ንቤት መቕደስ ኣምላኽ ‘ብልብኻ ኣቕልበሉ’!
“ኣታ ወዲ ሰብ . . . ነቲ ኣነ ዘርእየካ ዘበለ ዅሉ . . . ብልብኻ . . . ኣቕልበሉ። እቲ ዝርኤኻዮ ዅሉውን ንቤት እስራኤል ንገሮም።”—ህዝቅኤል 40:4
1. እቶም ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ ብ593 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ኢዮም ነይሮም፧
እዋኑ ብ593 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ መበል 14 ዓመት ምርኮ እስራኤል ኢዩ ነይሩ። ነቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ኣይሁድ: እታ ዝፈትውዋ ዓዶም ኣዝያ ርሕቕቲ ኰይና ተሰሚዓቶም ነይራ ክትከውን ኣለዋ። መብዛሕትኦም ንየሩሳሌም ንመወዳእታ ግዜ ክርእይዋ ከለዉ ትነድድ ኢያ ነይራ: እቲ ዓቢ መናድቓ ዓንዩ: እቲ ዘዅርዕ ዝነበረ ህንጻታታ ኸኣ ፈሪሱ ኢዩ ነይሩ። እቲ ሓደ ግዜ ግርማ ናይታ ከተማን ማእከል ኣምልኾ ናይ ብዘላ ምድርን ዝነበረ ቤት መቕደስ የሆዋ ዑና ኢዩ ኰይኑ። ዝበዝሐ ክፋል ናይቲ እስራኤላውያን ተማሪኾም ክጸንሕሉ ዝነበሮም ግዜ ድማ ገና ኢዩ ነይሩ። እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ድሕነት ንኽመጽእ ገና 56 ዓመታት ክሓልፍ ነበሮ።—ኤርምያስ 29:10
2. ተዘክሮታት ናይቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ቤት መቕደስ ኣምላኽ: ንህዝቅኤል ከጕህዮ ዝኽኣለ ስለምንታይ ኢዩ፧
2 ነቲ እሙን ነብዪ ዝነበረ ህዝቅኤል ቤት መቕደስ ኣምላኽ ኣማእታት ኪሎ ሜተራት ርሒቓ: ዓንያ: መስፈር ኣራዊት ኰይና ከም ዘላ ምፍላጡ ዘሕዝን ኢዩ ነይሩ። (ኤርምያስ 9:11) ቡዚ ኣቦ ህዝቅኤል: ኣብታ ቤት መቕደስ ከም ካህን ኣገልጊሉ ኢዩ። (ህዝቅኤል 1:3) ህዝቅኤል እውን ከምኡ ዝበለ መሰል ምረኸበ ነይሩ: እንተዀነ ግን ብ617 ቅ.ኣ.ዘ. ገና መንእሰይ ከሎ ምስቶም ናይ እስራኤል መራሕቲ ተማሪኹ ከደ። ህዝቅኤል ኣብቲ እዋን እቲ ዳርጋ ወዲ 50 ዓመት ኣቢሉ ኢዩ ነይሩ: እንደገና ንየሩሳሌም ከም ዘይርእያ ወይ ኣብ ዳግመ ህንጻ ናይታ ቤት መቕደስ ዋላ ሓንቲ ግደ ከም ዘይህልዎ ይርድኦ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ናይ ሓንቲ ግርማዊት ቤት መቕደስ ራእይ ምርኣይ ንህዝቅኤል ክሳዕ ክንደይ ዓቢ ነገር ከም ዝነበረ እሞ ሕስብ ኣብሎ!
