መዓልቲ የሆዋ ቀሪባ ኢያ
“ኣቱም ኣረገውቲ: እዚ ስምዑ: ኣቱም ኣብ ሃገር እትነብሩ ዅላትኩምውን: ኣእዛንኩም ጽን ይበል።”—ዮኤል 1:2
1, 2. የሆዋ ነቲ ሓያል ትንቢቱ ክነግር ንዮኤል ብመንፈስ ዝደረኾ ኣብ ይሁዳ እንታይ ዓይነት ኵነታት ስለ ዝነበረ ኢዩ፧
“መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ አላ: ካብቲ ዅሉ ዚኽእልውን ከም መጥፍኢ ዀይና ኽትመጽእ እያ እሞ: ኣየ: እዛ መዓልቲ እዚኣ።” ከመይ ዝበለ ዘገርም ኣዋጅ ኰን ኢዩ! እዚ ብነብዪ ዮኤል ኣቢሉ እተመሓላለፈ ናይ ኣምላኽ መልእኽቲ ኢዩ ነይሩ።
2 እዘን ኣብ ዮኤል 1:15 ዘለዋ ቃላት: ዳርጋ ብ820 ቅ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ይኸውን ኣብ ይሁዳ ኢየን ተጻሒፈን። ኣብቲ ግዜ እቲ ለምለም እተሸፈነ ኩርባታት ነታ ሃገር የመልክዓ ነበረ። ፍረታትን ኣእካልን ኣኽል-ታርፍ ኢዩ ነይሩ። እቲ ናይ መጓሰዪ ቦታታት ሰፊሕን ልሙዕን ነበረ። እንተዀነ ግን: ኣዝዩ ሕማቕ ዝዀነ ነገር ይፍጸም ነበረ። ኣብ የሩሳሌምን ምድሪ ይሁዳን ናይ በዓል ኣምልኾ ሰሰነ። እቶም ህዝቢ ድማ ኣብ ቅድሚ እዚ ናይ ሓሶት ኣምላኽ ብምዃን ኣብ ናይ ስኽራን ዳንኬራታት ተጸምዱ። (ምስ 2 ዜና መዋእል 21:4-6, 11 ኣረኣእዮ።) የሆዋ እዚ ዅሉ ስቕ ኢሉ ክቕጽልዶ ረኣዮ፧
3. የሆዋ ብዛዕባ እንታይ ኢዩ ዘጠንቀቐ: ህዝብታትከ እንታይ ንምግባር ኢዮም ክቕረቡ ዘለዎም፧
3 እታ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ዮኤል: ብዛዕባ እዚ ንጹር መልሲ ኢያ እትህብ። የሆዋ ኣምላኽ ሉዓላውነቱ ከረጋግጽ: ከምኡውን ስሙ ክቕድስ ነበሮ። እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ቀሪባ ነይራ ኢያ። ኣምላኽ እምበኣር ኣብ “ለሰ ዮሳፋጥ” ኣብ ልዕሊ ዅሎም ህዝብታት ፍርዲ ከውርድ ነበሮ። (ዮኤል 3:12) ምስቲ ኵሉ ዝኽእል የሆዋ ክዋግኡ ይዳለዉ ይሓድጎም። ንሕና እውን: ናብታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ቀሪብና ኢና ዘሎና። ስለዚ: ነቲ ንግዜናን ንዝሓለፈ ግዜን ዘመልክት ትንቢታዊ ቃላት ዮኤል እስከ ንመርምሮ።
ናይ ሓሳኹ ወራር
4. እቲ ብዮኤል መጠንቀቕታ እተዋህበሉ ፍጻመ ዕቤቱ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ነይሩ፧
