ምዕራፍ ሓሙሽተ
እምነቶም ከቢድ ፈተና ኣሕሊፋ
1. ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እቲ ንኣምላኽን ንሃገሮምን ዘለዎም ተወፋይነት ከመይ ይስምዖም፧
ንመን ኢኻ ክትውፈ ዘሎካ፧ ንኣምላኽዶ ወይስ ነታ እትነብረላ ሃገር፧ ብዙሓት ሰባት ከምዚ ዝስዕብ ኢሎም ይምልሱ:- ‘ንኽልቲኦም አኽብሮም ኢየ። ንኣምላኽ ብመሰረት መምርሒ ሃይማኖተይ አምልኾ፣ ንሃገረይ ከኣ እቲ ዘድልያ ነገር እኸፍለላ።’
2. ንጉስ ባቢሎን ሃይማኖታውን ፖለቲከኛን ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ፧
2 ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ኣብ መንጎ ሃይማኖታዊ ተወፋይነትን ሃገራዊ ስምዒትን ዘሎ ፍልልይ ዝሃሰሰ ኢዩ ዝመስል። ኣብ ጥንታዊት ባቢሎን ግን ብሱሩ ፍልልይ ኣይነበሮን። እቲ ስቪላውን መንፈሳውን ጕዳያት ኣዝዩ እተተሓሓዘ ብምንባሩ ሓድሓደ ግዜ ክትፈልዮ ዘይከኣል ኢዩ ነይሩ። ፕሮፌሰር ቻርለስ ኤፍ. ፊፈር ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:- “ኣብ ጥንታዊት ባቢሎን እቲ ንጉስ ሊቀ-ኻህንን ሲቪላዊ መራሕን ኰይኑ ኢዩ ዘገልግል ነይሩ። መስዋእትታት የቕርብ: ሃይማኖታዊ ናብራ ናይ ተገዛእቱ ኸኣ ይውስን ነበረ።”
3. ነቡካድነጻር ኣዝዩ ሃይማኖታዊ ምንባሩ ዘርእየና እንታይ ኢዩ፧
3 ነቡካድነጻር ዝገብሮ ዝነበረ ነገራት ርአ። ስሙ “ዎ ኔቦ ነቲ ወራሲ ተኸላኸለሉ!” ማለት ኢዩ። ኔቦ ናይ ባቢሎናውያን ኣምላኽ ጥበብን ሕርሻን ኢዩ። ነቡካድነጻር ኣዝዩ ሃይማኖታዊ ኢዩ ነይሩ። ከምቲ ኣቐዲምና ርኢናዮ ዝነበርና: ንእተፈላለዩ ኣማልኽቲ ባቢሎን ኣብያተ-መቕደስ ይሰርሕን ነቲ ዝነበረ የጸባብቕን ነበረ። ብፍላይ ነቲ ምንጪ ናይ ኵሉ ወተሃደራዊ ዓወታቱ ገይሩ ዝርእዮ ዝነበረ ማርዱክ እተወፈየ ኢዩ ነይሩ።a ነቡካድነጻር ንወተሃደራዊ ወፍርታቱ ክዳሎ ኸሎ ኣብ ጥንቈላ ኣጸቢቑ ዝምርኰስ ዝነበረ ኢዩ ዝመስል።—ህዝቅኤል 21:18-23
4. ነቲ ናይ ባቢሎን ሃይማኖታዊ ሃዋሁ ግለጾ።
4 ኣብ መላእ ባቢሎን ብሓቂ ሃይማኖታዊ ሃዋሁ ነይሩ ኢዩ። እታ ኸተማ ልዕሊ 50 ኣብያተ-መቕደስ ከም ዝነበራ ኢዩ ዝንገር። ነቲ ብኣኑ (ኣምላኽ ሰማይ): ኤንሊ (ኣምላኽ ምድሪ: ኣየር: ንፋስ): ከምኡውን ኣ (ኣምላኽ ማይ) ዝቘመ ስሉስ ኣማልኽቲ ወሲኽካ ብዙሓት ተባዕትዮን ኣንስትዮን ኣማልኽቲ ነይሮም ኢዮም። ካልእ ስሉስ ኣማልኽቲ ድማ ብሲን (ኣምላኽ ወርሒ): ሻማሽ (ኣምላኽ ጸሓይ): ከምኡውን ኢሽታር (ኣንስተይቲ ኣምላኽ መፍረ) ዝቘመ ኢዩ። ኣብ ናይ ባቢሎናውያን ኣምልኾ ስራይ: ጥንቈላ: ከምኡውን ምቝጻር ከዋኽብቲ ዓቢ ግደ ነበሮ።
5. እቲ ናይ ባቢሎን ሃይማኖታዊ ኵነታት ነቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን እንታይ ብድሆ ኢዩ ዘምጽኣሎም፧
