ምዕራፍ ሸውዓተ
ንዓለም ዝቐየራ ኣርባዕተ ቓላት
1. እተን ነዊሕ ግዜ ይገብር ኣብ መንደቕ እተጻሕፋ ቃላት ክሳዕ ክንደይ ሰፊሕ ጽልዋ ኢዩ ነይርወን፧
ኣብ ሓደ እተለቕለቐ መንደቕ ኣርባዕተ ተራ ቓላት ተጻሕፋ። እንተዀነ ግን: ንሓደ ሓያል ገዛኢ ዳርጋ ኣእምሮኡ ክሳዕ ዝስሕት ገይረን ኣርዓድኦ። እተን ቃላት ክልተ ነገስታት ካብ ስልጣኖም ከም ዝውገዱ: እቲ ሓደ ከም ዝመውት: ከምኡውን መወዳእታ ናይ ሓንቲ ሓይሊ ዓለም ዝእውጃ ኢየን ነይረን። ንሓደ ኣኽብሮት ዝወሃቦ ዝነበረ ሃይማኖታዊ ጕጅለ ዘዋረዳ ኢየን። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ: ኣብቲ ብዙሓት ሰባት ንኣምልኾን ሉዓላውነትን የሆዋ ሸለል ኢሎምሉ ዝነበሩ ግዜ ጽሩይ ኣምልኾ ክብ ከም ዝብል: ሉዓላውነቱ ኸኣ ከም ዝረጋገጽ ዝገበራ ኢየን። እዘን ቃላት እዚኣተን ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓለም ዝህሉ ፍጻመታት እውን መብርሂ ዝሃባ ኢየን! ኣርባዕተ ቃላት ነዚ ዅሉ ከመይ ኢለን ክገብራ ይኽእላ፧ ቀጺልና ንርአ።
2. (ሀ) ደድሕሪ ሞት ነቡካድነጻር ኣብ ባቢሎን እንታይ ኰነ፧ (ለ) እንታዋይ ንጉስ ኢዩ ኣብ ስልጣን ዝደየበ፧
2 እቲ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 4 ተገሊጹ ዘሎ ታሪኽ ካብ ዝፍጸም ዓሰርተታት ዓመታት ሓሊፉ ነበረ። እቲ ትዕቢተኛ ዝነበረ ነቡካድነጻር ብ582 ቅ.ኣ.ዘ. ምስ ሞተ እቲ ናይ 43 ዓመታት ግዝኣቱ ተወድአ። ካብ ስድራቤቱ እተፈላለዩ ሰባት በብተራ ገዝኡ: እንተዀነ ግን ገሊኦም ቀልጢፎም ይሞቱ ገሊኦም ድማ ይቕተሉ ነበሩ። ኣብ መወዳእታ ግን ናቦኒደስ ዝስሙ ሰብኣይ ብዕልዋ ኣብ ዝፋን ደየበ። ወዲ እታ ሊቀ-ኻህናት ናይቲ ሲን ዝበሃል ኣምላኽ ወርሒ ዝነበረ ናቦኒደስ: ምስቲ ናይ ባቢሎን ንጉሳውያን ቤተሰብ ዋላ ሓንቲ ናይ ደም ዝምድና ኣይነበሮን። ገሊኦም ምሁራት ናቦኒደስ ነቲ ግዝኣቱ ሕጋዊ ንምግባር ጓል ነቡካድነጻር ከም እተመርዓወ: ንወዱ ቤልሻጽር ከኣ ካልኣይ ንጉስ ገይሩ ከም ዝሸሞ: ሓድሓደ ግዜ ድማ ንዓመታት እውን ከይተረፈ ሓላፍነት ሂብዎ ይገይሽ ምንባሩ ይዛረቡ። በዚ ኸኣ ቤልሻጽር ወዲ ጓሉ ንነቡካድነጻር ይኸውን ኣሎ ማለት ኢዩ። ካብቲ ናይ ኣባሓጕኡ ተመክሮ የሆዋ ካብ ኵሉ ዝለዓለ ኣምላኽ ምዃኑ: ንዝዀነ ይኹን ንጉስ ከዋርድ ከም ዝኽእል ተማሂሩዶ፧ ፈጺሙ ኣይተማህረን!—ዳንኤል 4:37
ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ድግስ
3. እቲ ቤልሻጽር ዘዳለዎ ድግስ እንታይ ይመስል ነበረ፧
3 ዳንኤል ምዕራፍ 5 ብድግስ ኢያ እትጅምር። “ንጉስ ቤልሻጽር ንሽሕ መኳንንቱ ዓብዪ ምሳሕ ገበረሎም: ኣብ ቅድሚ እቶም ሽሕ ድማ ወይኒ ይሰቲ ነበረ።” (ዳንኤል 5:1) ነዞም ኵሎም መኳንንትን ናይቲ ንጉስ ኣንስትን ዕቁባትን ንምእንጋድ ሓደ ገፊሕ ኣደራሽ ከም ዘድሊ ርዱእ ኢዩ። ሓደ ምሁር ከምዚ ይብል:- “ባቢሎናውያን ዝገብርዎ ዝነበሩ ድግስ ዝበዝሕ ግዜ ብስኽራን ዝውዳእ እኳ እንተ ነበረ ኣዝዩ ገፊሕ ኢዩ ነይሩ። እቲ መኣዲ ካብ ወጻኢ ተዓዲጒ ብዝመጸ ወይኒ ከምኡውን ብኻልእ ባህ ዘብል ነገራት ዝመልአ ኢዩ ነይሩ። እቲ ኣደራሽ ብጨና ሃገግ ይብል ነበረ፣ ደረፍትን ሙዚቀኛታትን ከኣ ነቲ እተኣከበ ህዝቢ የዘናግዕዎ ነበሩ።” ቤልሻጽር ንዅሎም ከማዕድወሉ ኣብ ዝኽእል ቦታ ኰይኑ ወይኒ ይሰቲ: ይደጋግም ነበረ።
4. (ሀ) ባቢሎናውያን ኣብ 5/6 ጥቅምቲ ናይ 539 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ዝነበረ ለይቲ ድግስ ምግባሮም ዘገርም ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ባቢሎናውያን ወራሪ ሓይሊ ኣብ ደገ ኸሎ እውን ከይተረፈ ርእሰ-ተኣማንነት ከም ዝህልዎም ዝገበሮም ምኽንያት እንታይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል፧
4 ባቢሎናውያን ኣብ 5/6 ጥቅምቲ ናይ 539 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ዝነበረ ለይቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ድግስ ምግባሮም ዘገርም ኢዩ። ሃገሮም ኣብ ኲናት ኢያ ነይራ: ኣይሰልጦም ከኣ ኢዩ ነይሩ። ናቦኒደስ በቶም ዝወሩ ዝነበሩ ሓይልታት ሜዶንን ፋርስን ስዕረት ካብ ዘጋጥሞ ከምኡውን ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ባቢሎን ኣብ ቦርሲፓ ካብ ዝዕቈብ ነዊሕ ኣይገበረን። ሕጂ ኸኣ ሰራዊት ቂሮስ ካብ ቀጽሪ ባቢሎን ወጻኢ ኢዮም ሰፊሮም ዘለዉ። ቤልሻጽርን መኳንንቱን ግን በቲ ኵነታት እተጨነቑ ኣይመስሉን ኢዮም። ደሓር ከኣ እታ ዘይትድፈር ባቢሎንዶ ከይኰነት ከተማኦም! እቲ ኣዝዩ ገፊሕን ነዊሕን መናድቕ ባቢሎን በቲ ከም መከላኸሊ ኰይኑ ዘገልግል ዓሚቝ ጐዳጕዲ ማይ ተኸቢቡ ይርአ ነበረ: እቲ ጐዳጕዲ ኸኣ በቲ ብማእከል እታ ከተማ ዝሓልፍ ርባ ኤፍራጥስ ዝመልአ ኢዩ። ንልዕሊ ሚእቲ ዝኸውን ዓመታት ንባቢሎን ዝደፈራ ጸላኢ ኣይነበረን። ስለዚ ንምንታይ ይጭነቑ፧ ምናልባት ቤልሻጽር እቶም ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ጸላእቲ ነቲ ጓይላን ዋዕዋዕን ክሰምዑ ከለዉ እዚኣቶም ኣይፈርሁን ኢዮም ብምባል ተስፋ ክቘርጹ ኢዮም ዝብል ሓሳብ ነይርዎ ይኸውን።
5, 6. ቤልሻጽር ብወይኒ ምስ ሰኸረ እንታይ ኢዩ ዝገበረ: እዚ ንየሆዋ ከቢድ ጸርፊ ዝነበረኸ ስለምንታይ ኢዩ፧
5 ብዙሕ ከይጸንሐ ቤልሻጽር መስተ ስለ ዘብዝሐ ርእሱ ምቍጽጻር ስኣነ። ከምቲ ምሳሌ 20:1 እትብሎ “ወይኒ መላገጺ እዩ።” ኣብዚ ኵነታት እዚ ወይኒ ነቲ ንጉስ ዝገደደ ዕሽነት ከም ዝፍጽም ገይርዎ ኢዩ። ነቲ ካብ ቤት መቕደስ የሆዋ እተወስደ ቅዱስ ኣቑሑ ናብቲ ድግስ ከምጽእዎ ኣዘዘ። እዚ ነቡካድነጻር ንየሩሳሌም ክማርኻ ኸሎ እተወስደ ኣቑሑ ንጹሩይ ኣምልኾ ጥራይ ኢዩ ክውዕል ነይርዎ። እቶም ኣብ የሩሳሌም ኣብ ቤት መቕደስ ክጥቀምሉ ሓላፍነት ተዋሂብዎም ዝነበረ ኣይሁዳውያን ካህናት እኳ ከይተረፈ ገዛእ ርእሶም ከንጽሁ ከም ዘለዎም መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ነይሩ ኢዩ።—ዳንኤል 5:2፣ ምስ ኢሳይያስ 52:11 ኣረኣእዮ።
6 እንተዀነ ግን: ቤልሻጽር ገና ካልእ ዕሽነት እውን ገይሩ ኢዩ። “እቲ ንጉስን መኳንንቱን ኣንስቱን ዕቁባቱን . . . ወይኒ እናሰተዩ: ነቶም ብወርቅን ብብሩርን በስራዝን ብሓጺንን ብዕንጨይትን ብእምንን እተገብሩ ኣማልኽቶም ወደሱ።” (ዳንኤል 5:3, 4) ከምዚ ብምግባሩ ቤልሻጽር ነቶም ናይ ሓሶት ኣማልኽቱ ካብ የሆዋ ንላዕሊ ክብ ኣበሎም! እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ኣብ መንጎ ባቢሎናውያን ልሙድ ዝነበረ ኢዩ ዝመስል። ነቶም ማሪኾምዎም ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ይንዕቅዎም: በቲ ኣምልኾኦም የላግጹ: ናብታ ዘፍቅርዋ ሃገሮም ናይ ምምላስ ተስፋ ኸኣ ኣይህብዎምን ኢዮም ነይሮም። (መዝሙር 137:1-3፣ ኢሳይያስ 14:16, 17) ምናልባት እዚ ሰኺሩ ዝነበረ ንጉስ እዚ: ነቶም ምሩኻት ምውራድን ንኣምልኾኦም ምጽራፍን ንኣንስቱን መኳንንቱን ዝምስጥ: ሓይሉ ኸኣ ዘርኢ ገይሩ ሓሲብዎ ይኸውን።a እንተዀነ ግን: ቤልሻጽር ሓይሊ ከም ዘለዎ ኰይኑ ተሰሚዕዎ እንተድኣ ነይሩ ዀይኑ ንሓጺር ግዜ ጥራይ ኢዩ ነይሩ።
ኣብ መንደቕ ዝነበረ ጽሑፍ
7, 8. እቲ ቤልሻጽር ዘዳለዎ ድግስ ብኸመይ ተቛረጸ: እዚኸ ኣብቲ ንጉስ እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧
7 እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “በታ ሰዓት እቲኣ ኣብቲ ልቕሉቕ መንደቕ ኣደራሽ ንጉስ: ኣብ መንጽር እቲ ቐዋሚ ቐንዴልሲ ኣጻብዕ ኢድ ሰብ ወጻን ጸሐፋን። እቲ ንጉስ ድማ ነታ እትጽሕፍ ኢድ ረአያ።” (ዳንኤል 5:5) ኣየ ከመይ ዝበለ ዘፍርህ ትርኢት ኰን ኢዩ ነይሩ! ኢድ በዚ መጸት ከይተባህለት ተቐልቀለት: ኣብ ጥቓ እቲ ድሙቕ ብርሃን ዝነበሮ ክፍሊ ናይቲ መንደቕ ከኣ ጠልጠል በለት። እቶም ዕዱማት ንኽርእይዋ ምስ ሃነኑ: ዝነበረ ጸጥታ እሞ ሕሰቦ። እታ ኢድ ኣብቲ ልቕሉቕ መንደቕ ምስጢራዊ ዝዀነ መልእኽቲ ክትጽሕፍ ጀመረት።b ሕማቕ ፋል ዘመልክትን ዘይርሳዕን ኣጋጣሚ ብምንባሩ ሰባት ክሳዕ ሎሚ ሓደጋ ኣንጠልጢሉ ከም ዘሎ ንምምልካት ብቛንቋ እንግሊዝኛ “ኣብ መንደቕ እተራእየ ኢደ-ጽሑፍ” ዝብል ኣገላልጻ ይጥቀሙ ኢዮም።
