ዮናስ ብዛዕባ ምሕረት የሆዋ ይመሃር
የሆዋ ንነብዪኡ ዮናስ ሓደ መዝነት ሃቦ። ግዜኡ ድማ ታሽዓይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. የሮብዓም ካልኣይ ኣብ እስራኤል ክገዝእ ከሎ ኢዩ ነይሩ። ዮናስ ካብ ከተማ ዛብሎን ካብ ጋት-ሔፈር ኢዩ ዝውለድ። (ኢያሱ 19:10, 13፣ 2 ነገስት 14:25) ኣምላኽ ንዮናስ ካብታ ዝነብረላ ከተማ ብሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ ልዕሊ 800 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ናብ እትርከብ ናይ ኣሶር ርእሰ-ከተማ ዝዀነት ነነዌ ክኸይድ ይልእኾ። ንሰብ ነነዌ ኸኣ ካብ ኣምላኽ ጥፍኣት ክወርዶም ምዃኑ ከጠንቕቖም ነበሮ።
ዮናስ ‘ናብታ ከተማን ናብቶም ህዝብን እንታይ ዘኽይድ ኣሎኒ፧ ንኣምላኽ እተወፈዩ ህዝቢ ኣይኰኑን። እዞም ደም ዝጸምኡ ኣሶራውያን እዚኣቶም: ከምቲ እስራኤላውያን ዝገበርዎ ምስ የሆዋ ዝኣተውዎ ኪዳን የብሎምን። እንደገና ድማ: እዞም እኩያት ህዝቢ እዚኣቶም ነቲ ዝህቦም መጠንቀቕታ ከም ምፍርራሕ ብምቑጻር ንእስራኤል ይወርዋ ይዀኑ! ኣነ ኣይከይድን ኢየ። ናብ ያፋ ብመርከብ እኸይድ: ካብኡ ድማ ካብታ ከተማ ርሒቐ ናብቲ ሓደ ሸነኽ ናይቲ ዓቢ ባሕሪ ናብ ተርሲስ ኣቢለ ክሃድም ኢየ። እወ: ልክዕ ከምኡ ክገብር ኢየ!’ ኢሉ ሓሲቡ ይኸውን።—ዮናስ 1:1-3
ኣብ ባሕሪ ዘጋጠመ ሓደጋ!
ነዊሕ ከይጸንሐ ዮናስ ናብታ ኣብ ገምገም ሜዲትራንያን እትርከብ ያፋ በጽሐ። ናብታ ካብ ነነዌ ብምዕራብ ወገን ልዕሊ 3, 500 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ብዙሕ ግዜ ከም ክፍሊ ናይ ስጳኛ እትቝጸር ዝነበረት ተርሲስ እትኸይድ መርከብ ረኸበ: ዋጋ ከፊሉ ኸኣ ቦታ ሓዘ። እቲ ደኺሙ ዝነበረ ነብዪ ኣብቲ ባሕሪ ብጽሕ ምስ በለ ብኡንብኡ ኣብቲ ታሕታይ ክፍሊ ናይታ መርከብ ከይዱ ደቀሰ። የሆዋ ድማ ቀልጢፉ ናብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ንፋስ ሰደደ: ነፍሲ ወከፍ ፈሪሑ ዝነበረ ባሕረኛ ኸኣ ሓገዝ ክረክብ ነናብ ኣምላኹ ተማህለለ። እታ መርከብ ድማ ንየው ነጀው: ሓፍ ኮፍ እናበለት ኣዝያ ትናወጽ ስለ ዝነበረት ምእንቲ ከቕልሉላ ካብቲ ጽዕነት ናብ ባሕሪ ተደርበየ። ይኹን እምበር: ምጥሓላ ዘይተርፍ መሲሉ ተራእየ እሞ: እቲ ዓቕሉ ጸቢብዎ ዝነበረ ሓለቓ መርከብ ንዮናስ “ኣታ ደቃሲ: እንታይ ትገብር አሎኻ፧ ተንስእ: ምናልባሽ እቲ ኣምላኽ ከይንጠፍእ እንተ ሐሰበናስ: ናብ ኣምላኽካ ተማህለል” ኢሉ ክጭድረሉ ከሎ ሰምዖ። ዮናስ ካብቲ ታሕታይ ክፍሊ እታ መርከብ ተንሲኡ ሓፍ በለ።—ዮናስ 1:4-6
እቶም ባሕረኛታት ከኣ “እዚ መከራ እዚ ብሰሪ መን ከም ዚረኽበና ዘሎ ኽንፈልጥሲ: ንዑ ዕጭ ነውድቕ” ተባሃሀሉ። እታ ዕጭውን ኣብ ዮናስ በጽሔት። እቶም ባሕረኛታት ከኣ “ንገረና ዀታ: እዚ ረኺቡና ዘሎ መከራስ ብሰሪ መን እዩ፧ ዕዮኻ እንታይ እዩ፧ ካበይከ መጻእካ፧ ኣየናይ እዩ ሃገርካ፧ ካብ ኣየናይ ህዝቢኸ ኢኻ፧” ኢሎም ክሓትዎ ከለዎ እተሰምዖ ጭንቀት እሞ ገምቶ። ዮናስ “ነቲ ባሕርን ንቝጽን ዝገበረ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ” ዘምልኽን ኣኽብሮታዊ ፍርሒ ዘለዎን እብራዊ ምዃኑ ነገሮም። እቲ ማዕበል ዝወርዶም ዘሎ ድማ: ነቲ ኣምላኽ ናብ ነነዌ ንኸብጽሖ ዝሃቦ መልእኽቲ ኣብ ክንዲ ዝእዘዝ ካብ ገጽ የሆዋ ይሃድም ስለ ዘሎ ኢዩ።—ዮናስ 1:7-10
እቶም ባሕረኛታት ከኣ “ባሕሪ ኺሀድኣልናስ እንታይ ንግበርካ፧” ኢሎም ሓተትዎ። እቲ ባሕሪ ማዕበሉ እናበርትዐ ስለ ዝኸደ ዮናስ “እዚ ብርቱዕ ማዕበል ብሰረይ ከም ዝበጽሓኩም: እፈልጥ አሎኹ እሞ: ወሲድኩም ናብ ባሕሪ ደርብዩኒ: እቲ ባሕሪ ኸኣ ኪሀድኣልኩም እዩ” በሎም። እቶም ሰባት ነቲ ኣገልጋሊ የሆዋ ናብ ባሕሪ ደርብዮም: ክቐትልዎ ስለ ዘይፈተዉ ኣብ ንቑጽ ምድሪ ከውርድዎ ፈተኑ። ስለ ዘይኰነሎም ድማ እቶም ባሕረኛታት “ዎ እግዚኣብሄር: ንልምነካ አሎና: ምእንቲ ነፍሲ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣይትጥፍኣና። ንስኻ: ዎ እግዚኣብሄር: ከም ዝፈቶኻዮ ጌርካ ኢኻ እሞ: ንጹህ ደም ኣብ ልዕሌና ኣይተንብር” ኢሎም ኣእወዩ።—ዮናስ 1:11-14
ኣብ ውሽጢ ባሕሪ!
