ምዕራፍ ትሽዓተ
ንዓለም መን ኢዩ ክገዝኣ፧
1-3. ነቲ ዳንኤል ኣብ ቀዳማይ ዓመት ንግስነት ቤልሻጽር ዝራኣዮ ሕልምን ራእይን ግለጾ።
እቲ ናይ ዳንኤል ዘደንጹ ትንቢት ሕጂ ናብቲ ቀዳማይ ዓመት ንግስነት ቤልሻጽር ንጉስ ባቢሎን ኢዩ ዝወስደና። ዳንኤል ኣብ ምርኮ ባቢሎን ነዊሕ ግዜ እኳ እንተ ገበረ ካብቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዝነበሮ ንጽህና ግን ምንቕ ኢሉ ኣይፈልጥን ኢዩ። እዚ ሕጂ ኣብ 70ታት ዕድመ ዘሎ እሙን ነብዪ እዚ “ሕልምን ራእያት ርእሱን ረአየ።” ኣየ እዚ ራእያት እዝስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ዘፍርሆ!—ዳንኤል 7:1, 15
2 ዳንኤል ዓው ኢሉ ከምዚ በለ:- “እንሆ ኸኣ: እቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ይጋጨዉ ነበሩ። ካብቲ ባሕሪ ድማ በበይኖም ዝዓይነቶም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት ወጹ።” ኣየ ከመይ ዝበሉ ፍሉያት ኣራዊት ኰን ኢዮም! እቲ ቀዳማይ ኣኽናፍ ንዘለዎ ኣንበሳ: እቲ ኻልኣይ ከኣ ንድቢ ኢዩ ዝመስል። ድሕርዚ ኣርባዕተ ኣኽናፍን ኣርባዕተ ርእስን ዘለዎ ነብሪ ወጸ! እቲ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓይሊ ዝነበሮ ራብዓይ ኣራዊት ድማ ዓበይቲ ኣስናን ሓጺንን ዓሰርተ ኣቕርንትን ነበሮ። ኣብ መንጎ እቲ ዓሰርተ ኣቕርንቲ ኸኣ “ዓይኒ ሰብ ዝመስል ዓይንን ዓብዪ ነገር ዚዛረብ ኣፍን” ዘለዎ “ንእሽቶ” ቐርኒ ወጸ።—ዳንኤል 7:2-8
3 ድሕርዚ እቲ ናይ ዳንኤል ራእይ ናብ ሰማይ ገጹ የተኵር። እቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ግርማ ለቢሱ ኣብ ሰማያዊ መጋባእያ ኣብ ናይ ፍርዲ ዝፋኑ ኮፍ ይብል። ‘ሽሕ ግዜ ሽሕ የገልግልዎ: እልፊ ግዜ እልፊ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይቘሙ።’ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣራዊት ናይ ጥፍኣት ፍርዲ ይብይን: ነቲ ናይ ምግዛእ መሰል ካብ ኢዶም ይወስዶ: ነቲ ራብዓይ ኣራዊት ከኣ የጥፍኦ። ኣብ ልዕሊ “ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን” ዝህሉ ዘለኣለማዊ ግዝኣት ከኣ ነቲ “ወዲ ሰብ ዚመስል” ይወሃብ።—ዳንኤል 7:9-14
4. (ሀ) ዳንኤል ርግጽ ሓበሬታ ንምርካብ ንመን ኢዩ ዝሓተተ፧ (ለ) በታ ለይቲ እቲኣ ዳንኤል ዝረኣዮን ዝሰምዖን ነገራት ዘገድሰና ስለምንታይ ኢዩ፧
4 ዳንኤል ቀጺሉ “መንፈሰይ ኣብ ውሽጢ ስጋይ ሰምበደ: እቲ ራእያት ርእሰይ ከኣ ኣጨነቐኒ” ይብል። ስለዚ ኸኣ ካብ ሓደ መልኣኽ “ብዛዕባ እዚ ዅሉ . . . ርግጹ” እንታይ ምዃኑ ክፈልጥ ሓተተ። እቲ መልኣኽ ከኣ ‘ትርጓሜ እቲ ነገር’ ነገሮ። (ዳንኤል 7:15-28) እቲ ዳንኤል በታ ለይቲ እቲኣ ዝሰምዖን ዝረኣዮን ነገር ንዓና ኣዝዩ የገድሰና ኢዩ: ከመይሲ ክሳዕ እዚ ግዜና ዝጸንሕ ማለት እቲ “ወዲ ሰብ ዚመስል” ኣብ ልዕሊ “ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን” ክገዝእ ሓላፍነት ክሳዕ ዝወሃቦ ንዝህሉ ናይ ዓለም ፍጻመታት ዝገልጽ ኢዩ። ንሕና እውን ብሓገዝ ቃል ኣምላኽን መንፈስ ቅዱስን ትርጕም ናይዚ ትንቢታዊ ራእያት እዚ ክንርዳእ ንኽእል ኢና።a
ኣርባዕተ ኣራዊት ካብ ባሕሪ ይወጹ
5. እቲ ብንፋስ ዝጋጮ ዝነበረ ባሕሪ ንምንታይ ኢዩ ዘመልክት፧
5 ዳንኤል “ካብቲ ባሕሪ . . . ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት ወጹ” በለ። (ዳንኤል 7:3) እቲ ብንፋስ ዝጋጮ ዝነበረ ባሕሪ ንምንታይ የመልክት፧ ዓመታት ጸኒሑ ሃዋርያ ዮሃንስ ሸውዓተ ርእሲ ዘለዎ ኣራዊት ካብ “ባሕሪ” ክወጽእ ከሎ ረኣየ። እዚ ባሕሪ እዚ ነቶም ካብ ኣምላኽ ርሒቖም ዘለዉ “ኣህዛብን ብዙሕ ሰብን ህዝብታትን ቋንቋታትን” ዘመልክት ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: እቲ ዳንኤል ዝረኣዮ ባሕሪ ነቶም ካብ ኣምላኽ ዝረሓቑ ሰባት ምምልካቱ ዝሰማማዕ ኢዩ።—ራእይ 13:1, 2፣ 17:15፣ ኢሳይያስ 57:20
6. እቶም ኣርባዕተ ኣራዊት ንምንታይ ኢዮም ዘመልክቱ፧
6 እቲ መልኣኽ “እዞም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት እዚኣቶም ካብ ምድሪ ዚትንስኡ ኣርባዕተ ነገስታት እዮም” በለ። (ዳንኤል 7:17) ስለዚ እቲ መልኣኽ እቶም ዳንኤል ዝረኣዮም ኣርባዕተ ኣራዊት “ኣርባዕተ ነገስታት” ምዃኖም ኣነጺሩ ገሊጹ ኢዩ። ስለዚ እዞም ኣራዊት እዚኣቶም ንሓይልታት ዓለም ዘመልክቱ ኢዮም። እንተዀነ ግን: ነየኖት ሓይልታት ዓለም ኢዮም ዘመልክቱ፧
7. (ሀ) ገለ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ መግለጺ ዝህቡ ሰባት ብዛዕባ እቶም ዳንኤል ዝረኣዮም ኣርባዕተ ኣራዊትን ነቡካድነጻር ኣብ ሕልሙ ዝራኣዮ ዓቢ ምስልን እንታይ ኢዮም ዝብሉ፧ (ለ) እቲ ብኣርባዕተ ዓይነት ማዕድናት ዝቘመ ኣርባዕተ ክፍልታት ናይቲ ምስሊ ንምንታይ ኢዩ ዘመልክት፧
7 ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ መግለጺ ዝህቡ ሰባት ነቶም ዳንኤል ብሕልሚ ዝረኣዮም ኣርባዕተ ኣራዊት ምስቲ ነቡካድነጻር ብሕልሚ ዝራኣዮ ዓቢ ምስሊ ኢዮም ዘተሓሕዝዎ። ንኣብነት: እቲ ዘ ኤክስፖዚቶሪስ ባይብል ኮመንትሪ ዝበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ “ምዕራፍ 7 [ናይ መጽሓፍ ዳንኤል] ምስ ምዕራፍ 2 ትመሳሰል ኢያ” ይብል። እቲ ዘ ወይክሊፍ ባይብል ኮመንትሪ ዝበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከኣ ከምዚ ይብል:- “እቶም ኣብዚ [ዳንኤል ምዕራፍ 7] ተጠቒሶም ዘለዉ ኣርባዕተ ካብ ኣህዛብ ዝመጹ ሓያላት ምስቶም ኣብ [ዳንኤል] ምዕራፍ 2 ዘለዉ ሓደ ምዃኖም . . . ሓፈሻዊ ስምምዕ ኣሎ።” እቶም ኣብ ሕልሚ ነቡካድነጻር ብኣርባዕተ ዓይነት ማዕድናት እተመሰሉ ሓይልታት ዓለም ሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን (ወርቃዊ ርእሲ): ሜዶንን ፋርስን (ብብሩር ዝቘመ ደረትን ቀላጽምን): ግሪኽ (ብኣስራዚ ዝቘመ ከብድን ሰለፍን): ከምኡውን ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ (ብሓጺን ዝቘመ ኣእጋር) ኢዮም።b (ዳንኤል 2:32, 33) እዘን መንግስታት እዚኣተን ምስቶም ዳንኤል ዝረኣዮም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት ብኸመይ ከም ዝመሳሰላ ንርአ።
ብርቱዕ ከም ኣንበሳ ቅልጡፍ ከም ንስሪ
8. (ሀ) ዳንኤል ነቲ ናይ መጀመርታ ኣራዊት ብኸመይ ገለጾ፧ (ለ) እቲ ናይ መጀመርታ ኣራዊት ነየናይ ሃጸያዊ ግዝኣት ኢዩ ዘመልክት: ከም ኣንበሳ ዝዀነኸ ብኸመይ ኢዩ፧
8 ኣየ ከመይ ዝበሉ ዘደንጽዉ እንስሳታት ኰን ኢዩ ዳንኤል ዝረኣየ! ነቲ ሓደ ክገልጾ ኸሎ ከምዚ በለ:- “እቲ ቐዳማይ ነንበሳ ይመስል: ኣኽናፍ ንስሪ ድማ ነበሮ። ኣኽናፉ ኽሳዕ ዚምንቈሳ ኸኣ ጠመትክዎ። ካብ ምድሪ ተንስኤ: ከም ሰብ ድማ በእጋሩ ደው በለ: ልቢ ሰብውን ተዋህቦ።” (ዳንኤል 7:4) እዚ ኣራዊት እዚ ነቲ ብወርቃዊ ርእሲ ናይቲ ዓቢ ምስሊ ተመሲሉ ዘሎ ናይ ባቢሎን ሓይሊ ዓለም (607-539 ቅ.ኣ.ዘ.) ዘመልክት ኢዩ። ባቢሎን ልክዕ ከም ዝውሕጥ “ኣንበሳ” ኰይና ንህዝቢ ኣምላኽ እውን ወሲኽካ ንህዝብታት ወሓጠቶም። (ኤርምያስ 4:5-7፣ 50:17) እዚ “ኣንበሳ” እዚ ልክዕ ከም በኽናፍ ንስሪ: ብጐንጺ እናተዓወተ ንቕድሚት ገስገሰ።—ድጕዓ ኤርምያስ 4:19፣ ኣንባቆም 1:6-8
9. እቲ ከም ኣንበሳ ዝመስል ኣራዊት እንታይ ለውጥታት ኢዩ ዝገበረ: እዚኸ ብኸመይ ተንከፎ፧
9 ጸኒሑ እቲ ኣኽናፍ ዝነበሮ ፍሉይ ኣንበሳ ኣኽናፉ ‘ተመንቈሳ።’ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ግዝኣት ቤልሻጽር: ባቢሎን እቲ ኣብ ምውራር ዝነበራ ቅልጣፈን ከም ኣንበሳ ኰይና ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ተዘውትሮ ዝነበረት ሓይልን ኣጥፍአት። ከም ቅልጣፈ ሰብ ክትከይድ ጀመረት። ‘ልቢ ሰብ’ ስለ እተዋህባ ደኸመት። ባቢሎን እቲ ዝነበራ “ልቢ ኣንበሳ” ስለ ዘጥፍአት ‘ኣብ ማእከል እንስሳ ዱር ከም ኣንበሳ’ ክትከውን ኣይከኣለትን። (ምስ 2 ሳሙኤል 17:10፣ ሚክያስ 5:8 ኣረኣእዮ።) ሓደ ካልእ ዓቢ ኣራዊት ወሓጣ።
ከም ድቢ ውሒጣ
10. እቲ ‘ድቢ’ ነየኖት ገዛእቲ ኢዩ ዘመልክት፧
10 ዳንኤል ከምዚ በለ:- “እንሆ ድማ: ካልኣይ: ንድቢ ዚመስል ካልእ ኣራዊት። ንሱ ብጐድኑ ተንስኤ: ሰለስተ ዓጽሚ መሰንገለ ኣብ ኣፉ ኣብ መንጎ ኣስናኑ ነበረ: ተንስእ እሞ ብዙሕ ስጋ ብላዕ: ከኣ በልዎ።” (ዳንኤል 7:5) እዚ ‘ብድቢ’ ተመሲሉ ዘሎ ንጉስ እቲ ካብ ብሩር ብዝቘመ ደረትን ቀላጽም ናይቲ ምስሊ ዘመልክት ዝነበረ መስመር ንግስነት ሜዶንን ፋርስን (539-331 ቅ.ኣ.ዘ.) ዝውክል ኢዩ። እዚኣቶም ከኣ ካብ ዳርዮስ ሜዶናውን ቂሮስ ዓብን ጀሚርካ ክሳብ ዳርዮስ ሳልሳይ ዝነበሩ ገዛእቲ ማለት ኢዮም።
11. እቲ ምሳልያዊ ድቢ ብጐድኑ ምትንስኡ ከምኡውን ኣብ ኣፉ ሰለስተ ዓጽሚ መሰንገለ ምሓዙ ንምንታይ ኢዩ ዘመልክት፧
11 እዚ ምሳልያዊ ድቢ እዚ ‘ብጐድኑ ተንስአ።’ እዚ ኸኣ ምናልባት ንህዝብታት ንምጥቃዕን ንምንብርካኽን ክዳሎ: በዚ ኸኣ ናይ ሓይሊ ዓለም ቦታ ንምሓዝ ኢዩ ዝኸውን። ወይ እቶም ካብ መስመር ፋርስ ዝነበሩ ገዛእቲ ነቲ እንኮ ሜዶናዊ ንጉስ ዝነበረ ዳርዮስ ከም ዝዕብልልዎ ዘርኢ እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እተን ኣብ መንጎ ኣስናኑ ዝነበራ ሰለስተ ዓጽሚ መሰንገለ ንወራር እተበገሰሉ ሰለስተ ኣንፈት ዘመልክታ ክዀና ይኽእላ ኢየን። እዚ ንሜዶንን ፋርስን ዘመልክት ‘ድቢ’ እዚ ንባቢሎን ንምሓዝ ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. ንሰሜን ገጹ ገስገሰ። ድሕርዚ ብንእሽቶ እስያን ዝረይስን ኣቢሉ ንምዕራብ ገጹ ኸደ። ኣብ መወዳእታ እቲ ‘ድቢ’ ንግብጺ ንምሓዝ ናብ ደቡብ ገጹ ደየበ። ሓድሓደ ግዜ ቍጽሪ ሰለስተ ጻዕቂ ስለ ዘመልክት እቲ ሰለስተ ዓጽሚ መሰንገለ: እቲ ድቢ ንምስዓር ዝነበሮ ስስዐ ክሳዕ ክንደይ ብርቱዕ ምዃኑ ዘጕልሕ እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
12. እቲ ምሳልያዊ ድቢ ነቲ “ተንስእ እሞ ብዙሕ ስጋ ብላዕ” ዝብል ትእዛዝ ምፍጻሙ እንታይ ኣስዓበ፧
12 እቲ ‘ድቢ’ ነቲ “ተንስእ እሞ ብዙሕ ስጋ ብላዕ” ዝብል ቃላት መልሲ ብምሃብ ንህዝብታት ኣጥቅዖም። ሜዶንን ፋርስን ብመለኮታዊ ፍቓድ ንባቢሎን ብምውሓጥ ንህዝቢ ኣምላኽ ሓደ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ክትገብረሎም እትኽእል ኰነት። ከምኡ ኸኣ ገበረት! (ነቲ ኣብ ገጽ 149 ዘሎ “ተጻዋርነት ዝነበሮ ንጉስ” ዝብል ኣርእስቲ ርአ።) ብቂሮስ ዓቢ: ዳርዮስ ቀዳማይ (ዳርዮስ ዓቢ): ከምኡውን ኣርታሕሻስታ ቀዳማይ ኣቢላ ነቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ምሩኻት ናጻ ኣውጽኣቶም: ንቤት መቕደስ የሆዋ እንደገና ንምህናጽን መናድቕ የሩሳሌም ንምዕራይን ከኣ ሓገዘት። ጸኒሓ ሜዶንን ፋርስን ኣብ ልዕሊ 127 ሃገራት ክትገዝእ ጀመረት: ንንግስቲ ኣስቴር በዓል ቤታ ኣሓሽዌሮስ (ዘክሲዝ ቀዳማይ) ከኣ “ኻብ ህንዲ ኽሳዕ ኢትዮጵያ” ይገዝእ ነበረ። (ኣስቴር 1:1) ይኹን እምበር: ካልእ ኣራዊት እውን ካብቲ ባሕሪ ይቕልቀል ነበረ።
ክንፊ ዘለዎ ቅልጡፍ ነብሪ!