8 እዚ ንገዛእ ርእሱን ኣማልኽቱን ልዕሊ የሆዋ ክብ ንምባል ዝጸዓረ ትዕቢተኛ ንጉስ ዝገበሮ ተግባር እንታይ ኣስዓበሉ፧ “ሽዑ እቲ ንጉስ ገጹ ተለወጠ: ሓሳባቱ ኸኣ ኣጨነቖ: ጅማውቲ ሕቝኡ ድማ ላሕልሔ: ኣብራኹውን ንሓድሕዱ ተዋቕዔ።” (ዳንኤል 5:6) ቤልሻጽር ኣብ ቅድሚ ተገዛእቱ ዓብን ድንቅን መሲሉ ክርአ ኢዩ ዝደሊ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ገጹ ጸምልዩ: ምሕኵልቱ ላሕልሐ: ኣብራኹ ንሓድሕዱ ክሳዕ ዝዋቓዕ ከኣ ኵሉ ኣካላቱ ራዕራዕ በለ። እተን ዳዊት ናብ የሆዋ ዝዘመረን “ነቶም ዕቡያት . . . ከተዋርዶም: ኣዒንትኻ ናባታቶም እየን” ዝበለን ቃላት ብርግጽ ሓቂ ኢየን ነይረን።—2 ሳሙኤል 22:1, 28፣ ምስ ምሳሌ 18:12 ኣረኣእዮ።
9. (ሀ) እቲ ራዕዲ ናይ ቤልሻጽር ምስ ኣምላኻዊ ፍርሂ ሓደ ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ንጉስ ንጠቢባን ባቢሎን እንታይ ህያብ ከም ዝህቦም ኢዩ እተዛረበ፧
9 እቲ ናይ ቤልሻጽር ፍርሂ ምስ ኣምላኻዊ ፍርሂ ሓደ ከም ዘይኰነ ክስትብሃለሉ ዝግባእ ኢዩ። ኣምላኻዊ ፍርሂ ንየሆዋ ዓሚቝ ኣኽብሮት ምርኣይ ኢዩ: እዚ ኸኣ መጀመርታ ኵሉ ጥበብ ኢዩ። (ምሳሌ 9:10) ፍርሂ ቤልሻጽር ራዕዲ ኢዩ ነይሩ: ነቲ ዘንቀጥቅጥ ዝነበረ ንጉስ ከኣ ዋላ ሓንቲ ጥበብ ከምጽኣሉ ኣይከኣለን።c ነቲ ዝጸረፎ ኣምላኽ ይቕረታ ኣብ ክንዲ ዝሓትት “ነቶም ኣስማተኛታትን ከለዳውያንን ቈጸርቲ ኸዋኽብትን” ክጽውዕዎም ዓው ኢሉ ጨደረ። አረ ከምዚ ዝስዕብ እውን ኢሉ ኢዩ:- “ዝዀነ ይኹን ነዛ ጽሕፈት እዚኣ ዜንብባን ትርጓሜኣ ኸኣ ዚነግረንን ቀይሕ ሃሪ ኺለብስ: ድሪ ወርቂ ኺአስር: ኣብታ መንግስቲ ድማ ሳልሳይ ገዛኢ ኪኸውን እዩ።” (ዳንኤል 5:7) ኣብታ መንግስቲ ሳልሳይ ገዛኢ ምዃን ብሓቂ ዓቢ ክብሪ ኢዩ። ደድሕሪ እቶም ክልተ ነገስታት ማለት ናቦኒደስን ቤልሻጽርን ምዃን ማለት ኢዩ። ከምቲ ልሙድ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታ ንቦዅሪ ወዲ ቤልሻጽር ኢዩ ተሓዚኡ ነይሩ ክኸውን ዝኽእል። እቲ ንጉስ ግን ነዚ ተኣምራታዊ ዝዀነ መልእኽቲ ክግለጸሉ ኣዝዩ ተሃዊኹ ብምንባሩ ነዚ ውህበት እዚ ተመባጽዐ!
10. እቶም ጠቢባን ነቲ ኣብ መንደቕ ዝነበረ ጽሕፈት ንምትርጓም ኣብ ዝገበርዎ ጻዕሪ እንታይ ውጽኢት ረኸቡ፧
10 እቶም ጠቢባን ናብቲ ዓቢ ኣደራሽ ተሰሪዖም ኣተዉ። ባቢሎን ብሓሶት ሃይማኖት ልዕል ዝበለት: እዚ ዘይበሃል ኣብያተ-መቕደስ ከኣ ስለ ዝነበራ ናይ ጠቢባን ሕጽረት ኣይነበረን። ፋል ምትርጓም ከምኡውን ምስጢራዊ ጽሑፋት ምግላጽ ንኽእል ኢና ዝብሉ ኣዝዮም ብዙሓት ምንባሮም እተረጋገጸ ኢዩ። እዞም ጠቢባን እዚኣቶም በቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ ኣጋጣሚ ተሓጒሶም ክዀኑ ኣለዎም። ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ሰባት ክእለቶም ንምርኣይ: ስምረት ንጉስን ዓቢ ሓላፍነት ዘለዎ ቦታን ንምርካብ ዘለዎም ኣጋጣሚ ሕጂ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣየ ከመይ ዝበለ ፍሽለት ኰን ኢዩ ዘጋጠሞም! “ነታ ጽሕፈት ኬንብብዋን ትርጓሜኣ ኸኣ ነቲ ንጉስ ኪነግርዎን ኣይከአሉን።”d—ዳንኤል 5:8
11. ጠቢባን ባቢሎን ነቲ ጽሕፈት ከንብብዎ ዘይከኣሉ ስለምንታይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል፧
11 እቶም ጠቢባን ባቢሎን እቲ ፊደላት ናይቲ ጽሑፍ ድዩ ምርዳእ ኣብይዎም ወይስ ካልእ ኣይተፈልጠን። ነቲ ፊደላት ምፍላጥ ስኢኖምዎ ነይሮም እንተ ዀይኖም እዞም ስርዓት ኣልቦ ዝዀኑ ሰባት እዚኣቶም ከም ድላዮም ገይሮም ክትርጕምዎ ምፈተኑ ነይሮም: ምናልባት እውን ነቲ ንጉስ ከሐጕስ ብዝኽእል መገዲ ገይሮም ምተርጐምዎ ነይሮም። ወይ እውን እቲ ፊደላት ኣጸቢቑ ንጹር ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ከም ኣረማይስጥን እብራይስጥን ዝኣመሰለ ቋንቋታት ብዘይ ኣናበብቲ ይጸሓፍ ብምንባሩ ነፍሲ ወከፍ ቃል በቲ ዝኣትዋ ኣናባቢ ፊደል መሰረት እተፈላለየ ትርጕም ክህልዋ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ከምኡ እንተድኣ ነይሩ ዀይኑ ኸኣ እቶም ጠቢባን ኣየናይ ትርጕም ከም እተሓስበ ምውሳን ስኢኖም ይዀኑ። ከምኡ ገይሮም እንተዀኑ እውን ትርጕም ናይቲ ቃላት ስለ ዘይርድእዎ ክገልጽዎ ኣይክእሉን ኢዮም ነይሮም። እዚ ዀይኑ እቲ ግን ጠቢባን ባቢሎን ክገልጽዎ ስለ ዘይከኣሉ ብዘሕፍር መገዲ ከም እተዋረዱ ተጋሂዱ ኢዩ!
