ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ህዝቅኤል 6-10 ንድሕነት ዚኸውን ምልክት ኪግበረልካ ድዩ፧ እቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ፡ ጥንታዊት የሩሳሌም ምስ ጠፍአት እዩ ፈለማ ተፈጺሙ። ዘመናዊ ፍጻመኡኸ እንታይ እዩ፧ 9:1, 2 እቲ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለም ዘለዎ ሰብኣይ ንየሱስ ክርስቶስ የመልክት እቶም ዚሕምሽሽ ኣጽዋር ዝሓዙ ሰብኡት ነቲ የሱስ ዝመራሒኡ ሰማያዊ ሰራዊት የመልክቱ 9:3-7 እቶም ብዙሓት ህዝቢ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ኸም ኣባጊዕ ኰይኖም ኣብ ዚፍረዱሉ እዋን እዩ ምልክት ዚግበረሎም ንድሕነት ዚኸውን ምልክት ምእንቲ ኺግበረለይ እንታይ ስጕምቲ ኽወስድ ኣሎኒ፧