13. (ሀ) እቲ ሳልሳይ ኣራዊት ንምንታይ ኢዩ ዘመልክት፧ (ለ) ብዛዕባ ቅልጣፈን ግዝኣትን ናይቲ ሳልሳይ ኣራዊት እንታይ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል፧
13 እቲ ሳልሳይ ኣራዊት “ኣብ ጐድኑ ኣርባዕተ ኽንፊ ዑፍ ዝነበሮ ንነብሪ ዚመስል . . . ኣርባዕተ ርእሲ ነበሮ: ግዝኣት ድማ ተዋህቦ።” (ዳንኤል 7:6) ልክዕ ከምቲ ካብ ኣስራዚ እተሰርሐ ከብድን ሰለፍን ናይቲ ነቡካድነጻር ዝራኣዮ ምስሊ: እዚ ኣርባዕተ ኣኽናፍን ኣርባዕተ ርእስን ዘለዎ ነብሪ ነቶም ካብ ኣለክሳንደር ዓቢ ዝጀመሩ ናይ ማሴዶንያ ወይ ግሪኽ ገዛእቲ ዘመልክት ኢዩ። ኣለክሳንደር ዓቢ ልክዕ ከም ነብሪ ተዓጻጻፍን ቅልጡፍን ብምዃን ናብ ንእሽቶ እስያ: ብደቡብ ናብ ግብጺ: ከምኡውን ናብ ምዕራባዊ ዶብ ህንዲ ኣስፋሕፍሐ። (ምስ ኣንባቆም 1:8 ኣረኣእዮ።) ግዝኣቱ ንማሴዶንያ: ግሪኽ: ከምኡውን ሃጸያዊ ግዝኣት ፋርስ ዘጠቓልል ብምንባሩ ካብ ናይቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ‘ድቢ’ ዝዓቢ ነበረ።—ኣብ ገጽ 153 ዘሎ “ሓደ መንእሰይ ንጉስ ንዓለም ይቈጻጸራ” ዝብል ኣርእስቲ ርአ።
14. እቲ ‘ነብሪ’ ኣርባዕተ ርእሱ ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ፧
14 ኣለክሳንደር ብ323 ቅ.ኣ.ዘ. ምስ ሞተ እቲ ‘ነብሪ’ ኣርባዕተ ርእሲ ዘለዎ ኰነ። ኣብቲ ዝቈጻጸሮ ዝነበረ እተፈላለየ ግዝኣት ኣርባዕተ ጀነራላቱ ተክእዎ። ሴሉከስ ኣብ መሰጶጣምያን ሶርያን: ቶሎሜ ኣብ ግብጽን ጳለስጢናን: ላይሰሚከስ ኣብ ንእሽቶ እስያን ዝረይስን: ካሳንደር ከኣ ኣብ ማሴዶንያን ግሪኽን ክገዝኡ ጀመሩ። (ኣብ ገጽ 162 ዘሎ “ሓንቲ ዓባይ መንግስቲ ተመቓቒላ” ዝብል ኣርእስቲ ርአ።) ድሕርዚ ሓድሽ ስግኣት ጀመረ።
ሓደ ዘፍርህ ኣራዊት እተፈልየ ምዃኑ የረጋግጽ
15. (ሀ) ነቲ ራብዓይ ኣራዊት ግለጾ። (ለ) እቲ ራብዓይ ኣራዊት ንምንታይ ኢዩ ዘመልክት: ኣብ ቅድሜኡ ንዝጸንሖ ኵሉ ዝጥሕንን ዝውሕጥንከ ብኸመይ ኢዩ፧
15 ዳንኤል ነቲ ራብዓይ ኣራዊት “መፍርህን መሰክሕን ኣዝዩ ብርቱዕን” ኢሉ ይገልጾ። ቀጺሉ ኸኣ ከምዚ በለ:- “ዓበይቲ ኣስናን ሓጺን ነበሮ: ይውሕጥን ይጥሕንን ነቲ ዝተረፈ ኸኣ ብኣእጋሩ ይረግጾን ነበረ። ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዅላቶም ኣራዊት በይኑ ዝዓይነቱ እዩ ዝነበረ: ዓሰርተ ኣቕርንቲውን ነበሮ።” (ዳንኤል 7:7) እዚ ዘፍርህ ኣራዊት እዚ ከም ፖለቲካውን ወተሃደራውን ሓይሊ ዘለዎ ኰይኑ ኣብ ሮሜ ኢዩ ጀሚሩ። ቀስ እናበለ ኸኣ ነቶም ኣርባዕተ ክፍልታት ሃጸያዊ ግዝኣት ግሪኽ ዓብለሎም: ኣብ 30 ቅ.ኣ.ዘ. ኸኣ ሮሜ እቲ ኣብ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ቀጺሉ ዝመጽእ ሓይሊ ዓለም ኰይና ተቐልቀለት። ኣብ ቅድሜኣ ንዝጸንሓ ዅሉ ብወተሃደራዊ ሓይሊ እናምበርከኸት ነቲ ሃጸያዊ ግዝኣታ ካብ ደሴታት ብሪጣንያ ጀሚሩ ኣብ መብዛሕትኡ ኣውሮጳ ክሳብ ሜዲተራንያን: ከምኡውን ንባቢሎን ሓሊፉ ክሳብ ወሽመጥ ፋርስ ከም ዘስፋሕፍሕ ገበረት።
16. እቲ መልኣኽ ብዛዕባ እቲ ራብዓይ ኣራዊት እንታይ ኢዩ ዝበለ፧
16 ዳንኤል ትርጕም ናይዚ ‘ኣዝዩ ዘሰክሕ’ ኣራዊት ኣርጊጹ ክፈልጥ ስለ ዝደለየ እቲ መልኣኽ ክገልጸሉ ኸሎ ጽን ኢሉ ይሰምዕ:- “እቶም ዓሰርተ ኣቕርንቲ ኸኣ: ካብዛ መንግስቲ እዚኣ ዓሰርተ ነገስታት ኪትንስኡ እዮም: ድሕሪ እዚኣቶም ድማ ካብቶም ቀዳሞት በይኑ ዝዀነ ዓይነቱ ኻልእ ኪትንስእ: ንሰለስተ ነገስታትውን ኬ[ዋ]ርዶም እዩ።” (ዳንኤል 7:19, 20, 24) እዞም “ዓሰርተ ኣቕርንቲ” ወይ “ዓሰርተ ነገስታት” እንታዎት ኢዮም፧
17. እቲ “ዓሰርተ ኣቕርንቲ” ናይቲ ራብዓይ ኣራዊት ንምንታይ ኢዩ ዘመልክት፧
17 ሮሜ ኣዝያ እናበልጸገትን መራሕታ ስነ-ምግባር ዝጐደሎ ናብራ ክነብሩ ብምጅማሮም እናተበላሸወትን ምስ ከደት ወተሃደራዊ ሓይላ ክንኪ ጀመረ። ጸኒሑ ኸኣ እቲ ሮሜ ኣብ ውትህድርና ዝነበራ ሓይሊ ከም እተዳኸመ ርኡይ ኰነ። እቲ ሓያል ሃጸያዊ ግዝኣት ቀስ እናበለ ኣብ ብዙሓት መንግስታት ተመቓቐለ። መጽሓፍ ቅዱስ መብዛሕትኡ ግዜ ቍጽሪ ዓሰርተ ምልኣት ንምምልካት ስለ ዝጥቀመሉ: እተን “ዓሰርተ ኣቕርንቲ” ናይቲ ራብዓይ ኣራዊት ንዅለን እተን ብሰንኪ ምምቕቓል ሮሜ ዝቘማ መንግስታት ዘመልክት ኢዩ።—ምስ ዘዳግም 4:13፣ ሉቃስ 15:8፣ 19:13, 16, 17 ኣረኣእዮ።
18. እቲ ናይ መወዳእታ ሮማዊ ሃጸይ ምስ ኣልገሰ እውን ሮሜ ንኣውሮጳ ንዘመናት ዝኣክል እተቘጻጸረቶ ብኸመይ ኢያ፧
18 ይኹን እምበር: እቲ ናይ መወዳእታ ሮማዊ ሃጸይ ብ476 ከ.ኣ.ዘ. ምስ ኣልገሰ እውን እቲ ሮሜ ከም ሓይሊ ዓለም መጠን ዝነበራ ቦታ ኣየቋረጸን። ንብዙሕ ዘመናት እቲ ናይ ሮሜ ጳጳስ ኣብ ኣውሮጳ ፖለቲካዊ ብፍላይ ከኣ ሃይማኖታዊ ስልጣን ነይርዎ ኢዩ። እዚ ኸኣ ብመገዲ መስፍናዊ ስርዓት ኢዩ ዝገብሮ ነይሩ። ዝበዝሑ ኣውሮጳውያን ኣብ ትሕቲ መስፍን ይግዝኡ ነበሩ: እቲ መስፍን ከኣ ኣብ ትሕቲ እቲ ንጉስ ነበረ። ኵሎም እቶም ነገስታት ድማ ንስልጣን ናይቲ ጳጳስ ኣፍልጦ ይህብሉ ነበሩ። ስለዚ ኸኣ እቲ ቅዱስ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ በቲ ቀንዲ ኣካሉ ዝዀነ ናይ ሮሜ ጳጳስ ኣቢሉ ኣብ ብምሉእ እቲ መዋእል ጸልማት ተባሂሉ ዝፍለጥ ነዊሕ ግዜ ዝሽፍን ታሪኽ ንጕዳያት ዓለም ይቈጻጸሮ ነበረ።
19. ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ ብዝበሎ መሰረት ሮሜ ምስተን ቅድሚኣ ዝነበራ ሃጸያውያን ገዛእቲ ብኸመይ ኢያ እትወዳደር፧
19 እዚ ራብዓይ ኣራዊት እዚ ‘ካብ ኵለን [እተን ካልኦት] መንግስታት በይኑ ዝዓይነቱ’ ምንባሩስ መን ኢዩ እሞ ክስሕቶ፧ (ዳንኤል 7:7, 19, 23) ብዛዕባ እዚ ጸሓፍ ታሪኽ ኤች. ጂ. ዌልስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እዛ ሓዳስ ናይ ሮሜ ሓይሊ . . . ካብተን ቅድሚኣ ኣብታ ዝማዕበለት ዓለም ዝነበራ ዓበይቲ ሃጸያውያን ሓይልታት ብብዙሕ መዳያት እተፈልየት ኢያ ነይራ። . . . ዳርጋ ንዅሎም እቶም ኣብ ዓለም ዝነበሩ ግሪኻውያን ኣጠቓሊላ ሒዛቶም ነበረት: ምስተን ቅድሚኣ ዝነበራ ሃጸያውያን ግዝኣት ኣወዳዲርካ ህዝባ ሃማውን ሴማውን ዘርኢ ብብዝሒ ኣይነበሮን። . . . እዚ ኸኣ ኣብ ታሪኽ ሓድሽ ነገር ኢዩ ነይሩ። . . . ንሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዘይተሓስበ ሓድሽ ዕቤት ኢዩ ነይሩ፣ ሮማውያን ዳርጋ ከይተፈለጦም ኣብ ሓደ ሰፊሕ ዝዀነ ናይ ምምሕዳር ፈተነ ኣተዉ።” እንተዀነ ግን: እቲ ራብዓይ ኣራዊት ተወሳኺ ዕቤት ክገብር ነበሮ።
ንእሽቶ ቐርኒ ትስልጥን
20. እቲ መልኣኽ ብዛዕባ ምብቋል ናይታ ኣብ ርእሲ እቲ ራብዓይ ኣራዊት ዝነበረት ንእሽቶ ቐርኒ እንታይ ኢዩ ዝበለ፧
20 ዳንኤል ከምዚ ይብል:- “ኣነ ነቶም ኣቕርንቲ ኤስተብህለሎም ነበርኩ: እንሆ ኸኣ: ኣብ ማእከሎም ንእሽቶ ኻልእ ቀርኒ ወጸ: ካብቶም ቀዳሞት ኣቕርንቲ ድማ ሰለስተ ኣብ ቅድሚኡ ተመንቈሱ።” (ዳንኤል 7:8) ብዛዕባ እዚ ምብቋል ቀርኒ እዚ እቲ መልኣኽ ንዳንኤል ከምዚ በሎ:- “ድሕሪ እዚኣቶም [እቶም ዓሰርተ ኣቕርንቲ] ድማ ካብቶም ቀዳሞት በይኑ ዝዀነ ዓይነቱ ኻልእ ኪትንስእ: ንሰለስተ ነገስታትውን ኬ[ዋ]ርዶም እዩ።” (ዳንኤል 7:24) እዚ ንጉስ እዚ መን ኢዩ: መዓስ ኢዩ ዝተንስአ: ነየኖት ሰለስተ ነገስታትከ ኢዩ ዘዋረዶም፧
21. ብሪጣንያ በታ ንእሽቶ ቐርኒ ናይቲ ራብዓይ ኣራዊት ክትምሰል ዝኸኣለት ብኸመይ ኢያ፧
21 ነዚ ቀጺሉ ዘሎ ምዕባለታት ርኣዮ። ሮማዊ ጀነራል ጁልየስ ቄሳር ንብሪጣንያ ብ55 ቅ.ኣ.ዘ. እንተ ወረራ እኳ ቀዋሚ ዝዀነ መንበሪ ግን ክገብር ኣይከኣለን። ብ43 ቅ.ኣ.ዘ. ሃጸይ ቅላውዴዎስ ብደቡባዊ ወገን ብሪጣንያ ዝያዳ ነባሪ ዝዀነ ዓወት ረኸበ። ድሕርዚ ብ122 ከ.ኣ.ዘ. ሃጸይ ሃድርያን ካብ ርባ ታይን ጀሚሩ ክሳብ ሶልወይ ፊርዝ መንደቕ ነደቐ: እዚ ድማ ሰሜናዊ ዶብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ኰነ። ኣብ መጀመርታ ናይ ሓሙሻይ ዘመን ከኣ ወተሃደራት ሮሜ ካብታ ደሴት ወጹ። ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ኣብ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ዘመን እንግሊዝ ክሳዕ ክንድቲ ሓያል ኣይነበረትን። እቲ ዝነበራ ሃብቲ ምስ ናይ ኔዘርላንድስ ክወዳደር ከሎ ውሑድ ኢዩ ነይሩ። ህዝባ ካብ ናይ ፈረንሳ ኣዝዩ ዝውሕድ ነበረ። ሰራዊታ (ንሓይሊ ባሕሪ እውን ሓዊስካ) ክንዲ ናይ ስጳኛ ኣይከውንን ኢዩ ነይሩ።” ኣብቲ ግዜ እቲ ብሪጣንያ ብዙሕ ግምት ዝወሃባ መንግስቲ ኣይኰነትን ነይራ: በዚ ኸኣ ነታ ንእሽቶ ቐርኒ ናይቲ ራብዓይ ኣራዊት ተመልክት። እዚ ግን ክልወጥ ነበሮ።