12. ፍሽለት ናይቶም ጠቢባን ናይ ምንታይ መረጋገጺ ነበረ፧
12 ስለዚ ኸኣ እዞም ጠቢባን እዚኣቶም ንፈልጥ ኢና በሃልቲ ምዃኖም: እቲ ክቡር ኰይኑ ዝርአ ዝነበረ ሃይማኖታዊ ስርዓቶም ከኣ ምትላል ምዃኑ ተቓልዐ። ኣየ ክንደይ ኰን ኢዮም ዝሓፈሩ! ቤልሻጽር ኣብዞም ሃይማኖታውያን ሰባት እዚኣቶም ገይርዎ ዝነበረ ትውክልቲ ከንቱ ምዃኑ ምስ ረኣየ ዝያዳ ፈርሀ: ገጹ ጸምለወ: መኳንንቱ እውን ከይተረፉ “ተጨነቑ።”e—ዳንኤል 5:9
ሓደ ምስትውዓል ዝነበሮ ሰብኣይ ተጸውዐ
13. (ሀ) እታ ንግስቲ ዳንኤል ክጽዋዕ ሓሳብ ዘቕረበት ስለምንታይ ኢያ፧ (ለ) ዳንኤል እንታይ ዓይነት ህይወት ኢዩ ዝነብር ነይሩ፧
13 ኣብቲ ቅልውላው ዝነበረሉ ሰዓት እታ ንግስቲ—ምናልባት ኣዲኡ ነቲ ንጉስ ክትከውን ትኽእል—ናብቲ ድግስ ዝግበሮ ኣደራሽ ኣተወት። ኣብቲ ድግስ ዝነበረ ዕግርግር ሰምዐት: ነቲ ኣብ መንደቕ ዝነበረ ኢደ-ጽሑፍ ክትርጕም ዝኽእል ሰብ ከኣ ትፈልጥ ነበረት። ዓሰርተታት ዓመታት ኣቐዲሙ ኣቦኣ ነቡካድነጻር ንዳንኤል ኣብ ልዕሊ ዅሎም ጠቢባኑ ሸይምዎ ነይሩ ኢዩ። ዳንኤል “ብሉጽ መንፈስን ፍልጠትን ምስትውዓልን” ከም ዘለዎ እታ ንግስቲ ዘከረት። ቤልሻጽር ንዳንኤል ዝፈልጦ ኣይመስልን ኢዩ ነይሩ: ስለዚ ነብዪ ዳንኤል ድሕሪ ሞት ነቡካድነጻር ካብቲ ዝነበሮ ዝለዓለ ናይ ምምሕዳር ቦታ ኣልጊሱ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። ምርኡይ ምዃን ግን ንዳንኤል ክሳዕ ክንድቲ ዘገድስ ኣይነበረን። ኣብዚ ግዜ እዚ ዕድሚኡ ዳርጋ ኣብ 90ታት ኢዩ ነይሩ ዝኸውን: ገና ኸኣ ንየሆዋ ብተኣማንነት የገልግል ነበረ። ኣብ ምርኮ ባቢሎን 80 ዓመታት እኳ እንተ ገበረ: ገና በቲ ናይ እብራይስጢ ስሙ ኢዩ ዝፍለጥ ነይሩ። እታ ንግስቲ እውን ከይተረፈት በቲ ሓደ ግዜ ተዋሂብዎ ዝነበረ ናይ ባቢሎናውያን ስም ዘይኰነስ ዳንኤል ኢላ ኢያ ጸዊዓቶ። ነቲ ንጉስ ከኣ “ዳንኤል ይጸዋዕ: ንሱውን ነቲ ትርጓሜኡ ኼፍልጠካ እዩ” በለቶ።—ዳንኤል 1:7፣ 5:10-12
14. ዳንኤል ነቲ ጽሕፈት ኣብ መንደቕ ምስ ረኣዮ ኵነታቱ ከመይ ነበረ፧
14 ዳንኤል ተጸዊዑ ኣብ ቅድሚ ቤልሻጽር መጸ። እቲ ንጉስ ንኣምላኽ ኣይሁዳውያን ክጸርፍ ጸኒሑ ሕጂ ንዳንኤል ክልምን ዘሕፍር ኢዩ ነይሩ። ገና ግን ቤልሻጽር ንዳንኤል እንተድኣ ነቲ ምስጢራዊ ዝዀነ ቃላት ኣንቢብዎን ገሊጽዎን ኣብታ መንግስቲ ሳልሳይ ገዛኢ ናይ ምዃን ዓስቢ ክህቦ ምዃኑ ብምግላጽ ክውድሶ ጸዓረ። (ዳንኤል 5:13-16) ዳንኤል ናብቲ ኣብ መንደቕ ዝነበረ ጽሑፍ ገጹ ጠመተ: ትርጕሙ ንኽርዳእ ኸኣ መንፈስ ቅዱስ ኣብርሃሉ። ካብ የሆዋ ኣምላኽ ዝመጸ ናይ ጥፍኣት መልእኽቲ ነበረ! ዳንኤል ነዚ ብላሽ ዝዀነ ንጉስ ኣብ ቅድሚ ኣንስቱን መኳንንቱን ሓደ ሕማቕ ዝዀነ ፍርዲ ከመይ ኢሉ ክነግሮ ኢዩ፧ ዳንኤል ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ከም ዝነበረ እሞ ሕስብ ኣብሎ! እቲ ንጉስ ብዝገበረሉ ውዳሰን ዝቐረበሉ ሃብትን ዝናን ተታሊሉዶ ኢዩ፧ እቲ ነብዪ ነቲ ፍርዲ የሆዋ ኣፍኵስ ኣቢሉዶ ክነግሮ ኢዩ፧
15, 16. ቤልሻጽር እንታይ ኣድላዪ ትምህርቲ ኢዩ ካብ ታሪኽ ዘይተማህረ: ሎሚኸ ከምዚ ዝኣመሰለ ካብ ታሪኽ ዘይምምሃር ክሳዕ ክንደይ ልሙድ ኢዩ፧
15 ዳንኤል ብትብዓት ከምዚ ኢሉ ተዛረበ:- “ህያባትካ ንኣኻ ይኹን: ውህበታትካውን ንኻልእ ሀቦ። ዝዀነ ዀይኑ ንንጉስ እታ ጽሕፈት ከንብበሉ: ትርጓሜኣውን ከፍልጦ እየ።” (ዳንኤል 5:17) ድሕርዚ ዳንኤል ነቡካድነጻር ዓቢ ምንባሩ: ንዝዀነ ይኹን ሰብ ክቐትል: ክወቅዕ: ልዕል ከብል: ወይ ከዋርድ ዝኽእል ሓያል ንጉስ ከም ዝነበረ ኣፍልጦ ሃበሉ። ይኹን እምበር: ዳንኤል “እቲ ልዑል ኣምላኽ” የሆዋ ንነቡካድነጻር ዓቢ ከም ዝገበሮ ንቤልሻጽር ኣዘኻኸሮ። እዚ ሓያል ንጉስ እዚ ምስ ተዓበየ የሆዋ ኢዩ ኣዋሪድዎ። እወ: ነቡካድነጻር “እቲ ልዑል ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ ከም ዚመልኽ: ንዝደለዮ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዜቝመሉ” ኣፍልጦ ንምሃብ ተገደደ።—ዳንኤል 5:18-21
