ንነብያት ከም ኣርኣያ ጌርኩም ርኣይዎም—ዮኤል
1. ክንሰብኽ ከለና፡ ንትሕትና ዮኤል ክንቀድሖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
1 ነብዪ ዮኤል እንታዋይ እዩ ነይሩ፧ “ወዲ ጴቱኤል” ምዃኑ ጥራይ እዩ ተሓቢሩና ዘሎ። (ዮኤ. 1:1) እዚ ትሑት ነብዪ እዚ፡ ነቲ ኸም መልእኽተኛ የሆዋ መጠን ዘለዎ ግደ ዘይኰነስ፡ ንመልእኽቲ የሆዋ እዩ ኣጕሊሑ። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ኣገልግሎትና ውዳሰ ወይ ተፈላጥነት ክንረክብ ኣይኰንናን እንጽዕር፣ የግዳስ፡ ሰባት ኣብ የሆዋን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ከም ዜተኵሩ ኢና እንገብር። (1 ቈረ. 9:16፣ 2 ቈረ. 3:5) እቲ እንእውጆ መልእኽቲ፡ ብርታዐ ይህበና እዩ። ኣየናይ መዳያት ትንቢት ዮኤል እዩ ብቕንኣትን ብተስፋን ከም እንምላእ ዚገብረና፧
2. ምቕራብ መዓልቲ የሆዋ እንታይ ንኽንገብር እዩ ኺድርኸና ዘለዎ፧
2 ‘መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ ኣላ።’ (ዮኤ. 1:15)፦ እዘን ቃላት እዚአን ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት እተጻሕፋ እኳ እንተ ዀና፡ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ፍጻሜአን ዚረኽባሉ እዋን ኢና እንነብር ዘለና። እናኣንቈልቈለ ዚኸይድ ዘሎ ዅነታት ዓለም ከምኡውን ኣብ ኣገልግሎትና ዜጋጥመና ዘይተገዳስነትን ላግጽን፡ ዳሕሮት መዓልትታት እዚ እኩይ ስርዓት እዚ ኸም ዝኣኸለ ዜርኢ ንጹር መርትዖ እዩ። (2 ጢሞ. 3:1-5፣ 2 ጴጥ. 3:3, 4) ብዛዕባ ምቕራብ ግዜ መወዳእታ ኸነስተንትን ከለና፡ ንኣገልግሎት ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ንኽንህቦ እዩ ዚድርኸና።—2 ጴጥ. 3:11, 12።
3. ናብቲ ብርቱዕ ጸበባ እናቐረብና ኣብ እንኸደሉ ዘሎና እዋን፡ ኣገልግሎት ብፍላይ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምታይ እዩ፧
3 ‘የሆዋ ንህዝቡ መዕቈቢ እዩ።’ (ዮኤ. 3:16)፦ እቲ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ተገሊጹ ዘሎ ምንቅጥቃጥ፡ ነቲ የሆዋ ኣብ ብርቱዕ ጸበባ ፍርዱ ዚፍጽመሉ እዋን ጥራይ እዩ ኼመልክት ዚኽእል። የሆዋ ኣብቲ እዋን እቲ ንእሙናት ኣገልገልቱ ኸም ዜድሕኖም ምፍላጥና የጸናንዓና እዩ። (ራእ. 7:9, 14) ኣብ ዕዮ ስብከት ክንካፈል ከለናን የሆዋ ብኸመይ ከም ዚከናኸነናን ከም ዜበራትዓናን ክንርኢ ኸለናን፡ እምነትናን ተጻዋርነትናን ይውስኽ፣ እዚ ኸኣ ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ ይሕግዘና።
4. ብዛዕባ መጻኢ ኸይፈራህና ሕጉሳት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
4 ገሊኦም ሰባት ንመልእኽቲ ዮኤል ከም ተስፋ ዜቝርጽ ገይሮም ዚርእይዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ግና ኽቡር ተስፋ ድሕነት እዩ ዚህቦም። (ዮኤ. 2:32) ስለዚ፡ ነተን፡ “ብእግዚኣብሄር [“ብየሆዋ፡” NW] ኣምላኽኩምውን ባህ ይበልኩም” ዚብላ ኣብ ዮኤል 2:23 ዚርከባ ቓላት ኣብ ልብና ብምሕዳር፡ ብዛዕባ መጻኢ ኸይፈራህና ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ንኣውጆ።