22. (ሀ) እታ “ንእሽቶ” ቐርኒ ነየኖት ካልኦት ሰለስተ ኣቕርንቲ ናይቲ ራብዓይ ኣራዊት ኢያ ዘዋረደቶም፧ (ለ) ድሕርዚ ብሪጣንያ ከም እንታይ ኰይና ተቐልቀለት፧
22 ፊሊፕ ካልኣይ ናይ ስጳኛ ብ1588 ኣንጻር ብሪጣንያ ብመራኽብ ውግእ መጥቃዕቲ ኲናት ከፈተ። እዘን ልዕሊ 24,000 ዝዀኑ ሰባት ዝጸዓና 130 መራኽብ ውግእ ናብ ኢንግሊሽ ቻነል ገጸን ኣምርሓ። እንተዀነ ግን: ብሓይሊ ባሕሪ ብሪጣንያ ተሳዒረን ግዳይ ናይቲ ኣንጻረን ዝነፍስ ዝነበረ ንፋስን ካብ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ዝመጸ ብርቱዕ ማዕበልን ካብ ምዃን ሓሊፈን ዝገበርኦ ኣይነበረን። ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ ብዛዕባ እዚ ፍጻመ እዚ ክገልጽ ከሎ “እቲ ስጳኛ ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ዝነበራ ጸብለልትነት ብእንግሊዝ ከም እተመንዝዐት ዝሕብር ኢዩ ነይሩ” በለ። ኣብ መበል 17 ዘመን ዳች ናይ ዓለም ዝዓበየ ትካል መራኽብ ንግዲ ኣቘመት። ይኹን እምበር: ብሪጣንያ እናዓበየ ዝኸይድ ናይ ወጻኢ ሃገራት ግዝኣት ስለ ዝነበራ ንዳች ዓብለለታ። ኣብ መበል 18 ዘመን ብሪጣንያን ፈረንሳን ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ህንድን ተዋግኣ። እዚ ኸኣ ናብቲ ብ1763 እተገብረ ናይ ፓሪስ ስምምዕ ኣምርሐ። ዊልያም ቢ. ዊልኮስ እተባህለ ጸሓፊ እቲ ስምምዕ “ብሪጣንያ ካብ ኣውሮጳ ወጻኢ ኣብ ዘሎ ሃገራት ጸብለልትነት ከም ዘርኣየት ኣፍልጦ ሃበ” በለ። ብሪጣንያ ብ1815 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ልዕሊ ናፖልዮን ናይ ፈረንሳ ዓቢ ዓወት ምስ ረኸበት ልዕልነታ ተረጋገጸ። ስለዚ ብሪጣንያ ‘ዘዋረደተን ሰለስተ ነገስታት’ ስጳኛ: ኔዘርላንድስ: ከምኡውን ፈረንሳ ኢየን። (ዳንኤል 7:24) ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ብሪጣንያ ንኻልኦት ሃገራት ብምግዛእን ብንግድን ሓይሊ ዓለም ኰይና ተቐልቀለት። እወ: እታ “ንእሽቶ” ቐርኒ ሓይሊ ዓለም ኰይና ዓበየት!
23. እታ ምሳልያዊት ንእሽቶ ቐርኒ ‘ንዅላ ምድሪ ዝወሓጠታ’ ብኸመይ ኢያ፧
23 እቲ መልኣኽ ንዳንኤል እቲ ራብዓይ ኣራዊት ወይ ራብዐይቲ መንግስቲ ‘ንዅላ ምድሪ ኽትውሕጣ’ ምዃና ነገሮ። (ዳንኤል 7:23) እታ ኣብ ግዝኣት ሮሜ ዝነበረት ብሪጣንያ ተባሂላ እትፍለጥ ሃገር ከምዚ ምንባራ ኣረጋጊጻ ኢያ። ቀስ እናበለት ሃጸያዊ ግዝኣት ብሪጣንያ ኰነት: ‘ንዅላ ምድሪ ኸኣ ወሓጠታ።’ እዛ ሃጸያዊት ገዛኢት እዚኣ ኣብ ሓደ እዋን ንርብዒ ምድርን ንርብዒ ህዝቢ ዓለምን ትገዝእ ነበረት።
24. ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ ብዛዕባ ፍሉይነት ሃጸያዊ ግዝኣት ብሪጣንያ እንታይ ኢዩ ዝበለ፧
24 ልክዕ ከምቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ካብተን ቅድሚኣ ዝነበራ ሓይልታት ዓለም ፍልይቲ ዝነበረት: እቲ በታ “ንእሽቶ” ቐርኒ ተመሲሉ ዘሎ ንጉስ እውን “ካብቶም ቀዳሞት በይኑ . . . ዓይነቱ” ክኸውን ነበሮ። (ዳንኤል 7:24) ብዛዕባ ሃጸያዊ ግዝኣት ብሪጣንያ ጸሓፍ ታሪኽ ኤች. ጂ. ዌልስ ከምዚ በለ:- “ከምኣ ዝበለ ቅድሚኣ ፈጺሙ ኣይነበረን። ሕምብርቲ ናይ ብምሉኡ እቲ ስርዓት እቲ ‘ብንጉስ ዝምራሕ ረፓብሊክ’ ሕቡራት መንግስታት ብሪጣንያ ኢዩ። . . . ንብምልኡ ሃጸያዊ ግዝኣት ብሪጣንያ ክርድኦ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ምምሕዳራዊ ቤት ጽሕፈት ወይ ሰብ ኣይነበረን። ካብተን ቅድሚኡ ሃጸያዊ ግዝኣት ተባሂለን ዝጽውዓ ዝነበራ ፈጺሙ እተፈልየ ዕቤትን ምትእኽኻብን ዝነበሮ ኢዩ።”
25. (ሀ) በቲ ዳሕራይ እተራእየ ለውጥታት መሰረት እታ ምሳልያዊት ንእሽቶ ቐርኒ ብመን ኢያ ዝቘመት፧ (ለ) እታ “ንእሽቶ” ቐርኒ “ዓይኒ ሰብ ዚመስል ዓይንን ዓብዪ ነገር ዚዛረብ ኣፍን” ዝነበራ ብኸመይ ኢያ፧
25 እታ “ንእሽቶ” ቐርኒ ግን ንሃጸያዊ ግዝኣት ብሪጣንያ ጥራይ ኣይኰነትን እተመልክት። ብ1783 ብሪጣንያ ነተን ኣብ ትሕቲኣ ዝግዝኣ ዝነበራ 13 ሃገራት ኣመሪካ ናጽነት ሃበተን። ቀስ እናበለት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሽርካ ብሪጣንያ ኰነት: ካብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ጀሚሩ ኸኣ ናይ ምድሪ ዓብላሊት ሃገር ኰነት። ገና ድማ ምስ ብሪጣንያ ድልዱል ርክብ ኣለዋ። በዚ ኸኣ እታ ድርብ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ እታ ‘ዓይኒ ዘለዋ ቀርኒ’ ተባሂላ ዘላ ኢያ። ብርግጽ ድማ እዛ ሓይሊ ዓለም እዚኣ ጥንቅቕትን ትኵርትን ኢያ! ንዝዓበየ ክፋል ዓለም ዝኸውን ፖሊሲታት ብምሕንጻጽን ከም ኣፍ ወይ ‘ነብዪ ሓሶት’ ኰይና ብምግልጋልን ከኣ ‘ዓበይቲ ነገራት ትዛረብ።’—ዳንኤል 7:8, 11, 20፣ ራእይ 16:13፣ 19:20
እታ ንእሽቶ ቐርኒ ንኣምላኽን ነቶም ቅዱሳንን ትጻረር
26. እቲ መልኣኽ እታ ምሳልያዊት ቀርኒ ብዛዕባ የሆዋ ከምኡውን ኣገልገልቱ እትዛረቦን እትገብሮን ነገር እንታይ ኢዩ ዝበለ፧
26 ዳንኤል ብዛዕባ እቲ ዝረኣዮ ራእይ ቀጺሉ “እታ ቐርኒ ምስቶም ቅዱሳን ክትዋጋእን ክትስዕሮምን ከላ ርኤኹ” ይብል። (ዳንኤል 7:21) እቲ መልኣኽ ብዛዕባ እዛ “ቐርኒ” ወይ እቲ ንጉስ ከምዚ ኢሉ ይንበ:- “ኣብቲ ልዑል ከኣ ናይ ትዕቢት ቃል ኪዛረብ: ነቶም ናይ ልዑል ቅዱሳን ድማ ኬጽንቶም [“ከበሳብሶም:” NW ]: ዘመናትን ሕጋጋትን ኪልውጥ ከኣ ኪሕልን እዩ: ንሳቶምውን ክሳዕ ዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን ኣብ ኢዱ ኺውሀቡ እዮም።” (ዳንኤል 7:25) እዚ ትንቢት እዚ ብኸመይን መዓስን ኢዩ እተፈጸመ፧
27. (ሀ) እታ “ንእሽቶ” ቐርኒ ስደት እተውርደሎም “ቅዱሳን” መን ኢዮም፧ (ለ) እታ ምሳልያዊት ቐርኒ ‘ዘመናትን ሕጋጋትን ክትልውጥ’ ዝሃቀነት ብኸመይ ኢያ፧
27 እታ “ንእሽቶ” ቐርኒ ተባሂላ ዘላ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ ስደት እተውርደሎም “ቅዱሳን” እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ብመንፈስ እተቐብኡ ሰዓብቲ የሱስ ኢዮም። (ሮሜ 1:7፣ 1 ጴጥሮስ 2:9) እዞም ተረፍ ናይቶም ቅቡኣት ቀዳማይ ውግእ ዓለም ቅድሚ ምጅማሩ ንዓመታት ዝኣክል 1914 መወዳእታ “ዘመናት ኣህዛብ” ከም ዝዀነት ብግልጺ የጠንቅቑ ነይሮም ኢዮም። (ሉቃስ 21:24) ኣብታ ዓመት እቲኣ ውግእ ምስ ጀመረ እታ “ንእሽቶ” ቐርኒ ነቲ መጠንቀቕታ ግዲ ከም ዘይገበረትሉ ግልጺ ነበረ: ከመይሲ ነቶም “ቅዱሳን” ምብስባስ ቀጺላ ኢያ። ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ ነቲ ብስራት እታ መንግስቲ ብመሰኻኽሩ ኣብ መላእ ዓለም ክስበኽ ምዃኑ ዝነግር የሆዋ ዘውጽኦ ስርዓት (ወይ “ሕጊ”) ንምፍጻም ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ተጻሪራቶም ኢያ። (ማቴዎስ 24:14) ስለዚ ኸኣ እታ “ንእሽቶ” ቐርኒ ‘ዘመናትን ሕጋጋትን ክትልውጥ’ ፈቲና ኢያ።
28. እተን “ዘመንን: ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን” ክንደይ ኢየን፧
28 መልኣኽ የሆዋ “ዘመንን: ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን” ዝብል ትንቢታዊ ግዜ ጠቒሱ ኣሎ። እዚ ክንደይ ኢዩ ንውሓቱ፧ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባት ዝህቡ ሰባት እዚ መግለጺ እዚ ሰለስተ ዘመንን ፈረቓን ማለት ድምር ናይ ሓደ ዘመን: ክልተ ዘመናት: ከምኡውን ፍርቂ ዘመን ምዃኑ ብሓፈሻ ይሰማምዕሉ ኢዮም። እተን ነቡካድነጻር ጽሉል ኰይኑለን ዝነበራ “ሾብዓተ ግዝያት [ወይ ዘመናት]” ሸውዓተ ዓመት ኢየን: ስለዚ እዘን ሰለስተ ዘመንን ፈረቓን እውን ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ኢየን።c (ዳንኤል 4:16, 25) ኣን ኣመሪካን ትራንስለሽን (እንግሊዝኛ) “ንዓመትን: ክልተ ዓመትን: መንፈቕን ኣብ ኢዱ ክወሃቡ ኢዮም” ይብል። ናይ ጄምስ ሞፋት ናይ እንግሊዝኛ ትርጕም ከኣ “ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን” ይብል። ኣብ ራእይ 11:2-7 እውን ተመሳሳሊ ዝዀነ ናይ ግዜ ንውሓት ተጠቒሱ ኣሎ። እቶም መሰኻኽር ኣምላኽ ወጮ ተኸዲኖም ን42 ኣዋርሕ ወይ ን1,260 መዓልትታት ክሰብኩ ምዃኖም: ድሕሪኡ ድማ ከም ዝቕተሉ ይገልጽ። እዚ ናይ ግዜ ንውሓት እዚ መዓስ ጀሚሩ መዓስ ኢዩ ዝውድእ፧