4 የሆዋ በቲ ነብይኡ ኣቢሉ ከምዚ ይብል:- “ኣቱም ኣረገውቲ: እዚ ስምዑ: ኣቱም ኣብ ሃገር እትነብሩ ዅላትኩምውን: ኣእዛንኩም ጽን ይበል። ብዘመንኩም ወይስ ብዘመን ኣቦታትኩም ከምዚ ዝበለዶ ዀይኑ እዩ፧ እዚ ንደቅኹም ኣዘንትዉሎም: ደቅኹም ከኣ ንደቆም: ደቆምውን ነቲ ዳሕራይ ወለዶ የዘንትዉሉ።” (ዮኤል 1:2, 3) እቶም ኣረገውትን ኵሎም እቶም ህዝብን ኣብ ዘመኖም ወይ ኣብ ዘመን ኣባሓጎታቶም ኰይኑ ዘይፈልጥ ነገር ክፍጸም ክጽበዩ ይኽእሉ ነበሩ። ክሳዕ እቲ ሳልሳይ ወለዶ ክጽብጸብሲ ኣዝዩ እተፈልየ ነገር ኢዩ ነይሩ! እዚ ኣዝዩ እተፈልየ ነገር እዚ እንታይ ኢዩ፧ እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ: እስከ ንድሕሪት ምልስ ኢልና ኣብ ግዜ ዮኤል ከም ዘሎና ገይርና ንሕሰብ።
5, 6. (ሀ) ነቲ ዮኤል እተነበዮ መዓት ግለጽ። (ለ) ናይቲ መዓት ምንጪ መን ነበረ፧
5 ጽን ኢልካ ስማዕ! ዮኤል ሓደ ርሕቕ ዝበለ ሃሚ ይሰምዕ። ሰማይ ይጽልምት: እቲ ጸልማት እናወሰኸ ክኸይድ ከሎ ድማ እቲ ዘፍርህ ሃሚ እናወሰኸ ይኸይድ። ድሕርዚ ትኪ ዝመስል ደመና ይወርድ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ናይ ሓሳኹ ሰራዊት ኢዮም ነይሮም። ኣየ ከመይ ዝበለ ዕንወት ኰን ኢዮም ዘስዓቡ! ሕጂ ዮኤል 1:4 ርአ። እዞም ዝወሩ ሓሳኹ: ዝነፍሩ ኣንበጣ ጥራይ ኣይኰኑን። እወ: ኣንበጣ ጥራይ ኣይኰኑን! ጥሜት ዝነበሮም ዘይነፍሩ ዕስለ ጎደበ እውን ይመጹ ነበሩ። እቶም ኣንበጣ በቲ ንፋስ ተሓጊዞም ብሃንደበት መጹ: ድምጾም ድማ ከም ናይ ሰረገላታት ነበረ። (ዮኤል 2:5) ክቱር ናይ ምብላዕ ሸውሃት ስለ ዘለዎም: ካብኣቶም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ንሓንቲ ገነት ዝዀነት ቦታ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ናብ ምድረ በዳ ክልውጥዋ ይኽእሉ ኢዮም።
6 ካልኦት ኣብ ምንቅስቓስ ዝነበሩ ድማ ኣባጨጎራ ዝመስሉ—ገና ምንፋር ዘይጀመሩ ናይ ግዝዋ ወይ ጽንብላሊዕ ሓሳኹ—ኢዮም። ብዙሕ ዝቝጽሮም ዝጠመዩ ኣባጨጎራ ዝመስሉ ሰራዊት ናይ ኣዝርእቲ ኣቝጽልቲ ሓንቲ ብሓንቲ: ክሳዕ እቲ ቀጠልያ ሕብሩ ዝጠፍእ ክበልዕዎ ይኽእሉ ኢዮም። ነቲ ካብኣቶም ዝተረፈ ድማ ጐደበ ይበልዕዎ። ነቲ እቶም ጐደበ ዝሓደግዎ ኸኣ ኣዝዮም ፈጣናት ዝዀኑ ድዱዕ ከም ዝውድእዎ ፍሉጥ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ነዚ ዝስዕብ ኣስተብህለሉ:- ኣብ ዮኤል ምዕራፍ 2 ቍጽሪ 11 ኣምላኽ ነዞም ናይ ኣንበጣ ሰራዊት እዚኣቶም ከም “ሰራዊቱ” ገይሩ ገሊጽዎም ኣሎ። እወ: ምንጪ ናይቲ ንሃገር ዘባድም: ከቢድ ጥሜት ድማ ዘስዕብ ኣንበጣ ባዕሉ የሆዋ ኢዩ። መዓስ፧ ቀቅድሚ “መዓልቲ እግዚኣብሄር።”
‘ኣቱም ሰኸርቲ: ንቕሑ’!
