ትምህርቲ 43
ክርስትያናት ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ እንታይ ኣረኣእያ ኺህልዎም ይግባእ፧
ኣብ ብዘላ ዓለም፡ ሰባት ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ በበይኑ ዓይነት ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም። ገሊኦም ምስ ፈተውቶም ሓሓሊፎም መስተ ይሰትዩ እዮም። ገሊኦም ከኣ ፈጺሞም ኣይጥዕሙን እዮም። ገሊኦም ድማ ክሳዕ ዚሰኽሩ እዮም ዚሰትዩ። እሞ ደኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ፧
1. ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ጌጋ ድዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ኣይኵንንን እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ኣምላኽ ዝሃበና ሓያሎ ውህበታት ኪዝርዝር ከሎ፡ “ወይኒ . . . ንልቢ ሰብ ኬሐጕሶ” ኸም እተዋህበ ይጠቅስ እዩ። (መዝሙር 104:14, 15) ገሊኦም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን፡ ኣልኮላዊ መስተ ሰትዮም እዮም።—1 ጢሞቴዎስ 5:23።
2. መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ኪሰትዩ ዚውስኑ ሰባት እንታይ ምኽሪ ይህቦም፧
የሆዋ፡ ምብዛሕ መስተን ስኽራንን ይዅንን እዩ። (ገላትያ 5:21) ቃሉ፡ “ካብቶም ብዙሕ ወይኒ ዚሰትዩ . . . ኣይትኹን” ይብል። (ምሳሌ 23:20) ስለዚ፡ ክንሰቲ እንተ ወሲንና፡ ዋላ እውን በይንና ዄንና ኣብ እንሰትየሉ እዋን፡ ብንጹር ከም ዘይንሓስብ ክሳዕ እንኸውን፡ ዘረባናን ተግባርናን ክሳዕ ዘይንቈጻጸር፡ ወይ ኣካላዊ ጥዕናና ኽሳዕ ዚጕዳእ ክንሰቲ የብልናን። እንሰትዮ መጠን ክንቈጻጸር ዘይንኽእል እንተ ዄንና፡ ጠሪስና እንተ ሓደግናዮ ይሓይሽ።
3. ነቲ ኻልኦት ብዛዕባ መስተ ዚገብርዎ ውሳነታት ብኸመይ ነኽብረሎም፧
ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ወይ ዘይምስታይ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ባዕሉ ኺውስኖ ዚግባእ ውሳነ እዩ። ብመጠኑ ኣልኮላዊ መስተ ኺሰቲ ንዝወሰነ ሰብ ክንፈርዶ የብልናን፣ ኪሰቲ ንዘይደሊ ኸኣ ጸቕጢ ኽንገብረሉ የብልናን። (ሮሜ 14:10) ንሕና ምስታይና ንኻልኦት ጸገም ዚፈጥረሎም እንተ ዀይኑ እውን፡ ኣይንሰትን ኢና። (ሮሜ 14:21 ኣንብብ።) ነቲ፡ “ነፍሲ ወከፍ፡ ጥቕሚ ኻልእ ደኣ እምበር፡ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ” ዚብል ምኽሪ ንስዕብ ኢና።—1 ቈረንቶስ 10:23, 24 ኣንብብ።
ኣዕሚቝካ ዅዓት
ክትሰቲ ወይ ከይትሰቲ ንምውሳን፡ እንተ ሰቲኻ እውን ክንደይ ከም እትሰቲ ንምውሳን ዚሕግዘካ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ርአ። ናይ ምስታይ ጸገም እንተ ኣልዩካ እውን፡ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ርአ።
4. ክትሰቲ እንተ ዄንካ ወስን
የሱስ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ እንታይ ኣረኣእያ ነይርዎ፧ መልሲ እዛ ሕቶ ንምርካብ፡ ብዛዕባ እቲ ንሱ ዝገበሮ ቐዳማይ ተኣምር ፍለጥ። ዮሃንስ 2:1-11 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
ካብዚ ተኣምር እዚ፡ የሱስ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተን ብዛዕባ እቶም መስተ ዚሰትዩን እንታይ ኣረኣእያ ኸም ዝነበሮ ኢና ኽንፈልጥ እንኽእል፧
የሱስ፡ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ካብ ዘይኰነነ፡ ክርስትያናት ብዛዕባ ሓደ መስተ ኺሰቲ ዚውስን ሰብ እንታይ ኣረኣእያ ኺህልዎም ይግባእ፧
ኰይኑ ግና፡ ሓደ ክርስትያን ኣልኮላዊ መስተ ኺሰቲ ስለ እተፈቕደሉ ጥራይ፡ ኵሉ ሳዕ ኪሰቲ ይግባእ ማለት ኣይኰነን። ምሳሌ 22:3 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ ኽትሰቲ ወይ ከይትሰቲ ንምውሳን እዚ ዚስዕብ ረቛሒታት ብኸመይ ከም ዚጸልወካ ርአ፦
ማኪና ትዝውር ወይ ማሽን ትሕዝ እንተ ዄንካ።
