-
“እቲ ውሒዝ ኣብ ዚኸዶ ዘበለ ድማ፡ ኵሉ ብህይወት ኪነብር እዩ”ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ!
-
-
7. ኣብ ገምገም እቲ ውሒዝ ኣእዋም ምህላዉ፡ ነቶም ምሩኻት ኣይሁድ እንታይ መረጋገጺ ሂብዎም፧
7 ንምግብን ንፈውስን ዚኸውን ኣእዋም። እቲ ኣብ ገምገም እቲ ውሒዝ ዘሎ ኣእዋምከ፧ እዝስ ንጽባቐ እቲ ስእሊ ዚውስኽ ደይኰነን፧ ንትርጉሙ እውን ይውስኸሉ እዩ። ህዝቅኤልን ደቂ ዓዱን፡ እቲ ኣእዋም ኣብ ወወርሒ ብዛዕባ ዜፍርዮ ጥዑም ፍረ ሓሲቦም ኪዀኑ ኣለዎም። እቲ ማራኺ ስእሊ ኸኣ፡ የሆዋ ብመንፈሳዊ መዳይ ከም ዚምግቦም ብዝያዳ ኣረጋጊጹሎም ኪኸውን ኣለዎ። ብተወሳኺ እውን፡ ኣቝጽልቲ እቲ ኣእዋም፡ “ንፈውሲ ኪኸውን እዩ” ተባሂሉ ኣሎ። (ህዝ. 47:12) እቶም ካብ ምርኮ ዚምለሱ ሰባት ካብ ኵሉ ንላዕሊ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪሓውዩ ኸም ዜድልዮም የሆዋ ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ከምኡ ኸም ዚገብረሎም ድማ ኣተስፍይዎም እዩ። ከመይ ገይሩ ኸምኡ ኸም ዝገበረሎም ከኣ፡ ከምቲ ኣብ ምዕራፍ 9 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ዝረኣናዮ፡ ኣብ ካልእ ብዛዕባ ምምላስ ዚገልጽ ትንቢታት ተገሊጹ ኣሎ።
-
-
እቲ ቐስ ኢሉ ዚውሕዝ ማይ፡ ብርቱዕ ውሒዝ ይኸውን!ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ!
-
-
ንምግብን ንፈውስን ዚኸውን ኣእዋም
ጥንቲ፦ ብመንፈሳዊ መዳይ፡ የሆዋ ንእሙናት ህዝቡ ኣብታ ናብ ቀደማ እተመልሰት ዓዶም መጊብዎም እዩ፣ ካብቲ ንነዊሕ እዋን ዜሳቕዮም ዝነበረ መንፈሳዊ ሕማሞም እውን ኣሕውይዎም እዩ
ኣብዚ ግዜና፦ እኹል መንፈሳዊ ምግቢ ዚረኽቡ ዘለዉ ሰባት፡ በቲ ሎሚ ኣብ ዓለም ኣስፋሕፊሑ ዘሎ መንፈሳዊ ሕማምን ጥሜትን ኣይጥቅዑን እዮም
ኣብ መጻኢ፦ ክርስቶስን እቶም 144,000 መጋዝእቱን ንዅሎም እዙዛት ደቂ ሰብ፡ ናብ ፍጽምና ኺበጽሑን ንዘለኣለም ጥዕና ረኺቦም ኪነብሩን ኪሕግዝዎም እዮም!
-