7. (ሀ) ኵነታት ሃይማኖታውያን መራሕቲ ይሁዳ ከመይ ነበረ፧ (ለ) ኵነታት ናይዞም ሎሚ ዘለዉ መራሕቲ ህዝበ-ክርስትያን ምስቲ ናይ ይሁዳ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ዝመሳሰል ብኸመይ ኢዩ፧
7 “ኣቱም ሰኸርቲ: ንቕሑን ብኸዩን: ኣቱም ሰተይቲ ወይኒ ዅልኻትኩም: እቲ ዀልዒ ወይኒ ኻብ ኣፍኩም ተወሲዱ እዩ እሞ: ዋይ ዋይ በሉ” ዝብል ትእዛዝ ክንገር ከሎ ክብሪ ዘይብሎም ጕጅለ ሰባት: ናይ ኣይሁድ ሃይማኖታውያን መራሕቲ: ንበይኖም ተፈልዮም ተጠቒሶም ኣለዉ። (ዮኤል 1:5) እወ: እቶም ናይ ይሁዳ መንፈሳውያን ሰኽራማት ‘ክነቕሑን’ ክበኽዩን ተነጊርዎም ነበረ። እንተዀነ ግን: እዚ ጥንታዊ ታሪኽ ጥራይ ከም ዝዀነ ገይርካ ኣይትሕሰቦ። ሕጂ: ቅድሚ እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ እውን: ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣቕሽሽቲ ብምሳልያዊ መገዲ ብዀልዒ ወይኒ ኣዝዮም ስለ ዝጸገቡ እቲ ልዑል ንዝገብረሎም ጻውዒት ኣይሰምዕዎን ኢዮም። ካብቲ ናይ መንፈሳዊ ስኽራኖም ምብዕዛዝ በታ ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ የሆዋ ምስ ተንስኡ ክሳዕ ክንደይ ኰን ክስምብዱ ኢዮም!
8, 9. (ሀ) ዮኤል ነቲ ዕስለ ኣንበጣን ሳዕቤን መዓቱን ብኸመይ ኢዩ ዝገልጾ፧ (ለ) ሎሚ: እቲ ኣንበጣ ንመን ኢዩ ዘመልክት፧
8 ናብቲ ሰፊሕ ናይ ኣንበጣ ሰራዊት ርአ! “ቍጽሪ ዜብሉ ሓያል ህዝቢ ናብ ሃገረይ ደየበ: ኣስናኑ ኣስናን ኣንበሳ እዩ: ከም ናይ ዋዕሮ ዝበለ ምንጋጋ ኸኣ አለዎ: ንተኽሊ ወይነይ ኣባደማ: ንኦም በለሰይ ፈሐቖ: ብጥራስ ቀንጠጦ: ደርበዮ: ጨናፍሩውን ጻዕደወ። ከምታ ከሊ ተዐጢቓ ንሔማኣ እትበኽየሉ ድንግል ብኸዪ።”—ዮኤል 1:6-8
9 እዝስ ሓደ ናይ ኣንበጣ “ህዝቢ:” ማለት ዕስለ ኣንበጣ ንይሁዳ ይወራ ከም ዘሎ ዝገልጽ ትንቢት ጥራይ ድዩ፧ ኣይፋሉን: ካብኡ ንላዕሊ ትርጕም ኣለዎ። ኣብ ዮኤል 1:6 ከምኡውን ኣብ ራእይ 9:7 ህዝቢ ኣምላኽ ከም ኣንበጣ ተመሲሎም ኣለዉ። እዞም ዘመናውያን ናይ ኣንበጣ ሰራዊት እዚኣቶም ካብቶም ሕጂ በቶም 5,600,000 ዝዀኑ ናይ የሱስ ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ዝስነዩ ዘለዉ ናይ የሆዋ ቅቡኣት ሰራዊት ኣንበጣ ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። (ዮሃንስ 10:16) ክፍሊ ናይዞም ዓቢ ጭፍራ ኣምለኽቲ የሆዋ ምዃን ኣየሐጕሰካንዶ፧
10. ሳዕቤን ናይቲ እቶም ኣንበጣ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ዘውረድዎ መዓት እንታይ ኢዩ፧
10 ኣብ ዮኤል 1:9-12 ሳዕቤን ናይቲ ኣንበጣ ዘውረዶ መዓት ነንብብ ኢና። ሓደ ዕስለ ሓሳኹ ድሕሪ እቲ ሓደ እናተበራረዩ: ነታ ሃገር ምሉእ ብምሉእ ከም እትባድም ይገብርዋ። እቶም ዘይእሙናት ካህናት እኽሊ: ወይኒ: ከምኡውን ዘይቲ ስለ ዝሰኣኑ ዕዮኦም ክቕጽሉ ኣይከኣሉን። እቶም ኣንበጣ እኽሊ ከም ዘይተብቍል ስለ ዝገበርዋ: ከምኡውን ፍረታት ኣእዋም ካብ ምፍራይ ስለ ዘቋረጸ እታ ምድሪ እውን ከይተረፈ ትበኪ። ኣታኽልቲ ወይኒ ስለ ዝዓነወ: እቶም ብመንፈስ እውን ሰኽራማት ዝነበሩ: ሰተይቲ ወይኒ ዝዀኑ ኣምለኽቲ በዓል: ድሕሪ ደጊም ወይኒ ሰኣኑ።
