ንእምነቶም እቐድሖ ድየ፧’ ኢልና ክንሓትት ንኽእል ኢና። እቶም ክፍሊ ናይቲ ዓቢ ጭፍራ ዝዀኑ ሰባት እቶም ቅቡኣት ኵሉ ግዜ ምስኦም ኣብ ምድሪ ከም ዘይኰኑ ክዝክሩ ሰናይ ኢዩ። ብዛዕባ እቶም ኣብ ናይ ህዝቅኤል ራእይ ዘለዉ ካህናት የሆዋ ከምዚ በለ:- “ኣብ እስራኤል ግደ [ምድሪ] ኣይትሀብዎም: ግዲኦምሲ ኣነ እየ።” (ህዝቅኤል 44:28) ብተመሳሳሊ እቶም ቅቡኣት እውን ኣብ ምድሪ ዘለኣለማዊ ቦታ የብሎምን። ሰማያዊ ርስቲ ኢዩ ዘለዎም: ገና ኣብ ምድሪ ኸለዉ ኸኣ እቶም ክፍሊ ናይቲ ዓቢ ጭፍራ ንዕኦም ምድጋፍን ምትብባዕን ከም መሰል ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ።—ማቴዎስ 25:34-40፣ 1 ጴጥሮስ 1:3, 4
እቲ መስፍን—መን ኢዩ፧
13, 14. (ሀ) እቲ መስፍን ካብተን ካልኦት ኣባጊዕ ክኸውን ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ መስፍን ንመን ኢዩ ዘመልክት፧
13 ሕጂ ሓደ ዘተሓሳስብ ሕቶ ይለዓል። እቲ መስፍንከ ደኣ እሞ ንመን ኢዩ ዘመልክት፧ ከም ውልቀ-ሰብን ከም ጕጅለን ተዘሪቡሉ ስለ ዘሎ ንሓደ ክፍሊ ናይ ሰባት ከም ዘመልክት ክንሓስብ ንኽእል ኢና። (ህዝቅኤል 44:3፣ 45:8, 9) መን ኢዩ ግን፧ እቶም ቅቡኣት ከም ዘይኰኑ እተረጋገጸ ኢዩ። ኣብቲ ራእይ ምስ ክህነት ብቐረባ ዝሰርሕ ምዃኑ ኢዩ ዘርኢ: እንተዀነ ግን ሓደ ካብቶም ካህናት ኣይኰነን። ከምቶም ካህናት ዘይኰነስ ኣብታ ምድሪ ርስቲ ተዋሂብዎ ኢዩ: ስለዚ መጻኢኡ ኣብ ሰማይ ዘይኰነስ ኣብ ምድሪ ኢዩ። (ህዝቅኤል 48:21) ብተወሳኺ ህዝቅኤል 46:10 ከምዚ ይብል:- “እቲ መስፍን ከኣ: እቶም ህዝቢ [እቶም ክፍሊ ክህነት ዘይኰኑ ነገድ ኣብቲ ወጻኢ ኣጸድ ናይቲ ቤት መቕደስ] ኺአትዉ ኸለዉ: ኣብ ማእከሎም ኰይኑ ኺአቱ: ንሳቶም ኪወጹ ኸለዉ ድማ: ምስኦም ኪወጽእ እዩ።” ኣብቲ ውሽጣዊ ኣጸድ ኣይኣቱን ኢዩ: ኣብ ክንድኡስ ምስቶም ህዝቢ እናኣተወን እናወጸን ኣብቲ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ኰይኑ ኢዩ ዘገልግል። እዚ ረቛሒታት እዚ ነቲ መስፍን ኣብ መንጎ እቶም ዓቢ ጭፍራ ናይተን ካልኦት ኣባጊዕ ከም ዝኸውን ይገብሮ።
14 እቲ መስፍን ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ገለ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ንጹር ኢዩ። እቲ መስፍን ኣብ ገበላ ናይቲ ብወገን ምብራቕ ዘሎ ደገ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ኢዩ ኮፍ ዝብል። (ህዝቅኤል 44:2, 3) እዚ ምስቲ ዓበይቲ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ደገ ናይታ ኸተማ ኮፍ ኢሎም ፍርዲ ዝህቡዎ ዝነበሩ ኢዩ ዝመሳሰል: ናይ ምዕዛብ ቦታ ኸኣ የመልክት። (ሩት 4:1-12፣ ምሳሌ 22:22) ሎሚ ካብተን ካልኦት ኣባጊዕ ናይ ምዕዛብ ዕዮ ዘለዎም መን ኢዮም፧ እቶም ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኡ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ሽማግለታት ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:28) ስለዚ ሕጂ እቲ ክፍሊ መስፍን ዝዀነ ደሓር ኣብ ሓዳስ ዓለም ብናይ ምምሕዳር ተኽእሎ ንኸገልግል ይዳሎ ኣሎ።