5 ነቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ኣብ መንጎ እቶም ብዙሓት ኣማልኽቲ ዘምልኹ ሰባት ምንባር ዓቢ ብድሆ ኰይንዎም ነይሩ ኢዩ። ዘመናት ኣቐዲሙ ሙሴ ንእስራኤላውያን ኣንጻር እቲ ወሃብ ሕጎም ዝዀነ ልዑል እንተድኣ ከይዶም ሕማቕ ከም ዘስዕበሎም ኣጠንቂቕዎም ነበረ። ከምዚ በሎም:- “እግዚኣብሄር ንኣኻን ነቲ ኣብ ልዕሌኻ እተንግሶ ንጉስካን ንስኻን ኣቦታትካን ናብ ዘይትፈልጥዎ ህዝቢ ኺሰደካ እዩ: ኣብኡ ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ: ንዕንጨይትን ንእምንን: ከተምልኽ ኢኻ።”—ዘዳግም 28:15, 36
6. ንዳንኤል: ሃናንያ: ሚሻኤል: ከምኡውን ኣዛርያ ኣብ ባቢሎን ምንባር ፍልይ ዝበለ ብድሆ ዝዀኖም ስለምንታይ ኢዩ፧
6 ኣይሁዳውያን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ኢዮም ነይሮም። ብፍላይ ንዳንኤል: ሃናንያ: ሚሻኤል: ከምኡውን ኣዛርያ ንየሆዋ ዘለዎም ንጽህና ክሕልዉ ከቢድ ኢዩ ነይሩ። እዞም ኣርባዕተ መንእሰያት እብራውያን እዚኣቶም ናይ መንግስቲ ኣመሓደርቲ ንኽዀኑ ልምምድ ክወሃቦም ተመሪጾም ነበሩ። (ዳንኤል 1:3-5) ምስቲ ሓድሽ ሃዋሁ ምእንቲ ክወሃሃዱ ኢሎም ናይ ባቢሎናውያን ኣስማት—ቤልጥሻጽር: ሲድራቅ: ሚሳቅ: ከምኡውን ዓብድ-ኔጎ—ከም እተዋህቦም እውን ኣይትረስዕ።b በቲ ዝነበሮም ዝለዓለ ሓላፍነት ኣብቲ ሕብረተሰብ ፍሉጣት ስለ ዝነበሩ ንኣማልኽቲ እታ ሃገር ምምላኽ ምስ ዝኣብዩ ዘጠምቶም አረ ከም ከሓድቲ እውን ከይተረፈ ዘቝጽሮም ኢዩ ነይሩ።
እቲ ወርቃዊ ምስሊ ዘስግእ ይኸውን
7. (ሀ) እቲ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ከመይ ከም ዝነበረ ግለጾ። (ለ) ዕላማ ናይቲ ምስሊ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧
7 ነቡካድነጻር ሓድነት ሃጸያዊ ግዝኣቱ ንምድልዳል ኢሉ ኣብ ጎልጎል ዱራ ወርቃዊ ምስሊ ኣቘመ። እቲ ምስሊ ቍመቱ 60 እመት (27 ሜትሮ) ወርዱ ኸኣ 6 እመት (2.7 ሜትሮ) ኢዩ።c ገሊኦም እቲ ምስሊ ስቕ ኢሉ ዓንዲ ወይ ሓወልቲ ኢዩ ነይሩ ይብሉ። ነዊሕ መሰረት ዘለዎ ዓንዲ ኰይኑ ኣብ ልዕሊኡ ናይ ሰብ ምናልባት እውን ንነቡካድነጻር ወይ ነቲ ኔቦ ዝበሃል ኣምላኽ ዝውክል ኣዝዩ ገዚፍ ምስሊ ነይርዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዚ ይኹን እቲ ግን እዚ ነዊሕ ሓወልቲ እዚ ምልክት ናይ ሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ ክርአን ኣኽብሮት ክወሃቦን ተባሂሉ ኢዩ ተገይሩ።—ዳንኤል 3:1
8. (ሀ) ኣብ ጽምብል ናይቲ ምስሊ እተጸውዑ እንመን ኢዮም: ኣብኡ እተረኽቡ ኵሎምከ እንታይ ክገብሩ ኢዩ ትጽቢት እተገብረሎም፧ (ለ) ነቲ ምስሊ ምስጋድ ምእባይ እንታይ መቕጻዕቲ የስዕብ ነበረ፧
