-
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: መጽሓፍ ቍጽሪ 34 ናሆም“መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ” ሓቅነቱ እተረጋገጸን ጠቓምን እዩ፣ ኤር-ሚል
-
-
“ጾር ነነዌ።” (ናሆም 1:1) ትንቢት ናሆም በዘን ንሕማቕ ነገራት ዜመልክታ ቓላት እያ እትጅምር። ስለምንታይ ግን እዩ ነዚ ንጥፍኣት ዜመልክት ኣዋጅ ዝኣወጀ፧ ብዛዕባ እታ ጥንታዊት ነነዌ እንታይ ይፍለጥ፧ ታሪኻ በተን “ከተማ ደም” ዚብላ ናሆም እተዛረበን ክልተ ቓላት ተገሊጹ ኣሎ። (3:1) ኣብ ምብራቕ ገማግም ፈለግ ጢግሪስ: ኣብ መንጽር እታ ኣብ ሰሜናዊ ኢራቕ እትርከብ ከተማ ሞሱል ዘሎ ኽልተ ዅርባ: ጥንታዊት ነነዌ ዝነበረትሉ ቦታ እዩ። ብመናድቕን ብማያትን እተዓርደት እያ ነይራ: ኣብቲ ዝደሓረ ኽፋል ታሪኻ ድማ ርእሲ ኸተማ ሃጸያዊ ግዝኣት ኣሶር እያ ነይራ። እንተዀነ ግን: እታ ኸተማ ብግዜ እቲ “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጅግና ሃዳኒ” እተባህለ ኒምሮድ እያ ተደኲና: ንሱ “ናብ ኣሶር ወጸ: ንነነዌ . . . ሰርሔ።” (ዘፍ. 10:9-11) በዚ ኸምዚ ነነዌ ተደኰነት። ብፍላይ ኣብቲ መወዳእታ ኸባቢ ሃጸያዊ ግዝኣት ኣሶር: ብግዜ ንግስነት ሳርጎን: ሰናክሬብ: ኤሳር-ሓዶን: ከምኡውን ኣሹርባኒፓል ስምይቲ ዀይና ነበረት። ብውግኣትን ብወረራታትን ኣቢላ ብዝኣከበቶ ምርኮ ሃብተመት: በቲ ገዛእታ ኣብቶም ብዙሓት ምሩኻቶም ዚፍጽምዎ ጭካነ ዝመልኦን ዜስካሕክሕን ግፍዒ ድማ ዕልልቲ ዀነት።a ሲ. ዳብሊው. ሲራም: ኣብታ ጎድስ: ግሬቭስ ኤንድ ስኮላርስ (1954) ዘርእስታ መጽሓፉ: ኣብ ገጽ 266 ከምዚ በለ:- “ነነዌ ብቕትለትን ብዘመተን ብጭቈናን ንድኹም ብምዕማጽን፣ ብውግእን ብዅሉ ዓይነት ኣካላዊ ዓመጻን፣ በቶም ንህዝቦም ብራዕዲ ዚጸቕጥዎምን መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ በቶም ካባታቶም ንላዕሊ ዚጭክኑ ተጻባእቶም ዚጠፍኡን ደማዊ ስርወ-ንግስነት ገዛእታ እያ ኣብ ሕልና ደቅሰብ ተቐሪጻ።”
-
-
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: መጽሓፍ ቍጽሪ 34 ናሆም“መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ” ሓቅነቱ እተረጋገጸን ጠቓምን እዩ፣ ኤር-ሚል
-
-
3 ትንቢት ናሆም ሓጻር እኳ እንተ ዀነት: ብዙሕ ኣገዳሲ ነገራት ኣለዋ። እቲ ብዛዕባ እቲ ነብዪ እንፈልጦ ነገራት ኣብተን “መጽሓፍ ራእይ ናሆም ኣልቆሻዊ” ዚብላ ቓላት እዩ ዚርከብ። ስሙ (ብእብራይስጢ: ናኹም) “መጸናንዒ” ማለት እዩ። መልእኽቱ ንነነዌ መጸናንዒ ኸም ዘይነበረ እተረጋገጸ እዩ: ነቶም ናይ ሓቂ ህዝቢ ኣምላኽ ግን እቲ ዘየናሕስን ሓያልን ጸላኢ ብምውጋዱ እተረጋገጸን ነባርን መስተርሆ ኸም ዚረኽቡ እትገልጽ እያ። ናሆም ብዛዕባ ሓጢኣት ህዝቡ ዘይጠቅስ ምዃኑ እውን ዜጸናንዕ እዩ። ኣልቆሽ ኣበይ ከም ዝነበረት እኳ እንተ ዘይተፈልጠ: እቲ ትንቢት ኣብ ይሁዳ እተጻሕፈ እዩ ዚመስል። (ናሆ. 1:15) እቲ ብ632 ቅ.ክ. እተፈጸመ ምውዳቕ ነነዌ: ናሆም ነቲ ትንቢቱ ኺጽሕፎ ኸሎ ገና ኣይተፈጸመን ነይሩ: ነዚ ፍጻመ እዚ ኸኣ ምስቲ ቕድሚኡ ነዊሕ ከይገበረ ዘጋጠመ ምውዳቕ ኖ-ኣሞን (ቲብጽ: ኣብ ግብጺ) ኣነጻጺርዎ ኣሎ። (3:8) ስለዚ: ናሆም ንትንቢቱ ኣብቲ እዋን እቲ ጽሒፍዎ ኪኸውን ኣለዎ።
-