ጥንስቲ እንተ ዄንኪ።
ከይትሰቲ ኻብ ሓኪም ምኽሪ ኣብ ዚውሃበካ እዋን።
መጠን እቲ እትሰትዮ ምቍጽጻር ዜጸግመካ እንተ ዀይኑ።
ኣልኮላዊ መስተ ኽትሰቲ ሕጊ ዘየፍቅደልካ እንተ ዀይኑ።
ምስ ሓደ ንዚሰትዮ መጠን ኪቈጻጸር ብዘይምኽኣሉ ኸይጥዕም እተሓረመ ሰብ ክትከውን ከለኻ።
ኣብ መርዓኻ ወይ ኣብ ካልእ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ኣልኮላዊ መስተ ኸተቕርብሲ ግቡእ ድዩ፧ እንታይ ከም እትውስን ንምሕጋዝ፡ ቪድዮ ኣጻውት።
ሮሜ 13:13ን 1 ቈረንቶስ 10:31, 32ን ኣንብብ። ካብዚ ጥቕስታት እዚ ሓዲኡ መምስ ኣንበብካ፡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ነዚ ስርዓት እዚ ኣብ ግብሪ ምውዓል፡ ንየሆዋ ባህ ዜብል ውሳነ ኽትገብር ዚሕግዘካ ብኸመይ እዩ፧
5. ክንደይ ከም እትሰቲ ወስን
ኣልኮላዊ መስተ ኽትሰቲ እንተ ወሲንካ፡ እዚ ዘክር፦ የሆዋ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ዘይኵንን እኳ እንተ ዀነ፡ ምብዛሕ መስተ ግና ይዅንን እዩ። ስለምንታይ፧ ሆሴእ 4:11, 18 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ሓደ ሰብ፡ ኣልኮላዊ መስተ እንተ ኣብዚሑ እንታይ እዩ ዚኸውን፧
መስተ ኸይነብዝሕ ብኸመይ ክንጥንቀቕ ንኽእል፧ ዓቕምና ኽንፈልጥ ኣሎና። ምሳሌ 11:2 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ክንደይ ከም እንሰቲ ደረት ክንገብረሉ ጽቡቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
6. ምብዛሕ መስተ ሕደጎ
ሓደ ብዙሕ ኣልኮላዊ መስተ ዚሰቲ ሰብኣይ፡ ነዚ ብኸመይ ከም ዝሓደጎ ርአ። ቪድዮ ኣጻውት፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
ኣብታ ቪድዮ፡ ኣልኮላዊ መስተ ንድሚትሪ ብኸመይ ጸልይዎ፧
ብኡብኡ ምስታይ ኪሓድጎ ኽኢሉዶ፧
ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተኡ ብኸመይ ሓዲግዎ፧
ቀዳማይ ቈረንቶስ 6:10, 11 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦
ስኽራን ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣኽቢድካ ኺርአ ዚግባእ፧
ኣልኮላዊ መስተ ዜብዝሕ ሰብ ኪቕየር ከም ዚኽእል ዜርኢ እንታይ እዩ፧
ማቴዎስ 5:30 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ኢድ ምቝራጽ ኪብሃል ከሎ፡ ንየሆዋ ባህ ከተብል ኢልካ መስዋእቲ ኽትገብር ከም ዘሎካ የመልክት። ምስ ኣልኮላዊ መስተ ትቃለስ እንተ ኣሊኻ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧a
ቀዳማይ ቈረንቶስ 15:33 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦
ኣዕሩኽካ ኣብቲ እትሰትዮ መጠን እንታይ ጽልዋ ኺህልዎም ይኽእል፧
ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “መስተ ጌጋ ድዩ፧”
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
ጽማቝ
የሆዋ፡ ክንሕጐስ ኢሉ እዩ ኣልኮላዊ መስተ ሂቡና፣ ኰይኑ ግና፡ ምብዛሕ መስተን ስኽራንን ይዅንን እዩ።
ክለሳ
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎ፧
ብዙሕ ምስታይ እንታይ ሓደጋታት ኣለዎ፧
ካልኦት ብዛዕባ መስተ ንዚገብርዎ ውሳነታት ብኸመይ ከነኽብረሎም ንኽእል፧
ዳህስስ
መንእሰያት ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ኸመይ ገይሮም ጽቡቕ ውሳነ ኺገብሩ ይኽእሉ፧
ንናይ ምስታይ ጸገም ንምስናፍ እንታይ ስጕምትታት ክትወስድ ከም እትኽእል ፍለጥ።
ክርስትያን ብርጭቆኡ ኣልዒሉ ትምኒቱ ኣብ ምግላጽ ወይ ቺንቺን ኣብ ምባል ኪሳተፍ ግቡእ ድዩ፧
“ቀዳድ ፊስቶ እየ ነይረ” ኣብ ዘርእስቱ ታሪኽ፡ ሓደ ሰብ ነቲ ብዙሕ ናይ ምስታይ ኣመሉ ብኸመይ ከም ዝሓደጎ ኣንብብ።
a ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎም ሰባት ካብ ሰብ ሞያ ሓገዝ የድልዮም ይኸውን። እቶም ናይ መስተ ጸገም ዘለዎም ሰባት ጠሪሶም ኪሰትዩ ኸም ዘይብሎም፡ ብዙሓት ሓካይም ይመኽሩ እዮም።