3. (ሀ) ዕላማ ናይቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ (ለ) እቶም ኣርባዕተ ቀንዲ ክፍልታት ናይቲ ራእይ እንታይ ኢዮም፧
3 እዚ ኣብ ትሽዓተ ምዕራፋት ናይ መጽሓፍ ህዝቅኤል ዝርከብ ብዙሕ መልክዓት ዘለዎ ራእይ: ነቶም እተማረኹ ኣይሁድ እምነት ዘደልድል መብጽዓ ሃቦም። ንጹህ ኣምልኾ እንደገና ክምለስ ነበሮ! ካብቲ ድሕሪኡ ዝነበረ ክፍለ-ዘበናት ኣትሒዙ ክሳዕ እዚ ግዜና እውን ከይተረፈ እቲ ራእይ ንኣፍቀርቲ የሆዋ ምንጪ ናይ ምትብባዕ ኰይኑ ኢዩ። ብኸመይ፧ እቲ ናይ ህዝቅኤል ትንቢታዊ ራእይ ንእስራኤላውያን እንታይ ትርጕም ከም ዝነበሮ እስከ ንመርምር። ኣርባዕተ ቀንዲ ክፍልታት ኢዩ ነይርዎ: እዚ ኸኣ እታ ቤት መቕደስ: እቲ ክህነት: እቲ መስፍን: ከምኡውን እታ ሃገር ኢዩ።
እታ እተሓደሰት ቤት መቕደስ
4. ኣብ መጀመርታ ናይቲ ራእይ: ህዝቅኤል ናበይ ኢዩ ተወሲዱ: ኣብኡኸ እንታይ ረኣየ: መሪሑ ዘዛወሮኸ መን ኢዩ፧
4 ኣብ መጀመርታ ህዝቅኤል ናብ “ነዊሕ ከረን” ተወስደ። ብወገን ደቡብ ናይቲ ከረን ድማ ህንጽቲ ከተማ እትመስል ዓባይ ቤት መቕደስ ነበረት። ሓደ “ከም ኣስራዚ ዝትርኢቱ” መልኣኽ ድማ ነቲ ነብዪ: ነታ ቤት መቕደስን ከባቢኣን ሓደ ብሓደ ኣርኣዮ። (ህዝቅኤል 40:2, 3) እቲ ትርኢት እናቐጸለ ክኸይድ ከሎ ህዝቅኤል ነቲ መልኣኽ ተጠንቂቑ የስተውዕለሉ። እቲ መልኣኽ ከኣ ነተን ሓደ ዓይነት ዝነበራ ሰለስተ ጽምዲ ደገታት ናይታ ቤት መቕደስ ምስቲ እቃቤታቱ: ነቲ ናይ ወጻኢ ኣጸድ: ነቲ ውሽጣዊ ኣጸድ: ነቲ ክፍልታት ኣባይቲ: ነቲ መሰውኢ: ከምኡውን ነቲ ቅዱስ ቦታ ናይታ ቤት መቕደስ ምስቲ ቅዱስን ምስቲ ቅድስተ ቅዱሳንን ይዕቅን ነበረ።
5. (ሀ) የሆዋ ንህዝቅኤል እንታይ መረጋገጺ ኢዩ ዝሃቦ፧ (ለ) እቲ ካብ ቤት መቕደስ ከልግስ ዝነበሮ “ሬሳ ነገስታት” እንታይ ኢዩ ነይሩ: እዚኸ ኣገዳሲ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧
5 ብድሕርዚ የሆዋ ባዕሉ ኣብቲ ራእይ ይርአ። ናብቲ ቤት መቕደስ ይኣቱ እሞ ንሱ ባዕሉ ኣብቲ ቤት መቕደስ ከም ዝኸውን ንህዝቅኤል የረጋግጸሉ። እንተዀነ ግን “ሕጂ ንምንዝርናኦምን ንሬሳ ነገስታቶምን ካባይ ኬርሕቑ እዮም: ኣነውን ንሓዋሩ ኣብ ማእከሎም ክነብር እየ” ብምባል ቤቱ ክትጸሪ ከም ዘድሊ ተዛረበ። (ህዝቅኤል 43:2-4, 7, 9) እዚ ‘ሬሳ ነገስታቶም’ ነቲ ጣኦታት ከም ዘመልክት ንጹር ኢዩ ነይሩ። ናይ የሩሳሌም ዓለወኛታት ገዛእትን ህዝብን ንቤት መቕደስ ኣምላኽ ብጣኦታት ገይሮም ኣበላሽዮማ ኢዮም: በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቶም ጣኦታት ነገስታቶም ገበርዎም። (ምስ ኣሞጽ 5:26 ኣረኣእዮ።) እዚኣቶም ህያዋን ኣማልኽቲ ወይ ነገስታት ዘይኰኑስ ምዉታት ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ኸኣ ርኹሳት ኢዮም ነይሮም። ከልግሱ ድማ ኣለዎም።—ዘሌዋውያን 26:30፣ ኤርምያስ 16:18
6. ምዕቃን ናይቲ ቤት መቕደስ እንታይ ትርጕም ነበሮ፧