15. (ሀ) ናይ ህዝቅኤል ራእይ ነቲ ኣብ መንጎ እቶም ካብተን ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀኑ ሽማግለታትን እቶም ክፍሊ ክህነት ዝዀኑ ቅቡኣትን ዘሎ ርክብ ዘብርሆ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) እቶም ቅቡኣት ሽማግለታት ኣብታ ናይ ኣምላኽ ምድራዊት ማሕበር እንታይ መሪሕነት ኢዮም ወሲዶም ዘለዉ፧
15 እንተዀነ ግን እቲ ሎሚ ኣብ መንጎ እቶም ቅቡኣት ክፍሊ ክህነትን እቶም ኣብ ናይ ምዕዛብ ቦታ ኰይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ክፍሊ ዓቢ ጭፍራ ዝዀኑ ሽማግለታትን ዘሎ ርክብ እንታይ ኢዩ፧ ናይ ህዝቅኤል ራእይ እቶም ቅቡኣት መንፈሳዊ መሪሕነት ክወስዱ ከለዉ እቶም ኣባላት ናይ ዓቢ ጭፍራ ዝዀኑ ሽማግለታት ከኣ ናይ ምሕጋዝን ምድጋፍን ግደ ከም ዘለዎም ኢዩ ዝሕብር። ብኸመይ፧ እቶም ኣብቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ ዘለዉ ካህናት ነቲ ህዝቢ ብመንፈሳዊ ነገራት ክምህርዎ ሓላፍነት ተዋሂብዎም ከም ዝነበረ ዘክር። ኣብ ሕጋዊ ጕዳያት እውን ከም ፈረድቲ ኰይኖም ከገልግሉ ተነጊሮም ኢዮም። ብተወሳኺ እቶም ሌዋውያን ኣብ ደጌታት ናይታ ቤት መቕደስ “ሓለውቲ” ክዀኑ እውን ተመዚዞም ነይሮም ኢዮም። (ህዝቅኤል 44:11, 23, 24) እቲ መስፍን ንመንፈሳዊ ኣገልግሎትን መሪሕነትን ናይቶም ካህናት ክእዘዝ ከም ዝነበሮ ንጹር ኢዩ። ስለዚ እምብኣር ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ እቶም ቅቡኣት ናይ ንጹህ ኣምልኾ መሪሕነት ምውሳዶም ግቡእ ኢዩ። ንኣብነት: ኣባላት ኣማሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብኣቶም እተመርጹ ኢዮም። እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እሙናት ቅቡኣት ሽማግለታት ነቶም እናወሰኹ ዝኸዱ ዘለዉ እቲ ክፍሊ መስፍን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኣክል ከለማምድዎም ጸኒሖም ኢዮም ገናውን የለማምድዎም ኣለዉ። ከምዚ ብምግባሮም ከኣ ነቶም ኣባላት ናይዚ ክፍሊ እዚ ዝዀኑ ሰባት ነቲ ኣብ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ምሉእ ብምሉእ ስልጣኖም ዝሕዙሉ ግዜ የዳልውዎም።
16. ብመሰረት ኢሳይያስ 32:1, 2 ኵሎም ሽማግለታት ብኸመይ ኢዮም ክማላለሱ ዘለዎም፧
16 እዞም ኣብ ዝመጽእ ግዜ ኣባላት ናይቶም ከም ክፍሊ እቲ መስፍን ብምዃን ዝዓበየ ሓላፍነት ዝቕበሉ ሰባት እንታይ ዓይነት ተዓዘብቲ ኢዮም፧ እቲ ኣብ ኢሳይያስ 32:1, 2 ዘሎ ትንቢት ከምዚ ይብል:- “እንሆ: ንጉስ ብጽድቂ ኺነግስ እዩ: መሳፍንቲ ኸኣ ብቕንዕና ኺገዝኡ እዮም። ሰብ ድማ ካብ ንፋስ ከም ከውሊ: ካብ ህቦብላ ኸም ጸግዒ: ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓዚ ማያት: ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከም ጽላል ዓብዪ ኸውሒ ኪኸውን እዩ።” እዚ ትንቢት እዚ ካብቶም ቅቡኣትን ካልኦት ኣባጊዕን ዝዀኑ ክርስትያን ሽማግለታት ነቲ መጓሰ ካብ ከም መስጐጕትን ተስፋ ምቝራጽን ዝኣመሰለ ‘ህቦብላ’ ንኽከላኸሉሎም ክዓዩ ከለዉ ኢዩ ዝፍጸም።