‘ኣቱም ካህናት: ብኸዩ’
11, 12. (ሀ) ሎሚ ናይ ኣምላኽ ካህናት ኢና ብምባል ዝዛረቡ መን ኢዮም፧ (ለ) ናይ ህዝበ-ክርስትያን ሃይማኖታውያን መራሕቲ እቲ ዘመናዊ ኣንበጣ ብዘውርዶ መዓት ዝትንከፉ ብኸመይ ኢዮም፧
11 ነቶም ዓለወኛታት ካህናት እተዋህበ መልእኽቲ የሆዋ ጽን ኢልካ ስማዕ:- “ኣቱም ካህናት: ተዐጠቑን ብኸዩን: ኣቱም ኣገልገልቲ መሰውኢ: ዋይዋይ በሉ።” (ዮኤል 1:13) ኣብቲ ናይ መጀመርታ ፍጻሜ ትንቢት ዮኤል: ሌዋውያን ካህናት ኣብቲ መሰውኢ የገልግሉ ነይሮም ኢዮም። ኣብቲ ናይ መወዳእታ ፍጻሜኡኸ፧ ሎሚ: ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣቕሽሽቲ: ናይ ኣምላኽ ኣገልገልቲ: ናቱ “ካህናት” ኢና ብምባል ኣብ መሰውኢኡ ከገልግሉ ስልጣን ከም ዘለዎም ገይሮም ኢዮም ዝዛረቡ። ይኹን እምበር: ዘመናውያን ናይ ኣምላኽ ኣንበጣ ይንቀሳቐሱ ብምህላዎም እንታይ ኢዩ ዘጋጥም ዘሎ፧
12 “ካህናት” ህዝበ-ክርስትያን ህዝቢ የሆዋ ክዓዩ ክርእይዎም ከለዉ: ከምኡውን ብዛዕባ እቲ መለኮታዊ ፍርዲ ዝህብዎ መጠንቀቕታ ክሰምዑ ከለዉ ይስንብዱ ኢዮም። ካብ ሕርቃን እተላዕለ ኣፍ ልቦም ይሃርሙ: ናይታ መንግስቲ መልእኽቲ ዘስዕበሎም ሕማቕ ውጽኢት ብምርኣይ ድማ ይቝጥዑ። መጓሰታቶም ሓዲገንኦም ክኸዳ ከለዋ ድማ ብሓቂ ይነብሑ ኢዮም። እቲ መውዓሊ መጓሰታቶም ስለ ዝባደመ: እቲ ዝረኽብዎ ዝነበሩ እቶት ብምስኣኖም ለይቲ ክሻ ተኸዲኖም ብሓዘን የሕልፍዎ። ብዙሕ ከይጸንሑ ድማ: እቲ ናይ ቅሽነት ዕዮኦም እውን ክስእንዎ ኢዮም! አረ ኣምላኽሲ መወዳእትኦም ስለ ዝቐረበ ምሉእ ለይቲ ክበኸዩ ኢዩ ዝነግሮም።
13. ህዝበ-ክርስትያን ብሓፈሻ ክትርአ ከላ ነቲ ናይ የሆዋ መጠንቀቕታ ብኣወንታዊ መገዲ ክትምልሰሉ ድያ፧
13 ብመሰረት ዮኤል 1:14: እታ ዘላቶም እንኮ ተስፋ: ምንሳሕን እናበኸዩ ‘ናብ እግዚኣብሄር ምምህላልን’ ኢያ። እቲ ኣቕቕሽቲ ህዝበ-ክርስትያን ሒዙ ዘሎ ክፍሊ ብምሉኡ ናብ የሆዋ ክምለስ ክንጽበ ንኽእልዶ ኢና፧ ኣይንጽበን ኢና! ኣብ ማእከሎም ዝርከቡ ውልቀ-ሰባት ነቲ ናይ የሆዋ መጠንቀቕታ ምላሽ ከርእዩ ይኽእሉ ይዀኑ። ናይዞም ሃይማኖታውያን መራሕቲ እዚኣቶምን ከም ክፍሊ መጠን ድማ ናይ ምእመናኦምን መንፈሳዊ ጥሜት ግን ክቕጽል ኢዩ። ነብዪ ኣሞጽ ከምዚ ብምባል ተነብዩ ነበረ:- “እንሆ: ኣነ ናብታ ሃገር ጥሜት ዝሰደለን መዓልትታት ኪመጻ እየን። ንምስማዕ ቃል እግዚኣብሄር እምበር: ጥሜት እንጌራን ጽምኢ ማይን ኣይኰነን።” (ኣሞጽ 8:11) በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ: ኣምላኽ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢሉ ብፍቕሪ ስቡሕ መንፈሳዊ መግቢ የዳልወልና ምህላዉ ክሳዕ ክንደይ መመስገንቲ ኰን ኢና!—ማቴዎስ 24:45-47