29. እተን ትንቢታውያን ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን መዓስን ብኸመይ ኢየን ዝጀመራ፧
29 ነቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ቀዳማይ ውግእ ዓለም ግዜ ፈተና ኢዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ናይ 1914 ስደት ክወርዶም ይጽበዩ ነይሮም ኢዮም። አረ: እታ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “እታ ኣነ ዝሰትያ ጽዋእ ክትሰትዩኸ ትኽእሉዶ፧” ኢሉ ዝሓተቶም ሕቶ ኢያ ናይ 1915 ዓመታዊት ጥቕሲ ክትከውን እተመርጸት። እታ ጥቕሲ ኣብ ማቴዎስ 20:22 እተመስረተት ኰይና: ካብቲ ኪንግ ጄምስ ቨርሽን ዝበሃል ናይ እንግሊዝኛ ትርጕም እተወስደት ኢያ ነይራ። ስለዚ ኸኣ እቶም ሒደት ዝቝጽሮም ጕጅለ መሰኻኽር ካብ ታሕሳስ 1914 ጀሚሮም “ወጮ” ተኸዲኖም ክሰብኩ ጀመሩ።
30. ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ ነቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዘበሳበሰቶም ብኸመይ ኢያ፧
30 ጽልዋ ውግእ እናበርትዐ ምስ ከደ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት እዚ ዘይበሃል ምጽራር ከጋጥሞም ጀመረ። ገሊኦም ተኣስሩ። ከምቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነበረ ፍራንክ ፕላት ከምኡውን ኣብ ካናዳ ዝነበረ ሮበርት ክሌግ ዝኣመሰሉ ኣሕዋት ብጨካናት ሰበ-ስልጣን ተሳቕዮም ኢዮም። ብ12 ለካቲት 1918 እታ ናይ ብሪጣንያ ግዝኣት ዝነበረት ካናዳ ነታ ሽዑ እተሓትመት ዘ ፊኒሽድ ሚስትሪ ዘርእስታ ናይ እንግሊዝኛ ሻውዐይቲ ጥራዝ ናይታ ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፐቸርስ ከምኡውን ዘ ባይብል ስቱደንትስ ማንዝሊ ዘርእስታ ናይ እንግሊዝኛ ትራክት ኣገደተን። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ወርሒ ኸኣ እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክፍሊ ፍትሒ: ነታ ሻውዐይቲ ጥራዝ ንኻልኦት ሰባት ምዕዳል ዘይሕጋዊ ምዃኑ ገለጸ። እቲ ውጽኢትከ፧ ኣባይቲ ተጐርጐረ: ጽሑፋት ተሃገረ: ኣምለኽቲ የሆዋ ኸኣ ተኣስሩ!
31. እተን “ዘመንን: ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን” መዓስን ብኸመይን ኢየን እተወድኣ፧
31 እቲ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፕረዚደንት ዝነበረ ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ ከምኡውን ካልኦት ፍሉጣት ኣባላት ናይ ማሕበር ብ21 ሰነ 1918 ብናይ ሓሶት ክሲ ንነዊሕ ግዜ ክእሰሩ ምስ ተፈርዱ እቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ ኣምላኽ ቅቡኣት ዝወርድ ዝነበረ ስደት ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ በጽሐ። እታ “ንእሽቶ” ቐርኒ ‘ዘመናትን ሕጋጋትን ክትልውጥ’ ብምህቃን ነቲ ጥርኑፍ ዝነበረ ዕዮ ስብከት ቀተለቶ። (ራእይ 11:7) ስለዚ ኸኣ እቲ ኣቐዲሙ ተነጊሩ ዝነበረ “ዘመንን: ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን” ብሰነ 1918 ተወድአ።
32. እቶም “ቅዱሳን” በታ “ንእሽቶ” ቐርኒ ተጸሪጎም ኣይጠፍኡን እትብል ስለምንታይ ኢኻ፧
32 እንተዀነ ግን: እቶም “ቅዱሳን” እታ “ንእሽቶ” ቐርኒ ብዘውረደትሎም ስደት ተጸሪጎም ኣይጠፍኡን። ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ተገሊጹ ዘሎ: እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ንሓጺር እዋን ከም ምዉታት ኰይኖም ድሕሪ ምጽናሕ እንደገና ህያዋንን ንጡፋትን ኰኑ። (ራእይ 11:11-13) ብ26 መጋቢት 1919 እቲ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፕረዚደንት ከምኡውን መሳርሕቱ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈትሑ: ጸኒሖም ከኣ ካብቲ ተኸሲሶምሉ ዝነበሩ ናይ ሓሶት ክሲ ናጻ ኰኑ። ድሕርዚ እቶም ቅቡኣት ተረፍ ብኡንብኡ ንዝሰፍሐ ዕዮ እንደገና ክጥርነፉ ጀመሩ። ይኹን እምበር: ነታ “ንእሽቶ” ቐርኒ እንታይ ይጽበያ ነበረ፧
እቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ኣብ መንበር ፍርዲ ይቕመጥ
33. (ሀ) እቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ መን ኢዩ፧ (ለ) ኣብቲ ሰማያዊ መጋባእያ ‘እተገንጸለ መጻሕፍቲ’ እንታይ ኢዩ፧
33 ዳንኤል ብዛዕባ እቲ ራብዓይ ኣራዊት ምስ ተዛረበ አዒንቱ ካብቲ ራብዓይ ኣራዊት ናብቲ ኣብ ሰማይ ዝነበረ ትርኢት የተኵራ። እቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ከም ፈራዲ ኰይኑ ኣብቲ ዘንጸባርቕ ዝፋኑ ክቕመጥ ከሎ ይርእዮ። እዚ ጥንታዊ ዝመዓልቱ የሆዋ ኣምላኽ እንተዘይኰይኑ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። (መዝሙር 90:2) ዳንኤል ኣብ ምጅማር እቲ ሰማያዊ መጋባእያ ‘መጻሕፍቲ ክግንጸል’ ከሎ ይርኢ። (ዳንኤል 7:9, 10) ህላወ የሆዋ መጀመርታ ስለ ዘይብሉ ንዅሉ ታሪኽ ወድሰብ ልክዕ ኣብ መጽሓፍ ከም እተጻሕፈ ገይሩ ይፈልጦ ኢዩ። ንኣርባዕቲኦም ምሳልያውያን ኣራዊት ስለ እተዓዘቦም ከምቲ ዓይኑ ዝረኣየቶ ገይሩ ንዅሎም ክፈርዶም ይኽእል ኢዩ።
34, 35. ነታ “ንእሽቶ” ቐርንን ካልኦት ኣራዊትን እንታይ ኢዩ ከጋጥሞም፧
34 ዳንኤል ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “ሽዑ ኣነ ብዛዕባ እቲ ቐርኒ እተዛረቦ ድምጺ ዓበይቲ ቓላት ጠመትኩ። እቲ ኣራዊት ክሳዕ ዚቕተል ጠመትኩ: ስጋኡ ጠፍኤ: ምእንቲ ኺነድድ ከኣ ንሓዊ ተዋህበ። ካብቶም ዝተረፉ ኣራዊት ድማ ግዝኣቶም ተወስደ: ምናሕ ህይወት ግና ንዘመንን ንውሱን ጊዜን ተወሰኸሎም።” (ዳንኤል 7:11, 12) እቲ መልኣኽ ንዳንኤል “ግናኸ ፍርዲ ኪኸውን: ብጥራስ ኪጸንትን ኪጠፍእን ከኣ: ግዝኣቱ ኻብኡ ኺውሰድ እዩ” ኢሉ ይነግሮ።—ዳንኤል 7:26
35 እቲ ዝዓበየ ፈራዲ የሆዋ ኣምላኽ ብዝሃቦ ፍርዲ መሰረት እታ ንኣምላኽ ዝጸረፈት: ነቶም “ቅዱሳን” ከኣ ዘበሳበሰት ቀርኒ ከምቲ ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ዘሳጐገ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዘጋጠሞ ከጋጥማ ኢዩ። ግዝኣታ ኣይክቕጽልን ኢዩ። እቶም ካብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዝወጹ ብቐርኒ ተመሲሎም ዘለዉ “ነገስታት” እውን ኣይክቕጽሉን ኢዮም። ካብቶም ኣቐዲምና ዝረኣናዮም ከም ኣራዊት ተመሲሎም ዘለዉ ሓይልታት ዝወጸ ግዝኣትከ እንታይ ኢዩ ክኸውን፧ ከምቲ ኣቐዲሙ እተነግረ ህይወቶም “ንዘመንን ንውሱን ጊዜን” ተናዊሕሎም ኢዩ። ግዝኣቶም ሰብ ዝነብረሉ ኰይኑ ክሳዕ እዚ ግዜ እዚ ቀጺሉ ኢዩ። ንኣብነት: ዒራቕ ነቲ ጥንታዊት ባቢሎን ዝነበረትሉ ቦታታት ሒዛ ኣላ። ፋርስ (ኢራን) ከምኡውን ግሪኽ ክሳዕ ሕጂ ኣለዋ። ተረፍ መረፍ ናይተን ሓይሊ ዓለም ዝነበራ ሃገራት ሕጂ ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ኢየን። እታ ናይ መወዳእታ ሓይሊ ዓለም ክትጠፍእ ከላ እዘን መንግስታት እዚኣተን እውን ምስኣ ክጠፍኣ ኢየን። ኣብታ ‘ዓባይ መዓልቲ ውግእ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ’ ኵለን ሰብኣውያን መንግስታት ክምንቈሳ ኢየን። (ራእይ 16:14, 16) ድሕሪኡኸ ንዓለም መን ኢዩ ክገዝኣ፧
ነባሪ ግዝኣት ቀሪቡ ኢዩ!