17. ክርስትያን ሽማግለታት ንገዛእ ርእሶም ብኸመይ ኢዮም ክርእይዋ ዘለዎም: እቶም መጓሰኸ ንዕኦም ብኸመይ ኢዮም ክርእይዎም ዝግባእ፧
17 እተን ኣብ እብራይስጢ ተመሳሳሊ ትርጕም ዘለወን “መስፍን” ከምኡውን “ሓለቓ” ዝብላ ቓላት ኣወዓዕልአን ንሰባት ክብ ንምባል ዝኸውን ሽመት ንምግላጽ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ እዞም ሰባት እዚኣቶም ንኣባጊዕ ኣምላኽ ኣብ ምሕላይ ዘለዎም ሓላፍነት ዝገልጻ ኢየን። የሆዋ “ኣቱም መሳፍንቲ እስራኤል: ደጊም ይእከልኩም: ዓመጻን በዝባዝን ሕደጉ: ቅንዕናን ጽድቅን ግበሩ” ብምባል ኣትሪሩ ኣጠንቀቖም። (ህዝቅኤል 45:9) ሎሚ ኵሎም ሽማግለታት ንኸምዚ ዝበለ ምኽሪ ከስተውዕሉሉ ሰናይ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 5:2, 3) እቶም መጓሰ ኸኣ ብግዲኦም የሱስ ‘ውህበት ሰብኡት’ ዝዀኑ ጓሶት ከም ዝሃበ ኣፍልጦ ይህቡ። (ኤፌሶን 4:8) እቲ ብቕዓቶም ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽ ተዳልዩ ኣሎ። (1 ጢሞቴዎስ 3:1-7፣ ቲቶስ 1:5-9) ስለዚ ክርስትያናት ናይ ሽማግለታት መሪሕነት ኢዮም ዝስዕቡ።—እብራውያን 13:7
18. ነቲ ኣብ መጻኢ ክፍሊ መስፍን ዝኸውን ገለ ካብቲ ሕጂ ዘለዎ ሓላፍነታት እንታይ ኢዩ፧
18 ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ እቶም መሳፍንቲ ገሊኦም ብዙሕ ገሊኦም ከኣ ሒደት ስልጣን ነበሮም። ሎሚ እቶም ካብቲ ዓቢ ጭፍራ ዝዀኑ ሽማግለታት ኣጸቢቑ እተፈላለየ ሓላፍነታት ኣለዎም። ገሊኦም ኣብ ሓንቲ ጉባኤ የገልግሉ: ካልኦት ከኣ ኣብ ብዙሓት ጉባኤታት ከም ገየሽቲ ተዓዘብቲ ዀይኖም የገልግሉ፣ ካልኦት ከኣ ኣባላት ኮሚቴ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ብምዃን ንሃገር ምሉእ የገልግሉ: ካልኦት ከኣ ብቐጥታ ነተን እተፈላለያ ኮሚቴ ናይ ኣማሓዳሪ ኣካል ይድግፉ። ኣብ ሓዳስ ዓለም: የሱስ ኣብቶም ኣብ ምድሪ ዝህልዉ ኣምለኽቲ የሆዋ መሪሕነት ዝወስዱ ‘ኣብ ብዘላ ምድሪ መሳፍንቲ’ ክሸይም ኢዩ። (መዝሙር 45:16) ብዘይ ጥርጥር ዝበዝሑ ካብዚኣቶም ካብቶም ሎሚ ዘለዉ እሙናት ሽማግለታት ኢዩ ዝመርጾም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ሎሚ ብቑዓት ምዃኖም የረጋግጹ ስለ ዘለዉ: ኣብ ሓዳስ ዓለም ግደ ናይቶም ክፍሊ መስፍን እንታይ ምዃኑ ክገልጾ ኸሎ ንብዙሓት ካብኣቶም ዝዓበየ መሰል እውን ከይተረፈ ብሕድሪ ንኽህቦም ክመርጽ ኢዩ።
ሎሚ ዘላ ናይ ህዝቢ ኣምላኽ ሃገር
19. እታ ኣብ ናይ ህዝቅኤል ራእይ ዘላ ሃገር እንታይ ኢያ እተመልክት፧