16 ቤልሻጽር ‘ነዚ ዅሉ ይፈልጦ’ ነይሩ ኢዩ። ካብ ታሪኽ ክማሃር ግን ኣይከኣለን። አረ ትዕቢት ብምርኣይ ዝመጸስ ንነቡካድነጻር ሓሊፍዎ: ኣንጻር የሆዋ ኸኣ ርኡይ ዝዀነ ድርቅና ኢዩ ኣርእዩ። ዳንኤል ንሓጢኣት እቲ ንጉስ ኣቃልዖ። ኣብ ርእሲ እዚ: ኣብ ቅድሚ እቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ኣረማውያን ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ “ዘይርእዩን ዘይሰምዑን ዘይፈልጡን” ምዃኖም ብትብዓት ነገሮ። እዚ ተባዕ ነብዪ ኣምላኽ ወሲኹ የሆዋ ከምቶም ከንቱ ዝዀኑ ኣማልኽቲ ዘይኰነስ ‘ንስትንፋሱ [ናይ ቤልሻጽር] ኣብ ኢዱ ዝሓዘ’ ኣምላኽ ምዃኑ ነገሮ። ክሳብ እዚ ግዜና ሰባት ህይወት ዘይብሎም ኣማልኽቲ ይገብሩ: ንገንዘብ: ሞያ: ክብሪ: ከምኡውን ደስታ ከይተረፈ ኸኣ የምልኹ ኣለዉ። ዋላ ሓደ ካብዚ ግን ህይወት ክህብ ዝኽእል የለን። ዅላትና ህላወና ኣብ የሆዋ ጥራይ እተመርኰሰ: ኵሉ ትንፋስና ኸኣ ኣብ ኢዱ ኢዩ።—ዳንኤል 5:22, 23፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:24, 25
እታ ሕንቅልሕቅሊተይ ትፍታሕ!
17, 18. እተን ኣብ መንደቕ እተጻሕፋ ኣርባዕተ ቃላት እንታይ ኢየን ነይረን: ቃሉ ብቓሉ ትርጕመንከ እንታይ ኢዩ፧
17 እቲ ኣሪጉ ዝነበረ ነብዪ ነቲ ንዅሎም ጠቢባን ባቢሎን ክገብርዎ ዘይከኣሉ ነገር ክገብር ይለዓል። ነቲ ኣብ መንደቕ ተጻሒፉ ዝነበረ ኣንበቦ: ትርጕሙ ኸኣ ነገረ። እተን ቃላት “መኔ: መኔ: ቴቄል ኡፋርሲን” ዝብላ ነበራ። (ዳንኤል 5:24, 25) እንታይ ማለት ኢየን፧
18 ቃል ብቓሉ እተን ቃላት “ሓደ ምና: ሓደ ምና: ሓደ ሲቃል: ከምኡውን ፍርቂ ሲቃላት” ማለት ኢየን። ነፍሲ ወከፈን ከከም ምዕባየን እተሰርዓ ናይ ክብደት መዐቀኒ ኢየን። ክንደይ ዘደንጹ ኰን ኢዩ! እቶም ናይ ባቢሎን ጠቢባን ነቲ ፊደላት ክፈልጥዎ ክኢሎም ትርጕሙ ምፍላጡ እንተ ዝስእኑ ነይሮም እውን ኣየገርምን ኢዩ።
19. ትርጕም ናይታ “መኔ” እትብል ቃል እንታይ ኢዩ፧
19 ዳንኤል ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ከምዚ ኢሉ ገለጸ:- “ትርጓሜኡ ድማ መኔ: ኣምላኽ ንመንግስትኻ ቘጸሮን ጠረሶን . . . ማለት እዩ።” (ዳንኤል 5:26) እተን ተደመጽቲ ፊደላት ናይታ ቀዳመይቲ ቃል ብመሰረት እቲ ኣንባቢ ዝውስኸለን ኣድመጽቲ ፊደላት “ምና” ከምኡውን “ምቝጻር” ዝብል ናይ ኣረማይስጢ ቃል ክዀና ይኽእላ ኢየን። ዳንኤል ምርኮ ኣይሁዳውያን ንኽውዳእ ይቀራረብ ምንባሩ ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጥ ኢዩ። ካብቲ ኣቐዲሙ ተነጊሩ ዝነበረ 70 ዓመታት ድሮ 68 ዓመታት ሓሊፉ ነበረ። (ኤርምያስ 29:10) እቲ ግዜኡ ብምሕላው ብሉጽ ዝዀነ የሆዋ ነቲ ባቢሎን ከም ሓይሊ ዓለም ኰይና እትገዝኣሉ ግዜ ወሲንዎ ነበረ: እቲ መወዳእታ ኸኣ ካብቶም ኣብቲ ናይ ቤልሻጽር ድግስ ዝነበሩ ሰባት ዝሓስብዎ ንላዕሊ ቀሪቡ ነበረ። አረ ግዜ ዘርከቦስ ንቤልሻጽር ጥራይ ዘይኰነስ ነቦኡ ናቦኒደስ እውን ኢዩ። እታ “መኔ” እትብል ቃል ክልተ ግዜ እተጻሕፈትሉ ምኽንያት እውን ምናልባት ናይ ክልቲኦም ነገስታት መወዳእታ ምቕራቡ ንምርኣይ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
20. ትርጕም ናይታ “ቴቄል” እትብል ቃል እንታይ ኢዩ: ብኸመይከ ኣብ ቤልሻጽር ትውዕል፧
20 እታ “ቴቄል” እትብል ቃል ግን ሓንሳእን ብንጽልን ኢያ ተጻሒፋ። እዚ ኸኣ ብቐንዱ ንቤልሻጽር ዘመልክት ምዃኑ ንምርኣይ ኢዩ። እዚ ድማ ዝግባእ ኢዩ: ከመይሲ ንየሆዋ ብግህዶ ዘሕሰሮ ንሱ ኢዩ። እታ ቃል “ሲቃል” ማለት ኢያ: ግን እተን ተነበብቲ ፊደላታ “ተመዚንካ” ዝብል ትርጕም እውን ክህልወን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ዳንኤል ንቤልሻጽር “ቴቄል፤ ብሚዛን ተመዚንካ: ቀሊልካ ተረኸብካ” ዝበሎ። (ዳንኤል 5:27) ብምሉኦም ኣህዛብ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ከም ሓንቲ በሰር ኣብ ሚዛን ኢዮም። (ኢሳይያስ 40:15) ንዕላምኡ ንምትዕንቓፍ ሓይሊ የብሎምን። እሞ እዚ ዕቡይ ንጉስ ድኣ ንበይኑ እንታይ ኢዩ ክገብር ዝኽእል፧ ቤልሻጽር ንገዛእ ርእሱ ልዕሊ እቲ ናይ ኣድማስ ሉዓላዊ ክብ ከብላ ኢዩ ፈቲኑ። እዚ ተራ ሰብ እዚ ዋላ እኳ ንየሆዋ ክጸርፍን ነቲ ጽሩይ ኣምልኾ ከላግጽን እንተ ደፈረ ‘ቀሊሉ’ ኢዩ ተረኺቡ። እወ: ንቤልሻጽር እቲ ድሕሪ ሓጺር እዋን ክመጽእ ዝነበሮ ፍርዲ ዝግብኦ ኢዩ ነይሩ!