14. እቲ ናይ ኣንበጣ መዓት ናይ እንታይ ስዒቡ ክመጽእ ዝነበሮ ነገር መርኣዪ ኢዩ ነይሩ፧
14 እቲ ናይ ኣንበጣ መዓት ናይቲ ቀጺሉ ክስዕብ ዝነበሮ ነገር መርኣዪ ኢዩ ነይሩ: ሕጂውን ከምኡ ኢዩ። ናይ ኣየናይ፧ ዮኤል እዚ እንታይ ምዃኑ ብግልጺ ይነግረና: ከምዚ ብምባል:- “መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ አላ: ካብቲ ዅሉ ዚኽእልውን ከም መጥፍኢ ዀይና ኽትመጽእ እያ እሞ: ኣየ: እዛ መዓልቲ እዚኣ።” (ዮኤል 1:15) እቶም ናይ ኣምላኽ ናይ ኣንበጣ ሰራዊት ሎሚ ዓለምለኻዊ ወራር ምግባሮም: እታ ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ የሆዋ ከም ዝቐረበት ብግልጺ ዘርኢ ኢዩ። ብርግጽ: ኵሎም ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ነታ መለኮታዊ ፍርዲ ኣብ ልዕሊ እቶም እኩያት ተፈጺሙ የሆዋ ኸኣ ከም ናይ ኣድማስ ሉዓላዊ መጠን ስዒሩ ክመጽእ ከሎ እተርኢ ናይ ምጽብጻብ መዓልቲ ክርእይዋ ይናፍቑ ኢዮም።
15. ነቲ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ሕማቕ ኵነታት ብምርኣይ: እቶም ንመለኮታዊ መጠንቀቕታ ዘቕልብሉ ሰባት ብኸመይ ኢዮም ምላሽ ዝህቡ፧
15 ዮኤል 1:16-20 ከም እትገልጾ: ኣብ ጥንታዊት ይሁዳ መግቢ ተቛሪጹ ነይሩ ኢዩ። ሓጐስ እውን ኣይነበረን። መኽዘናት ጥርሑ ተረፈ: ቆፎታት ድማ ተቐደ። እቶም ኣንበጣ ነቲ ኣትክልቲ ዘብቍል ቦታ ጥርሑ ስለ ዝገበርዎ: ከብቲ ካብ ዓቕሊ ጽበት እተላዕለ ኣዕለበጣ: መጓሰታት ኣባጊዕ ድማ ጸነታ። ከመይ ዝበለ መቕዘፍቲ ኰን ኢዩ! ኣብ ማእከል ከምዚ ዝበለ ኵነታት: ዮኤል ከመይ ነበረ፧ ብመሰረት ቍጽሪ 19 “ዎ እግዚኣብሄር: ኣባኻ ኤእዊ አሎኹ” በለ። ሎሚ እውን ብዙሓት ሰባት ነቲ መለኮታዊ መጠንቀቕታ የቕልብሉ: ብእምነት ድማ ናብ የሆዋ ኣምላኽ የእውዩ ኣለዉ።
“መዓልቲ እግዚኣብሄር ትመጽእ አላ”
16. እቶም “ኣብታ ሃገር ዚነብሩ” ከንቀጥቅጡ ዝነበሮም ስለምንታይ ኢዩ፧
16 ነዚ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ትእዛዝ ስምዓዮ:- “ኣብ ጽዮን መለኸት ንፍሑ: ኣብ ቅዱስ ከረነይ ድማ ኣእውዩ: ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዘለዉ ዅላቶም የንቀጥቅጡ።” (ዮኤል 2:1) ስለምንታይ ኢዮም ከምዚ ዓይነት መልሰ-ግብሪ ዘርእዩ፧ እቲ ትንቢት ከምዚ ብምባል ይምልስ:- “መዓልቲ እግዚኣብሄር ትመጽእ አላ: ቀሪባ ኸኣ እያ . . . መዓልቲ ጸልማትን ጣቓን: መዓልቲ ደበናን ድቕድቕ ጸልማትን ከም ወጋሕታ ኣብ ልዕሊ ኣኽራን ይዝርጋሕ።” (ዮኤል 2:1, 2) ምስ መዓልቲ የሆዋ እተተሓሓዘ ናይ ብሓቂ ናይ ህጹጽነት ስምዒት ኣሎ።
17. እታ ምድርን እቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ህዝብን በቲ ናይ ኣንበጣ መዓት እተተንከፉ ብኸመይ ኢዮም፧
