ትፈልጥዶ፧
ኣብ ዑናታት ጥንታዊት ባቢሎን እተረኽበ ሕጡባትን ኣሰራርሓኡን ንጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚድግፍ ብኸመይ እዩ፧
ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ኣብ ጥንታዊት ባቢሎን ነታ ኸተማ ንምስራሕ ዘገልገለ ሓያሎ ሕጡባት ብፍሕረት ረኺቦም እዮም። ብመሰረት እቲ ሮበርት ኮልደቫይ ዚብሃል ተመራማሪ ስነ ጥንቲ፡ እዚ ሕጡባት እዚ ኣብቲ “ጽቡቕ ካይላን ከም ነዳዲ ዀይኑ ዘገልግል እኹል ዕንጨይትን ዚርከበሉ ወጻኢ እታ ኸተማ” ዝነበረ እቶናት እዩ ዚስራሕ ነይሩ።
ሰበ ስልጣን ባቢሎን ንእቶናቶም፡ ንኽፉእ ዕላማ ይጥቀሙሉ ኸም ዝነበሩ ናይ ጥንቲ መዛግብቲ ይሕብር እዩ። ፖል-ኣላን ቦልዩ ዚብሃል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቶሮንቶ ፕሮፌሰር ስነ ኣሶር ኰይኑ ዜገልግል ምሁር፡ “ብዕልወትን ቅዱስ ነገር ብምርካስን ገበነኛታት ዝዀኑ ውልቀ ሰባት ብትእዛዝ ንጉስ ይቃጸሉ ምንባሮም ገሊኡ ናይ ባቢሎን ምንጭታት . . . መዝጊቡ ኣሎ” ይብል። ብተወሳኺ፡ ብዘመን ንጉስ ነቡካድነጻር እተጻሕፈ ጽሑፍ ከምዚ ዚስዕብ ዚብል ቃላት ሒዙ ኣሎ፦ “ኣጥፍእዎም፡ ኣንድድዎም፡ ኣቃጽልዎም፡ . . . ናብ እቶን ደርብይዎም፡ . . . ትኮም ዒግ ይበል፡ ብሃልሃልታ ሓዊ ሃምዅዎም።”
እዚ ነገራት እዚ ንኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 3 ተመዝጊቡ ዚርከብ ዛንታ እዩ ዜዘኻኽሮም። ብመሰረት እቲ ታሪኻዊ መዝገብ፡ ንጉስ ነቡካድነጻር ኣብ ጐልጐል ዱራ፡ ኣብ ወጻኢ ኸተማ ባቢሎን ገዚፍ ምስሊ ወርቂ ኣቘመ። ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ዚብሃሉ ሰለስተ እብራውያን ግና ነቲ ምስሊ ምስጋድ ኣበዩ። ሽዑ፡ ነቡካድነጻር በዚ ነደረ፣ ስለዚ፡ ነቲ እቶን “ካብቲ ልሙድ ሸውዓተ ዕጽፊ ዝረሰነ ገይሮም ኬጕህርዎ” ኣዘዘ። እቶም ሰለስተ ሰባት ድማ፡ “ናብቲ ዚነድድ እቶን ሓዊ . . . ተደርበዩ።” ኰይኑ ግና፡ ሓደ ሓያል መልኣኽ ካብ ሞት ኣድሓኖም።—ዳን. 3:1-6, 19-28።
ሕጡባት ባቢሎን እውን ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ዛንታ ይድግፎ እዩ። ሓያሎ ኻብቲ ሕጡባት ንንጉስ ዚውድስ ቃላት እተቐርጾ ኣሎ። ሓደ ኻብዚ ጽሑፋት ከምዚ ዚስዕብ ይንበብ፦ “ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን . . . እቲ ዝሃነጽክዎ መንበሪ ግርማይ ዝዀነ ቤተ መንግስቲ . . . ዘርአይ ኣብኡ ንዘለኣለም ይግዝኡ።” እዚ ጽሑፍ እዚ ምስቲ ኣብ ዳንኤል 4:30 ዚርከብ ነቡካድነጻር ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ እተጃህረሉ ቓላት ይመሳሰል እዩ፦ “እዚኣስ እታ ቤተ መንግስተይ ክትከውን፡ ንኽብሪ ግርማይ ኢለ ብገዛእ ብርታዐይን ሓይለይን ዝሃነጽክዋ ዓባይ ባቢሎን ደይኰነትን፧”