6 ናይዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ራእይ ትርጕም እንታይ ነበረ፧ እዚ ነቶም ምሩኻት ንጹህ ኣምልኾ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቤት መቕደስ ኣምላኽ እንደገና ክህነጽ ምዃኑ ኢዩ ዘረጋግጸሎም ነይሩ። ብተወሳኺ ምዕቃን ናይቲ ቤት መቕደስ: እቲ ራእይ ርግጽ ክፍጸም ምዃኑ መለኮታዊ መረጋገጺ ዝህብ ኢዩ። (ምስ ኤርምያስ 31:39, 40፣ ዘካርያስ 2:2-8 ኣረኣእዮ።) ኵሉ ኣምልኾ ጣኦት ክጽረግ ነበሮ። የሆዋ ኸኣ እንደገና ንቤቱ ክባርኻ ነበሮ።
እቲ ክህነትን እቲ መስፍንን
7. ብዛዕባ እቶም ሌዋውያንን ካህናትን እንታይ ሓበሬታ ኢዩ እተዋህበ፧
7 እቲ ክህነት እውን ብናይ ምጽራይ ወይ ምዅላዕ መስርሕ ክሓልፍ ነበሮ። እቶም ክፍሊ ክህነት ዝዀኑ ደቂ ጻዶቅ ክንኣዱን ንጹሃት ኰይኖም ብምጽንሖም ከኣ ዓስቢ ክረኽቡን ከለዉ: ሌዋውያን ግን ናብ ኣምልኾ ጣኦት ብምእታዎም ክግሰጹ ነበሮም።a ብዘይ ጥርጥር ግን ክልቲኦም ክፍሊ ብመሰረት እቲ ከም ውልቀ-ሰባት መጠን ዘርኣይዎ ተኣማንነት ኣብቲ እንደገና ዝህነጽ ቤት ኣምላኽ ናይ ኣገልግሎት ቦታ ክህልዎም ነበሮ። ብተወሳኺ የሆዋ “ንሳቶም ንህዝበይ ነቲ ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን ዘሎ ምፍላይ ኪምህርዎ: ነቲ ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን ዘሎ ም[ፍ]ልላይ ከኣ ኬፍልጥዎ እዮም” ብምባል ይእውጅ። (ህዝቅኤል 44:10-16, 23) ስለዚ እቲ ክህነት እንደገና ክጅመር: እቲ ተኣማንነት ዝነበሮ ምጽማም ናይቶም ካህናት ከኣ ዓስቢ ክረክብ ነበሮ።
8. (ሀ) እቶም ናይ ጥንቲ እስራኤል መሳፍንቲ እንታዎት ኢዮም ነይሮም፧ (ለ) እቲ ኣብ ናይ ህዝቅኤል ራእይ ዘሎ መስፍን ኣብ ጽሩይ ኣምልኾ ንጡፍ ዝነበረ በየናይ መገድታት ኢዩ፧
8 እቲ ራእይ ንሓደ መስፍን ተባሂሉ ዘሎ እውን ዝምልከት ኢዩ። ካብ መዓልትታት ሙሴ ኣትሒዙ እታ ሃገር መሳፍንቲ ነይሮምዋ ኢዮም። እታ መስፍን ዝብል ትርጕም ዘለዋ ና·ሲʼ ʹ እትብል ናይ እብራይስጢ ቃል ንሓደ ናይ ማይ ቤት: ናይ ነገድ: ወይ ከኣ ናይ ሃገር ርእሲ ከተመልክት ትኽእል ኢያ። ኣብ ናይ ህዝቅኤል ራእይ: መራሕቲ እስራኤል ከም ጕጅለ መጠን ነቶም ህዝቢ ብምጭቋኖም ተገሲጾም ኢዮም: ዘየዳልዉን ቅኑዓትን ክዀኑ ኸኣ ተማዒዶም ኣለዉ። እቲ መስፍን ካብ ክፍሊ ክህነት እኳ እንተ ዘይኰነ: ሓለፍ ብዝበለ መገዲ ኣብቲ ንጹህ ኣምልኾ ንጡፍ ኢዩ። እቲ መስፍን ኣብቲ ኣጸድ ቤት መቕደስ በቲ እቶም ካህናት ዘይኰኑ ዝመላለሱሉ ይመላለስ: ኣብ ገበላ ናይታ ብወገን ምብራቕ ዘላ ደገ ኮፍ ይብል: እቶም ህዝቢ ዘቕርብዎ ገለ መስዋእትታት ከኣ የዳሉ። (ህዝቅኤል 44:2, 3፣ 45:8-12, 17) እቲ ራእይ ንህዝቢ ህዝቅኤል ኣብታ እተሓደሰት ሃገር ኣብነታውያን ብዝዀኑ መራሕቲ ክባረኹ ምዃኖም ዘረጋግጸሎም ኢዩ ነይሩ። እዞም ሰብኡት እዚኣቶም ንህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ምምሕዳርን ንመንፈሳዊ ጕዳያት ሰናይ ኣብነት ኣብ ምዃንን ነቲ ቤተ-ክህነት ዝድግፉ ኢዮም።
እታ ሃገር
9. (ሀ) እታ ምድሪ ብኸመይ ኢያ ክትመቓቐል ነይርዋ: እንተዀነ ግን እቶም ርስቲ ዘይቅበሉ መን ኢዮም ነይሮም፧ (ለ) እቲ ቅዱስ መባእ እንታይ ኢዩ ነይሩ: እንታይ ዝሓዘኸ ኢዩ ነይሩ፧
9 ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ህዝቅኤል ራእይ ሓፈሻዊ ትርኢት ሃገር እስራኤል ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ። እታ ሃገር ነፍሲ ወከፍ ነገድ ነናቱ ግደ ከም ዝህልዎ ኰይና ክትመቓቐል ነበራ። እቲ መስፍን እውን ናቱ ርስቲ ክህልዎ ነበሮ። እቶም ካህናት ግን ርስቲ ኣይነበሮምን ምኽንያቱ የሆዋ “ኣነ እየ ርስቶም” ኢሉ ነበረ። (ህዝቅኤል 44:10, 28፣ ዘሁልቍ 18:20) እቲ መስፍን ዝህልዎ ርስቲ ብኽልተ ወገን ናይቲ ቅዱስ መባእ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፍሉይ ቦታ ምዃኑ እቲ ራእይ የመልክት። እዚ ኣብ ሰለስተ ወገን እተመቕለ ትርብዒት መሬት ኢዩ ነይሩ። እቲ ላዕሊ ነቶም እተናስሑ ሌዋውያን: እቲ ማእከል ነቶም ካህናት: እቲ ታሕቲ ኸኣ ነታ ከተማን ንማሕረስን ዝኸውን ኣብ ክልቲኡ ወገን ዘሎ መሬትን ኢዩ። ቤት መቕደስ የሆዋ: ኣብ ማእከል ትርብዒት መሬት ናይቲ ቅዱስ መባእ ኣብቲ ብጽሒት ናይቶም ካህናት ክኸውን ነበሮ።—ህዝቅኤል 45:1-7
10. እቲ ብዛዕባ ምምቃል ናይቲ ምድሪ ዝገልጽ ትንቢት ነቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ እሙናት ኣይሁድ እንታይ ማለት ኢዩ ነይሩ፧
10 እዚ ዅሉ ንልቢ ናይቶም ምሩኻት ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ኣጸናኒዕዎ ነይሩ ክኸውን ዘለዎ! ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ኣብታ ሃገር ርስቲ ከም ዝህልዋ ተረጋጊጹላ ነበረ። (ምስ ሚክያስ 4:4 ኣረኣእዮ።) ንጹህ ኣምልኾ ኣብኡ ልዑል ዝዀነ ቀንዲ ቦታ ክህልዎ ነበሮ። ኣብ ናይ ህዝቅኤል ራእይ እቲ መስፍን ከምቶም ካህናት ኣብቲ ብህዝቢ እተወፈየ ቦታ ክነብር ምዃኑ እውን ኣስተብህል። (ህዝቅኤል 45:16) ስለዚ ኣብታ እተሓደሰት ሃገር እቲ ህዝቢ ኣብ ዕዮ እቶም የሆዋ መሪሕነት ክወስዱ ዝመዘዞም ሰባት ኣበርክቶ ክገብር ኢዩ፣ ነዚ ኸኣ ምስቲ መምርሒታቶም ተሓባቢሮም ብምድጋፍ ኢዮም ዝፍጽምዎ። እዛ ሃገር እዚኣ ኣብ ኵሉ ነገራ ናይ ምምሕዳር: ምትሕብባር: ከምኡውን ድሕንነት መግለጺት ኢያ ነይራ።
11, 12. (ሀ) የሆዋ ነታ እተመልሰት ዓዶም ክባርኻ ከም ዝዀነ ብትንቢት ንህዝቡ ዘረጋግጸሎም ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ኣብ ገማግም ርባ ዝነበረ ኣእዋም እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧
11 የሆዋ ንሃገሮም ክባርኻ ድዩ፧ እቲ ትንቢት ነዚ ሕቶ እዚ ባህ ብዘብል ስእሊ ገይሩ ይገልጾ። ካብታ ቤት መቕደስ ዝውሕዝ ርባ ኣሎ: እናገፍሐ ኸኣ ይኸይድ: ኣብ ምዉት ባሕሪ ክኣቱ ኸሎ ድማ ዓቢ ቀላይ ይኸውን። ኣብኡ ኸኣ ነቲ ህይወት ዘይብሉ ማይ ህያው ይገብሮ: ኣብቲ ገምገም ናይቲ ርባ ድማ ምግፋፍ ዓሳ ይዕየ። ኣብቲ ገማግም ርባ መግብን ፈውስን ዝህብ ዓመት ምሉእ ዝፈሪ ብዙሕ ኣእዋም ኣሎ።—ህዝቅኤል 47:1-12