36, 37. (ሀ) እቲ “ወዲ ሰብ ዚመስል” ንመን ኢዩ ዘመልክት: መዓስን ንምንታይ ዕላማንከ ኢዩ ኣብ ሰማያዊ መጋባእያ እተቐልቀለ፧ (ለ) ብ1914 ከ.ኣ.ዘ. እንታይ ቈመ፧
36 ዳንኤል ዓው ኢሉ ከምዚ ይብል:- “ብራእያት ለይቲ እጥምት ነበርኩ: እንሆ ኸኣ: ወዲ ሰብ ዚመስል ብደበና ሰማይ ይመጽእ ነበረ: ናብቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ በጽሔ: ናብ ቅድሚኡውን ኣቕረብዎ።” (ዳንኤል 7:13) የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ንገዛእ ርእሱ “ወዲ ሰብ” ኢሉ ጸውዓ: እዚ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ክነግስ ምዃኑ ዘርኢ ኢዩ። (ማቴዎስ 16:13፣ 25:31) የሱስ ነቶም ኣባላት ሳንሄድሪን ወይ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ “ወዲ ሰብ: ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ: ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኽትርእዩ ኢኹም” በሎም። (ማቴዎስ 26:64) ስለዚ ኣብቲ ዳንኤል ዝረኣዮ ራእይ: እቲ ብዓይኒ ሰብ ክርአ ብዘይክእል መገዲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ዝቐረበ እቲ ዝተንሰአን ክብሪ ዝለበሰን የሱስ ክርስቶስ ኢዩ። እዚ መዓስ ኢዩ ኰይኑ፧
37 ኣምላኽ ልክዕ ከምቲ ምስ ንጉስ ዳዊት ዝገበሮ ምስ የሱስ ክርስቶስ እውን ናይ መንግስቲ ኪዳን ገበረ። (2 ሳሙኤል 7:11-16፣ ሉቃስ 22:28-30) እተን ምዱባት “ዘመናት ኣህዛብ” ብ1914 ከ.ኣ.ዘ. ምስ ተወድኣ: የሱስ ክርስቶስ ከም ወራስ ዳዊት መጠን ግዝኣት መንግስቲ ክቕበል ግቡእ ኢዩ ነይሩ። እቲ ናይ ዳንኤል ትንቢታዊ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኬገልግልዎስ: ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተዋህቦ። ግዝኣቱ ዘይሐልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ: መንግስቱውን ከቶ ኣይክትጠፍእን እያ።” (ዳንኤል 7:14) ስለዚ ኸኣ እታ መሲሓዊት መንግስቲ ብ1914 ኣብ ሰማይ ቈመት። ይኹን እምበር: እቲ ናይ ምግዛእ መሰል ንኻልኦት እውን ተዋሂቡ ኢዩ።
38, 39. ኣብ ልዕሊ ምድሪ ነባሪ ዝዀነ ናይ ምግዛእ መሰል ዝቕበል መን ኢዩ፧
38 እቲ መልኣኽ “እቶም ናይ ልዑል ቅዱሳን ግና ነታ መንግስቲ ኪቕበልዋ እዮም” ኢሉ ኣሎ። (ዳንኤል 7:18, 22, 27) የሱስ ክርስቶስ እቲ ዝለዓለ ቅዱስ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 3:14፣ 4:27, 30) እቶም ኣብ ምግዛእ ዝካፈሉ ካልኦት “ቅዱሳን” እቶም ምስ ክርስቶስ ኣብታ መንግስቲ ዝወርሱ ብመንፈስ እተቐብኡ እሙናት 144,000 ኢዮም። (ሮሜ 1:7፣ 8:17፣ 2 ተሰሎንቄ 1:5፣ 1 ጴጥሮስ 2:9) ኣብታ ሰማያዊት ከረን ጽዮን ምስ ክርስቶስ ምእንቲ ክነግሱ ዘይሞቱ መንፈሳውያን ኣካላት ኰይኖም ካብ ሞት ክትንስኡ ኢዮም። (ራእይ 2:10፣ 14:1፣ 20:6) ስለዚ ኸኣ የሱስ ክርስቶስን እቶም ካብ ሞት ዝትንስኡ ቅቡኣት ክርስትያናትን ንደቅሰብ ክገዝኡ ኢዮም።
39 እቲ መልኣኽ ብዛዕባ ግዝኣት ወዲ ኣምላኽን እቶም ካብ ምዉታት ዝተንስኡ ካልኦት ‘ቅዱሳንን’ ከምዚ በለ:- “እቲ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ዘሎ መንግስትን ግዝኣትን ዕቤት መንግስትታትን ነቲ ናይ ልዑል ህዝቢ ቅዱሳን ኪውሀብ እዩ። መንግስቱ ናይ ዘለኣለም መንግስቲ እያ: ብዘለዉ ግዝኣታት ድማ ኬገልግልዋን ኪእዘዝዋን እዮም።” (ዳንኤል 7:27) እቶም እዙዛት ደቅሰብ ኣብ ትሕቲ እዛ መንግስቲ እዚኣ ኣየ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢዮም ክረኽቡ!
40. ነቲ ናይ ዳንኤል ሕልምን ራእይን ምስ እነቕልበሉ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧
40 ዳንኤል ብዛዕባ ፍጻሜ እቲ ኣምላኽ ዘርኣዮ ዘደንቕ ትርኢታት ኣይፈልጥን ኢዩ ነይሩ። ከምዚ በለ:- “ኣብዚ እዩ መወዳእታ እዚ ነገር። ኣነ ዳንኤል ሓሳባተይ ኣዝዩ ኣጨነቐኒ: ገጸይ ተለወጠኒ: ነቲ ነገር ከኣ ኣብ ልበይ ዐቘርክዎ።” (ዳንኤል 7:28) ንሕና ግን ፍጻሜ ናይቲ ዳንኤል ዝረኣዮ ነገራት ክንርዳኣሉ ኣብ እንኽእል ግዜ ኢና ዘሎና። ነዚ ትንቢት እዚ ምስ እነቕልበሉ እምነትና ትጸንዕ: እቲ ናይ የሆዋ መሲሓዊ ንጉስ ንዓለም ከም ዝገዝኣ ዘሎና ምርዳእ ኸኣ ይድልድል።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ነቲ ሓሳብ ንምንጻርን ምድግጋም ምእንቲ ከይህሉን: ነቲ ኣብ ዳንኤል 7:15-28 ዘሎ መግለጺ ናይቲ ራእይ ምስቲ ኣብ ዳንኤል 7:1-14 ዘሎ ኣተሓሒዝና በብቝጽሪ ገይርና ክንገልጾ ኢና።
b ምዕራፍ 4 ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ርአ።
c ምዕራፍ 6 ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ርአ።
እንታይ ኣስተውዒልካ፧
• እቶም ‘ካብ ባሕሪ ዝወጹ ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት’ ነፍሲ ወከፎም ንምንታይ ኢዮም ዘመልክቱ፧
• እታ “ንእሽቶ” ቐርኒ ብመን ዝቘመት ኢያ፧
• እታ ምሳልያዊት ንእሽቶ ቐርኒ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ነቶም “ቅዱሳን” ዘበሳበሰቶም ብኸመይ ኢያ፧
• ነታ ምሳልያዊት ንእሽቶ ቐርንን ነቶም ካልኦት ብኣራዊት እተመሰሉ ሓይልታትን እንታይ ኢዩ ከጋጥሞም፧
• ነቲ ዳንኤል ብዛዕባ እቶም “ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት” ዝረኣዮ ሕልምን ራእይን ስለ ዘቕለብካሉ እንታይ ተጠቒምካ፧
[ኣብ ገጽ 149-152 ዘሎ ስእልታት/ሳጹን]
ተጻዋርነት ዝነበሮ ንጉስ
ኣብ ሓሙሻይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ግሪኻዊ ጸሓፊ እቲ ንጉስ ተጻዋርን ኣብነት ክኸውን ዝኽእልን ምንባሩ ይጠቅስ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ቅቡእ’ ኣምላኽ ከምኡውን ካብ “ምብራቕ” ዝመጽእ ‘ኣሞራ’ ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (ኢሳይያስ 45:1፣ 46:11) እዚ ንጉስ እዚ እቲ ፋርሳዊ ቂሮስ ዓቢ ኢዩ።
ቂሮስ ንኣቡኡ ካምባይሲ ቀዳማይ ተኪኡ ኣብታ ኣብ ጥንታዊት ፋርስ ዝነበረት ኣንሻን እትበሃል ከተማ ወይ ኣውራጃ አብ ከባቢ 560/559 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ዝፋን ምስ ደየበ ህቡብ ክኸውን ጀመረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣንሻን ኣብ ትሕቲ ንጉስ ኣስትያጀስ ሜዶናዊ ኰይና ናይ ገዛእ ርእሳ ምምሕዳር ዝነበራ ከተማ ኢያ ነይራ። ቂሮስ ካብ ሜዶናውያን ዓልዩ ቅልጡፍ ዓወታት ረኸበ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ ንኣስትያጀስ ሰራዊቱ ስለ ዝኸድዕዎ ኢዩ። ድሕርዚ ሜዶናውያን ኣብ ቂሮስ ተወከሉ። ካብኡ ንደሓር ሜዶናውያንን ፋርሳውያንን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ቂሮስ ኰይኖም ሓቢሮም ክዋግኡ ጀመሩ። ስለዚ ኸኣ ግዝኣት ሜዶንን ፋርስን ዝበሃል ኣብ ህላወ መጸ: ጸኒሑ ኸኣ ካብ ባሕሪ ኤጅያን ክሳብ ርባ ኣንደስ ንዘሎ ቦታታት ክቈጻጸር ጀመረ።—ካርታ ርአ።
ቂሮስ ነቶም ጥሙራት ሓይልታት ሜዶንን ፋርስን መሪሑ መጀመርታ ነቲ ኣሸጋሪ ዝነበረ ቦታ ማለት ሊድያዊ ንጉስ ክረይሰስ ናብ ግዝኣት ሜዶን ገጹ ዘስፋሕፍሓሉ ዝነበረ ምዕራባዊ ክፋል ሜዶን ክቈጻጸር ተበገሰ። ኣብ ንእሽቶ እስያ ናብ ምብራቓዊ ዶብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሊድያ ገጹ ብምግስጋስ ንክረይሰስ ሰዓሮ: ነታ ርእሲ ኸተማ ገይሩ ዝጥቀመላ ዝነበረ ሳርዴስ ከኣ ተቘጻጸራ። ድሕርዚ ቂሮስ ንኸተማታት ኣዮን ኣንበርከኸን: ንብምልእታ ንእሽቶ እስያ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ሜዶንን ፋርስን ኣእተዋ። ካብኡ ንድሓር ቀንዲ ተቐናቓኒ ባቢሎንን ንጉሳ ናቦኒደስን ኰነ።
ካብኡ ቀጺሉ ቂሮስ ምስታ ሓያል ዝነበረት ባቢሎን ንኽገጥም ተዳለወ። ካብዚ ግዜ እዚ ጀሚሩ ኸኣ ኣብ ፍጻሜ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ኣተወ። የሆዋ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ ዳርጋ ክልተ ዘመናት ዝኸውን ኣቐዲሙ ቂሮስ ንባቢሎን ከም ዝስዕራ: ንኣይሁዳውያን ከኣ ካብ ባርነት ናጻ ዘውጽኦም ንጉስ ከም ዝኸውን ስሙ ጠቒሱ ነጊሩ ነይሩ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኢዩ ቅዱሳት ጽሑፋት ንቂሮስ ከም ናይ የሆዋ ‘ቅቡእ’ ገይሩ ኣቐዲሙ እተዛረበሉ።—ኢሳይያስ 44:26-28
ቂሮስ ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. ምስ ባቢሎን ክዋጋእ ምስ ወጸ ሓደ ዓቢ ዕማም ኣጋጠሞ። እታ ኸተማ ብዓበይቲ መናድቕ: በቲ ከም ቀጽሪ ኰይኑ ዘገልግል ዓሚቝን ገፊሕን ርባ ኤፍራጥስ ተኸቢባ ብምንባራ ትድፈር ኣይትመስልን ኢያ ነይራ። ኤፍራጥስ ንባቢሎን ብዙርያኣ ክሓልፍ ከሎ ኣብ ደናድሱ ዓበይቲ ናይ ኣስራዚ ኣፍ ደገታት ዘለዎ ኣኽራን ዝመስል መንደቕ ነበሮ። ቂሮስ ንባቢሎን ከመይ ገይሩ ኢዩ ክስዕራ፧
የሆዋ እቲ ኵነታት ቅድሚ ምዃኑ ልዕሊ ሓደ ዘመን ኣቐዲሙ “ደርቂ ኣብ ልዕሊ ማያቶም እዩ: ኪነጽፍ ድማ እዩ” ኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ ኢዩ። (ኤርምያስ 50:38) ከም ፍጻሜ ናይዚ ትንቢት እዚ ኸኣ ቂሮስ ንርባ ኤፍራጥስ ካብ ባቢሎን ሒደት ኪሎ ሜተር ኣለዮ። ድሕርዚ ሰራዊቱ ነቲ ርባ ብእግሮም ሰጊሮም ናብቲ መንደቕ ተጸግዑ: እቲ ናይ ኣስራዚ ኣፍ ደገታት ጋህ ኢሉ ስለ ዝነበረ ኸኣ ናብታ ኸተማ ብቐሊሉ ኣተዉ። ልክዕ ከምቲ ‘ኣሞራ’ ንግዳዩ ዝጎብጦ: እዚ ካብ “ምብራቕ” ዝመጸ መራሒ ኸኣ ንባቢሎን ብሓንቲ ለይቲ ሓዛ!
ነቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ኣይሁድ ዓወት ቂሮስ እቲ ንነዊሕ ግዜ ዝጽበይዎ ዝነበሩ ካብ ባርነት ሓራ ዝወጽሉ ግዜ ከም ዝኣኸለ: እቲ ሃገሮም ን70 ዓመታት ዝባደመትሉ ግዜ ከም እተወድአ ዝሕብር ኢዩ ነይሩ። ቂሮስ ናብ የሩሳሌም ክምለሱን ንቤት መቕደሳ ክሃንጹን ምስ ኣወጀ ክሳዕ ክንደይ ተሓጒሶም ክዀኑ ኣለዎም! ብዘይዚውን ቂሮስ እቲ ነቡካድነጻር ናብ ባቢሎን ዝወሰዶ ክቡር ናይ ቤት መቕደስ ኣቝሑ መለሰሎም: ካብ ሊባኖስ ዕንጨይቲ ከምጽኡ ናይ መንግስቲ ፍቓድ ሃቦም: ክሃንጹ ኸለዉ ንዝገብርዎ ወጻኢታት መሸፈኒ ዝኸውን ገንዘብ ከኣ ካብቲ ናይ መንግስቲ መዝገብ ሃቦም።—እዝራ 1:1-11፣ 6:3-5
ብሓፈሻ ክርአ ኸሎ ቂሮስ ምስቶም ዝማረኾም ሰባት ኣብ ሰብኣውነትን ተጻዋርነትን እተመርኰሰ ርክብ ምግባር ዝብል ፖሊሲ ነበሮ። ከምዚ ከም ዝኸውን ዝገበሮ ሓደ ምኽንያት ሃይማኖቱ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ቂሮስ ንትምህርትታት እቲ ዞሮኣስተር እተባህለ ፋርሳዊ ነብዪ ዝስዕብ: ነቲ ፈጣሪ ናይ ኵሉ ሰናይ ነገራት ከም ዝዀነ ገይርካ ዝሕሰብ ዝነበረ ኣሁሩ ማዝዳ እተባህለ ኣምላኽ ከኣ ዘምልኽ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ፋርሃን ማር ኣብታ ዘ ዞሮኣስተርያን ትራዲሸን እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፉ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ዞሮኣስተር: ኣምላኽ ፍጹም ዝዀነ ስነ-ምግባር ዘለዎ ምዃኑ ኢዩ ዝገልጽ ነይሩ። ንሰባት ከኣ ኣሁሩ ማዝዳ ፈዳይ ሕነ ዘይኰነስ ፍትሓዊ ምዃኑ: ስለዚ ኸኣ ክፍራህ ዘይኰነስ ክፍቀር ዘለዎ ምዃኑ ይነግሮም ነበረ።” ቂሮስ ኣብ ሓደ ስነ-ምግባር ዘለዎን ፍትሓውን ዝብሎ ጣኦት ይኣምን ብምንባሩ ነቲ ዝነበሮ ስነ-ምግባር ጸልይዎ: ዕጉስን ፍትሓውን ንኽኸውን ከኣ ኣተባቢዕዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ይኹን እምበር: እቲ ንጉስ ነቲ ኣብ ባቢሎን ዝነበረ ኵነታት ኣየር ክጻወሮ ኣይከኣለን። ነቲ ኣብ እዋን ሓጋይ ዝነበረ ሙቐት ክጻወሮ ኣይከኣለን። ስለዚ ኸኣ ባቢሎን ቤተ-መንግስቲ ናይ ሃጸያዊ ግዝኣቱ ዝርከባ: ሕምብርቲ ሃይማኖታውን ባህላውን ነገራት እኳ እንተ ነበረት: ኣብ ግዜ ክረምቲ ጥራይ ኢዩ ዝጥቀመላ ነይሩ። አረ ንባቢሎን ምስ ሰዓራ ነዊሕ ከይጸንሐ ቂሮስ ናብታ ኣብ ግዜ ሓጋይ ዝቕመጠላ ዝነበረት ቀንዲ ኸተማ: ኣሕመታ: ከይዱ ኢዩ። ኣሕመታ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ 1,900 ሜትሮ ኣብ ዘለዎ እግሪ ከረን ኣልዋንድ ትርከብ ነበረት። ኣብዛ ኸተማ እዚኣ እቲ ናይ ክረምቲ ዛሕሊ ምስቲ ናይ ሓጋይ ዋዒ ተመጣጣኒ ብምንባሩ ይሰማምዖ ነይሩ ኢዩ። ቂሮስ ኣብታ ቅድም ርእሲ ኸተማ ገይሩ ዝጥቀመላ ዝነበረ ካብ ኣሕመታ 650 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ፓሳርጌዲ (ጥቓ ፐርሴፖሊስ) እውን ዓብን ምዕሩግን ቤተ-መንግስቲ ሰሪሑ ኢዩ። እቲ ኣብኡ ዝነበሮ መንበሪ ንዕኡ ከም መዕረፍን መዕቘብን ኢዩ ነይሩ።
ስለዚ ኸኣ ቂሮስ ከም ሓደ ጐብለልን ተጻዋርነት ዝነበሮን ንጉስ ኰይኑ ኢዩ ዝዝከር። እቲ ናይ 30 ዓመታት ግዝኣቱ ብ530 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ወተሃደራዊ ወፍሪ ምስ ሞተ ተወድአ። ወዱ ካምባየሲስ ካልኣይ ከኣ ንዕኡ ተኪኡ ኣብ ዝፋን ደየበ።
እንታይ ኣስተውዒልካ፧
• ቂሮስ ፋርሳዊ ‘ቅቡእ’ የሆዋ ምዃኑ ብኸመይ ኢዩ ዘረጋገጸ፧
• ቂሮስ እንታይ ንህዝቢ የሆዋ ዝምልከት ኣገዳሲ ዕዮ ኢዩ ዝገበረ፧
• ቂሮስ ነቶም ዝማርኾም ዝነበረ ህዝብታት ከመይ ገይሩ ይሕዞም ነበረ፧
[ካርታ]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
ሃጸያዊ ግዝኣት ሜዶንን ፋርስን
ማሴዶንያ
ሞፍ
ግብጺ
ኢትዮጵያ
የሩሳሌም
ባቢሎን
ኣሕመታ
ሹሻ
ፐርሴፖሊስ
ህንዲ
[ስእሊ]
ኣብ ፓሳርጌዲ ዘሎ መቓብር ቂሮስ
[ስእሊ]
ኣብ ፓሳርጌዲ ዘሎ ምስሊ ቂሮስ
[ኣብ ገጽ 153-161 ዘሎ ስእልታት/ሳጹን]
ሓደ መንእሰይ ንጉስ ንዓለም ይቈጻጸራ
ገለ 2,300 ዓመታት ይገብር ሓደ ኣብ ዕድመ 20ታት ዝነበረ ወርቃዊ ዝጸጕሩ ወተሃደራዊ ጀነራል ኣብ ገማግም ባሕሪ ሜዲተራንያን ተንስአ። ኣዒንቱ ናብታ ካብኡ ሓደ ኪሎ ሜተር ዝኸውን ርሒቓ ዝነበረት ደሴት ኣተኰራ። ናብኣ ምእታው ስለ እተኸልከለ እዚ ተቘጢዑ ዝነበረ ጀነራል እዚ ነታ ኸተማ ክወራ ወሰነ። እቲ ናይ ምጥቃዕ ውጥኑ ከመይ ነበረ፧ ናብታ ደሴት ዘእቱ መገዲ ምስራሕን ሰራዊቱ ነታ ኸተማ ንኸጥቅዑ ምድላውን ኢዩ ነይሩ። ምስራሕ ናይቲ መገዲ ኸኣ ጀመረ።
እንተዀነ ግን: ካብ ንጉስ ሃጸያዊ ግዝኣት ፋርስ ዝመጾ መልእኽቲ ነቲ መንእሰይ ጀነራል ካብ ስርሑ ኣጐናደቦ። ንጉስ ፋርስ ሰላም ክገብር ዓሚቝ ድሌት ስለ ዝነበሮ ብዙሕ ገንዘብ ማለት 10,000 ታለንት ወርቂ (በዚ ሕጂ ዘሎ ዋጋ ልዕሊ ክልተ ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ): ሓንቲ ካብ ደቂ ንጉስ ብመውስቦ ክትወሃብ: ንብምሉእ ምዕራባዊ ሸነኽ ሃጸያዊ ግዝኣት ፋርስ ከኣ ክህቦ ሓሳብ ኣቕረበሉ። እዚ ዅሉ እቲ ጀነራል ማሪኽዎም ንዝነበሩ ስድራቤት ንጉስ ንምምላስ ዝቐረበ ህያብ ኢዩ ነይሩ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ህያብ ናይ ምቕባልን ምንጻግን ምርጫ ዝቐረበሉ ኣለክሳንደር ሳልሳይ ንጉስ ማሴዶንያ ኢዩ። ክቕበሎ ድዩ፧ ጸሓፍ ታሪኽ ኣልሪክ ቪልከን ከምዚ ይብል:- “መጻኢ ናይታ ጥንታዊት ዓለም ዝውስን ኢዩ ነይሩ። ሳዕቤን ናይቲ ዝገበሮ ምርጫ ካብ ማእከላይ መዋእል ክሳዕ ኣብዚ ግዜና ኣብ ምብራቕ ይኹን ኣብ ምዕራብ ተራእዩ ኢዩ።” መልሲ ኣለክሳንደር ቅድሚ ምርኣይና: ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ህሞት ዘምርሐ ነገራት ንርአ።
ናብ ዓወት ምብጻሕ
ኣለክሳንደር ብ356 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ፔላ: ማሴዶንያ: ኢዩ ተወሊዱ። ኣቡኡ ንጉስ ፊሊፕ ካልኣይ ክኸውን ከሎ ኣዲኡ ኸኣ ኦሊምፕያስ ኢያ። ንወዳ ኸኣ ነገስታት ማሴዶንያ ካብ ዘርኢ ሄርኩለስ: ወዲ እቲ ዜስ ዝበሃል ግሪኻዊ ኣምላኽ: ከም ዝመጹ ገይራ ማሃረቶ። ከም ኣበሃህላ ኦሊምፕያስ እቲ ኣብታ ሆሜር ዝጸሓፋ ኤልያድ ዘርእስታ ግጥሚ ዘሎ ኣኪላስ ዝበሃል ጐብለል ንኣለክሳንደር ኣባሓጎኡ ኢዩ። ሰዓርን ንጉስን ክኸውን ከም ዝኽእል ገይሮም ወለዱ ስለ ዝቐረጽዎ ኣለክሳንደር ኣብ ካልእ ዓውድታት ትምህርቲ ብዙሕ ተገዳስነት ኣይነበሮን። ኣለክሳንደር ኣብቲ ናይ ኦሎምፒክ ጸወታታት ክወዳደር እንተዀይኑ ምስ ተሓተ: ነገስታት ዝወዳደሩ እንተድኣ ኰይኖም ጥራይ ከም ዝወዳደር መለሰ። ካብ ናይ ኣቡኡ ዝዓቢ ተግባራት ንምፍጻም: በቲ ዝረኽቦ ዓወታት ከኣ ክቡር ንምዃን ኢዩ ዝብህግ ነይሩ።
ወዲ 13 ዓመት ከሎ በቲ ግሪኻዊ ፈላስፋ ኣሪስቶትል ንዝወሃቦ ዝነበረ ትምህርቲ ባህ ኢልዎ ይቕበሎ ነበረ፣ ኣብ ፍልስፍና: ሕክምና: ከምኡውን ስነ-ፍልጠት ከም ዘድህብ ድማ ገበሮ። እቲ ናይ ኣሪስቶትል ፍልስፍናዊ ትምህርቲ ንኣተሓሳስባ ኣለክሳንደር ክሳዕ ክንደይ ከም ዝጸለዎ ዝሕብር ርግጽ ዝዀነ ነገር የለን። እቲ ኣብ መበል 20 ዘመን ዝነበረ በርትራንድ ራስል ዝበሃል ፈላስፋ ከምዚ ይብል:- “ክልቲኦም ኣብ ብዙሕ ነገራት ኣይሰማምዑን ኢዮም ነይሮም ምባል ዝሓሸ ይመስል። እቲ ናይ ኣሪስቶትል ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ኣብቲ ኣብ ግሪኽ ብዙሕ ተቐባልነት ዘይብሉ እናዀነ ዝኸይድ ዝነበረ ናይ ከተማ ርእሰ ምምሕዳር ኣገባብ እተሞርኰሰ ኢዩ ነይሩ።” ነቲ ዓቢ እተመሓደረ ሃጸያዊ ግዝኣት ክምስርት ብርቱዕ ባህጊ ዝነበሮ መስፍን: ከተማ ዘለዋ ንእሽቶ ርእሰ ምምሕዳር ምምስራት ዝብል ሓሳብ ተቐባልነት ኣይነበሮን። ነቲ ግሪኻውያን ዘይኰኑ ከም ባሮት ክረኣዩ ኣለዎም ዝብል ናይ ኣሪስቶትል ሓሳብ እውን ኣለክሳንደር ኣይኣምነሉን ነይሩ ክኸውን ኣለዎ: ከመይሲ ኣብ መንጎ እቶም ሰዓርትን ተሰዓርትን እናለምለመ ዝኸይድ ሽርክነት ዘለዎ ሃጸያዊ ግዝኣት ናይ ምምስራት ሕልሚ ኢዩ ነይርዎ።