21. እታ “ኡፋርሲን” እትብል ቃል ሰለስተ ትርጕም ክህልዋ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ: እዛ ቓል እዚኣ ብዛዕባ እቲ ባቢሎን ኣብ መጻኢ ከም ሓይሊ ዓለም ዝህልዋ ተራ እንታይ ትገልጽ፧
21 ኣብቲ መንደቕ እተጻሕፈት ናይ መወዳእታ ቃል “ኡፋርሲን” እትብል ኢያ። ዳንኤል ክትርጕማ ከሎ “ኡፋርስ” (NW ) ዝብል ንጽል ናይታ ቃል ኢዩ ተጠቒሙ: እዚ ኸኣ ምናልባት እቲ ሓደ ንጉስ ስለ ዘይነበረ ነቲ ሓደ ጥራይ ይዛረቦ ብምንባሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዛ ቓል እዚኣ ሰለስተ ዓይነት ትርጕም ዘለዋ ኰይና መደምደምታ ናይቲ የሆዋ ዘቕረቦ ዓቢ ሕንቅልሕንቅሊተይ ኢያ። ቃል ብቓሉ “ኡፋርሲን” ማለት “ፍርቂ ሲቃላት” ማለት ኢዩ። እንተዀነ ግን: እተን ፊደላት ብመሰረት እቲ ዝኣተወን መዳምጽቲ “ምምቃል” ከምኡውን “ፋርሳውያን” ዝብል ካልእ ክልተ ትርጕም ክህልዋ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ዳንኤል “ኡፋርሲን: መንግስትኻ ተመቒላ ንሰብ ሜዶንን ፋርስን ተዋህበት” ማለት ኢዩ ኢሉ ተነበየ።—ዳንኤል 5:28
22. ቤልሻጽር ትርጕም ናይቲ ሕንቅልሕንቅሊተይ ምስ ተነግሮ እንታይ በለ: እንታይ ተስፋኸ ኢዩ ገይሩ ክኸውን ዝኽእል፧
22 በዚ እታ ሕንቅልሕንቅሊተይ ተፈትሐት። እታ ዓባይ ዝነበረት ባቢሎን ኣብ ኢድ ሜዶንን ፋርስን ኣብ ምውዳቓ ኢያ ነይራ። ቤልሻጽር በዚ ፍርዲ እዚ መንፈሱ እንተ ተደቝሰ እኳ ቃሉ ኣይዓጸፈን። ኣገልገልቱ ንዳንኤል ቀይሕ ሃሪ ከም ዝኸድንዎ: ኣብ ክሳዱ ድሪ ወርቂ ከም ዝኣስርሉ: ከምኡውን ኣብታ መንግስቲ ሳልሳይ ገዛኢ ኰይኑ ኢሎም ከም ዝእውጁ ገበሮም። (ዳንኤል 5:29) ዳንኤል እዚ ክብሪ እዚ ንየሆዋ ክብ ዘብል ምዃኑ ብምግንዛቡ ኣይነጸጎን። ቤልሻጽር ንነብዪ የሆዋ ክብሪ ብምሃብ ፍርዲ ክፎኽሰሉ ደልዩ ነይሩ ይኸውን ኢዩ። ከምኡ ሓሲቡ እንተድኣ ነይሩ ግን ድሕሪ ማይ ኣብ ብዓቲ እተገብረ ዘይረብሕ ጻዕሪ ኢዩ ነይሩ።
ምውዳቕ ባቢሎን
23. እቲ ቤልሻጽር ዘዳለዎ ድግስ እናተኻየደ ኸሎ እውን ከይተረፈ እንታይ ጥንታዊ ትንቢት ኢዩ ፍጻሜኡ ዝረክብ ዝነበረ፧
23 ቤልሻጽርን መኳንንቱን ብስም ኣማልኽቶም እናሰተዩ: ንየሆዋ እናላገጹ ከለዉ እውን ኣብቲ ካብ ቤተ-መንግስቲ ወጻኢ ዝነበረ ጸልማት ሓደ ዓቢ ትርኢት ይቕላዕ ነበረ። እቲ ዳርጋ ክልተ ዘመናት ይገብር ብኢሳይያስ ተነጊሩ ዝነበረ ትንቢት ይፍጸም ነበረ። የሆዋ ብዛዕባ ባቢሎን ኣቐዲሙ “ንምስቍርቋር ዘበለ ዅሉ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ” ኢሉ ነይሩ ኢዩ። እወ: እታ እክይቲ ከተማ ኣብ ልዕሊ እቶም ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ ተውርዶ ዝነበረት ኵሉ ጸቕጢ ክውዳእ ነበሮ። ብኸመይ፧ እቲ ትንቢት ቀጺሉ “ኣቲ ኤላም: ደይቢ: ዎ ማዳይ: ክበቢ” ይብል። ድሕሪ ነብዪ ኢሳይያስ: ኤላም ክፍሊ ፋርስ ኰነት። ኣብቲ ቤልሻጽር ድግስ ዝገበረሉ ግዜ: ኢሳይያስ እውን ተዛሪብሉ ዝነበረ ትንቢት: ሜዶንን ፋርስን ‘ደይበን’ ንባቢሎን ‘ንምኽባብ’ ሓይልታተን ኣሕቢረን ነበራ።—ኢሳይያስ 21:1, 2, 5, 6
24. ትንቢት ኢሳይያስ ብዛዕባ ምውዳቕ ባቢሎን እንታይ ዝርዝር ሓሳብ ኢያ ዝሃበት፧
24 አረ ናይዞም ሓይልታት እዚኣቶም መራሒ ዝጥቀመሉ ናይ ውግእ ስትራተጂታትን ስሙ መን ምዃኑን ብትንቢት ተነጊሩ ነይሩ ኢዩ። ኢሳይያስ ገለ 200 ዓመታት ኣቐዲሙ የሆዋ ኣንጻር ባቢሎን ዝትንስእ ቂሮስ ዝበሃል ሰብ ክቐብእ ምዃኑ ተዛረበ። ኣብቲ ዝገብሮ መጥቃዕትታት ኵሉ ዕንቅፋታት ክጽረገሉ ምዃኑ ተዛሪቡ ኢዩ። ማያት ባቢሎን ‘ክነጽፍ:’ ዓበይቲ ደጌታታ ኸኣ ክፉት ክግደፍ ነበሮ። (ኢሳይያስ 44:27–45:3) ልክዕ ከምኡ ኸኣ ኰነ። ሰራዊት ቂሮስ ንርባ ኤፍራጥስ ብምጥዋይ ነቲ ዕምቈት ናይቲ ማይ ኣጕደልዎ: በዚ ኸኣ ነቲ ርባ ብእግሮም ክሰግርዎ ኸኣሉ። እቲ ኣብ ቀጽሪ ባቢሎን ዝነበረ ደጌታት ብሸለልትነት ናይቶም ሓለውቲ ከይተዓጽወ ተገድፈ። ነበርታ ኣብ ቀይዲ በተኽ ድግስ ከለዉ እታ ከተማ ከም እተወረረት ከኣ ጸሓፍቲ ታሪኽ ይሰማምዕሉ ኢዮም። ብዘይ ገለ ተጻብኦ ባቢሎን ተሳዕረት። (ኤርምያስ 51:30) ይኹን እምበር: ሓደ ርኡይ ዝዀነ ሞት ግን ነይሩ ኢዩ። ዳንኤል ከምዚ ኢሉ ጸብጻብ ይህብ:- “በታ ለይቲ እቲኣ ቤልሻጽር ንጉስ ከለዳውያን ተቐትለ። ዳርዮስ ሜዶናዊ ኸኣ: ወዲ ስሳን ክልተን ዓመት ከሎ: ነታ መንግስቲ ተቐበላ።”—ዳንኤል 5:30, 31