8 በዚ መሰረት እዚ ነቡካድነጻር ናይ ምጽምባል በዓል ገበረ። ንመሳፍንቲ: ሹመኛታት: ራእስታት: ኣማኸርቲ: ተሓዝቲ መዝገብ: ዳኛታት: ሓላቑ: ከምኡውን ኣብ ብሃገሩ እተሾሙ ምስለኔታት ኣከቦም። እቲ ኣዋጅ ነጋሪ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ኣወጀ:- “ኣቱም ህዝብታትን ወገናትን ቋንቋታትን: ደሃይ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ነጋሪትን ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ምስ ሰማዕኩም: ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ወርቂ ፍግም ኢልኩም ክትሰግድሉ: ተአዚዝኩም አሎኹም። ፍግም ዘይበለን ዘይሰገደን ግና ብኡብኡ ኣብ ጕሁር እቶን ሓዊ ኺድርበ እዩ።”—ዳንኤል 3:2-6
9. ነቲ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ምስጋድ እንታይ ትርጕም ኢዩ ነይርዎ ክኸውን ዝኽእል፧
9 ገሊኦም ነቡካድነጻር ነዚ ስርዓት እዚ ዘዳለዎ ንኣይሁዳውያን ኣብቲ ንየሆዋ ዝገብርዎ ዝነበሩ ኣምልኾ ከም ዝለማመጡ ንምግባሮም ኢዩ ይብሉ። እዚ ግን ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ ከመይሲ ኣብቲ ጽምብል እቶም ናይ መንግስቲ ሰበ-ስልጣን ጥራይ ኢዮም ተጸዊዖም ነይሮም። ስለዚ እቶም ኣብ ናይ መንግስቲ ሓላፍነት ዝነበሮም ኣይሁዳውያን ጥራይ ኢዮም ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ነይሮም። ስለዚ ነቲ ምስሊ ምስጋድ ነቶም ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት ዝነበሮም ሰባት ሓድነት ከም ዝህልዎም ንምግባር ዝዓለመ ጽምብል ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ጆን ኤፍ. ዋልቩርድ እተባህለ ምሁር ከምዚ ይብል:- “ከምዚ ዝኣመሰለ ምእካብ ናይ ሰበ-ስልጣን በቲ ሓደ ወገን ንሓይሊ ሃጸያዊ ግዝኣት ነቡካድነጻር ዝገልጽ ክኸውን ከሎ በቲ ኻልእ ወገን ከኣ ነቶም ኣዐዊቶምና ኢዮም ዝብልዎም ኣማልኽቲ ኣፍልጦ ንምሃብ ኢዩ ነይሩ።”
ኣገልገልቲ የሆዋ ምልምማጥ ኣብዮም
10. እቶም ኣይሁዳውያን ዘይኰኑ ነቲ ናይ ነቡካድነጻር ትእዛዝ ንምፍጻም ዘይከበዶም ስለምንታይ ኢዩ፧
10 ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት ከም ጽላል ገይሮም ንዝርእይዎም እተፈላለዩ ኣማልኽቲ እተወፈዩ እኳ እንተ ነበሩ ነቲ ምስሊ ንምምላኽ ግን ሕርኽርኽ ዝብሎም ነገር ኣይነበረን። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር “ኵላቶም ጣኦታት ምምላኽ ዝለመዱ ኢዮም ነይሮም: ስለዚ ኸኣ ንሓደ ጣኦት ምምላኽ ንኻልእ ጣኦት ካብ ምምላኽ ኣይክልክሎምን ኢዩ ነይሩ” ብምባል ይገልጽ። ቀጺሉ ኸኣ “ብዙሓት ጣኦታት ምንባሮም . . . ንጣኦት ናይ ዝዀነ ህዝቢ ወይ ሃገር ምምላኽ ከኣ ነውሪ ዘይምንባሩ ምስ ቅቡል ኣረኣእያ ናይቶም ሽዑ ዝነበሩ ኣምለኽቲ ጣኦት ዝሰማማዕ ኢዩ ነይሩ” ይብል።
11. ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ነቲ ምስሊ ምስጋድ ዝኣበዩ ስለምንታይ ኢዮም፧
11 ንኣይሁዳውያን ግን እቲ ጕዳይ እተፈልየ ኢዩ ነይሩ። የሆዋ ኣምላኾም ከምዚ ኢሉ ኣዚዝዎም ነበረ:- “ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ: ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ: ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ: ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ: ቀናእ ኣምላኽ እየ።” (ዘጸኣት 20:4, 5) ስለዚ ኸኣ እቲ ሙዚቃ ምስ ጀመረ ኵሎም እቶም እተኣከቡ ፍግም ኢሎም ክሰግዱ ኸለዉ: ሰለስተ እብራውያን መንእሰያት—ሲድራቅ: ሚሳቅ: ዓብድ-ኔጎ—ግን ኣይሰገዱን።—ዳንኤል 3:7
12. ገለ ካብቶም ከለዳውያን ነቶም ሰለስተ እብራውያን እንታይ ኢሎም ኢዮም ዝኸሰስዎም: ስለምንታይከ፧
12 እቶም ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ሰለስተ እብራውያን ነቲ ምስሊ ምስጋድ ምእባዮም ንገለ ካብቶም ከለዳውያን ኣሕረቖም። ብኡንብኡ ኸኣ ናብቲ ንጉስ ቀሪቦም “ነቶም ኣይሁድ ከሰስዎም።”d ሓሳባቶም ክፈልጡ ድሌት ኣይነበሮምን። እቶም ኣይሁዳውያን ዘይእሙናትን ከሓድትን ተባሂሎም ክቕጽዑ ስለ ዝደለይዎም ጥራይ እቶም ከሰስቲ ከምዚ በሉ:- “ዎ ንጉስ: ኣብ ልዕሊ ተግባር ኣውራጃ ባቢሎን ዝሾምካዮም ኣይሁድ ሰባት: ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን: አለዉ: ንሳቶም ግድኻ የብሎምን: ንኣማልኽትኻ ኣየምልኹን: ነቲ ዘቘምካዮ ምስሊ ወርቂውን ኣይሰግዱሉን እዮም።”—ዳንኤል 3:8-12
13, 14. ነቡካድነጻር ነቲ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ዝወሰድዎ ስጕምቲ ብኸመይ መለሰሉ፧
13 እቶም ሰለስተ እብራውያን ንትእዛዙ ስለ ዘይሰምዑ ነቡካድነጻር ኣዝዩ ጕህዩ ክኸውን ኣለዎ! ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን እሙናት ተጣበቕቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን ከም ዝዀኑ ገይሩ ንኽቕይሮም ዝገበሮ ጻዕሪ ከም ዘይተዓወተ ንጹር ኢዩ። ጥበብ ከለዳውያን ምሂርዎምዶ ኸይኰነ፧ ኣስማቶም እውን ከይተረፈ ቀይርዎ ኢዩ! እንተዀነ ግን: ፍልይ ዝበለ ትምህርቲ ብምምሃር ሓድሽ ኣምልኾ ከም ዝሕዙ ክገብሮም ወይ ኣስማቶም ምቕያር መንነቶም ከቐይሮም ኢዩ ኢሉ ሓሲቡ እንተድኣ ነይሩ ዀይኑ ተጋግዩ ነበረ። ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ኰይኖም ተረኽቡ።