12 ነቶም ምሩኻት እዚ መብጽዓ እዚ ነቲ ቅድም ብዛዕባ ምምላስ ሰሚዖምዎ ዝነበሩ ኣዝዮም ዝፈትውዎ ትንቢታት ዝደግምን ዘረጋግጽን ኢዩ። እቶም መንፈስ የሆዋ ዝነፈሶም ነብያት: ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ እተሓደሰትን ከም ብሓድሽ ህዝቢ እተቐመጣን እስራኤል ብገነታዊ ኣገላልጻ ገይሮም ተዛሪቦም ኢዮም። ዝባደመ ከባቢታት እንደገና ህያው ክኸውን ብዙሕ ግዜ እተደጋገመ ትንቢታዊ ፍረ-ሓሳባት ኢዩ። (ኢሳይያስ 35:1, 6, 7፣ 51:3፣ ህዝቅኤል 36:35፣ 37:1-14) ስለዚ እቶም ህዝቢ እቲ ህይወት ዝህብ በረኸታት የሆዋ ከም ውሒዝ ካብታ እተሓደሰት ቤት መቕደስ ክወጽእ ኢዮም ትጽቢት ዝገብሩ። በዚ መሰረት እዚ ሓንቲ ብመንፈስ ዝሞተት ሃገር እንደገና ህያው ክትከውን ኢያ። እቶም እተመልሱ ህዝቢ: ከምቲ ኣብ ገማግም ርባ ዝነበረ ኣእዋም ጻድቃንን ጽኑዓትን ዝዀኑ: ነታ ዝበረሰት ሃገር እንደገና ንምህናጽ መሪሕነት ዝወስዱ ብሉጻት መንፈሳውያን ሰብኡት ብምርካብ ክባረኹ ኢዮም። ኢሳይያስ እውን ብዛዕባ እቶም ‘ነቲ ቀደም ዝባደመ ዘቝሙ’ ተባሂሎም ዘለዉ “ኣእዋም ጽድቂ” ጽሒፉ ኢዩ።—ኢሳይያስ 61:3, 4
እቲ ራእይ መዓስ ኢዩ ዝፍጸም፧
13. (ሀ) የሆዋ ነቶም እተመልሱ ህዝቡ ‘ብኣእዋም ጽድቂ’ ገይሩ ዝባረኾም በየናይ መገዲ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ብዛዕባ ምዉት ባሕሪ ተነጊሩ ዝነበረ ትንቢት ብኸመይ ተፈጸመ፧
13 እቶም እተመልሱ ምሩኻት ተስፋ ቘሪጾምዶ፧ ፈጺሞም ኣይቈረጹን! ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. ሒደት ተረፍ ናብታ ዘፍቅርዋ ዓዶም ተመልሱ። ድሕሪ ገለ ግዜ ብመሪሕነት ናይ ከም በዓል እዝራ እቲ ጸሓፊ: እቶም ነብያት ዝነበሩ ሃጌን ዘካርያስን ከምኡውን እቲ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ እያሱ ዝኣመሰሉ “ኣእዋም ጽድቂ:” እቲ ንነዊሕ ግዜ ባዲሙ ዝነበረ ቦታታት እንደገና ተሃንጸ። ከም ነህምያን ዘሩባቤልን ዝበሉ መሳፍንቲ ነታ ሃገር ቅንዕናን ፍትሕን ብዘለዎ መገዲ መርሕዋ። ቤት መቕደስ የሆዋ ተሓደሰ: እቲ ናይ ህይወት ምድላዋት ማለት እቲ በቲ ኺዳን ብምንባር ዝርከብ በረኸታት ከኣ እንደገና ቀጸለ። (ዘዳግም 30:19፣ ኢሳይያስ 48:17-20) ሓደ ካብቲ በረኸት ፍልጠት ኢዩ ነይሩ። እቲ ቤተ-ክህነት ናብ ዕዮኡ ተመልሰ: እቶም ካህናት ከኣ ነቲ ህዝቢ ሕጊ መሃርዎ። (ሚልክያስ 2:7) ልክዕ ከምቲ ምዉት ባሕሪ ምሕዋዩን እንደገና ዓሳታት ምሃቡን ተገሊጹ ዘሎ: እቶም ህዝቢ እውን ብመንፈስ ህያዋን ኰኑ: እንደገና ኸኣ ፍረ ዝፈርዩ ኣገልገልቲ የሆዋ ዀኑ።
14. እቲ ናይ ህዝቅኤል ትንቢት ካብቲ ኣይሁድ ካብ ምርኮ ባቢሎን ድሕሪ ምምላሶም እተፈጸመ ነገራት ዝዓበየ መፈጸምታ ክህልዎ ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧
14 እንኮ መፈጸምታ ናይ ህዝቅኤል ራእይ እዚ ፍጻሜታት እዚ ጥራይ ድዩ፧ ኣይፋሉን፣ ካብኡ ዝዓቢ ነገር ኢዩ ዘመልክት። ንኣብነት: እታ ህዝቅኤል ዝረኣያ ቤት መቕደስ ከምቲ ተገሊጻቶ ዘላ ክትህነጽ ኣይትኽእልን ኢያ። ሓቂ ኢዩ እቶም ኣይሁድ ነቲ ራእይ እቲ ኣኽቢዶም ኢዮም ወሲዶምዎ: ገለ ካብቲ ኣብኡ ዘሎ ዝርዝራት ቃል ብቓሉ ኣብ ተግባር ከም ዝውዕል እውን ከይተረፈ ገይሮም ኢዮም።b ይኹን እምበር: ብምልእታ እታ ኣብ ናይ ህዝቅኤል ራእይ ተገሊጻ ዘላ ቤት መቕደስ ዓባይ ብምንባራ: ኣብቲ እታ ናይ ቅድም ቤት መቕደስ ዝነበረቶ ከረን ሞርያ ክትስራሕ ኣይትኽእልን ኢያ ነይራ። ኣብ ርእሲ እዚ እታ ናይ ህዝቅኤል ቤት መቕደስ ኣብ ውሽጢ ከተማ ኣይነበረትን ኣብ ክንድኡስ ኣብ ፍልይ ዝበለ መሬት ካብታ ከተማ ርሕቕ ኢላ ኢያ ነይራ: እታ ካልአይቲ ቤት መቕደስ ግን ኣብታ ቅድሚኣ ዝነበረት ቤት መቕደስ ዝነበረቶ ከተማ የሩሳሌም ኢያ ነይራ። (እዝራ 1:1, 2) ብተወሳኺ: ካብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤት መቕደስ ዝወጽእ ርባ ፈጺሙ ኣይነበረን። ስለዚ ጥንታዊት እስራኤል ሒደት መፈጸምታ ናይ ትንቢት ህዝቅኤል ጥራይ ኢያ ርእያ። እዚ ኸኣ ካልእ ዝዓበየ መንፈሳዊ መፈጸምታ ናይዚ ራእይ እዚ ከም ዘሎ ኢዩ ዝሕብር።