ካብቲ ኣብ መንደቕ ዝነበረ ጽሕፈት ምምሃር
25. (ሀ) ጥንታዊት ባቢሎን መርኣያ ናይዚ ሕጂ ዘሎ ዓለምለኻዊ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣገባብ እትኸውን ስለምንታይ ኢያ፧ (ለ) ዘመናውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምሩኻት ባቢሎን ዝነበሩ ብኸመይ ኢዮም፧
25 እቲ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 5 ዘሎ ጸብጻብ ንዓና ዝኸውን ብዙሕ ትምህርቲ ዝሓዘ ኢዩ። ጥንታዊት ባቢሎን ሕምብርቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነ ተግባራት ብምንባራ: እትሰማማዕ ምሳሌ ናይዛ ሕጂ ዘላ ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኢያ። እዛ ኣብ ራእይ ጽምኢ ደም ዘለዋ ኣመንዝራ ኰይና ተገሊጻ ዘላ ምትላል ዝመልኣ ዓለምለኻዊት ማሕበር: “ዓባይ ባቢሎን” ተባሂላ ተጸዊዓ ኣላ። (ራእይ 17:5) ብዛዕባ እቲ ሒዛቶ ዘላ ንኣምላኽ ዘሕስር ናይ ሓሶት ሰረተ-እምነታትን ተግባራትን ብዙሕ መጠንቀቕታ እኳ እንተ ተዋህባ ግዲ ከይገበረት ነቶም ናይ ቃል ኣምላኽ ሓቂ ዝሰብኩ ሰባት ሰጒጓቶም ኢያ። እቶም እሙናት ቅቡኣት ተረፍ ክርስትያናት ብሰንኪ እቲ ካህናት ዘለዓዓልዎ መስጐጕቲ ብ1918 ዕዮ ስብከቶም ምስ ተቛረጸ ልክዕ ከምቶም ነበርቲ ናይ ጥንታዊት የሩሳሌምን ይሁዳን ኣብ ምርኮ ናይ “ዓባይ ባቢሎን” ወደቑ።
26. (ሀ) “ዓባይ ባቢሎን” ብ1919 ዝወደቐት ብኸመይ ኢያ፧ (ለ) ነየናይ መጠንቀቕታ ኢና ከነቕልበሉ ከምኡውን ንኻልኦት ክንነግሮም ዘሎና፧
26 ይኹን እምበር: “ዓባይ ባቢሎን” ብሃንደበት ወደቐት! ልክዕ ከምታ ጥንታዊት ባቢሎን ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. ብዘይገለ ተቓውሞ ዝወደቐት እዚኣ እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ከምኡ ኢያ ኰይና። እዚ ምሳልያዊ ኣወዳድቓ እዚ ግን ኣዝዩ ኣዕናዊ ኢዩ ነይሩ። ህዝቢ የሆዋ ብ1919 ከ.ኣ.ዘ. ካብ ባቢሎናዊ ምርኮ ወጺኦም መለኮታዊ ስምረት ምስ ረኸቡ ምውዳቕ ዓባይ ባቢሎን ተፈጸመ። እዚ እቲ “ዓባይ ባቢሎን” ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ዝነበራ ሓይሊ ከም ዘበቅዐ ከምኡውን መጀመርታ ናይቲ ሕድሪ ክወሃባ ዘይትበቅዕ መታለሊት ምዃና እተቓለዐትሉ እዋን ዝሕብር ኢዩ ነይሩ። እቲ ምውዳቕ እቲ ዘይዕረ ምዃኑ ተረጋጊጹ ኢዩ: ናይ መወዳእታ ጥፍኣታ ኸኣ ኣንጠልጢሉ ኢዩ ዘሎ። ስለዚ ኸኣ ኣገልገልቲ የሆዋ ነቲ “ኣብቲ ሓጢኣታ ምእንቲ ኸይትጽምበሩ . . . ካብኣ ውጹ” ዝብል መጠንቀቕታ የቃልሕዎ ኣለዉ። (ራእይ 18:4) ነቲ መጠንቀቕታ ኣቕሊብካሉዶ ኢኻ፧ ንኻልኦትከ ትነግሮምዶ ኢኻ፧f
27, 28. (ሀ) ዳንኤል ነየናይ ኣገዳሲ ሓቂ ኢዩ ፈጺሙ ዘይረስዖ፧ (ለ) የሆዋ ኣንጻር እዛ ሎሚ ዘላ እክይቲ ዓለም ቀልጢፉ ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ እንታይ መረጋገጺ ኣሎና፧