ሽዑ እቶም ባሕረኛታት ንዮናስ ናብ ባሕሪ ይድርብይዎ። ናብቲ ዝገላበጥ ዝነበረ ባሕሪ ምስ ጠሓለ: እቲ ባሕሪ ምንዋጹ ክሃድእ ጀመረ። እዚ ምስ ረኣዩ: ‘እቶም ሰባት ንእግዚኣብሄር ኣዝዮም ፈርህዎ: መስዋእቲ ድማ ሰውኡሉ: መብጽዓውን ተማባጽዑ።’—ዮናስ 1:15, 16
ዮናስ ኣብቲ ዝጠሓለሉ ባሕሪ ኰይኑ ከም ዝጽሊ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኣብ ሓደ ዓቢ ክፉት ነገር ክኣቱ ከሎ ብሓደ ልስሉስ መትረብ ዝሓልፍ ዘሎ ኰይኑ ተሰምዖ። እቲ ዘገርም ድማ ጌና ከስተንፍስ ይኽእል ነይሩ ኢዩ! ዮናስ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበረ ተኽሊ ባሕሪ ምስ ኣልገሰ: ብሓቂ ኣብ ሓደ ፍሉይ ቦታ ከም ዘሎ ተሰሚዕዎ ኢዩ። ምኽንያቱ ድማ “እግዚኣብሄር ንዮናስ ዚውሕጥ ዓብዪ ዓሳ አዳለወ። ዮናስ ከኣ ኣብ ከብዲ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ገበረ።”—ዮናስ 2:1
ልባዊ ጸሎት ዮናስ
ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓቢ ዓሳ ኰይኑ ክጽሊ ግዜ ረኸበ። ገለ ካብቲ ቃላቱ ምስቲ ኣብ መዝሙራት ዘሎ ሓድሓደ ክፍልታት ተመሳሳልነት ኣለዎ። ዮናስ ጸኒሑ ነቲ ተስፋ ምቝራጽን ጣዕሳን ዝገልጽ ጸሎቱ መዝገቦ። ንኣብነት እኳ እቲ ከብዲ ዓሳ: ልክዕ ከም ሲኦል ማለት መቓብሩ ኰይኑ ኢዩ ተሰሚዕዎ። ስለዚ ድማ “ካብ መከራይ እተላዕለ ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ: ንሱ ኸኣ መለሰለይ። ኣብ ከብዲ ሲኦል ኰይነ ኣእዌኹ: ንስኻውን ድምጸይ ሰማዕካ” ኢሉ ጸለየ። (ዮናስ 2:3) እቲ እስራኤላውያን ነቲ ዓመታዊ በዓላት ንኸብዕሉ ናብ የሩሳሌም ክድይቡ ከለዉ ዝዘመርዎ ክኸውን ዝኽእል ክልተ መዝሙር ምድያብ: ተመሳሳሊ ሓሳባት ኢዩ ዝገልጽ።—መዝሙር 120:1፣ 130:1, 2
ዮናስ ነቲ ኣብ ባሕሪ ምድርባዩ ዘጋጠሞ ዘንጸባርቕ “ንስኻ [የሆዋ] ናብቲ መዓሙቝ: ናብ ልቢ [ማእከል] ባሕሪ: ደርቤኻኒ: ወሓይዝ ከበበኒ: ኵሉ ማዕበልካን ሞገድካን ብልዕለይ ሐለፈ” ኢሉ ጸለየ።—ዮናስ 2:4፣ ምስ መዝሙር 42:7፣ 69:2 ኣረኣእዮ።
ዮናስ: ብምኽንያት ዘይምእዛዙ ስምረት ኣምላኽ ከም ዘይረክብን ድሕሪ ደጊም ከኣ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ከም ዘይርእን ኰይኑ ተሰምዖ። “ካብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ተሰጐጕኩ: ግናኸ ናብ ቅዱስ መቕደስካ መሊሰ ኽጥምት እየ” ኢሉ ኸኣ ጸለየ። (ዮናስ 2:5፣ TEXT ADJUSTED ምስ መዝሙር 31:22 ኣረኣእዮ።) ዮናስ ኵነታቱ ኣዝዩ ሕማቕ ብምንባሩ “ማያት [ንህይወቱ ሓደገኛ ብምንባሩ] ክሳዕ ነፍሰይ ከበበኒ: መዓሙቝ ኣብ ዙርያይ ነበረ: ሳዕሪ ባሕሪ ኣብ ርእሰይ ተጠምጠመ” በለ። (ዮናስ 2:6፣ TEXT AJUSTED ምስ መዝሙር 69:1 ኣረኣእዮ።) ነቲ ናይ ዮናስ ኣጸጋሚ ኵነታት ሕስብ እሞ ኣብሎ: ከመይሲ ወሲኹውን “ናብ መሰረት ኣኽራን [ኣብ ውሽጢ ዓሳ] ወረድኩ: መሃርሃሪታት ምድሪ [ልክዕ ከምቲ ኣብ መቃብር ዘሎ] ንሓዋሩ ኣብ ልዕለይ ኰነ: ግናኸ ንስኻ: ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ: ንህይወተይ [ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ] ካብ ጕድጓድ ኣውጻእካያ” በለ።—ዮናስ 2:7፣ TEXT ADJUSTED ምስ መዝሙር 30:3 ኣረኣእዮ።
ዮናስ ዋላ እኳ ኣብ ከብዲ ዓሳ እንተሎ: ‘መንፈስ ጭንቀት ስለ ዘሎኒ ክጽሊ ኣይክእልን ኢየ’ ኣይበለን። ኣብ ክንድኡ እኳ ድኣ “ነፍሰይ ኣብ ውሸጠይ ምስ ኣሕለለወት [ኣብ ጥቓ ሞት]: ንእግዚኣብሄር [ብእምነት ከም መወዳድርቲ ዘይብሉ ሓይልን ምሕረትን ዘለዎ ኣምላኽ] ዘከርክዎ: ጸሎተይ ናባኻ: ናብቲ ቅዱስ መቕደስካ አተወ” ኢሉ ኢዩ ዝጸለየ። (ዮናስ 2:8) ኣምላኽ ካብቲ ሰማያዊ መቕደስ ንዮናስ ሰምዖ: ኣድሓኖ ድማ።
ዮናስ ኣብ መደምደምታ “እቶም [ኣብ ህይወት ዘይብሎም ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ጣኦታት ብምውካሎም] ናብ ሓሰውቲ ኸንቱነት ዜድህቡ: [ነቲ ፍቕራዊ ሕያውነት ዘንጸባርቕ ኣምላኽ ሸለል ብምባል] ጸጋኦም ይሐድጉ። ኣነ ግና [ንዓኻ የሆዋ ኣምላኽ] ብድምጺ ምስጋና ኽስውኣልካ: ነቲ [ኣብ እዋን እዚ ተመክሮ እዚ ወይ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት] እተማባጻዕክዎ ኸኣ ክፍጽሞ እየ: ምድሓን ካብ እግዚኣብሄር እዩ” ኢሉ ጸለየ። (ዮናስ 2:9, 10TEXT ADJUSTED፣ ምስ መዝሙር 31:6፣ 50:14 ኣረኣእዮ።) ካብ ሞት ከድሕኖ ዝኽእል ኣምላኽ ጥራይ ከም ዝዀነ ብምፍላጡ እቲ (ከምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ነገስታት ዳዊትን ሰሎሞንን) እተናስሐ ነብዪ: ምድሓን ካብ የሆዋ ምዃኑ ተኣመነ።—መዝሙር 3:8፣ ምሳሌ 21:31
ዮናስ ይእዘዝ
ዮናስ ብዙሕ ሓሳብን ልባዊ ጸሎትን ምስ ገበረ: በቲ ዝኣተወሉ መትረብ ተደፊኡ ይወጽእ ከም ዘሎ ኰይኑ ተሰምዖ። ኣብ መወዳእታ ናብ ንቑጽ ምድሪ ተደርበየ። (ዮናስ 2:11) ብእተገብረሉ ድሕነት ካብ ምምስጋን እተላዕለ ዮናስ ነቲ “ተንስእ: ናብ ነነዌ: ናብታ ዓባይ ከተማ: ኪድ: ኣነ ዝእዝዘካ ኣዋጅ ከኣ አውጀላ” ዝብል ቃል ኣምላኽ ተኣዚዙ ኢዩ። (ዮናስ 3:1, 2) ዮናስ ናብ ናይ ኣሶር ርእሰ ከተማ ንኽኸይድ ተበገሰ። መዓልቱ መዓስ ምዃኑ ምስ ፈለጠ: ኣብ ከብዲ ዓሳ ሰለስተ መዓልቲ ገይሩ ከም ዝነበረ ተገንዘበ። እቲ ነብዪ ነቲ ኣጸቢቑ ናብ ምዕራብ ገጹ ዘዕጽፍ ርባ ኤፍራጥስ ሰጊሩ: ናብ ምብራቕ ገጹ ብሰሜናዊ መሰጶጣምያ ገይሩ ናብ ርባ ጢግረስ ይመጽእ እሞ: ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብታ ዓባይ ከተማ ይበጽሕ።—ዮናስ 3:3