17 እቶም ዘየዕርፉ ኣንበጣ ንሓደ ብሓቂ ገነት ኤድን ዝመስል ቦታ ናብ ሓደ ዝባዳመ ቦታ ክልውጥዎ ከለዉ እቲ ራእይ ናይቲ ነብዪ ዝህልዎ ጽልዋ እሞ ሕሰቦ። ነቲ ናይ ኣንበጣ ሰራዊት ተዋሂብዎ ዘሎ መግለጺ ስምዓዮ:- “ትርኢቶም ከም ትርኢት ኣፍራስ እዩ: ከም ፈረሰኛታት ይጐዩ። ከምቲ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ድዋዕዋዕ ዚብል ሰረገላታት: ከምቲ ንሓሰር ኪውሕጥ ከሎ ጥዋዕዋዕ ዚብል ሃልሃልታ ሓዊ: ከምቲ ንውግእ እተሰለፈ ሓያል ህዝቢ ይዘሉ። ኣብ ቅድሚኦም ህዝብታት ይጭነቑ: ኵሉ ገጽ ይጽልም።” (ዮኤል 2:4-6) ኣብ ግዜ ዮኤል እቶም ኣንበጣ ከጥቅዑ ከለዉ: ናይቶም ኣምለኽቲ በዓል ስቓይ ወሲኹ ኢዩ: ናይ ጭንቀት ምልክት ድማ ኣብ ገጾም ክርአ ይከኣል ነበረ።
18, 19. እቲ ሎሚ ዘሎ ንጥፈት ህዝቢ ኣምላኽ ልክዕ ከምቲ ናይ ኣንበጣ መዓት ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ፧
18 ነቶም ስርዓት ዘለዎምን ዘይደኽሙን ኣንበጣ ደው ዘብሎም ኣይነበረን። “ከም ጀጋኑ” ይጐዩ: ቀጽሪ እውን ከይተረፈ ይድይቡ። ‘ናብ ማእከል ኣጽዋር [ምስ] ዝኣትዉ ድማ ኣይቈስሉን’ ነበሩ። (ዮኤል 2:7, 8) ኣየ እዝስ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ምሳልያውያን ናይ ኣምላኽ ሰራዊት ኣንበጣ ዝገልጽ ከመይ ዝበለ ንጹር ትንቢት ኰን ኢዩ! ሎሚ እውን: ናይ የሆዋ ናይ ኣንበጣ ሰራዊት ቀጥ ኢሎም ንቕድሚት ኢዮም ዝቕጽሉ። ናይ ተጻራርነት “ቀጽሪ” ኣይክልክሎምን ኢዩ። እቲ ንኣምላኽ ዘለዎም ንጽህና ኣይለማመጥሉን ኢዮም: ኣብ ክንድኡስ ከምቲ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ መሰኻኽር ኣብ እዋን ግዝኣት ናዚ ጀርመን ንሂትለር ምምጓስ ምስ ኣበዩ ‘ኣብ ማእከል ኣጽዋር ዝኣተዉ:’ ክሞቱ ፍቓደኛታት ኢዮም።
19 ናይ ኣምላኽ ዘመናዊ ናይ ኣንበጣ ሰራዊት ኣብቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን “ኸተማ” ጽዑቕ ምስክርነት ይህቡ ኣለዉ። (ዮኤል 2:9) ነዚ ድማ ኣብ ምልእቲ ዓለም ኢዮም ገይሮምዎ። ነቲ ናይ የሆዋ መልእኽቲ ክእውጁ ኸለዉ: ገና ንዅሉ ዕንቅፋት ይሰግሩ: ኣብ ናይ ሚልዮናት ሰባት ኣባይቲ ይኣትዉ: ንሰባት ኣብ መገዲ ይነግርዎም: ብቴሌፎን የዘራርብዎም: ከምኡውን ብእተኻእለ መጠን ንሰባት ይረኽብዎም ኣለዉ። ብቢልዮናት ዝቝጸር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ዓዲሎም ኣለዉ: ገና ድማ ኣብቲ ኣብ ቅድሚ ህዝብን ካብ ቤት ናብ ቤትን ዝገብርዎ ዘየቋርጽ ኣገልግሎቶም ብዙሕ ክዕድሉ ኢዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 20:20, 21
20. ነዞም ዘመናውያን ኣንበጣ መን ኢዩ ዝድግፎም ዘሎ: ምስ ከመይ ዝበለ ውጽኢትከ፧