ይኹን እምበር: ኣሪስቶትል ንኣለክሳንደር ንኸንብብን ክጽሕፍን ባህጊ ከም ዘለዓዓለሉ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኣለክሳንደር ኣብ ብምልኡ ህይወቱ ንፉዕ ኣንባቢ ኢዩ ነይሩ: ንጽሑፋት ሆሜር ከኣ ፍሉይ ፍቕሪ ነበሮ። ነቲ 15,693 መስመራት ዝነበሮ ኤልያድ ዘርእስቱ ግጥሚ ብቓሉ ከም ዝሸምደዶ ኢዩ ዝፍለጥ።
እቲ ወዲ 16 ዓመት ዝነበረ መስፍን ኣቡኡ ክገይሽ ከሎ ንማሴዶንያ ንምምሕዳር ናብ ፔላ ምስ ከደ እቲ ናይ ኣሪስቶትል ትምህርቲ ብ340 ቅ.ኣ.ዘ. ብሃንደበት ኣቋረጸ። እቲ ክነግስ ዝነበሮ መስፍን ምስ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ንኽላለ ብዙሕ ግዜ ኣይወሰደሉን። እቶም መዲ ዝበሃሉ ዓሌት ዝረይስ ኣንጻር እቲ ንጉስ ምስ ዓለዉ ቀልጢፉ ኣጥፍኦም: ነታ ቀንዲ ከተማኦም ብቕጽበት ወረራ: ነቲ ቦታ ኸኣ ብስሙ ኣለክሳንድሮፖሊስ ኢሉ ጸውዖ። እዚ ኸኣ ንኣቡኡ ፊሊፕ ኣዝዩ ኣሐጐሶ።
ዓወቱ ይጅምር
ፊሊፕ ብ336 ቅ.ኣ.ዘ. ምስ ተቐትለ እቲ ወዲ 20 ዓመት ዝነበረ ኣለክሳንደር ኣብ ዝፋን ማሴዶንያ ደየበ። ኣብ ጽድያ ናይ 334 ቅ.ኣ.ዘ. ብሄለስፖንት (ሕጂ ዳርድነልስ) ኣቢሉ ናብ እስያ ብምእታው 30,000 ኣጋርን 5,000 ፈረሰኛታትን ዝኸውን ውሑድ ግን ከኣ ኣድማዒ ሰራዊት ሒዙ ክወርር ጀመረ። ምስ ሰራዊቱ ሓቢሮም ዝጓዓዙ ኢንጅነራት: ጆሜትራታት: ነደፍቲ: ሊቃውንቲ: ከምኡውን ጸሓፍቲ ታሪኽ ነይሮም ኢዮም።
ኣለክሳንደር ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ንእሽቶ እስያ (ሕጂ ቱርኪ) ዝርከብ ርባ ግራኒከስ ኣብ ዝገበሮ ውግእ ኣብ ልዕሊ ፋርሳውያን ናይ መጀመርታ ዓወት ተጐናጸፈ። ኣብቲ ክረምቲ እቲ ንምዕራባዊ ወገን ንእሽቶ እስያ ተቘጻጸሮ። ኣብቲ ቀጺሉ ዝነበረ ቀውዒ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ንእሽቶ እስያ ኣብ ኢሰስ ኣንጻር ፋርሳውያን ካልኣይን ወሳንን ኲናት ተኻየደ። እቲ ውሩይ ንጉስ ፋርሳውያን ዳርዮስ ሳልሳይ ዳርጋ ፍርቂ ሚልዮን ዝኸውን ሰራዊት ኣኽቲቱ ምስ ኣለክሳንደር ክዋጋእ ወጸ። እቲ ካብ መጠን ንላዕሊ ኣብ ርእሱ ተኣማሚኑ ዝነበረ ዳርዮስ ነቲ ዘደንቕ ዓወት ክኸውን ኢዩ ኢሉ ዝሓሰቦ ንኽዕዘቡ ንኣዲኡ: ሰበይቱ: ከምኡውን ካልኦት ኣባላት ስድራቤቱ ሒዝዎም ኣብቲ ኲናት ዝግበረሉ ቦታ ወጸ። ፋርሳውያን ግን ነቲ ካብ ማሴዶናውያን ክወርዶም ዝኽእል ሃንደበታውን ጻዕቂ ዘለዎን መጥቃዕቲ ኣይተዳለዉን ነበሩ። ሓይልታት ኣለክሳንደር ንሰራዊት ፋርስ ብዘሕፍር መገዲ ሰዓርዎም: ዳርዮስ ከኣ ንስድራቤቱ ኣብ ኢድ ኣለክሳንደር ራሕርሒዎም ሃደመ።
ኣለክሳንደር ነቶም ዝሃደሙ ፋርሳውያን ኣብ ክንዲ ዝስዕቦም ናብ ገማግም ሜዲተራንያን ንደቡብ ገጹ ኸደ: ነቲ እተን ሓያላት መራኽብ ውግእ ፋርስ ጠጠው ዝብላሉ መዓስከር ከኣ ተቘጻጸሮ። እታ ደሴት ዝነበረት ከተማ ጢሮስ ግን ነቲ ወራር ተኸላኸለቶ። ኣለክሳንደር ግን ኣብ ትሕቲኡ ንኸእትዋ ቈሪጹ ብምንባሩ ንሸውዓተ ኣዋርሕ ዝኣክል ከበባ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ግዜ ኸኣ ኢዩ እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቐሰ ናይ ዳርዮስ ናይ ሰላም ህያብ ንኣለክሳንደር ዝቐረበሉ። እቲ ዝቐረበ ህያብ ኣዝዩ ዘወናውን ብምንባሩ እቲ እሙን ኣማኻሪ ኣለክሳንደር ዝነበረ ፓርሜኖ ‘ኣነ ኣለክሳንደር ነይረ እንተ ዝኸውን ምተቐበልክዎ ነይረ’ በለ። እቲ መንእሰይ ጀነራል ግን ‘ኣነ እውን ፓርሜኖ ነይረ እንተ ዝኸውን ምተቐበልክዎ ነይረ’ በለ። ኣለክሳንደር ነቲ ዝቐረበሉ ስምምዕ ነጺጉ ከበባኡ ቀጸለ: ኣብ ሓምለ 332 ቅ.ኣ.ዘ. ኸኣ ነታ ዕብይቲ ንግስቲ ባሕሪ ዝነበረት ቂሮስ ኣጥፍኣ።
ኣለክሳንደር ነታ ባዕላ ኢዳ ዝሃበት የሩሳሌም ገዲፉ ንደቡብ ገጹ ብምኻድ ንጋዛ ኣብ ትሕቲኡ ገበራ። እታ ብግዝኣት ፋርስ መሪርዋ ዝነበረት ግብጺ ኸኣ ንኣለክሳንደር ከም መድሓኒ ሓንጎፋይ ኢላ ተቐበለቶ። ነቶም ናይ ግብጻውያን ካህናት ንምሕጓስ ከኣ ኣብ ሞፍ ነቲ ኣፒስ ቡል ዝበሃል ኣምላኽ መስዋእቲ ኣቕረበ። ነታ ክሳዕ ሕጂ ብስሙ እትጽዋዕ ዘላ ከተማ ኣለክሳንድርያ እውን ሃነጻ። ጸኒሓ እዛ ኸተማ እዚኣ ማእከል ትምህርቲ ንምዃን ምስ ኣቴንስ ትወዳደር ነበረት።
ድሕርዚ ኣለክሳንደር ናብ ሰሜናዊ ምብራቕ ገጹ ኣቕንዐ: ብጳለስጢንያ ኣቢሉ ኸኣ ናብ ርባ ጢግረስ ከደ። ኣብ 331 ቅ.ኣ.ዘ. ኸኣ ምስ ፋርሳውያን ኣብ ጎገሚላ: ካብታ ዑና ዀይና ዝነበረት ነነዌ ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ: ሳልሳይ ወሳኒ ዝዀነ ውግእ ኣካየደ። ኣብዚ ኸኣ እቶም 47,000 ዝዀኑ ወተሃደራት ኣለክሳንደር ነቶም እንደገና ተወዲቦም ዝመጹ ብውሑዱ 250,000 ዝዀኑ ሰራዊት ፋርስ ሰዓርዎም! ዳርዮስ ሃደመ: ጸኒሑ ኸኣ ብህዝቡ ተቐትለ።
ኣለክሳንደር በቲ ዝረኽቦ ዝነበረ ዓወታት ተበራቲዑ ናብ ደቡብ ገጹ ኸደ: ነታ ፋርሳውያን ኣብ ግዜ ክረምቲ ከም ርእሲ ኸተማ ዝጥቀሙላ ዝነበሩ ባቢሎን ከኣ ተቘጻጸራ። ነተን ርእሲ ኸተማታት ዝነበራ ሹሻን ፐርሴፓሊስን እውን ተቘጻጸረን: በዚ ኸኣ ነቲ ኣዝዩ ብዙሕ ዝነበረ መዛግብቲ ፋርስ ገበቶ: ነቲ ዓቢ ቤተ-መንግስቲ ናይ ዘክሲዝ ከኣ ብሓዊ ኣንደዶ። ኣብ መወዳእታ ከተማ ኣሕመታ ኣብ ኢዱ ወደቐት። እዚ ቅልጡፍ ወራሪ እዚ ነቲ ዝተረፈ ግዝኣት ፋርስ እውን ተቘጻጸሮ: ንምብራቕ ገጹ ብምኻድ ድማ ክሳዕ እቲ ዘመናዊት ፓኪስታን እትርከበሉ ርባ ኣንደስ በጽሐ።
ኣለክሳንደር ምስ ሰራዊቱ ንርባ ኣንደስ ክሰግር ከሎ: ኣብቲ ምስታ ግዝኣት ፋርስ ዝነበረት ታክሲላ ዘዋስን ዶብ ሓደ ፖራስ እተባህለ ሓያል ህንዳዊ ንጉስ ኣጋጠሞ። ኣብ ሰነ 326 ቅ.ኣ.ዘ. ኣለክሳንደር ኣንጻር እዚ ንጉስ እዚ ራብዓይን ናይ መወዳእታን ወሳኒ ውግእ ኣካየደ። ፖራስ 35,000 ሰራዊትን ንኣፍራስ ማሴዶናውያን ዘርዓዱ 200 ሓራምዝን ነበርዎ። እቲ ኲናት ሓያልን ደማውን እኳ እንተነበረ ሓይልታት ኣለክሳንደር ተጻወርዎ። ፖራስ ተሳዕረ: ሽርካ ኣለክሳንደር ድማ ዀነ።
ሰራዊት ማሴዶንያ ናብ እስያ ካብ ዝሰግሩ ልዕሊ ሸሞንተ ዓመታት ምስ ገበሩ እቶም ወተሃደራት ድኻም ክስምዖምን ዓዶም ክናፍቑን ጀመሩ። በቲ ምስ ፖራስ ዝገበርዎ ኲናት ሕልንኦም ዓሪብዎም ስለ ዝነበረ ንዓዶም ክምለሱ ደለዩ። ኣለክሳንደር ኣብ መጀመርታ ተጠራጢሩ እኳ እንተ ነበረ ደሓር ግን ድሌቶም ፈጸመሎም። ግሪኽ ከኣ ሓይሊ ዓለም ኰነት። እተን እተሳዕራ ሃገራት ኣብ ትሕቲ ግሪኽ ኰና: ኣብ ብምሉእ እቲ ግዝኣት ከኣ ቋንቋን ባህልን ግሪኽ ኣስፋሕፍሐ።
ብድሕሪ እቲ ዋልታ ዝነበረ ሰብኣይ
ኣብቲ ናይ ወራር ዓመታት ንሰራዊት ማሴዶንያ ጠሚሩ ሒዝዎም ዝነበረ ሓይሊ ባህርይ ኣለክሳንደር ኢዩ። ኣለክሳንደር ድሕሪ ኲናት ናብቶም ቍሱላት ከይዱ ማህሰይቶም ናይ ምርኣይ: ንወተሃደራት በቲ ዝገበርዎ ናይ ምንኣድ: ከምኡውን ብመሰረት እቲ ዝፈጸምዎ ጅግንነት ናይ ምሽላም ልምዲ ነበሮ። ነቶም ኣብ ኲናት ዝወደቑ ኸኣ ክቡር ስነ-ስርዓት ቀብሪ ይግበረሎም ነበረ። ወለድን ደቅን ናይቶም ዝሞቱ ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ግብርን ኣገልግሎትን ናጻ ነበሩ። ድሕሪ ኲናት ነቶም ወተሃደራት ንምዝንጋዕ ጸወታን ውድድራትን የካይድ ነበረ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ነቶም ኣብ ቀረባ ግዜ እተመርዓዉ ግዜ ሓጋይ ምስ ኣንስቶም ኣብ ማሴዶንያ ከሕልፍዎ ፍቓድ ይህቦም ነይሩ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ሰራዊቱ ከም ዝፈትውዎን ዘድንቕዎን ገበሮም።
