-
“ኣብ ግምባር . . . ምልክት ግበር”ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ!
-
-
16. ንሕና ህዝቢ የሆዋ ነቶም ዚድሕኑ ሰባት ምልክት ንገብረሎም ዲና፧ ግለጽ።
16 ህዝቢ የሆዋ ነቶም ዚድሕኑ ምልክት ኣይገብሩሎምን እዮም። ህዝቅኤል ባዕሉ ብየሩሳሌም ሓሊፉ ምልክት ኪገብር ከም ዘይተነግሮ ኣይንረስዕ። ብተመሳሳሊ፡ ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ እውን ነቶም ንድሕነት ዚበቕዑ ምልክት ኪገብሩሎም ኣይኰኑን ተመዚዞም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ መንፈሳዊ ቤተ ሰብ ክርስቶስ እነገልግል ኣገልገልቲ ቤት ከም ምዃንና መጠን፡ ክንሰብኽ ኢና ተመዚዝና። ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ብምስባኽን እዛ እክይቲ ዓለም ናብ መወዳእታኣ ብፍጥነት ትቐርብ ከም ዘላ ብምጥንቃቕን ከኣ፡ ነዚ መዝነት እዚ ኣርዚንና ኸም እንርእዮ ነርኢ ኢና። (ማቴ. 24:14፣ 28:18-20) በዚ ኸምዚ፡ ቅኑዕ ንዝልቦም ሰባት፡ ንንጹህ ኣምልኾ ኪቕበሉ ኣብ ምሕጋዝ እጃምና ኸነበርክት ንኽእል ኢና።—1 ጢሞ. 4:16።
17. ውልቀ ሰባት ኣብ መጻኢ ምልክት ምእንቲ ኺግበረሎም፡ ሕጂ እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧
17 ውልቀ ሰባት ካብቲ ዚመጽእ ጥፍኣት ንምድሓን፡ ሕጂ እምነቶም ኬርእዩ ኣለዎም። ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ እቶም ብ607 ቅ.ክ. ካብ ጥፍኣት የሩሳሌም ዝደሓኑ ሰባት፡ ነቲ እከይ ከም ዚፍንፍንዎን ንንጹህ ኣምልኾ ውፉያት ምዃኖምን ኣቕዲሞም ኣርእዮም እዮም። ሎሚ እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። ጥፍኣት ቅድሚ ምምጻኡ፡ ውልቀ ሰባት ብእከይ እዛ ዓለም እዚኣ ‘እህህ ኪብሉን ኪግዕሩን’ ወይ ካብ ልቦም ኪጕህዩ ኣለዎም። ነቲ ስምዒቶም ከኣ ኣብ ክንዲ ዚሓብእዎ፡ ንንጹህ ኣምልኾ ውፉያት ምዃኖም ብቓሎምን ብተግባሮምን ኬርእዩ ኣለዎም። ከመይ ገይሮም እዮም ከምኡ ዚገብሩ፧ ነቲ ሎሚ ዚስበኽ ዘሎ መልኽቲ ኺሰምዑ፡ ከም ናይ ክርስቶስ ዝበለ ስብእና ኺለብሱ፡ ከም ምልክት እቲ ንየሆዋ ዝገበርዎ ተወፋይነት ኪጥመቑ፡ ንኣሕዋት ክርስቶስ ድማ ብተኣማንነት ኪድግፉ ኣለዎም። (ህዝ. 9:4፣ ማቴ. 25:34-40፣ ኤፌ. 4:22-24፣ 1 ጴጥ. 3:21) እቶም ሕጂ በዚ መገዲ እዚ ዚጕዓዙ፡ ብርቱዕ ጸበባ ኺጅምር ከሎ ድማ ንጹሃት ኣምለኽቲ ዀይኖም ዝጸንሑ ጥራይ እዮም ካብቲ ጥፍኣት ንምድሓን ምልክት ዚግበረሎም።
18. (ሀ) የሱስ ክርስቶስ ነቶም ዚግብኦም ሰባት ምልክት ዚገብረሎም መዓስን ብኸመይን እዩ፧ (ለ) እቶም እሙናት ቅቡኣት ምልክት ኪግበረሎም ድዩ፧ ግለጽ።
18 ነቲ ምልክት ናይ ምግባር ዕዮ የሱስ እዩ ዚገብሮ። ብግዜ ህዝቅኤል፡ መላእኽቲ ነቶም ዚድሕኑ ምልክት ናይ ምግባር ዕዮ ነይርዎም እዩ። ኣብ ዘመናዊ ፍጻመ፡ እቲ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይ፡ ነቲ ንዅሎም ኣህዛብ ንምፍራድ “ብኽብሩ” መጺኡ ንዚድሕኑ ምልክት ዚገብረሎም የሱስ ክርስቶስ የመልክት። (ማቴ. 25:31-33) እቲ የሱስ ዚመጸሉ ፍጻመ እቲ፡ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ፡ ድሕሪ ጥፋኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት እዩ ኪኸውን።c ኣብቲ ቐቅድሚ ምጅማር ኣርማጌዶን ዚህሉ ወሳኒ ግዜ፡ የሱስ ንሰባት፡ ኣባጊዕ ወይ ኣጣል ኢሉ ኺፈርዶም እዩ። እቶም “ብዙሓት ህዝቢ፡” ኣባጊዕ ተባሂሎም ኪፍረዱ ወይ ምልክት ኪግበረሎም እዩ፣ እዚ ኸኣ፡ “ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ” ምዃኖም ዜመልክት እዩ። (ራእ. 7:9-14፣ ማቴ. 25:34-40, 46) እቶም እሙናት ቅቡኣትከ፧ ምልክት ተገይሩሎም ብኣርማጌዶን ኪሓልፉ ኣይኬድልዮምን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ወይ ቅድሚ ሙማቶም፡ ወይ ድሕሪ ምጅማር ብርቱዕ ጸበባ፡ ናይ መወዳእታ ማሕተም ኪቕበሉ እዮም። ድሕሪኡ፡ ኣርማጌዶን ቅድሚ ምጅማሩ፡ ናብ ሰማይ ልዕል ኪብሉ እዮም።—ራእ. 7:1-3።
-
-
እህህ ምባልን ምግዓርን፡ ምልክት ምግባር፡ ምሕምሻሽ—መዓስን ብኸመይን፧ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ!
-
-
“ምልክት ምግባር”
መዓስ፦ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ
ብኸመይ፦ እቲ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይ ነቲ ንዅሎም ኣህዛብ ንምፍራድ ዚመጽእ የሱስ ክርስቶስ የመልክት። እቶም ብዙሓት ህዝቢ፡ ኣባጊዕ ተባሂሎም ኪፍረዱ ወይ ምልክት ኪግበረሎም እዩ፣ እዚ ኸኣ ካብ ኣርማጌዶን ከም ዚድሕኑ የመልክት
-