14 ንጉስ ነቡካድነጻር ተቘጥዐ። ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ከኣ ብኡንብኡ ጸውዖም። “ኣቱም ሲድራቅ: ሚሳቅ: ዓብድ-ኔጎ: እቲ ንኣማልኽተይ ዘይምምላኽኩም: ነቲ ዘቘምክዎ ምስሊ ወርቂውን ዘይምስጋድኩምሲ ንዕቀት ድዩ፧” ኢሉ ሓተቶም። ነቡካድነጻር ነዘን ቃላት እዚኣተን ከውስአን ከሎ ነቲ ዘጋጠመ ኵነታት ምእማኑ ከም ዝጸገሞ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ‘ሰለስተ ጥዑያት ሰባት ነዚ ግልጺ ዝዀነ: ንዘይእዘዝዎ ኸኣ ከቢድ መቕጻዕቲ ከስዕብ ዝኽእል ትእዛዝ ከመይ ኢሎም ሸለል ክብልዎ ይኽእሉ፧’ ዝብል ሓሳብ ኣሕዲሩ ክኸውን ኣለዎ።—ዳንኤል 3:13, 14
15, 16. ነቡካድነጻር ነቶም ሰለስተ እብራውያን እንታይ ኣጋጣሚ ኢዩ ዝሃቦም፧
15 ነቡካድነጻር ነቶም ሰለስተ እብራውያን ካልኣይ ኣጋጣሚ ክህቦም ፍቓደኛ ነበረ። ከምዚ ኸኣ በሎም:- “ሕጂ ድማ ነቲ ደሃይ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ነጋሪትን ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ክትሰምዑ ኸሎኹም: ፍግም ክትብሉን ነቲ ዝገበርክዎ ምስሊ ኽትሰግዱሉን ተዳለዉ። እንተ ዘይሰገድኩምሉ ግና: ብኡብኡ ናብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ኽትድርበዩ ኢኹም። እቲ ኻብ ኢደይ ዜናግፈኩም ኣምላኽከ መን እዩ፧”—ዳንኤል 3:15
16 እቲ ብሕልሙ ዝረኣዮ ምስሊ (ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 2 ተመዝጊቡ ዘሎ) ኣብ ኣእምሮኡን ልቡን ነባሪ ዝዀነ ጦብላሕታ ኣይገደፈሉን ማለት ኢዩ። እቲ ባዕሉ ንዳንኤል “ኣምላኽኩም ብሓቂ ኣምላኽ ኣማልኽትን ጐይታ ነገስታትን . . . እዩ” ዝበሎ ቃላት ረሲዕዎ ክኸውን ኣለዎ። (ዳንኤል 2:47) ሕጂ ነቡካድነጻር ነቶም እብራውያን ካብቲ ዝጽበዮም ዝነበረ መቕጻዕቲ ከድሕኖም ኣይክእልን ኢዩ ምባሉ ንየሆዋ ክብድህ ዝደለየ ኢዩ ዝመስል።
17. ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ነቲ ንጉስ ዝሃቦም ኣጋጣሚ ብኸመይ መለስሉ፧
17 ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ነቲ ጕዳይ እንደገና ክሓስብሉ ኣየድለዮምን። ብኡንብኡ ከምዚ ኢሎም መለስሉ:- “ዎ ነቡካድነጻር: በዚ ነገርዚ ምላሽ ክንህበካ ኣየድልየናን። ዎ ንጉስ: እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ካብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ኼናግፈና ይኽእል እዩ: ካብ ኢድካውን ኬናግፈና እዩ። ዎ ንጉስ: ንሱ ኼናግፈና እንተ ዘይፈተወ: ንሕናስ ንኣማልኽትኻ ኸም ዘይነምልኾም: ነቲ ዘቘምካዮ ምስሊ ወርቂውን ከም ዘይንሰግደሉ ፍለጥ።”—ዳንኤል 3:16-18
ኣብ ጕሁር እቶን ሓዊ!