ዮናስ ናብታ ዓባይ ከተማ ነነዌ ይኣቱ። ንሓደ መዓልቲ ዝኸውን ኣብታ ከተማ ምስ ተመላለሰ “ነነዌ ኣርብዓ መዓልቲ ጸኒሓ ኽትግምጠል እያ” ኢሉ ኣወጀ። ዮናስ ተኣምራታዊ ውህበት ናይ ኣሶራውያን ቋንቋ: ነይሩዎዶ ኢዩ፧ ከምኡ ዝብል ኣይተነገርናን። ይኹን እምበር: ዋላ እኳ ካልእ ሰብ እናተርጐመ ብቛንቛ እብራይስጢ እንተተዛረበ: ኣዋጁ ፍረ ኣፍርዩ ኢዩ። ሰብ ነነዌ ኣብ ኣምላኽ እምነት ከሕድሩ ጀመሩ። ጾም ኣውጆም ከኣ ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ክሻ ተኸደኑ። እቲ ቓል ናብ ንጉስ ነነዌ ምስ በጽሐ: ካብ ዙፋኑ ወሪዱ ነቲ ናይ ንግስና ክዳኑ ቀንጠጠ: ክሻ ተኸዲኑ ድማ ኣብ ሓመዅስቲ ተቐመጠ።—ዮናስ 3:4-6
ዮናስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ እተገረመ! ንጉስ ኣሶር ከምዚ ዝስዕብ ኢሎም ክእውጁ ኣወጅቲ ለኣኸ:- “ሰብ ወይስ እንስሳ: መጓሰ ኸብቲ ወይስ መጓሰ ኣባጊዕ ሓንቲ እኳ ኣይጥዐማ: ኣይውፈራ: ማይውን ኣይስተያ: ሰብን እንስሳን ክሻ ይከደኑ: ዓው ኢሎም ድማ ናብ ኣምላኽ የእውዩ። ነፍሲ ወከፍ ከአ ካብ እኩይ መገዱን ካብቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዓመጽን ይመለስ። ኣምላኽ እንተ ተመልሰን እንተ ተጣዕሰን: ንሕና ኸይንጠፍእ ከኣ ካብ ጕሁር ቍጥዓኡ እንተ ተመልሰ: መን ይፈልጥ፧”—ዮናስ 3:7-9
እቶም ሰብ ነነዌ ምስቲ ኣዋጅ ንጉሶም ተሰማምዑ። ኣምላኽ ከኣ ካብቲ እኩይ መገድታቶም ከም እተመልሱ ምስ ረኣየ: ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ከውርዶ ኢሉ እተዛረቦ መዓት ተጣዕሰሉ: ኣይገበሮን ከኣ። (ዮናስ 3:10) የሆዋ ብምኽንያት እቲ ዘርኣይዎ ጣዕሳን ትሕትናን እምነትን ነቲ ሓሲብዎ ዝነበረ ፍርዲ ከየውርደሎም ወሰነ።
እቲ ኰራዪ ነብዪ
ኣርብዓ መዓልቲ ሓለፈ: ኣብ ነነዌ ዝወረደ ነገር ከኣ የሎን። (ዮናስ 3:4) ዮናስ ሰብ ነነዌ ከም ዘይጠፍኡ ምስ ፈለጠ: ኣዝዩ ጕህዩ ተቘጥዐ: ከምዚ ኢሉ ድማ ጸለየ:- “ዎ እግዚኣብሄር: እልምነካ አሎኹ: እቲ ኣብ ሃገረይ ከሎኹ እተዛረብክዎስ እዚዶ ኣይኰነን፧ መሓርን ርሕሩሕን ንዅራ ደንጓይን ብዓል ዓብዪ ሳህልን ንእኩይ እትጥዐሰሉን ኣምላኽ ከም ዝዀንካ ስለ ዝፈለጥኩ: ስለዚ እየ ቐዲመ ናብ ተርሲስ ዝሀደምኩ። ዎ እግዚኣብሄር: እምበኣርሲ ሕጂ ኻብ ብህይወት ምንባር ሙማት ይሕሸኒ እሞ: እልምነካ አሎኹ: ንነፍሰይ ካባይ ውሰዳ።” ኣምላኽ ድማ “ብምዅራይካስ ጽቡቕዶ ትገብር አሎኻ፧” ብምባል ብሕቶ መለሰሉ።—ዮናስ 4:1-4