20 ዮኤል 2:10 ኣዝዮም ብዙሓት ዕስለ ኣንበጣ ንጸሓይ: ወርሒ: ከዋኽብቲ ከጸልምቱ ዝኽእሉ ምዃኖም ትገልጽ ኢያ። (ምስ ኢሳይያስ 60:8 ኣረኣእዮ።) ብድሕሪ እዚ ወተሃደራዊ ሓይሊ እዚ መን ምህላዉ ገለ ምጥርጣር ኣሎ ድዩ፧ ቀቅድሚ ሃሚ ናይቶም ኣንበጣ ልዕል ኢልና: እዘን ዝስዕባ ናይ ዮኤል 2:11 ቃላት ንሰምዕ:- “ሰፈር ሰራዊቱ ኣዝዩ ዓብዪ እዩ: እቲ ንቓሉ ዚፍጽም ከኣ ሓያል እዩ እሞ: እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ሰራዊቱ ድምጹ የስምዕ። እወ: መዓልቲ እግዚኣብሄር ዓባይን ኣዝያ እተፍርህን እያ: መንከ ኺጽመማ ይኽእል፧” እወ: የሆዋ ኣምላኽ ሕጂ—ቅድሚ እታ ዓባይ መዓልቱ—ነቲ ናይ ኣንበጣ ወተሃደራዊ ሓይሉ ይልእኮ ኣሎ።
‘የሆዋ ኣይድንጕን ኢዩ’
21. ‘መዓልቲ ጐይታ ከም ሰራቒ ዀይና ክትመጽእ’ ከላ እንታይ ክስዕብ ኢዩ፧
21 ልክዕ ከም ዮኤል: ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ብዛዕባ እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ተዛሪቡ ኢዩ። ከምዚ ኢሉ ድማ ጸሓፈ:- “መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ: ብእኣ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺሐልፍ እዩ: ፍጥረት ሰማይ ብረስኒ ኺመክኽ: ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ኪነድድ እዩ።” (2 ጴጥሮስ 3:10) እዞም ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ሰይጣን ድያብሎስ ዘለዉ እኩያት ናይ ምምሕዳር “ሰማያት” ኣብ ልዕሊ ‘ምድሪ:’ ማለት ኣብ ልዕሊ እቶም ካብ ኣምላኽ እተነጸሉ ደቅሰብ ኢዮም ዝገዝኡ። (ኤፌሶን 6:12፣ 1 ዮሃንስ 5:19) እዞም ምሳልያውያን ሰማያትን ምድርን ካብቲ ኣብ ግዜ እታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ ዝህሉ ዋዒ ናይ መለኮታዊ ቍጥዓ ኣይክድሕኑን ኢዮም። ኣብ ክንድኡ: በቲ ‘ከምቲ ተስፍኡ እንጽበዮ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን’ ክትክኡ ኢዮም።—2 ጴጥሮስ 3:13
22, 23. (ሀ) ነቲ ምሕረት ዝመልኦ ትዕግስቲ የሆዋ ብኸመይ ኢና ክንምልሰሉ ዘሎና፧ (ለ) ንምቕራብ መዓልቲ የሆዋ ብኸመይ ኢና ክንምልሰሉ ዘሎና፧
22 ብሰንኪ እዚ ሎሚ ዘሎ ኵሉ መዐንቀፊታትን ናይ እምነት ፈተናታትን: ንህጹጽነት ናይ ግዜና ምርዳእ ዘሎና ክእለት ከነጥፍእ ንኽእል ኢና። እንተዀነ ግን: እቲ ምሳልያዊ ኣንበጣ ንቕድሚት ክቕጽል ከሎ: ብዙሓት ሰባት ነቲ ናይታ መንግስቲ መልእኽቲ ይምልስሉ ኣለዉ። ዋላ እኳ ኣምላኽ ነዚ ግዜ እንተ ፈቐደሉ: ትዕግስቱ ምስ ምድንጓይ ከደናግረና የብሉን። “ጐይታስ: ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር: ሓደ እኳ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ: ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር: ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም: ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ።”—2 ጴጥሮስ 3:9