15. (ሀ) መንፈሳዊት ቤት መቕደስ ኣምላኽ ዕዮኣ ዝጀመረትሉ ግዜ መዓስ ኢዩ፧ (ለ) ናይ ህዝቅኤል ራእይ: ክርስቶስ ብህይወቱ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ከም ዘይተፈጸመ ዝሕብር እንታይ ኢዩ፧
15 መፈጸምታ ናይ ህዝቅኤል ራእይ ኣብቲ ዝዓበየ መንፈሳዊ ቤት መቕደስ የሆዋ ክኸውን ክንጽበ ከም ዘሎና ንጹር ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ ብዛዕባ እዚ ኣብ መጽሓፍ እብራውያን ብዝርዝር ገሊጹ ኣሎ። እታ ቤት መቕደስ እቲኣ ዕዮኣ ዝጀመረትሉ የሱስ ክርስቶስ ከም ሊቀ ኻህናት ብ29 ከ.ኣ.ዘ. ምስ ተቐብአ ኢዩ። ይኹን እምበር: ናይ ህዝቅኤል ራእይ ኣብ ግዜ የሱስ ፍጻሜኡ ረኺቡ ድዩ፧ ከምኡ ከም ዘይኰነ ርዱእ ኢዩ። የሱስ ከም ሊቀ ኻህናት መጠን ነቲ ትንቢታዊ ትርጕም ናይ መዓልቲ ምትዕራቕ ብጥምቀቱ: በቲ መስዋእታዊ ሞቱ: ከምኡውን ኣብ ሰማይ ኣብቲ ቅድስተ ቅዱሳን ብምእታዉ ኢዩ ፈጺምዎ። (እብራውያን 9:24) ዝገርም ግን እቲ ህዝቅኤል ዝረአዮ ራእይ ብዛዕባ እቲ ሊቀ ኻህናት ይኹን ብዛዕባ መዓልቲ ምትዕራቕ ሓንሳእ እውን ይኹን ኣይጠቅስን ኢዩ። ስለዚ እዚ ራእይ እዚ ንቐዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዘመልክት ክኸውን ዘይመስል ኢዩ። እሞኸ ደኣ ኣበየናይ እዋን ኢዩ ዝውዕል፧
16. እቲ ኣብ ናይ ህዝቅኤል ራእይ ተገሊጹ ዘሎ ኣቀራርባ: ብዛዕባ እንታይ ካልእ ትንቢት ኢዩ ዘዘኻኽረና: እዚኸ እቲ ቀንዲ መፈጸምታ ናይ ህዝቅኤል ራእይ ግዜኡ መዓስ ምዃኑ ንኸነስተውዕል ዝሕግዘና ብኸመይ ኢዩ፧
16 መልሲ ንምርካብ ናብቲ ራእይ ንመለስ። ህዝቅኤል “ብራእይ ኣምላኽ ናብታ ሃገር እስራኤል ወሰደኒ: ኣብ ነዊሕ ከረን ከኣ ኣንበረኒ። ኣብኡውን ብወገን ደቡብ ከም ህኑጽ ከተማ ነበረ” ብምባል ጸሓፈ። (ህዝቅኤል 40:2) እቲ ኣብ ኣቀራርባ ናይዚ ትርኢት እዚ ዘሎ “ነዊሕ ከረን” ነቲ ኣብ ሚክያስ 4:1 ዘሎ “በተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ: እቲ ደብሪ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪጸንዕ: ኣብ ልዕሊ ዅድዅዶታት ከኣ ልዕል ኪብል እዩ። ህዝብታት ድማ ናብኡ ኺውሕዙ እዮም” ዝብል ሓሳብ የዘኻኽረና። እዚ ትንቢት እዚ መዓስ ኢዩ ዝፍጸም፧ እዚ ዝፍጸም ሃገራት ገና ንሓሶት ኣማልኽቲ እናኣምለኻ ከለዋ ምዃኑ ሚክያስ 4:5 የርኢ። ብሓቂ ክርአ ኸሎ ኸኣ ኣብዘን ንሕና ንነብረለን ዘሎና “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢዩ ጽሩይ ኣምልኾ ኣብ ህይወት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ክብ ዝበለን ኣብቲ ግቡእ ቦትኡ ዝምለስ ዘሎን።
17. እቲ ኣብ ሚልክያስ 3:1-5 ዘሎ ትንቢት: እታ ኣብ ናይ ህዝቅኤል ራእይ ዘላ ቤት መቕደስ መዓስ ከም ዝጸረየት ንኽንፈልጥ ዝሕግዘና ብኸመይ ኢዩ፧