እቲ ታሪኽ ህይወት ሰባት ዝጽሕፍ ግሪኻዊ ፕሉታርክ: ኣለክሳንደር ንጓል ባክትርያ ንግስቲ ሮክሳና ምምርዓዉ ኣመልኪቱ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ብሓቂ ኣብ ፍቕሪ እተመስረተ መርዓ እኳ እንተ ነበረ [ንኣለክሳንደር] ዕላምኡ ንምፍጻም እውን ዘኽእሎ ኢዩ ነይሩ። ነቶም እተሳዕሩ ሰባት ካብ መንጎኦም ሰበይቲ ምምራጹ ባህ ኣበሎም። ንመጀመርታ ግዜ ብፍቕሪ ተታሒዙ ክነሱ ክሳዕ ብሕጋውን ወግዓውን መገዲ ዝምርዓዋ ምስኣ ምንም ጾታዊ ርክብ ዘይምፍጻሙ ኣዝዮም ከም ዘፍቅርዎ ገበሮም።”
ኣለክሳንደር ሓዳር ካልኦት ሰባት እውን የኽብር ነይሩ ኢዩ። ሰበይቲ ዳርዮስ ምርኽቲ እኳ እንተ ነበረት ብኽብረት ከም እትተሓዝ ገበረ። ክልተ ማሴዶናውያን ወተሃደራት ንወጻእተኛታት ኣንስቲ ብሕማቕ ከም ዝሓዝወን ምስ ሰምዐ ገበነኛታት ኰይኖም እንተድኣ ተረኺቦም ክቕተሉ ኣዘዘ።
ኣለክሳንደር ልክዕ ከም ኣዲኡ ኦሊምፕያስ ኣዝዩ ሃይማኖታዊ ኢዩ ነይሩ። ናብ ኲናት ቅድሚ ምውፋሩን ምስ ተመልሰን መስዋእቲ የቕርብ: ብዛዕባ ትርጕም ናይ ገለ ፋላት ከኣ ንጠንቈልቲ ይሓትት ነበረ። ካብቲ ኣብ ሊብያ ዝነበረ ኦራክል ኣሞን እውን ምኽሪ ይሓትት ነይሩ ኢዩ። ኣብ ባቢሎን ድማ ነቲ ንመስዋእቲ: ብፍላይ ከኣ ነቲ ቤል (ማርዱክ) ዝበሃል ናይ ባቢሎናውያን ኣምላኽ ምስዋእ: ዝምልከት መምርሒ ከለዳውያን ይፍጽም ነበረ።
ኣለክሳንደር መግቢ ኣብ ምብላዕ ሚዛናዊ እኳ እንተነበረ: ደሓር ግን መስተ ከብዝሕ ጀመረ። ወይኒ ክሰቲ ኸሎ ነዊሕ ይምድር: ብዛዕባ ዓወታቱ ኸኣ ምንያት ጀመረ። ኣለክሳንደር ሰኺሩ ነቲ ዓርኩ ዝነበረ ክሊተስ ምቕታሉ ሓደ ካብቲ ዝኸፍአ ተግባራቱ ኢዩ። ኣለክሳንደር ግን ርእሱ ዝዅንን ሰብ ብምንባሩ መግብን መስተን ከይጠዓመ ንሰለስተ መዓልቲ ዝኣክል ኣብ ዓራት ቀነየ። ኣብ መወዳእታ ግን ኣዕሩኽቱ ክበልዕ ከም ዘለዎ ኣእመንዎ።
ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ እቲ ኣለክሳንደር ንኽብሪ ዝነበሮ ባህጊ ካልእ ዘየድሊ ባህርያት ከም ዘንጸባርቕ ገበሮ። ንናይ ሓሶት ክስታት ክኣምንን ከቢድ መቕጻዕቲ ክህብን ጀመረ። ንኣብነት: ፊሎተስ ክቐትሎ ከም ዝሓሰበ ምስ ተነግሮ ንዕኡን ነቲ ትውክልቲ ዝገብረሉ ዝነበረ ኣማኻሪኡ ፓርሜኖ ኣቡኡን ቀተሎም።
ውድቀት ኣለክሳንደር
ኣለክሳንደር ናብ ባቢሎን ምስ ተመልሰ ብዙሕ ከይጸንሐ ዓሶ ምስ ሓዞ ክሓዊ ኣይከኣለን። ብ13 ሰነ 323 ቅ.ኣ.ዘ. 32 ዓመትን 8 ኣዋርሕን ጥራይ ምስ ገበረ ኸኣ ኣብ ኢድ እቲ ፈጺሙ ዘይሰዓር ጸላኢ ማለት ሞት ወደቐ።
ከምቲ ገለ ናይ ህንዲ ጥበበኛታት ዝበልዎ ኣጋጠሞ:- “ዎ ንጉስ ኣለክሳንደር: ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብዚ ደው ኢልናሉ ዘሎና መሬት እተሰርሐ ኢዩ፣ ንስኻ ኸኣ ከም ካልእ ሰብ ክነስኻ ኣዚኻ ንጡፍን መዕለበጥን: ካብ ዓድኻ ወጺእካ ኣብ ርሑቕ ቦታታት ኰለል ትብል: ንገዛእ ርእስኻ ተጨኒቕካ ንኻልኦት እውን ተጨንቕ ኣሎኻ። ነዊሕ ከይጸናሕካ ግን ክትመውት ኢኻ: ክትቅበር ከሎኻ ኸኣ እኹል ሓመድ ክትለብስ ኢኻ።”
እንታይ ኣስተውዒልካ፧
• መበቈል ኣለክሳንደር ዓቢ ከመይ ኢዩ፧
• ኣለክሳንደር ኣብ ዝፋን ማሴዶንያ ምስ ደየበ: ነዊሕ ከይጸንሐ ከመይ ዝበለ ወፍሪ ኢዩ ዝጀመረ፧
• ገለ ካብቲ ኣለክሳንደር ዝጨበጦ ዓወታት ግለጽ።
• ብዛዕባ ባህርያት ኣለክሳንደር እንታይ ክበሃል ይከኣል፧
[ካርታ]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
ኣለክሳንደር እተቘጻጸሮ ቦታታት
ማሴዶንያ
ግብጺ
ባቢሎን
ርባ ኣንደስ
[ስእሊ]
ኣለክሳንደር
[ስእሊ]
ኣሪስቶትልን ተማሃራዩ ኣለክሳንደርን
[ምሉእ ስእሊ ይርከብ]
[ስእሊ]
ናይ ኣለክሳንደር ምስሊ ኢዩ ዝበሃል ሜዳልያ
[ኣብ ገጽ 162, 163 ዘሎ ስእልታት/ሳጹን]
ሓንቲ ዓባይ መንግስቲ ትመቓቐል
መጽሓፍ ቅዱስ መንግስቲ ኣለክሳንደር ዓቢ ክትስበርን ክትመቓቐልን ምዃና ‘ንዘርኡ ግን ከም ዘይኰነት’ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ኢዩ። (ዳንኤል 11:3, 4) በዚ መሰረት እዚ ኣለክሳንደር ብሃንደበት ኣብ 323 ቅ.ኣ.ዘ. ምስ ሞተ ኣብ ውሽጢ 14 ዓመታት እቲ ሕጋዊ ወዱ ኣለክሳንደር ራብዓይን ዘይሕጋዊ ወዱ ሄራክለስን ተቐትሉ።
ኣብ 301 ቅ.ኣ.ዘ. ኸኣ እቶም ኣለክሳንደር ዝሸሞም ኣርባዕተ ጀነራላት ኣብ ልዕሊ እቲ ኣዛዚኦም ዝሃነጾ ዓቢ ሃጸያዊ ግዝኣት ክገዝኡ ጀመሩ። ጀነራል ካሳንደር ንማሴዶንያን ግሪኽን: ጀነራል ላይሰሚከስ ንእሽቶ እስያን ዝረይስን: ሴሉከስ ቀዳማይ ኔክተር ንመሰጶጣምያን ሶርያን: ቶሎሜ ላጉስ ወይ ቶሎሜ ቀዳማይ ከኣ ንግብጽን ጳለስጢናን ክገዝኡ ጀመሩ። ስለዚ ካብታ ዓባይ ናይ ኣለክሳንደር መንግስቲ ኣርባዕተ ሄለናውያን ወይ ናይ ግሪኽ መንግስታት ተንስኣ።
ካብተን ኣርባዕተ ናይ ግሪኽ መንግስታት ናይ ካሳንደር ግዝኣት ንሓጺር ግዜ ጥራይ ኢዩ ጸኒሑ። ካሳንደር ናብ ስልጣን ምስ ደየበ ድሕሪ ቍሩብ ዓመታት እቲ ክትክኦ ዝኽእል ዝነበረ ወዱ ሞተ: ስለዚ ኸኣ ብ285 ቅ.ኣ.ዘ. ላይሰሚከስ ነቲ ኣብ ኣውሮጳ ዝነበረ ሃጸያዊ ግዝኣት ግሪኽ ተቘጻጸሮ። ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ላይሰሚከስ ብሰራዊት ሴሉከስ ቀዳማይ ኔክተር ኣብ ኲናት ተቐትለ: ሴሉከስ ከኣ ነቲ ኣብ እስያ ዝነበረ ቀንዲ ክፋል ሃጸያዊ ግዝኣት ግሪኽ ተቘጻጸሮ። ሴሉከስ ድማ ካብቶም ኣብ ሶርያ ዝገዝኡ ካብ መስመር ሴሉሲድ ዝነበሩ ነገስታት እቲ ቐዳማይ ኰነ። ኣብ ሶርያ ንኣንጾክያ ሃኒጹ ሓዳስ ርእሲ ኸተማኡ ገበራ። ብ281 ቅ.ኣ.ዘ. ሴሉከስ ተቐትለ: እቲ ንሱ ዝመስረቶ ስርወ-ንግስነት ግን ክሳዕ እቲ ሮማዊ ጀነራል ፖምፒ ንሶርያ ብ64 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ትሕቲ ሮሜ ዝገብራ ጸንሐ።
ካብቶም ኣርባዕተ ክፋላት ሃጸያዊ ግዝኣት ኣለክሳንደር ዝነውሐ ዝጸንሐ ናይ ቶሎሜ መንግስቲ ኢዩ። ቶሎሜ ቀዳማይ ብ305 ቅ.ኣ.ዘ. ኢዩ ንጉስ ዝብል መዓርግ ተቐቢሉ: ካብቶም ናይ ማሴዶንያ ነገስታት ወይ ፈርኦናት ግብጺ ናይ መጀመርታ ኸኣ ኰነ። ንኣለክሳንድርያ ርእሲ ኸተማኡ ብምግባር ከኣ ንገጠራት ናይ ምምዕባል ፕሮግራም ጀመረ። ሓደ ካብቲ ንሱ ዝገበሮ ዝዓበየ ፕሮጀክትታት ህንጻ እቲ ውሩይ ዝዀነ ናይ ኣለክሳንድርያ ቤተ-መጻሕፍቲ ኢዩ። ቶሎሜ ነዚ ዓቢ ፕሮጀክት እዚ ዘካይድ ሓደ ዴማትሪዩስ ፋለርዩ ዝበሃል ፍሉጥ ምሁር ወዲ ኣቴንስ: ግሪኽ: ኣምጽአ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. እቲ ቤተ-መጻሕፍቲ ሓደ ሚልዮን ዝኸውን ጥቕላላት ሒዙ ነበረ። ናይ ቶሎሜ ስርወ-ንግስነት ክሳዕ እቲ ግብጺ ብ30 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ኢድ ሮሜ ዝወደቐትሉ ግዜ ቀጸለ። ድሕርዚ ሮሜ ኣብ ዓለም ዓብላሊት ሓይሊ ብምዃን ንግሪኽ ተክኣታ።
እንታይ ኣስተውዒልካ፧
• እቲ ዓቢ ሃጸያዊ ግዝኣት ኣለክሳንደር እተመቓቐለ ብኸመይ ኢዩ፧
• እቶም ካብ መስመር ሴሉሲድ ዝነበሩ ነገስታት ክሳዕ መዓስ ኢዮም ኣብ ሶርያ ዝገዝኡ ዝነበሩ፧
• እቲ ኣብ ግብጺ ዝነበረ ናይ ቶሎሜ መንግስቲ መዓስ ኢዩ ዘቋረጸ፧
[ካርታ]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
ምምቕቓል ሃጸያዊ ግዝኣት ኣለክሳንደር
ካሳንደር
ላይሰሚከስ
ቶሎሜ ቀዳማይ
ሴሉከስ ቀዳማይ
[ስእሊ]
ቶሎሜ ቀዳማይ
ሴሉከስ ቀዳማይ
[ስእሊ/ኣብ ገጽ 139 ዘሎ ስእሊ]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
ኣብ ትንቢት ዳንኤል ዘለዉ ሓይልታት ዓለም
እቲ ዓቢ ምስሊ (ዳንኤል 2:31-45)
ካብ ባሕሪ ዝወጹ ኣርባዕተ ኣራዊት (ዳንኤል 7:3-8, 17, 25)
ባቢሎን ካብ 607 ቅ.ኣ.ዘ. ጀሚሩ
ሜዶንን ፋርስን ካብ 539 ቅ.ኣ.ዘ. ጀሚሩ
ግሪኽ ካብ 331 ቅ.ኣ.ዘ. ጀሚሩ
ሮሜ ካብ 30 ቅ.ኣ.ዘ. ጀሚሩ
ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ ካብ 1763 ከ.ኣ.ዘ. ጀሚሩ
ብፖለቲካ እተመቓቐለት ዓለም ኣብ ዘመን መወዳእታ
[ኣብ ገጽ 128፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]
[ኣብ ገጽ 147፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]