ሽዑ ዮናስ ብትዕቢት ካብታ ከተማ ወጸ። ነታ ከተማ እንታይ ከም ዝወርዳ ንኽርኢ ኣብ ትሕቲኡ ኰፍ ኢሉ ምእንቲ ከጽልል ዳስ ሰርሐ። ድሕርዚ የሆዋ ብድንጋጸ “ንዮናስ ርእሱ ኸተጽልሎ እሞ ኻብ ሕሰሙ ኸተናግፎ ኢሉ: ጕልዒ ኣዳለወ: ኣብ ልዕሊኡ ድማ ኣዕበያ።” ዮናስ በታ ጕልዒ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ እተሓጐሰ! ይኹን እምበር: ኣምላኽ ነታ ተኽሊ ምእንቲ ክወቕዓ ሓሰኻ ኣዳለወ: ክትቅምስል ከኣ ጀመረት። ጸኒሓ ምሉእ ብምሉእ ነቐጸት። ኣምላኽ ወሲኹ ውዑይ ንፋስ ምብራቕ ለኣኸ። ሕጂ ጸሓይ ክሳዕ ዘሕለሉ ነቲ ነብዪ ኣብ ርእሱ ወቕዓቶ። ንኽመውት ድማ ለመነ። እወ: ዮናስ ብተደጋጋሚ “ካብ ብህይወት ምንባርሲ ሙማት ይሕሸኒ” በለ።—ዮናስ 4:5-8
ሕጂ የሆዋ ይዛረብ። ንዮናስ ከኣ “በታ ጕልዒ ኽትቍጣዕዶ ይግብኣካ እዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። ዮናስ ከኣ “ክሳዕ ሞት ክቝጣዕ እኳ ይግብኣኒ እዩ” በለ። ሽዑ የሆዋ ነቲ ነብዪ “ንስኻ በታ ዘይደኸምካላን ዘየዕቤኻያን: ብሓንቲ ለይቲ ዝበቘለት ብሓንቲ ለይቲ ድማ ዝጠፍኤት ጕልዒ ጕሂኻ” ብምባል ተዛረቦ። ኣምላኽ ወሲኹ ‘ኣነኸ ነታ ዓባይ ከተማ ነነዌ: የማኖም ካብ ጸጋሞም ኪፈልዩ ዘይኽእሉ: ካብ 120,000 ዝበዝሑ ሰብን ብዙሓት እንስሳን ዘለውዋዶ ኣይርሕርሓላን እየ፧’ ዝብል ምኽንያት ኣቕረበሉ። (ዮናስ 4:9-11) እቲ ቅኑዕ መልሲ ግሉጽ ኢዩ።
ዮናስ ተጣዒሱ ኢዩ ነታ ብስሙ እተጻሕፈት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ ንኽጽሕፍ ብህይወት ጸኒሑ ኢዩ። እቶም ባሕረኛታት ንየሆዋ ከም ዝፈርሕዎን መስዋእቲ ከም ዘቕረብሉን መብጽዓ ከም ዝገበሩን ብኸመይ ፈሊጡ፧ ብመለኮታዊ መርሒነት ወይ ከኣ ምናልባት ኣብቲ ቤት መቅደስ ሓደ ካብቶም ባሕረኛታት ወይ ገየሽቲ ነጊርዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።—ዮናስ 1:16፣ 2:5
“ትእምርቲ ዮናስ”
ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ንየሱስ ክርስቶስ ትእምርቲ ምስ ሓተትዎ ከምዚ ዝስዕብ በሎም:- “ክፉእን ዘማውን ወለዶ ትእምርቲ ይደሊ። ብዘይ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ድማ ካልእ ትእምርቲ ኣይውሀቦን።” የሱስ ወሲኹ “ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓብዪ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ከም ዝገበረ: ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኪገብር እዩ” በሎም። (ማቴዎስ 12:38-40) መዓልትታት ኣይሁድ ጸሓይ ምስ ዓረበት ኢዩ ዝጅምር። ክርስቶስ 14 ኒሳን 33 ከ.ኣ.ዘ. ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ ኢዩ ሞይቱ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ቅድሚ ጸሓይ ምዕራባ ድማ ኣካሉ ኣብ መቓብር ተነብረ። 15 ኒሳን ካብታ ምሸት እቲኣ ጀሚራ ክሳዕ እታ ሻብዓይትን ናይ ሰሙን መወዳእታ መዓልትን ዝዀነት ቀዳም ጸሓይ ክሳዕ እትዓርብ ከኣ ቀጺላ። ሽዑ 16 ኒሳን ጀሚራ ክሳዕ እታ ሰንበት ኢልና እንጽውዓ መዓልቲ ጸሓይ እትዓርብ ድማ ቀጺላ። በዚ ኸምዚ የሱስ እንተወሓደ ገለ ግዜ ናይ 14 ኒሳን ሞይቱ ኣብ መቓብር ነይሩ: ኣብ 15 ኒሳን ብምልእታ ተቐቢሩ: ኣብ 16 ኒሳን ሰዓታት ለይቲ ድማ ኣብ መቓብር ጸኒሑ። ሰንበት ንግሆ ገለ ኣንስቲ ኣብቲ መቓብር ምስ መጻ ድሮ ተንሲኡ ነይሩ።—ማቴዎስ 27:57-61፣ 28:1-7
የሱስ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ክፋላት ኣብ መቓብር ነበረ። በዚ ኸምዚ ጸላእቱ “ትእምርቲ ዮናስ” ተቐበሉ: ክርስቶስ ግን “ሰብ ነነዌ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ: ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ኺትንስኡን ኪዅንንዎን እዮም። እንሆ: ካብ ዮናስ ዚዐቢ ኣብዚ አሎ” በለ። (ማቴዎስ 12:41) ኣየወ እዝስ ክንደይ ኰን ሓቂ ኢዩ! ኣይሁድ: እቲ ካብ ዮናስ ዝዓቢ ነብዪ: የሱስ ክርስቶስ ኣብ ማእከሎም ነይሩ ኢዩ። ዮናስ ንሰብ ነነዌ እኹል ትእምርቲ እኳ እንተ ነበረ: የሱስ ካብቲ ነብዪ እቲ ኣዝዩ ብዝበለጸ ስልጣንን ደጋፊ መርትዖን ገይሩ ሰቢኹ ኢዩ። ይኹን እምበር: እቶም ኣይሁድ ብሓፈሻ ኣይኣመኑን።—ዮሃንስ 4:48
እቶም ኣይሁድ ከም ህዝቢ መጠን: ነቲ ካብ ዮናስ ዝዓቢ ነብዪ ትሕት ኢሎም ኣይተቐበልዎን ኣይኣመንዎን እውን። ኣባሓጎታቶምከ ከመይ ኢዮም ነይሮም፧ ንሳቶምውን እምነትን ትሕትናን ኣይነበሮምን። የሆዋ ንዮናስ ናብ ነነዌ ዝለኣኾ እኳ: ኣብ መንጎ እቶም እተናስሑ ሰብ ነነዌን እቶም ፈጺሞም እምነትን ትሕትናን ኣጕዲሎም ዝነበሩ ተረርቲ ክሳድ እስራኤላውያንን ዘሎ ፍልልይ ንምንጻር ኢዩ።—ምስ ዘዳግም 9:6, 13 ኣረኣእዮ።
ብዛዕባ ዮናስከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ምሕረት ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ ከም ዝዀነ ተማሂሩ ኢዩ። ብተወሳኺውን: ዮናስ ብዛዕባ እቲ ንሰብ ነነዌ እተራእየ ድንጋጽ ምስ ኣጕረምረመ: የሆዋ ዝሃቦ ምላሽ: ንዓናውን ሰማያዊ ኣቦና ኣብ ግዜና ንዘለዉ ሰባት ምሕረቱ ክዝርግሓሎም ከሎ ካብ ምጕርምራም ከም እንቝጠብ ይገብረና። እምበኣር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣሽሓት ብእምነትን ብትሑት ልብን ናብ የሆዋ ክምለሱ ክንርኢ ከሎና ክንሕጐስ ከድልየና ኢዩ።