27 ስለዚ ሎሚ እውን ጥፍኣት ኣንጠልጢሉ ኣሎ: እዚ ግን ኣብ ልዕሊ ‘ዓባይ ባቢሎን’ ጥራይ ዝወርድ ኣይኰነን። ነቲ ሕመረት መጽሓፍ ዳንኤል ዝዀነ ኣገዳሲ ሓቂ ዘክሮ:- የሆዋ ናይ ኣድማስ ሉዓላዊ ኢዩ። ንሱ ጥራይ ኢዩ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ገዛኢ ክሸይም መሰል ዘለዎ። (ዳንኤል 4:17, 25፣ 5:21) ኣብ ቅድሚ ዕላማታት የሆዋ ዝጸንሕ ዝዀነ ይኹን ነገር ከልግስ ኢዩ። እዚ ስጕምቲ እዚ ክውሰድ ናይ ግዜ ጕዳይ ጥራይ ኢዩ ተሪፉ ዘሎ። (ኣንባቆም 2:3) ኣብ ኵነታት ዳንኤል እንተድኣ ርኢና ኣብ ተስዓታት ዕድሚኡ ኸሎ ኢዩ የሆዋ ስጕምቲ ዝወሰደ። ድሕርዚ ነቲ ዳንኤል ንእሽቶ ከሎ ኣትሒዙ ንህዝቢ ኣምላኽ ዝጭቍን ዝነበረ ናይ ዓለም ሓያል የሆዋ ከልግሶ ኸሎ ርኣየ።
28 የሆዋ ኣምላኽ ኣብቲ ሰማያዊ ዝፋኑ ንደቅሰብ ዝኸውን ገዛኢ ከም ዘቐመጠ ኣሉ ዘይበሃሎ መረጋገጺ ኣሎ። ዓለም ነዚ ንጉስ እዚ ሸለል ምባላን ንግዝኣቱ ምጽራራን: የሆዋ ንዅሎም ተጻረርቲ ግዝኣት መንግስቱ ጸራሪጉ ከጥፍኦም ምዃኑ ዘረጋግጽ ኢዩ። (መዝሙር 2:1-11፣ 2 ጴጥሮስ 3:3-7) ሕጂ ግዜና ክሳዕ ክንደይ ህጹጽ ምዃኑ ብምፍላጥ ስጕምቲ እናወሰድካ ትውክልትኻ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽዶ ትገብር ኣሎኻ፧ ከምዚ ትገብር እንተድኣ ኣሊኻ ካብቲ ኣብ መንደቕ ዝነበረ ጽሕፈት ተማሂርካ ኢኻ ማለት ኢዩ!
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብ ሓደ ጥንታዊ እተወቕረ ጽሑፍ ንጉስ ቂሮስ ብዛዕባ ቤልሻጽር “ሓደ ድኹም ሰብ ኣብ ሃገሩ [ይገዝእ] ነይሩ” በለ።
b እዚ ዳንኤል ሂብዎ ዘሎ ደቒቕ ዝርዝር ከይተረፈ እውን ልክዕ ምዃኑ ተረጋጊጹ ኢዩ። ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ እቲ ኣብ ጥንታዊት ባቢሎን ዝነበረ ናይ ቤተ-መንግስቲ መናድቕ ካብ ሕጡብ እተሰርሐ ኰይኑ ልቕሉቕ ምንባሩ ኣረጋጊጾም ኢዮም።
c እቲ ናይ ባቢሎናውያን ሓተታ መናፍስቲ ምናልባት ነቲ ትእምርቲ ዝያዳ ዘርዕድ ገይርዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እታ ባቢሎንያን ላይፍ ኤንድ ሂስትሪ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ከምዚ ኢላ ትገልጽ:- “ባቢሎናውያን ኣብ ርእሲ እቶም ዘምልኽዎም ዝነበሩ ብዙሓት ኣማልኽቲ: ኣብ እምነት መናፍስቲ እውን ኣዝዮም እተወፈዩ ኢዮም ነይሮም። እዚ ተወፋይነት እዚ ኣዝዩ ዓሚቝ ብምንባሩ ኸኣ ዝዓበየ ክፋል ናይቲ ሃይማኖታዊ ጽሑፋቶም ናብኣቶም ዘቕርብዎ ጸሎትን ድጋምን ዝሓዘ ኢዩ።”
d እታ ቢብልካል ኣርኪኦሎጂ ረቪው እተባህለት ናይ እንግሊዝኛ መጽሔት ከምዚ ትብል:- “ክኢላታት ባቢሎናውያን ዝርዝር ናይ ብኣሽሓት ዝቝጽር ናይ ፋል ምልክታት ነይርዎም ኢዩ። . . . ቤልሻጽር ነቶም ጠቢባን ባቢሎን ትርጕም ናይቲ ኣብ መንደቕ እተጻሕፈ ክነግርዎ ምስ ሓተቶም ኣብቲ ናይ ፋል መዝገበ-ፍልጠት ሃሰውሰው ከም ዝበሉ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እንተዀነ ግን ዋጋ ኣይነበሮን።”
e ኣዳለውቲ መዝገበ-ቃላት እታ ኣብዚ ኣትያ ዘላ “ተጨነቑ” እትብል ቃል እቲ ኣኼባ ዕግርግር ከም ዝኣተዎ: ዓቢ ዕግርግር ከም እተፈጥረ እተመልክት ምዃና ኢዮም ዝገልጹ።
f ኣብታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተዳለወት ራእይ —እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 205-71 ርአ።
እንታይ ኣስተውዒልካ፧
• እቲ ቤልሻጽር ዘዳለዎ ድግስ ኣብ 5/6 ጥቅምቲ ናይ 539 ቅ.ኣ.ዘ. ለይቲ እተቛረጸ ብኸመይ ኢዩ፧
• ትርጕም ናይቲ ኣብ መንደቕ ዝነበረ ጽሕፈት እንታይ ኢዩ፧
• እቲ ቤልሻጽር ዘዳለዎ ድግስ እናተኻየደ ኸሎ እንታይ ብዛዕባ ባቢሎን ተነጊሩ ዝነበረ ትንቢት ኢዩ እተፈጸመ፧
• ብዛዕባ እቲ ኣብ መንደቕ ዝነበረ ጽሕፈት ዝገልጽ ጸብጻብ ንግዜና እንታይ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ፧
[ኣብ ገጽ 98፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]
[ኣብ ገጽ 103፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]