23 ነታ ዓባይ መዓልቲ የሆዋ እናተጸበና: ነቲ ኣብ 2 ጴጥሮስ 3:11, 12 ተመዝጊቡ ዘሎ ቃላት ጴጥሮስ ነቕልበሉ:- “ደጊም እዚ ዅሉ ዚፈላለ ኻብ ኰነ: ስሊኡ ሰማያት ብሓዊ መኺኹ ዚፈላለየሉ: ፍጥረት ሰማይ ከኣ ብረስኒ ዚመከሉ: ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸቤኹምዎን እናኣቐልጠፍኩምዎን ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም።” እዚ ተግባራትን ዕዮን እዚ: መወዳእታ ቅድሚ ምምጽኡ ነቲ ብስራት ናይታ መንግስቲ ኣብ ምስባኽ ዘየቋርጽን ትርጕም ዘለዎን ተሳታፍነት ብምግባር ምስቲ ናይ የሆዋ ናይ ኣንበጣ ሰራዊት ሓቢርና ምቕጻል ከም ዘጠቓልል እተረጋገጸ ኢዩ።—ማርቆስ 13:10
24, 25. (ሀ) ነቲ ኣብ ናይ የሆዋ ናይ ኣንበጣ ሰራዊት ዕዮ ንምክፋል ቀሪቡ ዘሎ መሰል ብኸመይ ኢኻ እትምልሰሉ፧ (ለ) ዮኤል ትርጕም ዘለዎ እንታይ ዓይነት ሕቶ ኢዩ ዝሓትት፧
24 እዚ ናይ ኣምላኽ ናይ ኣንበጣ ሰራዊት ክሳዕ እታ ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ የሆዋ እትባራዕ ዕዪኡ ኣይከቋርጽን ኢዩ። እዚ ደው ዘይብል ናይ ኣንበጣ ሓይሊ ምህላዉ: መዓልቲ የሆዋ ትቐርብ ከም ዘላ ዘርኢ ግሉጽ መርትዖ ኢዩ። እታ ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ የሆዋ ቅድሚ ምምጽኣ ኣብዚ ናይ መጨረሽታ ብርቱዕ መጥቃዕቲ ኣብ መንጎ እቶም ናይ ኣምላኽ ቅቡኣት ኣንበጣን ብጾቶምን ኴንካ ክትዓዪ ኣይትሕጐስንዶ ኢኻ፧
25 መዓልቲ የሆዋ ክሳዕ ክንደይ ዓባይ ኰን ክትከውን ኢያ! “መንከ ኺጽመማ ይኽእል፧” ዝብል ሕቶ እንተ ተላዕለ ዘገርም ኣይኰነን። (ዮኤል 2:11) እዚ ሕቶ እዝን ብዙሕ ካልእን ኣብዘን ዝስዕባ ክልተ ዓንቀጻት ክግለጽ ኢዩ።
ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧
◻ የሆዋ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ዝወርድ ናይ ሓሳኹ መዓት ዘጠንቀቐ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ኣብቲ ዘመናዊ ፍጻሜ ትንቢት ዮኤል ናይ የሆዋ ኣንበጣ መን ኢዮም፧
◻ ናይ ህዝበ-ክርስትያን መራሕቲ ነቲ ናይ ኣንበጣ መዓት ብኸመይ ኢዮም ዝምልስሉ: ገሊኣቶም ካብቲ ዘውረዶ ሳዕቤን ከምልጡ ዝኽእሉኸ ብኸመይ ኢዮም፧
◻ ኣብ መበል 20 ክፍለ-ዘበን እቲ ናይ ኣንበጣ መዓት ስፍሓቱ ክሳዕ ክንደይ ነበረ: ክሳዕ መዓስከ ኢዩ ክቕጽል፧
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ናይ ሓሰኻ መዓት ናይቲ ስዒቡ ክመጽእ ዝነበሮ ዝኸፍአ ነገር መርኣዪ ኢዩ ነይሩ
[ምንጪ ስእሊ]
ኣንበጣ ቈጽላ ዝበልዕዋ ገረብ:-FAO photo/G. Singh
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ነዚ ዘመናዊ ናይ ኣንበጣ መዓት የሆዋ ኣምላኽ ኢዩ ኣምጺእዎ
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
ኣንበጣ:-FAO photo/G. Tortoli; ዕስለ ኣንበጣ:-FAO photo/Desert Locust Survey