19 ናይ ህዝቅኤል ራእይ ብዛዕባ እታ እተመልሰት ሃገር እስራኤል ዝገልጽ ክፍሊ እውን ኣለዎ። እዚ ክፍሊ ራእይ እዚ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧ ካልእ ናይ ምምላስ ትንቢታት ምድሪ እስራኤል ከም ገነት ኤደን ክኸውን ምዃኑ ተነብዩ ኢዩ። (ህዝቅኤል 36:34, 35) ሎሚ ኣብ እተመልሰት “ሃገር” ኢና ዘሎና: እዛ ሃገር እዚኣ እውን ብሓደ ወገና ገነታዊት ኢያ። ብተመሳሳሊ: ንሕና እውን ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ መንፈሳዊት ገነትና ንዛረብ ኢና። ግምቢ ዘብዐኛ ነዛ “ሃገር” እዚኣ እቲ ሕሩይ ህዝቢ ኣምላኽ “ክንቀሳቐሰላ እተዋህበ ቦታ” ብምባል ይገልጻ።b ኣገልጋሊ የሆዋ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ኣስኣሰር ክርስቶስ የሱስ ብምኻድ ጽሩይ ኣምልኾ ንምድጋፍ ዝጽዕር እንተደኣ ዀይኑ ኣብዛ እተመልሰት ሃገር ኢዩ ዘሎ።—1 ጴጥሮስ 2:21
20. ካብቲ ኣብ ናይ ህዝቅኤል ራእይ ዘሎ “ቅዱስ መባእ” እንታይ ስርዓት ኢና ክማሃር እንኽእል: ነዚ ስርዓት እዚ ኣብ ተግባር ከነውዕሎ እንኽእልከ ብኸመይ ኢዩ፧
20 ብዛዕባ እታ “ቅዱስ መባእ” ተባሂላ እትጽዋዕ ክፍሊ ናይታ ሃገርከ እንታይ ክብሃል ይከኣል፧ እዚ ንኽህነትን ነታ ኸተማን ንምድጋፍ እቲ ህዝቢ ዝገብሮ ዝነበረ መባእ ኢዩ። ብተመሳሳሊ “ብዘለዉ ህዝቢ እታ ሃገር” ነቲ መስፍን ዝኸውን ገለ ክፍሊ ናይቲ ምድሪ መባእ ክህቡ ነበሮም። ሎሚ እዚ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ብርግጽ ህዝቢ ኣምላኽ መሃያ ዘለዎም ክፍሊ ክህነት ጸይሮም ክነብሩ ኣለዎም ማለት ኣይኰነን። (2 ተሰሎንቄ 3:8) ኣብ ክንድኡስ እቲ ነቶም ሽማግለታት ዝወሃብ ደገፍ ብቐዳምነት መንፈሳዊ ኢዩ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ዝግበር ዕዮ ምሕጋዝ ከምኡውን ናይ ምትሕብባርን ምእዛዝን መንፈስ ምንጽብራቕ ዘጠቓልል ኢዩ። እንተዀነ ግን ከምቲ ኣብ ግዜ ህዝቅኤል ዝነበረ: እዚ መባእ እዚ “ንእግዚኣብሄር ” እምበር ንዝዀነ ይኹን ሰብ ኣይግበርን ኢዩ።—ህዝቅኤል 45:1, 7, 16
21. ካብ ምምቕቓል ናይታ ኣብ ናይ ህዝቅኤል ራእይ ዘላ ሃገር እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧
21 ኣብዛ እተሓዳሰት ሃገር ቦታ ዝወሃቦም እቲ መስፍንን ካህናትን ጥራይ ኣይኰኑን። እቲ ናይ መሬት ምምቕቓል ከም ዝሕብሮ ካብቶም 12 ነገድ ዝዀነ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ውሕስነት ዘለዎ ርስቲ ኣለዎ። (ህዝቅኤል 47:13, 22, 23) ስለዚ እምበኣር: እቶም ካብቲ ዓቢ ጭፍራ ዝዀኑ ሰባት እውን ሎሚ ኣብ መንፈሳዊ ገነት ቦታ ኣለዎም ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ምድራዊ ግዝኣት ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ወረሱ እውን መዝነት ክቕበሉ ኢዮም።
22. (ሀ) እታ ኣብ ናይ ህዝቅኤል ራእይ ዘላ ከተማ ንምንታይ ኢያ እተመልክት፧ (ለ) ካብቲ ብዅሉ ወገን እታ ኸተማ ዘሎ ደጌታት እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧
22 ኣብ መወዳእትኡ እታ ኣብቲ ራእይ ዘላ ከተማ እንታይ ኢያ እተመልክት፧ ኣብ ማእከል እቲ “ዘይተቐደሰ” ቦታ ስለ እትርከብ ሰማያዊት ከተማ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢያ። (ህዝቅኤል 48:15-17) ስለዚ ምድራዊት ክትከውን ኣለዋ። ከተማ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ከም ጕጅለ መጠን ብሓንሳእ ዝዀኑ እሞ ቅርጽን ምምሕዳርን ዘለዎ ኵነታት ዘቝሙ ሰባት ዘስምዕ ሓሳባትዶ ኸይኰነ ዘመሓላልፍ፧ እወ: ከምኡ ኢዩ። ስለዚ እታ ኸተማ እቲኣ: እቲ ንዅሎም እቶም ጻድቕ ምድራዊ ሕብረተሰብ ዘቝሙ ሰባት ዝጠቅም ምድራዊ ምምሕዳር ኢያ እተመልክት። ምሉእ ብምሉእ እትዓዪ ድማ ኣብቲ ዝመጽእ “ሓድሽ ምድሪ” ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:13) እቲ ንነፍሲ ወከፍ ነገድ ሓደ ዝበጽሖ ብዅሉ ወገን ዘሎ ደገ ናይታ ኸተማ ጽቡቕ ገይሩ ንግሉጽነት ዘብርህ ኢዩ። ሎሚ ህዝቢ ኣምላኽ ብሓደ ምስጢራውን ሕቡእን ምምሕዳር ኣይኰኑን ዝምርሑ። እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት ተቐረብቲ ክዀኑ ኣለዎም፣ እቲ ዝምርሑሉ ስርዓታት ብዅሎም ጽቡቕ ገይሩ ዝፍለጥ ኢዩ። ካብ ኵሉ ነገድ ዝዀኑ ሰባት ነቲ ኣብ ከባቢ እታ ከተማ ዘሎ መሬት ምሕራሶም ከኣ እቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ንህዝቢ ኣምላኽ እተዳለወ ናይ ምምሕዳር ስርዓት ብንዋታዊ መገዲ እውን ከይተረፈ በቶም ካልኦት ኣባጊዕ ከም ዝድገፍ የዘኻኽረና።—ህዝቅኤል 48:19, 30-34
23. ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ክንማሃር፧
23 እቲ ካብቲ ቤት መቕደስ ዝውሕዝ ርባኸ እንታይ ኢዩ፧ እዚ ሎምን ንዝመጽእን እንታይ ከም ዘመልክት ኣብዛ ናይ መወዳእታ ክፍሊ ናይዚ ተኸታታሊ ዓንቀጽ እንርእዮ ኣርእስቲ ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተጻሕፈት ራእይ —እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! እትብሃል መጽሓፍ ኣብ ገጽ 64 ቍጽሪ 22 ርአ።
b ናይ 1 ሓምለ 1995 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 14 ርአ።
ንድግማ ዝኸውን ነጥብታት
◻ እታ ኣብ ናይ ህዝቅኤል ራእይ ዘላ ቤት መቕደስ እንታይ ኢያ እተመልክት፧
◻ እቶም ኣብታ ቤት መቕደስ ዘገልግሉ ካህናት ንመን ኢዮም ዘመልክቱ፧
◻ ክፍሊ እቲ መስፍን እንታይ ኢዩ: ገለ ካብቲ ሓላፍነታቱኸ እንታይ ኢዩ፧
◻ እታ ኣብ ናይ ህዝቅኤል ራእይ ዘላ ሃገር እንታይ ኢያ: ኣብቶም 12 ነገድ እተመቓቐለትከ በየናይ መገዲ ኢዩ፧
◻ እታ ኸተማ እንታይ ኢያ እተመልክት፧
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
ከምቲ ኣብ ናይ ህዝቅኤል ራእይ እተገልጸ ምምቕቓል ናይታ ሃገር
እቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድ
ዓቢ ባሕሪ
ባሕሪ ገሊላ
ርባ ዮርዳኖስ
ባሕሪ ጨው
ዳን
ኣሴር
ንፍታሌም
ምናሴ
ኤፍሬም
ሮቤል
ይሁዳ
እቲ መስፍን
ቢንያም
ስምኦን
ይሳኮር
ዛብሎን
ጋድ
[ስእሊ]
ነቲ ቅዱስ መባእ ምዕባይ
ሀ. “የሆዋ ባዕሉ ኣብኡ ኣሎ” (የሆዋ ሻማህ)፣ ለ. ናይታ ከተማ ፈራዪ ምድሪ
ግደ ሌዋውያን
መቕደስ የሆዋ
ግደ ካህናት
ለ ሀ ለ