18, 19. እቶም ሰለስተ እብራውያን ኣብቲ እቶን ሓዊ ምስ ተደርበዩ እንታይ ኣጋጠመ፧
18 ነቡካድነጻር ኣዝዩ ነዲሩ ንኣገልገልቱ ነቲ እቶን ካብቲ ዝነበሮ ሸውዓተ ዕጽፊ ከርስንዎ ኣዘዞም። ድሕርዚ “ሓያላት ሰባት” ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ኣሲሮም ናብቲ “ጕሁር እቶን ሓዊ” ክድርብይዎም ኣዘዘ። ብመሰረት ትእዛዝ ንጉስ ከኣ ነቶም ሰለስተ እብራውያን ምስ ክዳውንቶም—ምናልባት ቀልጢፎም ምእንቲ ክነዱ ኢሎም ይዀኑ—ኣሲሮም ደርበይዎም። ይኹን እምበር: እቶም ናይ ነቡካድነጻር ኣገልገልቲ ኢዮም በቲ ሓዊ ነዲዶም።—ዳንኤል 3:19-22
19 ሓደ ዘደንጹ ነገር ግን ተራእየ። ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ኣብቲ ሓዊ እኳ እንተነበሩ ኣይነደዱን። ነቡካድነጻር ክሳዕ ክንደይ ከም እተገረመ እሞ ሕሰቦ! ተኣሲሮም ናብ ሃልሃልታ ሓዊ ኢዮም ተደርብዮም: ገና ግን ብህይወት ኣለዉ። አረ ኣብ ማእከል እቲ ሓዊ እውን ይመላለሱ ኣለዉ! ነቡካድነጻር ግን ካልእ ነገር እውን ተዓዘበ። ነቶም ኣማኸርቱ ኸኣ “እቶም ኣሲርና ናብ ሓዊ ዝደርቤናዮምሲ ሰለስተ ሰባትዶ ኣይኰኑን፧” ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ድማ “ርግጽ እዩ: ዎ ንጉስ” ኢሎም መለስሉ። ንሱ ኸኣ ዓው ኢሉ “እንሆ: ኣነ ኣርባዕተ ፍቱሓት ሰባት: ገለ እኳ ኸይተጐድኡ: ኣብ ማእከል ሓዊ ኺመላለሱ እርኢ አሎኹ: ትርኢት እቲ ራብዓይ ድማ ወዲ ኣምላኽ ይመስል” በሎም።—ዳንኤል 3:23-25
20, 21. (ሀ) ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ካብቲ ሓዊ ክወጹ ኸለዉ ነቡካድነጻር እንታይ ኢዩ ዘስተብሃለ፧ (ለ) ነቡካድነጻር ብዛዕባ እንታይ ኣፍልጦ ክህብ ኢዩ እተገደደ፧
20 ነቡካድነጻር ናብ ኣፍ ደገ እቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ቐረበ። “ሲድራቅ: ሚሳቅ: ዓብድ-ኔጎ: ኣቱም ባሮት ልዑል ኣምላኽ: ውጹ: ናብዚ ንዑ” ኢሉ ጸውዖም። እቶም ሰለስተ እብራውያን ካብ ማእከል እቲ ሓዊ ወጹ። ኵሎም እቶም እዚ ትእምርቲ እዚ ዝረኣዩ—እንተላይ እቶም መሳፍንቲ: ሹማምንቲ: ራእስታት: ኣማኸርቲ—ተገረሙ። እዞም ሰለስተ መንእሰያት እዚኣቶም ኣብቲ እቶን ሓዊ ዝኣተዉ ፈጺሞም ኣይመስሉን ኢዮም! ናይ ሓዊ ጨና እኳ ኣይነበሮምን: ጸጕሪ ርእሶም እውን ኣይቃረየን።—ዳንኤል 3:26, 27
21 ሕጂ ንጉስ ነቡካድነጻር የሆዋ እቲ ዝለዓለ ኣምላኽ ምዃኑ ኣፍልጦ ክህብ ተገደደ። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ኣወጀ:- “እቲ ነቶም ባሮቱ መልኣኹ ሰዲዱ ዘናገፎም ኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ይባረኽ። ንሳቶም ኣብኡ ተወኪሎም ትእዛዝ ንጉስ አበዩ: ብዘይ ንኣምላኾም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸየምልኹን ከይሰግዱንሲ ስጋኦም ወፈዩ።” ድሕርዚ እቲ ንጉስ ነዚ ዝስዕብ ብርቱዕ መጠንቀቕታ ሃበ:- “ከምኡ ገይሩ ኼናግፍ ዚኽእል ካልእ ኣምላኽ የልቦን እሞ: ስለዚ ኣነ: ዝዀነ ይኹን ካብ ብዘለዉ ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ንኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ሕሱም ቃል ዜውስእ: ንሱ ኺስየፍ: ቤቱ ኸኣ ምድርባይ ጐሓፍ ኺኸውን እእዝዝ አሎኹ።” ድሕርዚ እቶም ሰለስተ እብራውያን ናብ ስልጣኖም ተመልሱ ‘እቲ ንጉስ ከኣ ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ሾሞም።’—ዳንኤል 3:28-30
ኣብዚ እዋን እዚ ዘላ እምነትን ከቢድ ፈተናን
22. ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ናይ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ዝኣመሰለ ኵነታት ዘጋጥሞም ብኸመይ ኢዩ፧
22 ኣብዚ እዋን እዚ እውን ኣምለኽቲ የሆዋ ከም ናይ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ዝኣመሰለ ኵነታት የጋጥሞም ኢዩ። ህዝቢ ኣምላኽ ቃል ብቓሉ ምሩኻት ኰይኖም ኣይውሰዱን ይዀኑ። እንተዀነ ግን የሱስ ሰዓብቱ ‘ካብ ዓለም ከም ዘይኰኑ’ ተዛሪቡ ኢዩ። (ዮሃንስ 17:14) ነቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ዘይኰነ ልምዲ: ኣረኣእያ: ከምኡውን ተግባራት ናይቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ሰባት ስለ ዘይሕዙ “መጻእተኛታት” ኢዮም። ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸሓፎ ክርስትያናት ‘ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይመስልዋን ኢዮም።’—ሮሜ 12:2
23. እቶም ሰለስተ እብራውያን ጽኑዓት ምዃኖም ዘርኣዩ ብኸመይ ኢዮም: ክርስትያናትከ ሎሚ ብኸመይ ኣብነቶም ክስዕቡ ይኽእሉ፧
23 እቶም ሰለስተ እብራውያን በቲ ናይ ባቢሎን ኣገባብ ክቕረጹ ኣይፈቐዱን። ናይ ከለዳውያን ጥበብ ብግቡእ እኳ እንተ ተማሃሩ ካብ መገዶም ክኣልዮም ኣይከኣለን። ብኣምልኾ ዝመጸ ዝነበሮም መርገጽ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣቱ ኣይነበረን: ንየሆዋ እተወፈዩ ኢዮም ነይሮም። ሎሚ እውን ክርስትያናት ልክዕ ከምኦም ጽኑዓት ክዀኑ የድልዮም። ካብቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ፍሉያት ብምዃኖም ክሓፍሩ የብሎምን። ብርግጽ “ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ” ምስኣ ክሓልፍ ኢዩ። (1 ዮሃንስ 2:17) ስለዚ ምስ እዚ ናብ ጥፍኣት ገጹ ዝኸይድ ዘሎ ኣገባብ ክትሰማማዕ ዕሽነትን ከንቱን ኢዩ።
24. ኣቕዋም ናይ ሓቀኛታት ክርስትያናት ምስ ናይቶም ሰለስተ እብራውያን ዝመሳሰል ብኸመይ ኢዩ፧
24 ክርስትያናት ነቲ ረቂቕ እውን ዝዀነ ሓዊስካ ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ኣምልኾ ጣኦት ክጥንቀቑ ኣለዎም።e (1 ዮሃንስ 5:21) ሲድራቅ: ሚሳቅ: ዓብድ-ኔጎ ብተኣዛዝነትን ኣኽብሮት ብዘለዎ መገድን ኣብ ቅድሚ እቲ ወርቃዊ ምስሊ ደው ኢሎም ኢዮም: ኣብ ቅድሚኡ ጕምብሕ ምባል ግን ናይ ኣኽብሮት ምልክት ጥራይ ከም ዘይኰነ ተገንዚቦም ነበሩ። ጕምብሕ ምባል ኣምልኾ ኢዩ ነይሩ: ኣብዚ ምክፋል ከኣ ንየሆዋ ዘቘጥዕ ኢዩ። (ዘዳግም 5:8-10) ጆን ኤፍ. ዋልቩርድ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ሃይማኖታዊ ነገራት ምስቲ ሃገራዊ ተኣማንነት ተሓዊሱ ስለ ዝነበረ ሃይማኖታዊ ትርጕም እኳ እንተነበሮ: ምስቲ ንባንዴራ ዝወሃብ ሰላምታ ተመሳሳሊ ኢዩ።” ሎሚ እውን ሓቀኛታት ክርስትያናት ኣንጻር ኣምልኾ ጣኦት ጽኑዕ ዝዀነ ኣቕዋም ኢዩ ዘለዎም።
25. ካብቲ ሓቀኛ ታሪኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን እንታይ ተማሂርካ፧