17 እዚ ምምላስ እዚ ከም ዝፍጸም ዝገበረ እንታይ ኢዩ፧ ኣብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ፍጻመ ናይቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ: የሆዋ ናብ ቤት መቕደሱ ምምጽኡን ቤቱ ካብ ጣኦታት ክትጸሪ ምግዳዱን ዘክር። እታ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ ኣምላኽ መዓስ ኢያ ዝጸረየት፧ ኣብ ሚልክያስ 3:1-5 የሆዋ በቲ “መልኣኽ ቃል ኪዳን” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ተሰንዩ ናብ “መቕደሱ” ዝመጸሉ ግዜ ይንበ። ዕላማ መምጽኢኡኸ እንታይ ኢዩ፧ “ኸም ናይ ኰላዒ ሓውን ከም ናይ ሓጻቢ ሳሙናን እዩ።” እዚ ምዅላዕ እዚ ኣብ ግዜ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኢዩ ጀሚሩ። ፍሪኡኸ እንታይ ነበረ፧ የሆዋ ኣብ ቤቱ ኣትዩ ኢዩ: ነታ መንፈሳዊት ሃገር ናይ ህዝቡ ኸኣ ካብ 1919 ጀሚሩ ባረኻ። (ኢሳይያስ 66:8) ስለዚ እምበኣር እቲ ናይ ህዝቅኤል ናይ ቤት መቕደስ ትንቢት ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ኣገዳሲ መፈጸምታ ኣለዎ ኢልና ክንድምድም ንኽእል ኢና።
18. ናይታ ቤት መቕደስ ራእይ: እቲ ናይ መወዳእታ ፍጻሜኡ ዝረክብ መዓስ ኢዩ፧
18 ልክዕ ከም ኵሉ እቲ ካልእ ናይ ምምላስ ትንቢታት: ናይ ህዝቅኤል ራእይ እውን ሓደ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ገነት ዝኸውን ተወሳኺ መፈጸምታ ኣለዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ ጥራይ ኢዩ እቶም ቅኑዕ ዝልቦም ደቅሰብ ምሉእ መፈጸምታ ናይቲ ምድላው ቤት መቕደስ ኣምላኽ ዝረኽቡ። ሽዑ ክርስቶስ ምስቶም 144,000 ሰማያውያን ካህናት ኰይኑ ንዋጋ ናይቲ በጅነታዊ መስዋእቱ ኣብ ተግባር ከውዕል ኢዩ። ኵሎም ተገዛእቲ ናይ ግዝኣት ክርስቶስ ዝዀኑ እዙዛት ደቅሰብ ናብ ፍጽምና ክብ ክብሉ ኢዮም። (ራእይ 20:5, 6) ይኹን እምበር: ቀንዲ እዋን መፈጸምታ ናይ ህዝቅኤል ራእይ ኣብ ገነት ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ስለምንታይ ክኸውን ዘይክእል፧
እቲ ራእይ ኣብዚ ግዜና ኢዩ ዘተኵር
19, 20. እቲ ቀንዲ መፈጸምታ ናይቲ ራእይ ኣብ ገነት ዘይኰነስ ሎሚ ክኸውን ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧
19 ህዝቅኤል ሓንቲ ካብ ጣኦታትን መንፈሳዊ ምንዝርናን ምጽራይ ዘድልያ ዝነበረ ቤት መቕደስ ኢዩ ርእዩ። (ህዝቅኤል 43:7-9) ብርግጽ እዚ ኣብቲ ኣብ ገነት ዝህሉ ኣምልኾ የሆዋ ክውዕል ኣይክእልን ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ እቶም ኣብቲ ራእይ ዘለዉ ካህናት ነቶም ቅቡኣት ክፍሊ ክህነት ገና ኣብ ምድሪ ከለዉ እምበር ሰማያዊ ትንሳኤ ድሕሪ ምርካቦም ወይ ኣብ ግዜ ሽሓዊ ግዝኣት ኣየመልክትን ኢዩ። ስለምንታይ፧ እቶም ካህናት ኣብ ውሽጣዊ ኣጸድ እናኣገልግሉ ከም እተራእዩ ኣስተብህል። ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝወጸ ዓንቀጻት ግምቢ ዘብዐኛ እዚ ኣጸድ እዚ ነቲ ፍሉይ መንፈሳዊ ኣቕዋም ናይቶም ንኡሳን ካህናት ክርስቶስ ገና ኣብ ምድሪ ከለዉ ኢዩ ዘመልክት።c እቲ ራእይ ንዘይፍጽምና ናይቶም ካህናት ከም ዘጕልሕ እውን ኣስተብህል። ምእንቲ ሓጢኣቶም መስዋእቲ ከቕርቡ ኢዮም ተነጊሮም። ብመንፈሳውን ብስነ-ምግባራውን መገዲ ዘይንጹሃት ብምዃን ኣብ ሓደጋ ከይወድቁ መጠንቀቕታ ተዋሂቦም ኢዮም። ስለዚ ነቶም ብዛዕብኦም ጳውሎስ “እቲ መለኸት ኪንፋሕ እዩ እሞ: እቶም ምዉታት ድማ ብዘይሐልፍ ኪትንስኡ እዮም” ብምባል እተዛረበሎም ዝተንስኡ ቅቡኣት ኣየመልክትን ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 15:52 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና፣ ህዝቅኤል 44:21, 22, 25, 27) እቶም ኣብቲ ራእይ ዘለዉ ካህናት ምስቲ ህዝቢ እተሓዋወሱን ብቐጥታ ነቶም ህዝቢ ዘገልግሉን ኢዮም። ኣብ ገነት ግን እዚ ኣይክፍጸምን ኢዩ: ከመይሲ ሽዑ እቶም ክፍሊ ክህነት ኣብ ሰማይ ኢዮም ክዀኑ። ስለዚ እቲ ራእይ ነቲ ሎሚ እቶም ቅቡኣት ምስቶም “ዓቢ ጭፍራ” ኰይኖም ኣብ ምድሪ ዝገብርዎ ዘለዉ ዕዮ ጽቡቕ ገይሩ ዝገልጽ ኢዩ።—ራእይ 7:9 NW ፣ ህዝቅኤል 42:14
20 በዚ ኸምዚ እምበኣር እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ቤት መቕደስ ነቲ ሎሚ ዝፍጸም ዘሎ ጥዑይ ውጽኢት ናይ መንፈሳዊ ምጽራይ ዘመልክት ኢዩ። እዚ ግን ንዓኻ እንታይ ማለት ኢዩ፧ እዚ ክትርድኦ ዘይትኽእል ናይ ስነ-ሃይማኖት ግድል ጥራይ ኣይኰነን። እዚ ራእይ እዚ ምስቲ ንስኻ ኣብ መዓልታዊ ናብራኻ እትገብሮ ኣምልኾ እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ እውን እተተሓሓዘ ኢዩ። ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ብኸመይ ከም ዝተሓሓዝ ክንርኢ ኢና።
[እግረ-ጽሑፋት]
a እዚ ንህዝቅኤል ብብሕቱ ተንኪፍዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ከመይሲ ንሱ ንርእሱ ካብ ስድራቤት ክህነት ጻዶቅ ኢዩ ነይሩ።
b ንኣብነት: እቲ ናይ ጥንቲ ሚሽናህ እቲ ኣብታ እንደገና እተሃንጸት ቤት መቕደስ ዝነበረ መሰውኢ: ናይታ ቤት መቕደስ መዓጹ: ከምኡውን እቲ ናይ መብሰሊ ቦታ ምስቲ ናይ ህዝቅኤል ትንቢት ከም ዝሰማማዕ ኰይኑ ኢዩ ተሃኒጹ ዝብል ሓሳባት የቕርብ።
ትዝክሮዶ፧
◻ ናይቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ እታ ቤት መቕደስን ክህነታን ዝረኣዮ ራእይ ቀዳማይ መፈጸምታ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧
◻ እቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ ምምቃል ናይታ ምድሪ ዝረኣዮ ናይ መጀመርታ ፍጻሜ ዝረኸበ ብኸመይ ኢዩ፧
◻ ጥንታዊት እስራኤል እንደገና ክትምለስ ከላ ከም መሳፍንቲ ዘገልገሉን እቶም ከም “ኣእዋም ጽድቂ” ኰይኖም ዝዓየዩን መነ መን ኢዮም፧
◻ ናይቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ ቤት መቕደስ ቀንዲ መፈጸምታ ኣብ ግዜ ዳሕሮት መዓልትታት ክኸውን ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