25 እዚ ብዛዕባ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ዝገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሎም እቶም ንየሆዋ ምሉእ ተወፋይነት ክህብዎ ዝደልዩ ሰባት ብሉጽ ትምህርቲ ዝህብ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም “ንሓይሊ ሓዊ ኣጥፍኡ” ዝበሎም ወሲኹ ብዛዕባ እቶም እምነት ዘርኣዩ ብዙሓት ካልኦት ሰባት ክዛረብ ከሎ እዞም ሰለስተ እብራውያን ኣብ ኣእምሮኡ ከም ዝነበሩ ርግጽ ኢዩ። (እብራውያን 11:33, 34) የሆዋ ንዅሎም እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ እምነት ዘርእዩ ሰባት ክባርኾም ኢዩ። እቶም ሰለስተ እብራውያን ካብ እቶን ሓዊ ኢዮም ድሒኖም: ንሕና ግን የሆዋ ንዅሎም እቶም ንጽህናኦም ንምሕላው ኢሎም ዝሞቱ ሰባት ከም ዘተንስኦምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ብምሃብ ከም ዝባርኾምን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እዚ ይኹን እቲ: የሆዋ “ነፍሲ ቕዱሳኑ ይሕሉ: ካብ ኢድ ረሲኣን የናግፎም” ኢዩ።—መዝሙር 97:10
[እግረ-ጽሑፍ]
a ገሊኦም እቲ ከም መስራቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን ገይርካ ዝሕሰብ ዝነበረ ማርዱክ ነቲ ዝምለኽ ዝነበረ ኒምሮድ ከም ዘመልክት ኢዮም ዝኣምኑ። እዚ ግን ክረጋገጽ ኣይተኻእለን።
b “ቤልጥሻጽር” ትርጕሙ “ንህይወት ንጉስ ተኸላኸል” ማለት ኢዩ። “ሲድራቕ” ከኣ “ትእዛዝ ኣኩ”—ናይ ሳመሪያን ናይ ወርሒ ኣምላኽ—ማለት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። “ሚሳቕ” እውን ንናይ ሳመሪያን ኣምላኽ ዘመልክት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። “ዓብድ-ኔጎ” ድማ “ኣገልጋሊ ኔጎ” ወይ ኔቦ ማለት ኢዩ።
c ገለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁራት ነቲ እዚ ዘይበሃል ግዝፊ ናይቲ ምስሊ ኣብ ግምት ብምእታው ካብ ዕንጨይቲ ተሰሪሑ ብወርቂ እተለበጠ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ ይብሉ።
d እታ “ከሰስዎም” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ኣረማይስጢ ኣገላልጻ: ናይ ሓደ ሰብ ‘ስጋ ምምንጫት’ ወይ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ብዛዕባ ካልእ ሰብ ክፉእ ብምዝራብ ስጋኡ ምሕያኽ ማለት ኢያ።
e ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ ንህርፋንን ስስዐን ምስ ኣምልኾ ጣኦት ኣተሓሒዝዎ ኣሎ።—ፊልጲ 3:18, 19፣ ቈሎሴ 3:5
እንታይ ኣስተውዒልካ፧
• ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ነቲ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ምስጋድ ዝኣበዩ ስለምንታይ ኢዮም፧
• ነቡካድነጻር እቶም ስለስተ እብራውያን ንዝወሰድዎ ስጕምቲ ብኸመይ መለሰሉ፧
• የሆዋ ነቶም ሰለስተ እብራውያን በቲ ዘርኣይዎ እምነት ብኸመይ ባረኾም፧
• ነቲ ሓቀኛ ታሪኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ስለ ዘቕለብካሉ እንታይ ተማሂርካ፧
[ኣብ ገጽ 68፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]
[ኣብ ገጽ 70 ዘሎ ስእሊ]
1. ኣብ ባቢሎን ዝነበረ ግምቢ ቤት መቕደስ (ዚጉራት)
2. ናይ ማርዱክ ቤት መቕደስ
3. ማርዱክ (ጸጋማይ) ከምኡውን ኔቦ (የማናይ) እተባህሉ ኣማልኽቲ ኣብ ልዕሊ ድራጎን ደው ኢሎም ከለዉ ዘርኢ ብኣስራዚ እተሰለመ ምስሊ
4. ምስሊ ናይቲ ብናይ ህንጻ ፕሮጀክትታት ውሩይ ዝነበረ ነቡካድነጻር
[ኣብ ገጽ 76፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]
[ኣብ ገጽ 78፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]